ኤርትራ ኣብ 1991 ነቲ መግዛእታዊ ሓይሊ ሰራውሩ ሓግሒጋ ምስ ጸረገት፥ ህዝቢ ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ እፎይ ኢሉ ዘዕረፈላ ዓመት ኢያ ነይራ። ኣብዚ እዋን ኮይና ክንዝክሮ እንከለና፡ ታሪኻዊ ዝኾነ ውሳኔ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ሓይሊ መግዛእቲ ብክልቲኡ ሓይልታት ህዝባዊ ወያኔን ህዝባዊ ግንባርን ብዓብይኡ ድማ ሳላ ጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝቢ ኤርትራ ተደፊኡ ካብ መሬትና ምስ ወጸ ዝተኣወጀ ኣዋጅ እዩ። እቲ ኣዋጅ’ቲ ሽዑ ተተግቢሩ እንተዝኸውን ምናልባት እዚ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ወሪዱ ዘሎ ሽግር ኣይምወረደን። እቲ ኣዋጅ ’’ እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ናይ ናጽነት ቃልሲ ማለት ብረታዊ ቃልሲ ደጊም ኣብቂዑ እዩ። ዝተረፈ ቃልሲ ሓርነታዊ ቃልሲ ስለዝኾነ ኣብ ክንዲ ብረታዊ ቃልሲ ፖለቲካውን ሰላማውን ቃልሲ እዩ ክካየድ ዘለዎ።’’ ዝብል ነበረ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን በቲ ጅግና ተጋዳላይ ብትወደድ ኣብረሃ ምእንቲ ሃገሩን ህዝቡን ህይወቱ ክሳብ ንመስዋእቲ ዝተበጀወ ኣብ ማእሰርቲ ህግድፍ ዝበሊ ዘሎ ዝወጸት ካሴት እውን ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ብዝያዳ እተብርህ እያ። ብተወደድ ኣብረሃ ናይ ናጽነት መቐረት ከየስተማቐረ ምስ ስዕረት ሰራዊት ደርግ 1991 ኣብ ሸላ ቤት ማእሰርቲ ህግዲፍ ን6 ዓመታት ተኣሲሩ ንቑርብ ግዜ ወጺኡ ዝተዛረቦ ቃላት እዩ። እቲ ቃላት እቲ ኣብ ኣፍ ሓርገጽ ኰንካን፥ ካብ ማእሰርቲ ወጺእካ ነቲ ዝነበርካዮ ከይዘከርካን ኣብ ቅድሚ ጉጅለ ህግደፍ ምእንቲ ፍትሓን መሰልን ክትዛረብ ክሳብ ክንደይ ሓያል ጽንዓት ከምዝውንን እዩ ዘመስክር። ተመሊሰ ናብታ ዝነበርክዋ ሸላ ክምለስ እየ ኢሉ ድምብርጽ ከይበሎ ንህዝቢ ክንድቲ ዝኣክል ኣስተምህሮ ሂቡ።

እታ ካሴት ብትወደድ ኣብረሃ ብዝተዛረቦ ወርቃዊ ቃላት ዝመልአት ከምዝኾነት ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ትሕዝቶን ቊምነግርን ዓቂባቶ ዘላ መሃርን ትርጉም ዘለዎ ፖለቲካዊ ሓዘልን ከም ምዃኑ መጠን ነቲ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ምልኪ ተጸቒጡን ጅሆ ተታሒዙን ዘሎ ንፍርሃት ክሰግራ ዘተባብዕ እዩ።

ጅግና ብተወደድ ኣብረሃ ’ንሃገረይ ኣሕሊፈ ኣይህብን ብምባለይ እምበር ካልእ ዘሕትተኒ ሓጥያት የብለይን’ ዝበሎ እቲ ስርዓት ነዛ ሓረግ እዚኣ ስለምንታይ ተጻቢኡዋ ኩልና ክንመራመረላ ዝግባእ እዩ። ምኽንያቱ ብትወደድ ካብ ባዶ ነቒሉ ኣይኮነን ከምኡ ኢሉ ተዛሪቡ። ቀጺሉ እውን ነዛ ንሱ ዝበላ ብዝያዳ እተራጉድን እቲ ስርዓት እውን እትህድድን ከኣ‘’ወደብና ንኢትዮጵያ ኣሕሊፍና ኣይንሃብን፡ እትብል እቲ ስርዓት እንታይ መደባት ከምዝነበሮ እትእምት እያ።

ቀጺሉ ብትወደድ ንኹልና መሃሪት ዝኾነት ሓረግ ማለት ‘’ግርጭታትን ናይ ኣረኣእያ ፍልልያትን ብዲሞክራሲያውን ሰላማውን ኣገባብ ክፍታሕ ኣለዎ’’ ክብል ኣተንቢሁ። እዛ ሓሳብ እዚኣ መትከል እምበር ሜላ ኣይኮነትን። ምኽንያቱ ነቲ ስርዓት ኣብ ትሕቲ ህዝቢ ከምዝንብርከኽ እትገብር እያ እንተደኣ ብግቡእ ተጠቒምናላ። ንግርጭታትናን ናይ ኣረኣእያ ፍልልያትናን ብኣፈ-ሙዝ ዝፍታሕ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ብዕርቅን ይቕረ ምባልን እዩ ሰላም ዝነግስ። እዚ ግን ከም ጽገና ወይ ኣውን ከም ተንበርካኽነት፥ ወይ ኣውን ኣላሽ በሃልነት ዘይኮነስ እቲ ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ ተኣማሚኑ ነቲ ምልኪ ፎእ ንኽብል ዝገብሮ እዩ። እታ “ዲሞክራሲያውን ሰላማውን ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭት” እትብል ብፍላይ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ከኣ ሰላማውን ዘይጎነጻውን ኣገባብ ምኽታል ናይ ዝብሉ ሸነኻት እምንቶ ስለዝኾነት ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ክንሰርሓላ ዝግባእ ኣምር እያ። ምኽንያቱ “ብዘይጎነጻዊ ኣገባብ’’ እምበር ብጎነጽ ዝመጽእ ዘተኣማምን ፍትሒ የለን።

እዛ ካሴት እንታይነት እቲ ስርዓት ግርም ገይራ እተቃልዕ እያ ‘’ናይ ጅግና መራሒ መምዘኒ ዝበሃል ብስለት ኣኣምሮ ዘለዎ እዩ። ፈተውቱ ዘብዝሕን ርሑቕ ዘለዉ ዘቕርብን ምሕረት ዝግበርን እዩ።’’ ዝብል ምሉእ ሓሳባት ናይታ ካሴት መልእኽቲ ብስለት ዘመልክት እዩ። ልክዕ እዩ እዘን ምሉእ ሓሳባት እዚኣን ነቲ ምልካዊ ስርዓት ጥራሕ ዝምልከታ ኣይኮናን። እንታይ ደኣ እንኮላይ ነቶም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለና ኩልና ዝምልከታ እየን’ሞ እዚኣ እውን ከባድ መጠንቀቕታ ምዃና ክንርዳእ የድሊ። ካልእ ዓባይ ነጥቢ ድማ ኣላ። ማለት ህዝብና ካብቲ ራዕድን ፍርሕን ንክላቐቕ እተተባብዕ። ‘’ወዲ ሰብ እንተፈሪህካዮ ኣብ መፈንጠራ እዩ ዘእትወካ እንተፍሪህካ ግን ኣብ ትሕቴኻ እዩ ዝኣቱ’’ እትብል። ብናይ ኣጽዋር ወይ ቦምባታት ሓይሊ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ እቲ ህዝቢ ካብ ፍርሃት ተላቒቑ ልዕሊ ዘፈራርህ ኣጽዋር ‘’እምቢ-እምቢ’’ ትብል ቃል ንኸውጽእ ተተባብዕ ኣስተምህሮ እያ። ቀጺሉ ብትወደድ ንኹልና ደንምበ ተቓውሞ ይኹን ካልእ ተቓዋሚ ዝኾነ ሓሳብ ዘቕረቦ ‘’ምንጻል ይኹን ዓፈና ካብ ሕጊ ወጻኢ ስለዝኾነ ጉጉይ ኣፈታትሓ ግርጭት እዩ መፍትሒ እውን ኣይኮነን።’’ እትብል ጽባሕ ንግሆ እዚ ስርዓት እዚ ምስ ኣልገሰን፥ ሕጂ ቅድሚ ምልጋሱን ኣብ ኣእምሮና ክነስርጻ ዝግባእ እዩ። ምኽንያቱ ፍትሕን ሕግን ንኸይገሃስን ኣብ ህውከትን ነውጽን ንኸይንበርን እትእምት ስለዝኾነት።

እዛ ካሴት ሒዛቶ ዘላ ጥዑይን መሃርን ሓሳብ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ኣብ ክንዲ በበይኑ ክይኑ ሒዅ ዝብል ሓቢሩ ክቃለስን ክወሃሃድን እትዕድም እያ። ንኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል ‘’ ማሕበራዊ ሕጊ ክነግስ ምውፋይን ንሃገራውን ንህዝባውን ረብሓ ምጥባቕን ግዴታ ምዃኑ፡ ንሓደ ኣካል ተቓዊምካኒ ኢልካ ክትዓጽዎ የብልካን። ኮፍ ኢልካ ብዝተ ክትፈትሖ ኣሎካ። ለውጢ ክነምጽእ ክንውፈን ክንቃለስን ኣሎና። ክንፈርህ የብልናን ክንተብዕ እዩ ዝግባእ። ንሰብ ኣይንፍራሕ ንሕግን ንእግዚኣብሄርን ንፍራህ። ንግርጭት ብሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ምፍታሕ።’’ ዝብሉ ወርቃዊ ምዕዶታት ንረክብ። ከምዚ ዝኣመሰለ መዓድን መሃርን ዝኾነ ሓሳባት ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኢና ንቃለስ ዘለና ንእንብል ደለይቲ ፍትሒ ናትና ዕጥቂ፡ መትከላዊ ራኢ፡ ዕላማን እምንቶን ምዃኑ ተገንዚብና ኣብ ተግባር ክነውዕሎ ክንጽዕር ይግባእ።

ድራር መንታይ

Why is strategic planning important?

