ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ 18 ኣዋርሕ እንተ ተመልሰ እውን ንበይኑ ፍታሕ ኣይኮነን

2015-06-21 09:32:51 Written by  ክብሮም ግረነት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2205 times

          ብቀዳምነት 20 ሰነ መዓልቲ ስዉኣትና ስለ ዝኮነት ነቶም ኩሎም ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን ካብ ገዛውቶም ውጺኦም  መስዋእትነት ከፊሎም ዝተረፉ ክብሪን ምስጋናን ይብጻሓዮም። እንተዀነ ኣብቲ ናይ ኩሉና ዓዲ ኮይኖም ፣ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ስደትን ስቓይን ሞትን ብማዕዶ እናተዓዘቡ ከምዘይቀስኑ ገይሩዎም ኣሎ ። ጉጂለ ህግደፍ ክሳብ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰላምን ቅሳነትን ድምጸን ኣርሒቐን ገይሸን ኣሎዋ። ስለዚ ኩሉና ነዚ ተመንዚዑና ዘሎ ክብሪ ክንመልስ ንወደብ! እዚ ድሕሪ ምባል ኣብ ኣርእስተይ ክምለስ።

          ኣብዘን ዝሓለፋ ወርሓት መርበባት ህግደፍ ከምቲ ልሙድ ናይ 03 ናይ ምድንጋር ባህርያተን ንጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ወርሒ ክምለስ ምዃኑ ኣማኻሪ ናይቲ መራሕ ጉጂለ ንገለ ናይ ወጻእተኛታት ወከልቲ ከምእተማጸዓሎም ይገልጻ ኣለዋ ። እንተኮነ እዚ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ተነጺሎ ዘናግፎ ኣይኮነን ። ኮነ ተባሂሉ ህዝቢ ንምድንጋር ዝጻወቶ ገበጣ ኮይኑ ኩሉ ግዜ ከኣ ተሳዒሩ እንከሎ ተዓዋቲ ዝኮነሉ እዩ ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ዘዋጽኦ ኣይኮነንን።  

          ኣብ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ዓመታት ብሰንኪ ዓንዳሪ ምሕደራ ጉጂለ ህግደፍ ዝተኣታተዎ ስእነት ልዕልና ሕጊን ብልሽውናን ፣ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዝፈጠሮ ገይሮም ዝገልጽዎ ፎኮስቲ ሕልና ኣይተሳእኑን ።ሃገራዊ ኣግልግሎት ሓደ ካብቶም መራሒ ጉጂለ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክነብር ፣ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ እንተሰለጦ ንደቡብ ገጹ እውን ክግልገለሉ ዝሰኣሎ ውጥን ምዃኑ ሕጂ እናተነጸረ ዝመጽእ ዘሎ ኣዋጅ እዩ ።

          ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ ክእወጅ እንከሎ ፣ ባይቶ ኤርትራ ተካቲዒሉ ኣጽዲቁዎ ዘይኮነ ፣ መራሕ ህግደፍ ክትግበር ከም ሓሳብ ድሕሪ ምቅራቡ ፤ ኣባላት ባይቶ ድሕሪ ባይታ ናይቲ ኣዋጅ ከይተረዱኡ ይርሓሰና ዝበሉዎ ምዃኑ እዩ ዝንገር ። ከም ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዝትግበር ኮይኑ ፤ እቶም ዜጋታት እቲ ግቡእ ኣዋርሒ ምስ ወድኡ ኣብ ዘዝመረጽዎ መደባት ስራሕ ዝዋፈሩሉ ፍጻሜ እዩ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኤርትራ ግን ነቲ መንእሰይ ካብ ከተማታት ኤርትራ ኣርሕቅካ ንናቱ ረብሓን ጥቅምን ከምዝይቓለስን ብዘይ ዶምዝ ዘገልግል(ሓውሲ ባርያ) ኮይኑ ክነበር ዝዓለመ እዩ ።

