ንህዝብና ዝጠቅም ሓሳብ ክንጸግ የብሉን

2015-10-15 19:12:01 Written by  ብድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2453 times

ኤርትራ ኣብ 1991 ነቲ መግዛእታዊ ሓይሊ ሰራውሩ ሓግሒጋ ምስ ጸረገት፥ ህዝቢ ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ እፎይ ኢሉ ዘዕረፈላ ዓመት ኢያ ነይራ። ኣብዚ እዋን ኮይና ክንዝክሮ እንከለና፡ ታሪኻዊ ዝኾነ ውሳኔ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ሓይሊ መግዛእቲ ብክልቲኡ ሓይልታት ህዝባዊ ወያኔን ህዝባዊ ግንባርን ብዓብይኡ ድማ ሳላ ጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝቢ ኤርትራ ተደፊኡ ካብ መሬትና ምስ ወጸ ዝተኣወጀ ኣዋጅ እዩ። እቲ ኣዋጅ’ቲ ሽዑ ተተግቢሩ እንተዝኸውን ምናልባት እዚ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ወሪዱ ዘሎ ሽግር ኣይምወረደን። እቲ ኣዋጅ ’’ እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ናይ ናጽነት ቃልሲ ማለት ብረታዊ ቃልሲ ደጊም ኣብቂዑ እዩ። ዝተረፈ ቃልሲ ሓርነታዊ ቃልሲ ስለዝኾነ ኣብ ክንዲ ብረታዊ ቃልሲ ፖለቲካውን ሰላማውን ቃልሲ እዩ ክካየድ ዘለዎ።’’ ዝብል ነበረ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን በቲ ጅግና ተጋዳላይ ብትወደድ ኣብረሃ ምእንቲ ሃገሩን ህዝቡን ህይወቱ ክሳብ ንመስዋእቲ ዝተበጀወ ኣብ ማእሰርቲ ህግድፍ ዝበሊ ዘሎ ዝወጸት ካሴት እውን ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ብዝያዳ እተብርህ እያ። ብተወደድ ኣብረሃ ናይ ናጽነት መቐረት ከየስተማቐረ ምስ ስዕረት ሰራዊት ደርግ 1991 ኣብ ሸላ ቤት ማእሰርቲ ህግዲፍ ን6 ዓመታት ተኣሲሩ ንቑርብ ግዜ ወጺኡ ዝተዛረቦ ቃላት እዩ። እቲ ቃላት እቲ ኣብ ኣፍ ሓርገጽ ኰንካን፥ ካብ ማእሰርቲ ወጺእካ ነቲ ዝነበርካዮ ከይዘከርካን ኣብ ቅድሚ ጉጅለ ህግደፍ ምእንቲ ፍትሓን መሰልን ክትዛረብ ክሳብ ክንደይ ሓያል ጽንዓት ከምዝውንን እዩ ዘመስክር። ተመሊሰ ናብታ ዝነበርክዋ ሸላ ክምለስ እየ ኢሉ ድምብርጽ ከይበሎ ንህዝቢ ክንድቲ ዝኣክል ኣስተምህሮ ሂቡ።

እታ ካሴት ብትወደድ ኣብረሃ ብዝተዛረቦ ወርቃዊ ቃላት ዝመልአት ከምዝኾነት ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ትሕዝቶን ቊምነግርን ዓቂባቶ ዘላ መሃርን ትርጉም ዘለዎ ፖለቲካዊ ሓዘልን ከም ምዃኑ መጠን ነቲ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ምልኪ ተጸቒጡን ጅሆ ተታሒዙን ዘሎ ንፍርሃት ክሰግራ ዘተባብዕ እዩ።

ጅግና ብተወደድ ኣብረሃ ’ንሃገረይ ኣሕሊፈ ኣይህብን ብምባለይ እምበር ካልእ ዘሕትተኒ ሓጥያት የብለይን’ ዝበሎ እቲ ስርዓት ነዛ ሓረግ እዚኣ ስለምንታይ ተጻቢኡዋ ኩልና ክንመራመረላ ዝግባእ እዩ። ምኽንያቱ ብትወደድ ካብ ባዶ ነቒሉ ኣይኮነን ከምኡ ኢሉ ተዛሪቡ። ቀጺሉ እውን ነዛ ንሱ ዝበላ ብዝያዳ እተራጉድን እቲ ስርዓት እውን እትህድድን ከኣ‘’ወደብና ንኢትዮጵያ ኣሕሊፍና ኣይንሃብን፡ እትብል እቲ ስርዓት እንታይ መደባት ከምዝነበሮ እትእምት እያ።

