እዚ ብሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ናጽነቱ ረኺቡ፡ መንነቱን ክብሩን ዓቂቡ፡ ንሱ ብዝመረጾ ኣገባብ ክመሓደር ዝግብኦ ውርዙይ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቶም ኣብ ኣርብዓታት እዚ ዕድሉ‘ዚ ዝነፈግዎ ጎባልል ናይቲ ዘበን'ቲ ምስታ ምሓዛ ሓያላት ሃገራት ዝኾነት ኢትዮጵያ ተቖሪኑ፡ ዘይመንነቱ ክለብስ ንዝተዋህቦ ዘይፍትሓዊ ውሳኔ ነጺጉ፡ ዕጥቃዊ ቃልሱ ክጅምር ከሎ፡ ኣጆኻ ዝበሎ ኣካል ኣይነበሮን። እዚ ኣብ ድሩት ዓቕሙ ግን ክኣ፡ ተሪር ኤርትራዊ ኒሑን ውሽጣዊ ሓድነቱን ብሓደ ወገን፡ ብዓል ሓቅን ርትዕን ምዃኑ ከኣ ብኻልእ ወገን ኣሚኑ ዝተበገሰ ቆራጽ ህዝቢ፡ ንምግላጹ ብዘጸግም መሰናኽላት ሰጊሩ፡ ብሉጻት ደቁ ክፊሉ ናይ ዘምጽኣ ናጽነት፡ ኤርትራ ናጻ ሃገር ምዃና ካብ ትፍለጥ፡ ድሮ ናይ 25 ዓመት ብዓል ናጽነት ንጽንብል ኣሎና። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ነዛ ዋጋ መስዋቲ ጀጋኑ ዝኾነት ክብርቲ ብሩራዊ ኢየበልዩ ናጽነት፡ ህዝብና ዝተጸበዮን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቀኛ ኩነታት ሃገርናን ሕቘን ከብድን ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን ኴንና ገለ ብጓይላን ፈንጠዝያን ገለ ድማ ነዛ ብዓለባ ሳሬት ተሸፊና ዘላ ናጽነት ዓቂቡ ናብታ ዝሓልማ ሓርነት ዝሰጋገረሉ ትስፉው መንገዲ ንምንዳይ ኣብ ዘተን ልዝብን ዘተኮረ መጋብኣያ ተራኺቡ፡ ኣብ ምጽንባላ ንዝርከብ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ዮውሃና ከይበልኩዎ ክሓልፍ ኣይመርጽን።
እዚ ትዕግስተኛን ጸዋርን ህዝብ‘ዚ፡ ነዛ ድሌቱን ትጽቢቱን ከይረኸበ ምስ ኩሉ ጉድለታታን ምረታን ተደቚሱ ዝጽንብላ ዘሎ፡ ነታ ጽባሕ እትመጽእ ህዝቢ ዝማእከላ ፍትሓዊትን ዲምክራዊትን ሃገር ናይ ምህናጽ ልዑል ተስፋን ራእይን ስለ ዘለዎ እምበር፣ በዚ ሎሚ ዘላቶ ኣይኮነን ዝልክዓ። ኣብ ክምዚ ዝኣመሰለ ክቡር መዓልቲ ናጽነት፡ ንኣመጻጽእኡ ዝተሰግረ መሰናኽላትን ዕንቅፋትን ዝተኸፍሎ ክቡር ዋጋን ናይ ምግላጽ ስልጣን ናይቲ ነቲ ንሃገር ዝመርሕ ዘሎ ዝግባእ እኳ እንተኾነ፡ ብሰማዕቱ ክምዘን ግን ባህርያዊ እዩ። ነዚ ረዚን ክብሪ ጽንብል ኢዮበልዩ ኣመኽንዩ፡ ኣብ ትሕቲ ርብዒ ዘበን ኣብ መኸተን ልምዓትን ዝብል መደናገሪ ጭርሖ ግን ከኣ፡ ርብዒ ዘበን ኣብ ዕንወትን ጥፍኣትን ዝመግለጺኡ ሓቂ፡ መርሒ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ካብ ዝሃቦ መደረ ኣመልኪተ ኣብተን ዝበለን ጥምሮ ሓሳባት ትዕዝብተይ ክህብ‘የ።
ዲክታቶር ኢሳያስ ብድሆታትን ተጻብኦታትን ዝመሰለ ይምሰል በንጻር መኸተናን ልምዓትናን፡ ባህልናን ስርዓተ ክብርታትናን መሊሱ ሃብቲሙን ተዀሊዑን፡ ኩሉ ጎናውን ሕጋውን ዜናውን ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ድሕነታውን መኸተና ደርሚሱ ድሕሪ ምባል ኣብ ወርቃዊ ኢዮበልዩ የራኽበና ክብል ምስ ሰማዕክዎ፡ ኣዝየ ሓዚነ ብዙሕ ኤርትራዊ ከም ዝሓዘነ ክኣ ኣይጠራጠርን።
ምኽንያቱ፡ ክምቲ ብሃገሮምን ህዝቦምን ዝሓልዩን ዝግደሱን መራሕቲ ሃገራት ዓለምና፡ ኣብ ክምዚ ኣጋጣሚታት ንህዝቦም ዘሐጉስን ሞራሉ ዝኹልዕን ዝህብዎ ቃል፡ እዚ ልዑል ክብርን ሞሳን ዝግብኦ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዲክታቶር ኢሳያስ ናይ እሱራት ምሕረትን ምእዋጅ ህንጻ ሕግን ፍትሓውን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን‘ኳ እንተዘይተጸበየ፡ ክምዚ ዝበለ ምስ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ዘሎ ግሉጽ ሓቂ ናይ ሰማይን ምንድርን ዝርሕቀቱ ንኩሉቲ ብጊዜ ቃልሲ ዝኸሰብናዮ ክብርን ታሪኽን ውጽኢቱ ናጽነትን ዘህስስ ኣእምርኦም ናይ ዝሰሓቱ መግለጺ ምሃቡ ኢሳያስ ሃገር ክመርሕ ዘይኮነስ ሃገር ንምዕናው ዝተበገሰ ልኡኽ ሰይጣን ምዃኑ ብዝያዳ ዝያዳ ንዓለም እዩ ኣረዲኡ።
እስከ በሉ ኣብተን ዝበለን ቃላት ክመልሰኩም፡ “ ባህልናን ስርዓተ ክብርታትናን መሊሱ ሃብቲሙን ተዀሊዑን“ ንሱ ዝበሎ ቃል ክኽውን ክሎ፡ ብዓይን‘ቲ ዓቂብዎ ዝጸንሐ ወለዶ ክርኣ ከሎ ግን ባህልና፡ ብጽዋር ባህሊ ተተኪኡ መኣዝኑ ስሒቱ ንሃገርናን ህዝብናን ኣብ ዘየንጸባርቐሉ ደረጃ በጺሑ እምበር፡፡
ንክብሪ ባህልና ብዝምልከት፡ ምስልን ክብርን ወላድን ውሉድን ተጸናቢሩ፡ ማዕርነት ግቡእ ቦትኡ ስሒቱ ካህንን ዓለምን ኣብ ዘይንፈላልየሉ ብዓቢኡ ከኣ ምክብባር ጠፊኡ፡ ትሕትናን ቅንዕናን ብትዕቢትን ኣነነትን ተተኪኡ ጠርናፍን ተጻዋርን ክብርና ተረሚሱ ይርከብ።
ንሕጋውን ዜናውን ፖለትካውን፡ ብዝምልከት ድማ ንርብዒ ዘበን ብዘይ ሕገ-መንግስቲ እናተምሓደረት ዜጋታታ ብዘይፍትሓዊ ብይን ተቀይዶም ኣብ ጎዳጉዲ እናበለዩ፡ ህዝባ መጽለልን መዕቆብን ጨኒቕዎ ኣብ ስቓይን ምክልባትን እናነበረ መንእሰያታ ብወፍሪ ባርነት ተስፋ ቖሪጾም፡ ሃገሮም ገዲፎም ብምስዳድ ኣደዳ መሸጣን ማሕረድትን ግዳያት ሞት ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ኮይኖም፡ ሃገር ኣብ ምጽናት ህዝባ ክኣ ኣብ ዓሚቚ ዳግማይ ሓዘንን ሻቅሎትን ተሸሚሙን ተረሚሱን እናሃለወ፤ ብዜናዊ መዳይ ድማ ቲቪ ኤረ ናይ ውልቂ ርስቱ ጌሩ ዓገብ ዝብሎ ዘይብሉ ቱታ ናይ ዝበለ፤ ብፖለቲካዊ መዳይ፡ መብጽዓ ውድባዊ ጉባኤ 1987 ጠሊሙ፡ መዓጹ ዲሞክራሲያዊ ተሳትፎ ፓርትታት ረጊጡ፡ ብዘይቀይዲ ስለ ዝዓንደረ ደርሚስናን ተዀሊዕናን ክብል ከሎ፡ ህዝቢ ጊዜኡ ዝሃቦ ሓምሓምስ እምኒ ይሰብር ዝብል ምስላ ብምዝካር ክግረምን፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበሮ ጽንቃቕ እምነት ከጥፍእን እምበር፡ መደሪኡ ናይ ምስማዕ ሸውሃትን ባህግን የብሉን።
ብዛዕባቲ ዲፖሎማስን ድሕነትን ዝበሎሞ ከኣ ብሰንኪ ዓንዳርን ሕጊ ኣልቦ ፖሊስኡን ሃርጋፍ ወታሃደራዊ ትምክሕቱን ተነጺሉ ካብ እገዳ ሓሊፉ ብገበን ናይ ምኽሳሱ ገመድ ይፍሓሰሉ ከምዘሎ ምዝኽካሩ ኣኻሊ መልሲ ኮይኑ፡ ንድሕነት ብዝምልከት ግን ስልጣነይ ብግቡእ ጻማ ጻዕሮም ብዘይክፈሉ ብስም ሃገርዊ ኣገልግሎት ዝጽውዑ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ተሓልያን ድሒናን ኣላ ይብል እንተልዩ ግን፡ ንዓና ንኤርትራውያንስ ይትረፍ፡ ብቐረባ ንዝከታተል ህዝቢ ዓለምናውን ርዱእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ናይ ምልጋሱን ምቕናዩን ጉዳይ ነቲ ብትዕግስቲ ዝሰምዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንደለይቲ ለውጢ ድማ ብፍላይ ዝግደፍ ጉዳይ እዩ።
ኣብዚ ክቡር ዕለትዚ፡ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣብ ቅድሚ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ርሑቕን ቀረባን ዲፕሎማሲያውያንን ምናልባት‘ውን ጋዜጠኛታትን ዝተረኽብሉ እዋን ንዘይብቕዓቱን ፍሽለቱን ዘረጋግጽ መደረ ስለዝኾነ፡ መፍትሒ ኣብ ምድላይ ተጸሚዱ ንዝርክብ ህዝብና፡ ቃልሱ ከቀላጥፍ ዝሕግዝ ወሳኒ ኣጋጣሚ ስለ ዝኾነ መልሰ ተግባር ደላይ ፍትሒ ህዝብና ክሳብ ወርቃዊ ኢዮበልዩስ ይትረፍ፡ ክሳብታ ታሪኻዊት መዓልቲ ባሕቲ መስከረም እኳ ኣይንጽመመካን ዝብል ክኸውን ይግባእ።
ካብዚ እምንቶን ተርኦን ተበጊሱ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሓዊ ለውጢ ህዝብና ብሓፈሻ፡ ተቓወምቲ ሓይልታቱን ተረክብቲ ሕድሪ መንእሰያቱን ድማ ብፍላይ፡ ብዘይወዓል ሕደር ሓድነቶም ኣረጋጊጾም ኩሉ ዓቕሞም ወዲቦም ንስርዓት ህግድፍ ብቅልጡፍ ኣልዮም፡ ክብሪ ሃገርን ህዝብን ዝሕሉን ንመሰሉ ዝጣበቕን ስርዓት ንምርጋግጽ ክቀላጠፉ ኣለዎም።
በዚ ኣጋጣሚ ንኩሎም ሓይልታት ምክልኻልን መራሕቶምን፡ ነቲ ክሳብ ሎሚ ዝፈጸምክምዎ ታሪኻዊ መስርሕ ናጽነትን ትፍጽምዎ ዘሎኹም ምክልኻል ሃገርን ተጎልቢቡ ተጻብኦ ዝመሰለ ይምሰል ንስልጣነይ ጽንጽያ ዘንብረላ የለን ክሳብ ምባል ዝተነፍሐ ትዕቢተኛ መራሒ፡ ስልጣኑ ንምንዋሕ ህዝብኹም ክትጭቁኑን ንጹሃት ክትቀትሉን ንዝህበኩም ትእዛዝ ነጺግኩም፡ ኩሉ ዓቕምኹም ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ኣብ ጎድኒ ደላይ ፍትሒ ህዝብኹም ክትስለፉ መጸዋዕታይ አቕርበልኩም።
ፍትሕን ሰላምን ንህዝብና!
ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና!
ዓንደጽዮን ግርማይ
ጀርመን
እዚ ኣርእስቲ ክልተ ተገራጨውቲ ሓሳባት ዝሓዘለ ምዃኑ ርዱእ እዩ። መጀመርያ ውድባት ኣየድልያን እየን ዝብል ሸነኽ ካብ ምንታይ መርትዖ ነቒሉ እዩ ከምኡ ዝብል ዘሎ፡ ዘዕግብ መብርሂ የብሉን። ደሓር ከኣ ውደባ መሰል ናይ ሰባት ምዃኑ ዝዘንገዐ እዩ። ውድባት ኣየድልያን እየን ምባል ከኣ ነቲ ውልቃዊ ናይ ምውዳብ ናጽነት ምጽራር ማለት ኣዩ ዘስምዕ።
ስለምንታይ ደኣ’ሞ ሎሚ ኣብ ኤርትራዊ ዜጋ እዚ “ውድባት ኣየድልያን እየን” ዝብል ሓሳብ ዝቀላቐል ዘሎ? እቶም ከምኡ ዝብሉ ናይ ብሓቂ ዲዩ ኣድላይነት ናይ ሰልፍታትንጠፊእዎም ጠፊእዎም ወይ ሕቡእ ኣጀንዳን ግጉይ ኣመለኻኽታን ኣልይዎም እዩ? ትርጉም ፖለቲካ ጠፊእዎም እንተኾይኑ ሓቆም እዮም ክበሃል መተኻእለ። እስከ ምሁራን ንፖለቲካ እንታይ ትርጉም እዮም ዝህብዎ ንርአ። ከምቲ ምሁራን ዝገልጽዎ ፖለቲካ ማለት ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ከመይ ገይርካ ብሓባር ናይ ምንባር ኣወዳድባ መስርሕ እዩ። ቀጺሎም ከኣ እዚ ህላዌ ፖለቲካውን ስቪላውን ማሕበራት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዜጋ ከኣ ኣብዘን ክልተ ማሕበራት ሱታፈኡ በገዛእ ድሌቱን ፍቓዱን ምስ ዝዋሳእ እዩ እቲ ዲሞክራሲ ዝብል ህይወት ክረክብ ዝኽእል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ከምኡ ዝብል ኣካል፡ ነቲ “ዲሞክራሲ ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ” ዝብል ኣምር ብተግባር ይበቕዖ ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ከኣ ሓሳቡን ርእይትኡን ብዘይፍርሒ ዝገልጸሉ ብምዃኑ እቲ ዲሞክራሲ ጥዕና ይረክብ። እቶም ምሁራት “ንፖለቲካ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ጉዳያት የድልይዎ” ዝብል ሓሳብ የቕርቡ።
• ፖለቲካ፡ ናይ ፖለቲካዊ ውድብ ዕላማን መምዘኒታትን ዝሰርዕ፡ ሓሳባትን ክብርን (value) የድልዮ። ናጽነት፡ ፍትሕን ሓድነትን መምርሒ ፖለቲካዊ ውድብ ናይ ዝኾነ ይኹን ሕብረተሰብ መሰረታዊ መትከላት እዮም።
• ፖለቲካ፡ ንድሌታት ጠርኒፈንን ኣኪበንን ንፖለቲካውን መንግስታውን ትካላት ዘመሓላልፋ ወይ ዝረዳድኣ ማሕበራዊ ትካላት የድልዮ። እዘን ነዚ ማሕበራዊ ድሌታት ዝጥርንፋን ዝእክባን ኣካላት ከኣ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ከምኡ እውን ማሕበራት፡ ክኢላታትን ሰራሕተኛታትን ካልኦት ዘይመንግስታውያን ትካላት ስቪላዊ ማሕበራትን እየን።
• ፖለቲካ፡ ንማሕበርሰብ ዝጥርንፋን ከም ወከልቲ ኰይነን ዝካትዓ፡ ዝውስናን ኣብ ግብሪ ዘውዕላን ተካላት የድልዮ። እዘን ኣብ ደሞክራሲያዊት ደውላ መብዛሕትኡ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝተኣማመና ወይ ዝምርኰሳ ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ትካላት እዚአን፡ ፓርላማታትን መንግስታትን እየን።
• ፖለቲካ፡ ብሓሳብ ንዝድለ ጠለባትን ትጽቢታትን ብዝምልከት ኣብ ፖለቲካዊ ምይይጥ ዝሳተፉ ከምኡ እውን ኣብ ተግባራት ወይ ዕማማት ናይተን ፖለቲካዊ ትካላት ስሉጥ ኣበርክቶ ወይ ሓገዝ ዝገብሩ ዜጋታት የድልዮ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ፡ እቲ ገለ ካብ ስነፍልጠታዊ ገለጻ ብዛዕባ ተደላዪነት ህላዌ ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት እዩ። ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዘሎና ተረድኦ ምስ’ዚ ተጠቒሱ ዘሎ ክሳብ ክንደይናይ ይዛመድን ኣይዛመድን ክንግምግም ንኽእል ኢና። ስለዚ ሰልፍታት ብድፉኑ ኣየድልያን እየን ምባል መግለጺ ጸረ-ዲሞክራሲያውነት ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን። ምኽንያቱ ሰልፍታት ኣገደስቲ መሳርሒ ትካላት ናይ ፖለቲካ እየን። ፖለቲካ ከኣ እተን ልዕል ኢለን ተጠቒሰን ዘለዋ ኣርባዕተ ነጥብታት ስለ ዘድልዮ፥ ሰልፍታት በቲ ዘለወን ስነሓሳብ፡ ዕላማን ራኢን ንዜጋታት ኣብ ምሕባርን ምጽላውን ዓቢ ግደ ይጻወታ። ሓደ ዜጋ ስልጡንን ምዕቡልን እንተኾይኑ፡ ባዕሉ መምዩ መጸዋዕታ ከይተጸበየ ንጉዳይ ሃገሩ፡ ሓባራዊ ረብሓኡን ንዲሞክራስን ፍትሕን ኣብ ዝኣምነሉ ሰልፊ ክነጥፍ፡ ክዋሳእን ኣበርክቶ ክህልዎን የድሊ።
ካብዚ ሓሊፉ ዝኾነ ይኹን ሰልፊ ንዜጋታት ካብ ምጽላውን ምጉስጓስን ሓሊፉ ኣብ ፖለቲካዊ እምነቱ ኣገዲዱ ወይ ወጢጡ ከሰልፍ ኣይክእልን። ልክዕ እዩ ሰልፍታት በቲ ፖሊሲአን ዝኣምኑ ኣባላት ከብዝሓን ክውድባን ይደልያ እየን። ቀንዲ ስረሐን’ውን ንሱ እዩ። ስለዚ ካብዚ ብምንቃል፥ ህዝቢ እዩ ነቲ ዕላማን ራኢን ሰልፍታት መዚኑ ክስለፍ፡ ከነጥፍን ክድግፍን ዝግብኦ። ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ሰልፍታት የለዋን ኣይሰርሓን፥ ህዝቢ ከዕስላ ኣይከኣላ’ሞ ኣየድልያን እየን ምባል ዘይኮነስ፥ እቲ ክግበር ዝግበኦ፡ ካብተን ሰልፍታት ወይ ውድባት ብራኢኣ እተኣምነላ መሪጽካ ንምሕያላን ምብርተዓን ምቅላስ እዩ ክኸውን ዝግበኦ።
ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተሳትፎ ከምኡ እውን ነቲ ንሰልፍታት ዘድሊ ስራሓት ክፍጽምን ክተሓባበርን ዝኽእል ድሌት ናይ ዜጋታት ክህሉ ኣለዎ። እንድሕሪ ዜጋታት ብሓቂ ንወጽዓን ጭቆናን ክውግዱ ዝለዓሉ ኮይኖም፥ ንዓ ተሳተፍ ተቓለስ ተባሂሎም ክዕደሙን ክልመኑን ኣይግባእን። እንታይ ደኣ ንውራዮም፡ ትጽቢታቶምን ድሌታቶምን ብተበግሶኦም ካብቲ ወጽዓ ክላቐቁ፥ ክውደቡ ይግበኦም። ካብዚ ሓሊፉ ከም ዘይምልከቶ ጓና ብደገ ኮይኖም እዚ ዘይገበርኩም፡ እዚ ዘይሰራሕኩምን፡ ኣይሰመርኩምን .. ወዘተ ኣብ ክንዲ ምባል ነተን ዝሓምይወን ሰልፍታትን ውድባትን ከምዝሰርሓን ከምዝሰምራን ክግበሩ ናታቶም ዕማምን ግደታን እዩ።
ጨቈንቲ ስርዓታትን ምልካዊ ኣተሓሳስባ ዝውንኑን ህላዌ ሰልፍታት ኣዝዩ ስለዘስግኦም፡ ክህልዋ ኮነ ክሕይላ ኣይደልዩን እዮም። ሰልፍታት ክህልዋን ክነጥፋን ካብ ዘየፍቅዱ ከኣ ነጸግቲ ዲሞክራስን ፍትሕን ምዃኖም እዩ ዝእምት። ኣብ ደምበ ተቓወምትና ንሰልፍታት ምንእኣስ፥ ኣየድልያን እየን፥ ምስኣተን ኣይተወደቡ ምባልን ንገዛእ ርእሱ ንህላወ ሰልፍታት ስለ ዝነጽግ ዲሞክራስን ፍትሕን ንክዕንብብ ኣይድግፍን ማለት እዩ። ስለዚ ንጭብጥታትን ሓቅታትን ደፊንካ ካብ ፖሊቲካዊ ሰልፍታት ዝሓሸ ውደባ ወይ እውን ልዕሊ ሰልፍታት ንምዃን ንቓባውያን፥ ስቪል ማሕበራትን ህዝባዊ ጥርናፈን ዝኣመሰሉ ምትእኽኻባት ተጠቒምካ ኣብ ክንዲ ምምልላእ መጠማምቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምዃን ሓደ መርኣያ ናይ ግጉይ ኣተሓሳስባ እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ነናይ ገዛእ ርእሱ ጸቢብ ዕላማ ከዕውት ስለ ዝብገስ እዩ ንህላወ ሰልፍታት ዝንጽግን ዘነኣእስን። እቲ ሰልፍታት ዝነጽግ ምትእኽኻባት ከይዱ ከይዱ ናብ ሰልፊ ምልዋጡ ዘይተርፎ እንተኾይኑ፡ ስለምንታይ ኣብተን ዘለዋ ሰልፍታት ዘይጽንበር ወይ ከኣ ብጋህዲ ፖለትካዊ ሰልፊ ምዃኑ ዘይእውጅ። ኣብዚ እዋንዚ ካብ ስነፍልጠት ርሒቕና ሰልፍታት የድልያን ኣየድልያን ኢልና ክንዋጠጥከ ኣድላዪ ዲዩ? እዝስ ናብቲ ጀብሃን ሻዕብያን እናተበሃሃልና ቃልስና ዘናወሕናሉ ግጉይ ተመኩሮዶ ኣይወስደናን?
ድራር መንታይ
ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሃገረ ሆላንድ መበል 25 ዓመት ማዓልቲ ነጻነት ብድምቀት ኣብዒሎም ።
Monday, 30 May 2016 14:57 Written by ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሃገረ ሆላንድብዕለት 22-05-2016 ፣ ኣብ ትሕቲ “ጥርናፌና ዋሕስ ዓወትና እዩ “ ዝብል ጭርሖ ፣ ዓበይትን ፣ መንእሰያትን ፣ ገዳይም ተቓለስትን ፣ ምሁራት ሰብ ሞያን ፣ ኤርትራውያን ካብ ዝተፋላለየ ከተማታት ሆላንድ ዝተኻፈልዎ ፣ ናይ 25 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም ብድምቀት ከቢሩ ውዒሉ።
እዚ በዓል ብዝክረ ሰማእታት ኤርትራ ድሕሪ ምጅማር ፣ ሙሁራትን ሙኩራት ሰብ ሞያን ፣ ኣብዘን ዝስዕባ ክልተ ነጥብታት ዘተኮረ ኣስተምህሮን ምኽርን ገለጻን ኣቕሪቦም።
1. መሬትና ካብ ናይ ባዕዲ መግዛእቲ በደም ፣ ኣቦታትናንን ፣ ኣዴታትናን ፣ ኣሓትናን፣ ኣሕዋትናን ነጻ ስለ ዝወጸ ፣ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ።
2. ህዝብና ከኣ ኣብ ነጻ መሬቱ ፣ መሰሉ ተገፊፉ ፣ ብዘይ ሕግን ስርዓትን ይግዛእን ፣ ይሳቐን ስለ ዘሎ፣ ኩሉ ኤርትራዊ ትጠርኒፉ ንመሰሉን ፣ ናብርኡ ናብ ንቡር ንምምላስን ክቃለስ ኣለዎ።
ብተወሳኺ ደማ ፣ ነዚ በዓል ዘንጸባርቕ መደረን ፣ ግጥምታትን ውን ካብ ህዝቢ ቀሪቡ። እቶም ህቡባት መንእሰያት ሙዚቅኛታት ተጻወቲ “ፍቅሪ ባንድ” ድማ ነዚ በዓል ብዘንጸባርቕ ዜማታትን ባህላዊ ምዝንጋዕን ንህዝቢ ከዘናግዕዎ ውዒሎም።
መንእሰያት ድማ እዚ ቃልሲ እዚ ብዘይካ ተጠርኒፍካ ፣ ብካልእ መገዲ ክትፈትሖ ከምዘይከኣል ብምርዳእ ፣ ሎሚውን ኣቲ ተጀሚሩ ዘሎ ተጠርኒፍካ ምስራሕን ምቅላስን ፣ ከደልድልዎን ፣ ከማዕብልዎን ማዃኖም ንህዝቢ ገሊጾም።
ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ፍትሕን ማዕርነትን ቃልሲ ክዕወት እዩ
መላኺ ስርዓት ካብ ሰራውሩ ተማሕዩ ክዓኑ እዩ
ዘላአለማዊ ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኤረትራዊያን ደለይቲ ፍትሒ ብመጀመርታ ኣብ ሂወትኩም ምሉእ ጥዕና ኣብ ስራሕኩም ኣሳልጦ ንምነየልኩም። ብምቕጻል ን23 ሰነ 2016 ኣብ ጀነቭ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ፡ ቀንዲ ዕላምኡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝቕጽል ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ጸብጻብ ኣጻራይት ኮምሽን ( Commission of Inquiry) ናብ ቤት ጽሕፈት ዉድብ ሑቡራት ሃገራት ዝቐርበሉ መዓልቲ ስለ ዝኾነ፡ ኣብዚ ወሳኒ ዕለት`ዚ ተረኺብና፡ ምስክርነትና ብድምጽና ከነስምዕ ሃገራዊ ሓላፍነትና እዩ።
ስርዓት ህግድፍ ነቲ ጨቋኒ ዝኮነ ፖሊስኡ ንምቅላዕ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ግዜ ይሓተና ኣሎ። ጉጂለ ስርዓት ህግደፍ ዕሱባቱ ሰሪዑ ብቕልዑን ስውርን ዘመተ ኣብ ዘካዝደሉ ዘሎ እዋን፡ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ዝገደፍና ገዲፍና፡ ንነብስናን ከማና ተደናገጽቲ እቲ ውጹዕ ህዝብናን ዝኾኑ ሰባት ብዝከክኣለና እንዳተሓጋገዝና ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ `ዚ ንክንርከብ ብኽብሪ ንጽውዕ ።
ህግደፍ ንህዝቢ ንምድንጋርን ተደናገጽቲ ንምርካብን ከምቲ ቀጻሊ ዘመትኡ ህዝብን ሃገርን ንምጥፋእ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ኣሎ። ኤርትራ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰል፡ ብጃምላዊ ህልቂት ትኽሰስ ኣላ እንዳበሉ ይጉስጉሱን ዘየለን ዘይተባህለን ሓሶታት ብምፍጣር ንህዝቢ የደናግሩ ኣለዉ። እቲ ኽሲ ኣብ ልዕሊ እቶም ገበነኛታት ዉልቀሰባትን ትካላት ህግደፍን ክንሱ፡ ሃገር ትኽሰስ ኣላ ኣድሕንዋ፡ እገዳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ መሊሱ ክዉስኽ እዩ ርድኡና ብምባል ናይ ሓሶት ጥሩምባ ይነፍሑ ኣለዉ።
ነቲ ባዕሉ ዝፈጸሞ ገበን፡ ንኣጻራይት ኮምሽን ( Commission of Inquiry) ኣላጊቡ መዋጽኦ ክረክብ ላዕልን ታሕትን ክብል ስለ ዝርከብ፡ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ህዝቢ በቲ ዝንቡዕ ናይ ምድንጋር ባህሊ ህግደፍ ተታሊሉ ኣብ ዘይኣፍልጦ መጋርያ ከይኣቱን ኣንጻር ውጹዕ ህዝብና ታሪኻዊ ጌጋ ከይገብር ከነረድእን፡ ብዝተኻእለ መጠን ከኣ ብጉቡእ ኣረዲእና ኣብቲ መኣዲ ፍትሒ ኣበርክትኡ ከዕዝዝ ክንጉስጉሶን ክሕብሮን ሓፍነትና ምዃኑ ተረዲእና ኣበርቲዕና ክንሰርሓሉ ይግባእ።
እዞም ዝኽሰሱ ዘለዉ ሰበስልጣን ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ንርብዒ ዘበን ዝኣክል መሰሉ ብምግፋፍ፡ ብቑጠባውን ማሕበራዊ ናብራን ዶቂሶም ብምሓዝ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ከም ዓለማ ዓዲ ሕግን ስርዓትን ክትከዉን ዝግብኣ፡ በቲ መላኽን ጮቋንን ሜላኦም ኣደዳ እገዳን ተነጽሎ ምስ ዓለምን ይገብሩዋ ኣሎዉ።
ስለዚ ንሕና ከምህዝቢ ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ ስለ ዝኾነ፡ ነዞም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣላልያ ብገበነኛታት ሰምያቶም ዘላ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣብ ሕጊ ንምቅራብ ደገፍና ንኣጻራይት ኮምሽን (Commission of Inquiry) ብምሃብ ሃገርና ህዝብናን ከነድሕን ይግባእ።
ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጀነቭ ዝግበር ዕዉት ንኽኸዉን ሓባራዊ ስራሕ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ክኸዉን ይግባእ። ነዚ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ንምዉህሃድ እዘን ኣብ ታሕቲ ተጠቂሰን ዘለዋ ኣብ ዝተፈላላያ ጥርናፈታት ዝነጥፋ፡ ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፈን ይሰርሐኦ ከምዘለዉ ንኩሉ ሰብ ብሩህ ኽኮነሉ ይግባእ።
1. ህዝባዊ ምንቅስቃስ ኤረትራዊያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ( EPMDCS )
2. ስምረት ምንቅስቃስ ኤረትራዊያን ንድሕነት ሃገር ( ESMNS )
3. ኤረትራዊያን ስቪክ ደሞክራስያዊ ለውጢ ( ECDM )
4. ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ( ENSF )
5. ኤረትራዊያን ንሰላምን ደሞክራስን ( EPD )
6. ምንቅስቃስ ኤረትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ኣብ ስዊዝ ( EYMCS )
7. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤረትራ ( EPDP )
8. ምንቅስቃስ ንደሞክራስያዊ ፍትሒ ኤረትራ( EMDJ )
9. ደሞክራስያዊ ዉድብ ብሌን
10. ሰልፊ ኣል ናህዳ
11. ብዉልቂ ዝነጥፉ
12. ባርነት የብቅዕ ( Stop slevery )
13. ኩላቶም ዓለም ለካዊ ደላይ ፍትሒ
14. ኩላቶም ኣብ ሰባዊ መሰላት ዝነጥፉ
15. ኩለን ሾሻል መዲያታት
ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ !!!
ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰለማዊ ሰልፊ
23 ሰነ 2016 ጀነቭ ስዊዘርላንድ
ጽላል ኤረትራዊያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ስዊዝ !!
24 ግንቦት 2016 ደለይቲ ፍትሒ
ዝኸበርክንንዝኸበርኩምንኣዳለውቲመበል 25 ዓመትናጽነትኤርትራ
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ በዓል ብሓፈሻ
ድሕሪ ዕዙዝ ናይ ቃልሲ ሰላምታ፡ እንኳዕ ድማ ናብ መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣብጻሓና እንዳበልኩ፡ ነቶም ነዚ መበል 25 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ዘዳለዉ ኣሕዋት ከመስግን እደሊ።
ሎሚ መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ከነብዕል እንከለና፣ ነቲ ብቓልስን መስዋእትን ህዝቢ ኤርትራ እተረጋገጸ ዓወት ኢና ንዝክር ዘለና። ህዝቢ ኤርትራ፡ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ሰላማውን ዕጥቃውን ተጋድሎ ኣካይዱ መዳርግቲ ዘይብሉ ናይ ህይወትን ንብረትን ጕልበትን መስዋእቲ ብምኽፋል'ዩ ብዕለት 24 ጉንበት 1991 ንሰራዊት ባዕዳዊ ገዛኢ ኢትዮጵያ ምስ ምምሕዳሩን ደገፍቱን ጸራሪጉ፣ መቁሕ ባዕዲ ሰይሩ፡ መሬት ኤርትራ ሓራ ዝገበረ።
ኤርትራ፡ በቲ ብ1993 ዓ.ም ዝተኻየደ ህዝባዊ ሪፈረንደም ላኣላዊትን ናጻን ሃገር ኰይና፣ ኣብ ኣህጕራዊ መድረኽን ሕብረተ-ሰብን ተፈላጥነት ረኺባ፡ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ኰይና ኢያ። እዚ ብክልተ መልክዑ ዝተረአጋገጸ ናጽነት’ዚ፤ ኵሉ ኤርትራዊ ክሕበነሉን ክሕልዎን ዝግባእ ክቡር ዋጋ ኢዩ። በዚ ድማ ኤርትራውያን ክሕጐሱን ክሕበኑን ይግባእ።
ክቡራትን ክቡራንን ኣሓትን ኣሕዋትን፡
መሬትን ህዝብን ኤርትራ ካብ ቍጽጽር ባዕዳዊ መግዛእቲ ደኣ ናጻ ይውጽኡ እምበር፡ ህዝብና ካብ ጭቆናን ምልክን ግን ጌና ሓራ ኣይኰነን። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ እቲ ህዝብና ዝተቓለሰሉ ናይ ፍትሒ፡ ሰላም ብልጽግና፡ ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ዕላማታት ጌና ኣይተረጋገጸን። በዚ ድማ፡ ከም ኤርትራውያን ጓሂ ክስምዓና ግድን ኢዩ።
ስለ’ዚ፡ ሎሚ መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ከነኽብር ከለና እተፈራረቐ ስምዒታት ሓቊፍና ኢና እነብዕሎ ዘለና። ብሓደ ሸነኽ፣ ሓጐስ ይስምዓና፡ ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ዝኸፈልናዮ ዋጋ እንቋዕ ከንቱ ኰይኑ ኣይተረፈ ንብል። ሕማቕ ምደራን ፖለቲካዊ ስልጣንን እምበር፡ ሕማቕ ሃገር እዃ እተዘይየል፡ ከም ኣባሃህላ ግን፡ ትሕመቕ ትጸብቕ ሃገር ኣላትና ክንብል በቒዕና ኢና። ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ህዝብና እዚ ኩሉ ተቓሊሱስ፤ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ክወድቕን ዘሕልፎ ዘሎ ኩለንተናዊ ሓሳረ-መከራን ከጕህየናን ከሕምመናን ከሕዝነናን ናይ ግድን ኢዩ።
ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ዋላ’ኳ ቅድሜና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንተተላቐቓ፡ ወይ ናጻ ሃገራት እንተዀና፡ ህዝበን ግን ጌና ሓርነቱ ኣይተጐናጸፈን ዘሎ። ህዝበን ብገዛእቲ ደቂ ሃገር እናተጨቈነ ኢዩ ዝነብር ዘሎ። ስለ’ዚ፡ ናይ ኤርትራ ይኹን ናይ’ዘን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ህዝባዊ ቃልሲ፡ ምእንቲ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ብልጽግናን ሰላምን ኣንጻር ኣብ ሃሃገረን ዘለዉ ጨቆንቲ ደቀባት ገዛእቲ ስርዓታት ዝካየድ ቃልሲ፡ ብዓይነቱ ካብ’ቲ ዝሓለፈ ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝተኻየዱ ቃልስታት ዝተፈልየ ኰይኑ፡ ምስኡ ዝዛመድ ሓድሽ ኣገባብ ቃልሲ ዝሓትት እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ዘሕለፎ ተመኵሮታት ኣዝዩ መሪር ኢዩ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ኣብ’ቲ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት እተኻየደ ውግኣት ተሰዊኦምን ቆሲሎምን፤ ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን ኣብ ማእሰርትን ጐዳጕድን ሰፊሮም፤ በማእት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት ካብ ሃገሮም ተሰዲዶምን ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ተመዛቢሎምን፤ በኣማእት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣወዳትን ኣዋልድን መንእሰያት ድማ፡ ብስም ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ናይ ባርነት ወፍሪ ተጸሚዶም ይርከቡ ኣለዉ።
ኣሓትን ኣሕዋትን፡
ብ3 ሚያዝያ 2016 ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ታዕሊም ወዲኦም ናብ ዓሰብ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፈጸሞ ቅትለት፡ ንኣረሜናዊ መንነቱ ደጊሙ ዘቃልዐ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓለም ዝኣተዎ መቃነዪ መብጽዓታትን ሓሶታትን ዘፍኰሰ ተረኽቦ ኢዩ ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ተረኽቦ’ዚ ብኣውያትን ዳርባ እምንን ተቓውሞታቱ ገሊጹ ኢዩ። እዚ ቍልዒ ናይ ህዝባዊ ተቓውሞ ናብ ዓቢ ባርዕ ከምዝሰጋገር ድማ እምነትና ኢዩ። እምነት ጥራሕ ኮይኑ ከይተርፍ ግን፡ እዞም ኣብ ደገ መሰል ናይ ቃልስን ምንቅስቓስን ዘለና ኤርትራውያን ብትብዓል ክንቃለሰሉ ይግባእ።
እዚ ስርዓት’ዚ፡ ዝፈጸሞምን ዝፍጽሞም ዘሎን ዝዓበየ ገበን ድማ፥ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ትጽቢትን ተስፋን ዘጸልመተ፡ ንክብርታቱን ሞያታቱን ዘቆናጸበ፡ ግዳይ ድኽነት፡ ሕማምን ድንቍርናን ምብትታንን ዝገበረ ስርዓት ስለዝዀነ ኢዩ።
ንመበል 25 ዓመት በዓል ናጽነት ኣብ እነኽብረሉ ዘለና እዋን፡ ብሓደ ሸነኽ ንናጽነትና ላኣላውነትናን ንምክልኻልን ንምጥባቕን፤ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ነቲ ኢሳያስ ዝመርሖ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣውዲቕና ፍትሒ፡ ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና፣ ቅዋማዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ድርብ ቃልሲ ንምክያድ ቃል እንኣትወሉ ዕለት ኢዩ።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፥ ነቲ ብ3 ሚያዝያ 2016 ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ናይ ቅትለት ተግባር ኰኒኑ፡ ነቶም ናይ ቅትለት ትእዛዝ ዘመሓላለፉ መራሕቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ከእቱን ናብ ፍርዲ ከቕርብን ካብዚ መድረክ'ዚ ንጽውዕ። ከምኡ’ውን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዛየደ ዝኸይድ ዘሎ ጭቆናን ዓፈናን መደምደምታ ንምግባር፡ እምቢ ንምልኪ ክብልን ኣብ ጐድኒ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ደው ንኽብል ደጊምና ንምሕጸን።
ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ነዚ ኣብ ተረኽቦ 3 ሚያዝያ ዘርኣያ ህዝባዊ ተቓውሞን ቍጥዐን ኣበሪኹ ንምእላይ ናይ’ቲ ስርዓት ከውዕሎ ንናይ መወዳእታ ግጥምያ ክዳሎ ይግባእ።
ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ ድማ፡ ብዋሕዚ ናይ ስደተኛታት ተሰናቢዶም፡ ንቀንዲ ጠንቂ ናይ’ቲ ስደት ዝዀኑ ስርዓታት ገንዘብ ብምሃብ ነቲ ዋሕዚ ደው ንምባል ዝገብርዎ ዘለዎ ከንቱ ፈተነ፡ ፍረ ከምዘይብሉ ተገንዚቦም፥ ደገፎም ናብ’ቲ ደላዪ ፍትሕን ሰላምን ዝዀነ ህዝቢ ኤርትራን ተቓወምቲ ውድባቱን በርገሳውያን ማሕበራትን ከማእዝንዎ ኣትሪርና ነተሓሳስብ።
ኣብ መጠረስታ፡ ነዚ በዓል ክዉን ንምግባር ዝደኸምኩምን ዝጻዓርኩምን ኣሕዋት ደጊመ እንዳኣመስገንኩ፡ ኣብዚ ይድምድም።
ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና!
ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ናጻ ኤርትራ ትንበር!
የቐንየለይ።
ፍራንክፎርት 21.05.2016
ወለድና ኣብ መንጎ ሰባት ዘይምርድዳእ ክፍጠር እንከሎ እቲ ዘቐድምዎ ዕርቅን ምርድዳእን እዩ። ካብቶም ክዕረቑ ዝግበኦም ሓደ ካብ ሓቂ ኣዝዩ ርሒቑ ከም ዘሎ ክግምቱ እንከለዉ፡ ሓሲቡ ምናልባት እቲ ጌጋ ካብኡ ምዃኑ ተረዲኡ ናብ ልቡ ናይ ምምላስ ዕድል ንክረክብ “ነብስኻ ክትሓክኽ ክንድዚ መዓልቲ ሂብናካ ኣለና” ይብልዎ። ናይዚ ትርጉም ኣብቲ ተታሒዙ ዘሎ ዘሰሓሕብ ዛዕባ ናብ ዕርቂ ዝወስድ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ንከምጽእ እዩ። ነዚ ቃልዚ ዝጥቀመሉ ኣሎ ዘይጥቀመሉ ኣብኡ ደሪቑ ዝተርፍ’ውን ከምኡ።
እዚ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ምምጻእ ወይ ኣብቲ ሓንሳብ ዝሓዝካዮ ምንባር ኣብ ዘመናዊ ፖለቲካዊ ኣካይዳ’ውን ናይ ገዛእ ርእሱ ጽልዋ ዘለዎ እዩ። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣድላይ ዝኾነሉ ምኽንያት ምስቲ ኣብ ከባቢኻ ዝረአ ብዙሕ ለውጥታት ኣሳኒኻ ንምኻድ ስለ ዘኽእል እዩ። ኩነታትካ ብናቱ ሕግን ስርዓትን ናብ ኣሉታ ድዩ ናብ ኣውንታ እንዳማዕበለ፡ ንስኻ ኣብቲ መጀመርያ ዝረገጽካዮ እንተ ነቒጽካ ግና ካብቲ ርኡይ ጉዳይ ወይ ትቕድም ወይ ድማ ትድሕር እሞ፡ ኩሉ እተቕርቦ ሓሳብ ፍታሕ ዘየምጽእ ወይ ዘየሳኒ ኮይኑ በይንኻ ናብ ምዃን የምርሕ።
ብመንጽር እዚ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ቃልስና ብብዙሕ ሕጋውን ጐነጻውን ምዕራፋት ዝሓለፈ እዩ። እቲ መሰረታዊ ዕላማ ናይዚ ዝተናወሐ ቃልሲ፡ ናጻ፡ ልኡላዊትን ደሞክራሲያዊትን ኤርትራ ምውሓስ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ብዝረኣዩ ምዕባለታት፡ ክተሓዙ ዝጸንሑ ኣተሓሳስባታት ኣለዉ። ካብ ሓደ ምዕራፍ ናይቲ ቃልሲ ናብቲ ካልእ መድረኽ ክስገር እንከሎ ከኣ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣምራት ሓድሽ ኣተሓሳስባታት ክጥረ ናይ ግድን እዩ። ከምዚ ተዘይኮይኑ ግና ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ሓደ ምዕራፍ ቃልሲ፡ ድሌትን ቦታን እንዳሃለዉ በበይኖም ክኾኑ ናይ ግድን እዩ። እዚ በበይንኻ ምዃን ድማ ኣብ ሕድሕድ እቶም ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎም ጐንጽን ምስሕሓብን ከስዕብ ይኽእል።
ናብዚ ህልዊ ኩነታትና ክንምለስ እንከለና፡ ኤርትራ ናጽነታን ልኡላውነታን ተረጋጊጹ ኣብ ምዕራፍ ቃልሲ ምእንቲ ሓርነት በጺሕና ኣሎና። ኣብዚ ምዕራፍ’ዚ በቲ ሓደ ወገን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብኣንጻሩ ድማ ደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ተሰሊፍና ኣለና። እቲ ኣሰላልፋ ተጻራሪ እዩ። መንቀሊ ናይዚ ተጻራርነት ድማ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ኣብ ኤርትራዊ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። መሰረታዊ ሸቶ ቃልስና ኣብ ሓደ ድሌትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ዝማእከሉ ኣተሓሳስባ ክንመጽእ ነይሩ። እንተኾነ ጭቋኒ ጉጅለ ህግደፍ ናብቲ ሓቀኛ ድሌትን ባህግን ኤርትራን ህዝባን ዘንጸባርቕ ኣተሓሳስባ ክመጽእ ዘሎ ዕድል ዕጽዊ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ስለዚ እቲ ፍታሕ ነዚ ነብሱ ሓኺኹ ክቕየር ቅሩብ ዘይኮነ ህግደፋዊ ኣተሓሳስባ ምውጋዱ መተካእታ ዘየብሉ ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ። ኣካይዳ ህግደፍ ብዕምቆት ክንርእዮ እንከለና፡ ኣብቲ ዝተሰግረን ኣካል ታሪኽ ኮይኑ ክዕቀብ ዝነበሮ፡ ኣተሓሳስባ እዩ ተሸኺሉ ዘሎ።
ንሕና እቶም ድሕረ-ባይታና ብዘየገድስ ሎሚ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ሓርነት ተሰሊፍና ዘለና ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ብልጫ ክንውንን፡ ነዚ ዘብቅዕ ካብ ናይቲ ጉጅለ ዝያዳ ናብቲ ናይ ህዝቢ ትጽቢት ዝቐረበ ሓድሽ ሓባራዊ ኣተሓሳስባ ክንውንን ናይ ግድን እዩ። ሓድሽነት ናይቲ ክንውንኖ ዝግበኣና ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ሕድገት፡ ምጽውዋር፡ ክትስማዕ ጥራይ ዘይኮነ ክትሰምዕ’ውን ቅሩብ ምዃን፡ ንገዛእ ርእስኻ ኣካል ፍታሕ ናይዚ ተገቲሩ ዘሎ ጸገም ምዃን፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ህልዊ ኣውያት ህዝቢ ኤርትራ ብክፉት ልቦና ብዝሰምዕ ልቦና፡ ብተግባር ክንጸባረቕ ይግበኦ።
ነፍሲ ውከፍና ብውዱብ ድዩ ብዘይውዱብ ኣገባብ ክዕወተልና እንደልዮ ባህጊ ኣለና። በዚ መሰረት፡ መጻኢት ኤርትራ ጉጅለ ህግደፍ ተወጊዱ፡ ዘተኣማምን ደሞክራሲ ሰላምን ልምዓትን ዝሰፈና፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ኣብ ቃልሲ ዝኸፈሎ ዋጋ ዓስቢ ዝረኽበሉ ኩነታት ክፍጠር ምዃኑ ኣብ በበይኑ መድረኻት ከነንጸባርቖ ጸኒሕና ኢና። እዚ ከካብ ነብስና ነቒልና ንግብራውነቱ ኣስተዋጸኦ ተዘየበርኪትናሉ ሕልሚ ጥራይ ኮይኑ ከም ዝተርፍ ጥርጥር የብሉን። ስለዚ ነዚ ባህግዚ ንምትግባር፡ ዓቕምና እንታይ’ዩ? ብዘለና ዓቕሚ ከነበርክትከ ክሳብ ክንደይ ድልዋት ኣለና? ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ነብስና ክንሓክኽ እዋናዊ ጠለብን ግደታን እዩ።
ክብርን ዝኽርን ንኤርትራውያን ሰማእታት
ህዝቢ ኤርትራ ዝፈትዎም ቀያሕትን ጸለምትን ደቁ መስዋእቲ ከፊሉ፣ ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመታት መሪር ቃልሲ ልኡላዊት ሃገር ኩዉን ከምዝገበረን፡ በዚ ድማ ንዓለም ከም ዘደነቀን ኩላትና ንሰማምዓሉ ጉዳይ ኢዩ። ብኡ መጠን ከኣ ከም ኤርትራውያን መዓልቲ ናጽነትና ዓመት መጸ ከነኽብር ዉሁብ እዩ እመስለኒ። ኣብዚ ብምምርኳስ ከኣ ክልተ ዝተፈላለየ ሓሳባት ክቀላቐል ንዕዘብ ኣለና። እቲ ሓደ ብስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ 25 ዓመታት ኣብ ልምዓትን መኸተን ዝብል ኰይኑ፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ብላሽ ኢዩ፡ እዞም ዝተሰዉኡ ንኢሰያስ እዮም ተሰዊኦም ዝብሉ ኢዮም።
መቸም ኣብዚ ናይ 25 ዓመታት ናጽነት ኤርትራ ናይ ክልቲኦም ኣታሓሕዛ ዝገርም'ዩ። በቲ ስርዓት ህግደፍ ዝብሎ ክጅምር፡ እዚ ስርዓትዚ ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት ብጀካ ብርሰትን ጥፍኣትን እንተዘይ ኰይኑስ ንሃገርን ህዝብን ዝጠቅም እንታይ ገበረ እንተበልካስ፡ ኣቲ መልሲ ዋላ ሓንቲ እዩ። ካብ ናጽነት ክሳብ ሕጂ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት እናታለለ ብዘይ ሕጊ ምርጫን ብህዝቢ ዝተመርጸ መራሕን፡ ብዘይ ቅዋም፡ ከም ድላዩ ዝገብር ዉልቀ መራሒ ዝዝውራ፡ ክሓስሞ ከሎ መን ከም ህዝቢ ኤርትራ እናበለ ዘመጉስ፡ ክጥዕሞ ከሎ ድማ እዚ ህዝቢዚ ዘይገብሮ ዘይብሉ ብማለት ዳርጋ ቀይዲበተኽ ጌሩ ዝገልጾስ ከመይ ጌሩ ሓላይ ህዝብን ሃገርን ክኸውን ሃገር ኣብ ልምዓት ክጽመድን። ኣቱም ሰባት ብሓቂ ኣአምርኡ ንዝሰርሕ'ስ፣ መንእሰያት ፍቕሪ ስድራቤት ከይጸገቡ መንጢሉ ብወተሃደራዊ ሕግታት ቀይዱ ፍርሕን ራዕድን ከም ዝሓድሮም ዝገብር፡ እታ ብገዛእቲ እኳ ዘይተዓጽወት ሓንቲ ዝነበረት ዩኒቨርስቲ ንሓዋሩ ዓጽዩስ ከመይ ገይሩ እዩ፡ ሓላዪ መንእሰያትን መማዕበሊ ትምህርትን ክኸውን ዝኽእል?
