ጋዜጣዊ መግለጺ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ዋዕላ ናይሮቢ
Thursday, 14 April 2016 23:34 Written by ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢብውጽኢት ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ ዝቖመ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ካብ 1-3 ሚያዝያ 2016 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኼባኣኡ ኣካይዱ። ኣብ ምጅማር ኣኼባ፡ ኣቦ መንበርን ሓለፍቲ ጉጅለታት ዕማምን፡ ናይ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ ዕዮ ጸብጻብ ኣቕሪቦም። እቲ ኣኼባ ድማ፡ ናይ ትግባረ ዕማማት ወድዓዊ ገምጋም ብምክያድ፡ ዝሓለፈ መድረኽ፡ ብሳላ’ቲ ካብ ተሳተፍቲ ውድባት ዋዕላ ናይሮቢ ዝረኸቦ ደገፍን፡ ናይ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነትን፡ ብመላኡ ኣወንታውን፡ ኣፍራይን ምንባሩ፡ ኣስሚሩሉ። ኣብ ገምጋም ናይቲ ድሕሪ ዋዕላ ናይሮቢ ዝሰዓበ መድረኽ፡ ካብ ገለ ሸነኻት፡ ኣብ ተረድኦ ዋዕላ ናይሮቢን ዕማማቱን ዘይምርዳእ ወይ ምድንጋር ተፈጢሩ ምንባሩ ተመልኪቱ። እዚ ምድንጋር’ዚ ምናልባት መስርሕ ዋዕላ ናይሮቢን ምስንዳእ ካልኣይ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶን ናይ ግዜ ምትእትታው ብምንባሩ ይኸውን ብምባል ድማ ንምብራህ ዝኣክል
1. ዝተፈላለያ ፖሊቲካዊ ውድባት ዝተሳተፍኦ ዋዕላ ናይሮቢ፡ ንህልዊ ኩነታት ኤርትራን ንመጻእን ዝጠመተ፡ ሓባራዊ ፖሊቲካዊ ራእይ ንምስራጽ ዝዓለመ ምይይጥ ንምክያድ ዝተገብረ ምምኻራዊ ርኽክብ ምንባሩ፣
2. ዕማም ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ድማ በቲ ዝተዋህቦ ሓላፍነት መሰረት፡ ነቶም ኣብ ዋዕላ ናይሮቢ ዝወዓሉን ዘይወዓሉን ፖሊቲካዊ ውድባት፡ ናብ ኩሉ ሓቆፍ ምምኻራዊ ዋዕላ ንምምጻእ ደኣምበር፡ መተካእታ ሃገራዊ ባይቶ፡ ኪዳን፡ ወይ ካልእ ምሕዝነታዊ ውደባታት ንምስንዳእ ከም ዘይኰነ፡ በዚ መሰረት’ ውን ዕማማቱ ምስ ዕማማት ምስንዳእ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ከም ዘይጋጮ ኣረጋጊጹ።
ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ካብ ዘቐመጦ ገምጋም ብምብጋስ ካብ ዕለት ኣኼባኡ ክሳብ’ቲ ኣብ ካልኣይ ክፍላ ወርሒ ነሓሰ 2016 ክጋባእ ተወጢኑ ዘሎ ካልኣይ ኩሉ ሓቆፍ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይ ዘሎ ግዜ መደባት ዕዮ ኣጽዲቑ። ነዚ ብዝምልከት ድማ እቲ ምምኻራዊ ዋዕላ ከመያየጠሎም ዘለዎ ኣጀንዳታት መሰረት ብምግባር፡ ንድፊ ሰነዳት ናይ ምድላው መደብ ሰሪዑ ኣሎ። ንሳቶም ከኣ ናይ ሃገራውያን ውድባት ተቓውሞ ንድፊ ሓባራዊ ራእይ፡ ምልካዊ ስርዓት ንምውዳቕ ዘኽእል ኣገባብ ቃልሲ ምንጻርን፡ ናይ መጻኢ መድረኽ ምስግጋር ንድፊ ሓባራዊ ርእይቶ ምቕራብን እዮም። ነዞም ንድፍታት ንምድላው ከም መወከሲ ዝጥቀመሎም ድማ፡ ሰነዳት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት ሰነዳት ሓይልታት ተቓውሞን ክኾኑ እዮም። ከምኡ’ውን ጠንቂ ሽግራት ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ንምልላይን፡ ነዚ ዓቢ ዕማም’ዚ ንምስልሳልን፡ ብኣፍልጦን፡ ተመክሮን ናይ ዘለዎም ፈሊጣውያን ኤርትራውያን ዝቖመት ፍልይቲ ሽማግለ መዚዙ፣ ዕማማታ ንምስልሳል ዝሕግዙ ሰነዳት ክኣ ክቕርብ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ወሲኑ።
