ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ጸረ-ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ምዃኑ ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ካብ ንበጽሕ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ናብዚ መደምደምታ ክንበጽሕ ዘኽኣለና ናይቲ ጉጅለ ርኡይ ቀጻሊ ዓመጸኛ ተግባራት እዩ። እዚ ጸረ-ህዝብነቱ ዝግለጸሉ መርኣያታት ብዙሕ ኮይኑ፡ ቀንዲ መለክዒኡ ኣብ ንዝህብን ሃገርን ዝምልከቱ ዓበይቲ ጉዳያት ዘርእዮ ኢደ-ወነናውነት ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዚ ጉጅለ ብኢደወነኑ ክኸይድ ንከኽእሎ ዝሓዞ መንገዲ ድማ ብዘይ ቅዋም ምግዛእ እዩ።
እዚ ጉጅለ ንግዱድ ዕስክርና፡ ስርዓተ ምሕደራ መሬት፡ ወፍሪ ኢንቨስትመንት)፡ ኣተሓሕዛ መሰረታዊ መሰላትን ምእዋጅ ውግኣት ኣንጻር ናይ ርሑቕን ቀረባን ገረባብትን ወሲኽካ ዝወስዶም ኩሎም ስጉምትታት ብዘይ ኣፍልጦን ምቁጽጻርን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ዘካይዶም ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ስምምዓትን እውን ከምኡ። እዚ ዘርእየና ድማ እቲ ጉጅለ ክትልምን ውዕላት ክኽትምን እንከሎ ዘገድሶ ወይ ዝምርኮሰሉ ናቱ ጸቢብ ረብሓን ኣብ ስልጣን ምቕጻልን ጥራይ ምዃኑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ብዛዕባቲ ብስሙ ዝሕሰብን ዝግበርን ከም ዝኾነ ጓና ወረ ጥራይ እዩ ዝሰምዕ።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ ኣብ የመን ዝተወለዐ ውግእ ኢዱ የእቱ ከም ዘሎ ብዙሓት ናይ ዜና ማዕከናት ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባዚ ንሱ ዋጋ ዝኸፍለሉ ኢድ ኣእታውነት ካብቲ ብቐጥታ ሓበሬታ ክረኽበሉ ዝግበኦ ጉጅለ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይረኸበን። ከምቲ “ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባ ብእግራ ትሓክኽ” ዝበሃል ካብ ናይ ርሑቕ ምንጭታት እዩ ከጨናጭን ጸኒሑ። እነሆ ሎሚ ግና ናጻ ማዕከናት ዜናን ጸሓፍትን ብዛዕባቲ ኢድ ኣእታውነትን ኣብ መሬት ኤርትራ ንመሻርኽቱ ዝሃቦ ወተሃደራዊ መደበርን ብዙሓት ይዛረቡን ይጽሕፉን ኣለዉ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ማርቲን ፕላውት ብዝተባህለ ጸሓፋይ ዝተዘርገሐ ሓተታ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ንሱ ከም ዝብሎ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ መሬት ኤርትራ ነተን ኣብ ውግእ የመን ተሰሊፈን ዘለዋ በዓል ሕብረት ዓረብ ኢምሬትስ ወተሃደራዊ መደበር ዝኸውን መሬት ኣካርዩ ብዙሕ ገንዘብ ረኺቡ ኣሎ። እቲ ዝረኽቦ ረብሓ ብገንዘብ ጥራይ ዝገለጽ ዘይኮነስ ኣብ ስልጣን ንክቕጽል ነቲ ስምምዕ ከም መፈራርሒ በትሪ ናይ ምጥቃም መልእኽቲ እውን ኣለዎ።
እዚ ተግባር ንረብሓኡ እምበር ንረብሓ እቲ ብዘይሕገመንግስቲ ዝገዝኦ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይከውን ርዱእ እዩ። እዚ ጉጅለ ብመሰረቱ ህዝቢ ጠሊሙ ንህልውናኡ ጥራይ ዝተሰለፈ ሕሉፍ ዲክታቶር ምዃኑ ንጹር ክነሱ ኣብዚኣ በጺሑ ናይ ህዝቢ ሓላዪ ክኸውን ኢሉ ዝጽበ ወገን ክህሉ ዘይግመት ኣይኮነን። እቶም ካብኡ መሬት ዝካረዩ ዘለዉ ወገናት ዘገድሶም ከኣ ናታቶም ከባቢያዊ እስትራተጂያዊ ህልውና እምበር መሰልን ረብሓን ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን እትጽበዮ ኣይኮነን። ወዮ “ኣነ ናትካ ንስኻ ከኣ ናተይ” እንዳበለ ዝሽሕጦ ጉጅለ’ኳ እንዳከሓዶ ንሳቶም ክሓልይሉ ፈጺምካ እትጽበዮ ኣይኮነን።
ጉጅለ ህግደፍ ኣካይድኡ ኣብ “ዝቐደመ ኣይኽፋእ” ዝተመስረተ ለኻኺምካ ምጥፋእ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እዚ ሕጂ ንዛረበሉ ዘለና ወስታ’ውን ምስዚ ዝተቓነየ እዩ። እዚ ጉጅለ ካብዚ ዝኣትዎ ዘሎ ህዝቢ ዘይፈልጦን ዘይቆጻጸሮን ውዕላት ብውሕዱ ክልተ ረብሓታት ክረክብ እዩ። እቲ ሓደ ጉጅለኡ ዘዕንግለሉ ገንዘባዊ ረብሓ ምርካብ እዩ። እቲ ካለኣይ ድማ ኣብ ስልጣን ንክቕጽል ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ስለ ዝቖረጸ ንናቱ ከባቢያዊ ረብሓ ክብል “ኣጆኻ ኣነ ኣለኹልካ” ዝብሎ ናይ ደገ ዘራይ ሓይሊ ምርካብ። እቲ መሬቱ፡ ደቁን ካልእ ሃገራዊ ጸጋኡን ዝምንዛዕ ዘሎ ኤርትራዊ ግና ብኽንድኡ ድረጃ እዩ ዝውጻዕን መሰሉ ዝገሃዝን።
ሓደሓደ ገርሀኛታት እዚ ጉጅለ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምትታት ኣብ ፍሉይ ረብሓኡ ዝድረት ዘይኮነስ ህዝቢ ዝርበሓሉ’ውን ክኸውን ይኽእል እዩ ብዝብል ክትስፈዉ ትሰምዕ ኢኻ። እንተኾነ እዚ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸን ብተግባር ዝተራእየን እዚ በይናዊ ተዋሳኢ ጉጅለ ህግደፍ ብዘይ ኣፍልጦን ተሳትፎን ህዝቢ ዝኸዶ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ውጽኢቱ’ውን ንዓኡ ጥራይ እዩ። ምናልባት ግና ኣብቲ ህልውናኡ ንምርግጋጽ ዝገብሮ ቃልሲ ሕድሪ ህዝቢ ክሒዶም ዕድሚኡ ከናውሑ ዝተሰለፉ ውሑዳት ወገናት በዚ ረብሓ ኣይክዕንገሉን እዮም ማለት ኣይኮነን። ኩልና ከም እንፈልጦ ኣብ ኤርትራ “ወርቂ ቢሻ ተዃዒቱ ብቢልዮናት ዶላራት ይሽየጥ ኣሎ” ካብ እንሰምዕ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ። ኣብዚ እዋንዚ ቁጠባዊ ኮነ ማሕበራዊ ኩነታት ህዝብና ናብ ድኽነትን ስእነትን ገጹ እምበር፡ ከም ናይቲ ዝሕፈስ ዘሎ ሃብቲ ወርቂ ነጸብራቕ ናይ ራህዋ ምልክት ኣይረኣናን። ውጽኢት ናይዚ ንዛረበሉ ዘለና እውን ካብዚ ወጻኢ ኣይክኸውንን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እዚ ጉዳይዚ ኣብ ነገራዊ ረብሓ ምርካብን ዘይምርካብን ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነስ ከምቲ “ኣእትወኒ እምበር ውጸለይሲ የዳዲ” ዝበሃል ንልኡላውነት ኤርትራ’ውን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ።