Depersonalizing the Eritrean Politics

What we need is not leaders but leadership
                                                 

ኣብ ዝኾነ ውድባዊ ኣሰራርሓ፣ መንግስታዊ ይኹን ግላዊ፣ መኽሰባዊ ኩባንያ ይኹን ኢ-መኽሰባዊ ማሕበር ገለ ተመሳሳሊ መሰረታዊ ናይ ሓባር መለለይታት ኣለዎም። ናይ ሓደ አኩብ ሕዝቢ ወይ ጉጅለ ንሓደ ውሱን ዕላማ ወይ ንገለ ዕላማታት ንምዕዋት ብሓንሳብ ዝሰርሑሉ ብኡ ዝጽለዉን ወይ ድማ ንሳቶም ክጸልውዎ ዝኸአሉ ኩሉ ግዜ ዝቀያየር ኣካባቢ ዝሰርሑሉ ኣገባብ ማለት ኢዩ።

ስትራተጂካዊ ፕላን ምውጻአ ማለት ድማ መገዲ ኣተሓሳስባኻን፣ኣሰራርሓኻን፣ኣመሃህራን፣ንዕላማታት ውዳበኻ ብዝሔሸ ኣገባብ ከመይ ገርካ ኣብቲ ዘይተረጋግኤ ዘይተረጋገጸን ናይ ውሽጥን ደገን ተጻቦታት ቀጻልነቱ ተረጋግጽ ማለት ኢዩ። ስትራተጂካዊ ፕላን ነቲ ሓያል ዝኾነ ብድሆታት ገጢምካ ከመይ ገርካ ናብ ዕድላት ትቅይሮ ዝሕግዝ ኣገባብ ኣቀራርባ ኢዩ።

መስርሕ ስትራቲጂካዊ ምውጻአ ንውዳቤኻ ብናይ ርሑቅ ጠመተ ብሰፊሑ አቲ ዝግድሶ ዓቢይ ስአሊ አቲ  አቲ ውድብ አንታይ ሰለምንታይ ከመይከ ይሰርሕ ኢዩ፣ሓሓንሳብ ግን ፍሉይ ስራሓት አውን ክህልዎ ይከኣል ኢዩ።

አምበኣርከስ ስትራተጂካዊ ፕላን ማለት፣ሓደ ኣገዳስን ስርዑን ጻዕሪ ንመሰረታዊ  ውሳነታትን ስራሕትን ንክትፍጽም አቲ ውደባ አንታይ ኢዩ፣ አንታይከ ኢዩ ስራሑ፣ ስለምታይከ ከምዚ ይሰርሕ ኢልካ ትልምታት ምውጻአ ማለት ኢዩ። ራአይ ዘለዎ ብሓደ ሸነኽ ኮይኑ፣ ኣብ ወድዕነት ዝተመርኰሰ ኣገባብ ኣሰራርሓ ምኽታል ማለት ኢዩ።ራአይን ኣፍልጦን ነንሕድሕዱ መታን ክሕይል፣አቲ ፕላን ተዓጻጻፍን ግብራውን መሪሕ ኮይኑ ንውሳነታትን ምምቅራሕ ምንጭታት ብጽፈት ከምዝዋፈር አኸአሎ ይህበካ።

ስትራተጂካዊ ኣተሓሳስባ ንትካላዊ ዓቅምታት የዕዝዝ ንጹር ዝኾነ ጸጋታት ድማ ኣለዎ፣ እንታይ ኢዩ እዚ ጸጋታት ብስትራተጂካዊ ኣተሓሳስባ ዝርከብ፣
I. ትካላዊ
1. ንውዳባኸ ይኹን ንጥፈታት ውደባ ብጽፈትን ክእለትን ንኽተትግብር ይሕግዘካ
2. ናብ ስትራትርጂካዊ ኣሰራርሓ ባህሊ ንክትፈጥር ይሕግዘካ
3. ብዛዕባ ኣካባቢኻ ኣፍልጦ ንክትረክብ ይሕግዘካ
4. ኣፍልጦ ብዛዕባ ርእይቶታትን ዕላማን/ ናብ ዕላማ ዘምርሕ ስራሕ ንክትሰርሕ ይሕግዘካ
5. ኣመራርሓ ናይ ዝተፈላለየ ውልቀሰባት

II. ን ኣመራርሓ ብቅዓታት ሓፍ ንምባል ይሕግዝ- Enhances the capacity of leadership
ኣብ ሓደ ጥዑይ ኣመራርሓ ዝርከብ ኣርባዕተ ክፋላት- Components of good leadership
1. ናይ ምውህሃድ ብቅዓት ወይ ከኣ ማሕበራዊ ብቅዓት- Integrator
2. ምምሕዳራዊ ብቅዓት፣ ናይ ስራሕ ብቅዓት- Aministrative
3. ኣፍራዪ ብቅዓት/ ስትራተጂካዊ ብቅዓት- producer
4. ናይ መሃዚ ብቅዓት- entrepreneur    
 ሰለስተ መሓውር ኣብ ምሕደራ ሕዝባዊ ጉዳያት
1. ኣፍልጦ ብዛዕባ ኣካባቢኻ- ምስ  ግዜን ኩነታትን እናሰማማዕካ ምስራሕ
2. ኣፍልጦ ብዛዕባ ኣረኣእያኻን ዕላማን- ስራሕካ ናብ ዕላማ ዘትኰረ ይኹን
3. ኣመራርሓ ብዝተፈላለየ ኣገባባት- ውልቃዊ ኣመራርሓ- ዘቡናዊ ኣመራርሓ

ናይ ሓደ ውደባ ሓያልን ድኹምን ጐድኒ
1. ቅርጻ ውደባ
2. ምሕደራ
3. ኣባልነት
4. ተሳትፎ /ክፍትነት
5. ቅዋምን መደብ ዕዮን
6. ውሽጣዊ ደሞክራስያ
7. ናይ ምትሕብባርን ዘተን ልምድታት
8. ናይ ውደባ ምንጭታት/ ሰብኣውን ማላውን
9. ዝምድና ምስ መራኸቢ ብዙሓን
10. ዝምድና ምስ በርገሳዊ ማሕበራት
11. ግዳማዊ ዝምድናታት

ሎሚ ንኣወዳድባ  ፖሊቲካዊ ይኹን በርገሳዊ እንተሪኢና ክንደይ ኢየን ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሳ ዘማልኣ መጽናዕቲ ዘድልዮ ጉዳይ ኢዩ።
ነፍስ ወከፍ ውደባ ሰለስተ ጸፍሕታት ናይ ስራሕ ኣለዎ፣ Three levels of organizational actions
1. ስትራተጂካዊ ጸፍሒ/ Strategic፣ ኣብዚ ጸፍሒዚ፣ ራእይን፣ተልእኾን፣ መደብ ዕዮን፣ እምነታትን/ Principles/ Values ውደባ ይካየድ
2. መርሕነታዊ ጸፍሒ/ Management፣ ኣብዚ ጸፍሒዚ ድማ ምንጭታት ውደባ ይመቃራሕ፣ ስራሓት ውደባ ምክትታልን ምፍጻምን ይፍጸም
3.  ስርሒታዊ ጸፍሒ/ Operational፣ ኣብዚ ጸፍሒዚ ድማ፣ መዓልታዊ ስራሓት ውደባ በብቦታኡ ይካየድ

መግለጽታት
ራእይ ማለት፣ ኣበይን እንታይን ክትከውን ትደሊ፣ ንኣብነት ፣ ኤርትራ ኣበይን እንታይን ክትከውን ኢኻ ትደልያ Vision statement answers the question; where and what do we want to be.

ተልእኾ፣ እንታይ ኢዩ ነዚ ክንገብር ዝድርኸና ሰለምንታይክ ኢዩ፣ እንታይ ከነዕውት፣ Mission statement answers the question: what are we here to do.

ክብርታት፣እምነታት፣ ንካልኦት ከመይ ንሓልዮም ካብኦም ከ እንታይ ሓልዮት ንጽበ፣ Value statement answers the question: how do we want treat others and how do we want to be treated ourselves. it is not in what we do but how we do and with whom we do. Values include honesty, integrity, caring,  trust and respect.