ኣኼባታት ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ውድባት ኤርትራ ዝተኻየደ ኣገደስቲ ርክባት ዘሰነዮ እውን ነይሩ። እቲ ርክባት ንኹሎም ውድባት ብዛዕባ ንጥፈታቱን ብመሰረ’ቲ ካብ ዋዕላ ናይሮቢ ዝተሰከሞ ሓላፍነት ዘካየዶም ዕማማትን ንምብራህ፡ ናይ መጻኢ መደባት ንምሕባርን ተሓባባርነቶም ንምሕታትን ነበረ። ኣብ ዋዕላ ናይሮቢ እተሳተፉ ውድባት፡ ድሕሪ ኣገደስቲ ምይይጥ፡ ግዜያዊ ኣካል ዕማማቱ ንምስልሳል ዘኽእሎ ምትሕብባር ከም ዘበርክቱ ኣረጋጊጾም።
መሪሕነት መድረኽን ኣባላት ግዝያዊ ኣካል ርኽክብን ምስ’ቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ዋዕላ ናይሮቢ ዘይተሳተፉ 6 ውድባትን ከምኡ’ውን ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ኣገዳሲ ርክባት ብምክያድ ሃናጺ ልዝብ ገይሮም። እዞም ዝተጠቕሱ ሓይልታት ንክተሓባበሩ ድሉዋት ምዃኖምን ናብ’ቲ ትጽቢት ተነቢሩሉ ዘሎ ኩሉ ሓቆፍ ምምኻራዊ ዋዕላ ከም ዝሳተፉን ኣረጋጊጾም።
ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ኣብ ምዝዛም ኣኼባታቱ፡ ንኹሎም’ቶም፡ ዕማማቱ ኣብ ምስልሳል ዘተባብዑን ብሓሳብ ኰነ ብግብሪ ዝተሓባበሩን፡ ምስጋናኡ እናቕረበ፡ ብፍላይ ነቶም ነዚ ኣኼባ’ዚ ብዓወት ንኽዛዘም ዘበርከቱ ዕዙዝ ምስጋናኡ ኣመዝጊቡ።
ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ
4 ሚያዝያ 2016
ብመኽንያት ብሰንበት ዕለት 3 ምያዝያ ዝተፈጸመ ባርባርዊ ቅዝፈት መንእሰያትን ከምኡውን ሕጻናት ቆሉዕን ኣደታትን ናይ ዝኽሪ መዓልቲ ንቀዳም ዕለት 16.04.2016 ካብ ሰዓት 17:00 ክሳብ ሰዓት 19:00 ኣብ ሳልባው ኒድ በዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ኣድራሻ ክግበር ምኻኑ ንሕብር።
SAALBAU Nied
Heinrich-Stahl-Straße 3
65934 Frankfurt am Main
ኩሉ በዚ ባርባራዊ ተግባራት ዝሓዝንን ብሃገሩ ዝሓምምን ኣብዚ ናይ ዘኽሪ መዓልቲ ብተገዳስነት ክሳተፍ ንላቦ።
ሓበራዊ ኣዳላዊት ሽማግለ ፍርንክፈርትን ከባቢኡን
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር
ምሕዝነት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ናይ ባህሊ ማሕበር ”ብኤርትራ ኣብ ልብና !!!” ዝተሰምየ ማሕበር ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ቆይሙ።
Tuesday, 12 April 2016 12:26 Written by ምሕዝነት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ናይ ባህሊ ማሕበርመሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣመርካ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ናይ ምሉእ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ
Tuesday, 12 April 2016 04:27 Written by Information Officeብሰንበት 10 ማዝያ 2016 መሪሕነት ዞባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርራ (ሰ,ዲ.ህ.ኤ) ሰሜን ኣመሪካ ምሉኣት ኣባላት ዝተሳተፍዎ ናይ ተለኮንፈረንስ ኣኼባ ኣካይዱ። ድሕሪ ታሕሳስ 2015 ዝተኻየደ ምርጫ መሪሕነት ዞባ ንመጀመርያ ግዜ እዩ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣኼባ ከካይዱ።
ኣኼባ ብዝለዓለ ሱታፌ ኣባኣት እዩ ተኻይዱ። ኣኼባ ብኣቦ ወንብር ሓው ቃልኣብ ክፍለጊዮርጊስ ተመሪሑ፣ ኣብዘን ዝስዕባ ኣጀንዳታት ከኣ ኣትኵሩ ብስፍሓትን ዑምቆትን ተመያይጡ፤
· ኣብ ሓጺር ዕድሚኡ መሪሕነት ዞባ ዘማልኦም ዕማማት
· ክፍልታት ዞባ ሓላፍነታተንን ዕማማታንን
· ናይ ጨንፈራት ግቡእን ሓላፍነተንን
· ትጽቢት ኣባላትን ምኽርን