መግለጺ በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምክንያት መበል 55 ዓመት ሐደ-መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ
Saturday, 03 September 2016 22:03 Written by በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈላልዩ ተበራረይቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ክገዝእዎ’ኻ እንተጸንሑ ንመግዛእቶም ኣሜን ኡሉ ተቀቢሉዎ ኣይፈልጥ’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሕንብርቶም ኾይኑ ዝተፈላለየ ናይ ተቃውሞ ቃልሲ ከካካይድ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ምረት መግዛእቶም እናከፈኤ ምስ መጸ ብዝርዳኦም ቃንቃ ቃልሲ እንቢታኡ ንምግላጽን ተቃሊሱ መሰሉ ንምርግጋጽን መስከረም ሓደ 1961 ዕጥቃዊ ቃልሱ ብጅግና እድሪስ ሐምድ ዓዋተ ብምብጋስ ነቲ ገዚፍን ምሉእ ዕጥቂ ዝሐዘን ጸላኢ ንምግጣም ኣብ ጎቦታት ኣዳል ዕጥቃዊ ቃልሱ ብም ጅማር ንገዛእቲ ደርብታት ዘሰንበደ ፈላሚ ዕጥቃዊ ቃልሲ’ዩ ኔሩ።
ገዛእቲ ሓይልታት ንዝተበገሰ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምቁጻይን ንምንብርካክን ዝካኣሎም እካ እንተገበሩ ንቓልሲ ውጹዕ ዝዓግት ሓይሊ ስለዘየለ ግን ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉን ናጽነቱን ብዝለዓለ ናህሪ ንሜዳ ክውሕዝን ኣንጻር ገዛቱን ዓመጽቱን ሓይሉ ኽቃልሰ’ዩ ተራእዩ። እቶም ብዝተፈላለየ ዓሌትን ሃይማኖትን ክፋፊሎም ኣንጻር ወጽዕኡን መሰሉን ደው ከይብል ሜላታትቶም ዝጥቀሙ ዝነበሩ ገዛእቲ ሐይልታት ህዝቢ ኤርትራ ብዓሌትን ፤ብሃይማኖት ይኩን በኣውራጃ ሐደ ዘይፋላለ ስሙር ህዝቢ ምኻኑ ብቃልሱ ኣረጋጊጹሎም’ዩ። እቲ ብውሑዳትን ብደሑር ብረትን ዝጀመረ ቓልሲ ብዓሰርተታት ኣሸሐት መንእሰያትን ደቂ ኣንሰትዮን ንሜዳ ብምውሐዝን ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ዓቅምታቱን ውደብኡን ብምሕያል ንጽላእቱ ዘይስገር ዓርሞሽሽ ሓይሊኾይኑ ምስ ረከብዎ፡ ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ ገዛእቲ ደርብታት ንሰለማዊ ህዝቢ ኣብ ምሕራድን ዓድታት ኣብ ምቕጻልን ተዋፊሮም።እቲ እኩይባርባራዊ ግፍዕታቶምግን ንህዝቢ ኤርትራ መሊሱ ንቓልሲ ክሓንን እዩ ጌርዎ።
እንበኣርከስ ውጽኢት ናይ እቲ ሕኑንን ጽኑዕን፣ ቃልሲን ረዚን፡ መስዋእትን ‘ዩ ድሕሪ 30 ዓመት መሪር ተጋድሎ ናጽነቱ ብምርግጋጽ ወናኒ ሃገሩ ክከውን ዝበቅዐ። እዚ ብመሪር ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ዝተረጋገጸ ናጽነት እምበአር’ዩ ሎሚ በቲ ዓማጺ ሰርዓት ተጨውዩ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ማንም ግዜንላዕሊ ሰብዓዊ መሰላቱ ተነፊግዎ ካብ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝመረረ ሕሰም መነባብሮ፣ ሰደት፣ ሞትን ማእሰርትን ኣብ ሐራ ዝብላ መሬቱ ብገዛኢ ደርቢ ወዲ ሃገር ሓሳረ መከርኡ ዝርኢ ዘሎ።እዚ ንምግላጹ ዘጸግም መከራ ነቲ ብሂወቱን ንብረቱን ሰውርኡ ሐብሒቡ ሃገራዊ ናጽነት ንክረጋገጽ ዘይደኣደነ ዋጋ ዝከፈለ ህዝቢ ዘይጻሙን ዘይሞስኡን ኣብ ክንዲ ቅሳነትን ራህዋን ዝጸልመተ ሂወት ከሕልፍ ይግደድ ኣሎ።
ሐደ መስከረም ከነብዕል ከለና እንበኣር ንስል ዝክሪ ዘይኮነስ ካብ ታሪክ ናታ ጅግንነት፣ ትብዓት፣ሐድነት፣ ተወፋይነትን ትግሃትን ወሪስና ነታ ደበና ጥፍኣት ኣንጸላሊይዋ ዘሎ ሃገርና ብሓድነት ካብ ኣትያቶ ዘላ ጽንተት ከነድሕና ቃል እናትወሉ ዕለትዩ። ስርዓት ህግደፍ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ብራዕድን ሽቁረራን
ቀይዱ ብምሓዝ ኣብ ዝባኑ ተሓንጊጡ ይነብር ኣሎ።እዚ ደም ውጹዓት ሰትዩ ዘይጸግብ ስርዓት ስዕረቱ ከም ኩሎም ገዛእቲ ኣያታቱ ዘይተርፎካ እንተኮነ ማዓልቱ ከይሓጽር እቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞ (ደለይቲ-ፍትሒ) ዘሎ ዘይጥርኑፍ ኣካይዳን ዘይምጽውዋርን ተራ ምንዋሕ ስልጣን ህግደፍ ዓብይ ተራ ይጻወት ኣሎ። ስለዚ ሐድነትና ብምትራር ህዝብና ካብ ምንጋጋ ዓመጽቲ እነድሕነሉ ሰዓቱ ሕጂዩ ኢሉ መድረክ (ግዜ) ይጽውዓና ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኩሉ ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለስ ደላይ ለውጢ ኣብ በይ-ኤርያ ይኩን ካብ በይ-ኤርያ ወጻኢ ብሐባር ክሰርሕን ክዛተን ቅሩብነቱ እናገለጸ መጸዋዕትኡ’ውን የቅርብ!!
ባሕቲ መስከረም ምስ ታርካዊ ክብራ ንዘልኣለም ትንበር!!
ህዝባዊትን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ብቃልሲ ውጹዓት ክትህነጽ’ያ!!