          ኣብ ሊበራል ዲምክራሲ ዜጋታት ብውሑስ ዝኮነ ሕግታት ርእሰ -ማሎም ፣ ከዋፍሩን ሽቅለት ክፈጥሩን እንከለዉ እቶም መንግስታት ከኣ ኩነታት ሰርሓተኛታትን ሕግን ጸጥታን ግብሪን ናይ ምቁጽጻር ሓላፍነት ይህሉዎም ። ድኻን ሃብታምን ከም ማይን ዓሳን እቲ ሓደ ብዘይ ህሉውና ናይቲ ካልእ ክነበር ዘይክኣል እዩ ። ብዘይ መክሰብ ከኣ ወፍሪ ርእሰ ማል ዝብሃል የለን ።ኣብ መዋእል መግዛእቲ ህግደፍ ፣ እቲ ድኻ ብቅድሙ ኣይጽንሖን ፣ እቲ ቁሩብ ርእሰ-ማል ዝነበሮ ከኣ ብዝተፈለለየ ምክንያታት እናፈጠሩ ከም ዝደኺ ገይሮሞ  እዮም ። ሕጂ ተታሕዝካ ፈፎው ኮይኑ ። መንግስቲ ኩነታት ኢንቨስትመንት ከጠዓዕም  እምበር መንግስቲ ስራሕ ኣይፈጥርን ። ዝኮነ ሰርሓተኛ ጥዑይ ዶሞዝ ዘይክፍለሉ ብትግሃት ክሰርሒ ኣብ ታሪኽ ድቂ ሰባት ኣይተርኣየን ። ጉጂለ ህግደፍ ቁጠባዊ ፖሊሲ የብሉን ። ስልዚ ከኣ እዩ እቲ መራሕ ጉጂለ ኩሉ ኣብዘን 24 ዓመታት ዝፈተኖ ህግደፋዊ ቲዮሪ ከምዝፈሸለ ዝገለጾ ።

          ኣብ ኤርትራ እቲ ጉጅለ ነቶም ምስ ኩሉ እቲ ዝጋጥሞም ኢሰብኣውነት ኣብ ሃገር ምኽልኽል ተጸሚዶም ዘለዉ ተጋደልቲ ከፈኑዎም እንተ ኮይኑ ፣ ስራሕ ክፍጥረሎም ኣሎዎ ። እንተኮነ በቲ ኣብ ኩሉ መደያቱ ፈሺሉ ዘሎ ናይ ቁጠባ ፖሊሲታቱን ፣ ኣብ ልዕሊኡ ብሕ/ ሃገራት ተኣዊጁ ዘሎ እገዳን ተነጽሎን ብተኣምር ካብ ኣትዩዎ ዘሎ ታኼላ ክውጽእ ኣይኮነን ። እቲ ዘዋጽኦን ዝቀለለን ኣብ ውሱን ግዜ ስልጣን ነቲ ዘጋፎዖን ዝብደሎን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከረኽብ ኣለዎ ።  

          ጉጂለ ህግደፍ ኣብ ደረጃ FAILED STATE ስለ ዝበጽሔ ብሓደ ኣንፈት ናይ ሀገራዊ ኣገልግሎት ኣብ 18 ኣዋርሕ ምምላሱ ክድሕን ፍጹም ኣይክእልን እዩ። እቶም ተረርቲ ልቢ ደገፍቲ ናይቲ ጉጂለ ክሳብ ሕጂ ዓይኖም እናረኣየ እዝኖም እናሰምዔ ክድግፍዎ ዝርኸቡ ምስቲ ጉጂለ መበቆላዊ ዝምድናታት ካብ ግዜ ቓልሲ ተጸኒዑ ዝተወደበ ህወት ስለ ዘለዎም እዩ

          ናይ ሓደ ዝፈሸለ ስርዓት ከም መምዘኒ ወይ መዔቐኒ ዝውሰዱ ትንተናታት ዝተፈላለዩ ይኹኑ ደኣ እምበር እቶም መሰረታውያን እዞም ዝስዒቡ ተርእዮታት እዮም ፡

  • መንግስቲ ንህዝቢ ክህቦ ዝግባእ ኣገልግሎት ከማልእ ምስ ዘይክእል
  • ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ጭቆና ክጻወሮ ስለ ዘይክእል ብብዝሒ ክስደድ እንከሎ ።
  • መንግስቲ ካብ ጎረቤቱን ማሕበረሰብ ዓለም ተነጽሎ ምስ ዘጋጥሞ ፣
  • ልዑላዊ መሬቱ ክከላክል ምስ ዘይክእል
  • ስልጣን መንግስቲ ኣብ ሓደ ውልቀ መላኪ ምስ ዝውነን
  • ኹናት ከም መፍቲሒ ሽግራቱ ምስ ዝጥቀም
  • ኤትኒካውን ሃይማኖታውን ግርጪታት ምስ ዘሳውር ፣
  • ጉቦን ምጥፍፋእን ፤ ስርቅን ክትለትን ምስ ዝነግስ

ኣብ ልዕሊ እዚ ኩሉ ኤርትራ ቅዋም ዘይብላ እንኮ ሃገር ምዃና ነዚ ኩሉ ሽግራት ክፍውስ ዝክእል መበገሲ ዝኸውን ገዚፍ ወፍሪ ናይ ፋይናንስን ዓቅሚ ሰብን  ከድሊያ እዩ ። ህግደፍ ክዕኑን ከብርስን እምበር ክሃንጽ ዘይተዓደለ ጉጂለ ጥፍኣት እዩ።

ዘለዓለማዊ ዝክሪ ንስውኣትና !

ክብሮም ግረነት

          

Last modified on Sunday, 21 June 2015 11:34