ኣቦ ወንበር ዞባ ንዝተመዘዘ ነጥቢ ኣጀንዳ ተንቲኑ ድሕሪ ምግላጹ ሓለፍቲ ክፍልታት ድማ ብወገኖም ዕማማቶምን መምርሒታቶምን ንኣባል ኣላለዩ። ድሕርዚ እኹል ግዜ ንሕቶን መልስን ተዋህበ። ኣባላት ሓዳስ መሪሕነት ክሳብ ሕጂ እተርእዮ ዘላ ኣገባብ ኣሰርርሓን ኣተሓሕዛ ዕማማትን ድሕሪ ምንኣድ፡ ዘይሕለል ምትሕብባሮም ኣብ ጎድኖም ከምዘሎ ኣረጋገጽሎም።
መሪሕነት ዞባ ካብ እትምረጽ ጀሚራ ኣኼባታት ናይ መራሕቲ ጨናፍራትን ካልኦት ኣገደስቲ ዕማማትን ንጥፈታትን ተካይድ ከምዘላ ተመስኪሩ ኣሎ። ናይ ሽዱሽተ ወርሒ መደባት፡ ዞባ ጕባኤ ዘማእከለ፡ ኣውጺኣ ብዕቱብ ተታሒዛቶ ከምዘላ ተሓቢሩ። ኣኼባ ብመንፈስ ምርድዳእን ምክብባርን እዩ ተኻይዱ።
ምሕዝነት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ናይ ባህሊ ማሕበር ”ብኤርትራ ኣብ ልብና!!!” ዝተሰምየ ማሕበርኣብ ከተማ ዮተቦርግ ቆይሙ።
Monday, 11 April 2016 21:19 Written by ምሕዝነት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ናይ ባህሊ ማሕበርእቲ ብዕለት 23 ጥቅምቲ 2015 ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ሃገረ ሽወደን”ኤርትራ ኣብ ልብና !!! ”ዘርእስቱ ኣገዳሲ ሰሚናር ንኩሉም ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ምስ ስደተኛታት ዝሰርሑን መማህራን ብዘሕደሮ ጽልዋን፡ ሲዒቡ እውን ኣብ ናይ ሃገር ሽወደን ተለቪዝዮን ልክዕ ሓቀኛ ሃለዋት ሃገርና ስለ ዝተቃልሔ እንሆ ንቀጻልነቱ ብግዱሳት ሽወደናውያን ፈተውቲ ህዝብን ሃገረ ኤርትራን፡ ኤርትራውያንን ብሓባር ማሕበር ኣቊሞም፡ ዓመታዊ ጉባኤ ብዕለት 28/03/2016 ኣካይዶም ስሩዕ ንጥፈታቶም ከም ዝጀመሩ ነበስር። እዚ ምሕዝነት ሽወደናዊ ኤርትራዊ ናይ ባህሊ ማሕበር ብ ”ኤርትራ ኣብ ልብና!!!”ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ክብሪ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስያዊ ሕብረተሰብኣዊ ማዕርነትን ዉህደትን ዝሰረቱ እዩ። ኣርማን መለለይን ማሕበር ከኣ ሰንደቅ ዕላማ ሃገር ሽወደን ብቅርጺ ልቢ ኮይና ፡ ኣብ ማእከላ ከኣ ብሰማያዊት ሕብሪ ቅርጺ ኤርትራ ክኸውን ትርጉም ሓዘልን ዘኩርዕን ኣርማ ኮይኑሎም ብሙሉእ ድምጽን ጣቅዒትን ብደስታን ኣርጊኦምዎ። ቀጺሎም ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ከኣ ንዓመተ 2016-2017 እተማእክል ሽማገለ መንእሰያትን ሽወደናውያን ዝኣባላታ መሪጾምመስራቲ ጉባኤ ብዓወት ዛዚሞም።
በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ልወጢ ነቲ ብሰንበት ሚያዝያ 3 2016 ኣብ ሕንብርቲ ከተማ ኣስመራ ዘጋጠመ ባርባራዊ ቅዝፈት መንእሰያትና ዝተሰማዓና መሪር ሐዘን እናገለጽና ንቤተሰብ ግዳያት ጽንዓት ይሃብ ንብል። በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ስቃይ እቲ ኣብ ማእከል ስርዓት ህግደፍ ኾይኑ ሐሳረ መከርኡ ዝሪኢ ዘሎ ህዝብና ንከብቅዕን ኩሉቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝግበር ኣረሜናዊ ግፍዕታትን ካብ ምቅላዕን ምቁዋምን ሐንቲ ካሊእት’ውን ትኹን ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን። ስለዝኾነ ድማ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ኣረሜናዊ ፍጻሜ ሐዘና ንምግላጽ ጥራሕ ዘይኾነስ ንህዝብና መጸዋዕታና እነቕርበሉ ሰዓት እውን’ዩ።
ኦ- ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡
እዚ ሎሚ ኣጋጢምካ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜ መቀጸልታ ናይቶም ፍርቂ ኣካላቶም ኣብ በርካታት ኤርትራ ቀቢሮም ዝኣተዉ ሐርበኛታት ስንኩልላን ማይሓባር ዝተፍጸመ’ዩ። እዚ ፍጻሜ’ዚ መቀጸልታ ነቲ ንሱ ባዕሉ ብስዉር ዝወለዖ ወራር ዓደቦኦም ከይድፈር ጅግንነት ዝፍጸሙ ዋርሳይ ይከኣሎ ኣብ እስርቤት ዓዲ ኣቤቶ ብደ ርዘናት ዝፈጸሞ መቅዝፍቲ’ዩ ። ሎሚ ድማ ስጋብ ክንደይ ንጽንተትካ ተበጊሱ ምህላዉ የዓሪካ ክትፈልጦ መሬትካ’በር ንስካ ከምዘይ ተድልዮ ይነግረካ ምህላዉ ከተስተውዕል ይግባኣካ።እሞከደኣ ስቅታካ ክሳብ መኣስዩ። እዚ ሕሱም ኣረሜናዊ ስርዓት’ዚ ዳስ ሐዘን’በር ዳስ መርዓ ወይ ሓጎስ ክትተክል ዘይምነየልካ፡ ውሉዳትካ ካብ ቅድሚ ዓይንካ ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡን ኣደዳ ባሕርን ሸየጥቲ ደቂ-ሰባትን ክኾኑ ንስካ ድማ መዓልታዊ ተቀባሊ መርድእ ኾንካ ክትነብር፡ ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝትረፉ’ውን እንተኾነ ዕደመ ንእስነቶም ኣብ ዘይውዳእ ባርነት ቆሪኑ ጸልማት መጻኢ ሂወት ክሕልፉን ነዚ መሪርዎም እንተ ተቃወሙ ድማ ከምዚ ኣብ ቕድሚ ዓይንካ ዝረኣካዮ ብዘስካሕክሕ ኣረሜናዊ ግፍዒ ብጥይት ክቅለዉ ዝገብር ዘሎ ደመኛካ ሕሱር ስር ዓት ዓይንካ ከፊትካ ብትብዓት እትምክተሉ ሰዓት ሕጂዩ።
ውጽዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስቅታካ ከምዚ እንተ-ቀጺሉ ስቓይካ ክቅጽል ጥራሕ ዘይኾነስ ህላዌካ ከም ህዝቢ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱውን’ዩ። ውሉዳትካ ሲኢካ ከይኣክል ነታ ብፍርቂ ከብድኻ እናሓድርካ ተዓምጺጽካ እትሓድረላን መርድእ ወሉዳትካ ተዓጺኻ እትነብዓላን ጎጆካ ብዶዞራት ኣፍሪሱ ኣብ ኣሳሓይታን ንፋስን ተቃሊዕካ ኣደዳ ዘይፍወስ ሕማማትን ሞትን ክትቃላዕ ጌርካን ጌና’ውን ይቅጽል ኣሎ። እሞከዳኣ ኣብ ታሪኽ ናይ ዓለም ነባሪ ህዝቢ’በር ነባሪ ስርዓት ከምዘየለ፡ ቃልሲ ውጽዓት አንጻር ጨፍለቕቲ ስርዓታት ድማ ኩሉ ግዜ ከምዝዕወት ኣሚንካ ንመሰልካ እትለዓለሉ ግዜ ሎምን ሕጅን ጥራሕ’ዩሞ ንመሰልካን ክብርኻን ተለዓል።
መጸዋዕታ፣ ንደገፍትን ተደናግጽትን ስርዓት ህግደፍ፡
ስቃይን መክራን ፣ሞትን ብርሰትን ህዝብኹም እናራኣኩም ከምዘይ ራኣኩም፡ እናሰማዕኩም ከምዘይ ሰማዕኩም ንህዝብኹም ክትብድሉን ከተንብዑን ጸኒሕኩምን ገና’ውን አለኹም። እዚ ኣብ ታሪክ ህዝብኹም ዘይድምሰስ ኣበሳ በቲ ንሱኹም እታኣምንሉን እተሳስይዎን ስርዓት መንእሰያት የሕዋትኩም ክጸንቱ፡ ሃገር ክትበርስ፡ የዒንቲ ኣደታትኩም ብንብዓት ሓዘን ክዓውር ፡ ስንኩላን ሓርበኛታትኩም ብመንግስቶም ክርሸኑ ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ሐርበኛታት የሕዋትኩምን ኣያታትኩምን ኣብ እስርቤት ብዘይ ፍርዲ ክሞቱን ክሳቐዩን እናራኣኹም ብውሽጥኹም እቲ ሐቂ እናበልዓኩም ንግዚያዊ ረብሓኹም ክትብሉ ብህዝብን ሃገርን ትጻወቱ ምህላውኩም ተገንዚብኩም ኣብ ጎኒ ውጽዕ ህዝብኹም ደው ክትብሉን፤ ዝተረፈ ህዝብኹም ካብ መከራን ስቃይን ክድሕን፡ ነዚ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜ ተጠቂምኩም ነቲ ዓማጺ መንግስቲ ክትኩኑኑን መጸዋዕታ ካብ ውጹዕ ህዝብኹም ይቐርበልኩም ኣሎ።
እታ ክትጸንትን ክትበርስን ዓይንኩም ዓሚትኩም እተጥፍእዋ ዘለኹም ሃገር ምስየናይ ወሎዶ ክትነብሩላ ኢኹም ትሓልሙ ዘለኹም። ዘፍርን ዝወልድን መንእሰይ ንክጸንት ትፈርድዎ ከም ዘለኹም ይስቆረኩ’ድዩ። ስለዚ ነታ ሕጂ ብዋጋ ህዝብኹም እተውደኽድኹላ ዘለኩም ሃገር ጽባሕ ናይቶም ስቓይን መከራን ዘሕልፉ ዘለዉ ዜጋታት ደቃ ምካና ኣይትዘንግዑ። ሰለምንታይሲ ነባሪ ህዝቢ’በር ነባር ስርዓት ሰለዘየለ። እምባኣር ነዚ ሓቂ’ዚ ተረዲእኩም ናብ ልብኹም ተመሊስኩም ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝብኹም ክትስለፉ ዳግም ህጹጽ መጸዋዕታ ይቀርበልኩም ኣሎ።
እንቢ ንምልኪ!!
