ንእኩይ ምሕደራ ኣልጊስካ፥ ኣብ ክንድኡ ህዝቢ ዝድግፎ፡ ዝኣምነሉን ንኹሉ ብማዕረ ብዘይ ኣድልዎ ዘመሓድርን ስርዓተ-መንግስቲ ምትካል መሰረታዊ እዩ። እዚ ካብቲ ዘሎካ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን መትከላዊ ሕንጻጽን ተበጊስካ ብተግባር ነቲ ዕላማ እቲ ንምዕዋት ምቅላስ ማለት እዩ። ዕላማን ተግባርን በበይኑ እንተኾይኑ ግና ውጽኢቱ ፈላላይን ሓደገኛን እዩ ዝኽውን።
ነዚ ዕላማ እዚ ብተግባር ንኽትዋሳእሉ ከኣ ዱልዱል ፖለቲካዊ ሰልፍን ስቪላዊ ማሕበርን ምምስራት የድሊ። እዚ ዱልዱል ሰልፊ፡ ፖለቲካዊ ማሕበርን ብሱል ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ዝውንን፡ ኣብ ነንሓድሕዱ ጽኑዕ እምነት ዘለዎ ተመላላኢ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። እዚ ከኣ ንመላእ ህዝቢ ዘሰማምዕን ዘቀራርብን፥ እቲ ህዝቢ ዝደልዮ ሕገ-መንግስትን ቅዋምን ልዕልና ዝኸብረሉን ዝህነጸሉን መስርሕ እዩ። እዚ ዝኸውን፡ ሓደ ነቲ ሓደ ካብቲ ፖለቲካዊ ዕላማን መትከልን፥ ንህዝቢ ካብ ዘርብሕ ኣገባብ ዝሓዘለ ኣሰራርሓ ንኸይወጽእ እናተሓላለወ ክኸይድ እንከሎ እዩ እምበር ሓድሕድ ብምጽራር ኣይኮነን።
ኩለን ሰልፍታትን ማሕበራትን ናይ ሓባር ሃገራዊ ኣረዳድኣ ምስ ዝውንና፥ ንስምዒታት ህዝቢ ዘበራብርን ንጸረ-ምልኪ ኽቃለስን ኣብ ረብሓኡ ዝውዕል ቅዋም ክተክልን ይሕግዝ። እዚ ሓሳብ እዚ ምስ ዝዕወት ከኣ እዩ ኩሉ ጻዕርና፡ ጻዕርናን ኣተሓሳስባናን ተደማሚሩ ነቲ ሓንጎፋይ ኢልና እንቕበሎ፡ ዘተሓቛቚፈናን ንዘላኣለም ዝጠቕመናን እናተወራራሲ ዝኸይድን ባህሊ ከነማዕብል ንኽእል። እዚ ባህሊ እዚ ከኣ ዲሞክራሲያዊ፡ ፍትሓውን ርትዓውን ብዝኾነ መንገዲ ምስ ዝኽይድ ተኸባቢርናን ተሰማሚዒናን ሓድነትና ኣደልዲልና ንዘሎ ሽግራት ብክፉት ልቦና ተዛቲና ክንፈትሕ ብዙሕ ጸገም ኣየጋጥመናን። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ነንሓድሕዱ ዝመናጨትን፥ ዘይከባበርን እንተኾይኑ ካብዚ ሕጂ ሃገርና ኣትያቶ ዘላ ድኽነትን፡ ናይ ጥፍኣት ዓዘቕትን ክንወጻኣ ማለት ዘበት ኣዩ።
ንሃገርና ካብዚ ሽግራት እዚ ክነውጻኣ እንተዀና ድማ ናይ ነፍሲ ወክፍ ጽቡቕ ድሌት፥ ቅሩብነትን፥ ቅኑዕ ሕልናን እንተልዩ፡ ሽግር ህዝብናን ሃገርናን ዘይፍታሕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ሽግር ሽግር ህላዌ ናይ ሰልፍታት ወይ እውን ማሕበራት ዘይኮነስ እቲ ሽግር ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ። እቲ ሽግር ኣብ ቅኑዕነትን ፍትሓዊ ዝኾነ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ እምበር ሰልፍታት በይነን ኣይኮናን ዝፈትሐኦ። ስለዚ ንሰልፍታት ዘሻድነን ወይ ዘዳኽመን ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ከኣ ሓቀኛን ርትዓውን ፈራዲ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ማለት ሽግር ኤርትራ ብሃይማኖት ወይ ብብሄር ንምፍታሕ ምህቃን ማለት እቲ ሽግር መሊሱ ዝጋፋሕን መዕለቢ ዘይርከቦን እዩ ዝኸውን። ኩሉ እቲ ሽግርና ብብስለትን ኣፍልጦን ብክፉት ልብን እንተ ተተሓሒዝናዮ ጸገምና ዘይእለ ወይ ዘይፍታሕ ክሳብ ክንድቲ ከቢድ ኣይኮነን።
ይኹን እምበር እቲ ኣተሓሳስባናን ኣተሓሕዛናን ንጉዳያት ብፍትሓውን፥ ንዕርቂ ዝዕድምን ዘቀራርብን ፍታሕ ንምቕራብ ድሉዋት እንተዀና፥ ግደ ሰልፍታት ብምስትንዓቕን ብምንእኣስን ዘይኮነስ ንድኽመተን ኣሪምካ ኣብ ሃገራዊ መስመርን መትከላዊ እምነትን ንምርዓመን ምጽዓር እዩ ዘድሊ። ምኽንያቱ ንሰን እየን ምስ ህዝቢ ምትእስሳር ዘለወንን ህዝቢ እውን እንተስ ክስዕበን እንተስ ክነጽገን ብትካላዊ ስራሓት ተጠርኒፈን ስለዘቕርባ ኣብ ቅድሚኡ ተሓታትነት ኣለወን። እዚ ናይ ብጃምላ ተኣኪብካ ቀይዲ ብዘይብሉ ናይ ወለንተኛታት ውደባ ወይ ድሌት (Interest groups) ወይ ብጸዋዒት መራኸቢ ብዙሃን ዝእከብ ተሓታትነት ስለዘይብሉ እቲ መስርሕ ከምተን ናይ ሰልፍታት ምቁጽጻር ክህለዎ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ሓያል ፖለቲካዊ ሰልፊ ንምርግጋጽ ዲሞክራሲን ጽኑዕ ተሓታትነት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
በዚ ምኽንያት ናይ ሰልፍታት ውድድር ንዲሞክራሲ የደልድል፥ ህዝቢ ውን ክርደኦን ክሰርሓሉን ይኽእል፥ ፍትሕን ፍትሓዊ ኣተሓሳስባ ዝውንን ህዝቢ እውን ይፍጠር። እዚ ምስ እንገብር እተን ህሉዋት ሰልፍታት ይኹና ብሕጂ ዝፍጠራ እቲ ዘይተወደበ ኣካል ለይቲ ምስ መዓልቲ ንስርሓተንን ሃገራዊ መርገጻተንን ክከታተልን ክዕዘብን ከጽንዕን ይግበኦ። እዚ ምስ ዝገብር ከኣ እዩ እቲ ዝበዝሐ ኣጽቂጡ ዘሎ ህዝብና ንፍርሒ ስዒሩ ንኣብ መንጎ ተቓወምቲ ሓይልታት ንዝፍጠር ፍልልያት ከይተረፈ ኣብ መሰመሩ ዘትሕዝን ንብድሕሪ ሕጂ እቲ ቃልሲ ወናኒኡ ምዃኑ ንኽግንዘብን ዘኽእሎ። እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ከኣ ምስቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢድን ጓንትን ምኾነ እሞ፥ ዝምድንኡ እናደልደለ ኣብ ዝኸደሉ እዋን መላኺ ስርዓት ንህዝቢ ከበሳብስ ከሎ እቲ ሰራዊት ኣብ ጐኒ ህዝቢ ደው ክብል ምኸኣለ።
