ግዜ ዝሃቦ ሓምሓምስ እምኒ ይሰብር

2016-06-02 10:53:46 Written by  ዓንደጽዮን ግርማይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1847 times

እዚ ብሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ናጽነቱ ረኺቡ፡ መንነቱን ክብሩን ዓቂቡ፡ ንሱ ብዝመረጾ ኣገባብ ክመሓደር ዝግብኦ ውርዙይ ህዝቢ ኤርትራ፡ በቶም ኣብ ኣርብዓታት እዚ ዕድሉ‘ዚ ዝነፈግዎ ጎባልል ናይቲ ዘበን'ቲ ምስታ ምሓዛ ሓያላት ሃገራት ዝኾነት ኢትዮጵያ ተቖሪኑ፡ ዘይመንነቱ ክለብስ ንዝተዋህቦ ዘይፍትሓዊ ውሳኔ ነጺጉ፡ ዕጥቃዊ ቃልሱ ክጅምር ከሎ፡ ኣጆኻ ዝበሎ ኣካል ኣይነበሮን። እዚ ኣብ ድሩት ዓቕሙ ግን ክኣ፡ ተሪር ኤርትራዊ ኒሑን ውሽጣዊ ሓድነቱን ብሓደ ወገን፡ ብዓል ሓቅን ርትዕን ምዃኑ ከኣ ብኻልእ ወገን ኣሚኑ ዝተበገሰ ቆራጽ ህዝቢ፡ ንምግላጹ ብዘጸግም መሰናኽላት ሰጊሩ፡ ብሉጻት ደቁ ክፊሉ ናይ ዘምጽኣ ናጽነት፡ ኤርትራ ናጻ ሃገር ምዃና ካብ ትፍለጥ፡ ድሮ ናይ 25 ዓመት ብዓል ናጽነት ንጽንብል ኣሎና። ሕማቕ  ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ነዛ ዋጋ መስዋቲ ጀጋኑ ዝኾነት ክብርቲ ብሩራዊ ኢየበልዩ ናጽነት፡ ህዝብና ዝተጸበዮን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቀኛ ኩነታት ሃገርናን ሕቘን ከብድን ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን ኴንና ገለ ብጓይላን ፈንጠዝያን ገለ ድማ ነዛ ብዓለባ ሳሬት ተሸፊና ዘላ ናጽነት ዓቂቡ ናብታ ዝሓልማ ሓርነት ዝሰጋገረሉ ትስፉው መንገዲ ንምንዳይ ኣብ ዘተን ልዝብን ዘተኮረ መጋብኣያ ተራኺቡ፡ ኣብ ምጽንባላ ንዝርከብ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ዮውሃና ከይበልኩዎ ክሓልፍ ኣይመርጽን።

እዚ ትዕግስተኛን ጸዋርን ህዝብ‘ዚ፡ ነዛ ድሌቱን ትጽቢቱን ከይረኸበ ምስ ኩሉ ጉድለታታን ምረታን ተደቚሱ ዝጽንብላ ዘሎ፡ ነታ ጽባሕ እትመጽእ ህዝቢ ዝማእከላ ፍትሓዊትን ዲምክራዊትን ሃገር ናይ ምህናጽ ልዑል ተስፋን ራእይን ስለ ዘለዎ እምበር፣ በዚ ሎሚ ዘላቶ ኣይኮነን ዝልክዓ። ኣብ ክምዚ ዝኣመሰለ ክቡር መዓልቲ ናጽነት፡ ንኣመጻጽእኡ ዝተሰግረ መሰናኽላትን ዕንቅፋትን ዝተኸፍሎ ክቡር ዋጋን ናይ ምግላጽ ስልጣን ናይቲ ነቲ ንሃገር ዝመርሕ ዘሎ ዝግባእ እኳ እንተኾነ፡ ብሰማዕቱ ክምዘን ግን ባህርያዊ እዩ። ነዚ ረዚን ክብሪ ጽንብል ኢዮበልዩ ኣመኽንዩ፡ ኣብ ትሕቲ ርብዒ ዘበን ኣብ መኸተን ልምዓትን ዝብል መደናገሪ ጭርሖ ግን ከኣ፡ ርብዒ ዘበን ኣብ ዕንወትን ጥፍኣትን ዝመግለጺኡ ሓቂ፡ መርሒ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ካብ ዝሃቦ መደረ ኣመልኪተ ኣብተን  ዝበለን ጥምሮ ሓሳባት ትዕዝብተይ  ክህብ‘የ።

