ዝበዝሐ ሃገራት ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽም ኣሎ ንዝብል ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ከምዝድግፋ ገሊጸን
Tuesday, 21 June 2016 20:59 Written by Radio ErenaRadio Erena: 21 June 2016

ሎሚ 21 ሰነ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝተጋብአ መበል 32 ስሩዕ ኣኼባ ባይቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፋ ሃገራት፣ መብዛሕተን ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቀረበ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ጸብጻብ ከምዝድግፋ ኣረጋጊጸን።
ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፈጸሙ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ናብ ፍርዲ ክቀርቡ ንዝብል እማመ'ውን ደጊፈን።
ኣቦ መንበር መርማሪት ኮሚሽን ነቲ ብ8 ሰነ ዝቀረበ፣ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ጸብጻብን፣ ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ዝብል እማመን ዝሓዘ ምሉእ ጸብጻቡ ናብቲ ባይቶ ድሕሪ ምቕራቡ'ዩ ፣ ዝተፈላለያ ሃገራት ርእይቶታተን ክህባ ዝተሓታ።
ወኪል መንግስቲ ኤርትራ፣ ሰማእታትና ኣብ እንዝክረላ ዕለት፣ ንጽባሑ ኣሻሓት ዜጋታት ንጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ንምቕዋም ኣብ ጄኔቫ ተረኺቦም ከምዘለዉ ብምጥቃስ፣ በንጻር እዚ ግን መርማሪ ኮሚሽን ንሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንምቕራባ ይጽዕር ምህላዉ ወቒሱ። በዚ ገበን እዚ ክትክሰስ ዝግብኣ ኢትዮጵያ'ያ ክብል'ውን ደምዲሙ።
ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ፣ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረብ ጸብጻብ ከምዝድግፋ ብምጥቃስ፣ ናይ 1997 ቅዋም ክትግበር፣ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ተበግሶታት ክወስድን ምስ መርማሪት ኮሚሽን ክተሓባባረን ጸዊዐን።
ነርወይን ብሪጣንያን በብወገነን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ካልእ ጉዳያትን ከምዝተዘራረባ ብምርግጋጽ፣ እቲ መንግስቲ ዛጊት ዝኾነ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ብዘምርኣዩ ከምዘጉሃየን ጠቒሰን።
ብሪጣንያ፣ ኣብ ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ዘይምህላዉን ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ማእሰርትን ከምዝፍጸምን ብምጥቃስ፣ ኤርትራ ምስታ ኮሚሽን ክትተሓባበርን ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ከምእትድግፍ ኣፍሊጣ።
መንግስቲ ኤርትራ ምስ መርማሪት ኮሚሽንን ፍልይቲ ልእኽትን ብምትሕብባር ሰብኣዊ መሰላት ዝመሓየሸሉ ኩነታት ክጽዕር'ውን ተላብያ።

ነርወይ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ከም ማሕበር ጋዜጠኛታትን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝኣመሰሉ በርጌሳውያን ማሕበራት ንኽቖማ ክፈቕድ ሓቲታ።
ፈረንሳ ከኣ ካብዘን ሃገራት ብዘይፍለ ንርእይቶ ሕብረት ኤውሮጳን ጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ከምዘለዎ ብምድጋፍ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንመርማሪት ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ኣትያ ንኸተጽንዕ ፍቓድ ዘይምሃቡ ከምዘተሓሳስባ ሓቢራ። ነቲ በታ ኮሚሽን ዝቐረበ እማመ ዘለዋ ደገፍ ድማ ገሊጻ።
ኣመሪካ ብወገና ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብዝምልከት ተደጋጋሚ እዋን መግለጺታት ከምዘውጽአት ብምጥቃስ፣ በታ ኮሚሽን ዝቀረበ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ምህላዉ ዝጠቕስ ጸብጻብ ከምእትኣምኖ ኣፍሊጣ።
ናይ 1997 ቅዋም ክትግበር፣ ምርጫ ክካየድ፣ ብዘይፍርዲ ተኣሲሮም ዘለዉ ፖለቲከኛታት፣ ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ክፍትሑ ዝብል እማመ ብምቕራብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መርማሪት ኮሚሽን ብምትሕብባር ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከመሓይሽ ጸዊዓ።
እተን ዝተረፋ ሃገራት ኤውሮጳን ኣውስትራልያን'ውን ካብተን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዝተፈልየ ርእይቶ ኣይነበረንን።
ኩባ፣ ቻይናን ቬኔዙዌላን ከኣ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ፖለቲካዊ መልክዕ ምሓዙ ከምዝቓወማ ብምጥቃስ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘተን ልዝብን ክቕጽል፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንጸገማት መንግስቲ ኤርትራ ብግቡእ ተረዲኡ ኣብ ምፍትሑ ክተሓጋገዝን ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ጣልቃ ከይኣቱን ኣተሓሳሲበን።
ከም ጋናን ቦትስዋናን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ 1997 ቅዋም ክትግበርን ብምጽዋዕ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝርርብ ክቕጽልን መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ኣፍደጌታቱ ንመርማሪት ኮሚሽን ከርሑን ሓቲተን።
ጅቡቲ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን፣ ነቲ ብኮሚሽን ዝቀረበ ጸብጻብ ከምዘለዎ ክድግፉ እንከለዉ፣ ወኪል ጅቡቲ ከኣ ብዛዕባ'ቶም ጌና ሃለዋቶም ጠፊኡ ኣሎ ዝበሎም 13 ምሩኳት ኵናት፣ ደሃዮም ንምርካብ ኣህጉራዊ ማሕበር ሰብ ጻዕርታቱ ክቕጽል ጸዊዑ።
ኬንያ ብወገና ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቀረበ ጸብጻብ ግቡእ ኣቓልቦ ክግብረሉን እማመ እታ መርማሪት ከኣ ክትግበርን ተማሕጺና።
ሰበ ስልጣናታ ብተመሳሳሊ ክሲ ዝድለዩ ሱዳን ግና እታ ኮሚሽን ንኤርትራ ከይበጽሐት፣ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ጸብጻብ ምቕራቡ ፖለቲካዊ ድፍኢት ኣለዎ ኢላ ከምእትኣምን ገሊጻ።
ብዘይካተን ወከልቲ ሃገራት፣ ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ኣህጉራውያንን ተጠበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት'ውን ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ዝድግፍ መደረታት ኣስሚዖም።
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣኼብኡ ቅድሚ ምዝዛሙ ኣብ መወዳእታ ዕለታት ናይዚ ወርሒ ውሳኔ ከሕልፍ ትጽቢት ይግበረሉ።
ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማዕታት ምስ ኩሉ ኤርትራዊ ተቐማጣይ ከተማ ኦስሎን ከባብን ሓቢርካ ንምዝካርን፣ ነዞም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዝተፈላለየ ትራጀዲ/ ቅዝፈት ናይ ዝሰኣናዮም ወገናትና፣ መንእሰያትናን ሕጻናትናን እውን ናይ ሕልና ጸሎት ንምዕራግን
- ማሕበር ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን
- ምንቅስቃስ ስምረት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ንኡስ ጨንፈር ኖርወይ
- ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ
- በርገሳዊ ማሕበር፣ ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ
- ናጻ ማሕበር ኤርትራውያን ደቒ-ኣንስትዮ ንሰላምን ፈትሕን ጨንፈር ኖርወይ
ናይ ሓባር ምድላዋት ብምግባር ብኽብሪ ይጽውዑ ኣለዉ።
ምሉእ ሓበረታ፣
- ዕለት 20 ሰነ 2016
- ሰዓት 17 ወይ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ድቀ
- ቦታ Ebbells gate 1, ቀዳማይ ደርቢ
ንተወሳኺ ሓበረታ፣ 96886017 ወይ 94738158 ወይ 99454433 ደዊልኩም ተወከሱ።
ብደሓን ምጹ!!