ካልእ'ውን ሃብታማት ኤርትራውያን ሃብቶም ኣብ ሃገሮም ኣዋፊሮም ንነብሶምን ህዝቦምን ክጠቕሙ ንዝሓሰቡ ዕድል ምኽላእ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣበሳጭዩ ዘባርር፡ ህዝቢ መጽለሊ ክረክብ ከተማታትና ድማ ክዓብያን ክግርማን ኢሎም ኣባይቲ ንዝሃነጹ፤ ክሳብ ኣብ መፈጸምታ ዝበጽሕ ከም ጥዑይ ክዕዘብ ጸኒሑ ዝተሃንጸ ዘፍርስ ስርዓትስ ከመይ ጌሩ ሓላይ ህዝብን ሃገርን ክኸውን ይኽእል? ስለዚ ኩሉ በቲ ስርዓት ዝገብር ዘሎ ብስም በዓል መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ብዝገብሮ ብልጭልጭ ህዝቢ ብምትላል ስልጣኑ ኣናዊሑ ንሃገርን ህዝብን ከጽንት እምበር ሓልዮት ከምዘይኮነ ተረዲእና ንምልጋሱ ሓቢርና ክንቃለስ ይግባእ።
እቶም ንመዓልቲ ነጻነት ምብዓል ዝቃወሙን ንስዉኣት "ንብላሽ ኢዮም ተሰዊኦ፡ ንኢሰያስ እዮም ተሰዊኦም" ዝብሉ ድማ፡ ነቶም ብዘይ ፍላጥን ህልዊ መላኺ ስርዓት ካብ ዝፈጠሮ ብስጭትን፡ ምስቲ ወሪዱ ዘሎ ሕሰም ብምዝማድ፣ ኣብ ሓደ ግዜ መዓልቲ ናጽነት ምዝካር ነቲ ስርዓት ምድጋፍ ኮይኑ ዝስምዖም ዜጋታት ኣይፋልኩምን ካብ ምባል ሕሊፍካ ዝባሃል የለን። ናይቲ ስርዓት ኣበዓዕላ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ጠቄዮ ዘለኹ ስልጣኑ ንምንዋሕዩ። ንሕና ግን በቲ ሓቀኛ መግለጺኡ ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ ብተጋድሎኣ ናጻ ሃገር ዝኮነትሉን፡ ከም ህዝቢ ንሕና እውን ንመጀመርታ መንነትና ኤርትራውያን ክንብል ብሓበን ክንገልጽ ዝጀመርናሉ ስለዝኾነን፡ እዚ ብጀጋኑ ስዉኣትና ዝተረጋገጸ ናጽነት ምዃኑ ኣሚና ብሓበንን ክብርን ከነብዕሎ እዩ ዝግብኣና።
እቶም ነዚ ኩሉ እናፈለጡ ብላሽዶ፡ ባርነትዶ ዝብሉ ድማ፡ ናጽነት ኤርትራ ከም ሃገር ምኽባርን፡ ህላወ ምልክዊ ስርዓትን በደላቱን ፈላልዮም ክጥምቱን ምደለኹ። እዚ ድማ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ መኸተና ከነትርር እዩ ዝገብረና። ካብዚ ወጻኢ ንዝኸዱ ግን፡ ቃልስና ንከይነስምር ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተዋፈሩ ከይኾኑ ካብ ምባሎም ሓሊፈ ካልእ ዝብሎም የብለይን።
ኣብ መጨረሽታ ክብሎ ዝደሊ፣ ነባሪ ህዝቢ እምበር፡ ነባሪ ስርዓት ስለዘየለ ብህዝብናን ሃገርናን ጥራሕ ክንሓስብን ኣብ መንጎ ሃገርን መንግስትን ዘሎ ፍልልይ ከኣ ንፍለጦ እብል።
መዓሾ ኣስራት
24 ጉንቦት 2016
ወዲ ሰብ እንስሳ ዘቤት ከራብሕ እንከሎ ከምታ ህይወቱ ገይሩ ዘይከናኸኖ እንተኾይኑ ህየንታ እዩ ዝኾኖ። ዝስተ ማይን ዝብላዕ ሳዕርን ናብ ዘለዎ ቦታ ወሲዱ ክዕንግሎምን ክከናኸነኖምን ከኣ ይግበኦ። ከምኡ ተዘይገይሩ ግና እቲ ካብተን እንስሳ ዝጽበዮ ኣገልግሎት ክረክብ ኣይክእልን። ስለዚ ንእንስሳ ልክዕ ከም ውላድካ ጌርካ ክትሕዞ’ዩ ዝግባእ። እንተዘይኮይኑ ጓሳ ዝሰኣና እንስሳ ወፊረን ጸጊበንን ረውየንን ብሰላም ኣይምለሳን እየን። ብመንጽር’ዚ ህዝቢ ኤርትራኸ ኣብ ምንታይ ኩነታትኮን ይህሉ? ልክዕ ከምተን ጓሳ ዘይብለን እንሳሳ ካብ ዝኸውን እነሆ ርብዒ ዘበን ኣሕሊፉ። ጓሳ ስለዘይብሉ ከኣ ኣብ ዝኸዶ ሃገር ክዋረድን ክሳቐን ከሎ ዝሓተሉ ወይ “ዜጋይ ይሸገር ኣሎ” ኢሉ ዝጣበቐሉ መንግስቲ ጌና ኣይተተኽለን ዘሎ።
እዚ ሽግር እዚ ባዕሉ እቲ ህዝቢ ዘምጸኦ መዘዝ ከይኮነ ኣይክተርፍን’ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ምኽንያቱ እቲ ፈለማ ኤርትራ ናጽነታ ክትጎናጸፍ ከንእከላ በቲ ሽዑ ዝተረኽበ ታሕጓስ ተዳህሊሉ “ደጊም ስልጣን ኣብ ኢደይ” ክብል ዘይምኽኣሉ። እዚ ዘይመበሊኡ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ክህልዎ ይኽእል። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያታት ህዝብና ንብረታዊ ቃልሲ እምበር ንሓርነታዊ ቃልሲ ከነዳልዎ ዘይምብቃዕና እዩ። ድሒሩ ግና እቲ ብኢደ ወነኑ ስልጣን ዝጨበጠ ጉጅለ ኢሳይያስ ቀንዲ ጠንቂ ስቓይ እናኾነ መጺኡ። ህግደፍ ነቲ ዝነበረ ባህሊ ፈጺሙ ክጠፍእን ክድምሰስን ከኣ ድሌቱ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም መደብ ክሰርሓሉ ጸኒሑ። ምኽንያቱ ባህሉ ዘጥፈአ ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ ምክብባርን ምትእምማንን ኣጥፊኡ ስለ ዝከፋፈል ነቲ ስርዓት ክቃወም ስለዘይበቅዕ። እዚ ጉጅለ ሎሚ እውን ንዓለምን ህዝቢ ኤርትራን ከታልል ከኣ ‘’ ርብዒ ዘበን መኽተን ልምዓትን ’’ዝብል ጓንጓ ጭርሖ እናቃለሐ ከም ኣመሉ የደናግር ኣሎ። እነሆ እቲ ህዝቢ ነቲ ‘’ኣበይ ኣሎ ሓውካ፥ ኣበይ ኣላ ሓብትኻ’’ ዝብል ዘቕርቦ ሕቶታት ፈጺሙዘንጊዑ ኣብ ማእከል ጐልጐል ዱድ ይብል ኣሎ።
ስርዓት ኢሳይያስ ንህዝቢ ከደናግሮን ከተስፍዎን እምበር ዋጋ ኣይሃቦን። ብኣንጻሩ ደኣ ነታ ሃገር ኣብ ቊጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ኣእትዩ ንህዝቢ ዝሓሊ ስርዓት ዘይኮነስ ንህዝቢ ዘጽንት ከምዝኾነ ብተግባር ኣርኣየ። ብሰንኪዚ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ቅሳንትን ሰላምን ስኢኑ ካብ ሓዊ ናብ ሲኦል ምእታው ከም ምርጫ ወሲዱ ዓዱ ጠንጢኑ ክስደድ ተገደደ። እንተኾነ ሃገሩ ጠንጢኑ እንተወጸ’ውን ኣብታ ዝነበረላ ሃገር ከይተረፈ ንጉጅለ ህግደፍ 2% ክኸፍልን፥ ካልእ ዝጠልብዎ ኣገልግሎታት ክፍጽመሎም የገድድዎ። ነዚ ንምትግባር ከኣ እቲ ጉጅለ መንእሰያት ናይ ጣዕሳ ወረቐት ክጽሕፉ ብምግዳድን ካልእ ሕቡእ ሜላታትት ብምጥቃምን ቅሳነት ከሊእዎም ይርከብ።
ኣብ ከምዚ ህሞት ከኣ ነቲ ገባቲ ስርዓት ኣልጊስካ ስልጣን ጨቢጥካ ናብ ህዝቢ ንምርካብ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝወዳደቡ ሓይልታት ክህልዉ ናይ ግድን እዩ። ከምዚ ክበሃል እንከሎ ግና ኩሉ ብስም ህዝቢ ዝውደብ ረብሓ ህዝቢ ይሕልው ማለት ከምዘይኮነ ምስትብሃል የድሊ። ከምዚ ስለዝኾነ ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝተወደቡ ኣካላት ስምምዕን ምትእምማንን ይሰኣን እሞ ኣብ ጸለመን ምትፍናንን ይእቶ። ደንበ ተቓውሞና እውን ንገዛእ ርእሱ ካብ ከምዚ ዓይነት ሽግር ናጻ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፡ ሕቶ ዲሞክራሲ፡ ፍትሕን ስልጣንን ብዘተኣማምን ኣገባብ ምምላስ ናይ ህዝቢ ምዃኑን ዘንጊዑ ቃሕ ብዝበሎ ይኸይድ’ሞ ይፈላለን ይበኣስን ስለ ዘሎ። እቲ ፍልልያት ከይኣክል ከኣ ንመንእሰይ ጉጉይ መንገዲ ንክኸይድ ዝገበሮ ስርዓት ህግደፍ ብቐንዱ ኮይኑ፡ ተቓወምቲ እውን ናብ ጸቢብ ረብሓኦም ዝቕይርዎም ዘለዉ መሲሊዎም፡ መንእሰይ ኣንጻር ፖለቲካዊ ሰልፍታት ከምዘቕንዕ ብምግባር ኣብ ፖለቲካ ጽልኢ ንክሓድሮ ይደፋፍእዎ። እዚ ኣተሓሕዛ’ዚ ድሕሪ ውድቀት እቲ ስርዓት ዝፈጥሮ ሳዕቤን ከም ዝህልዎ ምግንዛብ የድሊ።