Enough for today-----------------continues

ሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ 2015 ምሉእ ዓወት ክጓናጸፍ ዕላማ ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ እዩ። ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ንብደረጃ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ዘማእክል ዞባዊ ናይ ህዝቢ ጥርናፈ`ዩ። ኩሎም ኣካላት ናይ`ዚ ምልዕዓል`ዚ፡ በብከተምኡ ብውልቂ ይኹን ብጥርኑፍ፡ ንሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ ከም ገዛእ ዋኒኖም ክጉስጉሱ፡ ክሳተፉ ነማሕጽን።

ሃብሮማትን ሓርበኛታትን ኤርትራውያን ንነውሕ ክጽዕርሉ ንዝጸንሑ ጅግና ቃልሲ ፡ መርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዝወርድ ዘሎ ዘስካሕክሕ ግህሰታት ሰኒዱ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ዝልለ ፍሩይ ዓወት ናይ ደለይቲ ፍትሒ ናይ`ዚ መድረኽ `ዚ እዩ። እቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ዝተማለአ ኮይኑ ክድምደም፡ ቀጻልን ንጡፍን ደገፍ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ይሓትት። ስለዚ፡ ኣብ 29 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ከም ሓደ ህዝባዊ መደብ (ፕሮጀክት)፡ ህዝባዊ ዓወት ኣረጋጊጹ ንቕድሚት ክምርሽ ሓላፍነት ናይ ኩሉ ህዝቢ`ዩ።

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ከም ናይ ህዝቢ ምትእስሳርን ምጥናፍን፡ ኣብ`ዚ መደብ/ፕሮጀክት`ዚ (ሰላማዊ ሰልፍን ምድግጋፍ ንመርማሪት ኮሚሽንን) ኮነ ኪንኡ ዝቕጽል ስራሕ፡ ተዓዊቱ ክወጽእ ኣበርቲዑ ክሰርሕ`ዩ። ንግሉጽነትን ተሓታትነትን ኣነጺሩ ዘቐመጠ ህዝባዊ ትካላዊ ኣገባብ ኣሰራርሓ ኣታኣታትዩ እናማዕበለ ፡ ንዘየቋርጽ ወሓዚ ናይ ህዝቢ ደገፍ ንምርግጋጽ ጻዕርታቱ ክቕጽል`ዩ። እዚ ኣሰራርሓ`ዚ፡ እምነ-ኩርናዕ ናይ ቀጻልን ዘላቒን ህዝባዊ ዓወታት ከመዝግብ ዝኽእል መዋጸኦ ኢዩ ኢሉ ይኣምን።

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ንመርማሪት ኮሚሽን ምድግጋፍ፡ ከም ሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ፕሮጀክት ይወስዶ። ስለዝኾነ፡ ንኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኢድ-ንኢድ ኣተሓሒዙ ክሰርሕ ዝኽእልን ንትግባረ- ኣሰራርሕኡ ዘገልግልን እማመ ኣብ ምድላው ከምዘሎን፡ ኣብ`ዚ ቀረባ መዓልታት ንስራሕ ክዋፈረሉ ምዃኑን በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ንሕብር።

ኣብ መደምደምታ ፡ ብሕኑን ወኒን ተወፋይነትን ክዕወት ዝግበኦ ሰላማዊ ሰልፊ ኒውዮርክ፡ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብብዝሑ ቁጽርን ብዝለዓለ ፍናን ንክሳተፍዎ ደጊምና ብትሕትና ነማሕጽን።

ህዝባዊ ጥርናፈ፡ መድሕን ህዝብን ሃገር`ዩ!!

ውድቀት ንኹሉ መልክዓት ምልኪ!!!

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ

10/10/2015

ቢተው ሓወይ ዓመታት ኮይኑ ካብ ትእሰር
ምእንቲ ሃገር ክትብል ሰላም ክብሰር
ሱር መግዛእቲ መሓውር ሕቘኡ ክስበር
ዓንዲ ዲሞክራሲ ክትከል ህዝቢ ክተሓባበር
ርብዒ-ዘመን ኮይኑ ኣልቦ ጥዑይ ኣየር።

          ኣለዉ እውን ምሳኻ ኣብ ጉድጓዲ ዝበለዩ
          23 ዓመት ኮይንዎም ብግፍዕን ጨቖናን ክእለዩ
          ዝገበርኩሞ በደል ኣይነበረን ክንዲዚ ዓመት ክትሳቐዩ
          ወዲ ባህልቢ ኣሎ ጥቓኻ እስከ ተዛተዩ
          ወዲ ባሻይ እውን ኣሎ እስከ ተላለዩ
          ግዜ ክፍርዶ እዩ ጸሓይ ብርሃን ክትርእዩ።

ጸሊም ተመንዶ  ረኺቡኩም
ንናጽነት ንፍትሒ  ስለ ዝበልኩም
ክትእሰሩ ስቕ ኢሎም ዝረኣዩኹም
ንገባር ክፉእ ኣምላኽ ክፈድየልኩም
ዓለም ክትርእይዋ ከመይ ክም ዝጸንሓትኩም
ኣኻእሎ፡ ጥዕናን ዕድመን ይሃብኩም።

          ኣይረሳዕናኩምን ኣሎኹም ኣብ ልብና
          ለይቲ ምስ መዓልቲ እናስተንተና
          ክወግሓልኩም  ቀጻሊ ቃልስና
          ኣይቀሰናን ብድሕረኹም ፍጹም ነይረሃወና
          ኣለዉዶ መይቶም ክንብል ፍጹም ነይደቀስና።

ኣድያም ተፈራ

ተጋዳላይ ኣሕመድ መሓመድ ኢብራሂም (ፍሩም) ብዓርቢ 2 ጥቅምቲ 2015 ካብ'ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና። ስውእ ኣሕመድ ፍሩም፡ ብ1947 ኣብ ከባቢ ዓዲ ቀይሕ ኢዩ ተወሊዱ። ኣብ ስሳታት ድማ ናብ ተሓኤ ተሰሊፉ።

 

ስውእ ኣሕመድ ፍሩም፡ ብዙሓት ተጋደልቲ ኢዩ ኣብ መደበር ታዕሊም ኣፍርዩ። ብንጽህናኡን ሻራ ዘይብሉ ኣተሓሕዛኡን ድማ ኵሉ ተዓላማይ ዝፈትዎን ዘድንቆን ተጋዳላይ ኢዩ ነይሩ።

 

በዚ ኣጋጣሚ'ዚ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንስውእ መንግስቲ ሰማይ የዋርሶ፣ ንቤተሰቡን ኣዝማዱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም ብምባል ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኑ ክገልጽ ይፈቱ።

ሎሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ብዙሕ ክመሃር ስለዝኽእል ብምንም ዓይነት ክደናገር ኣይኮነን። ይኹን እምበር ‘’ታሪኽ ነፍሱ ይደግም’’ እዩ ከምዝበሃል፥ እቲ  ፈላላዪ መድረኽ ብሓያላት መንግስታት ዝተጠጅኤ ውዲት ናይ ሓምሳታት መልክዑ ቀይሩ ክመጽእ ይኽእል እዩ። ይኽእል እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዓይንና ንርእዮን ብእዝንና ንሰምዖን ዘሎና ህያው ምስክር እዩ። ድሕሪ ደጊም ካብቲ ኩሉ መከራን ሽግርን ወጺእና ተመሊስና ኣብ ጭቃ ምንግርጋር ከይኮነና ድማ ክንጥንቀቐሉን ክነስተውዕለሉን ይግበኣና።

ቅድሚ ኣርባዓታትን ድሕሪኡን ህዝቢ ኤርትራ፡ ምእንቲ ሃገሩ ክብል ሓያል ቃልሲ ኣካዪዱ እዩ። ካብዚ ዝነቐለ ድማ ብ1941 ፈረንጂ ኣንጻር መግዛእቲ  ተወዲቡ ክቃለስ  ኢሉ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ክምስርት ከሎ፡ መንግስቲ እንግሊዝ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምድና ብምድልዳል፥ ኤርትራ ነፍሳ ክኢላ ክትነብር ዘይትኽእል ድኻ ሃገር ኢያ እናበለ መናፍሑ ይዝርግሕ ነበረ። ነዚ ንምርጓድ ከኣ ምስቶም ኣብ ኤርትራ ዝቕመጡ ዝነበሩ ጣልያን ብምትሕብባር ነቲ ናይ ‘’በቨን ስፎሮዛ’’ መደብ ምምቃል ኤርትራ ዝብል ማለት፡ ሓደ ክፋል ንሱዳን እቲ ዝተረፈ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ክሓብር ዝብል ነበረ። ዋላ እኳ እዚ መደብ እዚ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተነጽገ እንተነበረ፥ ነቲ ኣሎ ዝበሃል ፋብሪካታት ይኹን ካልእ ኩባንያታት ዝሽየጥ ሸይጡ ዝዕጾ ዓጽዩ እዩ። እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ኣስተርሕዩ ቀሲኑ ከይነብርን፥ ንሃገሩ ከየማዕብልን ከየበልጽግን ዝገበሮ ስውር ሸርሒ፡ ህዝቢ ሃገሩ ገዲፉ ንኢትዮጵያ ክጎዓዝ ልክዕ ከምዚ ሎሚ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ሰላምን ቅሳነትን ስኢኑ ዝስደዶ ዘሎ ንኽስደድ ተገደደ።

ሽዑ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዝነበረ መንግስቲ ከኣ ብወገኑ በቶም መገባርያታቱ ኣቢሉ ነቲ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ብሃይማኖትን ብዓሌትን መስመር ንክመቓቕሎ እጽዕር ነበረ ኣብ መወዳእታ ከኣ ተዓዊትሉ። ኣብዚ እቲ ብኽልቲኡ ሸነኽ ጸረ-መግዛእቲ ዝምክት ሓይሊ ዘጓንፎ ዝነበረ ወጥሪ ቀሊል ከምዘይነበረ ክንርዳእ ንኽእል፡

