ህዝቢ ኤርትራ ናብ ማይ ዘለዎ ዘይኰነስ፡ ናብ ሕጊ ዘለዎ ኢዩ ክኸይድ መሪጹ

2016-06-24 20:15:11 Written by  ግርማይ ተኽለ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1826 times

መራሕቲ ህግዲፍ፡ ብጻብጻብ ኮሚሽን ምርመራ ሕቡራት ሃገራት ተሰናቢዶም፡ ንኤርትራ ንምድሓን ዘይኰነስ፡ ንህይወቶም ከድሕኑ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ተራእዮም። ገለ ካብ’ቲ ዝገበርዎ ትያትራት፦

  1. ንከርክብሎም ዝኽእሉ ኤርትራውያን ደገፍቶምን ዘይደገፍቶምን፡ ብኣስገዳድ ብመሰረት መምርሒታት ሰበስልጣን ህግዲፍ ዝተመልአ ኣንጻር ጸብጻብ ኮሚሽን ምርመራ ሕቡራት ሃገራት ዘቕንዐ ጥርዓናት ከምዘቕርቡ ገይሮም፤
  2. ብዛዕባ’ቶም ን15 ዓመታት ዘይተዛረቡሎም እሱራት ኣባላት ጕጅለ 15 ብህይወቶምን ምስ ምሉእ ጥዕናኦምን ኣለዉ ክብሉ ተሰሚዖም፤
  3. ንኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ደሞዝ ምኽፋል ጀሚርና ኣሎና ዝብል ናይ ሓሶት ወፈራ ኣካይዶም፤
  4. ሓድሽ ቅዋም ነዳሉ ኣሎና ዝብል ግዜ መብልዒ ዝኸውን ኣደናጋሪ መብጽዓ ኣስሚዖም፤
  5. ሃገራዊ ኣገልግሎት ን18 ኣዋርሕ ክንድርቶ ኢና፤
  6. ንጸብጻብ ኮሚሽን ምርመራ ምድጋፍ ንኤርትራ ናብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንምምላስ ዝዓለመ ኢዩ ዝብል ብመጋበርያታቶም ዝተሰነየ ሰፊሕ ናይ ጸለመ ወፈራ ኣካይዶም፤

ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ በዚ ወፈራታት’ዚ ኣይተደናገረን። ኣብ’ቲ ብዕለት 21 ሰነ 2016 ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ብስርዓት ኢሳያስ ዝተዳለወ ናይ ደገፍቱ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ዝተኻፈለ ብዝሒ እንተርኢና፡ ካብ 1000-1500 ዝበዝሕ ኣይነበረን። እዚ ውን፡ ንደግፍቲ ግንቦት 7: ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያን ወሳሲኽካ ኢዩ። እዚ፡ ብመንጽር ‘ቲ እተኻየደሉ ጻዕርታት፡ ብመንግስቲ ኣስመራ ዝፈሰሰሉ ገንዘብን ክርአ እንከሎ፡ ህዝቢ ኣብ ጐድኒ እቲ ስርዓት ከምዘየለ ዘረጋግጽ ግብራዊ ምስክርነት ኢዩ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ህዝቢ ኣስመራ፡ ነቶም ንደቁ ኣብ ከብዲ ኣስመራ ዝቐተሉ ዕሱባት ወተሃደራት ህግዲፍ፡ ብዳርባ እምንን ኣውያትን ዘስምዖ ተቓውሞን ኵነኔን እንተደኣ ወሲኽናሉ፡ ዕምሪ ጨቋኒ ጕጅለ ኣስመራ ዘሕጽሩ ረቛሕቲ እናተዋህለሉ ይኸዱ ምህላዎም ብዘይ ጥርጥር ክስመረሉ ዝኽእል ሓቂ ኢዩ።

 

ብኣንጻሩ ብ23 ሰነ 2016 ብደለይቲ ፍትሒ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ሰባት ብዕግበቶምን ብገንዘቦምን ዝተኻፈልዎ ኰይኑ፡ ብብዝሒ ክርአ ከሎ ድማ ካብ 10 ክሳብ 14 ሽሕ ዝበጽሕ ነበረ። ናይ ሎምዘበን ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ካብ’ቲ ናይ ዓሚ ሰላማዊ ሰልፊ ብክልተ ወይ ሰለስተ ዕጽፊ ምዝያዱ ድማ፡ ተቓውሞ ኣንጻር ስርዓት ህግዲፍ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ ዘመልክት ተርእዮ ኢዩ። መብዛሕትኦም ተኻፈልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ደለዪቲ ፍትሒ መንእሰያት ምዃኖም ከኣ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ዝገበረ እንተገበረ፡ ካብ ውድቀት ክድሕን ከምዘይኰነ ዝሕብር ኣገዳሲ ምልክት ኢዩ።