በይ- ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
01/09/16
ሰንደቕ ዓላማ ወይ ባንዴራ ከከም ኣጠቃቕምኡን እምነቱን ብዙሕ ትርጉማት ዝሓዘለ እዩ። ሰንደቕ ዓላማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጨርቂ እዩ ዝቕረጽ። እዚ ከኣ ምስ ገለ ታሪኽን ተረኽቦን ብምትእስሳር’ዩ ዝግለጽ። ስለምንታይ ብኸምኡ ይግለጽ ኣብ ገሊኡ ሓቀኛ ታሪኽ ትረክብ። ኣብ ገለኡ ከኣ ግጉይ ሓበረታ ክትረክብ ትኽእል።
መልእኽቲ ሰነደቕ ዓላማ ኣብ ናይ ሕብሪ ወይ ቀለም ወይ ፍልልያት ዝመርኰስ እዩ። እቲ ቀለማት ተልእኮ ንምግላጽ ዝምረጽ ምልክት ወይ መለለዪ እዩ። ንኣብነት ኣብ እንስሳ፡ ብፍላይ ኣብ ገመል ከብቲ ወይ’ውን ፈረስ ብሓዊ ብምትኳስ “ሕላገት ወይ ዕላመት ናይ ዓዲ እክለ” ተባሂሉ ክፍለጥ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝውቱር እዩ።
ጉጉል ከምዝገልጾ እቲ ኣብ ጨርቂ ዝሰኣል ይኹን ዝቕለም ምልክት ከም ዓላማ ወይ ሕላገት (symbol) ይውሰድ። መስቀል፥ ሴፍ፥ ማዕጺድ ምስ ማርተሎ፥ ገረብ፥ ኮኸብ፥ ሴፍ፡ ገረብ፡ ፍርቂ-ወርሒ፥ ንስሪ (eagle) ... ወዘተ ኣብ ባንዴራ ነናቶም ትርጉም ዝሓዘሉ እዮም። እቶም ትርጉማት ገሊኦም ንሃይማኖት ገሊኦም ድማ ንፖለቲካዊ እምነት ዝምልከቱ እዮም። እቶም ዝመርጽዎ ከኣ ስለምንታይ ከምዝጥቀሙሉ ምስ ግዜን ኩነታትን ዝሳነ ምዃኑ ይእምት።
ሰንደቕ ዓላማ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ይዝውተር። ሲቪላዊ ምንቅስቓስ፥ ወተሃደራዊ ተግባር፥ ኣብ ናይ ሓጐስን ሓዘንን ኣጋጣምታት፡ ዓለም ለኻዊ ፍጻመ፥ ሃይማኖታዊ እምነት፥ ስፖርታዊ ንጥፈታት፥ ፖለቲካ ስረሓት እዮም። ሰንደቕ ዓላማ እምበኣር ብዙሕ በብዓይነቱ ነጸብራቓትን ሕላገታትን ዘመልክት እዩ።
ንሃገራዊ ሰንደቕ ዓላማ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ምስ ታሪኽ ናይ ሓደ ህዝቢ ወይ እውን ሓርበኛዊ ጀግንነቱ ዝተሓሓዝ እዩ። በዚ መሰረት ብዙሓት ወገናት ንሰንደቕ ዓላማ ከም ናይ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት መለለዪ ይጥቀሙሉ። ሰንደቕ-ዓላማ ኣብ ሃገራት ዓረብ ከም ምልክት ብርገድ፥ ኣብ ስጳኛ ከም ምልክት ቦጦሎኒ ይጥቀሙሉ። ነዚ ብዝምልከት’ውን ጉግል ዝህቦ መብርሂ ኣሎ።
ኣብ ሰንድቕ ዓላማ እቲ ሕብርታት ነናቱ ትርጉም ስለዘለዎ እቲ ሰንደቕ ዓላማ ዝመርጽ ኣካል ከከም ዝጥዕሞን ዝመረጾን ሓሳብ ገይሩ ይቐርጾ። ሰንደቕ ዓላማ ከም ምልክት ወይ ከም መለለዪ ኣብ ዝኾነ ተረኽቦ ክንጥቀመሉ ይከኣል እዩ። ንኣብነት ኣብ ጉዕዞ መርከብ፥ ኣብ ግዜ ውግእ፥ ኣብ ሃገራዊ በዓላት። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ዘንበልብሎ ኣካል ካበየነይቲ ሃገር ምዃኑ መፍለዪኡ እዩ። እዚ ምስ’ቲ ኣብ ወተሃደራዊ ናይ ምስጢር ለይቲ ዝበሃል ዝመሳሰል እዩ። ንኣብነት ኣብ ግዜ ጀብሃ ወይ ተሓኤ ሰራዊት ነታ ባንደራ ናይ ፈደረሽን ሒዙ እዩ ዝንቀሳቀስ ዝነበረ። እዚ ከኣ ተጋደልቲ ካብቶም ወተሃደራት ጸላኢ ንኽፍለዩ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ምልክት እዩ። ምኽንያቱ ካልእ መፍለዪ ስለዘይነብሮም። ኮታ ባንዴራ መን ምዃንካ ዘፍልጥ ወይ ዘመልክት ምስጢር ስለ ዝኾነ።
ኣብ ሰንደቕ ዓላማ እንጥቀመሎም ሕብርታት፡ ሰማያዊ፡ ጻዕዳ፥ ቀይሕ፥ ቀጠልያ፥ ብጫ፥ ጸሊም ይርከብዎም። እዚ ከኣ ሕብርታት ንብዙሕ ምዕባለታት ዝገልጹ ብምዃኖም ዘመልክት እዩ።
ትርጉም ሕብርታት ኣብ ሰንደቕ ዓላማ ሓደ ብሓደ እንተርኢናዮም ነናቶም ትርጉም ኣለዎም። ንኣብነት ባትና ኣተረጓጉማ፡ ጻዕዳ- ናይ ሰላም፥ ንጽህና፡ በረድ፡ ቅሳነት፡ ህድኣት። ሰማያዊ- ንሰማይ፥ ንባሕርን፡ ብጠቕላላ ንሃብቲ ማያትን ይውክል። ቀይሕ፡ ኣካላትና ሰለስተ ርብዒ ብፈሳሲ ዝተሃንጸ እዩ። ሓደ ካብኡ ከኣ ደም’ዩ። ንዓኡ ከኣ የመልክት። ስለዚ ደም ህይወት ስለ ዝህበና ቀይሕ ንዓኡ የመልክት፥ ህይወት፥ ፍቕሪ፥ ሓይሊ፥ ቅድሜኻ ሓደገኛ’ዩ ደውበል፥ ዝብል ናይ መጠንቅቕታ ትርጉም ከኣ ብቀይሕ ይውከል። ጸሊም፡ ውግእ፥ ዘይትስፉው መጻኢ የመልክት። ቀጠልያ፡ ፍርያምነት፥ ቆጻል መሬት፡ ዕሙር ገረብን ልምዓት የርኢ። ብጫ፡ ብርሃን ጸሓይን፥ ብሩህ መጽእን ይእምት። እስኪ ካብዚ ተበጊስና ንሰንደቕ ዓላማታትና ንምዘነን። እታ ቅድም ዝነበረት ሰንደቕ-ዓላማ ነዚ ትመስል፥-

መጀመርያ በቲ ሰማያዊ ሕብሪ ንጀምር። ሰማያዊ ሕብሪ ንሰማይ፥ ንባሕርን ንማያትን የመልክት። እቲ ኣቑጽልቲ ከኣ ንልምዓት፥ ገረብ፡ ፍርያም መሬትን ናይ ሰላም ኣገዳስነትን የመልክት። ካልእ እቲ ናይ ቆጽሊ ኣውሊዕ ጨናፍር ባይቶ ኤርትራ ይኹን ኢሉ ዝተሰማምዑሉ እምበር ከምዚ ዝኣመሰለ ጨናፍር ዘለዎ ገረብ ስለ ዘሎ ኣይኮነን።