ቀጺሉ ብትወደድ ንኹልና መሃሪት ዝኾነት ሓረግ ማለት ‘’ግርጭታትን ናይ ኣረኣእያ ፍልልያትን ብዲሞክራሲያውን ሰላማውን ኣገባብ ክፍታሕ ኣለዎ’’ ክብል ኣተንቢሁ። እዛ ሓሳብ እዚኣ መትከል እምበር ሜላ ኣይኮነትን። ምኽንያቱ ነቲ ስርዓት ኣብ ትሕቲ ህዝቢ ከምዝንብርከኽ እትገብር እያ እንተደኣ ብግቡእ ተጠቒምናላ። ንግርጭታትናን ናይ ኣረኣእያ ፍልልያትናን ብኣፈ-ሙዝ ዝፍታሕ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ብዕርቅን ይቕረ ምባልን እዩ ሰላም ዝነግስ። እዚ ግን ከም ጽገና ወይ ኣውን ከም ተንበርካኽነት፥ ወይ ኣውን ኣላሽ በሃልነት ዘይኮነስ እቲ ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ ተኣማሚኑ ነቲ ምልኪ ፎእ ንኽብል ዝገብሮ እዩ። እታ “ዲሞክራሲያውን ሰላማውን ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭት” እትብል ብፍላይ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ከኣ ሰላማውን ዘይጎነጻውን ኣገባብ ምኽታል ናይ ዝብሉ ሸነኻት እምንቶ ስለዝኾነት ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ክንሰርሓላ ዝግባእ ኣምር እያ። ምኽንያቱ “ብዘይጎነጻዊ ኣገባብ’’ እምበር ብጎነጽ ዝመጽእ ዘተኣማምን ፍትሒ የለን።

እዛ ካሴት እንታይነት እቲ ስርዓት ግርም ገይራ እተቃልዕ እያ ‘’ናይ ጅግና መራሒ መምዘኒ ዝበሃል ብስለት ኣኣምሮ ዘለዎ እዩ። ፈተውቱ ዘብዝሕን ርሑቕ ዘለዉ ዘቕርብን ምሕረት ዝግበርን እዩ።’’ ዝብል ምሉእ ሓሳባት ናይታ ካሴት መልእኽቲ ብስለት ዘመልክት እዩ። ልክዕ እዩ እዘን ምሉእ ሓሳባት እዚኣን ነቲ ምልካዊ ስርዓት ጥራሕ ዝምልከታ ኣይኮናን። እንታይ ደኣ እንኮላይ ነቶም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለና ኩልና ዝምልከታ እየን’ሞ እዚኣ እውን ከባድ መጠንቀቕታ ምዃና ክንርዳእ የድሊ። ካልእ ዓባይ ነጥቢ ድማ ኣላ። ማለት ህዝብና ካብቲ ራዕድን ፍርሕን ንክላቐቕ እተተባብዕ። ‘’ወዲ ሰብ እንተፈሪህካዮ ኣብ መፈንጠራ እዩ ዘእትወካ እንተፍሪህካ ግን ኣብ ትሕቴኻ እዩ ዝኣቱ’’ እትብል። ብናይ ኣጽዋር ወይ ቦምባታት ሓይሊ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ እቲ ህዝቢ ካብ ፍርሃት ተላቒቑ ልዕሊ ዘፈራርህ ኣጽዋር ‘’እምቢ-እምቢ’’ ትብል ቃል ንኸውጽእ ተተባብዕ ኣስተምህሮ እያ። ቀጺሉ ብትወደድ ንኹልና ደንምበ ተቓውሞ ይኹን ካልእ ተቓዋሚ ዝኾነ ሓሳብ ዘቕረቦ ‘’ምንጻል ይኹን ዓፈና ካብ ሕጊ ወጻኢ ስለዝኾነ ጉጉይ ኣፈታትሓ ግርጭት እዩ መፍትሒ እውን ኣይኮነን።’’ እትብል ጽባሕ ንግሆ እዚ ስርዓት እዚ ምስ ኣልገሰን፥ ሕጂ ቅድሚ ምልጋሱን ኣብ ኣእምሮና ክነስርጻ ዝግባእ እዩ። ምኽንያቱ ፍትሕን ሕግን ንኸይገሃስን ኣብ ህውከትን ነውጽን ንኸይንበርን እትእምት ስለዝኾነት።

እዛ ካሴት ሒዛቶ ዘላ ጥዑይን መሃርን ሓሳብ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ኣብ ክንዲ በበይኑ ክይኑ ሒዅ ዝብል ሓቢሩ ክቃለስን ክወሃሃድን እትዕድም እያ። ንኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል ‘’ ማሕበራዊ ሕጊ ክነግስ ምውፋይን ንሃገራውን ንህዝባውን ረብሓ ምጥባቕን ግዴታ ምዃኑ፡ ንሓደ ኣካል ተቓዊምካኒ ኢልካ ክትዓጽዎ የብልካን። ኮፍ ኢልካ ብዝተ ክትፈትሖ ኣሎካ። ለውጢ ክነምጽእ ክንውፈን ክንቃለስን ኣሎና። ክንፈርህ የብልናን ክንተብዕ እዩ ዝግባእ። ንሰብ ኣይንፍራሕ ንሕግን ንእግዚኣብሄርን ንፍራህ። ንግርጭት ብሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ምፍታሕ።’’ ዝብሉ ወርቃዊ ምዕዶታት ንረክብ። ከምዚ ዝኣመሰለ መዓድን መሃርን ዝኾነ ሓሳባት ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኢና ንቃለስ ዘለና ንእንብል ደለይቲ ፍትሒ ናትና ዕጥቂ፡ መትከላዊ ራኢ፡ ዕላማን እምንቶን ምዃኑ ተገንዚብና ኣብ ተግባር ክነውዕሎ ክንጽዕር ይግባእ።

ድራር መንታይ

Last modified on Thursday, 15 October 2015 21:20