እዚ ተግባር መንእሰይ ግዳይ ምስኣን ትዕግስትን ስነስርዓትን፡ ክብረት ንኻለኦትን ኮይኑ ኣብ ጽልእን ነንሓድሕድካ ምክፋእን ምዝላፍን ንክጽመድ ኣገዲድዎም። ካብዚ ሓሊፉ እቶም ንተመኩሮ ሰውራን ባህሊ ኤርትራን፡ ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ናጽነታውን ሓርነታውን ቃልሲ ዘሎ ፍልልያት ዘይተገንዘቡ መንእሰያት ካልእ ጸገም እዮም። እዚ ከኣ ነቲ “ንናይ ሓባር ረብሓ ብሓባር” ዝብል ሃናጺ ኣምር ደምሲስዎ፡ እነሆ ህግደፍ ኣብ ጸቢብ ከኹድድን ኣብ ሕሉፍ ክነብርን ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ጓሳ ዘይብሉ ህዝቢ ኮይኑ።
ድራር መንታይ
ሰሚናር በይ ኤርያ ካሊፎርንያ- ዝሓለፋ 25 ዓመታት
Monday, 23 May 2016 23:00 Written by ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቤይ ኤርያ (Bay Area Eritreans for Democratic Change- BAEDC)
ድሕረት: ድኽነት: ስደት: ባርነትን መሰል ኣልቦነትን ዓመታት ክምዝነበራ ደምዲሙ
በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምክንያት 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ሰፍሕን ዕዉትን ሰሚናር ግንቦት 7 (7/5/16) ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካብ ሰዓት 12 ክሳብ ሰዓት 8 ድሕሪ ኣካይዱ።
እቲ ብምክንያት 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ዝተካየደ ሰሚናር ቀንዲ ዕላምኡ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ብናይ ሐሶት ዳንኬራ ተዓጠቅ ትሸብሸብ ዝብለሉ ዘሎ ናይ ናጽነት ጽንብል ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ዝብሎ ኣብ ጎደና ምዕባለ’ዶ ወይስ ከምቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኣብ መንገዲ ጥፍኣት ነዚ ሐቂ’ዚ ዘንጸባርቅ ብመርቶዓታት ዝተሰነየ ብሙሁራት ኪኢካታትን ካብ ሰሜን ኣሜርካን ኤውሮጳን ዘቅረብዎ ብዙሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ዕውት ሰሚናር ኔሩ።
እዚ ዕዉትን ኣገዳስን ሰሚናር ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ኣቀዲሙ ክግበር ዝተመርጸሉ ምክንያት ነቲ ስርዓት ህግደፍ ብሐሶት ህዝብን ዓለምን ንምድንጋር ናይ ኣታዊታቱ ንምክዕባትን ዝግብሮ ሜላ ንምብዳህን ነቲ ዝዳናገር ዘሎ ህዝቢ እቲ ሐቂ ፈሊጡ ነቲ ስርዓት ዝግብሮ ዘሎ ናይ ሐሶት መናውራ ክቃውመን ካብ ምድግፉ ክቁ ጠብን ክሕግዞ ምእንቲ’ዩ።

ትሕዝቶ እቲ ሰሚናር ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብሉጻት ደቁ ከፊሉ ዘረጋገጾ ነጻነት ፍረጻማ መሪር ቃልሱን ዋጋ መስዋእቲ ብሉጻት ደቁን ሰለዝኾነ ብክብሪ ክዝክሮን ክብዕ ሎን ዘየማትእ እኻ እንትኾነ ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣብ ውሽጢዚ 25 ዓመታት እቶም መብጽዓ ስውእቶም ዝጠለሙ ጭፍራ መራሕቲ ህግደፍ ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ዘይወጻእ ዓዘቅቲ ሸሚሞማ እናሃለዉ ኤርትራ ከም ኣብ መንገዲ ግስጋሰን ልምዓትንዘላን ሃገር ጌሮም ንምብዓል ዝዳለዉሉ ዘለዉ ብሩራዊ ኢዮቤል ሐቅነት ዘይብሉ ፈከራ ምኻኑን እቲ ኣብ ባይታ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ሐቂ ግን ብኣንጻሩ ሽግር፣ መከራ፣ጥሜትንሕማምን፣ ስደትን ሞትን፣ማእሰርትን ስቃይን ምኻኑ ንምምካት’ዩ።
እቶም ኣብዚ ሰሚናር ወረቃቕቲ ዘቕረቡ ከኣ ኤርትራውያን ሙራትን ኪኢላታትን ኮይኖም ገለ ክፋል ዕድሚኦም እንተ ኣብ ምንግስታዊ ወይ ከኣ ብሕታዊ ትካላት ኤርትራ ብምስራሕ ዘሕለፉ እዮም።
ቁጠባዊን ሰብኣውን ኩንታት ኤርትራ፡ ናጻነት ፕረስን መራኸቡ ብዙሓንን፡ ህሉዊ ኩነታት ተክኖሎጂ ኤርትራ ብመጽር ክበጽሖ ዝኽእል ዝነበሮ ደረጃ፡ ፖሊስታት መሪሕነት ህገድፍን ጽልዊኡ ኣብ ብሂራት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ብሄረ ዓፋር፡ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ህልዊ ኩነታት ናይቶም ቅድሚ ናጽነት ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ኤርትራውያን፡ ሚለንዮም ደቨሎፕመንት ጎልስን እቶም ኣብቲ ሰሚናር ዝተዘተየሎም ኣርእስታት እዮም ነይሮም።
ኣብ ቁጠባ ጕጅለ ህግደፍ ብዘተኸተሎ ውዱቕ ናይ ንግድን ወፍርን ፖሊሲ፡ ከምኡ ከኣ እቲ ብሰንኪ ድፕልዮማሳዊ ውድቀቱ ክፈትሖ ዘይከኣላ ናይ ዶብ ኩነታት ዘስዓቦ ሓደገኛ ፖለቲካዊ ሃዋሕውን ተደማሚሮም ነቲ ካብ ቱሪዝም፡ ዕደና፡ ናይ ወደብ ኣገልግሎትን፡ መሸጣ ምህርቲ ባሕርን ክርከብ ዝግብኦ ዝነበረ ዓቢ ናይ ቁጠባዊ መኽሰብ ከም ዘይ ተረክበን፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ቁጠባ ኤርትራ ኣብዚ እዋን ዳርጋ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ታሕቲ ደረጃ ከምዝርከብ ጭቡጥ ኣብነታት ብምቕራብ ኣረዲኡ። ነዚ መጽናዕቲ ዘቐረበ ኣቶ ሰንጋል ወልደ ትንሳኤ ( ሓው ን ሚንስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ ) እዩ ነይሩ።
ጕጅለ ህግደፍ ብሰንኪ እቲ ዝተኸተሎ ናይ ምልኪ ስርዓት ኣዝዩ ዝጻረር ስለ ዝኾነ ንነጻነት ሓበሬታን፡ መራኻቢ ብዙሓናን፡ ምስኡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ዝከይድ ናይ ተክኖሎጂ ሓበሬታን እውን ብጽኑዕ ከምዥቆጻጸሮን፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ሎሚ ኤርትራ ካብተን ብቱሑት ዝርገሐ ሓበሬታ፡ ተክኖሎጅን፡ ናጽነት ፕረሰን ዝጥቀሳ ሃገራት ዓለም ኮይናን፡ እቲ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ ዝብል ቅጽል ለጊብዋ ከምዘሎ ነቲ ጸብጻብ ዝቕረበ ኣቶ ተወልደ እስቲፋሎስ ኣረዲኡ።
ብዘይካዚ እቲ ብመሪሕነት ስርዓት ህግደፍ ብዙሕ ዝዝረበሉ ሚለንዮም ደቨሎፕመንት ጎል እቲ ዝበዝሐ ንዕኡ ዝምልከት ሓቤሪታ ካብቲ ጕጅለ ህግደፍ ዝህቦ ዝብጻብ ዝተወስደ ምኻኑን እዚ ከኣ ብዙሕ ሓቅነት ክምዝጎድሎን እቲ ነቲ ሰሚናር ዝሃበ ኣቶ ሳሚኤል ብሰፊሕ ኣረዲኡ።
