ሰልፍታትን ውድባት ኣየድልያን፥ ህዝቢ ኣየዕሰላን!

2016-05-30 13:04:23 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2642 times

እዚ ኣርእስቲ ክልተ ተገራጨውቲ ሓሳባት ዝሓዘለ ምዃኑ ርዱእ እዩ። መጀመርያ ውድባት ኣየድልያን እየን ዝብል ሸነኽ ካብ ምንታይ መርትዖ ነቒሉ እዩ ከምኡ ዝብል ዘሎ፡ ዘዕግብ  መብርሂ የብሉን። ደሓር ከኣ ውደባ  መሰል ናይ ሰባት ምዃኑ ዝዘንገዐ እዩ። ውድባት ኣየድልያን እየን ምባል ከኣ ነቲ ውልቃዊ ናይ  ምውዳብ ናጽነት ምጽራር ማለት ኣዩ ዘስምዕ።

ስለምንታይ ደኣ’ሞ ሎሚ  ኣብ ኤርትራዊ ዜጋ እዚ “ውድባት ኣየድልያን እየን” ዝብል ሓሳብ ዝቀላቐል ዘሎ? እቶም ከምኡ ዝብሉ ናይ ብሓቂ ዲዩ ኣድላይነት ናይ ሰልፍታትንጠፊእዎም ጠፊእዎም ወይ ሕቡእ ኣጀንዳን ግጉይ ኣመለኻኽታን ኣልይዎም እዩ? ትርጉም ፖለቲካ ጠፊእዎም እንተኾይኑ ሓቆም እዮም ክበሃል መተኻእለ። እስከ ምሁራን ንፖለቲካ እንታይ ትርጉም  እዮም ዝህብዎ ንርአ። ከምቲ ምሁራን ዝገልጽዎ ፖለቲካ ማለት ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ከመይ ገይርካ ብሓባር ናይ  ምንባር ኣወዳድባ መስርሕ እዩ። ቀጺሎም ከኣ እዚ ህላዌ ፖለቲካውን ስቪላውን ማሕበራት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዜጋ ከኣ ኣብዘን ክልተ ማሕበራት ሱታፈኡ በገዛእ ድሌቱን ፍቓዱን ምስ ዝዋሳእ እዩ እቲ ዲሞክራሲ ዝብል ህይወት ክረክብ ዝኽእል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ከምኡ ዝብል ኣካል፡  ነቲ “ዲሞክራሲ ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ” ዝብል ኣምር ብተግባር ይበቕዖ ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ከኣ ሓሳቡን ርእይትኡን ብዘይፍርሒ ዝገልጸሉ ብምዃኑ እቲ  ዲሞክራሲ ጥዕና ይረክብ። እቶም ምሁራት  “ንፖለቲካ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ጉዳያት የድልይዎ” ዝብል ሓሳብ የቕርቡ።

• ፖለቲካ፡ ናይ ፖለቲካዊ ውድብ ዕላማን መምዘኒታትን ዝሰርዕ፡ ሓሳባትን ክብርን (value) የድልዮ። ናጽነት፡ ፍትሕን ሓድነትን መምርሒ  ፖለቲካዊ ውድብ ናይ ዝኾነ ይኹን ሕብረተሰብ መሰረታዊ መትከላት እዮም።
• ፖለቲካ፡ ንድሌታት ጠርኒፈንን ኣኪበንን ንፖለቲካውን መንግስታውን ትካላት ዘመሓላልፋ ወይ ዝረዳድኣ ማሕበራዊ ትካላት የድልዮ። እዘን ነዚ ማሕበራዊ ድሌታት ዝጥርንፋን ዝእክባን ኣካላት ከኣ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ከምኡ እውን ማሕበራት፡ ክኢላታትን ሰራሕተኛታትን ካልኦት ዘይመንግስታውያን ትካላት ስቪላዊ ማሕበራትን እየን።
• ፖለቲካ፡ ንማሕበርሰብ ዝጥርንፋን ከም ወከልቲ ኰይነን  ዝካትዓ፡ ዝውስናን ኣብ ግብሪ ዘውዕላን ተካላት የድልዮ። እዘን ኣብ ደሞክራሲያዊት ደውላ መብዛሕትኡ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝተኣማመና ወይ ዝምርኰሳ ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ትካላት እዚአን፡ ፓርላማታትን መንግስታትን እየን።
• ፖለቲካ፡ ብሓሳብ ንዝድለ ጠለባትን ትጽቢታትን ብዝምልከት ኣብ ፖለቲካዊ ምይይጥ ዝሳተፉ ከምኡ እውን ኣብ ተግባራት ወይ ዕማማት ናይተን ፖለቲካዊ ትካላት ስሉጥ ኣበርክቶ ወይ ሓገዝ ዝገብሩ ዜጋታት የድልዮ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ፡ እቲ ገለ ካብ ስነፍልጠታዊ ገለጻ  ብዛዕባ ተደላዪነት ህላዌ ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት እዩ። ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዘሎና ተረድኦ ምስ’ዚ ተጠቒሱ ዘሎ ክሳብ ክንደይናይ ይዛመድን ኣይዛመድን ክንግምግም ንኽእል ኢና። ስለዚ ሰልፍታት ብድፉኑ ኣየድልያን እየን ምባል መግለጺ  ጸረ-ዲሞክራሲያውነት ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን። ምኽንያቱ ሰልፍታት ኣገደስቲ መሳርሒ ትካላት ናይ ፖለቲካ እየን። ፖለቲካ ከኣ እተን ልዕል ኢለን ተጠቒሰን ዘለዋ ኣርባዕተ ነጥብታት ስለ ዘድልዮ፥ ሰልፍታት በቲ ዘለወን ስነሓሳብ፡ ዕላማን ራኢን ንዜጋታት ኣብ ምሕባርን ምጽላውን ዓቢ ግደ ይጻወታ። ሓደ ዜጋ ስልጡንን ምዕቡልን እንተኾይኑ፡ ባዕሉ መምዩ መጸዋዕታ ከይተጸበየ ንጉዳይ ሃገሩ፡ ሓባራዊ ረብሓኡን ንዲሞክራስን ፍትሕን ኣብ ዝኣምነሉ ሰልፊ ክነጥፍ፡ ክዋሳእን ኣበርክቶ ክህልዎን የድሊ።