ኣብዛ ዳሕረወይቲ ሰንደቕ ዓላማ እንተመጻእና ከኣ፡ እቲ ቀጠልያ ልምላመ፡ እቲ ሰማያዊ ባሕርን ማያትን፥ እቲ ቀይሕ ከኣ ምእንቲ ሃገር ዝተኸፍለ ክቡር ህይወትን ዝፈሰሰ ደምን ምዃኑ ተተርጒሙ ኣሎ። እታ ጨንፈር ኣውሊዕ ብጫ ምዃና፡ በቲ ትርጉም ባህሪ ናይ ሕብሪ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ እዩ። ይኹን እምበር ካብዚ ወጻኢ ትርጉም ክዋሃቦ እንከሎ ንቑጽ ጨንፈር እዩ ዘመልክት። በዚ ኮይኑ በቲ እቲ ናይ ብዙሓት ጀጋኑ ህይወት ዝተኸፍሎ ቃልሲ ምእንቲ ሃገር ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ምውጽእ እምበር ምእንቲ ሕብርን ምልክንት ሰንደቕ ዓላማ ኣይነበረን። ከምኡ ነይሩ እንተዝኸውን’ሞ እቲ ገዛኢ፡ ሰንደቕ ዓላማኹም ኣምበልብሉ እንተዝብለና ውን መተቐበልናዮ ነርና። ምኽንያቱ ናብቲ ካብ ባህግን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጥረ ፈደረሽን ተመለሱ ማለቱ ስለ ዝነበረ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ግና ካብዚ ዝዓሞቐ ትርጉም ነይርዎ።
ኣብዚ እዋን እዚ እታ ዳሕረወይቲ ባንዴራ እያ ናይ ሃገረ ኤርትራ ምልክት ኮይና ዘላ። እታ ናይ ግዜ ፈደረሽን ዝነበረት ኣብ ግዜ ቃልሲ ንኹሉ በረኻታት ኤርትራ ዝዳህሰሰት ሕርበኛ ሎሚ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብወግዒ ኣይፈልጣን እዩ። እዚ ማለት ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ግቡእ ቦታ ማለት ብዘጽድቖ ቅዋም ኣቢሉ ኣብ ዝመርጾ ባይቶ ክሳብ ንበጽሕ እዛ ካልኣይቲ ከም ንኤርትራ ትውክል ምልክት ተቐቢልና ክንልለየላ ግዱዳት ኢና። ኣብቲ ህዝቢ ዝመረጾ መንግስቲ ምስ በጻሕና ግና እንታይ ዓይነት ባንዴራ ከም እንውለብልብ ምውሳን ስልጣን ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን እዩ። ካብዚ ክውንነት ብምንቃል’ዩ እምበኣር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ፍታሕ ኣብዚ እዋንዚ “ክልቲኤን ብሓባር ንጠቐመለን” ዝብል ሓሳብ ዘምጸአ። ብዓይኒ ሕጊ እንተኸድና እታ ኤርትራ ልኡላዊት ካብ ዝኾነትሉ ግዜ ጀሚራ ዝተሰቕለት’ሞ ዓለም ኣፍልጦ ዝሃባ ሰንደቕ ዓላማ፡ ብሕገ-መንግስታዊ ፈቓድ ህዝቢ ካሳብ ትቕየር ንኤርትራ ትውክል ክትከውን እያ።
ሕጂ እዘን ክልተ ባንዴራታት ንመን ይውክላ እንተልና ኢልና ምናልባት “ንጀብሃን ሻዕብያን” ንብል ንኸውን። ነቲ ጀብሃ ወይ ሻዕብያ ዝብል’ውን ነናቱ ትርጉም እዩ ዝወህቦ እምበር፡ ናይ ሓባር ምዃነን ዝኸልአን ኣይመሃለወን። ክዝንጋዕ ዘይግበኦ፡ ሰንደቕ ዓላማ ምስ ኩሉ ሕብርታቱ፥ ናይ ህዝብን ሃገርን እምበር ባህርያቱ ብዘየገድስ ናይ ሓላፊ መንግስቲ ኣይኮነትን። ስለዚ ንሰንደቕ ዕላማ ኣንድድ ኣይተንድድ፥ ነቲ ስርዓት ዝትንክፎ ኣይኮነን። ነቲ ስርዓት ዝትንክፎ ካብቲ ስልጣኑ በርቊቕካ ክትጉሕፎ እንከሎኻ ጥራሕ እዩ ። ስለዚ በዚ መሰረታዊ ዘይኮነ ነገር ክንዋጠጥን ክንሰሓሓብን ግዜና ከነባኽን ኣይግበኣናን።
ድራር መንታይ
ንእሽቶይ ዓዲ መቐነይ ነይትስእን ከምዝብሉዎ፤ ሰብ ዲያስፖራ ኤርትራውያን መቐነይ ረኺብና ቀኒና ብሰንኪ ሓንቲ ባንዴራ ብሓደ ኤርትራዊ ምቅጻላ ምኽንያት። እቶም ንዙረት ወይ ዕብዳን ዓዲ ምስ ከዱ’ሞ፤ ኣሸበሸብ ወያኔ ኣብ ከባቢ ጾሮና ወይ ከባቢ ባድመ መጥቃዕቲ ጀሚራ እንድሕር ሰሚዖም ናይ መምለሲ ኣየር ቲኬቶም ኣተዓራርዮም ካብ ኤርትራ ክህድሙ ከም ፍሊት ዝተነፍሓሉ ሃመማ መውጽኢ ቀዳዳት ሃሰው ዝብሉ አምሰሉታት ባንዴራና ተቓጺላ ኢሎም ንብዓት ሓርገጽ ምንባዖም ዘገርም ኣይኮነን። እቲ ዘገርም እዚ ደምበ ተቓውሞ ንሰለ ማሕበራዊ ፍትሕን ንልዕልና ሕግን ደው ኢለ ኣለኹ ዝብል ካብ ሓደ ጽውጽዋይ ናብ ካልእ ሓሸውየ ክነጥር ጊዜ ይዓርቦ ምህላው እዩ።
እዛ ሕጂ ንህዝብን መንግስት ኤርትራ ወኪላ ኣብ ፍቖዶ ው.ሕ.ሃን ሓድነት ኣፍሪቃን ካልእን ተሰቒላ ዘላ ባንዴራ ናይ ኢሰያስ ወይ ናይ ህግደፍ እያ ዝብል ርእይቶ አብ ዝሓለፉ እዋናት ተላዒሉ ለባማትን ሙኩራትን ተቓለስቲ ነቲ ሕቶ ብደቂቕ ርእዮምን መርሚሮምን፤ ጉዳይና ጉዳይ ጨርቅን ሕብርን ዘይኮነስ ጉዳይ ዲሞክራስን ፍትሕን እዩ። ነዚ ሕቶ ናይ ባንዴራ ዝምልስ ኣካል ድማ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ዝተመርጸ ሕጋዊ ዲሞክራስያዊ ብወከልት ህዝቢ ዝቖመ ቅዋማዊ መንግስቲ እዩ ኢሎም ሰናይ መዕለቢ ካብ ዝገብሩሉ ነዊሕ እዋን ኮይኑ። እቶም ናጽነት ዓዶም ክርእዩ ማዕጾ ዝተረገጦም ገዳይም ተቓለስቲ ልቢ ኣዕብዮም ንኹሉ ሓቆፍ ቃልሲ መታን ክህልወና ነቲ መሪር ግናኸ ወሳኒ መድርኸ ኣሜን ኢሎም ተቐቢሎም ቃልሲ ንሓርነት ኣብ ሕጋዊ ቦትኡ ስጋብ ዝበጽሕ ክልቲኤን ባንዴራታት ማዕረ ንማዕረ ክስቀላ ዝበጽሕዎ ስምምዕ እውን አዝዩ ደስ ዘብል ውሳኔ ኔሩ።