ንሕና እቶም ተቓወምቲ ኣብ ነንሓድሕድና ክንበላላዕን፥ ንሃገራዊ ጥምረትን ሕድሕዳዊ ዝምድናን ዝበታትኽን ውደባ ብምክያድ ነቲ ሰራዊት ካብ ናይቲ ስርዓት ጸጊዒነት ክነላቕቖ ኣይክንክእልን ኢና። ነቲ ፖለቲካዊ ጸገም ከኣ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከምዘድልዮ ንኽርዳእ እውን ኣይክነብቀዖን ኢና። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከኣ እተን ሰልፍታትን ስቪላዊ ማሕበራትን ኣብ ክንዲ ንዲሞክራሲያዊ መስርሕን፥ ዲሞክራሲያዊ መተከልን ንቕድሚት ከም ዝሓንን፥ ህዝቢ እውን ብግቡእ እናተረደኦን ብተገባር እናእሰነየኦ ናብ ምሕጋዝ ዝኸዳ፡ ክወናጀላ እንተኾይነን ዝምድና ይህሰ እሞ ብሰንኩ ርትዓውን ቅኑዕን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ይጠፍእ።
ጉጅለታት ሰብ ጽቡቕ ድሌት፡ ንህላዌ ሰልፍታት ኣብ ክንዲ ዘተባብዓን ዝድግፋን፡ ብኣንጻሩ ሰልፍታት ኣይጠቕማን እየን፡ ህዝባዊ ውደባ እዩ ዘድሊ እናበላ ክጉስጉሳ ከለዋ፡ ንህላዌ ሰልፍታት ከም ሽግር ቆጺረንን ኣዳኺመንን ስልጣን ንምጭባጥ ዝገብረኦ ፈተነ እዩ። እተን ማሕበራት ንበይነን፡ ብዘይህላዌ ድልዱል ሰልፋዊ ውዳበታት ኣብ ከመይነትን ኣፈጻጽማን ዲሞክራሲ ይኹን፥ ኣብ ቀጻልነት መስርሑን ምዕቃቡን፡ ግደ የብለንን’ኳ ተዘይተባህለ በይነን ክዓመኦ ኣይክእላን እየን። ብዘይካዚ ኣብ ዘይህላወ ሰልፍታት ብተሳትፎ ህዝቢ ቅዋም ምንዳፍን ምጽዳቕን ንዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ውሕስነት የብሉን። ድሕሪ ውድቀት እዚ ኣብ ሃገርና ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ናይ ጽባሕ ኤርትራ፡ ህዝባ ብማዕርነት ዝነብረላ ንክትከውን ምጽራር ህላወ ሰልፍታት ሓጋዚ ኣይከውንን እዩ። ስለዚ ህላዌ ድልዱል ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ምህናጽ ደሞክራሲ ናይ ግድን እዩ።
ድራር መንታይ
ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ እንታይነት እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝውርዶ ዘሎ ግፍዕን ጭቆናን ተጻሒፉን ተዘሪቡን እዩ። እቲ ዝጸሓፍ ይኹን ዝዝረብ ንስለ ምጽሓፍን ምዝራብን ዘይኮነስ፥ ነቲ ንሱ ሒዝዎ ዘሎ ቄናን መንገዲ ተረዲእና ብድሕሪኡ እውን ከምኡ ዝመሰል ከይመጸና ተመኩሮ ንምቕሳም እዩ።
ብዛዕባ ውልቀ መለኽቲ ክትረኽ እንከሎ ኩሉ ግዜ ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ውሱናት ጥራይ ዝምልከት ጌርና ንወስዶ ኣይንሰኣንን ንኸውን። ካብዚ ንምድሓን እዩ ከኣ እቲ ፖለቲካዊ ጠቀስ መለኽቲ ዝጸሓፍን ዝዝረብን። መለኽቲ ነቲ ብፍላጥ ዘዘውትርዎ እኩይ ተግባራትን ንህዝቢ ጅሆ ዝሕዝሉ ስልትን ዝምህዝዎ ተንኮላት፥ ንዓና ናብ ዝሓሸ ንምቕያሩ ክንቃለስ ዘዳልወና ኣዩ።
መለኽቲ ስርዓታት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ይኹን ናይ ምልኪ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ጌና ኣብ ስልጣን ዘይበጽሑ ኩሎም፥ ኣገባቦም ሓደ ዓይነት እዩ። እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መላኺ ስርዓት ኣብያተ ማእሰርቲ ከብዝሕ፥ ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ ከይረዳዳእ ብኸብዱ ሒዙ ኣመት ድራሩ ጥራሕ ከም ዝሓስብ ምግባር፥ ኮታ ኩሉ ፖለቲካዊ መሰል ህዝቢ ገፊፉ ክረግጽን ከርዕድን ጥራሕ እምበር፡ ራህዋን ቅሳነትን ከስፍን ማለት ዘበት እዩ። መለኽቲ ስርዓታት ነቲ ህዝቢ ዘረስርስ ዝመስል ግዝያዊ ጠለባት ከማልእ ወይ እውን ተስፋታት እናሃበ ስልጣኑ ዘናውሓሉን፥ ኣንጻሩ ንዝብገስ ይኹን ንዝሓስብ ከኣ ኣብ ደልሃመት እናኣተወ እዩ ኣፉ ዓቢሱ ስቕ ከብል ዝጽዕር።
ብኣንጻሩ እቲ ገና ኣብ ስልጣን ዘይበጽሐ ወይ ስልጣን ዘይጨበጠ ናይ ምልኪ ኣተሓሳስባ ዝውንን ኣካል፡ ካብቲ ስልጣን ዝጨበጠ ብዘይፍለ ኣገባብ እዩ ዝጎዓዝ። ማለት ነፋጊ ወይ ኣግላሊ ዝኾነ ኣሰራርሓ ዝኽተልን ዝሕዝን፥ ናተይ ስምዑ ብዝይዓነቱ፥ ንስነፍልጠት ዝውግድ ኣተሓሳስባ ከስርጽ ዝጽዕር ውደባ ኣየድልን ዝብል ከይተመራመረ ብፈጠራን ሓሶትን ነቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ልበ-ወለድ ኣምሲሉ ብምቕራብ ግጉይ ታሪኽ ክፈጥር ዝደሊ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ንሕሉፍ ኣሉታዊ ሸነኻት እናጻሕተረ፡ ነዚ ኣተሓሳስባኡ ዝውክል ውደባን ንሱ ክሕባኣሉ ዝኽእል ቃላትን ኣተሓሳስባን፥ ይዝርግሕ።
ከምቲ ግቡእ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ኣይንበርን። እንታይ ደኣ ካብኡ ክንመሃርን ንመጻኢ ዝጠመተ ምዕብልናን ስልጣነን ክነተኣታቱ እዩ ዝግበኣና። እዚ ነቲ ሕሉፍ ታሪኽ ምስ ኩሉ እወንታኡን ኣሉታኡን ምትሕውዋስ መጻኢ ከይብክለልና ክንጥንቀቐሉ ይግባእ። ኣውራ ከኣ ብውሽጡ ንዲሞክራሲ ዘይቅበል ክነሱ፡ ብደገ ግን ተሓላቒ ዲሞክራሲ ክኸውን ንዝደሊ ክነለልዮን ክንከታተሎን የድሊ። ምኽንያቱ ውልቀ-መለኽቲ ህዝቢ ተመሲሎምን ንድሌት ህዝቢ ዘማልኡ ኮይኖም ክቐርቡን ዝኽደንዎ ካባ፥ ነቲ ኣካብን ኣሳታፍን ኣተሓሳስባ ብግብሪ ክዕንቅጹ ኢዮም ህርዲግ ዝብሉ። ምልካዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ከኣ ንህላወ ውድባት ብስነ-ፍልጠት ገምጊሞም የድሊዶ ኣየድልን ኣብ ክንዲ ዝመራመሩ፡ ምስታ ስልጣን ዝረኽቡላ ብምትእስሳር፥ ውድባት ኣየድልያን ኢየን ይብሉ። ህላዌ ውድባት ድሌታቶም ከተግብሩ ከም ዘየኽእሎም ስለ ዝርድኡ። ምኽንያቱ ህዝቢ ኣማራጺታት ምስ ዝረክብ ነቲ ዘይደልዮ ኣይትውክለንን ኢኻ፥ እምንቶይ ምስቲ ናትካ ኣይሰማማዕን እዩ ዝብል ግብረ መልሲ ከቕርብ ስለ ዝኽእል።