ዲክታቶር ኢሳያስ ብድሆታትን ተጻብኦታትን ዝመሰለ ይምሰል በንጻር መኸተናን ልምዓትናን፡ ባህልናን ስርዓተ ክብርታትናን መሊሱ ሃብቲሙን ተዀሊዑን፡ ኩሉ ጎናውን ሕጋውን ዜናውን ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ድሕነታውን መኸተና ደርሚሱ ድሕሪ ምባል ኣብ ወርቃዊ ኢዮበልዩ የራኽበና ክብል ምስ ሰማዕክዎ፡ ኣዝየ ሓዚነ ብዙሕ ኤርትራዊ ከም ዝሓዘነ ክኣ ኣይጠራጠርን።

ምኽንያቱ፡ ክምቲ  ብሃገሮምን ህዝቦምን  ዝሓልዩን ዝግደሱን መራሕቲ ሃገራት ዓለምና፡ ኣብ ክምዚ ኣጋጣሚታት ንህዝቦም ዘሐጉስን ሞራሉ ዝኹልዕን  ዝህብዎ ቃል፡ እዚ ልዑል ክብርን ሞሳን ዝግብኦ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዲክታቶር ኢሳያስ  ናይ እሱራት ምሕረትን ምእዋጅ ህንጻ ሕግን ፍትሓውን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን‘ኳ እንተዘይተጸበየ፡ ክምዚ ዝበለ ምስ ኣብ ሃገርናን  ህዝብናን ዘሎ ግሉጽ ሓቂ ናይ ሰማይን ምንድርን ዝርሕቀቱ ንኩሉቲ ብጊዜ ቃልሲ ዝኸሰብናዮ ክብርን ታሪኽን  ውጽኢቱ ናጽነትን ዘህስስ ኣእምርኦም ናይ ዝሰሓቱ መግለጺ ምሃቡ ኢሳያስ ሃገር ክመርሕ ዘይኮነስ ሃገር ንምዕናው ዝተበገሰ ልኡኽ ሰይጣን ምዃኑ ብዝያዳ ዝያዳ ንዓለም እዩ ኣረዲኡ።

 እስከ በሉ ኣብተን ዝበለን ቃላት ክመልሰኩም፡ “ ባህልናን  ስርዓተ ክብርታትናን መሊሱ ሃብቲሙን ተዀሊዑን“ ንሱ ዝበሎ ቃል ክኽውን ክሎ፡ ብዓይን‘ቲ ዓቂብዎ ዝጸንሐ ወለዶ ክርኣ ከሎ ግን ባህልና፡ ብጽዋር ባህሊ ተተኪኡ መኣዝኑ ስሒቱ ንሃገርናን  ህዝብናን ኣብ ዘየንጸባርቐሉ ደረጃ በጺሑ እምበር፡፡

ንክብሪ ባህልና ብዝምልከት፡ ምስልን ክብርን ወላድን ውሉድን ተጸናቢሩ፡ ማዕርነት ግቡእ ቦትኡ ስሒቱ ካህንን ዓለምን ኣብ ዘይንፈላልየሉ ብዓቢኡ ከኣ ምክብባር ጠፊኡ፡ ትሕትናን ቅንዕናን ብትዕቢትን ኣነነትን ተተኪኡ ጠርናፍን ተጻዋርን ክብርና ተረሚሱ ይርከብ።

ንሕጋውን ዜናውን ፖለትካውን፡ ብዝምልከት ድማ ንርብዒ ዘበን ብዘይ ሕገ-መንግስቲ  እናተምሓደረት ዜጋታታ ብዘይፍትሓዊ ብይን ተቀይዶም ኣብ ጎዳጉዲ እናበለዩ፡ ህዝባ መጽለልን መዕቆብን ጨኒቕዎ ኣብ ስቓይን ምክልባትን እናነበረ መንእሰያታ ብወፍሪ ባርነት ተስፋ ቖሪጾም፡ ሃገሮም ገዲፎም ብምስዳድ ኣደዳ መሸጣን ማሕረድትን ግዳያት ሞት ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ኮይኖም፡ ሃገር ኣብ ምጽናት ህዝባ ክኣ ኣብ ዓሚቚ ዳግማይ ሓዘንን ሻቅሎትን ተሸሚሙን ተረሚሱን እናሃለወ፤ ብዜናዊ መዳይ ድማ ቲቪ ኤረ ናይ ውልቂ ርስቱ ጌሩ ዓገብ ዝብሎ ዘይብሉ ቱታ ናይ ዝበለ፤ ብፖለቲካዊ መዳይ፡ መብጽዓ  ውድባዊ ጉባኤ 1987 ጠሊሙ፡ መዓጹ ዲሞክራሲያዊ ተሳትፎ ፓርትታት ረጊጡ፡ ብዘይቀይዲ ስለ ዝዓንደረ ደርሚስናን ተዀሊዕናን ክብል ከሎ፡ ህዝቢ ጊዜኡ ዝሃቦ ሓምሓምስ እምኒ ይሰብር ዝብል ምስላ ብምዝካር ክግረምን፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበሮ ጽንቃቕ እምነት ከጥፍእን  እምበር፡ መደሪኡ ናይ ምስማዕ ሸውሃትን  ባህግን የብሉን።

