ጋዜጣዊ መግለጺ

2015-06-29 08:51:50 Written by  ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1990 times

ብዕለት 26 ሰነ 2015፡ ኣብ ጀኔቫ (ስዊዘርላንድ) ኣብ ዝተገብረ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝወሓዙ፡ ብኣዝዩ ዓቃባዊ ገምጋም፡ ልዕሊ 5000 ዝበጽሑ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ደገፎም ንመርማሪት ኮምሽን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዘየማትእ መገዲ ንምግላጽ፡ ኣብ ቅድሚ ኣብያተ ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሆጭ ኢሎም ውዒሎም።

ቁጽሪ ናይ ተሳተፍቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ፡ ብውሕጅን ዕልቕልቕን ዝግለጽ፡ መስተንክራዊ’ዩ ኔሩ። ብኣዝዩ ዓቃባዊ ገምጋም፡ እቲ ቁጽሪ ልዕሊ ዕጽፊ ናይቲ ድንጉራት “ደገፍቲ” ስርዓት ህግደፍ፡ ንምልኪ ዘለዎም ፍቕሪ ንምግላጽ ዘካየድዎ ናይ ዕለት 22 ሰነ ምትእኽኻብ እዩ ኔሩ።

ኣብ መልእኽቲ ናይቲ ዕለት ብትሪ ከም እተገልጸ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ ሓደ መሰረታዊ ሓቂ’ዩ ኣነጺሩ – ድምጺ ደለይቲ ፍትሒ ዘይዕፈን ምዃኑ! ብርግጽ፡ ሓይሊ ሚዛን ብርኡይ ይሰፍል ኣሎ። ኣብ ሞንጎ ድንጉራት ኣፍቀርቲ ምልክን ህግደፍን በቲ ሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ብፍቕሪ ሃገር ዝነደዱ ደለይቲ ፍትሕን፡ ይካየድ ኣብ ዘሎ ከቢድ ናይ ፍትሕን ዓመጽን ጥምጥም፡ እቲ ሓይሊ ሚዛን ናብ ረብሓ ደለይቲ ፍትሒ ዘቢሉ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ድንጉራት ደገፍቱ ኣኪቡ ዝፈጥሮ ዘሎ ናይ ቅብጽት ጫውጫውታ፡ ደጊም ንዓለም ኣይክዕብልላን’ዩ። ብኣንጻሩ፡ ደለይቲ ፍትሒ ፈጢሮሞ ብዘለዉ ዘናውጽ ናይ ፍትሒ ጻውዒት፡ ንዓለም ብዘይማትእ መገዲ ኣስሚዖማስ፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምብቃዕ ህጹጽ ስጉምቲ ክትወስድ ብዓውታ ይጽውዑ ኣለዉ። እቲ መልእኽቲ፡ ንጹርን ደሚቕን’ዩ። ይኣክል! ኢና ንብል ዘለና። እቲ መላኺ ይኣኽሎ፡ ይኺደልና። ንዝፍጸም ዘሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ድማ ምሉእ ሕጋዊ ተጸባጻብነት ይገበር።

እቲ መደብ፡ ልዕሊ ትጽቢት ብዝኸደ መዐቀኒታት ንኽዕወት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ንዘበርከቱ ወገናት ኩሎም፡ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ብልቢ ተመስግኖም።

ስዒቡ፡ ኣብቲ ዕለት ናይ ዝተነበ መልእኽቲ ምሉእ ትሕዝቶ ብትግርኛ ቀሪቡ ኣሎ። ናይ ዓረብኛን እንግሊዝኛን ትርጉም ኣብ ሓጺር ግዜ ክስዕብ’ዩ።

ድሕሪ ደጊም ድምጽና ኣይክዕፈንን’ዩ!

ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ

28 ሰነ 2015

///––///

ድምጽና ኣይክዕፈንን’ዩ!

ኣብዚ ዓለም ንገበናት ስርዓት ህግደፍ ኩሉ ፈሊጣቶስ፡ ሕጋዊ ተጸባጻብነት ክትገብረሉ ብዓውታ እትዛረበሉ ዘላ ወሳኒ መድረኽ፡ ህግደፍ ንኣንዒትን ኣእዛንን ማሕበረሰብ ዓለም ክደፍን ህርድግ ይብል ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዓና ንደለይቲ ፍትሒ ውን ድምጽና ክዕፍን ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ። ድምጽና ግን ኣይክዕፈንን’ዩ።

ከምቲ ደጋጊምና ንብሎ፡ ንሕና፡ ኣብቲ ቅኑዕ ጎደና ታሪኽን ኣብ ጸግዒ ፍትሕን ኢና ዘለና። ተሞክሮ ጨፍለቕትን መለኽትን ስርዓታት ከም ዝምህረና ድማ፡ ንምሸቱ ኣብ ፍትሒ ዝተወከለን ኣብ ሓቂ ዝተማእከለን ቃልሲ ዝዕወት ምዃኑ’ዩ።