ሰልፍታትን ውድባትን መስረት ህንጸት ዲሞክራስን ምዕብልናን ሕብረተሰብ እምነ-ኲርናዕ ክነሰን ክህልዋ የብለንን ምባሎም፥ ካብቲ ስርዓት ዲሞክራሲ ፈላላይን ኣባኣስን እዩ እናበለ ንዲሞክራሲ ዘይናታ ቀለም ዝቐብእ ብምንታይ ይፍለዩ። ገሊኦም ከኣ ኣብ ክንዲ ነቲ ዝድገፍ ደጊፎም፥ ነቲ ዝንጸግ ነጺጎም ቅኑዕ ሚዛን ምሃብ፡ ብግምጣሉ የዘንትዉ። እቲ ናይ ውድባት ወይ ሰልፍታት ምብዛሕ ንጦብላሓታቶም ከም ዝዕንቅጽ ስለ ዝርድኡ፥ ኣብ ክንዲ እተን ሰልፍታት ኣብ ምንታይ ዝተሰረተ ፖለቲካዊ መትከል ኢየን ዝውንና ተመራሚሮም ክፈልጥወን ዝጽዕሩ መርገጾም ከየነጽሩ ክብሉ ንኹለን ብሓባር የላህምወን።
ምኽንያት ምንጻግ ህላወ ውድባት ወይ ሰልፍታት ፈሊጥና፥ ህላወአን ዲዩ ወይ ዘይህላውአን እዩ ዘርብሕ ንዝብል ብልቦና ክነጽንዖ እዩ ዝግባእ። እንተዘይኮነ መሰለይ እዩ እናበልካ ምስ ህዝቢ ዘየሳኒ፡ ዘየሳትፍን ዘየተሓቛቚፍን፥ ንውሱናት ሕላፍነት ዘይስመዖም ኣካላት እንተዘይኮይኑ ንመላእ ህዝቢ እታ ሃገር ከም ዘየርብሕ ርዱእ እዩ።
ሎሚ ሎሚ እሞ ኣፎም መሊኦም ብመሰረቱ ውደባ ዝበሃል ኣየድልን እዩ ዝብሉ ፍላስፋታት እናበዝሑ ይኸዱ ኣለዉ። እዚኣቶም ነቲ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ንድሕሪት ጐቲቶም ንህዝቢ ኣደንቊሮም፥ ብሕግን ስርዓትን ክኸዱ ዘይደልዩ፡ ኣብ መወዳእታ ንሶም ስልጣን ዝጭብጡሉ መንገዲ እዮም ሃነፍነፍ ዝብሉ። ምኽንያቱ ንህዝቢ ዓይኑ ኣዕሚትካን ኣእዛኑ ደፊንካን እቲ ቀንዲ መሰረት ዲሞክራሲ ዝኾነ ውደባ ግደፉ ምባል ንዲሞክራሲያ’ውን ፍትሓውን ዝኾነ ኣገባብ ገዲፍካ በቲ ቃሕ ዝበለካ ዘይእርኑብ መንገዲ ንምኻድ ዝዓለመ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።
ስለዚ ካብዚ ዘይርትዓዊ ኣተሓሳስባ ወጺእና፡ ኣብ ክንዲ ሰልፊ ክስቶ እዚ ገበረት እዚ ደገመት ምባል፡ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ወይ ብደገ ኮንካ ንመስርሕ ደሞክራሲ ምዕንቃጽ ደው ኣቢልና ንስልፊ ክስቶ ዘእርምን ንቕድሚት ዘሰጉምን ሓሳብን ግብርን ዘሰነዮ እጃም ምብርካት እዩ ዘድሊ። ካብኡ ሓሊፉ እቲ ሰልፊ ይኹን ውድብ ናቱ ክገብር እንከሎ እቲ ዝተረፈ፡ ማለት ኣባልነት ዘይብሉ ኣካል ሃገራዊ እጃሙ ዘበርክተሉ መንገዲ ክኽተል ይግበኦ። ነዚ ንምትግባር ወይ ኣብተን ዘለዋ ውዳበታት ኣትዩ ክዋሳእ ወይ ከኣ ናቱ ውዳበ መስሪቱ ምስተን ካለኦት ክወሃሃድን ብሓባር ክሰርሕን ዘለናዮ መድረኽ ዝጠልቦ መንገዲ’ዩ።
ድራር መንታይ
ትርጉም ናብ ትግርኛ መም/ተኽለ ስብሃቱ ተስፉ
ኣብ መንጎ ሰባት ካብ ዘለዉ ናይ ርኽክብ ክእለታት እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምናልባት ምስማዕ ኢዩ። ምስማዕ እኩብ ድምር ናይ’ቲ ብምስትውዓል ዝወሃብ ዘይተኻፋፈለ ኣቕልቦ፣ማለት ነቲ ዝተባህለ ዘይኮነ፣ ነቲ ዝተገብረ ርኽክባት ምስማዕን ምርዳእን ኢዩ።ክንዝክሮ ዘድልየና ፣ምድማጽን ምስማዕን ሓደ ኣይኮኑን። ገለ ሰባት ነቲ ቃላት ከዳምጽዎ ይኽእሉ’ዮም፣ኣቓልቦ እንተ ዘይገይሮሙሉ ግን ነቲ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ ብትኽክል ክርድእዎ ኣይክእሉን’ዮም።ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ዝዝረብ ቃላት ክትሰምዕ ቀሊል’ዩ፣ እዚ ከኣ ነቲ ትኽክለኛ መልእኽቲ ምእንቲ ከተራጋግጽ ኣቓልቦ ከይገበርካ ማለት’ዩ።ነቲ ዝተባህለ ከም እንፈልጦ ኢና እንሓስብ፣እንተኾነ ቅድሚ ኣብ ዘይተደላይን ዘይተረጋገጸን መደምደምታ ምብጻሕና እቲ ዝዝረብ ትኽክለኛ ምዃኑን ኣብ’ቲ ኩነታት ዘሎና ርግጽኛነትን ከነጻርዮ ይግባኣና።ኣብ ገለ ግዜ ብሓሳባት ስለ እንዋሓጥ ወይ ብካልእ ጉዳይ ስለ እንተሓዝ ናብቲ ሰባት ዝብልዎ ኣቕልቦና ኣይንገብርን።
ሓደ ግዜ ኣቦይ ማና ዝተባህሉ ሓረስታይ እናሓረሱ ከለዉ፣ኣደይ ፋና ዝተባህላ ሰበይቲ ሕልፍ ክብላ፣ኣቦይ ማና ሓደርኩም ይብላኦም፣ኣቦይ ማና ድማ ትቕብል ኣቢሎም ስርናይ እዘርእ ኣሎኹ ኢሎም መለሱለን።ኣደይ ፋና ድማ ድሓን’ዶ ሓዲርኩም ኢየ ዝብለኩ ዘለኹ በላኦም። ንሶም ድማ ዋላ’ኳ ዝናብ እንተ ዘይብልና፣ተስፋ ንገብር እዚ ስርናይ ክበቑለልና በልወን።ኣብዚ ምዝርራብ’ዚ ኣቦይ ማና ነቲ ኣደይ ፋና ዝበላኦ ኣቓልቦ ስለ ዘይገበሩሉ ቅኑዕ መልሲ ኣይሃብወንን። ብዙሕ ግዜ ተማሳሳሊነገራት ኣባና'ውን ዘጋጥም’ዩ ፣ምኽንያቱ ንኽንሰምዕን ክንርዳእን ምሉእ ኣቓልቦና ናብቲ ሰባት ዝብልዎ ስለ ዘይንገብር ኢዩ።ኣብ መንጎና ሓድሕዳዊ ዝምድና ክህልወና ኣዚዩ ኣገዳሲ ክኸውን ከሎ፣ኣብ ኣከባቢና ምስ ዝነብሩ ህዝቢ ዘሎና ርኽክብ ድማ ግቡእን ቅኑዕን ክኸውን ኣለዎ።እንተድኣ ዘይምርድዳእን ምድንጋርን ከነወግድ ድሌት ኣልዩና።ኩሉ ግዜ ከም ዘጋጥም ካብቲ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ዝተባህለ ሓንቲ ክፋል ወይ ሓረግ ፣ዋላ’ውን መግለጺ ወሲድና ናይ ገዛእ ርእስና ትርጉም ብምሃብን ኣብ መደምደምታ ብምብጻሕን ዘይተደላዪ ዘይምርድዳእን ምድንጋርን ንፈጥር።
