ንዝኽሪ ወዲ የማነ፡

2016-06-04 06:58:24 Written by  ጸጋይ ነጋሽ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1681 times

`ታ ናትካ ባህሪ

ብህድኣትን ዓቕሊን፡ ከይነጸፈት ትዛሪ፣

ልቦናኻ- ብሓልዮት ብዓንተቦ ከሲባ ዓንቢባ

ትዕግሲ ሰኒቓ፡  ኣብ ፍቕሪ ዓንቢባ።

 

ብዕድመ፡ ዓመታት ክቖጽር ህይወትካ፡

ሽምግልና ኣርኪቡ ለውጢ ክገብር ሰውነትካ፡

`ታ ኣብ ውሽጢ- ውሽጢ ጥልቀት ዝሰረተት

ለዋህ  ባህርያትካ`ሲ፡ ከም ቀደማ  ምስ ሸወተት።

 

ናብ`ዛ ባህሪ እዚኣ፡ ዝተሳሕበት ቃታ

ክትቀትል ተሃንዲዳ ዘድበየት ቃጻ፣

ምርዳእ ኣብዩኒ ወዲ የማነ!

ግን`ከ ምኽኒያት መዕስ ይህልዎ ንብእኪት ዝኻሓነ!!

 

እወ፡ ሕጂስ ስዒብካዮም ነቶም ዝሓለፉ

ዘይሽዑስ ንእስክላ`ዩ ተሓሊፉ፣

ሲዒብካ ግን ከም ጽላሎት -ንነዊሕ ዘንብዩ

ንቕንዕናኻ ብሞት ክኾልፍ ኣብ ጸላም ኣድብዩ።

 

እንታ ሓኪም ብሞያ ሓኪም ብባህሪ፡

ንዝተወግኡ ንዝሓመሙ ክትኣሊ ዝፈጸምካዮ ጻዕሪ፣

ነይረን! ኣለዋ! እተን ዘድሓንካየን ህይወታት

ቀለምን ፊደልን`የን ንናይ ታሪኽካ ቅርሲታት።

 

ጸንዓትን ድበሰን ንሙሉእ ንስድራ ቤትን ብጾትን።

 

ጸጋይ ነጋሽ

June 3, 2016

June 3, 2016

Last modified on Saturday, 04 June 2016 09:00