እቶም ነዚ ገዲም ወለዶ 40ታት 50ታት 60ታትን ምስዚ ሓድሽ ወለዶ 70ታት 80ታትን 90ታትን ከነላግቦ ዝተበገስና እውን ነዚ ቁዱስ ሓሳባት ኣቦታትናን ኣዴታትናን ተቐቢልና ነቶም ዝፈላልዩና ርእይቶታት ዕሽሽ ኢልና ናብቶም ዘቀራርቡና ጉዳያት ጸቒጥና ክንሰርሕ መሪጽና። ነዘን ክልተ ባንዴራታት ድማ ኣብ እንገብሮ ኣኼባታትን ሰልፍታትን ተሰኪምናየን ብዘይ ዋላ ሓደ ጸገም ክንጉዓዝ ጀሚርና። አብዚ ቀረባ እዋን ግና ኣይግድን ሓደ ሓደ ሰማያዊት ባንዴራ ኣውሊዕ ልዕሊ ሰቦም ትብጽሖም ዝመስሎም ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኹሉ ሸነኻቱ ክርእዩ ዘይክእሉ ካብ ዘመነ ሓራካን ጀብሃ ዓባይን ኣርሒቖም ክሓስቡ ዘይክእሉ ጸበብቲ ሕሉፋት ነዚ እንትርፎ ስምዒት ካልእ ንቕሓት ኮነ ርድኢት ክውንን ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዘየፍቀዱሉ ብወፍሪ ባርነት ህግደፍ ዝተዳኸመ መንእሰይ ተጠቂሞም ፈላላዩ መርዚ ኣብ ምንዛሕን ስቓይ ህዝብና ኣብ ምንዋሕን ይርከቡ። ንተቓለስቲ ደቂ ሃገር ሽርሕታት ኣዋዲድካ ካብ ቃልሲ ንምውራድ ዝተገብረ ከንቱ ፈተነ ዘስዓቦ ዕንወት ከይሓወየ ሕጂ ካብ ሰብ ይውረድ ናብ ባንዴራ ትውረድ ምብጻሕና ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። እዚ ዘለናዮ ዘመን ትንፋስ ዘይህብ ህዝብን ሃገርን እተድሕነሉ ቀራና እዋን እምበር ነቲ ጊዜኡ ዘሕለፈ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ጀብሃን ሻዕብያን እነቃንየሉ ጊዜ ኣይኮነን።
እዛ እዋናዊት ባንዴራ ኤርትራ ከመይ ኣቢላ እያ ባንዴራ ኢሰያስን ህግደፍን ትኸውን ?
እዛ ባንዴራ መቦቆላ ናይ ህ.ግ ኣርማ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ህ.ግ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ሙሩጻት ደቁ ከፊሉ ናጻ ክወጽእ እንከሎ መሪሕ ተራ ዝተጻወተ ውድብ ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን። ብዘይ ምግናን ኣብ ናጽነት ቀረበ ቀረበ ዝበሃለሉ ዝነበረ እዋን ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ ብኹሉ ዓቕምታቱ ኣካል ህ.ግ ኮይኑ ስለዝተቓለሰ እምበር ህ.ግ በይኑ ኮይኑ ናጽነት ኤርትራ ከውሕስ ምንም ዓቕሚ ኣይምሃለዎን። ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ እውን እንተኾኑ ነቲ ሕሉፍ ጽልእን ቅርሕንትን ንጎድኒ ገዲፎም ጸሓይና መሊኣ ንኽትበርቕ ከካብ ዝነበርዎ ሃገረ ስደት ኣብ ጎድኒ ህ.ግ ምስላፎምን ምስውኦምን እዚ ግንባር እዚ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ግምባር እምበር፤ ናይ ኢሰያስን ናይቶም ጊዜ ዘይተርክቦም ዝመስሎም በብእዋኑ ዝብሉዑን ዝእሰሩን ዘለው ኣገልገልቲ ኢሰያስ ዝነበሩን ዘለውን ፈጻሚትን ማእከላይ ሽማግለን ግንባር ኣይነበረን። እሞ እዛ ባንዴራ እዚአ ካብ ህዝቢ መንዚዕካ ንውልቀሰብን ንመዳኸርቱን ራሕሪሓካያ ምኻድ ተሰዓርነት ጥራይ እዩ ዝኸውን። ነዛ ኣእላፍ ጀጋኑ ዝወደቑላ ባንዴራ ጽባሕ ንግሆ ምቕያራ ብሓፋሽ እንተተመርጸ ድማ ብኽብሪ ክትወርድ እዩ ዝግብኣ እምበር፤ “ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት” ዝዓይነቱ ምቅጻል ትርጉም ኣይህልዎን።
እዛ ባንዴራ ዕላዊት ካብ ትኸውን ጀሚሩ ክንደይ ታሪኻዊ ፍጻመታት ብሰንኪ ተረኽቦታትን ዓንዳሪ ኣካይዳ ኢሰያስን ኣጋጢሙና እዩ። ንኣብነት ጠንቁ ብዘየገድስ ኵናት ምስ የመን ብሰንኪ ደሴታት ዙቑር ሓኒሽ፡ ኵናት ምስ ሃገረ ሱዳን፡ ዶባዊ ኵናት ምስ ኢትዮጵያን ጁቡትን ተኻይዱ እዩ። እዚኦም ኵናታት ዋላ ኢሰያስ ይወልዓዮም ብዘየገድስ እቶም በጃ ህዝብን ሃገርን ዝተሰውኡ ደቂ ሃዝቢ ናይ ህዝቢ እመበር ናይ ኢሰያስ ስውኣት ኢልካ ምምዳቦም ፖለቲካዊ ተልሜደንንነት እዩ ክበሃል ዝከአል። ንምንታይከ ነቶም ስድራ እዞም ስውኣት ክትንክፍ ዝኽእል ተኣፋፊ ሕቶ አምጺእና ቁስሊ እዞም
ኣቦታትን ኣዴታትን ንጎድእ። ነቲ ኵናት ደው ከብልዎ ወይ ክቃወሙዎ ዝነበሮም እቶም ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ተሰኪሞም ክንሶም ኢሰያስ ስረኦም ዘፍትሖም ስማውያን ሚኒስተራትን ጀነራላትን እምበር እቶም ብዘይ ኣፍልጦ ሃገር ተወሪራ ተባሂሎም ኩቡር ዋጋ ዝኸፈሉ ስውኣት ኣይኮኑን። እሞ እዞም ስውኣት ክቕበሩ እንከለው ዝለበስዋ ባንዴራ ናይ ህዝቢ ዶ ዋላስ ናይ ኢሰያስን ህግደፍን።