ገዛእቲ እምበኣር፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክመቓቕልዎ ከለዉ ዝፈጸምዎ ተግባራት፡ ነቲ ዝወጠንዎ ሽርሕታት ብዘይ ገለ ዕንቅፋት  ንኽሳለጥ ዝገብርዎ ሜላ እዩ። በዚ ዝኣክል እቲ ኩሉ ኣንጻር መግዛእቲ ዝተኻየደ ቃልሲ  ኣማስያኡስ ብዓወት ውጥን ናይ ሓያላን መንግስታት ብምዕዋቱ፥ ኤርትራ ብዘይድሌት ህዝቢ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትቁረን ተገብረ። እቲ ዉዕል እቲ ከኣ ቅኑዕ ከምዘይነበረ ዘመልክት  ብ11 ታሕሳስ 1948 ጀምስ ፎረስታል ናይ ኣመሪካ ምክልኻል ሚኒስትሪ፥ ንዲን ኣክሶን ናይ ኣመሪካ ዋና ጸሓፊ ዝነበረ ዝለኣኾ መልእኽቲ ጽቡቕ ገይሩ ይገልጾ። ካብ ጉጉል ዝተረኽበ መረጋገጺ ከምዝሕብሮ፡ ከኣ ‘’ እቲ 390A(V) ፈደራላዊ ዉዕል ብኹሉ ሸነኹ ክረአ እንከሎ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝጠሓሰን ኣብ ግብሪ ዘይውዕልን ቅጥዒ እዩ።’’

ምስ እዚ ኹሉ ሽግራት ግና ኣብ 1949 ፈረንጂ  ዳርጋ ልዕሊ ትሽዓተ ዝኾና ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኤርትራ ክምስረታ ክኢለን። ሓንቲ ጥራሕ ካብዘን ትሽዓት ሰልፍታት ‘’ማሕበር ኣንድነት’ ምሉእ ናይ ኢትዮጵያ ገንዘባዊ ምውላን ደገፍን ዝነበራ፥ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝብል ትደፍእ ነበረት። እቲ ምወላን ደገፍን ዲዩ ዋላ ካልእ ምኽንያት ምስ ኢትዮጵያ ንምሕባር ትደፍእ ምንባራ መጽናዕቲ ዘድልዮ እዩ። መስመር ዝተሓንጸጸ ናይዚ ጸሓፋይ ርእይቶ እዩ። እተን ዝተረፋ ሰልፍታት ግና በቲ ይኹን በዚ ንናጽነት ኤርትራ ዝቃለሳ ዝነበራን፡ በዚ መሰረት ከኣ  ኣቶ ኢብራሂም ሱልጣን ዝመራሒኣ ናይ ኤርትራ ቀጽሪ ናጽነት ወይ ከኣ ብሎኮ ኢንዲፐንደንሳ መስሪተን።  ምንጪ ጉጉል። እዘን ሰልፍታት ብቁጽሪ ክንርኤን ከሎና እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ እስላማዩ ክርስትያኑ ብ8 ሰልፍታት ንናጽነት ኤርትራ ዝብላ ክውከል ከሎ፥ እቲ ዝወሓደ ከኣ ብሓደ ሰልፊ ንሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝውክል እዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሓዘት ሒዛ ኩሉ ዝጭበጥ ምስ ጨበጠት፥ ኣብ 1957  ብዓረብኛን ትግርኛን ዝነበረ መጻሕፍቲ ብምሉኡ ኣንደደት ድሒራ እውን ባንደራ ኣውረደት። ንኤርትራውያን ምስ ገዛዘዐት ከኣ ክተሽካዕልል ጀመረት። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ናይ ዘውደ ረታ ‘’የኤርትራ ጉዳይ’  1941-1963 ኢሉ  ዝጸሓፎ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 366 ዘሎ ከምዚ ይብል፥ ’’ኣብቲ እዋን ናይ ኤርትራ ባይቶ ምስ ተመስረተ ኣብ ዕለት 11 መስከረም 1952 ዝተገብረ ጽምብል ተረኺቦም ካብ ዝነበሩ መኳንንቲ ሓደ፡  ነቲ ሽዑ ዝነበረ ጸሓፊ ትእዛዝ ወልደግርጊስ ጽግዕ ኢሉ ከምዚ ክብል ተዛረቦ። ‘’ከሚገባ በላይ ትግሬ ሲያቀብጡት የበለጠ ኣሸሹት’’ ትርጉሙ፦ ንትግራዋይ ምቅብጣር ማለትሲ ኣጸቢቑ ከምዝሃድም ምግባር እዩ እሞ፡  ንሓደ ሓማሰናይ ክንድዚ ዝኣክል ላዕልን ታሕትን ምባልሲ ኣይበዝሐንዶ’’ ኢሉ ገለጸሉ። እቲ ሓማሰናይ ምባሉ ድሮ ኢትዮጵያ ንተስፋሃንስ በርሀን ንተላ ዑቕቢትን ንሰለስቲኣቶም ከምዘይሰማምዑ ስለዝገበረቶም እያ ፈልዩ እዚ ሓምሰነታይ ዝበለ እምበር ከምታ ዝጀመራ ትግራዋይ ምባል ምቐለለ ነይሩ።  መስመር ናይዚ ጸሓፈይ ርእይቶ እዩ። እቲ ዝኸፍአ ከኣ እቲ ጸሓፊ ትእዛዝ ዝሃቦ መልሲ እዩ፥ ንሱ ትቕብል ኣቢሉ፡ ከምዚ ክብል መለሰ፥’’ ናትና ገዛ እኳ እንተፈቲና ክንስከም እንተጸሊእና ድማ ክነውርድ ብዝግባእ ስለእንፈልጥ ናይ ሎሚ ኣይከብደና ናይ ጽባሕ ከኣ ኣየጨንቐና።’’

ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ እከይ ውጥን ናይ ኤርትራ ምክፍፋል ከምዘፍሸሎ ታሪኽ ይነግረና። ይኹን እምበር ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ፖለቲካዊ ሃዋህው ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓቁፍ ሰልፊ ብዘይምፍጣሩ ምጥርጣራት ክፈጥር ክኢሉ እዩ። ከምዚ ኢሉ እንከሎ እውን እቲ ፈደረሽን በብቑሩብ እናተሸርመመ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ዝተኻየደ ፖለቲካዊ ቃልስን ዝተጀመረ ብረታዊ ሰውራን  ግን  ንሓቀኛ ናጽነት ከምዝተላዕለ ዝከሓድ ኣይኮነን። ዋላ እኳ ኣብ ውሽጡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሓቛቚፉን ዘየተሓቛቚፉን  ባእታት እንተነበሩ። ይኹን እምበር፥ ነቲ ኩሉ ጅግንነትን ሃገራዊ ሓርብኝነትን ተወፋይነትን ዝተኽፍለ መስዋእትን መደምሰሲ ክንጥቀመሉ ግን ፈጺሙ ዘይግባእ እዩ።

ኣብ  ኣርበዓታት ዝተኻየደ ቃልሲ ማለት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነንሓድሕዱ ክጠራጥርን ምትእምማን ክስእንን ዘይተገብረ ኣይነበረን፥ ክሳብ ምቅንጻላት ዝተኻየደሉ ግዜ እውን ነይሩ እዩ።  እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩን ተሳንዩን ንኸይቃለስ ዝተፋሕሰ ፍሕሶ ካሳብ ሎሚ እውን ብቐጻሊ ይፈሓስ ምህላው ካብ ዝሓለፈ ክንመሃር ዘይምኻኣልናን ክነስተብህል ዘይምድላይናን ዘምጸኦ ሽግር ምዃኑ ርዱእ እዩ። ሎሚ እውን ኣብ ግዜና ነቲ ዝተስርሐ ጅግንነትን ታሪኽን ዝኽሕድን ዘነኣእስን ሓይሊ ንርእን ንሰምዕን ኣሎና።፡ ንሕና ነዚ ክቡር ናጽነት ክውን ገይሮም ንዝሓለፋ ስም መስዋእትነት ጀጋኑና ዘቈናጽብን፥ ታሪኾም ዝድምስስን ሓይሊ ክቀላቐል ከሎ ኣብ ምንታይ ክበጽሕ ደልዩ ኮን ይኸውን ኢሉ ኩሉ ኤርትራዊ ክመራመር ዝግበኦ ክንሱ፡ ካብ በሃሊኡስ ደጋሚኡ ከም ዝበሃል ንታሪኽ ኣቦታቱን ኣደታቱን ከይተረደኦ ይኹን ተረዲኣዎ ከናሹን ክዘልፍን ይውዕልን ይሓድርን ኣሎ። እዚ ብመሰረቱ ኮነ ኢልካ ንሃገራውነትና ክንሓክኽ እሞ ንጉዳይ ሃገር ዕሽሽ ክንብል ዝግበር ዘሎ እዩ።

ኣብ ግዜ ኣርበዓታት እውን ነዚ ሃገራውነት ዝፈታተን ወስታታት እዩ ዘጓነፈ። ከምዚ ዝዓይነቱ ፖለቲካዊ ጸወታ እዚ ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን ደው ክነብሎ ብዘይምኽኣልና፥ እነሆ ንጉዳይ ሃገርና፡ ብሓደ ኢድ ምስ ኩሉ ፍልልያትና ተጻዊርና ኣብ ጸረ-ምልክን መላኺ ስርዓት ኢሳያስን ኣብ ክንዲ ነውዕል፡ ኣብ ነንሓድሕድና ክንቆማሸድ ግዜ ዘሕለፍናዮ ንደጋዊ ሓይሊ ብቐሊሉ ነቓዕ ረኺቡ ክበታትነና ክምዝኽእል ክንግንዘብ ይግበኣና። ድሮ እውን እነሆ ካብቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ሓምሳታት ዘሳውሮ ዝነበረ ቅዳሕ እዚ ስርዓት እዚ ህዝቢ ኤርትራ ከልግሶ ብቕዓት የብሉን፥ እዚ ስርዓት እዚ ክለግስ ብዘይ ናይ ኢትይጵያ ኢድ ኣታውነት ፈጺሙ ኣይከኣልን ዝብላ ኣደናገርቲ ቃላት ካብ ኤርትራውያን ክትሰምዕ ብጣዕሚ ዘደንጹ እዩ። ቀደሙስ ታሪኽን ጅግንነትን ኣቦታትናን ኣደታትናን ዘቈናጽብን ዘናእስን ንሃገራዊ መንነትናን ሓርበኝነትናን ካብ ኣእምሮና ክፈሓቚ እሞ ነዛ ሃገር ዝብጀወላ ክትስእን ዝግበር ዘሎ ሽርሒ ምዃኑ ኣብ ግምት ክነእትዎ የድሊ። ታሪኽካ ክድምሰስ ከሎ ምስኡ እውን እቲ ኣነ ንሃገረይ ዝብል ናይ ጅግንነት ካባ ዝቑርመም ምዃኑኸ ከመይ ንዝንግዖ? ደሓርከ ታሪኽካ ደምሲስካ እንታይ ዓይነት ታሪኽ እዩ ክምስረት።?