 

ህዝብናግዝኣተ-ሕጊ ኣብ ዘይብሉ ኵነታት ጽሩይ ማይ ክሰቲ ከምዘይክእል ኣዐርዩ ዝፈልጥ ህዝቢ ኢዩ። ስለ’ዚ ኢዩ እውን፡ “ዘራጊት ዘላተን ኣሓስ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ” ክብል ዝመሰለ። ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ “ናብ ማይ ዘለዎ ዘይኰነስ፡ ናብ ግዝኣተ-ሕጊ ዘለዎ ሃገር ምህናጽ ኢዩ ክኸይድ ኣንቂዱ ተላዒሉ ዘሎ”። ፍትሒ፡ ሰላም፥ ናጽነትን ግዝኣተ-ሕግን ከየንገሰ ድማ ንድሕሪት ክምለስ ኣይኰነን።

 

ሰበስልጣን ህግዲፍ ናብ ሕጊ ምኻድ ከም ቍሪ ኢዮም ዝፈርሕዋ። ስለ’ዚ ከኣ’ዮም ይዕበ ይንኣስ ነቐፌታ ክቐርበሎም ከሎ ብምድሃልን ጸለመን ክዕፍንዎ ዝፍትኑ። ሓቅነት እንተልይዎም፡ ንጹሃት እንተዀይኖም፡ ናብ ሕጊ ምኻድ ስለምንታይ ኣፍርሖም? ስለምንታይ ኢዮም’ከ፡ ንኮሚሽን ምርመራ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ኣትያ፡ ንሃለዋት ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታትና ክትምርምር ዘይፈቐዱላ? ስለምንታይ ኢዮም ንናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ናብ ቤት ፍርዲ ዘየቕርብዎም? ስለምንታይ ኢዮም ምስ ቤተሰቦምን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ክራኸቡ ዘየፍቅዱሎም?

 

መራሒ መንግስቲ ከንያ፡ ኡሁሩ ከንያታ፡ ብነብሱ ተኣማሚኑ፡ ናብ ኣህጕራዊ መጋባእያ ገበናት (ICC) ቀሪቡ ናጻ ተባሂሉ ተለቒቑ እኳ’ዩ። ዲክታቶር ኢሳያስ ንጹህ ኢየ በሃላይ እንተዀይኑ፡ ስለምንታይ ከምኡ ዘይገብር?!!!

 

ጕጅለ 15 እውን፡ ናብ ሕግን ሕጋውነትን ንኺድ ፡ ብባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ቅዋም 1997 ዓ.ም ይተግበር ስለዝበሉ እኳ’ዮም ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮምን ተበሳቢሶምን። ድሒሩ እውን፡ ኣብ ስርሒት ፎርቶ ተኻፊልኩም ንዝበሎም መሳርሕቱ ፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብዘይ ፍርድን ብዘይ ሕግን ድምጾም ድምጽማጾም ከምዝጠፍእ ዝገበረ፡ ብዘይካ ስልጣኑ ካልእ ዘየገድሶ ሓደገኛ ምልካዊ ጕጅለ ኢዩ ።

 

ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ንለውጢ ካብ ግዜ እናዓበየ፡ ተቓውሞኡ ንግፍዕታት ህግዲፍ ድማ እናተርንዐ ክመጽእ ይርአ ኣሎ። እዚ፡ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ጅነቭ፡ እስራኤልን ኣዲስ ኣበባን ብደለይቲ ፍትሒ ዝተፈጸመ መኸተ ናህሩ ከይጐደለ፡ ትጽቢታት ህዝብና ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክውን ንምግባር፡ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ፡ ኣንጻር ዲክስታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ተሓባቢርናን ተዋሃሂድናን ክንቃልስ ኣሎና።

 

ሓድነት ሓይሊ ኢዩ!!

 

ግርማይ ተኽለ

Last modified on Friday, 24 June 2016 22:18