እወ ንልዕልና ሕጊ!!
በይ- ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
ሚያዝያ 7 2016

ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ኣብዚ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ኣስመራ ንዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ኣረሜናዊ ቅትለት ብትሪ ይኹንን። እዚ ፍጻመ እዚ መቐጸልታ ተግባራት ናይቲ ንኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት መወዳድርቲ ብዘይርከቦ ግፍዕን ጭቆናንን ረሚስዋ ዘሎ ኣረሜናዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሰያስ እዩ። ሎሚ'ውን ከምቲ ትማሊ እታ ንስንኩላን ተጋደልቲ ኣብ ማይሓባር፡ ንንጹሃት ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ዝረሽረሸት ኢድ ስርሓ ትቕጽል ኣላ። እዚ ስርዓት ንሕይወት ኤርትራውያን ዋላ ሓንቲ ፋዕራ ከምዘይብሉ ካልእ መርኣያ እዩ።
ዎ... ህዝቢ ኤርትራ! ክሳብ መዓስ ኣፍካ ተዓቢስካ ሱቕ ክትብል ኢኻ? ካብ ሞት ዕሸላት ደቕኻካ እንታይ ክመጸካ? ካብዚ ከርፋሕ ናብራ እንታይ ከይጎድለካ? ሃየ፡ ሎሚ ይኣክል ሞት፡ ይኣክል ምልኪ፡ ይኣክል ግፍዒ፡ ይኣክል ባርነት፡ ይኣክል ስደት እትብለሉ እዋን እዩ። ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ኣብ ሃገርካ ሓርነትካ ተገፊፉ፡ መሰልካ ተጋሂሱ፡ ህሉው ክነስኻ ትሕቲ ህሉዋት፡ ምዉት ከይትብሃል እተተንፍስ፡ እተደንግጽ ፍጥረት ኰንካ ኣሎኻ።
ዎ... ህዝቢ ኤርትራ! ሃየ ተበራበር። ነብስና ካብቲ ስዉር ናይ ኣእምሮ ባርነት ሓራ ኣውጺእና ነቲ ተመንዚዑ ዘሎ መሰልና ነምልስ። ኣብ ሃገርና ብሰላም ናይ ምንባር መሰል ካብ ካልኦት ክመጸና ኣይንጸበ። 'ካብ ሰብ ዝደሊ ከም ሳእኒ ይበሊ' ዝብል ምስላ ኣቦታት ዘኪርና፡ ካልኦት ክመርሑና ከይተጸበና ነፍሲወከፍና ኣነ፡ ንስኻ፡ ንስኺ ንመሰልና ደው ክንብል ይግባእ። ኩላትና መራሕቲ፡ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ንኹን።
እዚ እንተጌርና ጥራሕ ኢና እታ ንብህጋ ሰላም ዝዓሰላ፡ ህዝባ ብሰላም፡ ብኽብረት፡ ብስኒት ዝነብረላ ኤርትራ ክንርኢ እንኽእል።
ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!
ንስድራቤትን መቕርብን ግዳያት ጽንዓት ይሃብ!