እቶም ኣብ ሓድነት ሃገር ዘይጸንዑ ሃገራዊ ስምዒትን ሃገራውነትን ኣዳኺሞም ነዚ ስርዓት እዚ ንምልጋስ ብቕዓትን ዓቕምን ክንስእን እሞ ደጋዊ ሓይሊ ጣልቃ ኣትዩ ከገላግለናን ብድሕሪኡ ንዝመጽእ መዘዝ ኣብ ትሕቲ ፍጹም  ፈቓዱ ክንወድቕ ዝእለም ማእለማ ምዃኑ ክንርዳእ ይግበኣና። ንኢድ ምእታው ብቐጥታ ምስ ንዋታውን ገንዘባውን ሞራላውን ሓገዛት ኣተኣሳሲርካ ምግላጽ ንምድንጋር ኢሉ ዝቐርብ ክንጥንቀቐሉ ዝግባእ ሽርሒ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ነጥብጣታት ማለት ጣልቃ ኣእታውነትን ሓገዝን፡ ዘሎ ፍልልያት ስሒቶሞ ዘይኮኑስ እንታይ ደኣ ነቲ ሕቡእ ፍሕሶታት ኣብ ተግባር ዝውዕለሉ ክጠቕመና ዝኽእል መሳርሒ እዩ ኢሎም ስለዝኣመኑሉ ኢዮም። ኣብዚ ኣተኲርና ክነስተብህለሉ ዘሎና ጉዳይ እቲ ኣብ መንጎ ጣልቃ ኣታውነትን፥  ሓገዛትን ዘሎ ፍልልይ ኣዳቒቕና ምፍላጥ ዘድሊ ምዃኑ’ዩ።

1 ጥቅምቲ 2015

ሓተታ

Tuesday, 29 September 2015 19:21 Written by

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ እነሆ ሻድሻይ ዓመቱ ሒዙ ። እዚ ሰልፊ እዚ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ ውድባት ኤርትራ፥ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን፡ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራን ዝነበረ ናይ ስኒትን ምጽውዋርን ባይታ ዝነፍግ ኩነታትን ሜዳ ኤርትራ ንዝሓለፎ ተመኲሮ ውግእ ሕድሕድን ግርጭታትን ሰጊሩ ኣብ ሓድነትን ዕርቅን ዝበጽሐ ፍርያት እዩ።

ካብቲ ናብ ዕርቅን ስምምዕን ዘብጽሐ ቀንዲ ነጥቢ ድማ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ምንባር ገዲፍና ኣብ ናይ ሎምን ጽባሕን ነማዕዱ ዝብል ትብዓት እዩ። ከም ኣብነት ናይዚ ድማ ጉዳይ ባንደራን ጉዳይ ቅዋምን ከም ዝስገር ተገብረ። እቲ ዝተረፈ ከኣ ኩሉ ነናቱ ታሪኽ ዓቂቡ ንተመራመርቲ ዝተርፍ ተባሂሉ ስለ ዝተሰግረ እዩ ኣብዚ ቅዱስ ዓላማ ሓድነትን ስኒትን ዝተበጽሐ። እዚ ሓድነት እዚ ንብዙሕነትን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝሓቁፍ ንመስመር ኣለልዩ ዝቃለስ ስልፍን ንናጻ ፖለቲካዊ ውሳኔታቱ ኣሕሊፉ ዘይህብን ምስ ኩሎም ሃገራውያን ውድባትን ሰልፍታትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ውልቀሰባትን ተሳንዩን ተሓባቢሩ ክሰርሕ እዩ። መሰረታዊ ዕላምኡ ድማ ሓርነትን፥ ፍትሕን ዲሞክራስን ንምርግጋጽ ኮይኑ እቲ ዝቐውም መንግስቲ ካብ ህዝቢ ንህዝቢ ክኸውን ዝቃለስ ሰልፊ እዩ።

ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድማ ከይተሓለለ ክቃለስ እንከሎ ንኹሉ እቲ ፍትሒ ዘናዲ በበይኑ ኮይኑ ግን ድሌታቱ ሓደ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዓቕምታቶምን ጸጋታቶምን ዝጥርንፍ ድልዱል ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ሓይሊ ብምህናጽ ኣቢሉ ነዚ መላኺ ስርዓትን ምልክን ንሓዋሩ ካብ ሱሩ ምሕዩ ኣብ ክንድኡ ህዝቢ ዝመረጾ መንግስትን ስርዓትን ንምትካል እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር ከምቲ ብደገ ኮይኖም ዘካፍእዎን፥ መንእሰያት ንኸይዓስልዎን ንቕድሚት ንኸይስጉምን ኣሎ ዝበሃል መናፍሓት ሰጊሩ ንህዝቢ ኤርትራ የርብሕ እዩ ኢሉ ዝሓንጸጾ መጻኢ መትከላት ዲሞክራሲ ብግቡእ ክሰርሓሉ ድሉው ኣሎ። ነዚ ብሰንኪ ተሰማሚዕና ዘይምኻድናን ማሕበራዊ ዝምድናታትን ውህደትን ህዝቢከም ዝመዛባዕ ገይሩ ይርከብ። ከምኡ እውን ሃገራዊ ሓድነት ከም ዝዳኸም ብምግባሩ፥ ነቲ መንእሰያት ክስደዱን፥ ንሓደጋታት ክሳጥሑን ጠንቂ ዝኾነ ስርዓት ክነቋምት ኣይበቓዕናን። ነዚ ብዝምልከት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ካልኣይ ጉባኤኡ ዘጽደቖ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ተመርኲሱ ነቲ ለውጢ ብውሽጢ ዝብል ኣምር ክውን ንምግባር ብዝተኻእለ ምስ ውሽጢ ክፍጠር ዘለዎ ዝምድናታት ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝነበረ ዝያዳ ክኻዕብቶ እዩ።

ብተወሳኺ እዚ ሰልፊ ኣዚ ነቲ ቃልሲ መንእሰይ ክወርሶ ኣለዎ ዝብል ኣብ 2ይ ጉባኤኡ ዘጽደቖ መደብ ዕዮ መንእስያት ኣብዚ ሰልፊ እዚ ተሰሊፎም ነቲ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ዝኸይድ ሓላፍነታዊ ቦታታት በብግዚኡ እናተመኮሩ ክትክእዎ ጻውዒት የቕርብ። ካብዚ ነቒሉ ንምልካዊ ስርዓትን ምልካዊ ኣተሓሳስባኡን ካብ ሱሩ ንኽምሕዎ፥ ነቲ ሰፍ ዘይብል ጽኑዕ መትከላዊ እምነቱ ሰላማዊ ወይ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ኣበርቲዑ ክቃለሰሉ እዩ። ዘይጎነጻዊ ኣገባብን ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና መራኸብን ብዘይፍርሃት ከኣ ነቲ ለውጢ ክበቅዕን ዝሕግዝ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፥ ህዝቢ ኣብ ቃልሲ ንኽሳተፍ እውን ስለ ዝሕግዝ፡ ብህዝባዊ ናዕቢ ብዝወሓደ ናይ ደም ምፍሳስ ምልኪ ንምእላይ ክጽዕተሉን ከዕውቶን እዩ።

ድራር ማንታይ

29 መስከረአም 2015

            ሓይሳም ዎ ሓይሳት ዮም ሓላይ ምን ምድር ትግራዪት እክል ኣስማዓኩም ቱ ። ቀደም ኩሉ ለሰብ ለልትሓለ ምን ቱ ምን እንብል ፣ ሰብ ሸየም ዎ ፋርሶታት ቶም ። ለሔልየት ሄየ ላኣስባብ ለእቡ ሓሉ ብዙሕ ቱ ። ገለ ምኖም እግል መናበረቶም ክምሰል ሽቅል እንደ ዎደዎ ለሓሉ ። ከክምሰል ሓለው ምና ለተሓሎው ሰብ ህያብ ልትሄየቦ ዐለው ፣ በህለት ወኤት ፣ ፍሊት ፣ ጀዲድ ፣ ወዘተ ልትሄየቦ ዓለው። ገለ ገለ ሔልየት ህየ እግል ኖሶም እግል ልትራዩሕ ለሓሉ ዐለው ። ለሰብ ቃድም ፣ መገዲት ወዱ ወእት ስምጡ ልትገሰው ወለእዋን ለሕላይ ለለኣምር እንዶ ራምቃዎ ማ፣እብ ናሱ ሓሌ እሎም ። ዎ ክምሰልሁማ ላሊ እት ክዋና ኣሓሆም ዎ ግርሆም እት ላዐቅቦ እት ለሓሉ ልትመየው ዐለው ።ላሊማ ግናዘት እት ለዐቅቦ ዎ እት ንጻፍ ሓሉ ልትመየው ዐለው ። ወክድ ቁዱም ኣዳም ከትብ ሰበት ኢዐላ ፤ እብ ሕላይ እንደ ወደው ለልኡኽ ላባጽሕዎ ዓለው ። እብ ሰበት ኢሊ ክእና ልብሎ ።