ደቀንስትዮ ኤርትራ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተገዲደን ኣብ ኣባልት ሰረዊት ስለ ዝምደባ ብዘይ ድለተንን፡ ብሓይሊ ከም ዝድፈራን ካብቲ ኣብ ኣገልግሎት ብምኻድ ክወርደን ዝኽእል በደላት ንኽናገፋ ብዘይ ፍትወተን ኣብ ንኡስ ዕድሚን ይምርዓዋን ወይ ውን ናብ ስደት የምርሓ ምህላወንን ነቲ ጸብጸብ ዘቕረበት ወ/ሮ ኤልሳ ካብ ኣትላንታ እረዲኣ።
ጕጅለ ህግደፍ ንባህልን ልምንድን ብሄራት ኤርትራ ግዲ ዘይህብ ኣብ ርእሲ ምኾኑ፡ ነቶም ኣብ ብልምዳውን ባህላውን ምሕደራ ዝመሓደሩ ቢሄራት ኤርትራ ብኣስገዳድን ሓይሊ ብረትን ኣብቲ ናቱ ምስመር ከምዘእትዎምን ብሂረ ዓፋር ከኣ ናይዚ ሓደ ኣብነት ብኾኑን፡ ብስንኪ እዚ ከኣ ኣብ ደገ ዝርከቡ ተወልድቲ ብሄረ ዓፋር ናይ ገዛእ ርእሶም ምሕደራ ክህልውምን ፡ እዚ ክሳብ ዝተሓለወሎም ከኣ ኣብ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ መሰላት ቤሂራት እተኽብር ሓንቲ ኤርትራ ሓቢሮም ንኽነብሩ ጸገም ከምዘይብሎም ነቲ ጸብጽብ ዘቕረበ ኣቶ ኣሕመድ ሞሓመድ ካብ ካናዳ ኣብ መደርኡ ኣረጋጊጹ ።
ሱዳን ንቶም ሎሚ ድሕሪ ናጽነት ብስነኪ ዓመጽን ውዱቕ ምሕደራን ስርዓት ህግደፍ ዝስደዱ ዘለዎ መብዛሕቲኦም መንእሰያት ዝኾኑ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነት ፡ ነቶም ኣብ ሱሳታት ብሰንኪ መግዛእቲ ህይለስለሴን ደርግን ዝተሰደዱ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ንወለዶታት ዝሰረቱ ኤርትራውያን እውን እትእንግድ ጎረቤት ሃገር እያ። እዞም ኣብ ምዓስከራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ቀረብ ዝስተ ማይ፡ ሕክምና፡ ትምህርትን ኣብ ዘይብሉ ኣዝዩ ሕሱም ሂወት ከምዝነብሩ ብሰፊሕ ዘገለጸት መንእሰይ ሳብሬና ኣማን (ካብ ሎስ ኣንጀለስ) ምስ ኣቦኣ ጀሚል ኣማን (ካብ ከባቢ ዋሺንግቶን ዲሲ)፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዓቕሙ ብምውህሃድ ንኹነታት ሂወት እዞም ስደተኛንታት ንምምሕያሽ ክሰርሕ ኣዘካኪሮም። መንእሰይ ሳብሬና ነቲ ተዓዚባቶ ዝመጸት ኣስካሕካሒ ሂወት ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን ኣብ ዶኪመንታሬ ፊልም ጌራ ንምቕራብ ኣብምድላው ትርከብ::
እዚ ሰሚናር በቲ ዘቕረቦ ትሕዝቶ፡ ነቲ ሰሚናር ንምክያድ ዝተጠቅመሉ ቴክኖሎጅን፡ ብዙሑነት ናይቶም ነቲ ሰሚናር ዘካየዱ ኤርትራውያን ኪኢላታትን ኣዝዩ ፍሉይ ምንባሩ፡ ብዙሓት ተሳተፍቲ ናይቲ ሰሚናር ይገልጹ። ከምዚ ዝዓይነቱ ሰሚናራት ብድሕሪ ሕጂ ንኽካየድ ከኣ ኣዘኻኺሮም።
ነቲ ዝነበረ ሰሚናር ንምክትታል ኣብዘን ዝስዐባ ሊንክስ (ጥብቆ) ተወከሱ:
Afar people suffering by Ahmed Mohamed (ጉዳይ ደቂ ዓፋር ዘሕለፍዎ ዘለዉ መከራን ድሌታቶምን ብ ኣሕመድ ሞሃመድ ካብ ካናዳ): https://youtu.be/QPDn7VJKq_A
Women's rights by Elsa Mesfin (አዋናዊ ሽግራት ኣብ መሰል ደቂ ኣንስትዮ- ኤልሳ መስፍን):
https://www.youtube.com/watch?v=pUCZFba2OMI&feature=youtu.be
ICT by Tewolde Stefanos (ዘመናዊ መራኸቢታትን ሓበሬታን ብ ተወልደ ስቲፋኖስ)
https://youtu.be/34cXXYJwWRs
Eritrean Refugees in Eastern Sudan by Sabrina and Jamil (ሃለዋት ስደተኛታት ምብራቓዊ ሱዳን ሳብሪና ጀሚልን ጀሚል ኣማን): https://youtu.be/J7loNq-eExI
Mass Media and Mellinium development goals by Samuel N. (መራኸቢ-ብዙሃን: ሚለንየም ዲቨሎፕምነት ሸቶን ብሳሙኤል): https://youtu.be/vTLHS7whiX8
Eritrean Economy by Sengal Woldetensae (ውድዓዊ ገምጋም- ግስጋሴ ቁጠባ ኤርትራ ብሰንጋል ዎልደትንሳኤ
https://www.youtube.com/watch?v=e9q6uHLc_i4&feature=youtu.be
ኣቅድም ኣቢሉ’ውን በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ "ስደተኛታት ፡ ፍልሰት ኤርትራውያን" ("Refugees: The Eritrean Exodus") ዝብል ዶኪመንታሬ ፊልም ብህቡብ ኣመሪካዊ ዳህሳሲ ክሪስ ኮተር ብምርምርን ሞያውነትን ዝተዳለወ ስነዳ ፊልም ብዕለት 28/4/2016 ብዓወት ዛዚምዋ:: እዚ መደብ ካብ ኣመሓዳሪት ከተማ ሪችመንድ፡ ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪት ከተም ኦክላንድ፡ ሓለፍቲን ሰራሕተጛታትን ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ኣለይቲ ስደተኛታቶምን ክሳብ ውልቃውያን ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰባት ብሃንቀውታ ዝተጸበይዋ ፊልም እዩ ኔሩ። ኤርትራውያን ብሰንኪ ሕሱም ምሕደራ ሃገሮም ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስደተኛታት ቦታ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ግፍዕን ሐሰረ መከራን ዘሪኢ ንኩሉቲ ተሳታፋይ ልቡ ዝተንከፈ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ዕዉት ስራሕ ኣካይዱ ኔሩ’ዩ።
ከም መቀጸልታ ናይ ብሩራዊ ኢዮበል ዝኽሪ ነቲ ጎብለል ኤርትራዊ ስነጥበባዊ ዮውሃነስ ትካቦ (ወዲ ትካቦ) ምስ ውሃ ዘበሉ ኣጀብቱ ን ምያዝይ 29 ኣብ ኦክላንድ ናይ ምሸታዊ ትልሂት ኣዳልዩ ከም ዘሎ ንሕብር::
ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቤይ ኤርያ (Bay Area Eritreans for Democratic Change- BAEDC)
ካሊፎርንያ - ሰሜን ኣመሪካ - This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
ዝኽሪ መበል 25 እዮብያላዊ ዓመት ናጽነት ኤርትራ
ዓመታት ጥልመትን መርገጽትን እናዘከርና!
--------------------------------------------------------------------
በቲ ካልእ መዳይ ከኣ ቃልሲ፡ ሰረቱ ወጽዓ ዘበገሶ ኮይኑ ሞራልን ፍናንን ድማ ሕላገቱ እዩ፡ ክንዲ ዝኾነ ብስፖርታዊ ንጥፈታት ተሰንዩ፡ ብህቡባት መንእሰያት ስነጥበባውያን ደለይቲ ፍትሒ ወኒ ቃልስና ፍናን ክሰንቕ መርሓባ ንብለኩም።
ዕለት 28 ግንቦት - ኣብ ስቶክሆልም
ኤግቢ ፎልከትስ ፓርክ - ቴንስታ
28 May Eggeby Folkets Park
Hour: 19:00 -
ብድሓን ምጹ ፡
ደለይቲፍትሒኣብከተማስቶክሆልም - ስዊደን