ኤምዲሰመ
ፕሪቶርያ
06/04/2016

ኣብ መስርሕ ዕጥቓዊ ቃልስና፡ ነቲ ኣብ ፈቐዶ ቦታታት ምውጻእ ምእታው ዝኸልኣና ዝነበረ፡ ጨካን ሰራዊት ባዕዳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ንምድምሳስ፡ ኩሉ ዓይነት ብድሆታት ተጻዊርና ካብ ቓሮራ ክሳብ ራስዱሜራ ለይቲ ብጸልማት፡ ቐትሪ ብፅሓይ እናተጓዓዝና፡ ኣብ ዝጥዕመና ጊዜን ቦታን ኣጽኒዕና ከነጥቅዕ መተካእታ ዘይነበሮ ሓላፍነታዊ ግድነት‘ዩ ነይሩ። እዚ ኩሉ ድኻምን ጽምእን ዕርቓንን ጥሜትን ብምጽማም ዝተካየደ ዘዅርዕ ታሪካዊ ፍጻሜን መዘና ኣልቦ መስዋእቲ ክቡር ህዝብናን ኽኣ፡ ነዛ ንመበል 25 ዓመት ክብርቲ መዓልቲ ናጽነት ንምጭባጥ እምበር ንዝና ወይ ንተራ ዙረት ከምዘይነበረ ዘካትዕ ኣይኾነን።
እዚ ቅድሚ 2 ወርሒ ጀሚሩ፡ ክሳብ ሎሚ ብደቂ ዓዲ አናተመርሐ ጌና ዝቕጽል ዘሎ ጉዕዞ እግሪ ሽግ ሓርነት ድአኸ ዕላምኡ እንታይ ንበሎ? ነዚ ብዓል ብሩራዊ ኢዮበልዩ ክቡር ነጻነትና ዝያዳ ድምቀትን ርዝነትን ንምሃብ ዝዓለመ ዶ ይኸውን? ወይስ ነቲ ህዝብና ኣብ ልዕሊ ሃገሩን ነጻነቱን ዘለዎ ልዑል ክብርን ፍትወትን ብሓደ ወገን፡ በቲ ስዉአቱ ዘሰከምዎ ረዚን ሓላፍነትን ሕዽርን ክአ በቲ ካልእ ወገን መዝሚዙ፡ ህዝቢ ኣብ ጎድኒ መንግስቱ ከም ዘሎ ኣምሲሉ ብመራኸቢ ብዙሓን ንህዝቢ ዓለምን ኣብ ደገ ንዝነብሩ የወሃን ደቂ ሃገርን ብምግላጽ ከደናግርን ዕድመ ስልጣኑ ኣናዊሑ ህዝብና ንምጽናት ተውሳኺ ዕድል ንምርካብ ዝዓለመ እዩ?
እቲ ኣብ ክንዲ ካብ ጎቦ ኣዳል ካብ ከተማ ናቕፋ ክትብገስ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ከ እንታይ‘ዩ? ነዚ ዝምልከት መልሲ ቅድሚ ምሃብ ብዛዕባ ሽግ ሓርነት ገለ መእተዊ ምሃብ ሓጋዚ‘ ዩ። ሽግ ሓርነት፡ ሓዊ ትነድድ ቀንዴል ወይ ሆየ ትምሰል እምበር ኣድማሳዊት ናይ ሓርነት ብርሃን ዝብል ረዚን ትርጉም ዘሎዋ ሽግ ምዃና ኩልና ኤርትራውያን ዘይንፈላለየሉ ሓቂ ምኮነ።
ሽግ ሓርነት ኣብ‘ቲ ግቡእ ናይ ክብሪ ቦታኣ ተቐሚጣ ንኩሉ ኣብ ጽላላ ዝነብር ህዝቢ መሰሉ ተሓልዩ ብሰላም ክነብር ብመሎኮታዊ ናይ ፍትሒ ዓይኒ እናሓለወት ነብሱ ከምሓድርን ናብ ጉዕዞ ምዕብልና ክምርሽ ዋሕስነት ክትህቦ እምበር፡ ሎሚ ድሕሪ ርብዒ ዘመን ብዃደረ ተመሪሓን ብጓይላ ተስንያን ርባን ኩርባን ከርተት ክትብል ኣድላዪ ኣይምነበረን።
እቲ ምኽንያት ነዛ መበል 25 ዓመት ናጽነትና ፍሉይ ክብርን ድምቀትን ንምሃብ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ እንተኮይኑ፡ ህዝብና ድምጹ ሰሚዑን ትርግታ ልቡ ተረዲኡን ንተባልሓቲ ዓቕሙን ልቦንኡን ግቡእ ኣቓልቦ ሂቡ፡ ህይወቱ ቅሳነት ክመርሕ ዝክኽለሉ ዕድል ዘፍቅድ ስርዓት ረኺቡ ብምሉአ ዓቅሙ ኣብ ህንጻ ሓገሩን ምልዋጥ ናብርኡን ተዋፊሩ ብዝረኽቦ ጸጋ ነጽነትን ዝሓፍሶን ውጽኢን እዩ እምበር፣ ደርሆ ጻሕቲራ እተውጽኦ ሜላን መደናገሪ ምህዞታትንስ፣ ካብ ጽናነት ክሳብ ሎሚ ዘላድዮ መሳርሕ‘ቲ ስርዓት ምዃኑ ዝተርድኦ ስለ ዝኾነ በዝን ክንድዝን ኣይታለልን ኢዩ። ድምቀትን ክብርን ናጽነትን ሓርነትን ድማ በቲ ንህዝቢ ዝህብኦ ክብርን ሓልዮትን ምዕሩይ ኣብ ናጽነት ብዝርከብ ጸጋ፡ ምዕሩይ ምሕደራ እምበር ብጓይላን ዝላን ዝደምቕ ኣይኮነን።