እዛ እትስዕብ ታሪኽ ብልክዕ ነቲ ብካልኦት ዝዝረብ ብኣቓልቦ ብዘይምስማዕ ዘጋጥም ምድንጋር እትገልጽ ኣብነታዊት ታሪኽ ኢያ። ሓደ ግዜ ገለ ጉጅለ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓደ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን በቲ ብካህን ዝወሃብ ዝነበረ ስብከት ኣዕዘምዘማ።እቲ ምዕዝምዛም ዝጀመረሉ እቲ ካህን ንክልተ ሰናብቲ ኣከታቲሉ ብዛዕባ ጥቕሲ ትንቢተ ኢሳይያስ ኣብ ዝሰበኸሉ ግዜ’ዩ።እተን ደቂ ኣንስትዮ ብሓባር ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ንጉጅለኤን ዝውክላ ብምምራጽ ነቲ ካህን ተቓወምኦ።ኣገልግሎት ምስ ተወድኤ ንኸዛራርብኦ ቆጸራኦ።ኣብቲ ቆጸራ እተን ሰለስተ ደቂ ኣንድትዮ ናብቲ ካህን ዘቕረብኦ ጥርዓን፣ናብ ቤተ-ክርስትያን ዘምጽኤን ምኽንያት ስብከት ወንጌል ክመሃራን መንፈሳዊ ቡራኬ ክቕበላን ድኣ’ምበር ዝኾነ ዓይነት ፖሊቲካ ክመሃራ ወይ ክሰምዓ ድሌት ከም ዘይብለን ገለጻሉ።እቲ ካህን ተገዲሱ ብምሉእ ኣቓልቦኡ ሰምዐን።ምኽንያት መዕዘምዘሚኤን ክሳብ ዝውድኣ ምስ ሰምዐ፣መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎክን’ዶ? ተንብባኦ’ዶኸ? ኢሉ ሓተተን።መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘለወንን ሓደ ሓደ ግዜ ከም ዘንብባኦን ገለጻሉ።እቲ ካህን ቀጺሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢተ ኢሳይያስ ኣብቲ ትኽክለኛ ምዕራፍን ጥቕስን ክግንጽላ ሓበረን።ስለዚ እቲ ዝሰብኮ ዝነበረ ብዛዕባ ነብይ ኢሳይያስ ካብ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እምበር ብዞባ ፖሊቲካ ከም ዘይኮነ ኣብርሃለን።እቲ ድንግርግር ወይ ሕልኽልኽ ዝተፈጥረሉ ምኽንያት እተን ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ምሉእ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ስብከት እታ “ኢሳይያስ” እትብል ስም ቁንጭል ኣቢለን ብምውሳድ ግጉይ ትርጉም ስለ ዝሃብኦ ኢዩ።
ብዙሕ ሰብ ዝበዝሕ ግዜ ንምስማዕ ከም ህያብ ጌሩ ኢዩ ዝወስዶ፣ይኹን እምበር ናይ ኣጋጣሚ ነገር ኮይኑ፣ብዛዕባ ምስማዕ ካብ ምሕሳብ ጠጠው ምስ ኣበልናን በቲ ካብኣ እንቐስሞን(እንወርሶን) ምስማዕ ኣዚዩ ኣገዳሲ ናይ ዝተዋሃሃደ ክእለት፣ ክዓብን ክምዕብልን ዝድለ ምዃኑ ከነራጋግጽ ንኽእል።
ኣብ ወጻኢ ዘሎ ሕብረተ-ሰብና ከም ልሙድ እንዕዘቦ፣ሓደ ሰብ ካብ ናትና ዝተፈልየ ሓሳብ ከቕርብ ከሎ ነቲ ብካል ነቲ ዝብልዎ ከነፍልጠሎም ኣይንደልን።ከምዚ ዝበለ ኩነታት ዘጋጥመሉ ምኽንያት ድማ ዝበዝሕ ህዝቢ ንኽርዳእ ብድሌት ስለ ዘይሰምዕ’ዩ።(ስቲቨን ኮቪ) “ዝሰምዑ ንኽምልሹ ስለ ዝደልዩ’ዩ” ይብል። ኩሉ ግዜ ንኽንሰምዕ ንርስዕ።ኣብ ዝርርብ ወይ ቃል ምልልስ ብዙሓት ሰባት ብልክዕ ኣይሰምዑን’ዮም።እቲ ዝዛረብ ዘረብኡ ከይወድኤ ከሎ ክንምልሽ ኣቐዲምና ተዳሊና ኣሎና።ምስማዕ ሓሳባት ንምልውዋጥ ሓቲትና እንወስዶ’ዩ።እናተዛረብና ከሎና እንመሃሮ ዋላ ሓንቲ ነገር የልቦን።ሰባት ነቶም ብተመስጦ ዝሰምዕዎም’ዮም ብዝያዳ ዝሰምዑ።እንበዝሕ ሰባት ኣቐዲምና ክንርዳእ ኣይንደልን ኢና፣ ምኽንያቱ ንኽንርዳእ ብድሌት ስለ ዘይሰማዕና።ዝበዝሕ ግዜ ግን እንሰምዕ መልሲ ንምሃብ ድሌት ስለ ዘሎና ኣብቲ ግዜ'ቲ ንዛረብ ወይ ንኽንዛረብ ንዳሎ ኣሎና።ከም ሳዕቤኑ እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ሓበሬታ ናብቲ ዝካየድ ሓድሕዳዊ ርክባት ብግቡእ ኣይመሓላለፍን።ብሰንኪ ሕጽረት ዝኣክል ሓበሬታ ከኣ ዘይምርድዳእ ይፍጠር፣እቲ ዘይምርድዳእ ግርጭት ይፈጥር።ብዝሒ ናይቲ ኣሉታዊ ዝርርብ ኣብ ልምዳዊ ሓድሕዳዊ ዝርርብና ዘጋጥምን ዝወሃሃድን በቶም ነቲ ብካልእ ኣካል ዝተባህለ ዘይሰምዑን ዘይርድኡን ሰባት’ዩ።ስለዚ ዝተፈልየ ኣረኣእያን ኣምልኻኽታን ንዘለዎም ሰባት ምስማዕ፣ንነብስና ኣብ ጫማኦም ምእታው ከድልየና’ዩ።ሺሕ’ኳ ምሳኦም እንተ ዘይተሳማማዕና ኣንፈት ኣረኣእያኦም ብዝበለጸ ንምርዳእ ግን ይሕግዘና’ዩ። ኩልና እንሰማማዓሉ ናይ ሓባር ባይታ ንምርካብ ክንቃለስ ኣሎና። ናይ ሓድሕድና ኣረኣእያ ንምኽባር ድማ ጽቡቕ ተግባር ምዝውታር የድሊየና።
እዛ ስዒባ እነንብባ መስሓቕ ዝኾነት ታሪኽ፣ መልእኽትና ብቃል ይኹን ወይ ብጽሑፍ ብንጹር ናብቲ ካልኣይ ኣካል እንተ ዘይኣመሓላሊፍና ብሰንኪ ብግጉይ ምርዳእን ምድንጋርን ከጋጥም ዝኽእል ኩነት’ያ እትገልጽ።እታ ታርኽ ብዛዕባ በዓል ቤት ኣቶ ጉርጃ ምስ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ግምጃ ኣብ ኣቑሑት ናይ ምግዛእ ጉዕዞ ዘጋጠመ ጌጋ ኢዩ።ግምጃ ንጓል ዓሰርተ ዓመት ጓሎም ዕለተ-ልደት ንምኽባር፣ሕብስቲ ሽኮር ንምድላው ካብ ግሮሶሪ ኣቑሑ ንምግዛእ ስለ ዝደለየት ንበዓል ቤታ ኣቶ ጉርጃ ክትሰዶ ወሰነት፣ከም ኣጋጣሚ ጉርጃ ብጉዳይ ስፖርት ክኸይድ ተበጊሱ ስለ ዝነበረ ኣብ ሓደ ኩነታት እንተድኣ ተሳማሚዖም ክገዝኣላ ተሳማምዐ።ንሱ ከኣ እቲ ዝግዛእ ኣቑሑ ውሑድ እንተድኣ ኮይኑ በቲ ናይ ቅልጡፍ መስመር፣ውሑድ ኣቑሑ ገዚእካ ትሓልፈሉ ሓሊፈ ግዜ ከየጥፋእኩ ኣብ ስፖርት ከርክብ እኽእል’የ በላ።ግምጃ እቲ ዘድልያ ዝግዛእ ኣቑሑ ብቓል ነገረቶ፣ንሱ ግን ዝርዝር ኣስማት ናይቲ ዝግዛእ ኣቑሑ ብጽሑፍ ክትህቦ ስለ ዝሓተታ ሂባቶ ከደ።ግምጃ ቀልጢፉ ክመጻ ተጸበየት፣ከም ትጽቢታ ቀልጢፉ ስለ ዘይመጸ ግን ተጨነቐት።ስልኪ ኣልዒላ ክትድውል እናተዳለወት ድምጺ ምምጽኡ ሰምዐት።ሰለስተ ሳጹን ሒዙ መጺኡ ኣብ’ቲ ምድሪ ናይ ክሽነ ኣቐመጦ፣ዝተረፈ ኣቑሑ ሒዘ ክመጽእ’የ ኢሉዋ ከኣ ወጸ።ግምጃ እንታይ ኢዩ ዝዛረብ ዘሎ ኢላ እናተደነቐት ነቲ ሳጹናት ክትከፍቶ ጀመረት። ኣቑሑ ዝመልአ ብዝሒ ሳጹናት እናረኣየት ኣዚያ ተገረመት።
