ነፍስሄር የማነ ባርያ ‘’ እቲ ዝደልዮ እንተዝኾነለይ’’ ዝበላ ደርፊ ብጣዕሚ ዓሚቝ ትርጉም ዘለዋ ደርፊ እያ። ከምቲ ንደልዮ ወይ ከምቲ ንምነዮ እንተዝኾነልና እዛ ዓለም ኣብ ምንታይ ኮን መበጸሐት? ምኽንያቱ ከምቲ ዝምነዮ እንተዝኾነለይ እንታይ ዓይነት ምንዮት ኮን ይኸውን? እቲ ትምኒተይ ንዓይ ጥራሕ ዲዩ ወይ ንኹሉ ዝሓወሰ ዝብል ሕቶ ከልዕል ስለዝኽእል። ብዝኾነ ግን ብጉዳይ ኤርትራ ዝምልከት ናይ ኩልና ምንዮት ዝመሳሰል ክኸውን ይምነ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ምስቲ ኩሉ ባህርያዊ ጸጋታተን ኣካላዊ ምግዱራት (ልሙሳት) ኮይነን እነሆ ድሕሪ መግዛእታዊ ዘበን እውን ከይተረፈ ብዙሓት ካብኣተን ኣብ ድኹም ምምሕዳራዊ ባይታ እየን ዝርከባ ዘለዋ። እዘን ሃገራት ኣፍሪቃ ብገዛእቲ ዝተፈጥረ ይኹን ብስንኪ ደረጃ ትምህርቲ ለጠቕ ምባሉ ካብቲ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ግርጭታትን ቊርቊሳትን ኣይተላቐቓን ዘለዋ። እዚ ግርጭታት እዝን ንዓኡ ንምፍታሕ ዓቕሚ ዘይምህላውን ዘምጽኦ ጸገማት ካብቲ ዝነበረ ድሕረት ክወጻ ኣይከኣላን። እዚ ካብቲ ድሕረተን ዘይምውጻእ ከኣ ነቲ ፍልስፍና ናይ ብዙሕነት ዘዐንብብ ምዕብልና ዓንቃፊ ተራ ከምዘህልዎ ርዱእ እዩ። እዚ ከኣ ብወገኑ ንመላእ ህዝቢ ዝሓስብን ንሽግራት ህዝቢ ዘለልን ብኡ መሰረት ከኣ ዝሓልን ኣብ ክንዲ ዝፍጠር፡ ንህዝቢ ዝድህኽን ዝውጽዕን እዩ ዘበቊል። በዚ ምኽንያት እቲ ምህናጽ ሃገርን ህዝብን ዝብል ብምህሳዩ ዳርጋ መብዛሕተአን ሃገራት ኣፍሪቃ ጌና ኣብ ማሕበራዊ ቊጠባውን ባህላውን ቅልውላው ተሸሚመን የሳቕየን ኣሎ።

ኤርትራ ሃገርና እውን ኣካል ናይዘን ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ምዃና መጠን ብርክት ዝበሉ ገዛእቲ እናተበራረዩ ዘሳቕይዋን ዘጋፍዕዋን ሃገር ኢያ ነይራ። ካብቲ መግዛእቲ ዝፈጠሮ ውርሻ እውን ናጻ ኣይኮነትን። ስለዚ መጻኢት ኤርትራ ከምቲ ካብ ክትበቊል ጀሚራ ዘጓንፋ ዝነበረ ስቓይን መከራን ተናጊፋ፥ ህዝባ እውን ነቲ ሕሉፍ ከርፋሕ ግዜ ስዒሩ ኣብ ሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ዘለዎ ሃዋህው ክነብር ኣይከኣለን ዘሎ። ነዚ ንምፍጻም ከኣ ኤርትራ፡ ብተግባርን ብዘይተጒላባነትን ካብቲ ሕሉፍ ኣሉታዊ ተመኲሮ ወጺኣ ህዝባ ናብ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ከድህብ ይግባእ። እዚ ምስ ዝፍጸም ከኣ ኤርትራ ምስቲ ተስፋ ዝህብ ብሩህ መጻኢ ከተላግበና ወይ ከተሰጋግረና ኣለዋ ማለት እዩ። ነዚ ንምግባር፡ ከምቲ ሓርጭን ጥረ እኽልን ሓዋዊስካ ብሑቕ ዘይርከብ፥ ከምኡ ከኣ ህዝብና ነቲ ኣሉታውን ንምዕብልና ዝዕንቅፍ ድሑር ኣተሓሳስባን፡ ሓዋዊሱ ክኸይድ እንተደኣ ኮይኑ፡ ለውጢ ይኹን ምዕብልና ከምዘይርከብ ርዱእ እዩ።

ነቲ ኣሉታዊ ተመኲሮ ንድሕሪት ገዲፍካ ናብቲ ብሩህ መጻኢ ምድሃብ ማለት ከኣ ነቲ ዝሓለፈ ግጉይን ኣሉታውን ሳዕቤን ዘነበሮ ተመኲሮ ደጊምካ ኣይትድገም ወይ ከይድግም ምጽዓት ማለት እዩ። ካብቲ ሕሉፍ ኣሉታዊ ተመኲሮ ምውጻእ ማለት ናብ ሓባራዊ ረብሓን ምክብባርን ዘብጽሕ ሓባራዊ ሃገራዊ መትከል ምውናን እውን ማለት እዩ። እዚ ሓባራዊ ሃገራዊ መትከል ከኣ ዕልማናዊት፡ ብቅዋምን ህዝቢ ዝመረጾ መንግስትን፥ ብመሰረቱ ህዝቢ ብዝሳተፈሉ ፖልሲታትን ምምሕዳር ማለት እዩ። እዚ ክኸውን ከሎ ሓደን ዝውጽዕ ሓደን ዝውጻዓሉ ዘይኮነስ ኩሉ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ዝኾነሉን፥ ክብርን መሰልን ደቂ ሰባት ዝሕለወሉን ውሕስነት ምርካብ እዩ። ኣብዝን ኣብ ካልእን ሓባራዊ መትከላትን ጸኒዒናን ኣሚንናን ምስ እንጎዓዝ ነቲ መጠረስታ ክንበጽሖ እንደሊ ናይ ሰላም ባይታ ክምድምደልና ይኽእል።

ኤርትራ ሃገርና እምበኣር ነዚ ኩሉ መስገደል ሰጊራ ኩሉ ህዝቢ ብዘይኣፈላላይ ሃገሩ ክሃንጽን ምዕቡል ሕብረተሰብ ክምስርትን ክጽዕር ክሎ እዩ ቅሳነትን ዕቤትን ዝርከብ። ካብዚ ነቒልና እታ እንምነያ ሃገር ነቲ ኩሉ ዓንቃጺ ኲርኳሓት ናብ ልሙጽ ቀይራ ኤርትራ ናይ ብሓቂ ሰላምን ምርግጋእን ዝሰፈና ሃገር ክትከውን እዩ። መጻኢ ወለዶ ኣብ ክንዲ ኣብ ህውከትን ሓድሕድ ምትፍናንን ዝጽመድ፡ ኣብ ናይ ምትሕብባርን ኩሎም ዜጋታት ጾሞም ዘይሓድሩሉ፥ መጽለሊ ዘይስእኑሉ፥ ሓሚሞም መፈወሲ ዘይስእኑሉ መድረኽ ንምኽፋት ዝዓለመ ሕልናን መንፈስን ከሕድሩ ምግባር ዓቢ ተደላይነት ኣለዎ። ካብዚ ቀጺሉ ብፍላይ ጓል ኣንስተይቲ ብሰንኪ ድኽነት ኣብ ዘየድሊ ሽግራት ካብ ምእታው ዘድሕና ንኹሉ ሕብረተሰብ ከምዚ ናይ ኤውሮጳ ማሕበራዊ ድሕነት (social security) ብተግባር ክሰርሓሉ ካብ ብሕጂ ክርዳእ ከምዘለዎ ምጽዓር።

ናብዚ ንምብጻሕ እንታይ ክንገብር ኣሎና።? ዝብል ሕቶ ምምላስ ከድሊ እዩ። ንሱ ድማ ነዚ ኣብ ሃገርና መሰል ህዝቢ ገፊፉ ዝጭቊን ዘሎ ስርዓት ምልጋስ ቀዳማይ ዕማም እዩ። ቀጺሉ ክምልስ ዘለዎ ሕቶ ድማ ድሕሪ እዚ ስርዓት ምውዳቕ ሃገርና ኤርትራ እንታይ ክትከውን እያ ዝብል እዩ። ነዘን ሕቶታት እዚአን ብቕንዕና ክንምልስን ናብቲ ዝድለ ለውጢ ንምብጻሕንከ  ኩልና ዜጋታት ኤርትራ ድልዋት ዲና? ዝብል ብዙሕ ሕቶታት ከስዕብ ይኽእል እዩ። ኣብዚ ከኣ እዩ ዘሎ እቲ ምንጻር ትምኒት።

እቲ ትምኒት ብመጠን እቲ ኣተሓሳስባኻ፡ ግብራዊ ስራሓትካን ናይ ሕልናኻ ቅሩብነትን እዩ ዝውሰን። ናይ ኩልና ድሌትን ምንዮትን ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ካብ ዘለዎ ሽግራት፡ ግፍዕን ወጽዓን ተላቒቑ ሰላማውን ቅሱንን ናብራ ክህልዎ እዩ። ኣብ ነንሓድሑ ከኣ   ብምክብባርን ሃገሩ ክትምዕብለሉን ክትስልጥነሉን ብዘኽእላ ጐደና ክምርሽ ከድሊ እዩ። ካብ ክፍኣትን ተንኮልን ነቒልካ ተበግስካ እትምነዮ ግን ናብ ደልሃመትን ጽልሙት ተስፋን እዩ ዝመርሓካ። ስለዚ እቲ ካብ ቅኑዕ ሓሳብን ንኹሉ ዝእክብን ዘርብሕን ሕልና ዘነቅል ትምኒት እዩ ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ የጓንፎም ካብ ዘሎ ፖለቲካው፡ ማሕበራው፥ ቊጠባውን ባህላውን ቅልውላዋት ብቐሊሉ ክፍታሕ ይከኣል እሞ፡ ሃገርና ኣብ ክንዲ ናብ ጥፍኣት፡ ናብ ጎደና ልምዓት፡ ብልጽግናን ማዕርነትን ገጻ ትገስግስ።

ድራር መንታይ

Source-     Fithi Magzine http://www.togoruba.org/togoruba1964/mainTogorubamap/mainMap/headingMap/2015/1108FM5-06MT.pdf

ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ዝተደለየሉ ምኽንያት ኣብ ሃገረ-ኤርትራ ፍትሒ ንምርግጋጽ፡ ተጎጃጂካን ፡ናይ ማዕዶ ተዓዘብቲ ብምዃንን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ተጻዒንዎ ዘሎ ምልክን፡ ሕሰምን ኣደራዕን ከልግስ ስለዘይተኻእለን፡ ዘይከኣል ምኻኑን ዝሓለፉ ተሞክሮታት ስለዝምህሩና ኢዮም። ብዘይተሳትፎ ናይ ህዝቢ፡ ዝረጋገጽ ለውጢ ከምዘየለ ኢዩ እቲ ተሞክሮ ዝምህረና። ብዘይተሳትፎን ወሳኒ ተራን ናይ ህዝቢ፡ ህዝቢ እንደገና ንክጥለም ብዙሕ ዕድላት ከምዘሎ እቲ ሕሉፍና ዝምህረና። እዚ ሕጂ ኤርትራ ንኢሻቶ ሰሜን-ኮርያ ናይ ኣፍሪቃ ኮይኑ ሃገርን ህዝብን ዝበታትን ዘሎ ጉጅለ መሪሕነት ስርዓት ህግደፍ፡ ትማሊ ትማሊ ዲሞክራሲ እንዳበለን እንዳዘመረን ኢዩ ንህዝቢ ኣዳህሊሉ፡ ሕጂ ሕፍረቱ ቀንጢጡ እምባገነን ኮይኑ ናይ ህዝቢ ስልጣን መንዘዑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጊላኡ፡ ኤርትራ ከምሃገር ከኣ ውሽሙኡ ገይርዋ ዝርከብ ዘሎ። ነዚ ናይ ሓባር ጸገም ዝኾነ መላኺ ስርዓት ንምእላዩን፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ብወገን ህዝቢ ዝጥለብ ሓድነትን ስራሕን ብተግባር ክንሰርሓሉ ብዘይ ምኽኣልና ኣደራዕ ናይ ህዝብና ከነናግፍ ኣይበቓዕናን። ብኢድ-ኣዙር ምልኪ ህግደፍ ንክቕጽል ተሓባበርቱ ካብ ምዃን ነጻ ኣይኮናን። ሃገርን ህዝብን ኣብ ሐደጋ ተሳጢሖም እንከሎው ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ከልግስ ዘብቅዕ፡ ንህዝቢ ንቃልሲ ዘዕስል፡ ንጹርን ትኩርን ናይ ቃልሲ ስትራተጂ ክንውንን ብግብሪ ክንሰርሓሉን ኣይበቓዕናን። ደንበ ተቓውሞ ኣብ ካልኣ ውን ዘይመሰረታውን ፍልልያት ተጸሚዱ ክሰሓሓብን ክዋጠጥን ክቡርን ነዊሕን ጊዜኡ ኣባኺኑ ኢዩ። ከምውጺኢት ናይ’ዚ ከኣ ዝበዝሐ ክፋል ናይ ህዝብና ኣብ ገዛእ ጉዳዩ ተዓዛባይ ኮይኑ። ኣብ ክንዲ ኣተኩረና ቀዳምነታትና ብምስራዕ ምስ መድረኽ ዝጠልቦ ሓባራዊ ቃልሲ ኣብ ክንዲ እነካይድ ኣብ መጻኢ ብህዝቢ ክፍትሑ ዝኽእሉ ካልኣዊ ዝኾኑ ዕላማታትን ጓል-ነገርን ወርቃዊ ግዜ የሕሊፍና። ከምውጽኢቱ ከኣ፡ መሪሕነት ህግደፍ ጸይቅን ኣዕናውን ተግባራቱ ንክፍጽም እኹል ዕድል ረኺቡ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ናይ ወጥሪ ኩነታትን ኣብ ገሃንመ-ጸልማት የእትይዋ ይርከብ። ንዕላማታት መስዋእቲ ተጋድሎ ህዝብና ዝጠልም መደብ ሰሪዑ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዜጋታትና ብሕሱም ዝድህኽ ዘሎ መሪሕነት ጉጅለ ህግደፍ፡ ብስሙር ቅልጽም ህዝቢ ኤርትራ ብህጹጽ ከልግስ ኣለዎ። ስለዝኾነ ኩሉ ዓቕምታት ደለይቲ ፍትሒ ንስርዓት ህግደፍ ምስዓርን ህልውና ኤርትራ ንምርግጋጽ ዘኽእል መቃለሲ መስርሕ ክኽተል ኣለዎ። ስለዚ ነቲ ናይ ተጎጃጂልካ ቃልሲ ብሓቢር ካበቶም ዘሰማምዑኻ ዓበይቲ ሓባራዊ ዕላማታት ምስራሕ እቲ ዝሓሸ መዋጽኦ (ኣማርጺ) ናይ ሽግርና መፍትሒ ስለዝኾነ፡ ዝተጠርነፈ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ የድሊ።

ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ (Grassroots Movement) ክበሃል እንከሎ ካብ ታሕቲ (እትነብረሉ ቦታ) ናብ ላዕሊ ዘቕነዐ ህዝባዊ ምትእስሳር፡ ብነጻ ተበግሶ ናይ ዜጋታት ዝቖመ፡ ንኹሎም ዜጋታት ብቑሉዑን ብማዕረ ዘሳትፍን ህዝባዊ ዲሞክራሲያውን ምጥራናፍ`ዩ። ዕምሪ ምልካዊ ጭኮና ንምሕጻር ዓቕሚ ህዝቢ ብምውህሃድ ምልኪ ህግደፍ ኣልጊሱ ህዝብና ዝቆጻጸሮ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንክረጋገጽ ከኣ ይሰርሕ። እቲ ዝዓበየ ስራሕ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዘዝርክብዎ ቦታታት/ከተማታት ተጠርኒፎም ንህዝቢ ካብ ጽልዋ ህግደፍ ሓራ ብምውጻእ ኣብ መስርሕ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ከምዝሳተፉ ብምግባር መሪሕነት ጉጅለ ህግደፍ ናይ ህዝቢ ደገፍ ዘይብሉ ዕርቃኑ ምውጻእ ኢዩ። መሰረት ናይ ለውጢ ውልቀ-ሰባት ኣብ ዘዝርከቡሉ ዓዲ/ከተማ ብሓባር ከስርሖም ዝኽእል ዕላማን መደብ-ስራሕን ኣነጺሮም ተጠርኒፎምን ተወሃሂዶምን ብተግባር እተማክሎም ሽማግለ መሪጾም ክሰርሑ ምስ ዝበቕዑ ኢዩ። እዘን በዚ ኣገባብ ዝወጻ ናይ ቦታታትን፡ ዞባታትን ዓለም-ለኻዊ መሪሕነትን፡ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ብህዝቢ ዝወጻ ስለዝኾና፡ ተሓታትነተን ነቲ ዝወከለኦ ህዝቢ ይኾና። እዚ ማለት ከኣ፡ ናይ ሓንቲ ከተማ ህዝባዊ ሽማግለ ተሓታትነታ ነቲ ኣብ’ቲ ከተማ ሓላፍነት ዝሃበ ህዝቢ ይኸውን። እቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ከኣ ነቲ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ዝወከልዎ ሽማግለ ኣብ ዞባዊ ጥርናፈ ከምዝጥርነፍ ምግባር’ዩ። ናይ ዞባ መሪሕነት ከኣ ተሓታትነታ ነተን በብከተምኡ ዝተወከላ ሽምግለታት ኮይኑ ብትሕዝተኡ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ኣብ’ቲ ዞባ ይኸውን። ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ዝተመረጹ ንዞባ ዝውክሉ ሽማግለታት ከኣ ተጠርኒፎም ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ንናይ ህዝባዊ ምንቅስቓስ እተማእክል ኣህጉራዊ መሪሕነት (ዓለምለኻዊት) የቑሙ።

ኣብ መንጎ ኣብ ወጻኢ ዝግበር ቃልስን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ድልድል ናይ ቃልሲ ንክግበር ዝቐለለ ስለዝኸውን ኣብ ውሽጢ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ንዲሞክራሳያዊ ለውጢ ንክትግበርን ንክዕወትን ምቹእ ኩነታት (Opportunity) የስዕብ። ካብ ኤርትራ ወጻኢ (ኣብ ዲያስፖራ) በዚ መንገዲ’ዚ ዝረጋገጽ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ጥርናፈን ሓድነታዊ ቃልስን፡ ንኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝግበር ቃልሲ ዓቢ ሞራልን ጽልዋን ክፈጥር ይኽእል። ብክፉት ዲሞክራሲያዊ ህዝባዊ መስርሕ ዝቐውም ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶ (መሪሕነት)፣ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሲ ዕላዊ ወኪል (ልኡኽ- ኣገልጋሊ) ናይ መላእ ደለይቲ ፍትሒ ዜጋታት ኤርትራ ኮይኑ፡ ምስ ኣብ ውሽጢ ዘሎን ዝፍጠርን ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ብምትሕብባር ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምልጋስ ይነጥፍ። ነቲ ብሕሱም ምልካዊ ጭኮና ተዓፊኑ ዝድሃኽ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ድምጽን ትንፋስን ኮይኑ፣ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ይጣበቕ። ዓለም-ለኻዊ መሪሕነት ተሓታትነታ ከኣ ንኹሉ ብከተማታትን ዞባታትን ዝተጠርነፉ ደለይቲ ፍትሒ ማለት’ዩ። ነቲ ንህዝቢ ኣብ ሓደ ዝጠርነፎ መድረኻዊ ዕላማን ስትራተጂን መደብ-ስራሕን ዓቕሚ ህዝቢ ኣወሃሂዳ ምልኪ ህግደፍ ክሰዓርን ናብ ውሑስ ዘተኣማምን ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ክረጋገጽ ትሰርሕ። ምስኣ ብውሽጢ ሃገር ዝካየድ ናይ ለውጢ ምንቅስቓሳት ድልድል ብምፍጣር ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብህዝባዊ ሓይሊ ንምልጋስን ህዝቢ ዝቆጻጸሮ ዘተኣማምን ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንክረጋገጽ ይቃለስ።

በዚ ኣብ ላዕቲ ዝተጠቕሰ ዓይነት ኣጠራንፋ፡ ህዝቢ ነቲ ዝካይድ ዘሎ ሓርነታዊ ቃልሲ ይመርሖን ይቆጻጸሮን ማለት’ዩ። ዝተወከላ ሽማግለታት ተልእኾኣን እንተዘይፈጺመን ከኣ እቲ ዝወከለን ህዝቢ ሓላፍነት ክህብን ከሕድግን ስልጣን ይህሉዎ። እዚ መስርሕ ምልዕዓል`ዚ፡ ነቲ ብከቢድ መስዋእቲን መውጋእትን ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ዝተረጋገጸ ሃገራዊ ነጻነትን ልዑላውነትን ብምዕቃብ፣ ሓርነትን ክብርን ዜጋታትና ንምጉንጻፍ ተሳትፎ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ከረጋግጽ ዝኽእል ስትራተጂ እዩ። ንኤርትራ ሃገርና ካብ’ዚ ኣትያቶ ዘላ መዋጥር ከነውጽእን፡ ናብ ዝኸፍኣ ሓደገኛ ኩነታት ከይትኣቱ ህዝብን ሃገርን ንከነድሕን፡ ነዚ ዘሎ መላኺ ስርዓት ብናይ ህዝቢ ተሳትፎን ሓርነታዊ ቃልስን ጥራሕ ኢና ከነልግሶ እንኽእል። ለውጢ ስለ ለውጢ ዘይኮነ፡ ህዝቢ ዝቆጻጸሮ፡ ንረብሓ ህዝቢ ዘውሕስ ለውጢ ክኸውን ህዝባዊ መድረኽ ልዝብ ክኽፈትን ዲሞክራስያዊ ትካላት ካብ ውሽጢ ህዝቢ ክቦቕላን ክዕንብባን ክንሰርሓሉን የድሊ። ህዝብና ኣብ ገዛእ ዋኒኑ ተዓዛባይ ካብ ምዃን ሓሊፉ ቀንዲ ተዋሳኣይን ናይ ቃልሲ ቀላሳይን ክኸውን ም ስዝበቅዕ ጥራሕ’ዪ ዘተኣማምን ህዝባዊ ስልጣን ከረጋገጽ ዝኽእል። ኣብ ምልጋስ ጉጅለ ህግደፍ ብዝተፋላለየ ምኽኒያታት ካብ ቃልሲ በዂሩን ዛሕቲሉን ንዝጸንሐ ዝበዝሐ ክፍሊ ህዝብና ኣበራቢሩ፡ ንዓቕምታትን ጸጋታትናን ህዝቢ ኤርትራ ጠርኒፉ፡ ኣድማዕን ውጽኢታውን ሓይሊ ህዝቢ ንክፈጥር እምበር ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምጭባጥ ወይ ንምሽራኽ ኣይኮነን። እዚ ማለት ከኣ ምልኪ ንምልጋስን ውሑስዲ ሞክራስያዊ ምስግጋር ንክረጋገጽን ህዝቢ ክጥርነፍን ሓቢሩ ክቃለስን የድሊ። ከም’ቲ ናይ ዝሓለፈ ተሞክሮ ብጉጅለ ህግደፍ ባህጊ ህዝብና ዝተጨውየ፡ ኣብ ዝመጽእ ግዜ’ውን ብዲሞክራሲ ዝዝምሩ ምልካውያን ከይጥለም፡ ህዝቢ ናይ ቃልሱ ሰራሕን፡ መራሕን፡ ወሳንን ምስ ዝኸውን ጥራሕ’ዩ ዘተኣማምን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ዝከኣል። ህዝቢ ኤርትራ ዳግም ከይጥለም፡ ዋና ሃገሩን መጻኢ ዕድሉን ንክኸውን መሰሉ ንሃገራዊ ረብሕኡን ብንቕሓት ክምክት ክኽእል ምዕጣቑን ምድላዉን ኩሉትና ብርቱዕ ጻዕርታት ከነካይድን ብግብሪ ከንሰርሕን የድልየና።

ክሳብ ዕለት’ ሎሚ፡ ካብ ሓቢርካ ሽግር ሃገርካን ህዝብን ምፍታሕ ዝሓሸ ካልእ ኣምራጺ ኣየተረኽበን። ካልእ ዝሓሸ መተካእታ ኣሎኒ ዝብል ዜጋ፡ ዝተጠርነፈ ጉጅለ ይኹን ሓይሊ ኣብ መድረኽ ህዝቢ ርእይቶኡ ከምጽኦ ኣገዳስን ሓላፍነታውን ይኸውን። እቲ ዝበዝሐ ኣካል ናይ ህዝብና፡ ኣብ ጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ተዓዛባይ ከምዘሎ ዝከሓድ ኣይኮነን። እቲ ዝለዓለ ስትራተጂ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ጉዳዩ ተዓዛባይ ክኸውን ዝመረጸ ዝበዝሐ ህዝብና፡ ጎስጓስ ብምክያድን ብምልዕዓልን ዋንነት ናይ ቃልስን ለውጥን ተሰሚዕዎ ታሪኻዊ ህዝባዊ ሓላፍነቱ ከልዕል ምግባር ኢዩ። እቲ ዝለዓለ ፍሽለት ናይ ደምበ-ተቓውሞና ከኣ፡ ነዚ ወሳኒ ሓይሊ’ዚ ከዕግብን ዘይምኽኣልን ጓስይዎ ክሓልፍ ምፍታንን ኢዩ። ብተወሳኺ፡ መሪሕነት ጉጅለ ህግደፍ ብዘይገለ ደገፍ ናይ ህዝቢ ጠጠው ክብል ስለዘይክእል፡ ተደናገጽትን ደገፍትን ናይ’ቲ ስርዓት ብውሑሉል መንገዲ የዕጊብካ ኣካል ናይ’ቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ምግባር ኢዩ።

ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ ኢንድያናፖሊስን ከባቢኣን ከምከተማዊ ጥርናፊን ከምኣካል ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስን መጠን ኣብ ሕዳር 2013 ንህዝቢ ዘሎዎ ኣማራጺታት እዘን ዝስዕባ ምዃነን ህዝቢ ዘትዩ። ሕጂ’ውን እንተኾነ ንነፍሲ-ወከፍና ዘሎ ዋና ኣማራጺታት እዘን ዝስዕባ ኢየን።

1.     ንሕና ከምህዝቢ፡ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ እንከሎ፡ እቲ ጉዳይ ከምዘይበጽሓካ ኣማዕዲኻ ምርኣይ።

2.     ንሕና ከምህዝቢ፡ ኣብ’ቲ ብውድባት ዝምራሕን ዝቕለስን ዘይስሙር ተቓውሞን፡ ዘየድመዓን ዘይድምዕን ተጎጃጂልካ ቃልሲ ብኡኡ ጥራሕ ምቅላስ።