ህዝብና ድማ ነዚ ሜላን ዕላማን ስርዓት ህግዲፍ እናተረድኣ፡ ነባሪ ሃገርን ህዝብን እምበር ነባሪ ስርዓት የለን ካብ ዝብል ስነ-ፍልጠታዊ እምነት ነቂሉ፡ ነቲ ዘይትፈትዎ ጋሻስ ትፈትዎ ሂብካ ኣፋንዎ ዝብል ምስላ ቀዳሞት ተኽቲሉ፡ ረጽምን ጎነጽን ብዘይብሉ ልዙብ ሰላማዊ ናይ እንቢታ ጥይት ሳይለንሰር ኣሳቅዩን ኣማሲኑን ሓንሳብን ንሓዋሩን ከቃብጾ ምዃኑ ኣሚኑ‘ዩ ኣብ ውሽጢ ብስቅታ ኣብ ደገ ድማ ብዓውታ ዝቃለስ ዘሎ።
እቲ ጉዕዞ ህዝቢ ምስ መንግስቱ ከም ዘሎ ኣምሲልካ ንህዝቢ ዓለም ንምትላል ዝዓለመ እንተኾይኑ ከኣ‘ሞ ዕርቃኑ ዘግሃደ ሕሱር ሜላ ምዃኑ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ምኽንያታት ምቕራብ ዘጸግም ኣይምኮነን። ብሓጺሩ ንምግላጽ ግን፡ ዓለም ብብዝሒ ስደተኛታት እሞ ክአ ብዙሓት ትሕቲ ዕዽመ ሕጻናትን ንሕርሲ ዝቀረባ መብዛትኣን ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ልዑል ተራ ዘብርከታ ኣዴታትን ዝርክብኦ፡ ኣብ ሃገሮም ተስፋ ቖሪጾም፡ ነቲ ኩሉ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥም ዘሰካሕክሕ ማሕረድትን ናይ ባሕርን ስሃራን ድንገተ ሞትን ምሻጥ ክፍሊ ኣካላትን፡ ካብ ብኾፍካ ሞትስ ተስፋ እናማዕዶኻ ሞት ብዝመረጹ ዜጋታትካ ተጨኒቓን ለይትን መዓልትን ብዛዕባ ግስሩጥን ዘይሓላፍነታውን ምሕደራኻ እናተገረመት ከላ፡ ሕዝቢ ምሳይ ኣሎ ምባል ጽላለ እምበር ምልክት ጥዕና ኣይኮነን ።
እንተ ነቲ ደድሕሪ ሽግ ሓርነት ተኸቲሉ ዝኽይድ ዘሎ ህዝብና ግን ተገዲዱን እምቢ ምስ ዝብል ከአ በቲ ስርዓት ክወርዶ ዝኽእል ንሕስያ ኣልቦ ጨካን ግፍዒ ተርዲኡ ንመጻኢት ሓቀኛ ብርሃን ሽግ ሓርነት ዘማዕዱ ጸዋርን ትዕግስተኛን ምዃኑ እምበር፡ ብዓይኒ‘ቲ ስርዓት ዝጽበዮ ውጽኢትን ምስጢርን ኣይኮነን ዝመዝኖ።
በንጻሩ እዚ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ‘ዚ ኣብ ዝባን ህዝቡ ዝተጻዕነ ሃገራዊ ሕልናን ሓላፍነትን ዘይስምዖ ብዘይካ ስልጣኑ ካልእ ሕልሚ ዘይብሉ ኣረሜናዊ ስርዓት ምዃኑ ዓለም ብምልእታ ዝመዘነቶን ምልጋሱ፡ ወሳኒ መድሓኒት ኩሉ ጸገማት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣብ መደምደምታ ዝተበጽሓሉ እዋን ምህላውና እቲ ስርዓት ክእመነሉ‘ዃ ኣይድለ እምበር ዘይሕቶ ጉዳይ እዩ። ከም ውጽኢት እኩብ ድምር መዘና ኣልቦ ትዕግስቱን ዘይጽንቀቕ ጽንዓቱን ከኣ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ክሕይልን እቶም ንሱ ንሕና፡ ንሕና ንሱ እናበሉ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዘገልግሉ ዝነበሩ ኣባላቱ ኣብ ነብሶም ብምምላስ ስለ ዝሓደግዎ ዕርቃኑ እናወጸን ይኸይድ ምህላውን ነብሱ ንምድሓን ዘይአምነሉን ዘየድሕኖን ዝምድናታትን ንምፍጣር ዓጽረሞታዊ ፈንጠርጠር ክገብር ንዕዘብ ኣሎና።