ኣብታ ቀዳመይቲ ሳጹን ሓደ ፓውንድ ጠስሚ፣ ክልተ ሳጹን ሹኮር፣ሰለስተ ጠራሙዝ ቫኒላ፣ነበረ። ኣብታ ካልኣይቲ ሳጹን ኣርባዕተ ደርዘን እንቛቖሖ፣ኣብታ ሳልሰይቲ ሳጹን ሓሙሽተ ጥማር ስብሒ ሓሰማን እታ ዝርዝር ናይ ኣቑሑት ዝሓዘት ወረቐትን ነበረ።ግምጃ ነቲ ዝርዝር ምስ ረኣየት ድማ ብሃንደበት እንታይ ከም ዘጋጠመ ተረድኤት።ጉርጃ በቲ ናይ ቅልጡፍ መስመር ክኸይድ ከም ዘለዎ ርግጸኛ ክትከውን ከም ዘለዋ ምስ ሓተታ፣እቲ ዝርዝር ናይቶም ዝግዝኡ ኣቑሑት ዝጸሓፈቶ ብተርታ ቁጽሪ ካብ 1-7 ስለ ዝነበረ ጉርጃ ነቶም ዝተረፉ ኣቑት ሒዙ ቅድሚ ምምላሱ ነታ ዝርዝር ናይ ኣቑት ዝሓዘት ቀልጢፋ ሓቢኣ፣ብዛዕባ’ቲ ዝተጻሕፈ ተራ ቁጽርን ዝተገዝኡ ብዝሒ ኣቑሑትን ዘጋጠመ ምድንጋርን ዋላ ሓደ ነገር ከይትዛረብ ብምውሳን፣ኣብ ክንዳኡ ንበዓል ቤታ ዓቢ ሰብ ምዃኑ ከተመስግኖ መደብት።ብድሕር’ዚ ጉርጃ ብብዝሒ ሳጹናት፣ማለት 6 ዓበይቲ ሳጹናት ናይ ሓርጭ፣7 ዓበይቲ ካርቶን ናይ ጸባ ኣምጽኤ።ኩሉ ምስ ኣራገፈ ናብ በዓልቲ ቤቱ እናጠመተ፣ ብግልጺ ክነግረኪ ኣነ በቲ ናይ ቅልጡፍ ዝኽፈሎ ናይ ውሑድ ቦታ ኣይከድኩን ምኽንያቱ እቲ ኣቑሑት ኣዚዩ ብዙሕ ስለ ዝኾነ።ኮይኑ ግን እቲ ተቐባል ገንዘብ ነታ ናይ መወዳእታ ኣቕሓ ምስ ደወለ(ጢጥ ምስ ኣበላ) ጌጋ ከም ዝገበርኩ ከራጋግጽ ክኢለ፣ ካብቲ ግሮሶሪ ቀልጢፈ ክወጽእ ደለኹ፣ምኽንያቱ እቶም ብድሕረይ ተሰሪዖም ዝነበሩ ሰባት ይስሕቁኒ ስለ ዝነበሩ።ካብ መጀመርትኡ እቶም ኣብቲ ዝርዝር ዝተጻሕፉ 1-7 ቁጽርታት ዝርዝር ናይቶም ኣቑሑት ንምግላጽ እምበር ብዝሒ ናይቶም ክግዝኡ ዘለዎም ኣቑሑት ንምምልካት ኣይኮነን።ብግልጺ ንምዝራብ እምበኣር ኣብዚ ናይ ብጉጉይ ምርዳእ ዘስደምም ተግባር ግምጃ ዘይኮነት ጉርጃ ኢዩ ተዳናጊሩ።
እቲ ታሪኽ ብንጹር ከም ዘመልክቶ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ መልእኽቲ ምትሕልላፍ ኣረዳድኦኦም ዝተፋለለየ ኢዩ።ደቂ ኣንስትዮ ክዛረባ ከለዋ ነቲ ዝተባህለ’ውን ብኣቓልቦ ይሰምዖኦ ኢየን።ደቂ ተባዕትዮ ክዛረቡ ከለዉ ግን ነቲ ዝተባህለ ጽቡቕ ጌሮም ስለ ዘይሰምዕዎ ካብቲ ዝካየድ መስርሕ ብዙሕ ይጎድሎም። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ኣዚዩ ዝሓሸ ናይ ምስማዕ ክእለት ኣለወን።ዝበዝሑ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ብፍላይ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ክዛረቡ ይደልዩ። ይኹን እምበር ብዙሕ ሰብ፡ ደቂ ተባዕትዮ ይኹን ደቂ ኣንስትዮ ክሰምዑ ስለ ዘይግደሱ ኢዩ፣ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝዛረብ።ሓደ ካብቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ምዝራብ ዘለዎ ብልጫ ገለ ሰባት ይሰምዕዎም ከም ዘለዉ ክፈልጡ ይኽእሉ። ኣብ ሓድሕዳዊ ዝርርብ ማለት ምስ ኣዕሩኽ ወይ ኣብ ሰሚናር ምስታፍ ወይ ብስልኺ ምስ ገለ ሰባት ኣብ ምዝራብ ሓደ ቀንዲ ኣንፈት ኣሎ፣ንሱ ከኣ ምስ ኣረኣእያና ንዘይሰማምዑ ሰባት ከይንሰምዖም ብሰላማዊ ኣገባብ ጠጠው ዘበልናዮ። ኣብ ቅንዕናና ርግጸኛታት ኢና ንካልኦት ከይንሰምዕ።ኣብ ክንድኡ ንሕና ዕጉባት ኢና ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ግምታዊ ልክዕነት ምሕሳብን ምእማንን ንሓደ ዓይነት ኣመለኻኽታ።እዚ ናይ ምሁራት ምዕላቕ ወይ ትዕቢት ጥራይ’ዩ፣ብፍላይ ብወገን ደቂ ተባዕትዮ ነቲ ስምዒት ናይ ምትእስሳርን ምትሕግጋዝን ኣብ ወጻኢ ዘሎ ሕብረተ-ስብና በሪዙዎ ኢዩ።እቲ ጽቡቕ ነገር ግን ኣምላኽ ብምኽንያት ጌሩ ንበዓል ቤታ ክትኣልን ንኩነታትና ከተራጋግእ ጓል ኣንስተይቲ ምፍጣሩ ሓደ ዓቢ ጸጋ’ዩ።
ምስማዕ እቲ ቀዳማይ ሕጊን መጀመርያ ስጉምትን ንተሰማዕነት ሓድሕዳዊ ርኽክባት ኢዩ።ትርጉም ንምፍልጥ፣ወትሩ ብኣእዛና ንሰምዕ ፣ብዓይንና እንሰምዕ ጠባያት ንምምዛን’ዩ፣ ንስምዒትና ብዓይኒ-ልብና ንሰምዕ።ንክትሰምዕ ምምሃር ዝተፈልየ ክእለት ወይ ሞያ ናይ ሓድሕዳዊ ርኽክብ’ዩ።ነገር ግን ምስማዕ መፋጥርትና ዝኾነ ክእለት ወይ ሞያ ከም ዘይኮነ ክንግንዘብ ይግበኣና።ከመይ ጌርና ናይ ጽቡቅ ምስማዕ ክእለት ነማዕብልን ነቲ ዝተምሃርናዮ ከኣ ብከመይ ንሙከርን ክንመሃር ኣሎና።ኣብ ምስማዕ እንተድኣ መጺና ክልተ ኣማራጺታት ኣሎና፣ንሱ ከኣ ብኣወንታዊ ትጽቢት ክንሰምዕ ንኽእል፣ወይ ፍርዲ ብምሃብ ንሰምዕ።ብኸመይ ንሰምዕ፣ ብኸመይ ከም እንሓስብን እንዛረብን ይቐርጽ።ብፍርዲ ምስማዕ ከይሓሰብካዮ ዝፍጸም ዘይተረጋገጸ ጠባይ ኢዩ።ሓንሳእ እቲ ፍርዲ ኣብ ቦትኡ እንከሎ ነቲ ከነድምጾ እንደልዮ ንሰምዖ።ንሓደ ሰብ ደንቆሮ ኢዩ ኢልና እንተድኣ ፈሪድናዮ፣ብዛዕባ እዚ ሰብ’ዚ ነዚ ኣቓልቦ ደገፍቲ ዝኹኑ ኩሉ ንሰምዕ።ከምኡ’ውን ንሓደ ሰብ በሊሕ ወይ መስተውዓሊ ኢዩ ኢልና እንተድኣ ፈሪድናዮ፣ብዛዕባ’ዚ ሰብ’ዚ ነዚ ኣቓልቦ ደገፍቲ ዝኮኑ ኩሉ ንሰምዕ።እምበኣር ንኽትሰምዕ ምምሃር፣ሓደ ሓያል ጥበብ ወይ ብልሓት ምስምማዕ ንምህናጽ ዝጠቅም ኢዩ። ብምሉእ ቀልብና ጽቡቕ ንኽንሰምዕ ዘረባ ጠጠው ከነብል ኣሎና፣ሰባት ብዘይምቁራጽ ወይ ምስንኻል ዘረብኦም ክፍጽሙ ትዕግስቲ የድልየና ኢዩ።ዝኾነ ኮይኑ፣ ምስማዕ ጽቡቕ ዋጋ ዘለዎ ጠቓሚ ጻዕሪ’ዩ።ካልኦት ዝብልዎ ብቕንዕና ግዱስ ብምዃን፣ኣብቲ ዝምድና ኣገደስቲ ምዃኖም ነርእዮም ኣሎና።ምስማዕ ንሰባት ክብርን ተቐባልነትን ይህቦም።ነዚ ዘረጋግጸልና (Bryani McGill) “ሓደ ካብቶም ቅኑዓት ኣገባባት ናይ ክብሪ፣ነቲ ካልእ ሰብ ዝብሎ፣ ምስማዕ ኢዩ” ይብል። ምስ ካልኦት ሰባት ዝህልወና ጽቡቕ ዝምድና ኣብ ጽቡቅ ናይ ምስማዕ ክእለትና ዝተመርኮሰ ኢዩ።ንኣገዳስነት ናይ ምስማዕ ከነጽሩልና ዝኽእሉ፣ ኣምላኽ ንጽቡቕ ምኽንያት ምስ ክልተ ኣእዛንን፣ሓደ ኣፍን ከም እንፍጠር ጌሩና።ካብ ምስማዕ ብዙሕ ክንዛረብ ተሓሲቡ እንተ ዝነብር፣ምስ ክልተ ኣፍን ሓደ እዝኒን ምተፈጠርና ኔርና።ኣዚና ፈላጣት ወይ ብቑዓት ሰማዕቲ ክንከውን ድማ ቅድሚ ሓደ ግዜ ምዝራብና ክልተ ግዜ ክንሰምዕ ትጽቢት ይግበረና።