ርድኢትና፡ ካብ ስምዒታውነትን ግዚያዊ ጦብላሕታን ሓሊፉ ናብ ግሁድ ክውንነት ክቕየር እንሆ በዒንትና ንርኢ፣ በእዛዝና ንሰምዕ፣ ብሕልናናን ኣእምሮና ድማ ነስተብህለሉ ኣለና። ደጊም ብምረትን እህህታን እንቑዝመሉ እዋናት ሓሊፉ፡ ገፋዕቲ ናብ ፍርዲ ዝቐርቡሉ እዋን ኢና ተገማጊምና ዘለና’ሞ፡ ባህ ብዘብል ስምዒት ከይተሃመልና፡ ናህሪ ቃልስና ብዝተዓጻጸፈ ክነሐይሎ ይግባኣና። ንምሸቱ ዓለም ድምጽናን ኣውያትናን ሰሚዓቶ እያ’ሞ፡ ነዚ ተረኽቦ’ዚ ናብ ወሳኒ መድረኽ ከም ዘሰጋገረና ነጥበ-መቐይሮ ጌርና እንተመዘንናዮ ምግናን ኣይኮነን።

እዚ ክንብል እንከለና ግን፡ ዕዮ ገዛና ጠቕሊልና ዛዚምና ማለት ኣይኮነን። ገና ብዙሕ ስራሕ ተሪፉና ከም ዘሎ ኣይንዝንግዕን። እቲ ናይ መወዳእታ ሸቶና በጺሕናዮ እንብል ድማ፡ ገፋዕቲ ዝግብኦም ፍርዲ ምስ ወሰዱ፡ ተገፋዕቲ ድማ ፍትሒ ምስ ተፈረደሎም’ዩ። እዚ ብናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮምሽን ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ ድማ፡ ንቓልስና ናህሪ ዝውስኽ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓይነታዊ ለውጢ ዘደልበና ፍሉይ ዕድልን ኣጋጣምን ብምዃኑ፡ ነዚ ንምርጋግጽን፡ ናይ ቃልሲ ወንና ንምሕዳስን ኢና ሎሚ ኣብዚ ተራኺብና ዘለና። ማዕረ ማዕርኡ ድማ፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት (crimes agnainst humanity) ዝግለጽ መጠን ዝሓለፈ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ቅልውላው፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ፍታሕ ከናድየሉ ንምጽዋዕ’ዩ።

እዚ ክንብል እንከለና፡ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ይሰጋገረሉ ኣብ ዘሎ ህሞት ኮይንና ንብሎ ዘለና ምዃኑ ብምስትብሃል እንኮላይ’ዩ። ብኣንጻሩ ግን ህግደፍ ነዚ ክዕፈን ዘይክእል ድምጽና ንምዕፋን ዝገብሮ ዘሎ ናይ ዓቕሊ ጽበት መናውራታት፡ ካብቲ ዘለዎ ዓቕሊ ጽበታዊ ወስታ ዝሓልፍ ከም ዘይኮነ ብዕምቆት ንርዳእ።

ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ክፍጽሞ ዝጸንሐ ገበናት ከይኣኽሎ፡ ሎሚ ሕሉፍ ሓሊፉ ናብ ኣባላት ናይታ መርማሪት ኮምሽን ሰጊሩ፡ ዘይሓላፍነታዊ ናይ ምፍርራሕን ምጉብዕባዕን ተንኮል ጀሚሩ ኣሎ። እንተኾነ እዚ ስንጊጥራዊ ባህርይ’ዚ ናብ ዝኸፍአ ተንጽሎ ኣእትይዎ ይርከብ ኣሎ።

እቲ ናይ መወዳእታ ንዕና ዘገድሰና ነገር፡ ብርግጽ ድምጽና ዘይዕፈን ምዃኑ’ዩ። ድሕሪ ደጊም ህግደፍ ንድምጽና ኣይክዕፍኖን’ዩ። ከምቲ ጀሚርናዮ ዘለና፡ ዘሎ ዘበለ ናይ ሓድነት ብኩራት እንዳኣረምና፡ ናብቲ ናይ መወዳእታ ሸቶና ክንበጽሕ ምዃና እንዳኣረጋጽና፡ ደጊምና ድምጽና ኣይክዕፈንን’ዩ ንብል።

ኣብ ኤርትራ ህግሰት ሰብኣዊ የብቅዕ!

ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ

26 ሰነ 2015

Last modified on Monday, 29 June 2015 11:59