            ሕና ሕላይ ቱ መልሀይና ፣ ለሕና ወህት ቱ ንትጋሜ

            ሕዱግ እልና ቱ ዲብ ዐድና ፣ መለሀይ ልእሉ ንትፋኔ

            ምን ግድዐት ተሌና ፣ ውእት ኣስማጥና እንካሬ

            እላ ናይ ዮም ሕላየት ገርማርያም ገብራይ ለልትበሄል መንሳዐይ እት ወክድ ቁዱም እብ ዘመን ራእሲ ኣሉላ እግል ከንተባይ ነጋሲ ወድ ህብተስ ለሓላያ ታ። ቃደም ለሕላዪት ኣሰማዓኩም ላኣስባብ ለእቡ ተሓለት እግል እዳግም እልኩም ።

            ራእሲ ኣሉላ እብ ሓጸይ ዮሓንስ ራእሲ እንዶ ትሻያማ እብ 1876 ዲብ ሓማሴን ማፃኣ ። ዎ እግል ኩሉ ለዐዶታት እግል ልገብሮ እግሉ ንዳእ ዋዳ ። ዎ እታ ምዕል ለሃ ነጋሲ ዎ ኣሚር እብ ጋሪት ኖሶም እት ሓማሴን ፀንሓው ። ሓቆ ለንዳእ ሰምዐው ሀየ እግል ራእሲ ገሰው እቱ ዎ ትዋጀሆዎ ። ዎ ሓር ዐድ ዐቅበሎው ዎ እብ ስም ከንተባይ እምነት ክልኤ ወኤት እንዶ ነስኤው ዐቅበሎው እቱ ።ራእሲ ሀየ እግል ክልኢቶም ቀቃሚሾም ሀበዮም ። ህቶም ላታ ዐዶም ክምደነው ኣሚር ለቀሚሹ እግል ተስፈንኬል ወድ ሑሁ ሀበዪ ዎ ነጋሲማ ለናዪ እግል ብእምነት ሑ ኣቡሁ ሀበዩ ። እግልሚ ብእምነት ከንተባይ ዐላ ዎ ተስፋንኬል ውድ ኣፋታይ መሰለስ ለሺመት ዐላት እግሉ ። ራእሲ እግልሚ ቃማይሽ ሀበዮም እሙር ኢኮን ። ከንተባይ ብእምነት እብ ራእሲ ወልደንኬል ወድ ሰሎሞን እንዶ ሻያማ ዐድ ሓክም ዎ ስራዕ ዐላ ።  

            ክምሰላ እቤሎ ለዘመን ራእሲ ኣሉላ ለሓክም እቱ ለዐላ ቱ ፣ክገድም ምእት ዎ ሕምሳ (150)ሰነት ቓርብ ። እታ ወኪድ ለህይ ሓተ ዶል ከንተባይ ብእምነት ዲብ ቃብር ክንተባይ ሓሰን ናይ ሓባብ ጋይስ እት እንቱ ፣ ነጋሲ ወድ ህብቴስ ዎ ኣሚር ወድ ደሲት ዲብ ራእሲ ኣሉላ ዐድ ተክላይ ፍግረው። ከእግል ራእሲ ኣሉላ ነጋሲ ሽመት ሀበኒ ቤሎ ። ራእሲ ኣሉላ ሄየ ፣ ሰኒ ቤላ ክእግል ነጋሲ ወድ ህብቲስ ክንትብና ሀበዪ ። ብእምነት ወድ ቴድሮስ ሄየ ምን ቃብር ዓድ ከም ዓቅባላ ፣ ሰብ ላዐድ ነጋሲ ወድ ህብቴስ ሽማትካ እግል ልንሳእ ዲብ ራእሲ ፋግራ በሎዎ ። ህቱ ሄየ ኣናማ ዲብ ራእሲ እግልሚ ይእፈግር እንደ ቤላ ህቱማ ብእምነት ዲብ ራእሲ ዐድ ተክላይ ፈግራ ። ራእሲ ኣሉላ እግል ብእምናት ከበተዩ ዲብ ዐድ ተክላይ ዎ ሓተ ሰነት ኤስሮዩ ። ዎ ሓቆ ሓተ ሰነት ባቃል ዎ ቓሪ እንድ ሃባ ፣ እት ዐድካ ክምሰል ገበራይ እንዶ ካእካ ንበር ቤሎ ከሳራሓዪ።

            ነጋሲ ወድ ህብቴስ እግል ራእስ ኣሉላ ሚ እንደ ቤሎ ቱ ለሺማት እግል ልንሳእ ቃድራ እሙር ኢኮን ። እግልሚ ከንተባይ ቴድሮስ እብ ናይብ ሓሰን ክም ታኣሳራ ፣ብምእነት ምን ራእሲ ወልደንከኤል ወድ ሰሎምን ክንቱብ ዐላ ፣ ከንተባይ ነጋሲ ቀደም ክንትብና ዎ ሓቆ ክንትብናሁ 6 ወኪድ ለገቢእ ምስል ራእሲ ዲብ ዐድ ተክላይ ሩኩብ ቱ ።

            ላጋኣ ምን ገቢእ ከንተባይ ብእምነት ፣ ክምላ ራእሲ ኣሉላ ለቤሎ ኢ ዋዳኒ ።ዲብ ገለብ ሓጋይ እንዶ ሓላፋ ፣ ኣይረዐት ለተለዮ ምን ዐድ ገብሬስ ዎ ምን ዐድ ዐይላይ እንዶ ነስኣ ፣ ዲብ ምድር ዐድ ትማርያም ጋዐዛ ። ደኣም ዲብ ለዐድ ለታርፈት መንሳዕ እግል ዐድ ትማርያም ሓቆ “ እናስ ዐለወኛ ንጉስ ምን ትትከበቶ ኖስኩም ተኣምሮ ‘ ምን ቴሎም ኢትከበተዎ ። ለዶል ብእምነት ምስል ጻሩ ኣውቃጽ እት ለልትበሀል ምድር ቤት- ዐውቀ ዔራ ። ዎ ምን እላ ኣካን ከራዪሁ ምስል ገለ ዳውረት ክል ኣካን እንዶ ገኣት እግል ቤት ኣብርሄ እት ቤልታ እት እንታ ዛምታያ ። ክልኦት እናስ ሓከሮው ዎ ዎሮ ቃትለው ፣ እግላ ኑዋይ ሰሩ ቃተሎዎ ዎ ሰሩ ዘምተዎ ከሰከው ። ቤት ኣብርሄ እንደይ ፈርሄት እግላ ዘምተት እት ስሚጥ ስጋደት ሽግርድባ ማሓዝ ዓንሳባ ዓሮው እባ ፣ ዎ ሕራበት ወደው ዎ ሰልፍ ኣዛዚ ወድ ህብቴስ ሑሁ እግል ከንተባይ ነጋሲ ምና ካራዪ ኦሮት ቃትላ ዎ ሓር እግል ልድገም እት ልብል ለካራዪ እብ ለክፍ እመን ቃትሎዎ ። ሓቆሃ ላካርዪ ብእምነት እባ ላራሰቶ ገሰት ። ከንተባይ ነጋሲ እግል ኣዛዚ ሑሁ እታ ኣካን እግል ልቅቦሮ ምን ሓዞው ከልኤዮም ። ለግናዘት ሑሁ ዳማ እት ልቃጥር እንዶ ናስኣ እት ቤልታ ቃብረዪ ። እሊ በኤስ እት ምግብ ክልኦት ሓው ዐድ ገብሬስ ቱ ለገቢእ ዐላ

            ሓቆ እሊ ከንተባይ ነጋሲ ውድ ህብቴስ ፣ ማርባት ሑሁ እግል ላቅሳን ስካብ ኢራክባ። ቁሩብ እንዶ ጸንሓ ዲብ ራእሲ ዓድ ተክላይ ገሳ ። ከእግል ራእሲ ኣሉላ ዓስከር ሃበኒ ቤሎ ፣ ኩሉ ለዝሙት እግልካ ቱ ዎ ኣና ማርባት ሑየ ኣግል ዓቅስን ቱ ቤሎ ። ራእሲ ኣሉላ ሄየ እብ ዝምት ሰበት ነብር ለዐላ ሰኒ ቤሎ ። ዎ ዓስከር ሀበዪ ። ከንተባይ ነጋሲ ዓስከሩ ናስኣ ዎ ኩሉ ለዓዶታ እብ ቀትለት ሑሁ ለሓማዩ ጂን ኣፍጋራ ምኑ ። ብዙሕ ንዋይ ዎ ኣዳም ኣብዳ ልትበሄል ። ለሕላየት ኖሳ ለሳጃዓት ዎ ላ ሓጣራት ናይ ከንተባይ ነጋሲ ተኣሽር እልኩም ።