እቶም ኣብ ታሪኽና ንዘንተ እለት እንዝክሮም ከም ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያምን ዑመር ሃኪቶን ዝኣመሰሉ ተቓለስቲ ክቕበሩ ከለው ቃሬዛኦም ዝሸፈነ ባንዴራ ከመይ ዘይባንዴራና? ድሕሪ ናጽነት እንተኾነ እውን ክንደይ ሓቀኛታትን ፈተውቲ ህዝብን ደቂ ሃገር ዝኾኑ ተጋደልትን ፍሉጣት ስነጥበበኛታትን ሬሳኦም ምስ ዘሰነይት ባንዴራ እንታይ ጽልኢ ኣለና? ኣትሌታትና ንመቃዳድምቶም ራሕሪሖም ብዓወት እንክኣትው ክብርናን ዝናናን ሓፍ እንከብሉ ዘምበልብሉዋ ባንዴራስ ንመን ኢኹም ክትህብዋ ደሊኹም? ነቲ ኤርትራን ህዝባን ንመጻኢ ክህሉው ዘይደሊ በላዕ ሰብ ኢሰያስ? እንድዒ ጌጋ ደአ ይኽለኣለይ እምበር ኢሰያስ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንላዕሊ ንደምሒትን አርበኞች ግንቦት ሰባትን ዝፈቱ ካብዛ እዋናዊት ባንዴራና ንላዕሊ ነታ ቀጠልያ ብጫ ቀይሕ ዝሕብራ ባንዴራ ኢትዮጵያ ዘለዎ ፍቕሪ ዝዓቢ ኮይኑ እዩ ዝስመዓኒ።
ትርጉም እዋናዊት ባንዴራ ኤርትራ
ትርጉም እዋናዊት ባንዴራ ኤርትራ እንድሕር ብዕምቆት ካብ ስሚዒት ወጺና ርኢናዮ ካብታ ናይ ፈደረሽን ባንዴራ ዘይንእስ ትርጉም ዝሓዘለ እዩ። ንጸጋታት ባሕርና፡ ንዝኸፈልናዮ መስዋእቲ፡ ንእንምነዮ ልምዓትን ብሩህ መጻእን ዝሓዘለት ባንዴራ እንታይ ኣበሳ ኣለዋ እንትርፎ መራሕቲ ህግደፍ ዘውርዱልና ዘለው ኣደራዕ። እዚ ክብል ከለኹ ምስ ኣውሊዕ ባንዴራና ምንም ዘጻልእ ጉዳይ የብለይን ምስ’ዛ ባንዴራ ኣቦታተይ ኣባሓጎታተይ። ድሕሪ ናጽነት ንሳ ቀጺላ ኔራ እንትትኸውን እውን ደስ ምስ በለኒ ኔሩ ካብዚ ሕጂ ንሰምዖ ዘለና ዘይተደልየ ገልታዕታዕ ከማን ምደሓንና ኔርና። የግዳስ ንሳ ካብ እትወርድን ካብ እትትካእን ርብዒ ዘመን ተቖጺሩ እዛ ሓዳሽ ባንዴራ ካብ እትመጽእ ጥራይ ሚልዮናት ኣእላፍ ተወሊዶምሲ ዓብዮም ከማን። እሞ ሕጂ ልዕሊ 80% ኤርትራዊ ብዛዕባ እታ ዝሓለፈት ባንዴራ ምንም ዝጭበጥ ኣፍልጦ ዘይብሉ ክንሱ ኣውሊዕ እንዳበልካ ምጉስጓስ ምስ ምንታይ ክቑጸር ይከኣል። እንድሕር አውሊዕ ክትምለስ ተደልዩ እውን መርሓባ ኢልና ክንቅበላ እንታይ ጸገም ኣለዎ ጥራይ ህዝቢ ይምረጻ እምበር። እሞ እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቂ ንምንታይ ኢኹም ዘይትገድፍዎ ነዚ ህዝቢ ካብ ወግሐ ጸብሐ ፋላላዩ ነገራት እንዳምጻኹም ነቲ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ ምትእምማን ቃልስን ደቂ ሃገርን መሊስኩም ትሕቲ ባይታ ትቐብርዎ።
ሓደ ካብቲ ዝቐርብ ብዛዕባ እዛ እዋናዊት ባንዴራ ርእይቶ እንታይ ዝብል’ዩ፤ ኣክንዲ ቀጠልያ አውሊዕ ዝሓረረት ብጫ ዝሕብራ ኣውሊዕ ዝሓዘት እያ ዝብል ምስ ሰማዕኩ ከይገረመኒ ኣይተረፈን። እዋይ ኣንታ እንታይ እዩ ወሪዱና ክትብል ትግደድ። ባንዴራ ዓለማት ከይድካ ክትርእይ ድማ ትግደድ። ባንዴራ ኣልጀርያ ቀይሕ ወርሒ፡ ባንዴራ ጋና ጸሊም ኮኾብ፡ ባንዴራ ካናዳ ቀይሕ ቆጽሊ ተሰሊመን ምስ ረኣኻየን ደቂ ዓድና እንታይ ምስ በሉ ዜጋታት ናይዘን ሃገራት እንተዝኾኑ ትብል። ቀይሕ ወርሒ ወይ ጸሊም ኮኾብ ዝብሉዎ የለን ኢሎም ዶ ምስ ሞገቱ? ወያ ንነብሳ ኮይና ነዓና ከማን ስርናይ ሊኢኻ ዘዕበየትና ካናዳኸ ቀጠልያ ሰዊት ስርናይ እምበር ቀይሕ ቆጽሊ ኣይግበአን ኢሎም ኣብ ፈይስ ቡክ ኵናት ከይጅምሩ’ውን ትፈርሃሎም።
ዊዒልና ሓዲርና ፍቕሪ እዩ ዝስዕር
ደገፍቲ ህግደፍ ብፍላይ ድማ እቶም ካብ ሓሙሽተ ሜትሮ ኣርሒቖም ክሓስቡ ዘይክእሉ በሃማት ስሕዋትን ነዛ ባንዴራ ኣብ ቆቢዕ፡ ክራቫታ፡ ካሚቻ፡ ዙርያ፡ ነጸላ፡ ሻርባ፡ ጽላል ወዘተ ኣስፊሮም ከምታ አመሎም ከኹድዱ እንተራናዮም ዋላ’ኳ ንግዜኡ ብልጭ እንተበልና ብዙሕ ክንግደሰሎም የብልናን። ንሶም እኮ ካባና ዝገደዱ ኣንጻር ሕልንኦም ዝቃለሱ ውሽጦም ሑሩራት እዮም። እንድሕር ከይተሓለልና ፍቕሪ ኣርእናዮም ናብና ዝመጹሉ መዓልቲ ርሑቕ ኣይኮነን። ባንዴራ ምቅጻል ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ዘሎ ቅርሕንቲ ከጋድድ እምበር ምንም ካልእ ረብሓ የብሉን። ነዛ ባንዴራ ድማ ንስኻ ኣንታ ደላይ ለውጢ ምስ መዛኑኻን ብጾትካን ኢኻ ኣብ ፍቖዶ በረኻን ጣሻን ወዲቕካላ። ትማሊ ትማሊ ንክረምቲ ናብ ኤርትራ ክመጹ ከለው በለስ ኢልካ ትጽውዖም ዝነበርካ ናይ ትርፊ ጊዜ ሃገራውያን ብምንም መለክዒ ነዛ ባንዴራኻ ክግብቱ ኣይበቕዑን እዮም። ሰማያዊት ኣውሊዕ ባንዴራኻ ሕድሪ ስለ ዘጽናዕካ፤ እዛ እዋናዊት እውን ባንዴራኻ ብኣኣ ጠቕሊልካ ብጾትካ ስለዝቐበርካ። እንታይ ገደሰካ ብጨርቂ ብሽፎን ትዛረብ። ትማሊ ትማሊ ወርሒ ሰነ ብድምጽኻ ንተልአቪቭን ጀነቫን ዘንቀጥቀጥካ ውጻእ መዓት ከመይ ጌረ ንበድኒ ህግደፍ ይቐብር ኢልካ ሕሰብ እምበር፤ ከም ሽንቲ
ግመል ጨርቂ ትንደድ አይትንደድ ክትብል ጊዜኻ ከተዕርብ ኣየምሕረልካን እዩ። ህዝብና ዘድልዮ ዘሎ ንኢሰያስን ጭፍርኡን ዘቃጽል ተባዕ ሃገራዊ እምበር ጨርቂ ኣቃጺልካ ዝመጽእ ለውጢ እንተዝህሉ፤ ኣዴታትናን ኣደ ዓባየታትናን ዝርካበን ሽፎን ኣኪበን ሓዊ ሮኪዔን ቃል ቃል አቢለን ከምታ ንናጽነት ሕጂ’ውን ቀደም ሓራ መውጽኣና ኔረን።
