ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት
ንፍትሓዊ ማዕርነት ዝወላዕኪ ክርቢት
ብዘይግልጽ ምልጽ ናይ ካልኦት ትጽቢት
ንንጹር ዕላማ ጸረ ድሑር ትዕቢት
ንቓልሲ ዓዲማ ንኩለን ብሕብረት።
ኣካል ናይ'ዚ መስርሕ ኤርትራዊት ኣደ
ከም ኣባል ደቂ ኣንስትዮ ዓለም በቲ ሓደ
ጸረ ባዕዳዊ ስርዓት ምግዛእኪ ዝለመደ
ጸጋኺ ግሒጡ ፍጹም ዝሰወደ
ንቓልሲ ወሲንኪ ንግሆ ከይረፈደ።
ኣብ ክንዲ ምሕንቓቕ ተመርዒኺ ሕጽኖት
ብትብዓት ነቒልኪ ደድሕሪ ቀዳሞት
ኣብ'ቲ ከርፋሕ ናብራ ናይ ምህላው ወይ ሞት
ስለ መሰል ፍትሒ ንራህዋ ዳሕረዎት
ብትብዓት ወሲንኪ ንኽትከፍሊ ህይወት።
ኣብ'ቲ ጽንኩር ኩነት ናይ ጅግንነት ቦታ
ድምብርጽ ከይበላ ጾታዊ ፍጥረታ
ታሪኽ ኣመዝጊባ ማዕረ ምስ ኣሕዋታ
ኣብ ኲናት ትድብል ዘይብላ መሰታ
ተኣምር ሰሪሓ ከፊላ ህይወታ፡፡
ኤርትራዊት ኣደ'ወ እዛ ጅግና
ብውሽጢ ብደገ ደጀን ናይ ሰውራና
ምስጢርና ዓቂባ ምስጢር ተስንቐና
ዕሩቓት ትኸድን ቀንጢጣ ዝባና
ዕዙዝ'ዩ ሞያኺ ኣብ መስርሕ ቃልስና።
ብሳላ ጅግንነትኪ ዝተረኽበት ዓወት
ደሞም ከይነቐጸ ናይ ስዉኣት ብጾት
ጽባሕ ነጻነትና ኣብ ዘይመልእ ዓመት
ስልጣኑ ከጣጥሕ ኣትዩ ኣብ ሓፈትፈት
ሽዑ እያ ጅሚራ ናይ ሎሚ ባርነት።
ፍትሓውያን ከሕቅቕ ዓገብ ካብ ዘይንብል
ስንኩላን ክቕንጽል ብቓሉ ካብ ንዕልል
ውላድና ክዘምት ካብ በልናሉ ዕልል
ኣብ ጕድኒ ሬሳታትና ጓይላ ካብ ንዘልል
ባዕልና'ምበር መን ሂብዎ ዕድል።
ሽደን ኤርትራዊት ኣብ ሸዊት ዕድመኺ
መሪር ህይወት ቃልሲ ከም ንቡር ወሲድኪ
ኣብ ከበሳን ቆላን ታሪኽ ዝጸሓፍኪ
ንመሰል ተቓሊስኪ መሰል ዘይምርካብኪ
ዓለም ገሪምዋ ብመሪር ወጽዓኺ።
እዛ ናጻነትና ኣሽሓት ዝተኸፍላ
ፍቕሪ ከይትጥጥዕ ወደቦ ዘይብላ
ውሉዳ ከይስስን በጃ ዝሓልፈላ
ራሕሪሕዋ ከይዱ ተስፋ ስኢኑላ።
ብሉጻት ከፊልኪ ንፍትሒ ንሰላም
ኣብ ራህዋ ክትነብሪ ተቐንጢጡ ጸላም
ክብርኺ ክሕሎ ኣልቦ ዓመጽ ሓራም
ወፊርኪ ክትኣትዊ ብብርሃን ብጸላም
ዘይተጸበኽዮ ደጊሱኪ ሕማም።
ሃገራዊ ኒሕኪ ብተንኰል ገምጊሙ
መልኣኽ ተመሲሉ ኣብ ጽላልኪ ቆይሙ
ናይ ሳጥናኤል ባህሩ ባርኖስ ተሽፊኑ
ስልጣኑ ከጠጥሕ ጎረቤት ዓዲሙ
ናትኪ እናመሰለ ኣንጻርኪ ዓሊሙ።
ቅዋም ከይሰርሕ ፍጹም ካብ ሓንገደ
ናይ ምዝራብ ዕዽል እንካብ ተኣገደ
ሰሪሕካ ናይ ምንባር መሰል ከይተፈቕደ
ዘዝወለድክዮ መንእሰይ ንስድት ካብ ከደ
እንታይ ኢና ክንጽበ ካብዚ ዝገደደ።
መሰል ተሓልዩ ሃገር ከይቀሰነት
መግቢ ዕለት ረኺባ ህይወት ከይተዋሕሰት
ንግሆ ዝወፈረ ከይተመልሰ ምሸት
ፍቅሪ ከይሰፈነ ኣብ መንጎ ስድራ ቤት
ስቓይና ከብቅዕ ኣይሕሰብን ዘበት።
ኣብ ገዛእ ሃገርኪ ሰላም ካብ ሰኣንኪ
ክሽየጡ ክልወጡ መናአሰይ ውላድኪ
ሓዳርኪ ክስወር ህጣሙ ዘይብልኪ
ግራት ጓሂ ኮይንኪ ጽማልያ ካብ መሰልኪ
ንለውጢ ተንስኢ ኣልዕሊ ቅልጽምኪ።
ዕድልኪ ገይርዎ ካብ መረረ ህይወት
ዕጉስ ባህርያትኪ ካብ ተቆጽረ ድኽመት
ንራህዋ ተበጅኺ ካብ ወረደ ድንገት
ኣብ ውሽጢ ገዛኺ ካብ ዝመላለስ ውርደት
ሕጅውን ብቓልሲ'ዩ ዝረጋገጽ ማዕርነት ምስ ክብረት።
ሓብተይዶ ክብለኪ ፍላይ ማንታይ
ሓዳረይዶ ክብለኪ ፍንጫሕ መሰንገለይ
ብጸይተይዶ ክብለኪ ተባዕ መቓልስተይ
ኣብ ራህዋ ኣብ ጸገም የማነይቲ ኢደይ።
እዚ ንጹር ስእሊ ኩነታት ሃገርና
ቋንቋና ዝዛረብ ሃገራዊ ጓና
ምጥፋአና ዝሕልሙ ሱርና መሰረትና
ሓደ'ዩ ጸላኢና ንወድና ጓልና
ሓቢርና ንእለዮ ከይተፈላለና።
ናይ መሬትና ሽሻይ ክመልእ ቆፎና
ዒባ ከይሓርሞ'ቲ ማሙቕ ደምበና
ኣብ ዓዶም ክሕንቅቁ ዕሸላት ደቅና
ንስርዓት ህግደፍ ነዚ ስሱዕ ጋውና
ግሒጥካ ኣብ ምጉሓፍ ኣብ ጎድንኽን ኣሎና።
ዓንደጽዮን ግርማይ
ጀርመን
8 መጋቢት 2016

ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ሰሜን ኣሜሪ
ተበግሶ ነፍስኻ ምኽኣል፡
ንኤርትራውያን ኣካለ-ጽጉማን (ውጉኣት ሓርነትና - ከሰላ) ፡ ብቐጻሊ- ዘጽልሉ ቤት፡ ዝሰትይዎ ማይ፡ ዝበልዕዎ መግቢ ክህልዎምን፣ ከይዓርቁ፡ ከይጽገሙ፡ ሰኣን ብቑዕ ሕክምና ብቓንዛ ከይሳቐዩ፡ ከየስተማስሉን፡ ኤርትራውያንን ግብረ-ሰናያዊ ሕልና ዘለዎም ፈተውትን በብዓመቱ ወፈየኦም ከየቋርጹ ዝሕግዙ ምህላዎም ብሓበን ንዝክሮምን ነመስግኖምን።
ሎሚ፡ ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ፡ ንሓዱሽ ብድሆ ይጽውዑና ኣለዉ-
ብድሆ ንነፍስኻ ምኽኣል!!!
