`ታ ናትካ ባህሪ
ብህድኣትን ዓቕሊን፡ ከይነጸፈት ትዛሪ፣
ልቦናኻ- ብሓልዮት ብዓንተቦ ከሲባ ዓንቢባ
ትዕግሲ ሰኒቓ፡ ኣብ ፍቕሪ ዓንቢባ።
ብዕድመ፡ ዓመታት ክቖጽር ህይወትካ፡
ሽምግልና ኣርኪቡ ለውጢ ክገብር ሰውነትካ፡
`ታ ኣብ ውሽጢ- ውሽጢ ጥልቀት ዝሰረተት
ለዋህ ባህርያትካ`ሲ፡ ከም ቀደማ ምስ ሸወተት።
ናብ`ዛ ባህሪ እዚኣ፡ ዝተሳሕበት ቃታ
ክትቀትል ተሃንዲዳ ዘድበየት ቃጻ፣
ምርዳእ ኣብዩኒ ወዲ የማነ!
ግን`ከ ምኽኒያት መዕስ ይህልዎ ንብእኪት ዝኻሓነ!!
እወ፡ ሕጂስ ስዒብካዮም ነቶም ዝሓለፉ
ዘይሽዑስ ንእስክላ`ዩ ተሓሊፉ፣
ሲዒብካ ግን ከም ጽላሎት -ንነዊሕ ዘንብዩ
ንቕንዕናኻ ብሞት ክኾልፍ ኣብ ጸላም ኣድብዩ።
እንታ ሓኪም ብሞያ ሓኪም ብባህሪ፡
ንዝተወግኡ ንዝሓመሙ ክትኣሊ ዝፈጸምካዮ ጻዕሪ፣
ነይረን! ኣለዋ! እተን ዘድሓንካየን ህይወታት
ቀለምን ፊደልን`የን ንናይ ታሪኽካ ቅርሲታት።
ጸንዓትን ድበሰን ንሙሉእ ንስድራ ቤትን ብጾትን።
ጸጋይ ነጋሽ
June 3, 2016
June 3, 2016