3.     ንሕና ከምህዝቢ፡ ነቲ ዘሎ ኣደራዕን ምብትታን ምጽናትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ሃገርን ህዝብን ንምድሓን፡ ኣብ እንነበረሉ ቦታታት ጥርናፈ ድሕሪ ምርግጋጽ ብዞባውን ኣህጉራን ብስሙር ህዝባዊ ሓድነታዊ ቃልሲ ቅልጡፍን ዘተኣማምን ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ምቅላስ። ብካልእ ኣበሃህላ፡ ብህዝባዊ ምትእስሳር ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣካይድካ ሃገርን ህዝብን ምድሓን ኢዩ። እዚ ከኣ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ከምኣካል ናይ ህዝቢ መጠን ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣባላተን ብምስታፍ ምቅላስ ማለት ምዃኑ ንጹር ክኽውን የድሊ።

ኣብ ከተማ ኢንዲያናፖሊስን ከባቢኣን፡ እቲ ብምሉእ ድምጺ ዝተደገፈ ከኣ እቲ ሳልሳይ ምርጫ ኢዩ። እዚ ከኣ፡ ንመከራን ኣደራዕን ህዝብና ንምንጋፍ፡ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዝሓሸ ኣማራጺ ነቲ ሓባራዊ ማእከላዊ ዕላማ፡ ማለት ኣብ ሃገርና ኤርትራ ምልኪ ብፍትሒ ክትካእ ዝተወደበን ዘይተወደበን ደላይ ፍትሒ ሓቢሩ ጸረ ጉጅለ መራሕቲ ህግደፍ ዝመርሕዎ መላኺ ስርዓት ስሙር ህዝባዊ ቃልሲ ምክያድ እዩ። ንዝተወደበ ይኹን ዘይተወደበ ኤርትራዊ ዜጋን ኣብ ሃገሩ ፍትሒ ክነግስ ዝደሊ ከምውልቀሰብ ጥራሕ ንነብሱ ብምውካል ኣብ ሓደ መኣዲ ሓቢሩ ስሙር ቃልሲ ከካይድ ክኽእል ህዝባዊ መድረኽ ልዝብ ንምኽፋትን ንምክያድን ዝዓለመ ይኸውን።

ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ፡ ንፖለቲካዊ ስልጣን ዝወዳደር ወይ ዝሻሞ ምትእስሳር ኣይኮነን። እቲ ቀዳማይ መሰረታዊ ዕላማ፡ ምልካዊ ስርዓት ኣልጊስካ ምልኪ ብፍትሒ ምትካእን ምርግጋጽን ኢዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ በብቅደም ተኸተል ህዝቢ ከሰላስሎም ዘሎዎም ሓባራዊ ፕሮጀክታት ኣሎው። እቲ ቀዲሙ ዝስራዕ ፕርጀክት ከኣ ነቲ ናብ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከይንስጋገር ዓንቂጹና ዘሎ ስርዓት ብስሙር ህዝባዊ ተቓውሞ ምእላይ ኢዩ። እቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ካብ ሕጂ ክንሰርሓሉ ዘሎና ከኣ ዘተኣማምን ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክረጋግጋጽ ህዝቢ ነቲ ለውጢ ከምዝመርሖን ከምዝቕልሶን ብምግባር ዘተኣማምን ነባሪ ፍትሕን ሰላምን ማዕርነትን ዜጋታት ንምርግጋጽ ህዝባዊ ምንቅስቓስ የድሊ። ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ፡ ብዙሕ ርእትዮታት ዘሎዎ ኣህዛብ ጠርኒፉ ስለዝጉዓዝ፡ ኣብ ዓበይቲ ውሱናት ዘሰማማዕዎ ጉዳያት ወይ ዕላማታት ጥራሕ ኢዩ ክሰርሕ ዝኽእል። ህዝባዊ ምንቅስቓስ መዋጽኦ ናይ ሽግርና ክኸውን ክበቅዕ፡ ብሓባራዊ ዕላማ፡ ብሓባራዊ ስትራተጂ፡ ብሓባራዊ ናይ ዓወት-ጎደና፡ ህዝቢ ብምትእስሳር (ብምጥርናፍ)፡ ብናይ ሓባር ህዝባዊ መሪሕነት ተማእኪልካ፡ ግብራዊ ሓባራዊ ስራሕ ብምክያድ ዘላቒ (ነባሪ) ሃገራውን ህዝባውን ፍታሕ ምርግጋጽ ኢዩ። ብርእይቶ ናይ ወከልቲ ኢንዲያናፖሊስ ከባቢኣን ንናይ ዞባ ንድፊ ሽማግለ ዝቐረበ ርእይቶ፡ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ መለለዪ ስም ስለዘድልዮ ህዝባዊ ምትእሳሳር ኤርትራውያን ንፍትሒ (Eritrean People’s Network for Justice - EPNJ) ዝብል ርእይቶ ተዋሂቡ።

እዚ ካብ ከተማታት ጀሚርካ፡ ብዞባታት ይኹን ብኣህጉር ደረጃ፡ ናይ ሓባር ስም መለለዪ ምህላው ኣገዳሲ ጌርና ንርእዮ። እቲ ዝውስን ግን ብኣገባቡ (መስርሕ) ህዝቢ ምዃኑ ከኣ ነስምረሉ። ብከተማታት ደረጃ ዝሰላሰል ህዝባዊ ምትእስሳር፡ ናቱ ነጻነት ሃልይዎ፡ ብዕግበቱ ነቲ ናይ ሓባር ስም ምስ ዝቕበሎ ክጥቀመሉ ይኽእል። እቲ ናይ መወዳእታ ውሳኔ ግን ፡ወከልቲ ዞባታት ኣብ ዝግበርዎ ጉባኤ ዝጸድቕ ጉዳይ ምዃኑ ብካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ መስርሕ ዝውሰን ኢዩ። እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ግን ስም ዘይኮነ፡ ነቲ ሓባራዊ ዕላማ ስትራተጂን፡ ብዘዐውት መንገዲ ሒዝካ፡ ህዝቢ ሓቢሩ ብግብሪ ክሰርሕ ምስ ዝበቅዕ ጥራሕ ኢዩ። ዕላማ ወይ ዘረባ ብዘይግብሪ ግን ኣብ ዓዲ ዘብጽሕ መንገዲ ዓወት ኣይኮነን። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኤርትራዊ ኣብ ዘዝርከበሉ ቦታታት፡ ህዝባዊ ምትእስሳር ብምክያድ ሕዝቢ ተጠርኒፉ ብሓባር ኣብ መደብ ስራሓት ተጸሚዱ ብግብሪ ክሰርሕ፡ እቲ ዝሓሸ መዋጽኦ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ህዝቢ ኣብ ዘዝነበረሉ ቦታታት ክጥረንፍን እውን ትጽውዕ።

Emam 4

Source: Fithi Magazine http://www.togoruba.org/togoruba1964/mainTogorubamap/mainMap/headingMap/2016/0201FITHI6-05MT.pdf

ናይ ሓባር ፕሮጀክት ክዕወት ንጹር ሓባራዊ ዕላማን ስትራተጂን (Goals & Strategy) የድሊ። ነቲ ናይ ሓባር ዕላማን ስትራተጂን ንምዕዋት ከኣ ንኹሎ ዘሳትፍ፡ ዓቕሚ ህዝቢ ብግቡእ ዝወደበ ናብ ዓወት ከብጽሕ ዝኽእል ናይ ዓወት-ጎደና (Roadmap) ክሕንጽጽን ክኽተልን የድሊ። ነዚ ናይ ዓወት ጎደና ተኸቲልካ መደብ ስርሓት ብግቡእ ንክስርሑ ዝከታተል ህዝባዊ ባይቶን ስራሓት ከምዝፍጸም እትገብር ካብ ውሽጢ ባይቶ እትወጽእ ኣካያዲት ሽማግለ (ፈጻሚት ኣካል) የድሊ። እቲ ክሳብ ዕለት ሎሚ ደምበ-ተቓውሞ ክፈትሖ ዘይበቕዐ ሕቶ መሪሕነት ክፍታሕ ኣሎዎ።

ብርእይቶይ፡ ነቲ ኣብ ሰሜን-ኣመሪካ ብደረጃ ከተማታትን ዞባን ዝጥርነፍ ዘሎ ህዝቢ (ህዝባዊ ምንቅስቓስ ወይ ምትእስሳር) ካብ ንድፍታቱ ብምብጋስ ነዚ ዝስዕብ

ከኣ መበገሲ ንህዝባዊ ክትዕ የቕርብ።

  1. ኣብ ኩለን ክፍሊ-ዓለማት/ዞባታት (ኣውሮጳ፡ ሰሜን-ኣመሪካ፡ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን፡ ኤስያን፡ ኣወስትራልያን) ህዝቢ በብዘሎዎ ቦታታትEmam 5 ኣኼባታት ብምክያድ ክጋባእ።
  2. ብወከልቲ ከተማታት ዞባዊ ህዝባዊ ባይቶ ከምዝቐውም ይግበር
  • ካብ ዝተዳለው ንድፊ ሰነዳት ብምምሕያሽ ይኹን መተካእታ ብምድላው ንጹር ዕላማ መደብ ስራሕን የወጽእ። ቅጥዒ ኣውሳስና ካብ 75% ክሳብ 100% ተቐባልነት ዝረኸቡ ዕላማታት ከምናይሓባር፡ 50% ክሳብ 74.99% ዝተደገፉ ከኣ በብግዚኡ ብመድረኽ ልዝብ ንክፍትሑ ጻዕሪ ይካየደሎም። ትሕቲ 50% ዝተደገፉ ከኣ ተወንዚፎም ክጸንሑ ዝብል ዘሳርሕ ቅጥዒ ኮይኑ ይስመዓኒ።
  • እቲ ዝተጋበኣ ህዝቢ ከኣ ቦታዊ/ከተማዊ ህዝባዊ ሽማግለ (Local Council) ይመርጽ።
  • ኩለን ከተማታት ብመጠን ቁጽሪ ብዝሒ ዝሓቖፈኦ ህዝቢ መሰረት ዞባዊ ወከልቲ ይመርጻ።
  • ዞባዊ ህዝባዊ ባይቶ ብካብ ከተማታት ዝተላእኩ ወከልቲ ይቐውም
  • ዞባዊ ናይ ወከልቲ ህዝባዊ ጉባኤ የካይድ
  • ዞባዊ ህዝባዊ ባይቶ በተን ናይተን ከተማታት ሰነዳት ምርኩስ ብምግባር ብዞባ ደረጃ ብሓባር ዘስርሕ ዕላማን፡ ስትራተጂን፡ ናይ ዓወት-ጎደናን መደብ ስራሕን ብዝተሰማማዓሉ ቅጥዒ ኣጸዳድቓ መሰረት የጽድቕ። ብርእይቶይ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ቅጥዒ እውን ንዞባ የስርሕ ኢዩ ይብል።
  • ዞባዊ ህዝባዊ ባይቶ ዞባዊት ኣካያዲት ሽማግለ (ፈጻሚት ኣካል) (Regional Council/Executive) ይመርጽ
  • ዞባዊ ህዝባዊ ባይቶ ብመሰረት ቁጽሪ ብዝሒ ዝሓቖፈኦ ህዝቢ ወከልቲ ዞባ ኣብ ኣህጉር ይመርጹ (Regional Representatives)

* ኣብ ኣውሮጳ ድሕሪ ከተማታት ብሃገር ደረጃ ዝጥርንፍ ንኡስ-ዞባ ከምዘድሊ ምርድኡ ኣገዳሲ ይኸውን።

  1. ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶ፡ ብወከልቲ ዞባታት ከምዝቐውም ይግበር
  • ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶ ብመሰረት ዞባታት ቁጽሪ ብዝሒ ዝሓቖፈኦ ህዝቢ ብወከልቲ ዞባታት ይቐውም።
  • ኣብ ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶ ጉባኤ ከኣ ዕላማን፡ ስትራተጂን፡ ናይ ዓወት ጎደናን፡ መደብ ስራሕን ካብ ናይ ዞባታት ሰነዳት ብምብጋስ ይስነዱን ይጸድቁን።
  • ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶ ኣቦ-መንበርን ኣፈ-ባይቶን ድሕሪ ምምራጽ ዘድልያ ቤት-ጽሕፈታት ድሕሪ ምውሳን ኣካያዲት ሽማግለ (ፈጻሚት ኣካል) ይመርጽ።
  • ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶ ናይ ገንዘብን ናይ ስራሕ ክፍሊ ኦዲትን ምቁጽጻር ነጻ ሽማግለ ይመርጽ።ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶ ንውሽጣዊ ምሕደራ ብዝመልከት ፖሊሲን መምርሕን እተዳሉ ኮሚቴ ብምውጻእ ተጽድቕ።
  • ከምእውን ኣብ መንጎ ኣህጉራዊ ህዝባዊ ባይቶን ኣካያዲት ሽማግለ ዝህሉ ርኽክባትን ዝምድናታት ዘነጽር ሰነድ ብምድላው ተጽድቕ።
  • መደብ ስራሓት ከኣ በብቕዓት ናይ ዜጋታት ተመቓሪሖም ነቲ ናይ ሓባር ናይ ዓወት ስትራተጂ ንከዐውቱ ስራሓት በተን ክፍልታት ኣብ’ቲ ቤትጽሕፈት ኣቦ-መንበር ይሰላሰሉ።

Emam 6

  • ናይ ረድኤት ትካል ምቛም ከኣ ንማሕበራዊ ጸገማት (ጉዳይ ስደተኛታት) ንምፍታሕ ንሃገር ድሕሪ ህግደፍ ንምህናጽ ከምሓውሲ ነጻ ትካል ክቐውም ኣገዳሲ ይኸውን። እቲ ሕጂ ስርዓት ህግደፍ ክውሃቦ ዝበሃል ዘሎ ገንዘብ ነቲ ትካል ክውሃብ መመልክዓልና ነይሩ።