ጨንፈር ሰልፊ (ሰ.ደ.ህ.ኤ) ሳንድየጎ፣ ካሊፎርንያ ዓመታዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ።
Thursday, 16 June 2016 09:18 Written by EPDP San Diego
ጨንፈር ሳንድየጎ ንዘካየዶ ኵሉ-ሸነኻዊ ቃልሲ ንምግምጋም ብ11 ሰነ 2016 ዓ.ም. ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሳንድየጎ ኣሰላሲሉ። ኣብዘን ዝስዕባ ዛዕባታት ኣትኵሩ ድማ ብዛዕባ ሕሉፍ መደባቱ ተመያይጡን ገምጊሙን ከምኡ’ውን ናይ መጻኢ ዕማማቱ ሓንጺጹ፡
- ብዛዕባ ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ዝሓልፎ ዘሎ መሪር ጭቆናን ብሓፈሻ፤ ኵነታት ደምበ ተቓውሞን ብድሆታቱን ድማ ብፍላይ ኣመልኪቱ ብዕምቆት ተመያይጡ። ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝጽዕኖ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘስዓቦ ጭንቀትን ተስፋ ምቝራጽን ዘኸተሎ ዋሕዚ ስደት፣ ኣብ ምድረበዳን ባሕርን ንመንእሰይትና ዘጋጥሞም ዘሎ ህልቀትን ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዘጋጠመ ምጥሓል ናይ ሒዛቶም ትጕዓዝ ዝነበረት መርከብ ብምዝካር ሓዘኖም ገሊጾም።
- ጨቋኒ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣልጊስካ ብፍትሓውን ደሞክራስያውን ስርዓት ንምትክኡ፣ ሰልፍና ዘካይዶ ዘሎ መኸተ ብምድጋፍ፣ ጨንፈርና ኵሉ ዝከኣሎ ከበርክት ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
- ናይ 2015 ዓ.ም. ናይ ኣባላት ግቡኣትን ጨንፈራዊ ሕሳባትን ኣጻፊፉ ድሕሪ ምዝዛም፣ ተሪፉ ዘሎ ናይ 2016 ሕሳባት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክዓጹ ውሳኔ ኣሕሊፉ። ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ነሓሰ ኣኼብኡ ድማ ክግምግሞ ምዃኑ ኣሚቱ።
- ጨንፈርና ነቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ክካየድ ዝዳሎ ዘሎ ናይ ሰሜን ኣሜሪካ ዞባዊ ጉባአ ንምዕዋት ዘድሊ ተሳትፎን ምትሕብባርን ክገብር ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
ዓወት ንፍትሓውን ደሞክራስያውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ሃይለማርያም ውሩይ
ኣቦ መንበር ጨንፈር ሳንድየጎ
መግለጺ ሐዘን በዚ ሕማቅ ተረክቦ ህልቂት ባሕሪ ሚዲትራንያን
Wednesday, 15 June 2016 11:03 Written by በይ -ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
በይ -ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ በዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘስካሕክሕ ህልቂት ዜጋታትና ዘተሰምዓ መሪር ሐዘን እናገለጸ ንግዳያት መንግስተ ሰማያት ንቤተሰብ ግዳያት ብፍላይ ንመቅርብን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ድማ ጽንዓት ይሃብ ይብል።
እዚ ከምዚ ዓይነት ሞትን ወረሞትን ካብ ኤርትራዊ ዜጋ ከይተፈለየ ዓመታት እካ ኣቁጺሩ እንተሃለወ እዚናይ ሎሚ ጃምላዊ ህልቂት ግን ንህልቂት ላምፔዱሳ ዘዛካክረና ኾይኑ ብዓይነቱ ዝዓበየን’ዩ።
እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ሞትን ህልቂትን’ዚ ብሰንክቲ ብደም ህዝብና ዝገበለ ስርዓት ዝወርድ ዘሎ መከራ እንተደይ ትደፋኒ መን መጽደፍኒ መንእሰያትና ነታ ተወሊዶምላ’በር ዘይሐንቀቁላን ዝየስተማቀርዋን ሃገሮም ንድሕሪት ገዲፎም ብሐደገኛ ጉዕዞ ክስደዱን ኣብዚ ሓደገኛ ጉዕዞ’ዚ ድማ ኣደዳ ባሕርን ሳሃራ በደዊንን ይኮኑ ኣለዉ።
እዚ ናይ ሎሚ ተረክቦ ሐዘን እንባኣር ደርብ ሐዘን’ዩ። ምክንያቱ ድማ እቶም ኣእላፋት ጀጋኑ ምእንቲ ኣብ ንፈተዋ ሀገርና ብሰላምን ቅሳነት ክነብርበጃ ዝሐለፉ መዓልቲ ዝክሮም 20 ሰነ ኣብ ምዝካር እንቃራረበሉ ዘሎና ሕድሮም ተጠሊሙ ከምዚ ዓይነት ኣብ ግዜ ባዕዳዊ ገዛኢ እኻ ዘይተራእየን ምዝንታዉ ዘጸግም ህልቂት ኣዴታት ጸጉረን ከይተፈትሔ ብደርሙ የዒንተን ከይጸፈፈ ምስ ንብዓቱ ቁሩብ ሐይሊ ዘረከባ ድማ ካብቲ ሕሱም ምሐደራ ንምህዳም
መረብተን ዓጺየን ህጻናተን ሒዘን ክስደዳን ምስ ህጻናተንን መንእሰያት ደቅንን የሕዋተንን ኣብ ባሕሪ ክጥሕሉን ንቡር ሞት ሲኢኖም ትረፍ ሐርገጽን ዓሳን ከም እንስሳ ተዘቂቆም ካብ ባሕሪ ክወጹ ንዓና ኤርትራውያን ይትረፍሲ ንማንም ሕልና ዘለዎ ፍጡር ወዲ ኣዳምውን ዘሰንብድ’ዩ። ወለዲ ንቡር መርድእ ወሉዳቶም ሲኢኖም ዓሰርተ ሞት ኾይንዎም ሃህ ኢልካ ዘይትበክዮ ሞት ሕጹይ ኣብታ ብጽምዋን ሕሰም መበባብሮን ዝተዋሕጠት ጎጀኦም ንበይኖም
ሐዘኖምን ሐሳረ መከረኦምን ይርእዩ ኣለዉ። እዚ ሕድሪ ጀጋኑና ጠሊሙ ንሃገርናን ህዝብናን ኣጽኒቱ ሞቱ ዘይተርፎ ተተርኢሱና ክጠፍእ ትዓቲቁ ዘሎ ግፍዔኛ ስርዓት ሐላይ ህዝቡን ሃገሩን ክመስል ኣብ ቅድሚ ዓለም እካ እንትጭ በርበረ በትሪ ሐቅስ ትቀጥን’በር ኣይትስበርያ ማስጣ እዞም ንጹሃት ዜጋታት ድማ ሓቀኛ ገጸ ባህሪ ናቱ ይቃላዕ ኣሎ።
በዚ ኣጋጣሚ ድማ እቲ ብመርማርት ኮምሽን ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ዝወጸ ጸብጻብ ካሕሳ ናይ’ዞም ብክንቱ ዝጠፍኡ ዘለዉ ዜጋታትናን ውጹዕ ህዝብናን እዩ’ሞ ደገፍና ንገልጽ። እቶም ነዚ ህልቂት እዚ እናራኣዩ ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ኢሎም ንሰለማዊ ሰልፊ ናይ ስርዓት ህግደፍ ንምድጋፍ ዝህቅኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ድማ ዋላኻ ተምጽእዋ ለውጢ እንትዘይሃለወ ንሕልናክምን ንሕልና ህዝብኩምን ክትዕገሱ ንምሕጸን።
በዚ ኣጋጣሚ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንግዳይትን ንመዓልቲ 20 ሰነን ንዕለት 18/6/ 2016 ኣብ ኦክላንድ ናይ ሽምዓ ዝክሪ ክንገብር መዲብና ሰለ ዘሎና ኩሉ በዚ ሐደጋዚ ዝግደስ ክሳቶፎ ንሕብር።
ክብርን ዝክርን ንኩሎም ሰማእታትና !!