ብድሆ ነፍስኻ ምኽኣል፡ ክትግበር $40,000.00 ይሓትት። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ መጋቢት 6፡ 2016፡ ብሓልዮት ረድዮ ድምጺ ኤርትራ-ናዝ የማነን መስከረም.ነትን መደብ ወፈያ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ`ዚ ዝተጠቕሰ ዕለት፡ ኣዝዮም ውፉያት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ሓጺር ሰዓታት ልዕሊ $4,100.00 ዶላርን 100.00 ፓውንድስ ክዋጻእ ክኢሉ።
እቶም ወፈየኦም ዘበርከቱ ኤርትራውያን፡
- ናዝ የማነ - ሃሊፋክስ ካናዳ >>>>>>>>>>> $ 500.00
- ሕድራይ ፍሳሃ - ካሊፎርኒያ/ ኣሜሪካ >>>>>>>> $1000.00
- ተኽለ ሃብተ- ካሊፎርኒያ/ኣሜሪካ >>>>>>>>> $ 500.00
- ክኪ ጸጋይ- ኣሜሪካ >>>>>>>> $ 500.00
- ኣለም ጎይተኦም- ኣሜሪካ >>>>>>>>>>> $1000.00
- ሓይለኣብ ጸጋይ >>>>>>>>>>>>>>>>>>>> $ 500.00
- ስሙ ክጠቅስ ዘየደለየ >>>>>>>>>>>>>>>>>>>> $ 100.00
- መርበብ ሓበሬታ ስኒትና.ካም >>>>>>>>>>>>>> 100.00 ፓውንድ (ስተርሊን)
ክዋጻእ ክኢሉ። ኣሎ በረከት!!!
ክሳብ እቲ ዝደለ ዘሎ መጠን ገንዘብ ዝእከብ ወፋያ ቀጻሊ`ዩ።
ሰንበት፡ መጋቢት 13፡ 2016፡ መደብ ወፈያ፡ ብረድዮ ድምጺ ኤርትራን መሰከረም.ነትን ካብ ሰዓት 1፡00 ድሕሪ ቀትሪ (ኣቆጻጽራ ኒው ዮርክ) ጀሚሩ ክሰላሰል እዩ።
ምስጋና፡
ንኹሎም ልዑል ልግሲ ዘበርክቱ ዘለዉ ምስጋናና ወሰን የብሉን። ከምኡ`ውን፡ ሓው ሕድራይ ፍሳሃ፡ ን13 መጋቢት ምስ ረድዮ ድምጺ ኤርትራ ተታሒዙ ንዝነበረ መደብ ክቋረጽን፡ ኣብ ክንድኡ እቲ ጊዜ ነዚ ዝዓበየ ጉዳይ ውጉኣት ሓርነት ክኸውንን ነዘቕረቦ ሓሳብ ከየመስገንናዮ ክንሓልፍ ኣይንደልን።
ቀጥታ ናብ ባንክ ወፈያኹም ከተበርክቱ ንእትደልዩ፡-
Organization name-
Association of Disabled Eritreans in North America
Bank: Chase Bank
Bank Account: # 901128439
Routing # 071000013
ንዝኾነ ሓበሬታ፡
- ጸጋይ ነጋሽ (303) 847-9130
- ጸሃየ ኣርኣያ መሓሪ (847) 485-8379
ሰብ ሕልና`ዩ ሓይሉ፣ ገንዘባዊ ትሕዝቶ ኣይኮነን። ስለዝኾነ፡ ብስም ውጉኣት ሓርነትና መደበር ከሰላ
ብቐጻሊ ንእተበርክትዎ ልግሲ ብልቢ ነመስግን።
ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉሜን ኣሜሪካ።
ሎሚ መን እዩ ኤርትራዊ ???
ኤርትርዊ መንነት ብምንታይ እዩ ዝረጋገጽ ???
ክቡራት ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ እዛ ፍትውቲ ኤርትራ ፡
ደቂ ምድረ ባሕሪ !!! (ደቂ መሪዩስ ኤሪትሩዩስ !!! )
ቅድሚ ገለ መዓልታት ልክዕ ብዕለት 03 መጋቢት 2016 ኣብ ሓርነት ኦርግ ዕላዊ ልሳን ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ” ሃገራዊ መንነት እዩ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ዘብል” ኣርእስቲ ተዋሂቡዝተጻሕፈምስ ኣንበብኩ ካብ ነዊሕ ጊዜ መልሲ ዘይረኸብኩሉን ኣብ ሓንጎለይ ድቃስ ዝኸላኣንን ዝርብጸንን ዝነበረ ብምትንካፉ፡ ሓያሎ ዝተፋላልዩ ሓሳባት ኣብ ሓንጎለይ ክውሕዙ ጀመሩ። ብፍላይ እዚ... ሓደ ልቢ ሓደ ህዝቢ ዝብል ኣባሃህላ መታለሊ ቢሂል ብህግደፍን ደገፍቱን ዝዝመር ብምኳኑ ፡ እታ ሓደ ልቢ ትብል ተጋራጫውትን ሓቂ ዝሰሓተትን ኣሰካፊት እያ ንዓይ ፡ግና ከኣ ብሃገራዊ መንነት እትብል ስለ እትጅምር ደጋጊመ ብምንባብ ክሓስብ ተገደድኩ። እዚ ጽሑፍ ናይ ሓርነት ኦርግ ብልክዕ ዘቀመጦ እንተሃልዩ ግርም ገይሩ ቅኑዕ ብናይ ዓለምና ኣቋቁማን ሕግን ዝተመርኮሰ ስለ ዝኾነ ትርጉም ሃገርን ሃገራዊ መንነት ከምዚ ዝኽተል ገይሩ ኣቅሪብዎ ይርከብ፡ “ኣብ ሓደ ውሱን ጂኦግራፊካዊ ክሊ ዝነብር ህዝቢ፡ መበቆሉ ብዘየገድስ ምሉእ እንታይነቱን መንነቱን በቲ ዝነብሮ መሬትን ዘለዎ ዶብን ኣረጋጊጹ ማለት ኢዩ። እዚ መንነት እዚ ዘይፈሓቚን ዘይልውጥን ኮይኑ ናይ ሓባር ሃገር ንዝውንን ህዝቢ መለለይኡ ማለት ኢዩ ”ይብል ኣነ እውን ተረድኦይን እምንቶይን ኮይኑ 100%ምስኡ ይሰማማዕ ። ቀጺሉ እውን ከምዚ ይብል “እዚ መንነት እዚ ንኹሉ ኣብታ ናይ ሓባር ሃገር ዝነብር ሕብረተሰብ፡ እቲ ዘለዎ ዝተፈላለየ ልምዲ፡ ባህልን እምነትን ትውልድን ዓቂቡ ተሓቛቚፉ፥ በታ ናይ ሓባር ረቛሒት ሃገር ኣቢሉ ሓደ ህዝቢ (ሓደ ልቢ)ምዃኑ እዩ ዝእምት። ከመይሲ ሃገር ዘይትከፋፈልን ዘይትቆራረስን ስለዝኾነት። እቲ መንነት ከኣ ክምኡ ዘይጎዛዘ ብምዃኑ ኢዩ እቲ ሓደ ልብን ሓደ ህዝብን ዘብል” ይብል እዚ ኣባሃህላን መግለጽን እውን ልክዕ ቅኑዕ ቅቡልን ዓለም ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ግርም እሞ ሓደ ሕያዋይ ሓታቲ ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ኣብዘን ዙርያ ሃለዋት 25 ዓመታት ተመርኲሱከ ኤርትራዊ መነንት ከመይ እዩ ??? መን እዩ ኤርትራዊ ኢሉ እንተሓተት መልሱ እንታይ እዩ ??? ኤርትራዊ ክትኸውን እንታይ ከተማልእ ኣሎኻ ??? ከምዚ እቲ ሓተታኣብ ላዕሊ ዝጠቀሶ ኣነ እውን ዝኣምነሉ ድዩ ወይስከምቲ ንዓይ ይኹን ንሓያሎ ኤርትራውያን ዘገርም ናብ ጸልማት መጻኢ ዝሕብርን ኣባሃህላ ናይ መራሒ መላኺ ስርዓት ግህደፍ ን3ይ ጊዜ ዓው ኢሉ ዝደጋገሞ ፡ በዘይካ ኣባል ህዝባዊ ግንባር ኣብዛ ሃገር ካልእ እምንቶ ዘሎዎ ሰብ ናብ ካልእ ፕላነት ይኺድ ዝበሎ እዩ ??? ኤርትርዊ ክትኸውን ኣባል ህዝባዊ ግንባር ክትኸውን ኣሎካ ይብለና ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ትልምሽ ???
እዛ ንሱ ሓዳስ ኤርትራ ዝብለና ዘሎ ብዕሊ ደኣ ኣየጠመቃን እምበር እታ ኣነ ዝፈጥራ ዘሎኹ ሃገር ናይ ህግደፍ(ህዝባዊ ግንባር) ኤርትራ ክብለና እዩ ዝዳሎ ዘሎ ። ድሮ ከይተረድኣና ንንቡራት ንሃገር ኤርትራ ዘቆማ ኣውራጃታትና ደምሲሱ ዞብ ደቡብ ማእከል ሰሜን ...ወዘተ ኢሉ ናብ 6ተ ደባሊቁ ቆራሪጽዋ ኣሎ። እሞ ከ ደኣ ንሕና ከም ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ንገብር ኣሎና ??? ጉድ ናይ ህግደፍ ዘስደምም እዩ ገንዘብ ኤርትራ ስለምታይ ናቅፋ ኢሉ ብቦታ ዝጽዉዖ ??? ጠንቃምን ሰባብን ሕሉፍ ዊዲተኛ ህግደፍ ሕቡእ ሚስጢር ዘሎዎ ኮይኑ እምበር ደጀን ዕርዲ ዱፋዓት ኤርትራ ክንደይ መስተንክርን ጅግንነትን ዝተፈጸመሎም ንወትሩ ዘይርስዑ ክዝከሩ ዘሎዎም ቦታታት ኣሽሓት እንድዮም፡ ናቅፋ ፍሉይ ዘብላ እንታይ እዩ ??? ሓንቲ ማንም ዘይክሕዳ ባሕቲ መስከረም ኣብ ጎቦታት ኣዳል ንዓወት ተጋድሎና ዘበገሰት ቦታ እኳ ብቀረባ ኣላ። ብዝያዳ ዝያዳ እውን እቶም ማእለያ ዘይብሎም ጀጋኑ ተጋደልቲ ኤርትራውያን ካብ 1961 ክሳብ 1991 ደሞም ኣፍሲሶም ኣዕጽምቶምን ከስኪሶም ነጻ ዝውጽእዋ ሃገር ተረሲዕም ተካሒዶም ኣብ ክንደኦም ኣብ ርእሲ ከተማና ኣስመራ ሓወልቲ ጫማ (ሽዳ) ክገብር ከሎ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራን ህልዋት ተጋደልቲ ኤርትራውያንን እንታይ ትብሉ ??? ኦ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ትብል ???
ጸሃየ ቀለታ ሽወደን
ናይ ህይወት ነገር ኣይፍለጥን እሞ፡ ሓደ ኩሉ ጊዜ ናይ ሕልና ቅሳነት ዝኸልኣኒ ነገር ክነግር ደልየ እጽሕፍ ኣሎኹ። ኲልኹም እቶም ምሳይ ዝነበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ምስክርነትኩም ክትህቡ ኣጥቢቐ እላቦን እሓትትን። እዚ ገበናት'ዚ ናብ መን ክበጽሕን ንመን ክንገርን ኣሎዎ ንዝብል ሕቶ በብመንገድና መልሲ ንርከበሉ። ንህዝብና ዓው ኢልና ምሕባሩ እውን ኣድላይነት ይህልዎ።
ብመንነተይ ንሕጂ ብዙሕ ክዛረብ ኣይክእልን። ኣብ 60ታት ተወሊደ። ኣብ 80ታት ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፈ። ሕጂ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣሎኹ። ህግደፍ ኣብ ርእሲ ህዝቢ ኤርትራ ነጊርካዮ ዘይውዳእ፣ ዘይሰብኣዊ፡ ኣስካሕካሒ ገበናት ከም ዝፈጸመን ይፍጽም ከም ዘሎን እንፈልጥ ውሑዳት ኣይኮናን። ኣብ ልዕሊ ካልኦት (ዘይኤርትራውያን) ዝገበሮ ገበናት ከም ዘሎ እንፈልጥ እውን ብዙሓት ኢና። እዚ ቀጺሉ ዝግለጽ ዘሎ ገበን ሓደ ካብኡ ነይሩ።
ኣብ ተስዓታት፡ ርክብ ሱዳንን ኤርትራን ሕማቕ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኢዩ። ብ1996 ንሱዳን ቅድሚ ምጥቃዕና፡ መሪሕነት ህግደፍ ናብ ናቕፋን ቃሮራን ከባቢኡን ከግዕዘና እንከሎ፡ "ሱዳን ናይ ግብረ ሽበራን ጃሃድን መዕቆቢ ኮይኑ የስግኣና ስለዘሎ፡ ከነጥቅዖ ኢና፡ ኣብ ተጠንቀቕ ኩኑ" ዝብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። መሪሕነትና፡ ግብጽን ኡጋንዳን ኢትዮጵያን ምሳና ኣለዋ ክብል ቀንዩ፡ "እተን ሃገራት ርእይቶኤን ቀይረን፡ ንሓና ግን ዝሓሰብናዮ ክንቅጽሎ" ከም ዝበለ ተሓቢርና።