ብዛዕባቲ ዲፖሎማስን  ድሕነትን ዝበሎሞ ከኣ ብሰንኪ ዓንዳርን ሕጊ ኣልቦ ፖሊስኡን ሃርጋፍ ወታሃደራዊ ትምክሕቱን ተነጺሉ ካብ እገዳ ሓሊፉ ብገበን ናይ ምኽሳሱ ገመድ ይፍሓሰሉ ከምዘሎ ምዝኽካሩ ኣኻሊ መልሲ ኮይኑ፡ ንድሕነት ብዝምልከት ግን ስልጣነይ ብግቡእ ጻማ ጻዕሮም ብዘይክፈሉ ብስም ሃገርዊ ኣገልግሎት ዝጽውዑ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ተሓልያን  ድሒናን ኣላ ይብል እንተልዩ ግን፡ ንዓና ንኤርትራውያንስ ይትረፍ፡ ብቐረባ  ንዝከታተል ህዝቢ ዓለምናውን ርዱእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ናይ ምልጋሱን ምቕናዩን ጉዳይ ነቲ ብትዕግስቲ ዝሰምዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንደለይቲ ለውጢ ድማ ብፍላይ ዝግደፍ ጉዳይ እዩ። 

 ኣብዚ ክቡር ዕለትዚ፡ ዲክታቶር ኢሳያስ  ኣብ ቅድሚ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ርሑቕን ቀረባን ዲፕሎማሲያውያንን ምናልባት‘ውን ጋዜጠኛታትን  ዝተረኽብሉ እዋን ንዘይብቕዓቱን  ፍሽለቱን ዘረጋግጽ መደረ ስለዝኾነ፡ መፍትሒ ኣብ ምድላይ ተጸሚዱ ንዝርክብ ህዝብና፡ ቃልሱ ከቀላጥፍ ዝሕግዝ ወሳኒ ኣጋጣሚ ስለ ዝኾነ መልሰ ተግባር ደላይ ፍትሒ ህዝብና ክሳብ ወርቃዊ ኢዮበልዩስ ይትረፍ፡ ክሳብታ ታሪኻዊት መዓልቲ ባሕቲ መስከረም እኳ ኣይንጽመመካን ዝብል ክኸውን ይግባእ።

ካብዚ እምንቶን ተርኦን ተበጊሱ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሓዊ ለውጢ ህዝብና ብሓፈሻ፡ ተቓወምቲ ሓይልታቱን ተረክብቲ ሕድሪ መንእሰያቱን ድማ ብፍላይ፡ ብዘይወዓል ሕደር ሓድነቶም ኣረጋጊጾም ኩሉ ዓቕሞም  ወዲቦም ንስርዓት ህግድፍ ብቅልጡፍ ኣልዮም፡  ክብሪ ሃገርን ህዝብን ዝሕሉን ንመሰሉ ዝጣበቕን ስርዓት ንምርጋግጽ ክቀላጠፉ  ኣለዎም።

በዚ ኣጋጣሚ ንኩሎም ሓይልታት ምክልኻልን መራሕቶምን፡ ነቲ ክሳብ ሎሚ ዝፈጸምክምዎ ታሪኻዊ መስርሕ ናጽነትን ትፍጽምዎ ዘሎኹም ምክልኻል ሃገርን ተጎልቢቡ ተጻብኦ ዝመሰለ ይምሰል ንስልጣነይ ጽንጽያ ዘንብረላ የለን ክሳብ ምባል ዝተነፍሐ ትዕቢተኛ መራሒ፡ ስልጣኑ ንምንዋሕ ህዝብኹም ክትጭቁኑን ንጹሃት ክትቀትሉን ንዝህበኩም ትእዛዝ ነጺግኩም፡ ኩሉ ዓቕምኹም ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ኣብ ጎድኒ ደላይ ፍትሒ ህዝብኹም ክትስለፉ መጸዋዕታይ አቕርበልኩም።

ፍትሕን ሰላምን ንህዝብና!

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና!

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን

Last modified on Thursday, 02 June 2016 12:59