ኤርትራዊ ኣደ፡ ስለምንታይ ወትሩ ድርምምቲ?

2015-06-22 16:58:00 Written by  ኣርዓዶም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2364 times

ኣብ ባህልና ከም ሓደ ካብ መለለዪታትና ኮይኑ ዝቐርብ ኣሰራርሓ ጸጉሪ ርእሲ እዩ። እዚ ንክልቲኡ ጾታ ዝምልከት ኮይኑ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ሰፊሕ ዝርዝር ኣለዎ። ናይ ወዲ ተባዕታይ ኣሰራርሓ ጸጉሪ ጎተናን ዓሊባበን ኣብ ዝብሉ ዝተወሰነ እዩ። እዚ ከም ሓደ ባህላዊ መለለዪ ኢለ ኣስፊረዮ ዘለኹ ንኣሰራርሓ ጸጉሪ ዝምልከት ዛዕባ፡ ከባቢ፡ ጾታ፡ ዕድመን ኣጋጣምን መሰረት ገይሩ ዝፈላለ ምዃኑ ድማ ከይጠቕስኩዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ከምቲ ዝበልኩዎ እዚ ኣሰራርሓ ጸጉሪ ርእሲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብፍላይ ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ጋመ፡ ሳዱላ፡ ሽብላሎ፡ ኣልባሶ፡ ግልብጭን ድርምምን ዝብሉ ኣስማት ኣለዉዎ። ኣብ ካልእ ከባቢታትና ድማ ዝተፈልየ ኣስማት ከም ዝህልዎ እግምት። ብመንጽር ኣሰራርሓ ጸጉሪ ምስ ኣጋጣምታት ዘለዎ ዝምድና ግልብጭን ኣልባሶን ኣብ ናይ ሓጐስ ግዜ ክዝውተሩ እንከለዉ፡ ድርምም ድማ ኣደታትና ናይ ቀረባ ቤተሰብ ክሞተን እንከሎ ዝስረሐኦ ናይ ሓዘን መግለጺ እዩ። ኣብ ገለ ከባቢታት ኣደታት ብፍላይ ምስ ሞት በዓል ቤተን ጸጉረን ይላጽየኦ እሞ ንሓያሎ ዓመታት ካብ ኩሉ እዚ ዝጠቐስኩዎ ኣገባብ ኣሰራርሓ ጸጉሪ ርእሲ ዝሕረማሉ ኣጋጣሚ ኣሎ።

ሓንቲ ኣደ ተደርሚማ እንተርኢኻያ እሞ ድማ ምስኡ ጥራይ ክሳዳ እንተኾይና ሓዘንተኛ ንምዃና ካልእ ተወሳኺ መግለጺ ኣየድልየካን። ምናልባት ግና ዝርዝር ኩነታት ናይቲ ናብዚ ሓዘን ዘብቀዓ ንምፍላጥ ጥራይ ክትሓታ ትኽእል። ኣደታት ሓዘነን ንምግላጽ ንዝተወሰነ ግዜ እየን ዝድርመማ። ደሓር ከከም ቅርበት ናይቲ ዝሞተን ዘመድ፡ በዓል ቤት፡ ሓው፡ ሓብቲ ወይ ውላድ ተራእዩ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ብቐረበን ትይድበሳ። ካብቲ ናይ ምድባሰን ምልክት ሓደ ድማ ድርምመን ተፈቲሑ ጸጉሪ ርእሰን ብኻልእ ኣገባብ ምቑናኑ’ዩ። ኣብቲ ግዜ ምድባስ ከዓ “በሊ እዚ ናይ ሓዘንኪ ወሰን ይግበረልኪ” ይበሃላ’ሞ ንሳተን ድማ “ኣሜን” ኢለን ንደበስተን የመስግና። ሓዘን እንተደኣ ተደጋጊምወን ግና እቲ ድርምም እውን ብድርምሙ ይቕጽል።

ብመንጽር እዚ ኤርትራዊት ኣደ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ተተኻኻኢ ሓዘን ወትሩ ምስ ብድርምምታ እያ ትነብር ዘላ። ኤርትራዊት ኣደ ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ነጻነት ብዝተፈላለዩ ግፍዕታት ቤተሰባ ይሞቱ ስለ ዝነበሩ፡ ክትርመም’ያ ጸኒሓ። ናጽነት ኮይኑ፡ ብዝተወሰነ መልክዑ’ውን እንተኾነ ኣስማት ስዉኣት ምስ ተነግረ፡ ውላ”ኳ በቲ ሳላ መስዋእቶም ዝተረኽበ ዓወት ሓዘና ውሒጣ ተደዓዒሳ ክትቀርብ እንተፈተነት፡ ከስዐ ኣደ ስለ ዝኾና፡ ነቲደጋዊ ምልክት ገዲፍካ፡ ብውሽጣ ካብ ሓዘን ዓዲ ኣይወዓለትን። እቲ ንደገ ከይወጽእ ትዓግቶ ዝነበረት ንብዓታ ከዓ ንውሽጢ ካብ ምፍሳስ ኣየዕረፈን። ዋላ’ኳ “ከምኡ ደስ ስለ ዝበለኒ እየ” ዝብል ምኽንያታት እንተሃበት፡ ድርምማ ኣይተረፈን። ሓደ ተስፋ ግና ነይሩዋ። ሓዘናን ድርምማን ኣብኡ ከብቅዕ። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይህዱእ ፖሊሲ ጉጀለ ህግደፍ ሓዘና ኣይተደረተን። ድርምማ ከዓ ኣይተፈትሐን። ናይ ግድን ኣብ ዘይነበረ ውግኣት ምስ ሱዳን፡ ምስ የመን፡ ምስ ጅቡቲ፡ ብዓብይኡ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ውግኣት ብዝተሰወኡ፡ በዓል ቤታ፡ ውላዳ ኣሕዋታ ሓዘና ተድጊሱ፡ ድርምማ ድማ መሊሱ ጸኒዑ። ዋሕዚ ንብዓታ ኣይዛረየን። ኣቦ እውን ይሓዝን እዩ’ሞ ግና እቲ ሓዘን ኣብታ ናይ ልውሃት ኣብነት ዝኾነት ኣደ ከም ዝገድድ ዝሰሓት ኣይኮነን።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ንሳ ባዕላ እታ ኤርትራዊት ኣደ እያ “ስለምንታይ ወትሩ ይድርመም?” ኢላ ክትሓትት ዝግበኣ። ናይዚ ሕቶኣ መልስን ናይቲ ዘይዛሪ ሓዘና ጠንቅን ምስ ፈለጠት ከዓ ንሳ እያ ነቲ ሕቶ ኣብ ምምላስ ኮነ ነቲ ጠንቂ ኣብ ምውጋድ መሪሕ ግደ ከተበርክት ዝግበኣ። እዚ ናይ ኣደታት “ወትሩ ድርምም” ናይ ሓዘንን እህህን ግዜ፡ ኣደታት ነንሕድሕደን ብዝደባበሰኦ’ሞ መሊሱ ብዝድገስ ኣገባብ ኣይኮነን ዝፍታሕ። እቲ ፍታሕስ ነቲ ጠንቂ “ወትሩ ድርምም” ንሓዋሩ ከምዘይምለስ ምውጋዱ እዩ። ወጽዓ ኣደታት ማለት ብሓፈሻ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ወጽዓ ኣብ ኩሉ ምዕራፋት ቃልሲ ኣዝዩ ዝኸበደን ድርብን እዩ። ኣብቲ ነዚ ከቢድ ወጽዓ ናብ መሰረቱ ዝደልደለ ራህዋ ንምቕያሩ ዝግበር ቃልሲኸ ማዕሪኡዶ ኣሎ እጃመን? ንዝብል ሕቶ ኣብ ምምላስ ግና እቲ ክኸውን ዝግበኦ “እወ መሪሕ እየን” ዝብል እዩ። “ብተግባርከ ከምኡዶ ኣሎ?” ንዝብል ግና ኣፍካ መሊእካ እወ እትብሎ ኣይኮነን። ዝያዳ ብብሩህ ንምግላጹ ተሳትፎአን ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ትሕቲ ግምትና እዩ።

ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ከምኡ ኣውን ማሕበራት ካብ ዘቕርብዎ ስኽፍታታት ሓደ ሕጽረት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ቃልሲ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። እዚ ብተግባር’ውን ዝረአ ዘሎ እዩ። እሞ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ብቑጽረን ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ምናልባት እውን እንትዘይበዚሑ፡ ወጽዓአን ድማ ዝመረረ እንዳሃለወን ሃብታም ተመኩሮ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ እንዳወነናን እዩ። ስለምንታይ ደኣ ከምኡ ይኸውን? እዚ ብዘይወዓል ሕደር ክምልስ ዝግበኦ መሰረታዊ ሕቶ እዩ። ተተሓሒዙ ዝመጸ ባህላዊ ተጽዕኖን ስፍሓት ቤተሰባዊ ሓላፍነትን፡ ኣደታትና ካብ ቃልሲ ንክርሕቃ ኣስተዋጸኦ ከም ዘለዎ ከይዘንጋዕካ፡ ብኩራተን ክሳብ ክንድዚ ምብጸሕሑ ግና ዋላ እንተገላበጥካዮ ቅቡል ኣይኮነን። ሎሚ ኣዋጃት፡ መግለጽታትን መጸዋዕታታትን ክቐርቡ እንከለዉ ቅድሚት ዝስራዕ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ንክሳተፋ ዝምሕጸን እዩ። ኣብ ከምዚ እየን እምበኣር ኤርትራውያን ኣደታት “ኣብዚ ቃልሲ መንዩ ዓዳማይ መንከ ተዓዳማይ?” ኢለን ክልዓላ ዝግበአን። ወየን ኣብቲ ዝሓለፈ ኤርትራዊ ሰንሰለታዊ ናይ ናጽነትን መሰረታዊ መሰላትን ቃልሲ ኣብነታዊ ታሪኽ ዘለወን ኤርትራውያን ደቂ ቅንስትዮ፡ ሎሚ ብብኩራት ካብ ቃልሲ ክሕመያን ብተደጋጋሚ ሰብ ዝሰርሖ ሓዘን ምስ ድርምምን ምእሳር ፈትልን ኣሳንየን ክነብራን ፈጺሙ ቅቡል ኣይኮነን።

እቲ ቃልሲ ነዊሑ፡ ኣቲ ኣሰላልፋ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘተባብዕ ዘይምዃኑ ካብቶም ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ቃልሲ ከይተግሃ ዝዓግቱ ምኽንያታት ኮይኖም ይቐርቡ እዮም። እዞም ጸገማት የለዉን ኢልካ ምክርኻር ኣይከኣልን። እንተኾነ በቲ ሓደ ወገን እተን ኩሉ ወዲ ተባዕታይ ክገብሮ ዝኽእል ገይረን ነጻነት ዘውሓሳ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ በዚ ምኽንያት ካብ ቃልሲ ክበኹራ ቅቡል ኣይኮነን። በቲ ካልእ ወገን ከዓ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ዘይጥጡሕ ናይ ቃልሲ መንገዲ ኣብ ምጥጣሕ ዓቕመን ትሕቲ ወዲ ተባዕታይ ስለ ዘይኮነ ንብኩራተን ካብ ቃልሲ ቅቡል ምኽንያት ጌርካ ዝውሰድ ኣይኮነን። እምበርከ ነቲ ዝርካቡ ዕድልከ ተጠቒመናሉ ድየን። ብሓጹሩኸ እቲ ዝያዳ ተደራራቢ ወጽዓ ዘለዉ ኣካልዶ ኣይኮነን፡ ኣብቲ ኣንጻር ወጽዓ ዝግበር ቃልሲ ቅድሚት ክስለፍ ዝግበኦ።

22 ሰነ 2015

Last modified on Monday, 22 June 2015 18:59