ሰሎሙን ገብረእየሱስ
ኦክላንድ ካሊፎርንያ
ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ከካይዶ ዝጸንሐ ኣኼባ ሎሚውን ካብ ኩለን ጨናፍር ናይ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝተስተፍዎ ሰሚናር ብዕለት 15 ነሓሰ 2016 ኣብ ፍራንክፎርት ኣካይዱ።
እዚ ካብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ካብ 14፡00 ክሳብ 17፡00 ኣብዘሎ ግዜ ዝተኻየደ ሰሚናር፡ ብናይ ዋና ጸሓፊ ማሕበር ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ሰላምታን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ሰናይ ምንዮትን ከምኡውን ካብ ሓው ተሳፋይ ተኽለዝጊ ኣቦ መንበር ማሕበር ዋላዃ ብኣካል ክርከብ እንተዘይካኣለ፣ ብዝላኣኾ ሰላምታን ጽቡቕ ድልየትን እዩ ተከፊቱ። ኣስዒቡ፡ ንኵነታት መደበር ከሰላን ምዕብልናኡን ብዝምልከት ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ሰፊሕ ሓበሬታ ኣቕሪቡ።
ቀጺሉ ኣብዞም ዝስዕቡ 5ተ ነጥብታት ዝሓዘ ኣጀንዳ ብቕደም ተኸተል ብዕምቆትን ዝርዝርን ተዛትዩ።
1. ህልዊ ኲነታት ኣሕዋት ኣካለ ጽጉማትናን መደበር ኣብ ሱዳን፡
2. ሓጸሪቲ ጸብጻብ ንጥፈታት ናይ ኣብ ዝተፋላለያ ኩርናዓት ዓለም ተመስሪተን ዘሎዋ ጨናፍር፡
3. ዓመታዊ ብጀት 2017
4. ትግባረ መጽናዕቲ ትካል፡
5. ትካላዊ ኣሰራርሓ ማሕበርን
ዝብሉ ዛዕባታት ሰፊሕ ዝርርብን ናይ ሓሳባት ምልውዋጥን ተገይሩ። ኣገደስቲ ናይ ስራሕ ዕማማት ተሊሙን ሓባራዊ ውሳኔታት ኣስፊሩን ኣሎ። ኣብ መደምደምታ ኣብ ነፍሲወከፍ 3ተ ዓመት ዚካየድ ጉባኤ ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ዕለት 27/08/2016 ብመራኸቢ ብዙሓን ክካየድ ምዃኑ ብምዝኽኻር ሰሚናር ብዝኽረ ስዉኣት ተዛዚሙ።
መግለጺ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ
Monday, 22 August 2016 22:48 Written by NCC Ad hoc Contact Organመግለጺ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ
ኣቦ መንበር ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ሃግራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ ኣቶ ሱለማን ሑሰንን ኣባል ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋን ዝመርሕዎ መግለጺ፡ ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ካብ ዝቐረበ ሐደ ኣገዳሲ ንጥፈት ነይሩ።
ሓው ሱለማን፡ ነቲ ብወርሒ ሕዳር 2015 ኣብ ናይሮቢ ዝተኻየደ ምምኻራዊ ዋዕላ፡ ክብ ምድላው ኣትሒዙ ክሳብ ምስልሳሉ ከመይ ከም ዝነብረ ኣብ ልዕሊ ምግላጹ፡ ብመሰረት ውሳኔታት እዚ ዋዕላ’ዚ 6ተ ዝኣባላቱ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ከም ዝቖመ ኣብሪሁ።
ናይ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ መበገስታትን፡ ዕላማታትን ክሳብ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ብምግላጽ ድማ፡ ኩሎም እቶም ናብ ዳግማይ ምምኻራዊ ዋዕላ ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበረሎም ውድባት ጸዋዒት ከም እተገብረሎምን። ኩሎም ድማ ክሳተፉ ምዃኖም ኣረጋጊጾም ከም ዘለዉን ኣብሪሁ። ብተወሳኺ ምስ’ዛ ኣካል ርኽክብ ዝተሓባበሩ ምሁራትን ክኢላታትን ከም እተመደቡን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ነቲ ዋዕላ፡ መበገሲ ክኸውን ዝኽእል ሰነዳት ኣብ ምድላው ከም ዘሎን ሓቢሩ። ኣብ ክሉ ዕማማት ናይ ኩለን ውድባት ተሓባባርነት ጽቡቕ ምህላው፡ መጽናዕታዊ ስነዳት ኣብ ዝድምደመሉ እውን ናብ ኩለን ውድባት ክዝርጋሕን ክጽናዕን፡ ብተወሳኺ ርእይቶታት ክመሓየሽን ምዃኑ ኣብሪሁ።
ሓው ተስፋይ ደጊጋ ብወገኑ ድማ እቲ ትጽቢት ዝንበረሉ ዋዕላ፡ ዋንነቱ ኩሉ ውድባት ምዃኑ፡ መሰረታዊ ዕማም ናይ ግዜያዊ ኣካል እውን፡ ኣግላልነት ዘይብሉ ናይ ኩሉ ሓቆፍ ዋዕላ ምዃኑ ኣብሪሁ።
ብድሕሪ’ዚ መድረኽ ሕቶን መልሲን ተኸፊቱ ኣኽIአበኛታት ዘለዎም ሕቶታት ኣብ ርእሲ ምቕራቦም፡ ጠቓሚ ለበዋታት ንግዜያዊ ኣካል ኣመሓላሊፎም።
እቲ መግለጺ ብኽልቲኡ ቋንቋታት ትግርኛን ዓረብኛን ዝቐረበ ከይኑ ብ ፓወር ፖይንት ቅርጻዊ ገለጻ (Power Point Slide show) ዝቐረበ ብምንባሩ ኣንባቢ ሓፈሻዊ ስእሊ ንኽህልዎ ከም ዘለዎ ነቕርብ።