ካብዚ ብምንቃል፡ ብዕለት 27/03/1997 ኮር 271 ብዓብዱ ረመጭን ምክትሉ ወዲ ቀሽን ዝምራሕ፡ ካብ ቀሮራ ሱዳን ክሳብ መራፊት ብሓደ ወገን፡ በቲ ካልኣይ ድማ ካብ ደንቦቤት ክሳብ ጀልሃንዲ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበራ መደበራት ሱዳን ማለት ቃሮራ፡ ሃቦኻይት፡ ዓይተርባይ፡ ዓዳረት፡ ዓጊት ክሰረት፡ ዓጊት መራፊት፡ ጀልሃንድን ከቢድ መጥቃዕቲ ከም እነካይድ ኮነ። ንሽሙ ነይሮም ክበሃሉ፡ ኣዝዮም ውሑዳት ተጋደልቲ ካብ ናይ ጆን ገራንግን ናይ ሰዲቕ-ኣልማህድን ናይ ዶክቶር ዓብደልዓዚዝን (ኣልሓልፋ) ዝበሃሉ ሸነኻት ተሓዊሶምና። ነይሮም ንማለት ጥራይ።
እቲ ውግእ ኣብ ገለ ቦታታት 4 መዓልቲ ኣብ ካልእ ከኣ 5 መዓልቲ ምስ ቀጸለ፡ እዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩወን መደበራት ብምሉኤን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣትየን። ካብ መራፊት ድሕሪ 3 መዓልቲ ስሒብና ኣብ ዓጊግ ዓሪድና። ኣብተን ዝተረፋ መደበራት ግን ብዘይ ምቊራጽ ክሳብ ወርሒ 6/1998 ጸኒሕና።
ድሕሪ ወርሒ 6/98 ግን፡ ብዘይካቲ ሓሓሊፍካ እተገብረ ናይ ከበድቲ መሳርያን ናይ ነፈርትና ደብዳብን፡ መንግስቲ ሱዳን ብብዙሕ ሰራዊትን ኣጽዋርን ተሰንዩ መጥቃዕቲ ሰለዝገበረልና፡ ንኤርትራ ተመሊስና። እቶም ውሑዳት ሱዳናውያን ተቓወምቲ'ውን ምሳና ንኤርትራ ኣንሳሒቦም።
ኣብ ውሽጢ ሱዳን ውግእ ከነካይድ ከሎና፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መደበራት ምጥቃዕ ጥራይ ከይኣክል፡ ንዝኾነ ወተሃደር ምርሻን ዝብል ትእዛዝ ተመሓላሊፉ። ኣብ ርእሲኡ፡ ድሕሪ'ቲ ብ27/03/1997 ዝጀመርናዮ መጥቃዕቲ ምዕዋቱ፡ ድሕሪ 2 ሰሙን ኣቢሉ መራሕ ብርጌድና ወዲ ተኸስተ ንብርጌድ ኣኪቡ፡ "ብዘይካ ኣብ ኩናት ዝሞቱ ኣባላት ሰራዊት ሱዳን፡ 1,273 (ሽሕን ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን) እሱራት ነይሮምና። ይኹን'ምበር ተቓወምቲ ሱዳን፡ ብፍላይ ናይ ጆን ገርንግ፡ ሓዝዎም እንተበልናዮም ዓቕሚ የብልናን ኢሎምና። ንሕና ድማ ብማሕበረሰብ ዓለም ከይንፍለጥን ከይንኹነንን፡ ብዘይካ ምርሻኖም ካልእ መተካእታ ስለዘይረኸብና፡ ረሺንናዮም" ኢሉ ይሕብረና። ካብ ኣባላት ሰራዊትና ገለ ተቓውሞ ናይቲ ተግባር ዘርኣዩ ነይሮም። ግን ታህዲድ ተገይሩሎም፡ ስቕ ኢሎም። ብወገን ተቓወምቲ ሱዳናውያን እውን ዝተራእየ ተቓውሞ ኣይነበረን።
ብተወሳኺ፡ ኮር 381 ብወገን ከሰላ ኣብቲ ጊዜ'ቲ መጥቃዕቲ ኣካይዱ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኢዩ። ግን ከምቲ ናትና መደበራት ሰራዊት ሱዳን ተቖጻጾሮም ኣይቀነዩሉን። ኣብኡ እተገብረ ጌጋታት እንተነይሩ ኣነ ነቲ ዝርዝሩ ኣይፈልጦን። ብወገንግንባርከሰላዝነበርኩም' ሓበረታ ክህልወኩም ይኽእል። ግንከ ሕሉፍሓሊፉ ዝተማረኹ መኮንናት (ዙባጥ) በንዚን ከስኪሶም ኣብ ኣጉዶ ብሓዊ ዘቃጸልዎም ርኢና ዝብሉ ስለ ዝሰማዕኩ፣ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ናይትግረ (በንዓምር) መበቆል ዘለዎምን ኤርትራ ኣይንወግእን ብምባል ካብ ሰራዊት ሱዳን ዝሃደሙ 105 መንእሰያት'ውን በጅምላ መታን ምስጢር ህግደፍ ከይቃላዕ ኣብ ክልተጋህሲ ከም ዝተረሸኑ እትፈልጡ ከም ዘሎኹም ይስማዕ ነይሩ። ብዘይ ገበን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዝተረሸኑ ብዙሓት መንእሰያትዝርኣና ምዓስ ኢና ክንዛረበሉ? ...ካልእ ዝተገብረ ቆጺርካ ዘይውዳእ ነውሪ ተሸኪምካን ሓቢእካን ምኻድ ምእንቲ ምንታይ? ምእንቲ ፍትሒ ክነግስን ሓዲሽ መድረኽ ክእቶን፡ ክንዲ ተሸከምቲ ነውርን ሰተርቲ ገበንን እንኸውን፣ ጥዋፍ ብርሃን ሓቂን ምውላዕ ንቀዳደም ክብል እፈቱ።
እቲ ብሸነኽ ኮር 271 ዝጠቐስኩዎ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝተፈጸመ ካብ ናይ ህግደፍ ኣስካሕካሒ ግፍዒታት ሓደ ኢዩ። ብወገነይ ድቃስ ዝኸልኣኒ ጉዳይ ኰይኑ ይነብር ኣሎ። ሕጂ ብሓልዮት ሕቡራት መንግስታት ዝቖመ መርማሪ ኮሚሽን ብዛዕባ እተፈጸበ ጸረ-ሰብኣውነት ህግደፍ ናይ መወዳእታ ርእይትኡ ክህብ ምዃኑ ምስ ሰማዕኩ፡ እዚ እውን ከም ኣገዳሲ ሓበሬታ ይኸውን ብማለት ኣዝርግሖ ኣለኹ። ደጊመ ክብሎ ከኣ፡- ከማይ ነዚ ዝፈልጡ፡ ወይ ዝወዓልዎ ሕጂ ግን ዘሕምሞም ከም ዘለዉ ይርድኣኒ እዩ። ኣነን ኩልና እቶም እንፈልጥን ኣብ ቅድሚት ወጺእና፡ ዋላ’ውን ብዘይቅሉዕ መንገዲ: ምስክርነትና ክንህብ ቅሩባት ክንከውን ተስፋ እገብር። ብወገነይ፡ ድማ ቅሩብነተይ አረጋግጽ። ኣውራ ድማ መርማሪ ኮምሽን፡ ካብ ወዲ ተኸስተ ጀሚሩ ናብ ላዕሊ ዘብጽሖ መርመራታት ከካይድ እምሕጸን።
ሓደ መዓልቲ ገበነኛታት ክተሓዙ ሃገርና ድማ ክሓልፈላ ካብ ዝምነ
ሓደ ኤርትራዊ ሓውኹም