ህዝባዊትን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ብደም ሰማእታታ ክትጥጥዕ’ያ !!
14/6/2016
ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ንግዳያት ማእከላይ ባሕሪ ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ
Saturday, 11 June 2016 14:31 Written by ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካሰነ 9፡ 2016
ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ልዕሊ ኩሉ፡ ንወለድን ምሉእ ቤተ-ሰብ ግዳያት ማእከላይ ባሕሪ- ፡ ናይ ኩቱር ሓዘንኩም ብጽኑዕ ተኻፋላይ ምዃና ንገልጽ። ተኻታታሊን ቀጻልን ኮይኑ ጸኒሑ ዘሎ ሓዘንኩምን እህህታኹምን ዝዓርፈሉን ብሰላም ትድበሱሉን ኩነታት ክኽሰት፡ ብሓሳብን ብግብርን ኣብ ጎንኹም ኣለና።
ኣብ`ዚ እንሓልፎ ዘለና ታሪኻዊ እዋን፡ ናይ ኣሻሓት ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ኣብ በረኻታት ሰሃራ፡ ኣብ ቀላያት ማእከላይ ባሕሪ፡ ቦታ ስደተኛታት ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ እስራኤል፡ ሲናይ ዝሳቐ ዘሎ ዜጋ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናበዝሔ፡ ኩነታቱ እናበኣሰ ይኸይድ ኣሎ። ከም ህዝቢ ክብረት ተነፊጉና፡ ኣብ ፈቐዱኡ፡ ብጨወይቲ ጅሆ ክንትሓዝ፡ ኣካላት ዜጋታትና ተዘልዚሉ ናብ ዕዳጋ ክወርድ፡ ደቂ ኣንስትዮና ኣብ ፈቐድኡ ክዕመጻ፡ (Rape)፡ ቤተሰብ፡ ካብ ዘይብሎም፡ ንዝተጨወዩ ሰቦም ከድሕኑ ኣሽሓት ዶላራት ከፍስሱ፡ ልሙድ መዓልታዊ ተሞክሮና ኮይኑ።
እዞም ሕጂ ንዓለም ከይተረፈ ቅሉዕ ኮይኑ ዘሎ መቕዘፍትታት፡ ብፍላይ ድሕሪ ነጻነት ቀለልቲ ናይ ዘይኮኑ፡ ብድዕተታት፡ ማህሰይትታት፡ ግህሰታት፡ በቲ ስርዓት ክፍጸሞ ናይ ዝጸንሑ ውህሉላት ሳዕቤናት እዮም። ብዚተፈላለዩ ምኽኒያታት ሂወቶም ዚሰኣኑ፡ ኣካላቶም ዚጎደሉ፡ ካብ መናብረኦም ዚተመዛበሉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ብማእሰርትን ካልእ ሓሳረ-መከራን ዚተበሳበሱ፡ ቅሳነትን ርግኣትን ተነፊግዎም ንክልብትና ስደት ዘምርሑ፡ ኣብ ናይ ስደት ጉዕዘኦም ንብዙሕ ሓደጋታት ዝተቓልዑን ኤርትራውያን ዜጋታት ኣሻሓት እዮም።
እዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ነጻነት ዘሕልፎ ዘሎ፡ ጨካን ኣተሓሕዛ፡ ካብ`ቶም ዝሓለፉ ተኻታተልቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓይልታት ዝፈጸምዎ በደላት ዝመረረን ዝጨከነን`ዩ። ናይ`ቲ ስርዓት ቀንዲ ሽቶ ንብረሰት ናይ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ`ዩ። ንልኡላውነት ኤርትራ ንምስራዝ`ዩ። ንታሪኻዊ መንነት ህዝቢ ኤርትራ ንምድምሳስ`ዩ። እዚ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝጀመረ ወፍሪ`ዚ፡ ዝተዋደደን ዝተቓናበረን ናይ ብረስትን ዕንወትን ስትራተጂ`ዩ። ስለዝኾነ፡ ነዚ ዝኸሽፍ፡ ዝምክት፡ ናይ ቃልሲ ስትራተጂ ክንውንን ይህልወና።
ዕላማ ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ናይ ህዝቢ ብህዝብን ንህዝብን ምልዕዓል`ዩ። ሓቛፊ፡ ኣሳታፊ፡ ስለዝኾነ፡ ንስትራተጂ ናይ ህግደፍ ብቐጥታ ዝምክት መስርሕ ህዝባዊ ቃልሲ`ዩ። ኣብ ጎኒ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ተሰሊፉ፡ ኣብ ኤርትራ ቅዋማውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ኣረጋጊጹ ብሰላም ክነብረላ ዝኽእል ሃገር ንክሃንጽ ዘኽእሎ መስርሕ ናይ ቃልሲ ሕዙ ይነጥፍ ኣሎ።
ድሕሪ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ጻዕሪታት፡ ብመርማሪት ኮሚሽን ተበጽሑ ዘሎ ፍርያት፡ ከም ሓደ ኣዝዩ ክብ ዝበለ ምዕራፍ፡ ነቲ ቀንዲ ዝድለ ሽቶ ክጭብጥ፡ ዝያዳ ናህርን፡ ዝተዓጻጸፍ ተግባረ-ስራሕን ይሓተና ኣሎ። ``ማሕረሻ ብውዕይታ`` ንበገስ! ... ሰነ 23 2016 ኣብ ጀነቫ፡ ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዝዳሎን ዝሳናዳእን ዘሎ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ዓቢ ኣቓልቦ፡ ኩሉ መዳያዊ ሰፊሕ ተሳትፎ ክግበረሉ ካብ`ቲ ናይ ዓሚ ዝሓየለን ዝደመቐን ክኸውን ንጽውዕ። ንወደብቲ ናይ`ዚ ተባዕ ተበግሶ`ዚ እና ኣሞጎስና፡ ኣብ ጎኖም ጠጠው ኢልና፡ ብወገናን ክነበርክቶ ንኽእል ኩሉ መዳያት ክንገብር ቅሩብነትና ነረጋግጽ።
ጎኒ-ንጊኒ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ፡ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣብ ሰነ 18 ወይ 19፡ ከምኡ`ውን፡ ኣብ ሰነ 25ን 26፡ ንግዳያት ማእከላይ ባሕሪ፡ ሽምዓ ወሊዕና ክንዝክሮምን፡ መሰረታዊ ፍታሕ ንምርካብ ሰሚናራት ክካየድን፡ ንነፍሲ-ወከፍ ከተማ ንጽውዕን ነተባብዕን።
ዓወት ንሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ!
