ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሃገረ ሆላንድ መበል 25 ዓመት ማዓልቲ ነጻነት ብድምቀት ኣብዒሎም ።

2016-05-30 12:57:14 Written by  ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሃገረ ሆላንድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1803 times

ብዕለት 22-05-2016 ፣ ኣብ ትሕቲ “ጥርናፌና ዋሕስ ዓወትና እዩ “ ዝብል ጭርሖ ፣ ዓበይትን ፣ መንእሰያትን ፣ ገዳይም ተቓለስትን ፣ ምሁራት ሰብ ሞያን ፣ ኤርትራውያን ካብ ዝተፋላለየ ከተማታት ሆላንድ ዝተኻፈልዎ ፣ ናይ 25 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም ብድምቀት ከቢሩ ውዒሉ።

እዚ በዓል ብዝክረ ሰማእታት ኤርትራ ድሕሪ ምጅማር ፣ ሙሁራትን ሙኩራት ሰብ ሞያን ፣ ኣብዘን ዝስዕባ ክልተ ነጥብታት ዘተኮረ ኣስተምህሮን ምኽርን ገለጻን ኣቕሪቦም።

1. መሬትና ካብ ናይ ባዕዲ መግዛእቲ በደም ፣ ኣቦታትናንን ፣ ኣዴታትናን ፣ ኣሓትናን፣  ኣሕዋትናን ነጻ ስለ ዝወጸ ፣ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ።
2. ህዝብና ከኣ ኣብ ነጻ መሬቱ ፣ መሰሉ ተገፊፉ ፣ ብዘይ ሕግን ስርዓትን ይግዛእን ፣ ይሳቐን ስለ ዘሎ፣ ኩሉ ኤርትራዊ ትጠርኒፉ ንመሰሉን ፣ ናብርኡ ናብ ንቡር ንምምላስን ክቃለስ ኣለዎ።

ብተወሳኺ ደማ ፣ ነዚ በዓል ዘንጸባርቕ መደረን ፣ ግጥምታትን ውን ካብ ህዝቢ ቀሪቡ።  እቶም ህቡባት መንእሰያት ሙዚቅኛታት ተጻወቲ “ፍቅሪ ባንድ” ድማ ነዚ በዓል ብዘንጸባርቕ ዜማታትን ባህላዊ ምዝንጋዕን ንህዝቢ ከዘናግዕዎ ውዒሎም።
መንእሰያት ድማ እዚ ቃልሲ እዚ ብዘይካ ተጠርኒፍካ ፣ ብካልእ መገዲ ክትፈትሖ ከምዘይከኣል ብምርዳእ ፣ ሎሚውን  ኣቲ ተጀሚሩ ዘሎ ተጠርኒፍካ ምስራሕን ምቅላስን ፣ ከደልድልዎን ፣ ከማዕብልዎን ማዃኖም ንህዝቢ ገሊጾም።


ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ፍትሕን ማዕርነትን ቃልሲ ክዕወት እዩ
መላኺ ስርዓት ካብ ሰራውሩ ተማሕዩ ክዓኑ እዩ
ዘላአለማዊ ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና

Last modified on Monday, 30 May 2016 15:04