ጻውዒት ብስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ www.eysc.net
Friday, 04 March 2016 11:10 Written by Eritrean Youth Solidarity for Change (EYSC) ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ www.eysc.net
ሰላምታና ብምቕዳም
ኩላትና ከም እንፈልጦ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ድሮ ጽምብል መበል 25 ዓመት ብሩራዊ እዮቤል መዓልቲ ናጽነት እያ ትርከብ። እዚ ብረዚን ዋጋ ዝተረኽበ ናጽነት መጻወቲ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውልቀ መላኽን መጋበርያታቱን ካብ ዝኸውን ርብዒ ዘመን ኣቑጺሩ ንረኽቦ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ክውን ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ምስሊ ኤርትራ ዘይመልክዑ ንምትሓዝ ነዚ ክቡር ዕለት ናብ ፕሮፖጋንዲዊ ሃልክታቱ ከውዕሎ ምሽብሻባት ኣብ ምግባር ይርከብ። ተደናገጽትን ደገፍትን እቲ ስርዓት እውን ንህግደፋዊ ምስሉይ ተንኮላት ንምዕዋት ኩሉ መዲያዊ ምድላዋትን ምቅርራብን ኣብ ምግባር ይርከቡ።
ንሕና ደለይቲ ፍትሕን ዯሞክራስን ዝኾንና ፖለቲካውያን ውድባት፡ በርጌሳውያን ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ነዚ ስርዓት ህግደፍ ወጢንዎ ዘሎ ዘመተ ብሓባርን ብሓደ ናዕታን ክንገጥሞን ከነፍሽሎን አዋናዊ ጠለብ ኣሎና። ነዚ ወፍሪ ፍሽለት ስርዓት ህግደፍ ዕውት ንምግባርን፣ ሞራልን ፍናንን ቃልሲ ህዝብና ንምብራኽን "25 ዓመት ናጽነት፡ ብዘይ ህዝባዊ ሓርነት" ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኩላትና ክንጥርነፍን ናይ ሓባር መኸተ ከነካይድን ሃገራውን ህዝባውን ጻውዒትና ምስ ኣኽብሮት ነቕርበልኩም። እዚ ሓሳብ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ክፉት ኮይኑ ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ሓሳቡ ከፍስሰሉ ርእይትኡ ክህበሉ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ክውንኖን ከዕውቶን እምነትና እዩ።
ዕላዊ ዕለት ምጅማር እዚ ጎስጓስ (campaign) ሰኑይ 14 መጋቢት 2016 ዓም ኮይኑ፥ ብዛዕባ እዚ ውጥን ንምዝርራብን ንምምኻርን ዝዓለመ ኣኼባ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክዲሎ መደብ ተታሒዙ ስለዘሎ፥ ናብቲ ኣኼባ ዝሳተፍ ሰብ ከተዲልውን ተሳትፎኹም ከተረጋግጹን ኣቐዲምና ንሕብር። ንሰንበት ዕለታ 06 መጋቢት ከምኡ'ውን ሰንበት 13 መጋቢት ኣኼባ ክግበር ተወጢኑ ምህላውን፡ ሰዓትን ኣገባብ ኣኼባን ኣብ ዝሓጸረ አዋን ክንሕብር ምኻንና ነረጋግጸልኩም። ብዘሎ ጽበት ጊዜን ተዛማዲ ሰፊሕ መደብን መልስታትኩም ኣብ ዝሓጸረ መዓልታት ክትሰደልና ብትሕትና ንምሕጸን።
ዓወት ንደላይ ለውጢ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!!
ዮናስ ሓጎስ ኣቦ መንበር (EYSC)
ኣብ ሓደ ውሱን ጂኦግራፊካዊ ክሊ ዝነብር ህዝቢ፡ መበቆሉ ብዘየገድስ ምሉእ እንታይነቱን መንነቱን በቲ ዝነብሮ መሬትን ዘለዎ ዶብን ኣረጋጊጹ ማለት ኢዩ። እዚ መንነት እዚ ዘይፈሓቚን ዘይልውጥን ኮይኑ ናይ ሓባር ሃገር ንዝውንን ህዝቢ መለለይኡ ማለት ኢዩ።
እዚ መንነት እዚ ንኹሉ ኣብታ ናይ ሓባር ሃገር ዝነብር ሕብረተሰብ፡ እቲ ዘለዎ ዝተፈላለየ ልምዲ፡ ባህልን እምነትን ዓቂቡ ተሓቛቚፉ፥ በታ፡ ናይ ሓባር ረቛሒት ሃገር ኣቢሉ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ምዃኑ እዩ ዝእምት። ከመይሲ ሃገር ዘይትከፋፈልን ዘይትቆራረስን ስለዝኾነት። እቲ መንነት ከኣ ክምኡ ዘይጎዛዘ ብምዃኑ ኢዩ እቲ ሓደ ልብን ሓደ ህዝብን ዘብል። እዚ ብመልክዕ ፍልልያት እምነት፥ ኣውራጃ፥ ዓሌትን፥ ብሄርነትን ተመርኲስካ ዝግለጽ ኣይኮነን። ህላወ እዚ ፍልልያት ግና ዝከሓድ ይኮነን።
ሓንቲ ፖለቲካዊት ሃገር ብዝኾነ መልክዕ ትመሓደር፡ እቲ ምምሕዳር ንሃገራዊ መንነት ዘይምልከትን ሓደ ህዝብን ሓደ ልብን ዘየብል ምኽንያት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሃገራዊ መንነት ናይቲ ኩሉ ኣብታ ሃገር ዝነብር ሕብረተሰብ ቀንዲ መለለዪ፡ መራኸብን መተኣሳሰርን ስለ ዝኾነ። እቲ መንነት ዝሕይለሉ ብማዕረ’ቲ ኣብ ሃገራውነት ዘሎ እምነት ከኽውን ከሎ፡ እቲ መንነት ዝዳኸመሉ ከኣ፡ ሃገራውነት ተረሲዑ፡ ኣብ ብሄር፡ ኣውራጃ ወይ እምነት ክመቓቐል እንከሎ እዩ። ስለዚ ኣብ ሃገራዊ መንነት፡ ናይ ሃይማኖት ይኹን ቤሄርነት ወይ ኣውራጃውነት መምዘኒ ከም ቀዳማይ መለክዒ ናይ ሃገራውነት መለለዪ ክውሰድ ኣይግባእን። እዚ ማለት ግና ከምቲ ህግደፍ ክገብሮ ዝፍትን፡ እቲ ኣብ ጽላል ሃገራውነት ዘሎ ፍልልይ ክከሓድ ኣለዎ ማለት ኣይኮነን።
መንነት ብደረጃ ብሄራውን ኣውራጃውን እምነት ጥራይ እንተ ተወሲዱ ግና፡ እቲ ሓደ ልብን ሓደ ህዝብን ዝብል ኣምር ስለ ዝሽርመም እቲ ሃገራዊ ስምዒትን ሃገራዊ ውህደትን’ውን ብኣኡ መጠን ፈርከሽከሽ ይብልን ይደክምን’ሞ እታ ሃገር ከም ሃገር ክትቀውም የጸግም። ምልካዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ወገናት እምበኣር እዚ ሃገራዊ ውህደት ከም ዝዳኸም እዮም ዝሰርሑ። ሓደ ካብኡ ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ ከም ዘይተኣማመን ብምግባር ይግለጽ። እዞም ሎሚ ነቲ ሰውራ ከም ናይ ሸፋቱ ተግባር እናበልካ ኣብ ምግላጽ ዓንገረር ዝብሉ ዘለዉ ሸነኻት’ውን ነዚ እዮም ዘራጉዱ።
ሃገራዊ መንነት እምበኣር ምስ ሓደ ፍሉይ ምምሕዳር ዝተኣሳሰር ዘይኮነስ፡ ወጻኢ ካብቲ ምምሕዳር ዝረአ ኢዩ። እዚ ማለት ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር እንተኾነ መንነት ኣሎ፥ ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር እንተዘይኮነ ከኣ ሃገራዊ መንነት የልቦን ኣብ ዝብል ኣምር ክእቶ ኣይግባእን። ንኣብነት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጣልያን፥ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እንግሊዝ፥ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትይጵያ ኣብ ዝነበረትሉ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ መንነቱ ስለ ዘየጥፈአ ኢዩ ንሃገራዊ ነጻነቱ ተቓሊሱ ዝተዓወተ። በዚ ምኽንያት እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ እንታይ ዓይነት ስርዓት ትመሓደር ኣላ ብዝየገድስ እቲ ሃገራዊ መንነት ክዕቀብ ዘለዎ ኢዩ። ወጻዒ ስርዓት ስለ ዘሎ ሃገራዊ መንነት ይሕከኽ ወይ ይድምሰስ ማለት ኣይኮነን።
ልክዕ ኢዩ እቲ ኣብ ሓንቲ ሃገር ንመንነት ብመልክዕ ብሄራዊ ይኹን ኣውራጃ ወይ ብእምነት ጥራይ እንተ ተመዚኑ ኣብ መንጎ ነንሓድሕዱ ጐንጺ ከም ዘሎ ዘመልክት ወይ እውን ንምዕብላል ዝዕድም ኢዩ ። እዚ ከኣ ነቲ ሃገራዊ ውህደት ወይ ስጥመት ኢዩ ዘህስስ። ሃገራዊ መንነት በዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ እንተ ተመዚኑ ነቲ ሃገራዊ ውህደት የላሕሊሖ እሞ ንሃገራዊ ሕቶ ኣብ ምምላስ የጸግም።
ስለዚ እቲ ሃገራዊ መንነት ውሕስነት ንሃገራዊ ውህደት ኮይኑ፡ ሃገራዊ ሕቶ ንምምላስ ከብቀዓና ይኽእል። ምኽንያቱ ሃገራዊ ሕቶ ንዘሎ ጸገማት ቅኑዕ ፍታሕን፥ ምዝመዛ ይኹን ወጽዓ ሓደ ኣብ ልዕሊ ካልእ ብሄር፥ ኣውራጃ ወይ እምነት ዘውግድን ኢዩ። እዚ ከኣ ምስቲ ሃገራዊ መንነት ደኣ ኢዩ ዝተኣሳሰር እምበር ምስ ትሕተ-ሃገራውነት ዝኾነ ኣይኮነን ዝተኣሳሰር።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት በሓትን መላኽን ስርዓት ምዃኑ ንኹልና ብሩህ ኢዩ። እዚ ስርዓት እዚ ንዝኾነይኹን ብሄር፡ ሃማኖት ወይ ኣውራጃ ዝውክል ከም ዘይኮነ ከኣ ብባህሪ ምልኩ ርዱእ ኢዩ። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ነዚ ምልኪ’ዚ ንምልጋስ ክህልወና ዝኽእል ኣተሓሳስባ ብመልክዕ ሃገር ደኣ እምበር ብመልክዕ ብሄር፡ እምነት ወይ ኣውራጃ መዚንና ሃገራዊ መንነትና፡ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ካብ ምዃን ክዓግተና እይግባእን። ከመይሲ ፖሊቲካዊ፡ ሃይማኖታውን ብሄራውን ቅልውላው ዘይብላ ሃገር ክንምስርት እንተኾይኑ፥ ኣብ ሃገራዊ መንነትና ተመርኰስና ንሃገራዊ ወህደትና ብዘደልድል ኣገባብ ሃገራዊ ሕቶ ክንምልስ ክንበቅዕ ይግባእ።
ድራር ማንታይ
ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዛ ቀዳመይቲ ብስራት ዝኾነት ስርሒት ፈንቅል ምብዓሉን፡ ድሮ ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ነጻነት ሃገሩ ከብዕል ኣብ ምሽብሻብ ምብቅዑን፡ ዮሃና ዝግብኦ ክቡር ህዝቢ እዩ። ምኽንያቱ እዚ በዓል እዚ፡ ውጽኢት ናይቲ ንምዕዋት ቃልስና ዝተወጠነ ውግእ ተጎርባ ጀሚሩ፡ በብደረጅኡ ዝዓበየን ዝተዋህለለን ክቡር መስዋእቲ ብሉጻት ደቁን ሓጺናዊ ጽንዓቱን ስለ ዝኾነ።
ነጻነትና ኣብ እነብዕለሉ ኣጋጣሚታት፡ ኣብኡ ንምብጻሕ ዝሓለፍናዮ ጽንኩር መሰናኽላትን ዝኸፈልናዮ መስዋእትን ዝተፈጸመ ታሪኽ ዝምስክሮ ጅግንነትን ቅያታትን፡ ዓለም ብምልእታ ወረቐት ውቅያኖሳት ከኣ ቀለም እንተዝኾኑ ኣይምኣኸሉናን ምባል ምግናን ኣይኮነን። እዚ ማለት ግና ኣይግለጽን ኣሎ ዘይኮነስ እኹልን ዝተማልአን ኣይኮነን ንምባል እዩ።
ታሪኽ ጐሊምካ ዘዝመረጽካዮ ጥራሕ ምግላጽ፡ ነቲ ክህቦ ዝግብኦ መልእኽቲ ስለ ዘየመሓላልፍ፡ ንርዝነት እቲ ፍጻመ ብኣሉታ ዝጸሉ እዩ ዝኸውን። ብዘይክኡ ነጻነት ረኺብካ ምብዓል፡ ካብ ነጻነት ዝርከብ ፍትሓውን ምዕሩይ ሂወትን መሰል ኩሉ ዜጋ ተሓልዩ ንክነብር ዘጠቓለለ ኣምር እዩ። ስለዚ ነጻነት ህያብ ስዉኣትና ንህሉዋት ከም ምዃና መጠን፡ ህሉዋት ክዕቅቡዋን ክሕልዉዋን ከም ዝግባእ ኣስተምህሮ ዘየድልዮ ርዱእ ጉዳይ እዩ። ብኣንጻሩ ነጻነት ንኩሎም ዜጋታት ሃገር ብዝተማልአን ብዘይኣድልዎን ሓቚፉ፡ ምሉእ መሰረታዊ ጠለባት እናረኸበ ብሰላም ክነብር ከይብደል ከይብድል ዝድርት ሕጋዊ ስነምግባር ከተውሕስን ክትጣበቕን ይግባእ። እዚ ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ኩነታት እቶም ሕድሪ ክትግብሩ ዝግበኦም ህሉዋት፡ ክነብሩሉ ዝኽእሉ ናይ መጻኢ ዕድሎም ስለ ዝጽልምት፡ ሃገሮም ጠንጢኖም ኣብ ዘይተጸንዐ ሓደገኛ ጉዕዞ ስደት ከምርሑ ይግደዱ ጥራሕ ዘይኮነስ ብተግባር ዝርአ ዘሎ ሓቂ እዩ። ብወገን ፍትሓዊ ምሕደራ ብዝምልከት፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ነጻነት ዝነብር ህዝቢ መሰሉ ተሓልዩ ክነብር ግዴታን ሓላፍነትን ናይቲ ሃገር ዝመርሕ ስርዓት ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን።
እዚ ኣብ ዝበኾረሉ እዋን፡ ህዝቢ ብምሉኡ ካብ ነጻነቱ ክረኽቦ ዝግባእ ጸጋ ብዘይምርካቡ፡ ከማርር ወይ ከይሕጐስ ግድን እዩ። ንከምዚ ዝኣመሰለ ዘይምዕሩይ መሰናኽላት ሸፊንካ ዝዳሎ በዓላት ነጻነት፡ ምእንቲ ክብሪ ሰንደቕ ዕላምኦም ንዝወደቑ ጀጋኑን ፈላልዩ ብምርኣይን ልቢ ብምዕባይን ቀዳምነት ሂቡ ከኽብሮም ደኣ እምበር፡ ማዕረ‘ቲ እተጸበዮ ግቡእ ውጽኢት ስለ ዝረኸበ ኣይኮነን። ብፍላይ ንነጻነት ዝተቓለሱ ጅጋኑ ነጻነት ስኢኖም፡ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ማእሰርቲ ብዘይ ፍትሓዊ ብይን እናተሳቐዩ፡ ሕጉስ ኮይንካ ብምስታፍ ከምቲ ዝድለ ክትድብልን ክትዘልልን ሕልና ፍትሓውያን ዝቕበሎ ኣይኮነን።
መልእኽቲ ስርሒት ፈንቅልን ዝመጽእ ዘሎ በዓል ብሩራዊ ኢዮበልዩን እምበኣር፥ ንነጻነት በዓላ ብግቡእ ካብ ምብዓል ጅሚርካ ክሳብ ምዕቃባን ምሕላዋን ልዑል ሓላፍነት ህሉዋት እዩ። ነቶም ጐዲሎም ዘለዉን ንህይወት ህዝብና ዝርምሱን ንምምላእ፡ ብዓማጺ ፖሊሲ እናተመርሐ ኣብ ሃገርና ዕንወትን ጥፍኣትን ዘውርድ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ንምቕያር ከኣ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም እዩ። ብዘይካዚ ኣብ ዑናታት እዚ ምልካዊ ብቕዋም ዝምራሕን ወጻዕን ተወጻዕን ዘይብሉ ወዲ-ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ምዃኑ ኣሚኑ ዝመርሕ፡ ህዝቢ ዝመረጾን ዝቆጻጸሮን ስርዓት ንምትካል ሕድሪ ስዉኣት ንምፍጻም ቃልና ከነሐድስ ይግበኣና።
ብዓንደጽዮን ግርማይ
ጀርመን
3 መጋቢት 2016
ዕድመ ንበዓል 8 መጋቢት ኣህጉራዊት መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ
Wednesday, 02 March 2016 23:49 Written by ኣዳለውቲ ሽማግለ በዓል 8 መጋቢት 2016
ተበግሶ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራን መርበብ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ከምኡወን ንሰፊሕ ጠርናፌ ደቂ-ኣንስትዮ ዝቃለሳ ውልቀ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ብምትሕብባር ንሸሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊት መዓልቲ ኣብ ዕለት 12.03.2016 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ከነብዕል ሰለዝኾና ንኹሉ ደላይ ፍትሕን ማዕርነትን ንዕድም::
ኣብ ትሕ ቲ “ንመሰልና ኣሎና ባዕልና„ !!!ኢልና ነዳልዎ ዘሎና በዓል 8 መጋቢት:
1, ንደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ተጠርኒፍና ንኸይንቃለስ ዝዕንቅፉና ዘለው ምኽንያታት እንታይ እዮም?