ከምዚ ምስ እንገብር ከኣ ነቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ዝምድና ከነማሓይሾ ንኽእል፣ጽቡቕ ናይ ምርድዳእ መንፈስ’ውን ይህልወና። ነቶም ኣብ ንሓድሕድና ክህልዉ ዝኽእሉ ዘይተደለይቲ ዘይምርድዳእን ምድንጋርን ከነጉድሎም ንኽእል።ብኸምዚ ምኽንያት ኩሉ ግዜ ብኣቓልቦ ዝግበር ምስማዕ ምስ ካልኦት ሰባት ንዝህልወና ዝምድና ጽኑዕ መሰረት ኢዩ። ምስ ሰባት ብምሉእ ኣቓልቦ ክንሰምዕ ብዘይምኽኣልና፣ብፍላይ ምስ ደቅና ንዝህልወና ርኽክብ ብቀሊሉ ከቋርጽ ይኽእል ኢዩ።ደቅና ክሰምዑና’ኳ እንተ ዘይከኣሉ ከቋርጽዎ ከም ዘለዎም ብምትብባዕ፣ከይተሓለልና ክሰምዑን ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክሃንጹን ዝበለጸ ሚዛን ኣተሓሳስባ ከማዕብሉን ጻዕርና ከነካይድ ይግባእ።እቲ ንኣባላት ስድራ-ቤትናን ምሳና ርኽክብ ዘለዎም ሰባትን ክንህቦ እንኽእል ዝዓበየ ህያብ ምስማዕ ኢዩ። ኣብ ምስማዕ ዘሎና ናይ ምስትውዓል ክእለት ብምምሕያሽ ኣዚና ዝበለጽና ወለዲ፣ሰብ-ሓዳር፣ ካህን(ሰባኺ) መምህር፣ ዓርኪ፣ ወይ ጽቡቕ ኣሰር-ዝኽተል ትውልዲ ክንከውን ንኽእል ኢና። ከምኡ’ውን እንተድኣ ብኣኽብሮት፣ከም ነብስና ብምርኣይን ብኣወንታዊ ኣመለኻኽታን ሰሚዕናዮም፣ሰባት ብቀሊሉ ክስዕቡናን ከመስግኑናን ይኽእሉ ኢዮም።ናይ ምስማዕ ክእለትና ንምምሕያሽ ክንሰርሕ ሓላፍነትና ኢዩ።ግዜን ጻዕርን ይወስድ’ዩ፣ግቡእ ጻማ ጻዕሪ ግን ኣለዎ።
ዊንስተን ቸርችል ከም ዝበሎ “ትብዓት እታ ክትስእን ክትዛረብን እትውሰድ’ያ።ከምኡ’ውን ትብዓት እታ ኮፍ ክትብልን ክትሰምዕን አትውሰድ’ያ” ይብል።ብሓፈሽኡ ብግቡእ ምስማዕ ሓደ ካብቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ክእለት ሓደ ሓያል መራሒ ክህልዎ ዘለዎ ኢዩ።ስለ ዝኾነ ከኣ ኢዩ መንእሰያት ተካእትና ወለዶ ከማዕብልዎ ዝድለ ዘሎ።
እቶም ካብ ብዙሕ ዝዛረቡ ብዙሕ ዝሰምዑ ሰባት ኢዮም፣ኣዚዮም ዕዉታት ዝኾኑ።ብልክዕ ውሑድ እንተድኣ ተዛሪብና፣ብዙሕ ንሰምዕን ነንሓድሕድና ድማ ንረዳዳእን።ሕማቕ ብምዝራብ፣ኣፍና ኣብ ሽግር ተእትወና፣ኣእዛና ግን ዋላ ነቲ ዝኸፍኤ ድምጺ እንተ ሰምዑ ኣብ ሽግር ኣየውድቑናን’ዮም። ከምቲ ምስላ ቱርኪ ዝብሎ “ምዝራብ ብሩር እንተድኣ ኮይኑ፣ምስማዕ ወርቂ’ዩ” ብንጹር እምበኣር ምስማዕ ኣዚዩ ኣገዳሲ ክእለት ኮይኑ፣ኩልና ጠቕሚ ክንቀስመሉ እንኽእል ኢዩ።ጽቡቕ ሰማዒ ብምዃን ነቲ ኣብ ሓድሕድና ክህሉ ዘለዎ ዓይነት ዝምድና ከነማሓይሽ ንኽእል፣ ኣብ መንጎና ንዝፍጠር ኣድላዪ ዘይኮነ ግርጭት ንምውጋድ ከኣ ክእለት ነማዕብል።
ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘለና ናይ ምርዳኡ ጸገም ዘለና ኣይመስለንን። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ንድሌት ህዝቢ ግምት ዘይህብ፡ ቁጠባ ሃገር ዝግብት፡ ደሞክራሲያውን ሰብኣውን መሰላት ዝግህስ፡ ብሰንኪ ትምክሕቱ ምስ ኩሉ ዝጐናፈጥን ብዕጽዊ ናይ ዝምድና ፖሊሲ ዝምራሕን ምዃኑ ንርዳእ ኢና። ከም ሳዕቤን ናይዚ ገስረጥ ባህሪ ናይቲ ጉጅለ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ናይ ህልውናን ቀጻልነትን ምልክት ሕቶ ሓደጋ ከም ዘለዉ እውን፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ንኤርትራውያን ንዘይኤርትራውያን እውን ኣዛራቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ እዩ።
እዚ ኩነታት እዚ ክቕየር ከም ዝግበኦ ኩሉ ኤርትራዊ ዝርደኦን ዝኣምነሉን እዩ። ነዚ ለውጢ ዘምጸኦ ከኣ እቲ ጠንቁ ዝኾነ ብዓመጽ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ዘይኮነ፡ እቲ ናይቲ ወጽዓ ግዳይ ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እሞ ድማ ብውዱብ ኣገባብ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ በብኹርንዑ ብደረጃ ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራት ዝተወደቡ ኤርትራውያን ድምጾም የስምዑ ምህላዎም ከኣ ናይዚ መረጋገጺ እዩ። እንተኾነ ንሓደ ጉዳይ ምርድኡን በቲ እትርድኦ መሰረት ክትትግብሮ ምብቃዕን ክሳብ ክንደይ ከም ዝፈላለ ንሪኦ ዘለና እዩ። ተረድኦ፡ ብዘይ ንዕኡ ዘንጸባርቕን ዝምጥንን ተግባር ውጽኢት ከም ዘየብሉ ከኣ ንዕዘቦ ዘለና እዩ።
ኤርትራውያን ብበብዓይነቱ ዝግለጽ ብዙሕነት ዝቖምና ምዃና እንርደኦን እንሕበነሉን እዩ። ብዝሑነትና ቀንዲ ምንጪ ዓቕምናን ዘይንቕነቕ ሓድነትናን ምዃኑ ከኣ ብተመኩሮ ተፈቲናሉ ኢና። ኣብ ሎሚ በጺሑ ናይ ጸገምና ጠንቂ ክኸውን ከቶ ቅቡል ኣይኮነን። ብዛዕባ ሓድሓደ ጉዳያት፡ ንኣብነት ብዛዕባ ኣገባብ ኣወጋግዳ ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብዛዕባ መተካእትኡ ከመይ ይቐውምን ኤርትራ ድሕሪ ህግደፍ እትምረሓሉ ፖሊስን ክንዛረብ እንከለና ብዙሕነትና ዝወለዶ ናይ “ናተይ ይሓይሽ” ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ይንጸባረቕ እዩ። እዚ ቅቡል እዩ። እዚ ሓደ ካብቲ እንርደኦን እንቕበሎን ምዃኑ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት እነንጸባርቖ እዩ። ነዚ ፍልልያት ተቐቢልካን ኣኽቢርካን ብናይ “ተዓዋታይ-ተዓዋታይ” መትከል ኣወጋግና ፍልልይ ኣከኣኢልካ ንናይ ሓባር ዓወት ምጉዓዝ ከም ዝከኣል’ውን ንርደኦ ኢና። ኣብ ምትግባሩ ዘለና ትግሃት ግና ኣይከምቲ ምርዳእናን።