GoitomEmam – This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

Emam

Source: Fithi Magazine http://www.togoruba.org/togoruba1964/mainTogorubamap/mainMap/headingMap/2016/0201FITHI6-05MT.pdf

ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ሓዲሽ ዓመት ክኣቱ ከሎ ዝሐለፈ ግላውን፡ ማሕበራውን ሃገራውን ጉድያት ብምግምጋም፡ ኣብ’ቲ ሓዲሽ ዓመት ከማልኦ ዝድለዮ ባህግታት ክህሉው ባህርያዊ ኢዩ። እቶም ድሌታት ንክረጋገጹ ከኣ ብቀዳምነት ኣብ ሓንጎልካ ክትስእሎምን ብኸመይ ከምእተዐውቶምን ክትሓስበሎም የድሊ። ትጽቢትናን መደባትናን ኣብ ዓመተ-2016 ዝብል ኣርእስቲ ከይገፍሓና ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ህዝብናን ሃገርናን ዝምልከት ጥራሕ ከተኩር ኢየ። ናይ ዝሓለፈ ተሞክሮ ግቡእ ግምገማ ከኣ ነቶም ኣወንታዊ ስርሓት ከተማዕበሎም፡ ንኣሉታዊ ተሞክሮታትን ንክትእርም ይሕግዘካ። ናይ ዝሓለፈ ተሞክሮ ድሕሪ ምግምጋምን ሕጂ ዘሎኻዮ ወድዓዊ ኩነታት ግቡእ መረዳእታ ምስ እትውንን ከኣ መንቀሊኻን መበገሲኻን ን2016 ትፈልጥ። ሓደ ጥሪ 2016 ከም ንቕሎ መበገሲ፡ 31 ታሕሳስ 2016 ከም ዓመታዊ ምህርትና እንግምግመሉ ዕለተ-መነሃርያ ለውጢ ጌርና ንውስዶ። ብፍላይ ከኣ፡ ነቲ ንሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ኣሳጢሑ ዘሎ መላኺ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምልጋስን፡ ምልኪ ብፍትሒ ኣብ ምትካእ እነካይዶ ዘሎና ሓርነታዊ ቃልሲ ዘተኮረ ኢዩ። ስለዚ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ብውልቂ ይኹን ብጥርኑፍ እንቃለስ ዓመተ 2016 እንብህጎ ናይ ለውጢ ምህርቲ ክንሓፍስ ክንበቅዕ ብደረጃ ውልቀ ይኹን ብሓባር እንታይ ክንገብር ከምዘሎና ክንፈልጥን ክንሰማማዕን ክንዓግበሉን፡ መደባት ኣውጺእና ክንሰርሓሉን የድልየና። ኣብ ውሽጢ 24 ናይ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ዝወጸትሉ ዓመታት እቲ ዘድሊ ለውጢ ክረጋገጽ ዘይምብቅዑ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ሓቢርካ ሽግርካ ንምፍታሕ ዘይምቅላስ ምዃኑ ዳርጋ ኩላትና እንሰማማዓሉ ሓቂ ኢዩ።

እቲ ብተናጽል ቃልሲ፡ ከምዘይድምዕ ሕሉፍ ሃብታም ተሞክሮና ምሂርና ክኸውን ተስፋ እገብር። ናይ ዝሓለፈ ዓመት 2015 ምስ እንርኢ ዝሓለፈ ኣካይዳና ኣብ ዓወት ከምዘይብጽሓና ዝተረዳእና ንመስል። ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እንታይ እንተገበርና ይሓይሽ ዝብል ሓቢሮም ክላዘቡ ሓቢሮም ዝሰርሕሉ ተበግሶታት፡ ክወስዱ ንርኢ። ከም ኣብነት ክውስድ ዝከእል፣

  1. እቲ በብከተምኡ ዝተበገሰ ኣብ ሰሜን-ኣመሪካን ኣውሮጳን ናይ ህዝቢ ጥርናፈ
  2. ኤርትራውያን ምሁራት ብድምጽና (Our Voice) ዝፍለጡ ይኹን ምሁራት ከም በዓል ዶ/ር ኣርኣያ ደበሳይ ዝኣመሰሉ ነቲ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ዘሐይልን ሓቢርካ ንምቅላስ ዝሕግዝ ሓሳባት ዝተፈላለየ ጽሑፋት ኣብ 2015 ምውጸኦም።
  3. ኤርትራውያን ህሉዊ ሽግርና ክንፈትሕ “ንጋባእ” ዝብል ከም ኣማራጺ ፍታሕ ዘቕርቡ ኤርትራውያን ምስማዕናን ምህላዎምን።
  4. እቲ ተሞክሮ ናይ ዝሓለፈ ተበግሶታት ናይ ሃገራዊ ባይቶ ብቡዙሓት ከምዘይሰርሐ ተኣሚኒሉ፡ ብፖለቲካዊ ውድባት ካልእ ኣማራጺታት ኣብ ምድህሳስ ይርከባ ምህላወን።
  5. ብ “መድረኽ ንዘተ” ዝተጸውዐ ናይ ኬንያ ናይ ወከልቲ ውድባት ናይ ምምኽኻር ኣኼባ (ዋዕላ)፡ ውድባት ብዝተሓተ ሓቢረን ንክሰርሓ ዝዕድም ስምምዕ ምዃኑ ብምስትብሃል።
  6. መርበብ ኣሰና ንናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ዝገብረሉ ዘሎ ቆላሕታን ኣበርክቶን።
  7. እቲ ኣብ 2015 ኣብ ጀኔቫን ኒውዮርክን ዝተኻየደ ዕዉት ሰለማዊ ሰልፍታት ውጽኢት ሓባራዊ ስራሕ ምዃኑ ብምዕዛብ ወዘተ....

ብርእይቶይ፡ ኣብ’ዚ ዝተጠቕሱ ናይ 2015 ዓበይቲ ፍጻሜታት ምርኩስ ብምግባርን ሕጂ ህሉዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርና ደምበ ተቓውሞናን ኣብ ጸብጻብ ብምእታው፡ ነዚ ዝስዕብ ኣብ ዓመተ 2016 ክግበሩ ዘሎዎም ስርሓት ሓሳባትን ህዝቢ ክዘራረበሎም ተቕርብ።

  1. ናይ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ቃልሲ ከም ዓቢ ፕሮጀክት ምርኣዩን ምሓዙን
  2. እቲ ፕሮጀክት ከኣ ናይ ሓባር ፕሮጀክት ክኸውን ምግባሩን ንክኸውን ምጽዓርን
  3. እቲ ናይ ሓባር ፕሮጀክት እዞም ዝስዕብ ክህሉዎ፡
  • ናይ ሓባር ዕላማ
  • ናይ ሓባር ስትራተጂ
  • ናይ ሓባር ናይ ዓወት-ጎደና
  • ናይ ሓባር ህዝባዊ ባይቶን ኣካያዲት ሽማግለን (ፈጻሚት ኣካል)
  • ናይ ሓባር መደብ ስራሕ

   IV. እዚ ናይ ሓባር ፕሮጀክት ክውን ንምግባር ክሰርሑ ዘሎዎም ስርሓት ምንጻርን ምስምማዕን

  • እቶም ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝቐርቡ ኣማራጺታት ምልላዮምን ምርደኦምን
  1. ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ ናይ ህዝቢ ምልዕዓልን ጥርናፈን (Grassroots Movement)
  2. ህዝቢ ኤርትራ ክጋባእ ኣሎዎ ወይ “ንጋባእ”ዝብል ኣረኣእያን ኣማራጺ ዝቐርብ ሓሳባት
  3. ሃገራዊ ባይቶ ጉባኤኡ ኣካይዱ ጌጋታቱ ኣሪሙ ክቕጽል ዝብል ኣረኣእያን፡ ሃገራዊ ባይቶ ኣብቂዑ’ዩ ክሰርሕ ኣይክእልን ኢዩ ዝብል ካብ ውሽጡ ዝነቕሉ ኣረኣእያታት
  4. ካብ ሃገራዊ ባይቶ ወጻኢ ወይ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ከይተጠርነፉ ዝጸንሑ ውድባትን ኣረእያታትን
  5. ነዚ ኣብ ቁጽሪ ሰለስተን ኣርባዕተን ዘሎወን ኣረኣእያታት ኣብ ሓደ ንምጥርናፉ ናይ መድረኽ ንዘተ ተበግሶ ናይ ምምኽኻር መራሕቲ ውድባት ስምምዓትን ኣብ ኬንያ
  • ካብ’ዞም ዝተጠቕሱ ኣማራጺታት ይኹን ዝሐሸ ሓቢርካ እትቃለሰሉ ኣማራጺ ምምራጽ
  • ኣብ ተግባራዊ ሸነኻቱ፡ እቲ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ምስ’ቲ ንጋባእ ዝብል ኣረኣእያ ሰለዘይፈላለ ሓባራዊ ኣኼባ ኣካይካ ኣብ ሓደ ኣማራጺ ምዕሳል። እዚ ከኣ ካብ ሓደ መዓልቲ ንላዕሊ ዘይወስድ ጉዳይ ምዃኑ ጥራሕ ይርኢ። ሓጋዚ ክኸውን ካሳብ ዕለት ኣኼባ፡ እቶም ንጋባእ ዝብሉ ዘሎው ሃገራውያን፡ ካብ’ታ ዝቕመጡላ ዘሎ ከተማ ተበጊሶም ብተግባር ኣብነት ኮይኖም ክሰርሕሉ ይላበዎም። እሱ ኸኣ ህዝቢ በብዘሎዎ ተጋቢኡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንክሕይል ምግባሩ ኢዩ።
  • ብመሰረት ተበጊሱ ዘሎ ምምኽኻር ናይ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት እቲ ዘይተነጸረ ቀጻልነት ኣተሃላልዋ ሃገራዊ ባይቶን፡ ካብ ባይቶ ወጻኢ ዝነበራ ውድባትን ኣብ ሓደ ኣማራጺ ስምምዕ ንክብጻሕ ምጽዓር።
  • ብርእይቶይ፡ እቲ ንፖለቲካዊ ውድባት ማሕበራትን ዝጥርንፍ ሓባራዊ ስምምዕ ነቲ መትከል ናይ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ መስርሕ ህዝባዊ ምንቅስቓስEmam 2 ብምድጋፍ ንዑኡ ንክሕይልን ንክሰፍሕን ብሓሳብ ደጊፉ ንህዝቢ ክእውጅን ብግብሪ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ክሰርሕን ምስ ዝበቅዕ ደምበ-ተቓውሞ ብናይ ሓባር ዕላማ፡ ስትራተጂ፡ ናይ ቃልሲ ጎደና፡ ናይ ሓባር መሪሕነት ብምጥራይ ናብ ቀንዲ ዕላማታት ኣብ ምዕዋት ኣድማዒ ውጽኢት ይህሉዎ።

እዚ ዝተጠቕሰ ከም መስርሕ ናብ ሓደ ኣማራጺ ምዕሳል ክኸውን እንከሎ፡ ብርእይቶይ እቲ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቐንዐ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ከም ዝሓሸ ኣማራጺ ፍታሕ ኢዩ ዝብል ዕግበት ኣሎኒ። እቲ ዝሐለፈ ተሞክሮና ዝምህረና ከኣ ብዘይ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ለውጢ ክረጋገጽ ስለዘይክእል ኢዩ። ብተወሳኺ ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ምምኽኻር ፖለቲካዊ ውድባት ዋላ ሰሚሩ ብሓደ መሪሕነት ተጠርኒፉ ብዘይ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ዝገብሮ ነገር የብሉን። ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ እምበኣር ምምኽኻር ፖለቲካዊ ውድባት ይኹን ካብኡ ወጻኢ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ነቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብምድጋፍ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኮይነን ብግብሪ ክሰርሓ የድሊ። መጻኢት ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ኣብዝሐ ሰልፍታት ዝሓቖፈት ስለዝኾነት ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ራኢኣን ከስፍሓን ካብ ህዝቢ ክውድባን ህዝቢ ብትካላዊ ኣሰራርሓ ምስ ዝጥርነፍ ንረብሓኣን ኢዩ። ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ነቲ ሓባራዊ ፕሮጀክት ንምዕዋት ዘድሊ ሓባራዊ ትካል ስለዝኾነ ኩሎም ብዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ ረብሓ ዘሎዎም ሓይልታትን ውልቀ-ሰባትን ክሳተፍዎን ከዐውትዎን ክቃለሱ የድልዮም ጥራሕ ዘይኮነ ሓላፍነታዊ ኢዩ።

Emam 3

ንለውጢ ብሓባር ንምስራሕ፡ ብዛዕባ እቲ ሽግር ናይ ሓባር ተረድኦ ክህሉወካ የድሊ። ብዛዕባ ህሉዊ ሽግር ናይ ኤርትራን ህዝባን ሓደ ዓይነት ተረድኦ ስለዘይንውንን ከኣ ዝተፈላለየ ዓይነት ውደባታት ከም ፍታሕ ንወስዶ። ብጀካ እቶም ደገፍቲ ናይ’ቲ መላኺ ስርዓት ኤርትራ፡ እቶም ለውጢ ንምምጻእ እንብህግ ኣረዳድኣና ኣብ’ቲ ዘሎ ስርዓት ዝተፈላለየ ኢዩ።

  • እቲ ዘሎ ስርዓት ከም ናይ ሓደ ሃይማኖት ዕብለላ ኢዩ ኢልካ ትሕስብ እንተኾንካ፡ ሃይማኖታዊ ውድብ ከም ፍታሕ ትወስድ።
  • ናይ ሓደ ብሄር ዕብለላ ኢልካ ትርዳእ እንተኾንካ ናይ ብሄር ውደባ ተካይድ።
  • ናይ ንኡስ ብርጅዋ ዓብላልነት ኢልካ እንተሓሲብካ ናይ ሸቃላይ ዓኻይን ናይ ደርቢ ቃልሲ ትመርጽ።
  • ናይ ዓበይቲ ወይ ናይ ኣረግቶት (ገዳይም) ድሑር ኣተሓሳስባ ኢዩ እቲ ሽግር ኢልካ ትርዳእ እንተኾንካ፡ ናይ መንእሰያት ፖለቲካዊ ውደባ ተካይድ።
  • ናይ ሓደ ኣውራጃ ዓብላልነት ኢዩ ኢልካ ትኣምን እንተኾንካ ኣውራጃዊ ምትእኽኻብ ከም ፍታሕ ትወስድ።
  • እቲ ሽግር ንኹሉ ኤርትራዊ ዝትንክፍ ኢልካ ትሓስብ እንተኾንካ ከኣ ሃገራዊ (ሕብረ-ብሄራዊ) ምጥርናፍ ከም ዝሓሸ ውደባ ትርኢ ወዘተ....

