ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሃገረ ሆላንድ መበል 25 ዓመት ማዓልቲ ነጻነት ብድምቀት ኣብዒሎም ።
2016-05-30 12:57:14 Written by ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሃገረ ሆላንድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1803 timesብዕለት 22-05-2016 ፣ ኣብ ትሕቲ “ጥርናፌና ዋሕስ ዓወትና እዩ “ ዝብል ጭርሖ ፣ ዓበይትን ፣ መንእሰያትን ፣ ገዳይም ተቓለስትን ፣ ምሁራት ሰብ ሞያን ፣ ኤርትራውያን ካብ ዝተፋላለየ ከተማታት ሆላንድ ዝተኻፈልዎ ፣ ናይ 25 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም ብድምቀት ከቢሩ ውዒሉ።
እዚ በዓል ብዝክረ ሰማእታት ኤርትራ ድሕሪ ምጅማር ፣ ሙሁራትን ሙኩራት ሰብ ሞያን ፣ ኣብዘን ዝስዕባ ክልተ ነጥብታት ዘተኮረ ኣስተምህሮን ምኽርን ገለጻን ኣቕሪቦም።
1. መሬትና ካብ ናይ ባዕዲ መግዛእቲ በደም ፣ ኣቦታትናንን ፣ ኣዴታትናን ፣ ኣሓትናን፣ ኣሕዋትናን ነጻ ስለ ዝወጸ ፣ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ።
2. ህዝብና ከኣ ኣብ ነጻ መሬቱ ፣ መሰሉ ተገፊፉ ፣ ብዘይ ሕግን ስርዓትን ይግዛእን ፣ ይሳቐን ስለ ዘሎ፣ ኩሉ ኤርትራዊ ትጠርኒፉ ንመሰሉን ፣ ናብርኡ ናብ ንቡር ንምምላስን ክቃለስ ኣለዎ።
ብተወሳኺ ደማ ፣ ነዚ በዓል ዘንጸባርቕ መደረን ፣ ግጥምታትን ውን ካብ ህዝቢ ቀሪቡ። እቶም ህቡባት መንእሰያት ሙዚቅኛታት ተጻወቲ “ፍቅሪ ባንድ” ድማ ነዚ በዓል ብዘንጸባርቕ ዜማታትን ባህላዊ ምዝንጋዕን ንህዝቢ ከዘናግዕዎ ውዒሎም።
መንእሰያት ድማ እዚ ቃልሲ እዚ ብዘይካ ተጠርኒፍካ ፣ ብካልእ መገዲ ክትፈትሖ ከምዘይከኣል ብምርዳእ ፣ ሎሚውን ኣቲ ተጀሚሩ ዘሎ ተጠርኒፍካ ምስራሕን ምቅላስን ፣ ከደልድልዎን ፣ ከማዕብልዎን ማዃኖም ንህዝቢ ገሊጾም።
ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ፍትሕን ማዕርነትን ቃልሲ ክዕወት እዩ
መላኺ ስርዓት ካብ ሰራውሩ ተማሕዩ ክዓኑ እዩ
ዘላአለማዊ ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና