እቲ ፍጻሜ‘ኳ ናይ ስንብታ‘ዩ፡

2016-04-26 08:12:13 Written by  ዓንደጼን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1898 times

ብቐዳምነት በቲ ኣብ ኤርትራ ብዕለት 03 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብስርዓት ህግደፍ ዝተፈጸመ ዘሕዝን ቅንጸላ መንእሰያትን ምፍራስ ኣሽሓት ኣባይትን ዝተሰምዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ ንኩሎም ስድራ ቤታት ግዳያትን  ኣባይቶም ፈሪስዎም ኣብ ፈቐዶ ቦታታ መዕቆቢ ንምርካብ ፋሕ ብትን ኣትይዎም ዘሎ  ዜጋታትን ጽንዓትን  ጽሮትን ይሃብኩምን ይሃበናን እብል ።

 እቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ዘሕዝን ቅንጸላ  መቐጸልታ ናይ‘ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ኤርትራን ዶባታን ተሓቢኡ ክፍጸም ዝጸንሓን ዘሎን ግፍዓዊ  ባህርያት‘ቲ ስርዓት ዘቃልዐ ድኣ‘ምበር ሓድሽ ተርእዮ ከም ዘይኮነ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን።

እዚ ተግባር‘ዚ ከም ሓድሽ ዝርኣየሉ ምኽንያት እንተሃልዩ ኣብ ማእከል ኣስመራ ምፍጻሙ ብሓደ ወገን፡ ምስ‘ቲ ጉዕዞ እግሪ ሽግ ሓርነት ኢሉ ንህዝቢ ኣብ ፈቐዶ ሩባን ኩርባ ንኰለል እናበለ  ኣብ ኣስመራ ድማ ዉላዱን ንብረቱን የዕኑ ምህላዉ እዩ። እዚ ኸአ መግለጺ ኣረሜናዊ ተግባራቱ ጥራሕ ዘይኾነስ ንከምዚ ዓይነት ህውከትን ዕንወትን ዝተፈጥረ ሰብኣዊ ሕልና ዝጎደሎ ኣካል ዝምራሕ ስርዓት ምዃኑ እዩ።

ኣብዚ  ክልዓል ዝግብኦ ጉዳይ እንተልዩ፡ ስለምንታይ ብፍላይ ኣብ ድሮ ብዓል ኢየበልዩ ናጽነትና ክውሰድ ተመሪጹ ዝብል ሕቶ‘ዩ፡ መልሱ ድማ ርሑቕ ከይከድካ ንሕሉፍ ኣካይድኡ ተመሊስካ ምውካስ ጥራሕ ኣካሊ እዩ። ካልእ ሃሰስ ከይብልካ፣ ኣብ ውሽጥ‘ዚ ርብዒ ዘመን ናይ ናጽነት ኣብ ውሽጥን ወሰናስንን ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረን ዘሎ ቕንጸላን ኢሰብኣዊ ማእሰርትን ስቓይን በዚሑ ክሕባእ ኣብ ዘይክኣለሉ ደረጃ ምስ በጽሐ ኣብ ቃልዕ ክወጽእ ግድን እዩ።

እዚ ዘርእዮ ምልክት እንተልዩ ኸኣ፡ እዚ ንሓደ ርብዒ መዋእል ወድሰብ  ኣብ እንግድዓ ህዝብና ተጻዒኑ ድከቱ ዘስትዮ ዘሎ ስርዓት ምስ‘ቲ ግራተይ፡ ጥሪተይ፡ ዝብሎ ህዝቢ ናይ መወዳእታ ዝሰናበተላ ፍጻሜ ምዃኑ እዩ።

ይኹን‘ምበር፡ ነዛ ብልዑል ዋጋ ዝተረኽበት በዓል እየበልዩ ናጽነትና ኩሉ ህዝቢ ኤረትራ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ብዘየገድስ ኣብ ክልተ ብዝተመቕለ መንፈስን ሞራልን ከኽብራን ኽጽንብላን እዩ። ምኽንያቱ፡ ከም‘ቲ ሓወይ ዘይብል ኣይርገጽካ ዝብልዎ ምስላ፡ ክሳብ ማዕረ ኣምላኽ ኣኽቢርካ ን25 ዓመት ንኩሉ ግፍዕታቱን ሓሳረ መከራኡን ተጸሚምካ ፍታሕ ካብ ዘይተረኽበ ደጋፍን ተቓዋምን በብዝመስለካ ነንትምነዮ ከተዐውት ምቅላስ መተካእታ ዘይብሉ ኣማራጺ ስለ ዝኾነ።

እዚ ድማ እቲ ሓደ፡ እንተስ ብግላዊ ረብሓ ወይስ ብግርህነት ምስ‘ቲ ጨካን ስርዓት ወጊኑ ፡ ህዝቡን  ንገዛእ ርእሱን ብምብዳሉ ሕልንኡ ዓገብ እናበሎ ኣብ ዳስ ህግድፍ ዝስዕስዕን ንዓመታ ዛእዋን ብከምዚ የራኽበና ኢሉ ዝሰናበት ኣካልን ኣምሳልን ናይ‘ቲ ስርዓት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ኸኣ፡ እቲ ናጽነት ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ወይ ብዝዀነ ምኽንያት ኣብ  ምልክት ሕቶ ዘይትኣቱ ናጽነት ህያብ ስዉኣቱ ምዃና ተረዲኡን ዓቂቡን ነታ ተሪፋቶ ዘላ ጌና ብባህጊ ዝጽበያ መሰሉን ኽብሩን ተሓልዩ ዝነብረላ ሓርነት ካብ ምንጋጋ‘ዚ ቀንጻሊ ስርዓት ህግደፍ  ንምውጻእ  ኩሉ ደላይ ፍትሒ፡ ኣበርቲዑን ሰሚሩን ንምስራሕ ቃል ዝኣትወላን ንዓመታ‘ዛ እዋን ኣብ ዝተማልአ ዓወትን ራህዋን  የራኽበና ብማለት ዝዛዝመላ  በዓል ኽትከውን እያ።

ኣብ መድምደምታ ዎ ጸዋርን ትዕግስተኛን ህዝቢ ኤርትራ  ብሓፈሻ፡ ምክልኻል ሰራዊቱ ድማ ብፍላይ፡ ከም‘ቲ ኣርብዓ ዝጸሙስ ፋሲጋ ኽረኽቡ ዝብልዎ ኣቦታትና ፡ ካብ‘ዚ ንላዕሊ ምጽማም ንሕሉፍ ጅግንነትካ ብኣሉታ ከይጸልዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ንህላውነትካ ዝፈታተን ስለ ዝኾነ ታሪኽካን  ኩሉ መዳያዊ ነጻነትን ሓርነትን ሃገርካን ንምርግጋጽ ሕሉፍ ጅግንነትካ ከተሐድስን ንብዓት ኣደታትካ ክትሕብስን ሓዘነን ክትድብስን መድረኽ ይጠልበካ ምህላዉ ተገንዚብካ፡ ምስ ህዝብኻ ክትውግን ትጽዋዕ ኣለኻ።

Last modified on Tuesday, 26 April 2016 10:16