ፍልልያት ከጋጥም ቅቡል ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ እዚ ፍልልያት ኩልኻ ብትዕወተሉ ኣገባብ ኣብ ምሕያልን ምብልላሕን ዝሕግዝ ኣማራጽታት ዝፈጥር ምዃኑ’ውን ንርዳእ። ብተግባር ግና ብኣንጻሩ ናይ ጽልእን ምርሕሓቕን ጠንቂ ጌርና ንወስዶ እሞ ወዮ መሕየሊና ክኸውን ዝግበኦ ዝነበረ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነትን ኣመራጽታትን ዘዳኽመናን ዘረሓሕቐናን ይኸውን ኣሎ። ስለዚ ነዚ ክንዕዘብ እንከሎና እቲ ጸገም ጉዳያት ብደረጃ ክለሳ-ሓሳብ ኣብ ምርዳእ ዘይኮነስ ብተግባር ከምቲ ዝተረዳእካዮ ክትከውን ናይ ዘይምብቃዕ እዩ።
ፖለቲካዊ ውድባት ንኹን ማሕበራት ፖሊሲታት ክንሕንጽጽን ሓደ ኣተሓሳስባ ከነንቅልን እንከለና፡ ሓላፍነቱ እንወስድ እቶም ኣብ ዙርያ እቲ ውደባ ዘለና ኮይና፡ ውክልናኡ ግና ናይ ንህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኢና ንገልጽ። እዚ ኣቀራርባ ቅኑዕ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ወሳኒ ናይ ለውጢ ሓይሊ ህዝቢ ስለ ዝኾነ። “ናይቲ ድምጺ ከለዎ ድምጹ ተዓቢሱ ዘሎ ህዝቢ ልሳን ኢና” ኢልና ንነቅል ስለ ዘለና። ግን ክንድቲ ልሳን ህዝቢ ምዃና ነቃልሖ፡ ነቲ ህዝቢ ዝደልዮን ዝጠልቦንከ ነማለኦዶ? ዝብል ሕቶ ግና መልሱ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ብዘይጥርጥር ህዝቢ ኤርትራ፡ “ብሓባር ተቓለሱ” እዩ ክብለና ዝጸንሐን ዘሎን። እዚ ጥቕሉል መልእኽቲ ናይ ህዝቢ ክዝርዘር እንከሎ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትኩም ካብ ብዙሕነትና ዝነቅል ስለ ዝኾነ ኣየሰንብድኩም፡ በበይንኻ ምዃን ሓይልኻ ስለ ዘዳኽም ኣወግድዎ፡ ፍልልይካ ዓቂብካ ብሓደ ክትከይድ ንምብቃዕ “ናተይ ጥራይ ስምዑን ተቐበሉን” ምባል ኣየዋጽእን እዩ። ከምቲ ዘይሃበ ዘይቅበል፡ ናይ ካለኦት ሓሳብ ዘይሰምዕ ኣካል ካሎት ናቱ ሓሳብ ክቕበሉ ዝገብሮ ጻዕሪ ዕዉት ኣይከውንን እዩ። ኣብዚ ምእንቲ ናይ ክሉ ዝተሓወሶ ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ክትፈጥር ኢልካ፡ ወድዓውነት ዘየብሉ ሓሳብ ክትቅበል ኣለካ ማለት ኣይኮነን። ዝኾነ ኣካል ነቲ ብርትዓዊ ምኽንያት ካብ ናቱ ዝሓሸ ኮይኑ ናይ ብዙሓት ተቐባልነት ዝረኸበ ሓሳብ ከም ናቱ ክርዕሞን ክትግብሮን ይግበኦ። እዚ እቲ ተሓሪሙና ዘሎ፡ ወሳኒ ትብዓትን ምጽውዋርን እዩ።
እምበኣር እንደጋና ናብቲ ኣርእስቲ ብምምላስ፡ ጸገምና ንጉዳያት ብክለሳ-ሓሳብ ኣብ ምርዳእ ዘይኮነ ነቲ ዝተረዳእናዮ ኣብ ምትግባር እዩ። መብዛሕትና ናይ ሓደ ጸገም መፍትሒ ብሓሳብ እንተተረኺቡ ምትግባሩ ዘጸግም ኮይኑ ኣይረኣየናን ይኸውን። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግና ሕጽረትና “ከምቲ ብክለሰ-ሓስብ እትርደኦ ኮይንካ ናይ ዘይምቕራብ ጸገም’ዩ ዘለና” ዝብል ከምዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ናይዚ ከም ጸገም ንጠቕሶ ዘለና ዘይስገር ዝመስል ጸገም መፍትሒ ከኣ ቅሩብነትን ተወፋይነትን እንተልዩ ኣብ ኢድና ዘሎ እዩ።
ኣሮን ናኦድ
ሎሚ 1 ታሕሳስ 2016 ዝኽሪ መበል 46 ዓመት ህልዊት ዖና ኢዩ። ህልቂት በስክዲራ ንህልቂት ዖና ብሓደ መዓልቲ ቀዲሙ ብ30 ታሕሳስ 970 ተፈጺሙ። ኣብ ክልቲኡ ቦታታት ከባቢ 1,000 ዝኾኑ ንጹሃት ደቂ ሃገር ብኣስካሕካሒ ኣገባብ ብጦር-ሰራዊት ኢትዮጵያ ተረሺኖም።
ቅድሚ 46 ዓመታት፡ ኤርትራውያን ኣብ ዘለውሉ ሃልዮም ንህልቂት ዖናን በስክዲራን ድሕሪ ምስምዖም ሃገራዊ ነድሪ ከም እተሰምዖምን ናብ ቃልሲ ዝያዳ ከድህቡ ከም ዝገበሮምን ኣብ ታሪኽ ይጥቀስ ኢዩ። ሓያለይ ደቂ ሃገር ነዛ ናይ ዖናን በስክዲራን ህልቂት ብፍሉይ ኣገባክ ክዝክርዋ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ። ንኣብነት፡ ካብ 1986 ክሳዕ እዚ ቀረባ ዓመታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ሰውራዊ ባይቶ) ንሓደ ታሕሳስ ከም መዓልቲ ስዉኣት ኤርትራ ዓመት ዓመት የብዕላ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኢዩ።

ብጦር ሰራዊት ተሓቲቶም፡ ክርስትያን ካብ እስላም ምፍላይ ምስ ኣበዩ፡
ንኹሎም ኣብ መስጊድ ናይታ ዓዲ ኣእትዮም ብመትሬየስ ቀቲሎምውም። ብትሕቲ 128 ሬሳታት
ብተኣምር ዝደሓኑ ውሑዳት ነይሮም!!ንጽባሕቱ፡ ከባቢ 800 ህይወት ዘጥፍኤ ህልቂት ዖና ተፈጺሙ።
ንዝኽሪ እቶም ንጹሃት ሰማእታት፡ ሎሚ'ውን ኣብ ዝኽሪ ዖናን በስክዲራን ነዚ መዘኻኸሪ ጽሑፍ ደጊምና ናብ ኣንበብቲ ከነቕርብ ንፈቱ። ንሱ ካብ ናይ ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ መጽሔት ዓወት ሕታም ቊጽሪ 29 ናይ ታሕሳስ 1988 ብሰፊሑ ተዘርዚሩ ካብ ዝነበረ ጸብጻብ እተወስደ ኢዩ። እተጠቕሰት መጽሔት፡ ካብ ብዙሕ ህልቂታት ኤርትራ ((ንኣብነት ኣብ ዓድታት ሃዘሞ፡ ዲዖት፡ ምስያም፡ ወኪ ድባ፡ ደብረሲና፡ ካርካ፡ ኣቑርደት፡ ሕርጊጎ፡ እምበረሚ ወዘተ)ብዕድል ንዝደሓኑ ደቂ ሃገር ኣዘራሪባ ነይራ። ኣብ ህልቂት ዖና እግራ ተቘሪጻ ዝተረፈት ዓፍየት መሓመድ ሓንቲ ካብቶም ቃሎም ዝሃቡ ነይራ። ጽቡቕ ንባባ።
ህልቂት ዖና ከመይ ነይሩ፣ ብህይወቶም ዝተረፉ እንከዘንትዉ፡
ቃለመሓተት ምስ ዓፌት መሓመድ
ወኪል መጽሐት ዓወት ንዓፌት ኣብ 1987 ኣብ መደበር ስደተኛታት ሓዋድ ሕለት ማርያ (ሱዳን) ረኺቡ ኣዘራሪብዋ። ገለገለ ካብቲ ዝሃበቶ ሓበሬታ ኣሕጺርና ንኣንበብቲ ነቕርበልኩም ኣለና።
ሕቶ፡ ቅድሚ መዓልቲ መቕተልቲ ዖና እንታይ ትዝክራ?