ካብዚ ሓሊፉ ዝኾነ ይኹን ሰልፊ ንዜጋታት ካብ ምጽላውን ምጉስጓስን ሓሊፉ ኣብ ፖለቲካዊ እምነቱ ኣገዲዱ ወይ ወጢጡ ከሰልፍ ኣይክእልን። ልክዕ እዩ ሰልፍታት በቲ ፖሊሲአን ዝኣምኑ ኣባላት ከብዝሓን ክውድባን ይደልያ እየን። ቀንዲ ስረሐን’ውን ንሱ እዩ። ስለዚ ካብዚ ብምንቃል፥ ህዝቢ እዩ ነቲ ዕላማን ራኢን ሰልፍታት መዚኑ ክስለፍ፡ ከነጥፍን ክድግፍን ዝግብኦ። ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ሰልፍታት የለዋን ኣይሰርሓን፥ ህዝቢ ከዕስላ ኣይከኣላ’ሞ ኣየድልያን እየን ምባል ዘይኮነስ፥ እቲ ክግበር ዝግበኦ፡ ካብተን ሰልፍታት ወይ ውድባት ብራኢኣ እተኣምነላ መሪጽካ ንምሕያላን ምብርተዓን ምቅላስ እዩ ክኸውን ዝግበኦ።

ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተሳትፎ ከምኡ እውን ነቲ ንሰልፍታት ዘድሊ ስራሓት ክፍጽምን ክተሓባበርን ዝኽእል ድሌት ናይ ዜጋታት ክህሉ ኣለዎ። እንድሕሪ ዜጋታት ብሓቂ ንወጽዓን ጭቆናን ክውግዱ ዝለዓሉ ኮይኖም፥ ንዓ ተሳተፍ ተቓለስ ተባሂሎም ክዕደሙን ክልመኑን ኣይግባእን። እንታይ ደኣ ንውራዮም፡ ትጽቢታቶምን ድሌታቶምን ብተበግሶኦም ካብቲ ወጽዓ ክላቐቁ፥ ክውደቡ ይግበኦም። ካብዚ ሓሊፉ ከም ዘይምልከቶ ጓና ብደገ ኮይኖም እዚ ዘይገበርኩም፡ እዚ ዘይሰራሕኩምን፡ ኣይሰመርኩምን .. ወዘተ ኣብ ክንዲ ምባል ነተን ዝሓምይወን ሰልፍታትን ውድባትን ከምዝሰርሓን ከምዝሰምራን ክግበሩ ናታቶም ዕማምን ግደታን እዩ።


ጨቈንቲ ስርዓታትን ምልካዊ ኣተሓሳስባ ዝውንኑን ህላዌ ሰልፍታት ኣዝዩ ስለዘስግኦም፡ ክህልዋ ኮነ ክሕይላ  ኣይደልዩን እዮም። ሰልፍታት ክህልዋን ክነጥፋን ካብ ዘየፍቅዱ ከኣ ነጸግቲ ዲሞክራስን ፍትሕን ምዃኖም እዩ ዝእምት። ኣብ ደምበ ተቓወምትና  ንሰልፍታት ምንእኣስ፥ ኣየድልያን እየን፥ ምስኣተን ኣይተወደቡ ምባልን ንገዛእ ርእሱ ንህላወ ሰልፍታት ስለ ዝነጽግ ዲሞክራስን ፍትሕን ንክዕንብብ ኣይድግፍን ማለት እዩ። ስለዚ ንጭብጥታትን ሓቅታትን ደፊንካ ካብ ፖሊቲካዊ ሰልፍታት ዝሓሸ ውደባ ወይ እውን ልዕሊ ሰልፍታት ንምዃን ንቓባውያን፥ ስቪል ማሕበራትን ህዝባዊ ጥርናፈን ዝኣመሰሉ ምትእኽኻባት ተጠቒምካ ኣብ ክንዲ  ምምልላእ መጠማምቲ  ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምዃን ሓደ መርኣያ ናይ ግጉይ  ኣተሓሳስባ እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ነናይ ገዛእ ርእሱ ጸቢብ ዕላማ ከዕውት ስለ ዝብገስ እዩ ንህላወ ሰልፍታት ዝንጽግን ዘነኣእስን። እቲ ሰልፍታት ዝነጽግ ምትእኽኻባት ከይዱ ከይዱ ናብ ሰልፊ ምልዋጡ ዘይተርፎ እንተኾይኑ፡ ስለምንታይ ኣብተን ዘለዋ ሰልፍታት ዘይጽንበር ወይ ከኣ ብጋህዲ ፖለትካዊ ሰልፊ ምዃኑ ዘይእውጅ። ኣብዚ እዋንዚ ካብ ስነፍልጠት ርሒቕና ሰልፍታት የድልያን ኣየድልያን ኢልና ክንዋጠጥከ ኣድላዪ ዲዩ? እዝስ ናብቲ ጀብሃን ሻዕብያን እናተበሃሃልና ቃልስና ዘናወሕናሉ ግጉይ ተመኩሮዶ ኣይወስደናን?

ድራር መንታይ

Last modified on Monday, 30 May 2016 15:27