ደበስ ንወለዲ ግዳያትን ምሉእ ህዝቢ ኤርትራን!!
ምሉእ ስዕረትን ፍሽለትን ንስርዓት ህግደፍ!!!
እዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ዓንቀጽ፡ ካብ’ቲ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ መበል 25 ብሩራዊ ኢዮበልዩ ዘስምዖ ቃል ዝተወስደ ዓንቀጽ ኰይኑ ነቲ “በደል ዋና የብላን” ዝብል ምስላ ኣበው ዘራጕድ ኰይኑ ስለ ዝረኸብክዎ ኢየ ነዚ ሓተታ ክጽሕፍ መሪጸ።
“. . . ድሕሪ ምኽታም ዝሑል ኲናትን፡ ክስተት ሓድሽ መዋእልን፡ ሓደ ካብቲ ንዝተፈላለየ ምዕባለታት ዞባና ሓያል ኣሉታዊ ጽልዋ ዝገበረ ዘሕዝን ተርእዮ፡ ምስ ምብትታን ሕብረት-ሶቭየት ነበር፡ ስርዓት ኣሜሪካ ዝመርሖ ቀጽሪ፡ ነቲ ክስተት ከምታሪኻዊ ኣጋጣሚ ንዕብለላ ክምዝምዞ ስለዝሰስዐ፡ ብዝንቡዕ ኣናብባ፡ ደጊም ዓለም ናትና’ያ! ተባሂሉ፡ . . . ጸጋታትን ሃብቲን ዓለም ብሒትካ ንምግባት፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝዳረግ ዝኾነ ከይትስእ፡ . . . ተወዳደርቲ ኪኾኑ ንዝኽእሉ (potential) ምቕያድ፡ . . . ልዑል ቴክኖሎጂን፡ ማእከላት ፍልጠትን ባህሊን ፡መዘርግሕ-ሓበሬታን፡ መራኸቢ ብዙሃንን ምቁጽጻር፡ . . . ዓለም ኣብ ዞባታት ከፋፊልካ፡ ብኩላት ብመልሕቓት ወይ መጋበርያ ምምሕዳር፡ . . . ሕጊን፡ ልዕልና ኣህጉራዊ ሕጊን ረጊጽካ፡ ዓለማዊን ዞባዊን ውድባት፡ ናብ ላቔባን መጋበርያን ትካላት ምቕያር፡ . . . ዝዓይነቱ፡ ናብ ዕብዳን ዝቐረበ፡ ዓንዳሪ ስነሓሳብ ዝመርሖ ፖሊሲታትን ስጉምቲታትን ስለዘንቀሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ ኣብ ዞባናን ካልእ ዞባታት ዓለምን፡ ነውጺን ህውከትን ሽበራን ዘሪኦም፡ ቅልውላዋትን ዕንወትን ህልቂትን ኣንጊሶም ኣለዉ። ናይ ርብዒ ዘመን ክዉንነት ብድሆታትን ተጻብኦታትን ናጽነትና ከኣ፡ ምስኡ ብወድዓዊ ተዛማድነት ዝርአ’ዩ. . . ።
ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ዓይኑ ዘሎ ጕንዲ ምርኣይ ኣብ ዓይኒ ካልኦት ዘሎ በሰር ምርኣይ ስለዝሰልጦ፡ ንውድቀት ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ መዝሚዙ፡ “ኤርትራ ናተይ ኢያ” . . . “ደጊም ሓሸውየ ናይ ውድባት የለን” . . . ከምዘይበለ፤ ንኣመሪካ፡ ውድቀት ናይ ሶቭየት ሕብረት ከም ኣጋጣሚ ተጠቒማ ንዓለም ናተይ ኢያ ክትብል፡ ክትብሕትን ክትዕብልልን ፈቲና ክብል ከይሓፈረ ክኸስስ ምስምዐይ ኣዝዩ ገሪሙኒ።
ኢሳያስ፡ ስለምንታይ ንተቓወምቲ ሓይልታት ብናጽነት ክዋስኡ ዘይተፍቅዱ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን፡ “ብዘይካ ህዝባዊ ግንባር ካልእ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣሎ ኢሉ ዝኣምን ሰብ እንተልዩ፡ ኣብ ካልኦት ዓለማት (Planets) ከይዱ ክፍትሽ ኣለዎ” ዝብል ብዱዕ መልሲ ምሃቡ ድሮ ዝረስዖ ኢዩ ዝመስል። ካብ ኵሉ ዘገርም ከኣ፡ “ጽንብላሊዕ መዓኮራ ዘይከደነትስ መሬት ከደነት” ከምዝብሃል፡ ኢሳያስ ዓቕሚ ዘይብሉ ክነሱ ጐብለል ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክኸውን ምድላዩ ኢዩ።
ስርዓት ኢሳያስ፡ ተወዳደርቱ ክዀኑ ንዝኽእሉ ኣብ ቀይዲ ምእታው፡ ንመራኸቢ ብዙሓን ብምቍጽጻር ካብ ናቱ ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ንዝለዎም ሓይልታት ይኹኑ ውልቀሰባት ምዕፋን ዕለታዊ ተግባሩን መለለይኡን ኰይኑ ምጽናሑን ምህላውን ንጹር ወይ ብሩህ ክነሱ፡ ኮር ተገልበጥ፡ ንኣመሪካ በዚ ክኸስስ ምስማዕና ዘስደምም ኢዩ። ምእሳር ጕጅለ 15፡ ጋዜጠኛታት፡ ዓበይቲ ዓድን ደገፍቲ ምንቅስቓስ 21 ጥሪን (ፎርቶ)፤ ምርሻን ኣካለ-ጽጉማንን ንስግረ-ዶብ ዘምርሑ ንጽሃት ዜጋታትን ካብ መን ኢዩ ክሓብኦ ዝፍትን ዘሎ?!!! ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣብያተ-ማእሰርቲ ካብ ኣብያተ-ትምህርቲ ከምዝበዝሕ መስኩሩለይ ዘየድልዮ ጽሓይ ዝወቕዖ ሓቂ’ዶ ኣይኰነን?!!!