ኣብ ኤርትራዊ ክውንነት እዞም ዝተጠቕሱ ጥረናፈታት ህሉዋት ስለዝኾኑ፡ ንሓቢርካ ምቅላስን ሓርነታዊ ቃልስና ከም ናይ ሓባር ፕሮጀክት ክንሰርሕ ኣይበቓዕናን ጥራሕ ዘይኮነ ኣወዳድባና ንምልካዊ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ዕድሜኡ ዘናውሕ፡ ንህዝብና ከኣ ካብ ውድባት ዘርሕቕ ኣወዳድባ ምዃኑ ኢዩ። ህዝብና ዘይስዕቦን ዘይጻወሮን ኣወዳድባ ሒዝካ ህዝቢ ዘይሰዓበኒ ምባል ትርጉም ዘሎዎ ጉዳይ ኣይኮነን። ዝኾነ ዜጋ ዝደለዮ ዓይነት ውደባ ከካይድ መባእታዊ መሰሉ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። እዚ ዓይነት ኣወዳድብ ንህዝብና ምስ ህግደፍ ክመሳሰል ዝደፋፍእ ተወሳኺ ጸገም ምዃኑ ምርድኡ ኣገዳሲ ይኸውን።

ብርእይቶይ እዚ ዘሎ መላኺ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ብውሑዳት ሃገራውያን መለኽቲ ዝዝወር፡ ንዝኾነ ዓይነት ወገን፡ ሃይማኖት፡ ብሄር ዘይውክልን ዘይግደስን ስርዓት ኢዩ። እቲ ዘገድሶ ስልጣን ጥራሕ ኢዩ። እዚ ማለት ግን፡ መለኽቲ ንዕድመ ስልጣኖም ንከናውሑ ብሕቡእ ይኹን ብጋህዲ ወገን ከም መሳርሒ ኣይጥቀሙሉን ማለት ኣይኮነን። መላኺ ስርዓት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝተፈላለዩ መሳርሕታት ተጠቒሙ ህዝቢ ንህዝቢ ክፈላልን ንከይተኣማመን ንከይላዘብን ከምዝሰርሕ ኩላትና ክንርደኦ ዝግበኣና ኢዩ። እቲ ብዝያዳ ዘተሓሳስብን ክሳብ ዕለት ሎሚ ከኣ ዘይነቓሕናሎ ግን ደምበ ተቓውሞ እዞም ዝተጠቕሱ መሳርሕታት እዚኣቶም ክጥቀመሎም እንከሎ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሽግር ንኹሎም ዜጋታት ዝትንክፍ ሃገራዊ ሽግር ስለዝኾነ ከኣ ሃገራዊ ሓባራዊ ፍታሕ ብሓባራዊ ፕሮጀክት ፍታሕ የድልዮ። ናይ ሓደ ብሄር ወጽዓ ወይ ናይ ሓደ ሃይማኖት ዕብለላ ወይ ዓመጽ ከም ሃገራዊ ዓመጽ ወሲድና እተን ኣዒንትና ሃገራዊ መረጼን ተጠቒመን ሃገራዊ ኣተሓሳስባን ፍታሕን ከነናዲ የድልየና።

ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ብሰንኪ ምልኪ ምህላው ኢልና ንኣምን እንተኾይና ከኣ፡ እቲ ፍታሕ ምልኪ ብፍትሒ ምትካእ ምዃኑ ኩላትና እንሰማማዓሉ ጉዳይ ኢዩ። ፍትሒ ንምርግጋጽ ከኣ ብቅዋም እትመሓደር ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከም ፍታሕ እንኣምን እንተኾይና ከኣ፡ እቶም ዝተፈላለዩ ዓይነት ጭቆና (ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ኣውራጃ፡ ጾታ ወዘተ,,,,) ይፍትሑ ኣሎው ማለት’ዶ ኣይኮኑን? ናይ ውልቀ-ሰብ መሰል ምስ ዝረጋገጽ፡ ናይ እኩባት መሰል እውን ይረጋገጽ ኣሎ ማለት’ዶ ኣይኮነን? ሰለዚ፡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ በብቦትኡ ዝካየድ ናይ ህዝቢ ጥርናፈ፡ ንኹሉ ህዝቢ ኣብ ናይ ሓባር ፕሮጀክት ከዐስል ዝኽእል ናይ ቃልሲ መስርሕ ምዃኑ ከነስተብህል ኣገዳሲ ይኸውን። እዚ ዓይነት ጥርናፈ ከኣ ምስ’ቲ ኣብ ሃገረ ኤርትራ እንብህጎ ኣወዳዳባ ህዝቢ (ዓዲ፡ ወረዳ፡ ኣውራጃ፡ ሃገር) ንኹሉ ብማዕረ ዘሳትፍ ስለዝኾነ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ኢዩ።

Goitom Emam

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰዲህኤ ብዕለት 23.01.2016 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ሰሚናር ኣካይዱ።  ኣኼባ ብሰናይ ምንዮትን ምስጋና ንተሳተፍት እዩ ብሓው ተስፋማርያም ክብረኣብ ኣቦ-መንበር ንኡስ ዞባ ጀርመን  ተኸፊቱ።  ዕላማ ሰሚናርና ብምንጽር ኣቀዲሙ ንተሳተፍቲ ሰሚናር ተዘርጊሑ ዝጸንሐ፡ ዛዕባታት ናይ ሰሚናር'ውን ሓደ ብሐደ ኣንቢቡ። ኣብዚ ን6 ሰዓታት ዝወሰደ ሰሚናር‘ዚ፡

1 - ህልዊ ኵነታት ሰልፍን ሃገርናን ብፍላይ፡ ከምኡ‘ውን ዞባውን ኣህጉራውን ኣብ ሃገርና ብሓፈሻ ኣብ ደምበ ተቃውሞ  ድማ ብፍላይ ዘሎዎ ጽልዋታትን፤ ብወኪል መሪሕነት ሰልፊ፤

2 - መግለጺ መደባት ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኣቦ-መንበር ዞባ፤       

3 - ጸብጻባትን ገምጋምን ጨናፍር ንኡስ ዞባ ኤውሮጳ ጀርመን፤

4 - ኣብዝሓለፈ ዓመት 2015 ዝተሰላሰሉ ዕማማትን፡ ዝጸንሐ ሕጽረታትን፤

5 - ጉዳይ ኦዲትን ምቍጽጻርን ንመደባት ንኡስ ዞባ ጀርመን፤

6 - ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2016 መደብ ስራሓትን ምምሕዳራውን ፖለቲካውን ለበዋታት ዝብሉ ዛዕባታት  ዝሃዝ ሰሚናር እዩ ነይሩ።

ኣብ ቀዳማይ ኣጀንዳ፡ ሓው ንጉሰ ጸጋይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ፡ ድሕሪ 2ይ ሰልፋዊ ጉባአ ማእከላይ ባይቶ ነፍሱ ሰሪዑ፡ ናይ ስራሕ መደባት ተሊሙ፡ ምምሕዳራዊ ኣካላት ኣቝሙ ስርሑ ምስ ጀመረ፥ ዘካየዶም ኣገደስቲ ንጥፈታት  ኣብሪሁ። ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን መዳይ‘ውን፡ ዘቕረቦም መምስ መድረኹ ዝዛመዱ መዘክራትን፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝተቐልቀሉ ሓደስቲ ናይ ልዝብ መኣድታት፡ ሰሚናር ናይሮብን ፍራንክፎርትን፡ ብዕለት 09.11.2015 ዝተሰላሰለ መጋባኣያ ብራስልስን፡ ምስ ተቓወምቲ ውድባት ተጀሚሩ ዘሎ ርክባትን፡ ዲፕሎማስያውን ህዝባውን ድሕሪ ምብራህ፡ ንረብሓ ቃልሲ ህዝብና ክውዕሉ ድማ መሪሕነትን ኣባላትን ሰልፊ ዘድሊ ጻዕርታት ክገብሩ፡ ዝያዳ ናይ ስኒትን ሓባራዊ ስራሓት መሪሕ ተራኦም ከበርክቱ ኣዘኻኺሩ። 

ካብኡ ብምቕጻል ከኣ፡ ሓው ይሳቕ ወ/ማርያም ኣቦ መንበር ዞባ ኤውሮጳ፥ ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ ድሕሪ ምቋሙ ዘካየዶም  ንጥፈታታን ዝተተለሙ ዕማማትን ድሕሪ ምቅራብ፡ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ናይ 2016 ክሰላሰል ኣብ ምድላው ዘሎ ጉባአን ዝሕዞ ጠባያትን፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ወጺኣ ኣብምንቅስቓስ ምህላዋን፡ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ብምርጫ ንምስታፍ ጉባኤ ነብሱ ኣዳልዩ ክጸንሕ ከምዝግባኣን ኣመልኪቱ።

ብድሕሪ‘ዚ፡ ብሽማግለታት ጨናፍር ዝቐረበ ኵነታትን ንጥፈታትን ጨንፈራት ዝሕብር ፖለቲካውን ቁጠባውን ጸብጻባት ድሕሪ ምስማዕ፤ ሰሚናር ገምጋም ብምግባር፡ ነቲ ኣብ መስርሕ ዝተረጋገጸ እወንታዊ ጉዳያት ክንደፍኣሎም ከም ዘሎናን፡ ዝጸንሐ ሕጽረታት ድሕሪ ምዝርዛር ከኣ ንምምሕያሾምን ኣብ ፍጻሜ ክውዕሉን፡ ዝተጸንዐ ኣገባብን ዝዝያዳ ጻዕርታት ክግበርን ዝብል ነጥቢ ዝበዝሐ ግዜ ዝወሰደ ምርድዳእ ተኻይዱ። ጉዳያት ብሕቶን መልስን መልክዕ  ምስ በሰሉ ከኣ ንብድሕሪ ሕጂ ከመይ ጌርና ንኩሎም ኣካላት ወይ ክፍልታት ስራሓትና ብኮሚተታት እናወደብና ናይ ስራሕ ምክፍፋልን ብጽፈት ክንሰርሖም ከም ዘሎና‘ውን ሓደስቲ መደባት ወጺኡ።

ከምኡ‘ውን ጉዳይ ኦዲትን ምቍጽጻርን እቲ ዓቢ ኣትኩሮ ክግበረሉ ዘሎዎ ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ንጽፉፍ ኣሰራርሓ ቀንዲ መሳርሒ ብምዃኑ፡ ሰሚናር ብዕምቆት ተረዳዲኡሉን ክሕይል ከም ዘሎዎን ዝተመሓየሸ ኣገባብ ኣሰራርሓ ክተኣታቶ ከም ዘሎዎን ብምግንዛብ ኣብዚ መዳይዚ ክነጥፉ ዝኽእሉ ተወሰኽቲ ኣባላት እውን መዲቡ። ብዘይካዚ ብጻይ ተስፋይ ባይረ ነቶም ኣብ ኦዲትን ቁጽጽር ስራሓትን ዝነጥፉ ግን ከኣ ናይ ሕጽረት ናይ ዘመናዊ መሳርሒ ዝነበሮም ብጾት ንምሕጋዝ ሓንቲ ለብቶም ኣበርኪቱ።   

ሰሚናር፡ ንኩሎም ዝቐረቡ ዛዕባታት ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምርድዳእን ናይ መጻኢ መደባት ምሕንጻጽን፡ ኣገደስቲ  ለበዋታት ብምቅራብ ኣኼባ ልክዕ ሰዓት 6፡00 ድ.ቀ. ብዝክረ-ሰማእታት ተዛዚሙ።  

ሽማግለ ንኡስ ዞባ ጀርመን

25.01.2016 

ዝኸበርኩም አሕዋት ዜጋታት ኤርትራ፡ ህዝብና፡ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ብግዕዙይ ምሕደራ፡ ብድኽነትን ስእነትን፡ ብጭንቅን ሕሰምን ይሳቐ ከምዘሎ ካባኻትኩም እውን ዝተኸወለ ኣይኮነን።  ብሰንኪ ብልሹው ምሕደራ ዜጋታትና ከም ኣቕሓ ብይጽንሓለይ ይእሰሩን፡ ብዘይ ንቡር መስርሕ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይበልዩን ኣለው። ብሰንኪ ደረት ኣልቦ ግዱድ ዕስክርናን ዕዮን፡ መንእሰያትና፡ ወርሓዊ ብኣሻሓት ንስደት ይፈልሱ ኣለው። ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ብሸፋቱ ይጭወዩን ይሽየጡን፡ ብጸረ መስቀል ይስየፉን ይቕዘፉን ኣለው። ህዝቢ ጨቐቕ ኢሉ መርፍእን ፈትልን ኣላጊቡ፡ ተለቂሑን ተመርቂሑን ዝሰርሖ ኣባይቲ ብዶዞራት ዓንዩ። ስለዚ፡ ነዚ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ስቃይን መከራን የብቅዕ፣ ማእሰርትን ሽርበትን፡ ሞትን ስደትን ከኸትም ኣለዎ። ስለዝኾነ ኣብዚ ህዝባውን ሃገራዊ ጻውዒት እጃምኩም ክትገብሩ ትሕተቱ ኣለኹም። 

መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ህዝቢ ይከበር፣ ሕግን ስርዓትን ይተኸል፣ ብልዕልና ሕጊ ንገዛእ ምባል ስለምንታይ እዩ ዝጽላእ። ስለምንታይ እዩ ከም ነውሪ ዝቑጸር!! ኣቱም ብፍላጥን ብግርህናን ነዚ ህዝቢ ዝውጽዕ ዘሎ መንግስቲ እትድግፉ ዘለኹም ዜጋታት ደጊምኩም ሕሰቡን ኣስተውዕሉን። ህዝብኹም እናነብዐን እናተወጸዐን  እዝንኹም ኣይትዕበሱ። ክሳብ ምኣስ ኢኹም ህዝብኹም እናነብዔ ልብኹም ተትርሩ፧ ሓደራ ምስ ሕልናኹም ተዛረቡ ሕልናኹም ኣይተዕርቡ፧

እቲ ህዝብና ቀያሕቲ ደቁ ዝኸፈለሉ፡ ቅዋማዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ መስሪቱ፡ ብራህዋን ቅሳነትን ክነብር ዝተተምነየሉ ናጽነት ተኻሒዱ፡ ሰውራን ሃገርን ዝመርሑ ኣርካናት ጀጋኑ ብ18 መስከረም 2001 ብዓመጽ ተቐይዶም ብዘይ ንቡር መስርሕ ፍርዲ ኣብ ጎዳጉዲ ዒላዒሮ ተሸሪቦም ኣለው። እዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ኤርትራ ከም ጸላም መዓልቲ ጥፍኣት እንርእያ ዕለት እያ።

እታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዝነበረ ትስፍው ሃዋሁው ዲሞክራሲ ዘምከነት፡ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ፍናን ህዝቢ ዝቐተለት ዕለት እያ። እዛ ነተን ክዕምብባ ጀሚረን ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ኣዳለውተንን ዘጥፈአት ዕለት፣ ነቲ በብዓቕሙ ቁጠባ ሃገር ከሰስን ዝሓለነ በዓል ንዋይን ጻዕራም ህዝብን ዝረመሰት: ነቲ ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ዝነበረ ኪኢላ ኤርትራዊ ዝዓንቀፈትን ዝዀለፈትን ጸልማት ዕለት ኢያ።

እዚ እተምልኽዎ ዘለኹም ስርዓት ነቶም ንለውጢ ዝዓጠቑ ብጉጅለ-15 ዝስመዩ ሰበ ስልጣን ንግሆ ሰብ ከይተሰንአ ኣዳህሊሉ ብናቱ ፍሉያት ልኡኻት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ የእትትዪዎም። ኣብኡ ጥራሕ እውን ደው ኣይበለን። ንኩሎም ኣሰናዳእቲ ብሕዊ ጋዜጣታት እውን ሓይርዎም ኢዩ።

ናይ ምጽሓፍን ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽን መሰል ኣኽቲሙ። እቲ ናይ ዲሞክራሲ ኣተሓሳስባ ዝነበሮ፡ ብሕልፊ ከኣ፥ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ንዝነበረን ንቑሕ ዋርሳይ መንእሰይን እናተሃድነ ክእሰር ስለዝጀመረ ብዙሕ ቁጽሪ ዶብ ሰጊሩ ክስደድ ጀሚሩ፡ ሕጂ እውን ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ፖለቲካዊ ውድብ ብዘይፍቓድ መንግስቲ እንኮ ክቃወሙ ዝኽእሉ ተመሃሮ ናይ ዩኒቨርሲቲ እዮም። እዚ ብምግንዛብ ህግደፍ ንዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዓጽይዎ። ካብ 12 ክፍሊ ንላዕሊ ዝውሃብ ክብ ዝበለ ትምህርቲ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ሰራዊት የእትይዎ። እዚ ዝተበሃልካዮ ተኣዘዝ፡ እሺ ጎይታይ ኣብ ዝብል ወተሃደራዊ ስነምግባር ሃዋህው ተሓጺሩ ተሪፉ። ኣካዳምያዊ ሃዋህው ዘይብሉ (critical thinking) ዘይመራመር ወለዶ ነብሲ ተኣማንነት የጥፍእ። ንጭቆና ኣብ ክንዲ ዝምክቶ ከም ካብ ሰማይ ዝወረደ ሕራይ ኢሉ ይቕበሎ። እዚ ተርእዮ እዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝተራእየ እዩ። ኣብ ኮንጎ እታ በልማዝን ካልእ ኩቡር ማዕድናትን ኣብ ዓለም ዝሃብተመት ወጻእተኛታት ጉሕጉሕ እናበልዎ ህዝባ ግን ተዓዛባይ ኮይኑ ኣብ ድኽነት ይነብር ኣሎ። ኣብ ሃገር ህንዲ (the untouchable) ዝብሃሉ ዓልየት፡ ከም ትሑት ፍሉያት ዓሌት ንነብሶም ወሲዶማ፡ ኣብ ሓዘን ጎረባብቶም ክኸዱ ከለዉ ካልእ ሰብ ኣብ ኩርሲ ኮፍ ክብል ንሳቶም ኣብ መሬት እዮም ኮፍ ዝብሉ። ተቐቢሎሞ ከኣ ይርከቡ። ተማሃራይ ኤርትራ ነቲ ብጊዜ ሃይለስላሰን ብጊዜ ደርግን ዘርእዮ ዝነበረ ፍናንን ርእሰ-ምትእምማን ዘለዎ ኣንጻር መግዛእቲ ቃልሲ፡  ታሪኽ ኮይኑ ተሪፉ። ህግደፍ ኣግሂዱ ሓድሽ ወለዶ ክንፈጥር ኢና ዝበሎ ተግበሮ ደኣ። በዚ ጥራሕ ኣይዓገበን፡ ብዝሒ መንእሰያት ኣብ ከተማታት ስለዘስጎኦ ብምስምስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንመንእሰይ ንዘይተወሰነ  ጊዜ ኣብ መዓስከራት ጅሆ ሒዝዎ። ሳዕቤኑ ከኣ፡ ሕሱም ስደት ኮይኑ። ኣብ ወርሒ ክሳብ 5,000 ህዝቢ መብዛሕትኡ መንእሰይ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከይተረፉ ይስደዱ ኣለዉ።

ኩሉ ኤርትራዊ ከምዝፈልጦ ኣውያት ህዝቢ ንሰማይ ይዓርግ ኣሎ። ኢሳያስ ግን ከም ፈርኦን ልቡ ደኣ ኣትረረ። ከምቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተወልደ ንጉስ ሄሮዶስ ዘውዱ ከይምንጥሎ መታን ኣልማማ ህጻናት ክቕተሉ ዝኣዘዘ፡ ኢሳያስ ከኣ፡ መንእሰያት  ኤርትራ ከይቃወምዎ ብምስምስ ዋርሳይ-ይከኣሎ ኣብ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ቀይዱ መጻኢ ዕድሎም ይሰብረሎም ኣሎ። ከም ባሮት ብነጻ ይዓዩ፡ ንእስነቶም ይጽንቅቑ፡ ስድርኦም ኣይሕግዙ፥ ሓዳር ኣይገብሩ)  ኢሳያስ ሃገር ከም ንበይኑ ንዕኡን ንተሓባበርቱን ጥራሕ ከምእትብጽሖም ሓዲጎሙሉ፡ ንስደት የምርሑ ኣለዉ። ብነጻ ሰሪሖምን ተማሂሮምን ዝነብሩሉ ቦታ ምኻድ ወሲኖም። ኣብ መንገዲ ሞትን ማእሰርትን ዘይተኣደነ ማህረምትን ኣብ ኢድ በደዊን መቕተልቲ፡ ኩሊቶም ተሸይጡ ብዙሕ መኽሰብ ክርከበሉ። ኣብዚ ግዜ ከኣ፡ ብዳዒሽ ይሕረዱ ኣለዉ።  ሳዕቤናቱ እምበኣር፡ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ።  ንህዝቢ ጅሆ ዝሓዘ መንግስቲ ናይ ህዝቢ ኣባይቲ ከፍርስ ስኽፍ ኣይብሎን እዩ። (ኣብ ምድረበዳ ስሃራ ዝሞቱን ብኢድ በደዊን ዝተቐትሉን ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉን ካብ 6,000 ክሳብ 10,000 ይግምገም።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣሰቃቒ ዝኾነ መድረኽ ኣትዩ ኣሎ። ነዚ ዝምልከቶም እቶም ተቓወምቲ ጥራሕ ዘይኮኑስ ዝያዳ ነቶም ደገፍቲ እዩ። ምኽንያቱ ንሶም ከስምዑ ስለዝኽእሉ፡ ሓገዞም ከይንፈገኒ ከሰምዖም ክብል ስለዝኽእል።

ብናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ መሰል ደቂ ሰብ ናይ 2015 ጸብጻቡ 400,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ይርከቡ። ካብኦም እዞም ዝስዕቡ ኣብ ሰንፈላል ይርከብዎም፡ ኣብቲ ዘለውዎ መዓስከራት ሓገዝ የድልዮም እዩ።

1. ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ፡ 130,000

2. ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን፥ 126,000

3. ኣብ እስራኤል፡ 37,000

 

ነዚኣቶም እቲ ኣብ ድያስፖራ ዘሎ ኤርትራዊ ማሕበር ረዲኤት እናቖመ ዝተፈላለየ ሓገዝ ክገብረሎም ምተገብአ፡ ብሕልፊ ነቶም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘለዉ። ንኣብነት ዶክተር ኣልጋነሽ ፍስሓ ነቶም ልዕሊ 2,000 ዝኾኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ቆልዑ ናይ መግቢ ሓገዝ ፕሮግራም ኣለዋ።

 

ኣብ ክንዲ ወገንኩም፡ ደቕኹም፡ ኣዝማድኩም፡ ደቂ ሃገርኩም ዝኾኑ ግዳያት ህግደፍ ትሓሙ ነቲ ኣብዚ ስቓይ ዘብጽሖም ስርዓት ህግደፍ ናይ ሓሶት ሕብሪ ከም ኣኽባሪ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ክትለኽይዎ ምጽዓር ሃየንታ እዩ። ለውጢ ናይ ግድን ስለዝመጽእ ታሪኽ ክሓተኩም እዩ። 4 ካቶልክ ጳጳሳት ኤርትራ ናይ ኣቤቱታ ታሪኻዊ ጽሕፍቲ "ኣበይ ኣሎ ሓውኻ" ኢሎም ንዝተወጽዔ ህዝቢ ቆላሕታ ክግበረሉ ኣባታዊ ምኽሪ ንህዝቢ ኤርትራ ሂቦም፡ ዝበልዎ ድማ ኣብ ምሉእ ዓለም ተቃሊሑ። ንስኻትኩም እውን ህዝብና ኣበይ ኣሎም ኢልኩም ሕለይሉ፡ ኣብ ሓቂ ጠጠው በሉ።  መንፈሳዊ ዕግበት ይሃሉኹም። ካብ ጨቛኒ ስርዓት ህግደፍ ህዝብኹም ይሕሸኩም።

 

ምስጋና ንኹሎም ነዚ መልእኽቲ ከብጽሑ ኣብ ኣፍደገ ናይ ህግደፍ ኣኼባ ኣብየት ንዝብሉ ደለይቲ ሰናይ ህዝቦም ዜጋታት። ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ ናይ ግድን ፍትሒ ክነግስ እዩ።

ካብ ደለይቲ ፍትሒ ዓዲ እንግሊዝ

ሎንደን 26/01/2016

ንጋባእ

Sunday, 24 January 2016 19:22 Written by

ኣብ ሓንቲ ሃገር ህዝቢ ዘይሓንጸጾ ቅዋምን፡ ህዝቢ ዘይመረጾ መንግስትን ዝትከል፡ ነቲ ዜጋ ንከገልግል ዘይኮነስ ተገልጋሊ እዩ ዝኸውን። ኣብዚ ህሞት እዚ ከኣ ኩሉ እቲ ጸጋታት እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ገበተ ኢድ ውሑዳት ስለዝወድቕ እቲ ቁጠባዊ ትሕዝቶን መነባብሮን ህዝቢ ዝደኸመ ይኸውን እሞ ብድኽነት ክላቐ ይነብር ።

እቲ ብህዝቢ ዘይተመርጸ መንስቲ እምበኣር፥ ንመሰላትን ፍትሕን ዲሞክራስን ከተኣታቱ እንተኾይኑ እታ ረብሓኡ ክትጠፍእ ምዃኑ ስለዝግምት ኣይቀርባን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ብህዝቢ ዝምረጽ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህዝቢ ብምዃኑ ከምድላዩ ልዕሊ ሕጊ ክኸይድ ስለዘይክእል። እቲ ዘገርም ግን እቲ ነዚ ከምዚ ዓይነት ስርዓት ለዊጡ ኣብ ክንድኡ ዲሞክራሲያን ዲሞክራሲያውነትን ከስፋሕፍሕን፡ ፍትሒ ከንግስን ኢሉ ዝብገስ ኣካል እውን እንተኾነ ኣብ ግብሪ ከውዕል ኣይርከብን።