            ገረማርያም ውድ ገብራይ እግል ከንተባይ ነጋሲ ክእና እት ልብል ሓለዪ ፡

ገለ ተኣምሪ ብካዩ ፤ ወለት ሀዋ መምባኪ

ሓምዴሁ ክት ሚ ተኣምሪ ፣ ምን ልትነደቅ ለጎይላኪ

ዐስር ክልኣት ቱ ለኣልባቡ ፤ እት ሰይጣቱ ለላጥዕ

ህቶም ቶም ለእቦም ልትገዐዝ ፣ ከጊጉይ ኢኮን ወናሲ

ለዳራት ከደን ኣብጻሓዩ ፣ ከኢትርካባ እብ ሓዚ

ፈጂር ፈጂር ዐድ ተክላይ ፣ ገበይ ሓሊቡ ታ ለሃዲ

ለደብር ጋድም በልሰዪ ፣ ጣርቃ ዲቡ መናግእ

ለልገት እንዶ ሼሽያ ፣ ካየደዋ ክም ባጽዕ

ዲብ ሚ ቱ እሊ መናሳቅ ፣ ለኣግዋፍ ሳብክ ቱ ወሓጊ

በኪት ፋዳ ዕዳዪ ፣ ሓቆ ሞታ ኣዛዚ

እግል ኣዛን ግሄና ፣ ለእሉ ጣልቅ ነጋሲ

ነሓምዮ ሓደምበስ ፣ ምን ኣቡሁ ኢናስእ

እብ ግሳዩ ልጻገም ፤ ባርጅ ኢኮን ወሓሲ

ሜስ ታ ከብድ ከንቴባይ ፣ ጽረይ ኢኮን ወስልቃ

በሓር ታ ከብድ ከንቴባይ ፣ መሓምሳይ ከኣፎ ቃውሳ

ሸር ላሃባ ልክልኣና ፣ ትልዔ ቤተት ከብድካ

ሓቆ ጻላም ወኣዛዚ ፣ እብ ሚ ትበርድ ነፍስካ

ሓቆ ፈጂር ሽግርድብ ፣ ውሉድ ሚ ቡ ምስልካ

ኣድግ ወከራይ ቱ ጋብኣኩም ፤ ቤት ኣቡካ ወእንታ

ኣምዕል ምስሎም ትትሃጌ ፣ ላሊዲ በና ታ ከብድካ

ጋር ለሞታ ኣለብካ ፣ ለገናይዞታት ላድዳ

ጋር ለገዐዛ ኣላብካ ፣ ለፈጀር ፈጂር ተሓንፍሳ

ጋር ለዝሙት ኣላብካ ፣ ምንማ ለወራር ደግሳ

ቅርቢት እት እንታ ለሬመት ፣ ገያድ ሚ ቡ በልሳ

ጽሪት እንታ ለደዐከት ፣ ጽሙእ እንታ ተሓልፋ

መሰል ለበሀለት ዕምዴናይ ታ ፣ ክብድት ለቀላል ሽፍጋ ።

ላዐቅም ናይ ላ ሔልያይ ዎ ጣዐም ናይላ ሕላየት እግል ተኣምሮ ደፋእ እትብሎ ኣንቡቦ።

ኣሳሱ ምን ኩቱብ ካርል ጉስታቨ ቱ ላትራካባ ቱ ።

ክብሮም ግረነት ።

9/25/2015

ዝሓለፈ ሰንበት 20 መስከረም 2015 እቲ ብ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሰፊሕ ምድላው ዝተገብረሉ ብ ተባዓት ደልይቲ ለውጢ ዶር. ዳንኤል ረዘነን ጋዜጠኛ ሜሮን እስቲፋኖስ ዝተመርሐ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ንተሰታተፍቲ ብዘዕግብ መንፈስ ተኻይዱ።

እቲ ህዝባዊ ሰሚናር ከምቲ ዝተመደበሉ ሰዓት 3:00 ድሕሪ ቀትሪ እዩ ተጀሚሩ። እቲ መደብ ነቶም ናይ ስራሕ ግዜኦምን ዕረፍቶምን ብምውንዛፍ ካብ ኤውሮጳ ነቂሎም ኣብ ኣሜሪካ ምስ ደለይቲ ለውጢ ስፍሕ ዝብለ ህዝባዊ ምይይጥ ዘክይዶ ዘሎ ክቡራት ተቃለስቲ ናይ እንቛዕ ድሓን መጻእኩም ምልእኽቲ ብምስማዕ እዩ ተኸፊቱ። ስዒቡ ከኣ ምስ ራእን ዕላማታትን እቲ ንኹሎም ኣብ በይ ኤርያ ዝርከቡ ናይ ለውጢ ሓይትልታት ሓቁፉ ዝንቀሳቐስ ዘሎ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘላሊ ሕጽር ዝበለ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ።

ካብዚ ቀጺሉ ዶር. ዳንኤል እቲ ንሱ ዝተደለወሉ ክፋል ናይቲ ሰሚናር ንህዝቢ ከካፍል መድረኽ ተቐቢሉ ። ኣስተምህሮ  ዶር. ዳንኤል ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 2015 ብመርማሪት ኮሚሽን ወድብ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ኤርትራ ተሓቲሙ ዝወጸ ን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝሰነደ ረዚን ሰነድ ዘተኮረ ኮይኑ፡  ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ማለት ፥ ተራ ኤርትራውያን ኣብ ምዕዋት ስርሓት መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣበርክቶ ናይዚ ታሪኻዊ ሰነድ ኣብ ምእላይ ምልካዊ ስርዓት ካብ ሃገረ ኤርትራን ኣውንታውን ኣሉታውን ተሞክሮታት ናይቲ ኣብ 26 ሰነ 2015 ኣብ ጀኒቫ ስዊዘርላንድ ብሓይልታት ድሚክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ተደልዪ ዝተኻየድደ ሰፊሕን ፍሉይን ሰለማዊ ሰልፊ ‘ውን ኣብሪሁ ‘ዩ ።

Daniel and Meron

ዶር ዳኒኤል ኣብ ኣስተምህሩኡ፡ እዚ ብመርማሪት ኮምሽን ተዳልዩ ዝወጸ ሰነድ ድምር ውጺት ናይቲ ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን ከይተሓለሉ ንነዊሕ ዓመታት   ዘካይድዎ፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ዲሞክራስን ንምንጋስ ዝዕላምኡ ሓያል ሃገራዊ ቃልሲ እዩ ድሕሪ ምባል፡ ኤርትራውያን ብውልቂ፡ ብጉጅለ፡ ብማሕበርን ወዘተትን ብምዃን ነታ መርማሪት ኮሚሽን ልዕሊ 700 ዝኾኑ ምስክርነታት ክትእክብ ሓጊዞማ ‘ዮም። እዚ ሰነድ ከኣ ኣብቶም ዝተዋህቡ ምስክርነታት ተሞርኩሱ ዝተዳለወ ታሪኻዊ ሰንድ እዩ ኢሉ። እቲ ሰነድ በቲ ዘለዎ ፍሉይ ትሕዝቶ ኣቓልቦን ትኹረትን ማዕከንት ዜና ዓለም ስሒቡን ከም ውጺቱ ከኣ ሰፊሕ ሸፈነ ረኺቡ እዩ ብምባል ንተሳተፍቲ ነታ መርማሪት ኾሚሽን ኣብቲ ብሕጂ እተካይዶ ስራሓት ክደጋገፍዋን ክትሓባበርዋን ኣትሪሩ ኣዘኻኹሩ። እዚ ተዘርጊሑ ዘሎ ሰነድ “ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተፈጺሙ ክኸውን ይክእል እዩ “ ዝብል ሓረግ እዩ ኣስፊሩ ዘሎ። እዚ ናብ ፍጹምን ደምዳምን ምሉእ ሓሳብ ማለት “ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውንት ተፈጺሙ እዩ” ናብ ዝብል መታን ክሰጋግር ሕጂ ውን ከይተሓለለና ክንሰርሕ ኣሎና ብምባል ንተሳተፍቲ ተማሕጺኑ። እቲ ብሕጂ ዝወጽእ ሰነድ ከምዚ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ምሉእ ሓሳብ ሒዙ እንተድኣ ወጺኡ ከኣ እቲ ዝቕጽል ዕማም ማለት ነቶም ብገበን ተኸሲሱም ዘሎዎ ሓልፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንምስግጋር ኣዝዩ ሓጋዚ ክኸውን እዩ ኢሉ።  

ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሒደት ማዓልታት ምዝርጋሕ ናይዚ ሰነድ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ናይ ደልይቲ ለውጢ ሰለማዊ ሰልፊ ከኣ ከምዚ ዝስዕብ ክብል ተንቲኑ፡ “ ድሕሪ ሎሚ ሚዛን ሓይሊ ናይ ደምበ ደልይቲ ለውጢ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ ከም ዘሎ ዘረጋገጸ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ንኹሉ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ዘሕበነ ተሪኻዊ ፍጻሜ ከኣ እዩ። እዚ ሰለማዊ ሰልፊ ዝመሃረና ቀንዲ ነጥቢ እንተ ሃልዩ፡ እታ ንሰለማዊ ሰልፍን ካልእ ከምኡ ዝእምሰሉ ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያትን እተካይድ ጉጅለ ንኹላቶም ደለይቲ ለውጢ ዝሓቖፈት ምስ እትኸውን፡ ዋንነት እቲ ጉዳይ ናይ ኩሉም ሓይልታት ለውጢ ይኸውን፡ ኩላቶም ከኣ ኣብ ምዕዋቱ ከይተሓለዉ ይሰርሑ ፡ ኣቲ ውጺቱ ከኣ ዓቢ ይኸውንን ኢሉ። ምስኡ ኣታሓሒዙ ከኣ ነቲ ን 29 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ምዕዋትን ንኹሉ ዘሳትፍ ኣብ ምግባርን ኩሉ ብዝከእሎ ከበርክት ተላብዩ። ኣብ ኩሉ እነካይዱ ንጥፈታት ብዝተኻእለ መጠን ንብዙሕነት ማሕበረሰብ ኤርትራ ዝነጸበረቐ ክኸውን ክንሰርሕ ኣላና ክብል ውን ተላብዩ።