ኢሳያስ ንኣመሪካ ብጥሕሰት ሕግን ልዕልና ኣህጕራዊ ሕግታትን ክኸስስ እንከሎ፡ ንሱ ባዕሉ ንቅዋም ናይ 1997 ምጥሓሱ፡ ካብ’ቲ ብሓይሊ ዝሓዞ መሬት ባድመ ክወጽእ ብዝተፈላለዩ መንግስታትን ትካላትን ዓለም ንዝተገብረሉ ምሕጽንታ ዕጭ ሓንፈፍኩ ብምባል “ካብ ባድመ ወጻእኩ ማለት፡ ጽሓይ ከይበረቐት ክትተርፍ ይቐልል” ዝብል ምስ ባህርያዊ ሕጋታት ዝገራጮ መደረ ከስምዕ ኣይተሰምዐን ድዩ?።
ንማእቶት ኢሉ ዝወሰዶም መንእሰያት ናብ ውግእ ዝጠብስ፤ ንዓመትን መንፈቕን ሃገራዊ ኣገልግሎት ክትገብሩ ኢኹም ዝብል ሕጊ ኣውጺኡ ንዓሰርተታት ዓመታት ንመንእሰያት ኣብ ውትህድርና ዘብሊ ስርዓት ብዛዕባ ሕግን ሕጋውነትን እንታይ ኣፍለጦ!!! ክንደይ ናይ ህዝቢ ገንዘብ፡ ንብረትን ፕሮጀክትን ብጕጅለ ኢሳያስ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ብህግዲፍ ኣይተመንዝዐን ድዩ?!! ስርዓት ህግደፍን ሕግን ሕቆን ከብድን ምዃኖም ዓለም ብዓለማ ትፈልጦን ትምስክሮን ሓቂ ምዃኑ ካብ መን ኢዩ ክኽውሎ ዝፍትን ዘሎ?
ብሰንኪ ዓንዳሪ ፖሊሲታትን ኢድ ኣእታውነትን ስርዓት ኢሳያስ፡ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ዝዀነ ቅልውላው ከምዝተሸሙ ንምርዳእ ዘጸግም ኣይኰነን። ምስ ኵሎም ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ብረታዊ ጐነጽ ኣቲና፡ ካብ ዞባናን ዓለምን ተነጺልና፡ መንእሰያትና መጻኢ ዕድሎም ጸልማት ኰይኑ ስለ እተራእዮም ናብ ስደት ክውሕዙ ይርኣዩ ኣለዉ። ነዚ ሓቂ’ዚ ገዲፍካ፡ ንኣመሪካ’ዶ ኢትዮጵያ ምኽሳስ እንታይ ኣምጽኦ? ባዕልኻ ዝፈጠርካዮ መዘዝ ንኻልኦት ምስካም ሎሚ ፋሽን ኰይኑ ምህላዉ ኵላትና እንሰማምዓሉ ጕዳይ ኢዩ። ተበዲለ እምበር በዲለ ዝብል ሓይሊ ይኹን ውልቀሰብ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሜዳ ምርካብ ኣሸጋሪ እናዀነ ምኻዱ፡ ነቲ “በደል ዋና የብላን” ዝብል ምስላ ኣበው ዘራጕድ ወይ ዘረጋግጽ ሓቂ ኢዩ።
ግርማይ ተኽለ
ዋኒነይ ኢልና ክንዕዘቦ እንከለና ኣብዚ እዋንዚ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ብብዙሓት ዘይንቡር ተረእዮታት ዝተሰነየ እዩ። ካብ ህዝቢ ውጺኡ፡ ብቃልሲ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ዝደየበ “መንግስቲ እየ” ዝብል እንተኾነ መንግስቲ ክኸውን ብዙሕ ዝተርፎ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ገዛእቲ ብዘይፍለ ጸረ-ህዝቢ ክኸውን እንከሎ ንቡር ኣይኮነን። እዚ ኣብ ኣስመራ ዝዓረደ ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ፡ ብውሽጣዊ ትሕዝቶኡ ኮነ በቲ ኣንጻሩ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ እንዳ ማህመነ ክኸይድ እንከሎ፡ እቲ ንለውጢ ዝቃለስ ሓይሊ ተቓውሞ ኣብ ክንዲ ብኣንጻሩ ዝያዳ እንዳ ሰሰነ ዝኸይድ ማዕሪኡ ምዝሕታሉ’ውን ልሙድ ኣይኮነን። ኣብ መስርዕ ቃልሲ ተቓውሞ ንነዊሕ እዋን ዝጸነሓ ሓይሊ እንዳረብረበ ክኸይድ እንከሎ፡ እቲ መንእሰይ ጻውዒቱ ሰሚዑ “ተካኢ” ኮይንካ ናይ ምቕራብ ናህሩ ከምቲ ዝድለ ዘይምዃኑ እውን ኣብ ዘይንቡር ተረኽቦ ዝስራዕ እዩ። ኮታ ብዙሕ ዘይንቡር ተረኽቦታት ምዝርዛር ይከኣል።
እቲ ካብዚ ስኽፍታ ንምውጻእ ንገብሮ ዕምቆት ናይ ቃልሲ ዝፈላለ ኮይኑ፡ ኩልና ለውጢ እንብህግን ምእንታኡ እንቃለስን፡ ወገናት ውሱንነት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ኣብ ቃልሲ የሰክፈና እዩ። ስኽፍታና መሰረታዊ እዩ። መኽንያቱ ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ሕብረተሰብ ስለ ዝኾና ናታተን ብኩራት ንቃልስና ካብ ሓደ ምሉእ ናብ ዝጐደሎ ፍርቂ ስለ ዘውርዶ። መንእሰይ ንዝሓለፈን መጻእን ዘራኽብ ናይቲ ነዊሕ መስርሕ መራኸቢ ድንድል እዩ። ናቱ ብኩራት ከኣ ድንድል ተሰይሩ ክራኸቡ ዝግበኦም ኣካላት መራኸቢ ከም ምስኣኖም ስለ ዝውሰድ። መራኸቢ እንተቋሪጹ ከኣ ህልውና እውን ሓቢሩ ስለ ዘኸትም ናይ መንሰይ ግደ ብደረጃ ምህላውን ዘይምህላውን እዩ ዝረአ።
ነቲ ዝረአ ዘሎ ናይ ተሳትፎ ሃጓፍ መሊእካ እዞም ኣካላት ንቡር ግደኦም ከም ዘበርክቱ ኣብ ምኽኣል እቶም ቀጥታዊ ግደ ዘለዎም ኣካላት ብዙሓት እዮም። እቶም ቀንዲ ወሰንቲ ግና ባዕላቶም ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን እዮም። ኣብ መስርዕ ቃልሲ ዘለዉ ውድባትን መራሕቶም እውን ኣሳታፊ ኩነታት ናይ ምጥጣሕ ግደኦም ዕዙዝ እዩ። ኣብዚ ክንዝንግዖ ዘየብልና እዚ መስርሕ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኮነ መንእሰያት ብባህሪኡ ኮነ ትሕዝቶኡ ፖለቲካዊ እምበር ግብረሰናያዊ ኣይኮነን። በዚ መሰረት ግብራውነቱ ኣብ ጽቡቕ ድሌት ሓደ ኣካል ጥራይ ዝድረት ዘይኮነስ ናይ ቃልሲ ባህሪ ኣለዎ። ደቂ ኣንስትዮ ንተሳትፎአን በቲ ወዲ ተባዕታይ ቅሩብነት እንተዘየለ እውን ካብ ምእማኑ ጀሚርካ ክሳብ ምግዳዱ ዝዝርጋሕ ቃልሲ ከካይዳ ናይ ግድን እዩ። መንእሰያት ንተሳትፈኦም ኣብ ቃልሲ እቲ ቅድሚኦም ኣብ ቃልሲ ዝጸነሓ ገዲም ቅሩብ እንተዘይኮነ’ውን ካብ ምእማኑ ጀሚርካ ክሳብ ምግዳዱ ዝምጠጥ ግብራዊ ቃልሲ ከካይዱ ናይ ግድን እዩ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ክልቲኦም ኣሳታፍን ተሳታፍን፡ ኣብ ክንዲ አእጃሞም ፈጺሞም ኣብ ማእከላይ ቦታ ተራኺቦም ነቲ ተሳትፎ ምሉእ ባህርያዊ መልክዕ ዘትሕዝዎ፡ ጨጫፎም ሒዞም፡ ተመዓድዮም እቲ ሓደ “ኣየሳተፍካንን” እቲ ሓደ ድማ “ነዓ’ባ ተሳተፍ” ክበሃሃሉ ግዜን ጉልበት ምህላኽ ፋይዳ የብሉን። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ድኽመት ንኹሎም ብማዕረ ኣማቒልናዮም ጥራይ ንሓልፎ ኣይመስለንን። ቀሪብና መንዩ ናብቲ ኣውንታ ኮነ ኣሉታ ዝያዳ ዝቐረበ ክንርኢ ክንግደድ ኢና። ኣየንኡ ይጐልሕ? “ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ኣብዚ ቃልሲ ክሳተፉ ማዕጾ ተኳሕኩሖም ዝኸፍተሎም ስኢኖም” ወይ “ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ኣብ ቃልሲ ክሳተፉ ማዕጾ ተኸፊትሎም ክነሱ ክኣትውዎ ቅሩባት ኣይኮኑን” ምባል። እዚ ብግቡእ ክምዘን ይግበኦ። ከምቲ ኣቐዲምና እዞም ኣብ ቀጻልነትን ዓወትን ቃልስና ወሳኒ ግደ ዘለዎ ኣካላት እቲ ናይ ቃልሲ ማዕጾ ጋሕ ኢሉ ተዘይትኸፍተ’ውን ናይ ምንውናዉ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ብሓሳብስ እዝንግዕዎ እዮም ዝብል ግምት የብለይን። ብግብሪኸ?
ብዛዕባ ንቡር ተሳትፎን ምቅብባልን ኣብ ቃልሲ ክንዛረብ እንከለና፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ግቡእ ኣፍልጦ ምሃብ ናይ ግድን እዩ። ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ምትሕልላይ እንትዘየልዩ ምድግጋፍ ኣይህሉን። ብዘይምድግጋፍን ኣፍልጦ ምውህሃብን ድማ እቲ ኣድማዒ ተሳትፎ ኣይረጋገጽን እዩ። ኣብ መንጎ መንእሰይን ገዲምን ምክብባርን ምድግጋፍን እንተዘየልዩ ከምኡ እቲ ምቅብባል ኣይረጋገጽን’ዩ። ብኣንጻሩ ሓደ ነቲ ሓደ “እዚ ዝኣደቦም እዚ ዝእደበን” ዝብህሃል እንተኽይኑ ኣብ ቁምነገር ኣይብጻሕን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ፖለቲካዊ ሜዳ በቲ ወጻዒ እዩ ዝበሓት። ኣብዚ ከኣ ኩሎም ኣካላት ደቂ ኣንስትዮ ኮነ መንእሰያት’ውን ተሓተቲ እዮም ዝኾኑ። እቲ ብውደቀት ዝሕተት እቲ ኣብቲ ቃልሲ ተሳቲፉ ዘየድመዐ ጥራይ ዘይኮነ ቀንዲ እቲ ክሳተፍ ዝግበኦ ዘይተሳተፈ እዩ’ሞ ኩልና ንሕሰበሉ። ንውልቃዊ ወኒንን ህዝባውን ሃገራውን ዕማምን ነናቶም ናይ ግዜን ጉልበትን ብጽሒት ከይንኸልኦም ሓደራ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብምኽንያት 25 እዮበል ናጽነት ኤርትራ መርበብ ኣሰና ዘኣንገዶ ናይ ኤርትራውያን ክኢላትት ዝብሃሉ ምግባእ ነይሩ። ካብተን ብዙሓት ኣርእስታት ዘልዓልወን ሓንቲ ኣብ መንጎ ነባራት ተቃወምትን (ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ዝነበሩ) ሓደሽቲ ተቃወምትን (ኣብ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝነበሩ) ዝርኤ ጸገማት እያ። ሓደ ካብቶም ተሳተፍቲ ነቲ ተራእዮ ከምዚ ገይሩ ገለጾ፡ 1) ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሽነኻት ምትእምማን የለን 2) እቶም ነባራት ተቃወምቲ ነቶም ሓደሽቲ ተቃወምቲ ናይ ስልጣን ቦታ ኣይህብዎምን እዮም በለ።
ኩሉ ሃገራዊ ንህልዊ ኵነታትና ፈቲሹ ገምጋሙ ከቀምጠሉ መሰሉ እዩ። ንዘየሎ ኵነት ግና ከም ሓቂ ኣምሲልካ ብፈጠራ ከተቅርቦ ግና ናይ ህግደፍ ጠባያት እዩ ዝለብስ። ኣብ መንጎ ተ.ሓ.ኤን. ህ.ግ.ኤን. ዝነበሩ ኣካላት ዘይምትእምማን ክርኤ ባህርያዊ እዩ። እዚ ናይ ግዜን ድሌትን ሕቶ እዩ እምበር መዓርፎ ክህልዎ እዩ። ንዓይ ዘገደሰትኒ ነጥቢ ግና እታ ካልኣይቲ ነጥቢ፡ ነባራት ተቃወምቲ ንሓደሽቲ ተቃወምቲ ናይ ስልጣን ቦታ ከሊኦሞም እትብል እያ። እዝስ ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ? መን እዩኸ ክመርሕ ኢሉ ዝተኸልኤ? ኣየናይ ውድብ እዩኸ ዝኸልኤ? እዞም ሕቶታት እዚኦም ምስታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጽሓፍኩዋ ኣርእስቲ፡ “ጽላሎት ህግደፍ ኣብ ከርሲ ተቃውሞ” እትብል ዝትሓሐዘ ስለ ዝኾነ ምምላሹ ኣገዳሲ ይኸውን።
ኣብ 2001 ኣብ ክሊ ብትረትን ምስጢራውነትን ዝግለጽ መርሕነት ህግደፍ ዝተራእየ ነቃዕ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ጮራ ተስፋ ኮይንዎ። እዚ ከኣ ካብ ባዶ ዝነቀለ ዘይኮነስ፡ መንገዲ ምስ ወዲ ዓዲ ካብ ዝብል እምነት እዩ። ናይ ብሓቂ ከኣ ህዝቢ ኢርትራ ብሓፈሻ ከኣ ደንበ ተቃውሞ ብፍላይ ዓቢት ትጽቢት ኣብ ሓደሽቲ ተቃውሞ ኣሕደረ። ብተሞክርኦምን ብታሪኾምን ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ወተሃደራውን ስለያውን መዳያት ህ.ግ./ህ.ግ.ደ.ፍን ስለ ዘገልገሉ ነቲ ስርዓት’ውን ውሽጡን ውሻጤኡን ስለ ዝፈልጥዎን ኣብ ምውዳቅ ህግደፍ ዝለዓለ ናይ መሪሕነት ተራ ክጻወቱ እዮም ዝብል እምነት ኣሕደረ። በዚ እምነት ከኣ ነባር ተቃዋማይ ናይ ገንዘባውን ሞራላውን ደገፋት ኣወፈየሎም። ሚድያ ከይተረፉ ከም በዓል ዓውተ ዶት ኮም ዝለዓለ ቆላሕታ ሃብዎም። እሞ እቲ ሓቂ ደኣ እንታይ እዩ?