ህዝቢ ኤርትራ ግን ነዛ ክሳብ ሎሚ ውርደት እምበር ራህዋን ቅሳነትን ክይረኽበ ሓልዩ ዝዓቀባ መበል 25 ዓመት ክብርቲ ናጸነት ኤዮበልዩ ብዓሉ ናብ‘ታ መሰሉ ዝኸብረላ ብህይወት ቀሲኑ ደቁ ሓቑፉ ክነብረሉ` ኣብ ዝኽእል ሓድሽ ናይ ብርሃን ዓመት ከተሰጋግሮ ተስፋ እናገበረ ዘብዕላ፡ መርአያ ክብሪ ናጽነቱን ምስጋናን መጎስን ስውኣቱን ስንኩላቱን ምዃና ስለ ዝኣምን ድአ‘ምበር ምስ ጨካን ስርዓት ዝምድና ስለ ዘለዎ ኣይኮነ።
እንተ ነቲ ኣብ ክንዲ ካብ ጎቦ-ኣዳል ካብ ከተማ ናቕፋ ክትብገስ ዝተደልየሉ ምኽንያት ዝምልከት መልሲ ነንበብቲ ገዲፈ ነዚ ንርብዒ ዘመን ዘሳቐየና ጉሒፍና ኣብ‘ታ ብሃንቀውታ እንጽበያ ብሉጻት ጀጋኑ ዝኸፈልናላ ሓቀኛ ሽግ ብርሃን ሓርነት ንምብጻሕ ብሓባር ንረባረብ።
ዓንደጽዮን ግርማይ
ሃገረ ጀርመን
ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን ብዓወት ተዛዚሙ።
Tuesday, 05 April 2016 04:22 Written by Information Office Europeብዕለት 02 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም.ፈ ናይ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ጨንፈር ሃገር ሽወደን ካብ ዝተፋላለያ ከተማታት ሽወደን ዝመጹ ማለት፡ ካብ ስቶኮልም ኡፕሳላ ዮተቦርግ ዮንሾፒን ዝተሳተፍዎ ን5ይ ጊዜኡ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ተካይዱ። ዓመታዊ ጉባኤ ብኣደ ወንበር ወ/ኣልጋነሽ ኢሳቅ ብናይ ደሓን መጻእኩ ሰላምታ ከፊታ ብምቅጻል ጽማቅ ዝተተግበሩ ንጥፈታት ጠቂሳ ብሓቂ ብኣባላት ማሕበርን ብርህሩሃት ሃገራውያን ዝተገብረ ወፈያይት ገንዘብ ብምትንካፍ ልዑል ምስጋና ኣቅሪባ፡ ብምሉኡ ዝተወፈየ ከኣ ኣብ ኢዶም ከም ዝበጽሔን ኣብ ጥቅሚ ኣገልግለቶምን ከም ዝወዓለ ብብሩህ ብሓቂ ዘሔብብንን ዘተባብዕን ምዃኑ ሓቢራ። ቀጺሉ ሓው ዑቅባሚካኤል ተስፋጽዮን ተሓዝ ገንዘብ ማሕበር ኣብ ዓመት 2015 ብኣባልነትን ወፈያታትን ዝኣተወ ገንዘብ ብጽሑፍ ንኩሎም ተሳተፍቲ ጉባኤ ዓዲሉ፡ ብዝርዝር ናብኦም ንዓመታዊ ባጀቶም ብጨንፈር ዝለኣኾን ተረፍ ዘሎ ህልዊ ገንዘብን ብብሩህ ሓቢሩ። ድሕሪኡ ተሳተፍቲ ጉባኤ ብንጥፈታትን ተሳታፍነት ህዝብናን ዋላ እኳ ዝምስገን እንተኾነ ጌና ቀጻልን ብዝሰፍሔ ኣገባብ ክምዕብል ናይ ኩልና ሓላፍነት ምዃኑ ተራዲኦም ብልዙብ ሰናይ ኣገልግሎት መሕቲ ጨንፈር ኣመስጊኖም ብሃነጽቲ ለወባታት ንጸብጻብ ሽማገለ ኣርጊኤሞ። ቀጺሉ ጉባኤ ንዓመተ 2016 እትመርሕ ሽማገለ ብሙሉእ ድምጺ እታ ዝነበረት ሽማገለ በቲ ምስጉንን ጽፉፍ ኣመራርሓኣ ማለት ወ/ኣልጋነሽ ኢሳቅ ኣደ ወንበር ሓው ረዘነ ተኽለ ዋና ጸሓፊ ሓው ዑቅባሚካኤል ተስፋጽዮን ተሓዝ ክትቅጽል ተሳማሚዖም ንዓመተ 2017 ከኣ ሓጻይት ሽማገለ መሪጾም ጉባኤ ብዓወት ዛዚሞም። ብድሕሪኡ ብሓብትና ይርጋኣለም ተከስተ ብተወፋይነት ብገንዘባ(ልዕሊ 800:-) ዘዳለዎቶ ናይ ጾም ስዕረት ሙዑዝ መግቢ ድራር ቡን ሻህን ሙሉእ ኣባል ጉባኤ ተኣንጊዱ ኣምሰየ።