ቀጺላ ንኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝገጥሞም ዘሎ ጸገማትን ኣተኩራ ኣስትምህሮኣ ዘቕረበት ጋዜጠኛን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ወ/ሮ ሜሮን እስቲፋኖስ እያ ነይራ። ጋዜጠኛ ሜሮን ኣብ መደረኣ፡ ኤርትራዊ ካብ ሃገሩ ዝስደድ ዘሎ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሕንብርቲ ገርና ነጊሱ ዘሎ ዓመጸኛን ምልካዊ ስርዓትን እዩ ድሕሪ ምባል፡ እቲ ኣብ ርእሲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ በደልን ግፍዕን ውን ምስ ምእላይ እዚ ስርዓት ጥራሕ እዩ ዘኽትም ኢላ። እቲ ዘሕዝን ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ወጺኦም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዝእትውሉ እዋን ውን እቲ ንስደተኛትት ዘድሊ ሓልዮትን ፡ ምክልኻል ይስእኑ ምህላዎም እዩ ኢላ፡ ከም ሳዕቢኑ ከኣ ቀንዲ ግዳያት ናይቶም ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ንግድን ደቂሰባት ዝተዋፈሩ ገበነኛታት ኮይኖም ኣሎዉ። እቶም ካብ ኤርትራ ኣምሊጦም ናብ ሱዳን ዝኣትዉ ስደተኛታት ብመጠኑ ጽቡቕ ናይ ምንቅስቃስ መሰላት እኳ እንተ ሃለዎም ኣብ ዝኾነ እውን ኣብ ርእሲኦም ንዝፍጸም ገብን ዝከላኸለሎምን ዝጠበቐሎምን ኣካል ከም ዘየሎ ኣብነታት ብምሃብ ኣብሪሃ። ብኣንጻሩ እቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ኤርትራውያን ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ስደተኛታት ምዓስከር ክሳብ ዝሃለዉ ብመጠኑ ካብ ክወርዱም ዝኽእል ገበናት ዝከልከለሎም ኣካል ኣሎ። እንተኾነ ግን ብሰንኪ እቲ መግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ካብ መዓስከር ስደተናተት ናይ ዘይምውጻእ ዝምልከት ፖሊሲ ናይ ምንቅቓስ መሰላቶም ኣዝዩ ዝተደረተ እዩ። ከም ሳዕቢኑ ከኣ ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተንቀሳቒሱም ክሰርሑን ንንብሶም ክሕግዙን ኣይክእሉን ኢላ ። ብሰንክቲ ኣብ ሓደ ዝተወሰነ መዓስከር ንነዊሕ እዋን ኮፍ ምባል ዝምጽኦ ተስፋ ናይ ምቑራጽ ሳዕቤን ከኣ ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ኣደዳ ናይቶም ብዘይ ዝኾነ ጸገም ኣብተን መዓስከራት ዝዝንብዩ ዘይሕጋውያን ኣሰጋግረቲ ብምዃን ብዘይ ዝኾነ ፋይናንሳዊን ስድራቤታዊን ደገፍ ካብ ኢትዮጵያ ብሱዳን ፡ ሳህራ ፡ ሊብያ ኣቢሉም ናይ ኢውሮጳ ንምስጋር ናብ ኣዝዩ በዳህን ፈተትን ዝኾነ ጎዕዙ ይስለፉ። ከም ውጺቱ ከኣ ኣስታት 80 ሚኢታዊት ናይቶም ኣብዚ ዝሓለፈ 3 ዓመት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱን ፡ ናብ ኤውሮጳ ዝሰገሩን ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮፕያ ዝሰገሩ እዮም ነይሮም ኢላ።

Daniel and Meron Public

ኣብዚ እዋን እዚ ብሰንኪ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ተኣሳሲሩ ኣብ ሲናይ ብመንግስቲ ግብጺ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ስርሒታት ይካየድ ኣሎ፡ እዚ ከኣ ነቲ ብሲናይ ኣቢልካ ናብ እስራኤል ዝግበር ዝነበረ ጉዕዞ ጠጠው ኣቢልዎ ኣሎ ክበሃል ይከኣል እዩ። እንተኾነ ግን እቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ዘይርጉእነት ዝፈጠሩ ፖለቲካዊ ሃዋህው ሎሚ ኣብ ሊብያ ኣቲ ብድዓሽ ዝፍለጥ ኣረሜናዊ ምንቕስቓስ ተፈጢሩ ኣሎ። እዚ ጉጅለ ውን ከም ኩሎም ካልኦት ዓመጽቲ ንኤርትራውያን ከም ቀንዲ ግዳያቱ ዝገብረ ምዃኑ ነቲ ኣብ ርእሲ ኤርትራውያን ዘገጠመ ጽዱጽተ መኑ ኣብነታት ብምሃብ ገሊጻ። ኣስዒባ ውን እቶም ብዙሕ መከራን ግፍዕን ተጸዊሮም ኤውሮጳ ወይ እስራኤል ዝኣትዉ ኤርትራውያን ብሰንክቲ እቲ ዝሰገርዎ ኩነታት ዝገደፈሎም በሰላን፡ ኣብ ስደት ዝገጥሙም ማሕለኻታትን ተበዲሆም ኣብ ጭንቀትን ንብሰ ቕትለትን ከም ዝወድቁ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሃገረ ሽወደን ዘገጠመ ዘሕዝን ፍጻሜን ካልእን ብምጥቃስ ንተሳተፍቲ ፍልጠታ ኣካፊላ። ንሳ ኣብ መወዳእታ  እዚ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ ነትን ብሰንክ ስደት ዘኸተሎ ሞትን ህልቂትን ኣብ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኩነታት ወዲቀን ዘለዎ ብዙሓት ስደራ ቤታት ኤርትራ ብዝዓቕሙ ኣብ ምሕጋዝን ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝመጹ ዘለዎ ትሕቲ ዕድመን ልዕሊ ዕድመን ኤርትራውያን ኣብ ምብርታዕን መንገዲ ኣብ ምርኣይን እጃሞም ከብርክቱ ብምልባው መደረእ ዛዚማ።

ነዚ ስዕቡ ዝቐረበ መደብ እቲ ናይ ሕቶን መልስን ርኢቶን መድብ እዮ ነይሩ። ዶር. ዳኒኤልን ጋዜጠኛ ሜሮንን ከኣ ሓደ ብሓደ ነቶም ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረብሎም ንሓድነት፡ ንተሳትፍነት መንእሰያት፡ ንብዙሕነት፡ ንተራ ምርማሪት ኮምሽንን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ምልጋስ ስርዓት ህግደፍን፡ ካልኦትን ሕቶታት ዘዕግብ መልሲ ብምሃብ መሊሶሞም።

ኣብ መደምደምታ መንጪ ናይዚ ብመርማሪት ኮሚተ ተሓቲሙ ወጺኡ ዘሎ ሰነድን ጠንቂ ስደትን መግረፍትን ኤርትራውያን ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ንኹሉ ደላዪ ለውጢ ብሩህ ‘ዩ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ሓድነት ዝተሰረተ ሓባራዊ ቃልሲ ብምክያድ ንስርዓት ህግደፍ ካብ ሃገርና ሓግሒግና ንምእላይ ከይተሓለልና ክንሰርሕ ይጽንሓለይ ዘይበሃለሉ ሃገራውን ታሪኻውን ግዴታና እዩ ድሕሪ ምባል። ሓድነት ብምትእምማንን ተጻውርነትን ዝጥራይ ኣምርእዩ፡ ኣብኡ ንምብጻሕ ከኣ ኣብ ዝሕብሩና ነገራት ሓቢና ብምስርሕን ፡ ይቅረ ብምብህሃልን ክንዓትሮ ከም እንኽእል ብምሕባር፡፡ ብወገኖም ውን ነቲ ኣብ ሞንጎኦምን ው/ሮ ኢልሳ ጭሩምን ኣጋጢሙ ዘሎ ዘይምርድዳእ ክፈትሑ ድልዋት ምዃኖም ንተሳተፍቲ ሓቢሩም። በዚ ከኣ እቲ ሰፊሕ ተሳተፍነትን ምርድዳእን ዝተረእየሉ ህዝባዊ ኣኼባ ( ኣስተምህሮ) ናይ ሓባር ስእሊ ብምስኣል ተዛዚሙ።  በዚ ኣጋጣሚ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ነቶም ከይ በቐቑ ፍልጠቶምን ተሞክሪኦምን ዘካፈሉና ሓፍትና ሜሮንን፡ ሓውና ዳን ኤልን ካብ ልቢ እንዳ ኣመስገና፡ ነቶም ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ነዚ ኣስተምህሮ ዝወፈዩ ካብ ኩሉ ከባቢታት በይ ኤርያ ዝተሳተፉ ኣባላትና ከኣ ኣዚና ነመስግን።

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ኦክላንድ ካሊፎርንያ

22 መስከረም 2015