ደርሆስ ብር እንተ በልኩስ ሕልሚ ኢላ ከምዝበሃል፡ እዞም ካብ ዓቅሞም ንላዕሊ ገጂፍ ስም ዝተዋህቦም ንተቃውሞ መሪሖም ሃገር ካብ ገሃንብ ህግደፍ ከናግፉ ዘይኮነስ፡ ነቲ ስርዓት ክዅንኑ ንህዝቢ ኤርትራውን በዲልናካ ኢና ክብሉ ዘይከኣሉ እዮም። እዚ መዳራይ ናይ ኣሰና ኮም’ከ እዞም ናይ ህግደፍ መራሕቲ ነበር ስልጣን እንኩም ምርሑና ምስተባህሉ እምቢ ኢሎም ከም ሰገን ርእሶም ኣብ ሕጻ ደፊኖም ከምዘሎዉ ይፈልጥድዩምበር?
ዘገርም እዩ፡ ተጽግብ ቅጫስ ኣብ መቅሎኣ ከላ ትፍለጥ ከምዝበሃል፡ ብኣጋኡ ብልቦም ኣግሂዶም ንህዝቢ ኤርትራ እንተዝዛረቡ፡ ሓሳቦምን መደቦምን እንተዝገልጹ ናይ ብሓቂ ሕልሚ ህዝቢ ኤርትራ ህያው ምኾነ። እዚኦም ካብ ዝመጹ ናይ ሓኽሊ ድሙ ባህርያት ይጥቀሙ ኣሎዉ። ገሊኦምሲ ወረ ፖለቲካዊ መንነቶም ኣይፍለጥን እዩ። እሞ እዚ ክሲ ንነባራት ተቃወምቲ ደኣ መንቀሊኡ ካበይ እዩ?
ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ እቲ ከሳሳይ ኣጕሊሕዎ ኣሎ። ኣብ ህዝቢ ምፍሕፋሕን ምፍላይን ክፈጥር ዝደሊ ህግደፍ ጥራሕ እዩ። ንዘየሎ ፈጠራ ፈጢርካ ሓቂ ከተምስሎ ምፍታን ንጥቅሚ ህግደፍ ጥራሕ ከኣ’ዩ ዘገልግል። ንጽላሎት ህግደፍ ምፍላጡን ምብድሁን ከኣ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ሓላፍነት እዩ።
ኣብ ህይወት ፖለቲካ ምውድዳር ስለ ዘሎ፡ ንሻቡ ምስ መዳራይ ክሰማማዕ እየ። ንህዝቢ ኣብ ጎድኖም ብምዕሳል ናቶም ሓያል ውድብ ዘይምስርቱ። ምስ ኣብ መንግስቲ ዘለዉ ናይ ሲብልን ወተሃደራት ሓለፍትን ተሰማሚዖም ንህዝቢ ካብዚ ገበል ዘየናግፍዎ። ሓቅነት ዘለዎ ክስሲ ከምዘይኮነ ከኣ’ዩ ዘብርሃልካ።
ሕጂ’ውን ምውዳቅ ህግደፍ ካብ ውሽጢ ኤርትራ እዩ ዝመጽእ። መንገዲ ምስ ወዲ ዓዲ ከምዝበኣል ከኣ እቶም ኣብ ህግደፍ ላዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝነበሮም ዝለዓለ ግደ ክጻወቱ ታሪኻዊ ሓላፍነቶም እዩ። እቶም ናይ ናይሮቢ ክውንነት ዝፈጠሩ ሞጎስ ይግብኦም ህዝቢውን ክስዕቦም ይግባእ። ኣብዚ ግዜዚ ቆልዑትን፡ ኣደታትን፡ መንእሰያትን ውቅያኖስን ምድረ-በዳን ክሸርበኦም ከለዋ ዓይንኻ ዓሚትካ ጓል-መንገዲ እንዳ ፈጠርካ ካብ ሓላፍነት እግርኻ ምስሕብ፡ ድሌት ህግደፍ ምፍጻም ጥራሕ እዩ ዘስምዕ። ልክዕ ከኣ ነዞም ካብ ሓላፍነት ዝሃድሙ ዘለዉ፡ ከምቲ ወይ ምሳና ወይ ምስ ጸላኢና ዝበሃል፡ ወይ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ወይ ድማ ምስ ህግደፍ ኩኑ እዮም ክብሃሉ ዘለዎም።
ውድቀት ህግደፍ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ጥራሕ እዩ ዝመጽእ!
ኣማን ተኽላይ
ዝኾነ ይኹን ግርጭት ካብ ብምርድዳእ ሓሊፉ ብውግእ ንምፍታሕ ዝህቀን ከይዱ ከይዱ ዕንወትን ብርሰትን እምበር ዘምጽኦ ፋይዳ የብሉን። ምስ እዚ ዕንወት ስዒቡ ዝመጽእ ከኣ ጽልኢ: ቅርሕንትን ናይ ሕነምፍዳይ ኣተሓሳስባን ይኸውን እሞ ቀጺሉ ውግእ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ ቀጻሊ ምትፍናን ይንበር። ዓለምና ካብ ውግእ ዝረብሓቶ ነገር እንተልዩ ዕብለላ፡ ጭቖናን ገበተን እምበር ዋላ ሓንቲ ኣውንታ የለን። ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለምና ብፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ተሓሚሳ ኣብ ናይ ኣጽዋር ውድድርን ንግድን ተሸሚማ ትርከብ።
ካብ ውግእ ዝረብሐ ዋላ ሓደ የለን። ንኣብነት ሂትለር እንተወሲድና ዳርጋ ንምሉእ ኤውሮጳ ተቖጻጺሩ ነይሩ እዩ። መወዳእትኡ ግና ከሰረ እምበር ኣይረብሐን። ሎሚ እውን ዓለምና ንውግእ ብዘገልግል ናይ ኣጽዋር ውድድር ትሳቐ ኣላ። እዚ ውድድር እዚ ንህልቂት እምበር ንሰላምን ቅሳነትን ከምዘይኮነ እነሆ ብዓይንና ንርእዮ ዘሎና ጉዳይ እዩ። እዚ ውድድር’ዚ ገበትን መለኽትን ዓለም ንምቁጽጻር ዝጥቀምሉ ዓመጸኛ መስርሕ እዩ።
ውግእ እንታይ ዘየብርስን ዘየጥፍእን። ፍጡር ክጠፍእ እንከሎ ብሩህ ራኢ ዝነበሮም በላሕቲ ሰባት እውን ምስኡ ይልከሙ እሞ፡ እታ ሃገር ናይ ክኢላታትን ፈላጣትን ድኽነት የጥቅዓ። ፍልጠት ዘይብሉ ሕብረተሰብ ከኣ ናብ ምዕብልናን ስልጣኔን ገጹ ከድህብ ይጽገም። ስለዚ “ውግእ ኣየድልን እዩ” ከበሃል እንከሎ ከም ድኽመትን ተንበርካኽነትን ገይሮም ዝቖጽርዎ ብዙሓት እዮም።
