ዝበዝሐ ሃገራት ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽም ኣሎ ንዝብል ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ከምዝድግፋ ገሊጸን

2016-06-21 18:59:40 Written by  Radio Erena Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1938 times

Radio Erena: 21 June 2016

Yemane Ghebreab
ሎሚ 21 ሰነ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝተጋብአ መበል 32 ስሩዕ ኣኼባ ባይቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፋ ሃገራት፣ መብዛሕተን ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቀረበ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ጸብጻብ ከምዝድግፋ ኣረጋጊጸን።

ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፈጸሙ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ናብ ፍርዲ ክቀርቡ ንዝብል እማመ'ውን ደጊፈን።

ኣቦ መንበር መርማሪት ኮሚሽን ነቲ ብ8 ሰነ ዝቀረበ፣ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ጸብጻብን፣ ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ዝብል እማመን ዝሓዘ ምሉእ ጸብጻቡ ናብቲ ባይቶ ድሕሪ ምቕራቡ'ዩ ፣ ዝተፈላለያ ሃገራት ርእይቶታተን ክህባ ዝተሓታ።

ወኪል መንግስቲ ኤርትራ፣ ሰማእታትና ኣብ እንዝክረላ ዕለት፣ ንጽባሑ ኣሻሓት ዜጋታት ንጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ንምቕዋም ኣብ ጄኔቫ ተረኺቦም ከምዘለዉ ብምጥቃስ፣ በንጻር እዚ ግን መርማሪ ኮሚሽን ንሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንምቕራባ ይጽዕር ምህላዉ ወቒሱ። በዚ ገበን እዚ ክትክሰስ ዝግብኣ ኢትዮጵያ'ያ ክብል'ውን ደምዲሙ።

ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ፣ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረብ ጸብጻብ ከምዝድግፋ ብምጥቃስ፣ ናይ 1997 ቅዋም ክትግበር፣ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ተበግሶታት ክወስድን ምስ መርማሪት ኮሚሽን ክተሓባባረን ጸዊዐን።

ነርወይን ብሪጣንያን በብወገነን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ካልእ ጉዳያትን ከምዝተዘራረባ ብምርግጋጽ፣ እቲ መንግስቲ ዛጊት ዝኾነ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ብዘምርኣዩ ከምዘጉሃየን ጠቒሰን።

ብሪጣንያ፣ ኣብ ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ዘይምህላዉን ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ማእሰርትን ከምዝፍጸምን ብምጥቃስ፣ ኤርትራ ምስታ ኮሚሽን ክትተሓባበርን ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ከምእትድግፍ ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ኤርትራ ምስ መርማሪት ኮሚሽንን ፍልይቲ ልእኽትን ብምትሕብባር ሰብኣዊ መሰላት ዝመሓየሸሉ ኩነታት ክጽዕር'ውን ተላብያ።

HRC
ነርወይ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ከም ማሕበር ጋዜጠኛታትን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝኣመሰሉ በርጌሳውያን ማሕበራት ንኽቖማ ክፈቕድ ሓቲታ።

ፈረንሳ ከኣ ካብዘን ሃገራት ብዘይፍለ ንርእይቶ ሕብረት ኤውሮጳን ጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ከምዘለዎ ብምድጋፍ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንመርማሪት ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ኣትያ ንኸተጽንዕ ፍቓድ ዘይምሃቡ ከምዘተሓሳስባ ሓቢራ። ነቲ በታ ኮሚሽን ዝቐረበ እማመ ዘለዋ ደገፍ ድማ ገሊጻ።

ኣመሪካ ብወገና ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብዝምልከት ተደጋጋሚ እዋን መግለጺታት ከምዘውጽአት ብምጥቃስ፣ በታ ኮሚሽን ዝቀረበ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ምህላዉ ዝጠቕስ ጸብጻብ ከምእትኣምኖ ኣፍሊጣ።

ናይ 1997 ቅዋም ክትግበር፣ ምርጫ ክካየድ፣ ብዘይፍርዲ ተኣሲሮም ዘለዉ ፖለቲከኛታት፣ ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ክፍትሑ ዝብል እማመ ብምቕራብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መርማሪት ኮሚሽን ብምትሕብባር ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከመሓይሽ ጸዊዓ።

እተን ዝተረፋ ሃገራት ኤውሮጳን ኣውስትራልያን'ውን ካብተን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዝተፈልየ ርእይቶ ኣይነበረንን።

ኩባ፣ ቻይናን ቬኔዙዌላን ከኣ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ፖለቲካዊ መልክዕ ምሓዙ ከምዝቓወማ ብምጥቃስ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘተን ልዝብን ክቕጽል፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንጸገማት መንግስቲ ኤርትራ ብግቡእ ተረዲኡ ኣብ ምፍትሑ ክተሓጋገዝን ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ጣልቃ ከይኣቱን ኣተሓሳሲበን።

ከም ጋናን ቦትስዋናን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ 1997 ቅዋም ክትግበርን ብምጽዋዕ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝርርብ ክቕጽልን መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ኣፍደጌታቱ ንመርማሪት ኮሚሽን ከርሑን ሓቲተን።

ጅቡቲ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን፣ ነቲ ብኮሚሽን ዝቀረበ ጸብጻብ ከምዘለዎ ክድግፉ እንከለዉ፣ ወኪል ጅቡቲ ከኣ ብዛዕባ'ቶም ጌና ሃለዋቶም ጠፊኡ ኣሎ ዝበሎም 13 ምሩኳት ኵናት፣ ደሃዮም ንምርካብ ኣህጉራዊ ማሕበር ሰብ ጻዕርታቱ ክቕጽል ጸዊዑ።

ኬንያ ብወገና ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቀረበ ጸብጻብ ግቡእ ኣቓልቦ ክግብረሉን እማመ እታ መርማሪት ከኣ ክትግበርን ተማሕጺና።
ሰበ ስልጣናታ ብተመሳሳሊ ክሲ ዝድለዩ ሱዳን ግና እታ ኮሚሽን ንኤርትራ ከይበጽሐት፣ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ጸብጻብ ምቕራቡ ፖለቲካዊ ድፍኢት ኣለዎ ኢላ ከምእትኣምን ገሊጻ።

ብዘይካተን ወከልቲ ሃገራት፣ ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ኣህጉራውያንን ተጠበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት'ውን ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ዝድግፍ መደረታት ኣስሚዖም።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣኼብኡ ቅድሚ ምዝዛሙ ኣብ መወዳእታ ዕለታት ናይዚ ወርሒ ውሳኔ ከሕልፍ ትጽቢት ይግበረሉ።

 

Last modified on Tuesday, 21 June 2016 21:13