ብዙሕ ምንቅስቓሳት ነቲ ናይ ለውጢ ሓይልታት ደረኽቲ ዝኾኑ ምስ ተላዕሉ ነቲ ዝተላዕለ ጨውዮም ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ስልጣን መደያይቦ ይጥቀምሉ፡፡ ከም ኣብነት ኣብ 1974 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ መንግስቱ ሃይለማርያም ግርም ገይሩ ብዝኣለሙ መሰረት እቲ ስልጣን ኣብ ኢዱ ጨቢጡ። ስልጣን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ምስ ኣእተወ ከኣ “ወይለኺ ዲሞክራሲ” ብዝብል ኣምር ተዋሒጡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ድከቱ ኣስትይዎ። ከምኡ እውን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ግብጺ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ ነቲ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ ነቲ ህዝባዊ ጠለብ ከማልእ ዝግበኦ ክንሱ ንጎኒ ገዲፉ ኣብ ናይ ስልጣን ምግባት ገጹ ኣድሂቡ።

እቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ይኹን፡ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ዲሞክራስን ፍትሕን ዘለዎም ኣረዳድኣ ማዕረ እንተዘይኮይኑ ሓላፍ ዘላፍ ይኸውን እሞ ዲሞክራሲ ውሕስነት ኣይህልዎን። ከመይሲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲ ኣብ ህዝቢ ከስርጽን ነተን ዘለዋ ሰልፍታት ንዲሞክራሲ ብኸመይ የተግብርኦ ምክትታትልን ስለዝኾነ። ካብዚ ወጻኢ ግና ኣንጻር ሰልፍታት ክስለፍ ይኹን ንህላዌ ሰልፍታት ምንጻግ ግና ፍትሕን ሰላምን ከውሕስ ኣይክእልን እዩ።

ስለዚ ህዝባውያን ምንቅስቓሳትን ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ንዲሞክራሲ ብኣፍ ጥራሕ ክጭርሕዋ እንተኾይኖም ምልካዊ ስርዓት እዩ ክዕምብብ። ምኽንያቱ ንርእይቶ ህዝቢ ሰሚዒካ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝተግብርን ዝከታተልን ዝቆጻጸርን እንተዘየልዩ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ኣይትከልን እዩ። እዚ ከእ ምስ ርእይቶን ድሌትን ህዝቢ ይገራጮ እሞ ህዝቢ ኣብ ኣገልጋልነት ደረጃ ወዲቑ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጸቕጢ የጓንፎ። ዲሞክራሲ ከምቲ ግቡእ ምስ ክብርን ስራሕን ተወሃሂዱ ክኸይድ ከሎ እዩ ትርጉም ዝህልዎ እሞ ሰልፍታት ንጠለብ ህዝቢ ተግበርቲ፥ ምንቅስቓሳት ከኣ ንጠለብ ህዝቢ ኣቕረብቲ ክኾና ኣለወን። ሰልፍታትን ምንቅስቓሳትን እምበኣር ነንበይነን ወይ ከኣ ከም ተጻረርትን ሓድሕደን ተጓነጽትን ጌርካ ምቕራብ ወይ ከኣ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት እምበር ሰልፍታት ኣየድልያን ምባል ንምልኪ ምዕዳም ጥራሕ እዩ

ካብዚ ብዝተረፈ፥ ብስም ዲሞክራሲ እናጨረሐ ዝወዳደብ ሰልፍታት ይኹን ምንቅስቓሳት ኩሉ ንሓቀኛ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ይበቕዖን የተግብሮን ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ ኩነት እዚ እቶም ተበለጽቲ ኣብ ትሕቲ ሽፋን ናይ ዲሞክራሲያ ጭርሖ ተሓቢኦም፡ ነቶም ነታ ዲሞክራሲ ክሰርሑላ ዝጽዕሩ ከናሽው፡ ከነኣእሱን ከቖናጽቡን ስረሐይ ኢሎም ኢዮም ዝተሓሓዝዎ። ሽዑ ኣብ መወዳእታ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ነቲ ሓቂ ፈሊጡ ኣብ ጎኒ እቲ ቅኑዕ ራኢ ሒዙ ዘሎ ወገን ንኸይዓስል ከም ዝዕገት ምስ ገበሩ ከኣ ንሰልፍታት ከም መነሃሃሪ ሽግር ገይሮም ክቕርቡ ይፍትኑ።ተሳትፎ እቲ መሰረት ኣልሲ ዝኾነ ህዝቢ እንተደኣ ትሑት ኮይኑን ከምኡእውን እቲ ዝነበረ ቁጽሪ መሰረት ቃልሲ እናተባሕጎጐ ከይዱ ዓቕምን ክእለትን እተን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ስለዝጎድል ንድልየታት ህዝቢ ዘንጸባርቕ ክሰርሓ ይሽገራ። እቲ ኣንጻር ሰልፍታት ዝግበር ጐስጓስ ህዝባዊ ተቐባልነት ስኢነን ነቲ ዝኽተለኦ ዘለዋ ፖለቲካዊ ፍልስፍና እቲ ህዝቢ ከም ዝይበሎ ምግባር ዝዓለመ እዩ።

ከምዚ ካብ ኮነ፡ ውድባት ወይ ሰልፍታት መሰረታት ኣብ ዝወሓድሉ ወይ ከኣ ኣካል ህዝቢ ዝኾኑ ተራ ኣባላት ዘይብሉ ውደባ በየናይ መገዲ ኢዩ ክሰርሕ ዝኽእል። ውድብ እኮ ገንዘብ፥ ተወፋይነት ክኢላ ዓቕምን ሰብኣዊ ጉልበትን የድልዮ። ብዘይ እዞም ዝተጠቕሱ ባእታታት ውድብ ይኹን ሰልፊ ከድምዕ ኣይክእልን እዩ። ተመሊስካ ነተን ሰልፍታት ምሕማይን፡ዲሞክራሲ እናጨራሕካ ውድባት ኣየፍረያን ውድባት ፈሽለን እየን እናበልካ ብምምጽዳቕ ዲሞክራሲ ኣይዕንብብን እዩ።

ሎሚ ከኣ ሕሉፍ ሓሊፉ ህዝብን ሰልፍታትን ንምፍልላይ ብማለት ንኣድላይነት ሰልፍታት ንምድምሳስ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሕቡእ ኣጀንዳ ምህላው እዩ ዝእምት። እዚ ከኣ ልክዕ ምስቲ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ግዜ ነጻነት ኣብ ፈለማ መደርኡ ውዳባት ሰልፍታት ኣየድልያን እየን ዝበሎ ዝሰማማዕ እዩ።

ልክዕ እዩ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ደራኺ ሓይሊ ናይ ለውጢ ኮይኑ ንሓደ ገባቲ ስርዓት ኣብ ምውዳቕ እውን የቀላጥፍ እዩ። እዚ ግን ብዘይህላዌ ሰልፍታት ክኸይድ እንተኾይኑ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጥራሕ ብመሰረቱ ናይ ብሓቂ ንህዝባዊ ሃገራዊ ኣጀንዳ ይውክል’ዲዩ? ሓቀኛ ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ትካላት ኣለዎ’ዶ? ኢልካ ምሕታት ኣገዳስነት ኣለዎ። ህዝባዊ ምንቅስቓስ መሳርሒ ኮይኑ መላእ ህዝቢ ሓደ ዓይነት ራኢ ይውንን እዩ ኢልካ ምሕሳብ ግን የዋህነት እዩ። ነዚ ዝተፈላለየ ራኢ ናይ ህዝቢ በተን ዘለዋ ሰልፍታት እዩ ዝምእከል።

ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ተግባራት ጽልዋ ከም ዘለዎ ርዱእ ኮይኑ፡ እተን ሰልፍታት ክተሓባበራን ክደጋገፋን ይግባእ። እዚ ምስ ዝህሉ እዩ ለውጢ ኣብ ፖለቲካዊ ስርዓት፥ ለውጢ ኣብ ባህሊ ክዕምብብ ዝኽእል። እቲ ንግርጭታትን ረብሓታትን ናይ ምምእካልን ጸጋታትን ስልጣንን ናይ ምምቕራሕ ክሰላሰል እተን ሰልፍታት ህዝቢ ብዝጠልቦ ክቕየዳ ይኹን ህዝቢ ዝጠልቦ ንኽፍጽማ ከኣ ይግደዳ።

ድራር መንታይ

ህጹጽ ጸዋዒት ንኹሉ  ኤርትራዊ  ዜጋ
 

Mohammed Brhan Blataዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፡

ብቐዳምነት ኣብ ሓባራዊ ሃገራዊ ቃልሲ ዝተሞርኮሰ ዕዙዝ  ሰላምታይ ብምቕዳም፡ እዚ ዓብን ኣገዳስን ንእዋናዊ ጠልብ ሲፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ኣእትዩ  ንሃገር ንምድሓን ቁዱስ ሃገራዊ ዕማም ሒዙ ዝጋባእ ዘሎ ገለ ክፋል ናይ ሓይልታት ተቓውሞና  ክቡር ሰውራዊ ሰላምታትይ እንዳቕረብኩ ኣብዚ ዝገዝኣና ዘሎ ተኣፋፊ ህልዊ ፖሎቲካዊ ኩነታት ሃገርና ንኽንኣልዮ ፍታሕ ክንረኽበሉ  ምእንቲ መድረኽ ይሓተናሎ`ሞ ንሰውራውን ሃገራውን ዕማምና ሃየ  ነበግሶ  ብዕቱብ  ንሓዞ  መታን ከነዕውቶ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን  ነዚ ንሃገርና ኤርትራ ዝገዝኣ ዘሎ ጽንኩርን ኣዝዮም ዝተሓላለኹ  ኩነታትን ብምግንዛብ ነዚ ዕድል’ዚ ተጠቒምና  ኣብ ነዊሕ ናይ ቃልሲተሞኩሮ ዝተሞርኮሰ ዓቕምና ንዘሎና  ሓሳብን ርእይቶን ከነቕርብ ድልዋት ክንከውን   ክብል ከሎኹ፡ ነዚ ዝጽበየና ዘሎ ከቢድ ሃገራዊ ዕማም ብሃገራዊ ሓላፍነትን ሕልናን  ርኢና ንሕሉፍ ልዕሊ 20 ዓመት ዝወሰደ ናይ ተቓውሞ  ተመኩሮና ብዕቱብ ዳህሲስና ንኣወንታውን ኣሉታውን ጎድንታትና ገምጊምና እቶም ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ዝብድሁና ዘሎዉ ጸገማትና ብዑምቀት ፈሊጥና ነዚ ተበጉስናሉ ዘሎና ቅዱስ ዕላማ ሃገር መታን ከነዕውቶ ኣብ ሓባራዊ ኣስራርሓ ዝኣምን ካብ ናይ ዝኾነ ይኹን ምትእታው ነጻ ኮይኑ ብኤርትራዊ  መንነቱ ዝኾርዕን ዝሕበንን፡ ሓደ ሓያል ሃገራዊ ግንባር ከነቕውም እዋናዊ መድረኽ ይሓተናን ይጽበየናን ስለ ዘሎ ከይተማእታእና ግዜ ከይወሰድና ክንሰርሓሉ ንዳሎ። 

እዚ ክብል ከሎኹ  ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕቶ ምርግጋጽ መሬታዊ ናጽነትን ልዑላውነት ሃገርን ወላእኳ እንተ ተዓውተ፡ ንምርግጋጽ ልዑላውነት ህዝብን ምርግጋጽ ዜጋዊ ሓርነታዊ መሰልን ማዕርነትን ግን  ጌና ኣብ መስርሕ ቃልሲ እዩ ዝርከብ። ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ዘርኣዮ ናይ ሰላሳ ዓመት ተባዕ ቃልሱ ኣዝዩ ፍሉይን እምብዛ ዘኹርዕን ዘሕብንን  ታሪኽ ክኸውን ከሎ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ብሉጻት ደቁ ከፊሉ  ኣብ ፓሎቲካዊ ተመኩሮኡ ዝተሞርኮሰ ዝተራጋገጸ ናጽነት፡  ናቱ ታሪኽ ዘሎዎ እኳ እንተኾነ፡  ኣብዘካየዶ  ቃልሲ ውጽኢቱ ግን ንረብሓ እቲ ዝተቓለሰ ሰፊሕ ህዝቢ ከምቲ ዝደለ ከብጸሖ   ኣይበቕዖን ኣይተዓወተን  እዩ ዘሎ፡ እቲ ጠንቂ ናይ ዘይምዕዋትና ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ  እዩ ብምባል ሓላፍነት ከነሰክሞ ጥራሕ ኣኻሊ ኣይኮነን፡  ብመንጽሩ  ንሕና ኸ እቶም ብሓይልታት ተቓውሞ ንፍለጥን ንጽዋዕን ነዛ ሃገር ንምድሓን ንምልካዊ ስርዓት ካብ ስሩ መታን ክነልግሶ ከምቲ ዝደለ ክንሰርሕ በቒዕናዮዶ ኣይበቓዕናዮን  ንዝብሉ  ሕቶታት   እቲ  ጉዳዩ ብቐንዱ ንዓና ዝምልከት ኮይኑ ብተግባር  ሃገር መታን ከነድሕና ክንምልሾ  ዝጽበየና ዘሎ ህመትና ከም ዝኾነ ክንስሕቶ ኣይግበእን። 

ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብታት ዓለምና ክንርኢ እንተኾና ካብኦም ከም መወከሲ ተጠቒምና  ክንመሃረሎም  ንኽእል፡ መዳርግቲ ዘይብሎም ብኣወንታን ኣሉታን  ዝግለጹ ተሞኩሮታት፡ ከም ዘለዉ  ኣይሰሓትን ። ይኹን እምበር ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለሉ ሰውራ ኣካይዱ ሃገር ወኒኑ መንግስቲ ወላኳ እንተኣቖመ ናይ መጻኢ ዕድላቱ ጽልግልግ ዝበለ ዘደናግር መታን ከይከውን ዋሕስ ክገብረሉ ዝግባእ ዋንነትን ኣተዓዳድላን ኣማቛራርሓን ፖሎቲካዊ ስልጣን ስለ ዘየነጸረ፡ ከምኡ ውን ብሰንኪ በሓትነት ናይ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ንዝጸንሖ ኣብ  ዶሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ልምዓትን ዕብየት ሃገርን ዝተሞርኮሰ ሕልምታቱ ስለ ዝተጎርሸ፡ ሎሚ ኢርትራ ኣብ እዝዮም ግናያት ዝኾኑ  ንኽትገልጾም ዘጸግሙ ኣብ ኣእዳው ውሑዳት ደቂ ሃገር ኢና በሃልቲ ውልቀሰባት ወዲቓ ትሳቐ  ምህላዋ ንኹልና ብሩህ ክኸውን ከሎ፡ እዞኦም   እዮም  እቶም ዛጊት ክንዕወተሎም  ዘይከኣልና  መዳያት ክበሃል ይከኣል።

ናይዞም ዝተጠቕሱ ከምቲ ዝድለ ከነዕውቶም ዛጊት ዘይከኣልና፡ ከም ሳዕቤናቶም ኸኣ  ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚእዋን’ዚ ከቢድ ዋጋታት ይኸፍል ከም ዘሎ ኩሉ ዝፈልጦን ዝሻቐለሉ ዘሎን ርኡይ ተራኽቦታት  ክኸውን ከሎ፡ ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ተግባር’ዚ እዚ ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና መብዛሕተኦም ናይ ኣብ ከባቢ ናጽነት ዝተወልዱ መንእሰያትና  ክሳብ ኣብ ትሕቲ ዕድመ  ዘሎዉ ዜጋታትና ውን ከይተረፉ ካብቲ ናይ ዝሓለፉ ዘመን ባዕዳዊያን ጸላእትና ዝኽፍአ ተግባራት፡ ካብ ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡  ዝወርዶም ዘሎ እከይ ተግባራት ክድሕኑ ክብሉ ተገዲዶም ዶብ ክሰግሩ፡ ኣብ ጉዕዞኦም ናይ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ  ንኣደዳ ሞትን ካልእ ንክትገልጾ ዘሰክፍ እከይ ተግባራት ይቃልዑ  ከም ዘሎዉ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንርእዮን ንሰምዖን  ኣሎና፡ ነዚ ዝጓነፎም ዘሎ  ፍታሕ ክህሉ ኣሎዎ ንዝብሉ ሕቶታት  ኩልና ደቂ ሃገር ሻቕሎት ጥራሕ ዘይኮነ ብቐንዶም ናትና ሓላፍነት ኮይኖም ዘላቒ ፍታሕ ከነናዲየሎም  ዝጽበዩና  ዘሎዉ  ክኾኑ ከሎዉ፡ እዚ ኣብ ሃገራዊ ሕልና ዝተሞርኮሰ ዓቢ ሃገራዊ ሓላፍነትና  ከም ዝኾነ ውን ኩሉ ወዲ ሃገር ክስሕቶ ኣይግባእን።

ከም ሕብረተሰብን ሃገርን ንዝገጠመና ፍሽለት ምጽብባቕን ምግናንን ዘድልዮ ኣይኮነን፡ ንዘይምዕዋትና ክንሽፍን ብሰንኪ ፍላንዶ ዕላን ኢልና ከነፍኩሶን ክንነጽጎን እንተጀሚርና ፈጺምና ክንእርሞ ውን ኣይክንበቅዕን ኢና። እዚ ዘኹርዕን ዘሕዝንን ፖሎቲካዊ ተሞኩሮን’ዚ ግን ንታሪኽን  ንምንዮትን ምስትንታናትን ጥራይ ዝግደፍ ውን ኣይኮነን፡ ስለምንታይ እቲ ንኾርዓሉ ዝተሰርሐ ቅያን ሓያል ታርኽን፡ እዚ ዘጋጠመና ዘሎ ፍሽለትን ብምግንዛብ ብእኡ ዝተበገሰ ዲናሚካውነትን ከም ደራኺ ሓይሊ ኮይኑ ንኣወንታታትና ዓቂብና ኣሉታትና ኣወጊድና ሓድሽ ማሕበራዊ ሰውራ ንምህናጽ ሰላምን ፍትሕን ራህዋን ዝሰፈና ሃገርን  መታን ክትከውን ብተግባር ክንቃለስ ይግባኣና፡ እዚ ሕጂ ከነካይዶ ዝግበኣና ማሕበራዊ ሰውራ ኣገዳስነቱ ካብቲ ኣብ ኣዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ዘሰላሰልናዮ ቃልሲ ዝንእስ ኣይኮነን ብኣንጻሩ ከምዚ ንርእዮን ንዕዘቦን ዘሎና ዝተሓላለኹን ኣዝዮም ከበድቲ ብድሆታት ከጋጥሙና እዮም። ንሕብረተሰብ ኤርትራ ጉዳይ ምርግጋጽ ሰላምን ራህዋን ምዕሩይ ዝኾነ ቁጠባዊ ኣተዕዳድላን ከምኡ ዉን ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝምልከት፡ ማዕረ ዕዳላ ምርግጋጽ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት መሉእ ተሳትፎ ሰፊሕ ህዝቢ ኣብ ምውሳን ጉዕዞ ሃገሩን ምምሕያሽ ነገራውን መንፈሳውን ባህላውን ድልየታቱን ጠለባቱን ንምምላእ፡ ብዝተሓተ ደረጃ ዝረጋገጸሉ ህመት እንተዘይ ፈጢርናሉ ኤርትራ ከምዚ ንርእዮ ዘሎና  ንውሉድ ወሎዶ ወትሩ ኣብ ናይ ጽልግልግ ጎደና ሓደጋታት ዝተሰጥሐት ኮይና ክተርፍ ማለት፡ ንዓና ነቶም ንነዊሕ ዝተቓለስና ዓቢ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኮይኑ ብተግባር መልሲ ክንረኽበሉ ዝብደሃና ዘሎ ግዙፍ ሃገራዊ  ህመት እዩ ክበሃል ይከኣል።

እዚ ክብል ከሎኹ ካብ እንውንኖ ሃብታም ተመኩሮናን  ናይ ነዊሕ ቃልስናን ከምኡ ውን ብቐረባ ናይ ጎረባብትና መንግስትታን ሕብረተሰባትን፡ ሃገራት ዓለምና ዝሓለፍኦን ዘጋጠመንን ዘሎ ዝተሓላለኸ ሽግራተን ብምርኣይን ምንቃልን እቲ ሓደጋታት ንዓና ውን ዝምልከት ኮይኑ ክጸልወና ውን ስለ ዝኽእል፡ ካብኦም ከም መጠንቀቕን መምሃርን ወሲድና ሃገር ንምድሓን ክንሰርሓሎም ዝግበኣና ሜላታትን ምትዕጽጻፍን ክህልወና  ይግባእ።

ወትሩ ኣብ ግዝየን ዝተፋላለዩ ኩነታት ዝቀያየሩ  ባዕላውን ወድዓውን ተርእዮታት ክቕልቀሉ ይኽእሉ እዮም፡ ነዚኦም ከምዚ ብሽም ተቓውሞ ዝረአ ዘሎ ኣብ ክንዲ ነዚ ኔኤርትራን ህዝባን ዘጽንት ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣስተባሂልና፡ ካብኡ ብምንቃል  ሓድነትና ዓቂብናን ኣደልዲልናን ኣብ ምውዳቑ ንቃላጠፍ  ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ደገ ኮይና ከነተግብሮም ዘይንኽእል ዝተፋላለዩ ሕቶታት ኣልዒልና ንዓመታት ኣብ ንረብሓ ሃገር ዘይኮነ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ሒዝና ኮለል ንብል ምሃላውና  እሞ እዚኦም ንታሪኽን ቃልሲ ሰፊሕ ህዝብና ዘይውክሉ ከምዝኾኑ  ብሃገራዊ ሕልና ብዑምቀት ፈሊጥና፡  ናይ ሓባር ፖሎቲካውን ቁጠባውን ሕብረተሰብኣውን ንረብሓ ሰፊሕ ህዝብና ኮይኖም ንጹር ሃገራዊ ራእይ  ሃልዩና፡  ቃልስና ኣመዓራሪና፡  ኣብኡ ዝተሞርኮሰ ድልየትን ሕልምን እንተዘይብልና ነቲ ብሕልናናን ኣካልናን ንሓስቦ ዘሎና ሃገራዊ ስትራተጂካዊ  መደባትና ክንበጽሖ ኣይንኽእልን ኢና ማለት  እዩ ዘስምዕ። ንመሰል ዴሞራስን ማሕበራዊ ፍትሕን ከም ሕመረት ተወሲዶም ኣብ ወረቓቕቲ ብውሕሉል ኣገባብ ተጻሒፎም ኣብ ቡዙሕ ኣጋጣሚታት ንኽትዕን ምይይጥን ዝቐርቡ ውሑዳት ኣይኮኑን ምናልባት ገሊኦም ብሓቅነቶምን ሚዛኖምን ንሃገር ከገልግሉ ዝበቕዑ ኮኾኑ ይኽእሉ እዮም፡ ኣብዚ ክርዳእና ዘሎዎ ግን ኣብ ኢድካ ፖሎቲካዊ ስልጣን ከይጨበጥካ  ክትግበሩ ከምዘይክእሉ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ተቓውሞ ተመኩሮና በሪሁልና ክነሱ መመሊስና ንዓመታት ንዕኦም ክንደጋግም እንተኼና ከም ማይ ኣብ ኢድካ ምዕሟኽ ዝመስል  ዘይትግበር ሕልሚ ኮይኑ ከም ዝተርፍ ብተግባር ተረጋጊጹ እዩ።

ኩሉና ዘይንፋላለየሎም ንሃገር ዝምልከቱ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ብሓይልታት ተቓውሞ ዝቐርቡ ዘስተባሃልናሎም ኣገደስቲ ሃገራዊ ስትራትጂ ክቐርቡ ጸኒሖም እዮም፡ ገለ ካብእቶም ንምጥቃስ ኣምበኣር፦ 
1.  ኣብ ቅዋም ዝተሞርኮሰ ልዑላውነት ሕጊ ትኣምን ሃገር ክትከውን
2.  መሰል ዶሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን  ሃልዩ  ሓጋጊ ኣካል ሓላፍነቱ ወሲዱ  ብተግባር ክሰርሓሉ ክኽእል።
3. ናጽነት ናይ ሓጋጊ ኣካልን ፈራድን ፈጻምን ሃልዩ ብተግባር ክስራሓሉ፡
4. ህዝቢ ዝቕበሎም ብዙሒነት ፖሎቲካዊ ሰልፍታት  ሃልዮም ንረብሓ ሃገር ክሰርሑ፡
5.  ፕረስ  ኣብ ሕጊ ዝተሞርኮሰ  ምሉእ ናይ ምውሳእን ምክትታልን ናጽነት ክህልዎ፡
ዝብሉ ዓበይቲ ነጥብታት ናይ ኩሉና ድልየትን እምነትን ከምዝኾኑ ኩሉና ንሰማማዓሎም እዮም። ይኹን’በር እዞም ዝተገልጹ ዓበይቲ ነጥብታት ክትግበሩ እንተ ኾይኖም ብቐዳምነት ነቲ ስልጣን ጨቢጡ ዝኽልክለና ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብመሰረቱ ካብቲ ሒዙዎ ዘሎ ስልጣን  እንተ ዘይለጊሱ ኩሎም  ኦዞም ዝተጠቕሱ፡ ዘይትግብሩ ሕልምታት ኮይኖም ኣዮም ዝተርፉ እሞ ነዚኦም ኣለሊና ቃልስና ኣሐይልና ናብቲ ንደልዮ ሽቶና ክንበጽሕ እንተዳኣ ኲና፡ ብቐድምነት፡ ነዊሕ ተቓሊሶም ሃብታም ተሞኩሮታት ዝውንኑ ኤርትራዊያን ብብዝሒ ስለ ዘሎዉ፡ ከምኡ ውን ደቀንስትዮን መንእሰይን ዝለዓለ እጃሞም ከበርክትሉ ዝኹእሉ ክነት ፈጢርና ክንጋባእ ክንክእል፡ እሞ ካብኡ ዝመንጨወ ከቃልሰናን ከዕውተናን ዘኽእለና ሓደ ሓያል   ሃገራዊ ግንባር ክነቕውም የድልየና ከም ዘሎ ኣይሰሓትን። ናብኡ ክንብጽሕን ክንዕወትን  ምእንቲ ኸኣ፡  ናይ ኩሉ ደላይ ለውጢ ተቓዋማይ  ኣብ ሃገራዊ ሕልና ዝተሞርኮሰ ጥሙር ሓያል ቃልሲ ከነካይድ   ከም ዘሎና  ክንስሕቶ ኣይግበኣናን።

ኣብ ዝተፋላለዩ ኣጋጣሚታት ኣብ ዝተፋላለዩ ቦታታት ብዝገበርኩዎ ድህሰሳ እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ነዚ ጠለብ’ዚ ብዝውንኖ ዓቕምታቱ ይቃለሰሉን ይደፍኣሉን ከም ዘሎ ብንጹር ይበርህ ኣሎ እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቅታት፡  ንሕና  ናይ ሰፊሕ ህዝቢ ልኡኻት ስለ ዝኾና ነዚ ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ንሕድሪ ሰማእታትናን ንሓቀኛ ድልየት ህዝብን ክንምልሽን ከነዕውቶን መድረኽ  ይሓተናን ይጽበየናን ከም ዘሎ ኣይሰሓትን።
                                                

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና         
ዝተማልአ ዓወት ንህዝቢ   ኤርትራ።

መሓመድ ብርሃን ብላታ