ጸረ ውግእ ደው ምባል ዕላምኡ፥ ውግእ፡ንሰላም፡ ንዲሞክራሲ፡ ንፍትሕን ማሕበራዊ ውህደትን ዘውሕስ ከም ዘይኮነ ንምርኣይ ምዃኑ እዩ እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ። እዚ ከኣ እንታይነት፡ ውጽኢትን ሳዕቤንን ውግእ ንምርዳእ ይሕግዝ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ውግእ ወይ ጎነጽ፡ ሰላምን ፍትሕን ዘየረጋግጽ ሳዕቤን ካብ ሃለዎ እቲ ጎዳኢ ዝኾነ ሳዕቤናቱ ከም ንሰላምን ፍትሕን ዘረጋግጽ ገርና ክንወስዶ ኣይግባእን።
ንውግእ ከም ቀዳማይ ምርጫ ዝወስድ ኣብ ውሽጡ ስግኣት ዝሓደሮን ሕቡእ ጦብላሕታት ዘለዎን እዩ። ብሓጺሩ “ኣነኸ ካብ መን ሓሚቐ እየ” ዝብል ትምክሕታዊ ኣተሓሳስባ ንኽህልወካ እዩ ዝገብር። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ናይ ጎነጽን ዘይጎነጽን ኣነጺርና ክንፈልጦ ኣብቲ ውጺቱን ሳዕቤኑን ምትኳር እዩ እቲ ዝሓሸ። ብጎነጽ ወይ ብውግእ ኣቢለ ዲሞክራስን ፍትሕን ከንግስ እየ ዝብል ኣካል ስለምንታይ ምስቲ “ዘይጎነጻዊ” ዝብል ምርጫ ዝጻረር ወይ ዝፈላለ? ነዚ ሕቶ መልሲ ክነናድየሉ ይግበኣና። ደሓር ከኣ ውግእ ኣካይድካ ኣብ መወዳእትኡ ናብ ክቢ ጠረጴዛ ኢኻ ተምርሕ። ኣብ መወዳእታ ምስተዳኸምካ እንድሕሪ ናብ ክቢ ጠረጴዛ ትምለስ ኮይንካ ደኣ ስለምንታይ ብኣግኡ ኣብ ውግእ ከይኣቶኻ ፍልልይካ ብዘይጎነጽ ንምፍታሕ ዘይትጽዕር? እምበኣር እቲ ቀንዲ ውግእ ዝድለየሉ ዘሎ ጉዳይ ጐብለል ኰይንካ ናይ ምውጽእ ህርፋንን ህልኽን እዩ። እዚ ከኣ ጸቢብ ረብሓኻ ንምቕዳም ዝግበር ውድድር እምበር ንሃገራዊ ረብሓ፥ ዲሞክራሲያዊ ማዕርነትን ፍትሕን ከምዘይኮነ ኩሎም ብሓይሊ ብረት ስልጣን ዝጨበጡ ሓይልታት ኣመስኪሮሞ እዮም።
ውግእ፥ ሓይልን ጉልበትን ናይ ደቂሰባት ኣዳኺሙ፡ ንብረት ኣዕንዩ ዘዳኽም ደኣ እምበር፡ ፍልልያት ፈቲሑ ቀጻልን ውሑስን ሰላም ዘየምጽእ ምዃኑ ርኢና ኣለና። ብመሰረቱ ውግእ ክትመርጾ እንከለኻ፥ ኩሉ ግዜ ሰዓራይ ወይ ከሳባይ ከም ምዃንካ ኣሚንካ ኢኻ ትኣትዎ እምበር ክትሰዓርን ክትከስርን ኢልካ ኣይኮንካን። ውጽኢት ውግእ ናይ ተዓዋታይ-ተዓዋታይ (win-win) እስትራተጂ ኣይክተልን እዩ። ውጽኢቱ ንሓደኻ እዩ። ስለዚ እቲ ዝድለ ዘሎ ንምልኪ ኣልጊስካ ዝተኣማምን ልዕልና ሕግን ልኡላውነት ህዝብን ሃገርን ንምንጋስ እዩ። በዚ ኣቢልካ ከኣ ካብ ኩሉ ጸቢብ ዝምባሌታት ሓራ ዝኾነ ሕብረተሰብ ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ። እዚ ብውግእ ከምዘይሳለጥ ከኣ ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ ብውግእ እቲ ኣብ ኣእምሮኻ ዘሎ ኣተሓሳስባ ንምትግባር፡ ማለት ነቲ ብሓሳብ ካባኻ ዝፍለ ኣካል ኣውዲቕካ ስልጣን ብምጭባጥ፡ ኩሉ ናይ ምብሓት ሓሳብ ኢኻ ተተግብር። ስለዚ እቲ ክትረኽቦን ክተረጋግጾን እትደሊ ምዃን ምስ ኣበየካ ብሓይልኻ ናይ ምምንዛዕ መንፈስ ይሓድረካ።
ስለዚ ኩሉ ግዜ ውግእ ዝለዓል ካብቲ ዓብላልን ሓያልን ኮይንካ ናይ ምምጻእ ስምዒትን ድሌትን እዩ። እዚ ናይ ውግእ ህርፋን ከኣ ሕውነት፡ ስኒት፡ ሓድሕድ ምቅብባል ይኹን ኣብ መኣዲ ዘተ ኮፍ ናይ ምባል ባህሊ ይገትእ። እዚ ዘይሃናጺ ስምዒት’ዚ ከኣ እዩ ተመሊሱ ዝገዝኣካ እሞ ነቲ ባይታ ከም ዝእሹኽን ዝዝረግን ገይሩ ንበሪ-ሰላም ልኩት ኣቢሉ ዝዓጹ።
ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማዕታት ምስ ኩሉ ኤርትራዊ ተቐማጣይ ከተማ ኦስሎን ከባብን ሓቢርካ ንምዝካርን፣ ነዞም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዝተፈላለየ ትራጀዲ/ ቅዝፈት ናይ ዝሰኣናዮም ወገናትና፣ መንእሰያትናን ሕጻናትናን እውን ናይ ሕልና ጸሎት ንምዕራግን
- ማሕበር ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን
- ምንቅስቃስ ስምረት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ንኡስ ጨንፈር ኖርወይ
- ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ
- በርገሳዊ ማሕበር፣ ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ
- ናጻ ማሕበር ኤርትራውያን ደቒ-ኣንስትዮ ንሰላምን ፈትሕን ጨንፈር ኖርወይ
ናይ ሓባር ምድላዋት ብምግባር ብኽብሪ ይጽውዑ ኣለዉ።
ምሉእ ሓበረታ፣
- ዕለት 20 ሰነ 2016
- ሰዓት 17 ወይ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ድቀ
- ቦታ Ebbells gate 1, ቀዳማይ ደርቢ
ንተወሳኺ ሓበረታ፣ 96886017 ወይ 94738158 ወይ 99454433 ደዊልኩም ተወከሱ።
ብደሓን ምጹ!!