ሎምስ በዓትኻ ድለ !

2015-06-28 10:19:12 Written by  ኣንቶንዮ ተስፋይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2410 times

ኣንቶንዮ ተስፋይ

27 ሰነ 2018

ማይ ዘየዕቝር ሰባር ገንኢ

ቀትሪ ሰብ፡ ለይቲ ዝብኢ

ዝብሎ'ምበር ዝፍጽሞ ዘይርኢ

ዜጋታት ሰሚሮም ብውሽጢ ወጻኢ

ሎምስ በዓትኻ ድለ ቢንቶ መሕብኢ፡

ጎብለል፡ ሽመልባ፡ ሓዲ ሓርሽ፡ ማይ ዓይኒ

ውዕሎ ጀነቭ ሓቦ ምንካስ ስኒ

ደጊም ከብቕዕ ሞት፡ ሪጋ ላምባ ባኒ

ተመስገን ፈጣሪ'ዚ ዘርኣካኒ

ሕሩመይ፡ ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣይሓድር ኣይቕኒ፡

              ከም ኣንጭዋ ኣብ ለቖታኣ

              እምበር ህ.ግ.ዲ.ፍ ደኣ

              በጺሑ'ንድዩ ኣብ ጀንቭ ኣብኣ

              ዓለም ብዓለሙ ዝዛተየላ ዝጋባኣ

              እሞ ሓቂ ዘይብሉስ ካበይ ከምጽኣ፡

ስርሒት ምልኪ ጃህራ ሓሶት

ጭራኻ ዶጊልካ ኣየወ ውርደት

ክትኸዶ ጎልጎል ክትምለስ ዓቐበት

ኣይንርኣዮ ንህ.ግ.ዲ.ፋዊ ዝረኽበት

ሞት ኣድጊ ኮይኑ ጎተት፡

            ክትለኣ'ኻ፡ እንተበሉ

           ስቕ ኢልካ ዶ ትዕዘር ከም ባሊሉ

           ኣድራሻ ዘይፍሉጥ መልእክቲ ዘይብሉ

           ጽውያ ሓሊቦ ደኣ ዘይክምኡ እንደኣሉ

           ፊንጥራዕ ዝኣመሎም ዒሉ ወዲ ዒሉ፡

ሰላም እንተበልኹምስ፡ ንግፍዒ ተድምጹ

ዘይበላዕኩምሉ መኣዲ፡ ከንፈርኩም ተልምጹ

ንጥፍኣት ህዝብኹም ትልህልሁ ትርህጹ

ጀነቭ ከይገሽኩም ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘይትመርጹ

ዕደ ደኣ ፍትሕስ፡ ካብ ኢሰያስ የለን ቕበጹ፡

              ዕልል በሊ ተሓጎሲ ኣደ

              በጺሑ ናይትኪ ግደ

              ቤት ፍርዲ ክበጽሕ ዝሓንገደ

              ኣይመሓርን ኢድኪ ከይነስአ፡ ብርክኺ ከይሰገደ

              ሕጂስ ንሓዲኡ'ዩ ዝወለደ እንተወለደ፡

ኣሳፍሒ ኩርዒ ኣንጽፊዮ ኣጓዛ

ጅማትኪ ክፍታሕ ክወጻልኪ ቃንዛ

ኣዕዋፍ በረኻ ክምለሳኺ ባሬቶ፡ዋሪ፡ራዛ

መጥፊእቱ'ያ ባዕሉ ዝመሃዛ

ደጊም ገበን ተሰኒዳ'ያ ጸብጻብ ተታሒዛ፡

              ሃየ በል ኣቦይ ነዊት ኣውርዶ

              ሃጸይ ምስ ከፈይ ክትጽመዶ

              ዓይንካ ከቛምት ነቲ ዝለመዶ

              ልሙዕ ሩባ፡ ቀላቕል ማዕዶ

              ጾርካ ኣራግፍ ጸላኢኻ ይኽበዶ፡

ኣገናዕ እወ ሽሕ ኣገናዕ

በሊሕ መንእሰይ ተባዕ

ኣትሪርካ ርገጽ ጽናዕ

ኣይትጠራጠር ምናዕ

ፍሉይ ዝቦታኻ ሃገራዊ ጽዋዕ፡

               ዋዕሮ ንብዓትኪ ጽረጊ

               ሎሚ ካዕቦ የለ ፈርጊ

               መሰልኪ ክፍለጥ ብስርዓት ብሕጊ

               ማዕረ ክትምጕቲ ብዘንጊ

                ወላዲት ጀጋኑ ፈራይት ሓድጊ፡

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ

Last modified on Sunday, 28 June 2015 12:20