2,ሰፊሕን ድልዱልን ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራኸ ብኸመይ ክንምስርት ንኸእል? ኣብ ዝብል ነጥብታት ክንምያየጥ ክንዘራረብና ምኻና እዳሐበርና ንሰፊሕ ተሳትፎ ደጊምና ብኽብሪ ንዕድም::
ቦታ በዓል
Saalbau Nied
Heinrich Stahl Str. 3
65934 Frankfurt - Nied
ዕለት፡ 12.03,2016
ሰዓት፡ 15፡00-22፡00
ብድሐን ምጽኣ/ምጽኡ
ኣዳለውቲ ሽማግለ በዓል 8 መጋቢት 2016
ቀ/ሚ ነበር መለስ ዜናዊ ብዛዕባ ሓድነት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበሮም እምነት ብኣባሃህላ ኣምባሳደር ዴቪድ ሽን
Saturday, 27 February 2016 13:58 Written by ፈነወ ድምጺ ኣመሪካ መደብ ትግርኛ
ቅድሚ ኣስታት ዕስራ ዓመታት ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዝነበሩ መለስ ዜናዊ ‘ሓደ መዓልቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክሓብራ’የን’ ከምዝበልዎም ኣብ’ቲ እዋን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ዴቪድ ሽን ገሊፆም።
‘ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ነዚ ኣባሃህላ’ዚ ደጋጊሞም ከምዝጠቀሱሎም ዝዝክሩ ኣምባሳደር ዴቪድ ሺን፣ እዋኑ ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ካብ 1996 - 99 ኣብ ዝነበረ እዋን’ዩ በሉ።
እቲ ክላዓል ዝኽእል ባህርያዊ ሕቶ ግና እዚ ቀ/ሚ ዝነበሩ መለስ ዜናዊ ኢሎምኒ ዝበልዎ ኣባሃህላ፣ እምነት ኣቶ መለስ ዜናዊ ድዩ ወይስ እምነትን ሚስጢራዊ መደብን ኢህወዴግ? ዝብል’ዩ ኢልናዮም ‘እቲ ኣባሃህላ’ቲ እምነት ናይ ገዛእ ርእሶም ይኹን ናይ ኢህወዴግ ኣይገለፁለይን ‘ኢሎም ንሶም።
‘ቀዳማይ ክፍለጥ ዘለዎ ናይ ገዛእ ርእሰይ ሪኢቶ ዘይምሃበይ’ዩ። ኣብ’ቲ ኢሳት ዘዳለዎ መድረኽ ዝበልኩዎ ነገር ቅድሚ ኣስታት ዕስራ ዓመት ዝሰማዕኩዎ’ዩ። ካብኡ ዝሓለፈ ዝበልኩዎ ኣይነበረን። ሓድነት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝትግበረሉ መንገዲ ሽዑ ስለዘይነበረ ኣደንፂዩኒ’ውን’ዩ። ኣባሃህለኦም፣ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዝኸውን’ዩ ይብሉ ከምዝነበረ ኮይኑ’ዩ ሽዑ ተሰሚዑኒ። ስለዚ ናተይ እምነት ካብ’ቲ ዝተባሃለ ፈላሊኻ ምርኣይ ኣገዳሲ’ዩ’ ኢሎም።
እንተኾነ ኣብ ልዕሊ’ቲ ጉዳይ ናይ ገዛእ ውልቆም ሪኢቶ እንታይ’ዩ? ተባሂሎም ‘እንታይ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ሪኢቶ ክህብ ኣይቦታይን። እንታይ ክኸውን ይኽእል? ኣብ ዝብል ግና እቲ ዘሎ ተስፋ ኣዝዩ ዝተሓተን፣ ኣብ ርሑቅ ጊዜ’ውን እንተኾነ ሓድነት ኢትዮጵያን ኤርትራን ክመፅእ’ዩ ኢልካ ዘይሕሰብ’ዩ’ ኢሎም።
ቀዳሞት ወለድና ካብ ሓሳውን ሰራቕንሲ ኣየናዮም ከም ዝሓይሽ ክገልጹ ከለዉ፥ ካብ ሓሳውስ ሰራቒ ይሓይሽ ኢዮም ዝብሉ ነይሮም። ምኽንያቱ ከኣ ሓሳዊ የጣፍእ’ዩ ኢዮም ዝብሉ። ሓሳዊ ዝጥቀመሎም መሳርሒታት፥ ሕሜት፡ ጠቐነ፡ ጸለመ፡ ውንጀላ፡ ሸፈጥ ... ወዘተ ኢዮም። ስለዚ ሓሳዊ ኩሉ ግዜ መበኣሲ እምበር መተዓራቒ ሓሳብ ኣየምጽእን እዩ።
ሎሚ ሎሚ ብዝያዳ ኣብ ስደት እንርከበሉ ዘሎና ግዜ እቲ ኣሳንዩ ዘንብረና ዝነበረ ክቡር ባህልና ዳርጋ ዘሊቑ ኢዩ እንተተባህለ ሓሶት ኣይኮነን። ኣተሃላልዋና ከም ዝወጸዓና ከኣ ርዱእ ኢዩ። ምኽንያቱ ከምቲ ዘሎኻዮ ሃገር ክትከውን ዘገድድ ኩነት ስለ ዘሎ።
እዚ ግን ዋላ’ኳ ኣብ ዓዲ ጓና እንተነበርና ሓሶት ክነዘውትር ዝተፈቕደልና ኣይኮነን። እቲ ነጥቢ ንሓሶት ዝተዛረበ በየናይ መንገዲ ከም ትተሓሓዞ ዝድርት ኣገባብ ስለ ዘየለ መልሓስና ዝሃበና ዱድ ክንብል ንርከብ ንምባልዩ።
ወዲ ሰብ ብባህሪኡ ሓደ ከምዘይኮነ ንኹልና ብሩህ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ስነ-ምግባርን ስነስርዓትን ሓሊኻ ምኻድ ከም ባህልን ኣካል ናይ ዕለታዊ መነባብሮናን ገርና ክንወስዶ ዘይምኽኣልና ኢዩ እቲ ዝዓበየ ጸገም።
እዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ መሳርሒ ሓሶት ከኣ ኣብ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ባህላውን ኩነታትና ብምዝውታር ንዕወት ኮይኑ ዝስመዓና ኣይንሰኣንን ንኸውን። እቶም ነዚ ከም መሳርሒ ዝጥቀሙ ባእታታት ይኹኑ ዝኾነ እኩብ ሓይሊ፡ ልክዕ ከምታ ሓደ መላኺ ስርዓት ነቲ ንዕኡ ዝጻረር ዝበለ ብሓይሊ ዝጭፍልቖ፥ እዚ እውን ካብኡ ኣይፍለን እዩ። በዚ መንጽር ንሓሰውቲ ወሲኽካ ብዙሓት ናይ ምልኪ ኣተሓሳስባ ዝውኑኑ ኣለዉና ማለት ኢዩ።
ሓሶት ኩሉ ግዜ ገታኢ ግደ ዝጻወት እምበር ንቕድሚት ዘሰጉም ከም ዘይኮነ እናፈለጥና፡ ግን ኣብ ልዕሊ እቶም እንነጽጎም ወይ እውን ክነግልሎም እንደሊ በዚ ሓሶትን ጸለመን ኣቢልና ኢና ክንስዕሮም ዝብል እዩ ዝስዕርረናን ዘዕሽወናን ዘሎ። ኩልና እምበኣር ካብዚ ናይ ፈላልይን ኣቋናጻብን ሓሳብ ወጺእና ዲሞክራስን ፍትሕን ዝዕምብበሉ ግብራዊ መስርሕ ሓቂ ክንክተል ይግባኣና።
ብኸምዚ ናይ ሓሶትን ሸፈጥን ኣገባብን ዲሞክራሲያዊ ሓሳብ ክዕምብብ ይኹን ኣብ ስራሕ ክውዕል ፈጺሙ ዘይከኣል ኢዩ። ምኽንያቱ ዲሞክራሲ ኣብ ሓባራዊ፥ ኣብ ምርድዳእ፡ ኣብ ምትሕብባር፡ ኮታ ስኒትን ፍቕርን ዝዕድም እምበር ዘዋስን ወይ ከኣ ዝዕምጽ ኣይኮነን።
ስለዚ ኩልና ኣብ ለውጢ እንኣምን ዘበልና ብመንፈስ ኣግላልነት ይኹን ወይ ከኣ ብጸረ-ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ተጎቢጥና ወይ እውን መናፍቓን ኰንና ፍትሕን ሰላምን ከነንግስ ኣይንኽእልን ኢና። ብሓደ ወገን ነቲ ዓማጺ ስርዓትን ነቲ ለውጢ ዝደልን፥ ከምኡ እውን ነቶም ንለውጢ ዝቃለሱን ንዘሎ ዓማጺ ስነ-ሓሳብ ዝድግፉን ዘሎ ፍልልያት ኣነጺርና ክንፈልጥ ይግበኣና። እዚ ተዘይገርና ግና፡ ኣብ ጠቐነ፡ ሓሶት፡ ውንጀላን ኣግላልነትን ተመርኲስና ብዘይ መጽናዕቲ ፍርዲ ብምሃብ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክንተክል ማለት ዘበት ኢዩ።
ድራር መንታይ