ንደቂ ሰባት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ቀንዲ ሓደገኛ ዝኸውን ምትእምማን ጠፊኡ ኣብ ክንድኡ ምጥርጣር ክዕብልል እንከሎ እዩ። ከመይሲ ምጥርጣር ነቲ ባህሪ ናይቲ ካልእ ሸነኽ ንኸይትርዳእ ስለዝዓግት ኩሉ ግዜ ናብ ዘይቅዱው ሃዋህው እዩ ዝወስደካ። እዚ ስለዝኾነ ከኣ ንዝኾነ ይኹን ፖለቲካውን ማሕበራውን ዝምድናታት በቐሊሉ ዝሃሲ እዩ። ስለዚ ምትእምማን ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ንዝግበር ዝምድናታትን ርክባትን ባይታ ዝምድምድ ኣገዳሲ ባእታ እዩ።
ምትእምማን ንሓድሕድካ ብምስምማዕን ኩሉ ብግሉጽ ብምሕባርን ከምኡ እውን ሓቀኛ ምዃን ዘጠቓልል ልቦናዊ ኩነት እዩ። ኣብዚ ኩነታት እዚ እቲ ዝምድናን ርኽክባትን ኣዝዩ ክድልድል እንከሎ ነቲ ርክብን ዝምድናን ተኣማኒ ስለዝገብሮ ምትእምማን ይህነጽ። እምነት ኣብ ዝህነጸሉ ድማ እወንታውን መሰረታውን ለውጢ ንምርግጋጽ ዓቢይ እጃም ኣለዎ። ምትእምማን እንተዘየልዩ ግና ሓቀኛ ዝምድና ኣይፍጠርን እዩ። ሓቀኛ ዝምድና እንተዘየልዩ ከኣ እቲ ናብ ዓወት ዘኽይድ ጐደና ትስሕቶ’ሞ ኣብ ምጥርጣራትን ምትሕልላውን ትጥሕል።
ስለዚ ሰናይ ዝምድና ኣብ ዝሃለውሉ፡ ንነገራት በቲ ዘሎካ ምቅርራብ ኣቢልካ ናብ ቅኑዕ ውሳነ ክትበጽሖ ይከኣል። ምትእምማን ክድልድል ንዝምድናታት እውን ከሕይል፥ ግሉጽን ሓቀኛን ኰንካ ንጌጋታትካ ብኽፉት ኣእምሮ ናይ ምቕባል ትብዓት ክትውንን የድሊ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት ከኣ ንዘሎ ምርሕሓቕ ናይ ምቅርራብ ኣድልዪ ኩነት እዩ። ብዘይካ’ዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ እምነት ምስ ዝምርኰስ ኩሉ ተግባራቱን ምንቅስቓሳቱን ኣብ ቃሉ ናይ ምጽናዕን፥ ግብራዊ ንምዃንን ዘሎ ቅሩብነት ዝተመስረተ ይኸውን። ብዘይካ’ዚ ነቲ ካብ ካልኦት ዝጽበዮ ሓሳባት ይኹን ተግባር መሰረታዊ መንቀሊኡ ብኣውንታ ክጥምቶን ብፍሕሽው ገጽን ካብ ልቢ ዝነቐለን ዝምድና ክኸውን ይሕግዝ።
ብምትእምማን ኣብ ዝተመስረተ ዝምድና እምበኣር እቲ ቅኑዕ ዘበለ ሓሳብን ግብርን እዩ ዝሳነ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከኣ ንዕቀት፥ ኣትሒትካ ምርኣይን ሓሶትን ቦታ የብሎምን። እምነት ምስ ዝህሉ እቲ ቂምን ጽልእን ተሪፉ ኣብ ፍቕርን ሰናይ ምግባርን እዩ ዝልወጥ። እዚ ከኣ እዩ ዓወት፡ ኣብ ሓድሕድካ ምትሕልላይን፥ ጸገም ሓድሕድ ምፍላጥን ዘመንጩ። እዚ እምነት እዚ ከኣ እዩ ንሓቂ ካብ ሓሶትን ንቅንዕና ካብ ተንኮልን ፈሊኻ ዘጠምት ልቦና ክሰፍሕ ዝሕግዝ። ምስ ናይ እዚ እቲ ፡ኒሕን ንያትን እወንታዊ ሕልናን ይጥጥዕ እሞ፡ ካብ ግዙኣት ተንኮልን ቅንእን ናጻ ክንከውን ይሕግዘና። ውጽኢቱ ከኣ እቲ ምንዮትናን ድሌታትናን ኩሉ ካብ ሽግር፡ ግፍዕን ወጽዓን ተላቒቑ ሰላማዊ ናብራን ተኸባቢርካ ናይ ምንባርን ቅሩብነት ይድልድል።
ምትእምማን ክሰርጽ ወይ ክህነጽ ከምቲ ስነፍልጠት ዝገልጾ እቲ መስርሕ ብዙሕ ነጥብታት ዝሓዘለ እዩ። ገለ ካብቲ ንምህናጽ ምትእምማን ዝሕግዝ ነጥብታት ምጥቃስ ጠቓሚ እዩ።
‘’ተኣማኒ ምዃን፥ ዓቢ ጸጋ እዩ። እዚ ይንኣስ ይዕበ እቲ ክግበር ዝበልካዮን ዝተሰማማዕካሉን ቃልካ ኣጽኒዕካ ምትግባር ማለት እዩ። ነቲ ዝተሰማማዕካሉ ይኹን ክገብሮ እየ ንዝበልካዮ እንተዘይፈጺምካ ግና እምነት ተጉድል ስለዘሎኻ፡ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ሰብ ኣይኣምነካን። ምኽንያቱ እምነት ተጉድል ስለ ዘለኻ።
‘’ ሓቀኛ ምዃን፥ ኣብ ሓሶት ተመርኲስካ ትረኽቦ መኽሰብ ወይ ፍረ ስለዘየለ፥ ከምኡ እውን ከም ዝሓሰኻ እንተተፈሊጥካ’ሞ ኣሉ እንተ ኢልካ መሊሱ ዝገደደ ኣማኒ የስእነካ፡ ስለዝኾነ ብዝከኣል መጠን ጌጋታትካ ክትኣምንን ነቲ ሓቂ ብግልጺ ከተቕርብን ኣድላይ’ዩ። ዝያዳ ሓጋዚ ዝኸውን ከኣ ኩሉ እትብሎ ንቃለ-ዓለም ዘይኮነ ካብ ውሽጢ ዝነቐለ ክኸውን እንከሎ’ዩ። ንዘይትገብሮ ብዓንተብኡ ኣይፋለይን ክትብል ኣሎካ።
ክትብሎ እትደሊ ኣብ ምባል ግሉጽ ምዃን። ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ክትሕብር ቅሩብ ኣብ ዘይኮንካሉ ከምኡ ብጋህዲ ምንጻር። ክትዕቅቦ ንዝተነግረካ ምስጢር ንዘይምልከቶም ኣሕሊፍካ ምስ እትህብ ከም ክሕደት ስለዝቑጸር ተኣማንነትካ ንምርኣይ ምጽናዕ።’’
ዝምድናታት ኣብ እትፈጥረሉ ግዜ ንረብሓታትካ ልዕሊ ረብሓ እቲ ዝዛመደካ ክኸውን ኣይግባእን። ንስምዒታትካ ብትዕግስቲ ከተመሓድሮ ምኽኣል ዓቢ ናይ ምትእምማን መንፈስ ዘጥሪ ባህሪ እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ካብ ኣገባብ ዘይብሉን ሃሳዪን ባህሪ ምቚጣብን ተቐባልነት ዘለዎ ሓሳባት ይምልከቶም ንእትብሎም ኣካላት ምክፋል። ኮታ ንርክባትን ምትእምማንን ካብ ዘዛሕትሉ ጉዳያት ምቚጣብን ቐጻሊ ዕቤት ምምዕዳውን።
ድራር መንታይ