መልሲ፡ ቅድሚኡ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ጦር ካብቲ ኣብቲ ጀራዲን ዝሰርሑ 4 መንእሰያት ቀቲሎም። እተቐትሉ ኣደምን ሓምድን ክልተ ከኣ ካብ ከረን ዝመጹ ክርስትያን እዮም። ድሕሪኡ ንኢብራሂም ክሱራይ ዝተባህለ ናይ ጀብሃ መራስል (ተለኣኣኺ) ወረቐት ተረኺብዎ ኢሎም ቀዳም መዓልቲ ጦር ቀቲለሞ። ሰብ ኣብ ፍራሹ ማለት ሓዘኑ እንከሎ ሞት ዖና ኣርኪባ።
ሕቶ፡ ወተሃደራት ጸላኢ ንዖና እንታይ ግዜ ኸመይን ኣገባብን መጼምኹም?
መልሲ፡ ግዜ ኣጋ ንግሆ ነይሩ። ኣነ 7 መካይን ሪአ። ወተሃደራት ወሪዶም ብቐጥታ ንዝረኸብዎ ሰብ ጥይት ከፊቶም ምቕታል ጀሚሮም፡ ቀጺሎም ናቶ ኣጓዱ ሓዊ ኣእትየምሉ። ምቕታልን ምንዳድን ብሓደ ጀሚሮም። እቶም ኣብ ሓዘን ናይ ኢብራሂም ከሱራይ ዝጸናሕና ህድማ ፈቲና። ክንሃድም እንከለና፡ ጥቓይ መካ ዑስማን እንከላ ቦንብ ይድርበየና። ኣብ ከባቢ ብርኪ እግረይ እህረም። ሰውነተይ ብደ ይሕጸብ። ካብ ዝወደቕኩዎ ድማ ኣይትንስእን። መካ ዑስማን ገዲፋትኒ ከይትኸይድ፡ ኣብ ጐድነይ ትድቅስ። ሓደ ጦርሰራዊት ርእዩ ተስኢ ይብላ። ተንሲኣ ምኻድ ምስ ጀመረት ብጥይት ቆሊቡ ቁልቁል ኣፋ ይደፍኣ። ሽዕ’ውን ሓማተይ ምስ ክልተ ደቃ ካብቲ እንዳ ሓዘን እንዳሃደመት ትቕተል። ሰብ ኣብ ገዛውቱ ነዲዱ። ጦርሰራዊት ሰዓት 9 ጀሚሮም ሰዓት 10 ኩሉ ምቕታልን ምድንዳድን ወዲኦም ናብ ከረን ተመሊሶም።
ሕቶ፡ ኣብቲ ዝወደቕክሉ ቦታ ክንደይ ግዜ ጸኒሕክን?
መልሲ፡ ኣብኡ ቁሩብ ግዜ ድሕሪ ምጽናሕ ነታ ጠልጠል ኢላ ዝነበርት እግረይ ብነጸላይ ኣብ መንኩበይ ዓጺፈ፡ ብምእሳር ፍሑኽ እንዳበልኩ፡ 15 ሜትሮ ድሕሪ ምኻድ ኣብ ሓደ መንደቕ ተኸዊለ በይነይ ኣብኣ ውዒለ። ሰዓት 5 ምሸት ሰባ ናብ ዑና ክኣትው ይጅምር። ነቲ ሬሳታት ኣብቲ መንገዲ ኮሚሮም፡ ይገድፍዎ። ንዉጉኣት ከኣ ከካብ ዝነበርናዮ ይእክቡና 2 መካይን ናይ ሲዲዓብደላህን ጐለም ናይ ዝተባህለ ሃገራውን ንዉጉኣት ናብ ሆስፒታል ይወስዳኦ። ሬሳታት ግና ኣብኡ ሓዲሩ ንጽባሒቱ ረቡዕ ኣብ ዓበይቲ ጐዳጕዲ ብጃምላ ተደፊኑ። ሓሙስን ዓርብን ከኣ እቶም ክሃድሙ ክብሉ ካብ ዖና ወጻኢ እተቐትሉ እናተደልዩ ተረኺቦም ኣብ ደዓሪት ተቐቢሮም።
ሕቶ፡ ኣበየናይ ሆስፒታል ተሓኪምክን?
መልሲ፡ ኣነ ኣብ ላልልንባ ሆስፒታል ኣትየ። ጠልጠል ኢላ ዝነበረት እግረይ ኣብኡ ቆሪጾማ። 30 ካብቶም ንሕክምና ዝመጹ ኣብ ሆስፒታል ሞይቶም። ብዙሓት ከማይ ሰንኪሎም ተሪፎም።
ሕቶ፡ ካብ ስድራቤትኩም ክንደይ ሞይቶም?
መልሲ 18 ሞይቶም።
ሕቶ፡ ድሕሪ ዖና ከመይ ኮይና? ንስኽንከ ናባይ ኣቢልክን?
መልሲ፡ መንግስቲ ነቲ ተኾሚሩ ዝነበረ ሓሙኽሽትን ዑና ገዛውትን ንምሕባእ ነቲ መሬት ብብልዶዘር የመዓራርዮ። ካብ ርሑቕ ጻዕዳ ሓመድ ኣምጺኦም ይገብርሉ። ሰብ ካብቲ ቦታ ፋሕ ኢሉ ርሒቑ። ኣነ ንሃይኮታ ደሓር ናብ ተሰነይ ውግእ 1977 ምስ በርተዐ ከኣ ናብ ሱዳን ከም ስደት መጺአ።
ሕቶ፡ ኣብ መወዳእታ እትብለኦ እንታይ ኣሎ?
መልሲ፡ ካብቲ ሓደጋ ዝተረኽበሉ ግዜ ክሳብ ሕጂ፡ ዋላ ብኣና ዝሓተተ የለን። ዝኾነ ኮይኑ ከምዚ ሕጂ ጀሚርኩምዎ ዘለኹም ናይ ህዝብኹም ስቓይ ከም ታሪኽ ንምሓዝ ዘለኩም ተገዳስነት ዝምስገን እዩ።
ከምኡ’ውን በዓል ቤታ ንዓፍየት ማለት ሓሰን ተኽሌስ ፊደል ተወሳኺ ሓበሬታሂቡ ነይሩ። ጽማቕ ናይቲ ሓበሬታ ከምዚ ዝስዕብ ሓቅታት ይገልጽ ሓሰን ተኽሌስ፡ ከምቲ በዓልቲ ቤተይ ዝነገረትኩም ኣብ ፍራሽ ሓዘን ናይ ኢብራሂም ክሱራይ ከለና እዮም ዝተኮሱልና። ዒድ ሰንበት ውዒሉ ንሰኑይ ንበሰዲራ ንዲዶም ሰብ ሓሪዶም ንሰሉስ ንግሆ ናብ ዑና ይመጹ። ነቲ መቕተልቲ በቶም ኣብ ደገ ዝጻወቱ ቆልዑ ይጅምርዎ። በብዝኸኣልናዮ ህድማ ንፍትን። ኣነ ንላልምባ ገጸይ ክሃድም እንከለኹ ብድሕረይ ንዝትኩስ ወተሃደር ብእምኒ እግሩ ሃሪመ ኣውዲቐዮ። ብዓቐብ ደይበ ቅድም ብዙሕ ተኲሱለይ ስረይ መንፊት ኮይና። ግና ጥይት ግዲ ወዲኡ ኣይቀተለንን። ካብ ጎቦ ላልምባ ንጽባሒቱ ክንቀብር ንወርድ። ብዓይነይ ዝረኣኹዎ ሬሳታት ካብ 600 ይበዝሕ። ሬሳታ ኣብ 2 ነዋሕቲ ጐዳጉዲ ብጃምላ ይቕበር ነይሩ። ብድህሪኡ ብዙሕ ዝተረኸበ ሬሳታት ነይሩ። ኣብ ሆስፒታላት’ውን ብዙሓት ሞይቶም። ኣደይ፡ 2 ኣሕዋተይ፡ 5 ደቂ ሓብተይ ኣብ ዖና ሞይቶም።
ማህደር ንሱር ኣብርሐ፡ (ብ1987 መጺሓት ዓወት ቃሉ ክህብ እንከሎ ኣብ መደበር ስደተኛታት ግርባ ይቕመጥ ነይሩ። ማህደር ዝሃቦ ቃለመሓትት ከምዚ ዝስዕብ ሓቅታት ይገልጽ)ኣነ ኣብ ገድሊ ኣብ 1967 ተሰሊፈ። በቲ መዓልቲ ህልቂት ዖና ምስ ጀብሃ ኣብ ላዕላይ ባርካ ነይረ። ዖና ዓደይ ብምዃና ነዚ ሓቂ ምኽንያት ህልቂት ክፈልጥ ሽዑ ኣትሒዘ ብዙሕ መጽናዕቲ ገይረ። እቲ ኩሉ ዝበሃል ሓቅታ የብሉን። ምኽንያት ህልቂት ዖና እቲ በተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ጀነራል ተሾመ እርገቱ እዩ። መርሒ ናይቲ ንጀነራል ተሾመ ዝቐንጸለ ድብያ ተሓኤ፡ ስዉእ ገ/ህይወት ሕንብርቲ እዩ ነይሩ። እተን ኣብቲ ናይ ሃብረንገቓ ዓመልያ እተኻፈላ ኣሃዱታት፡ ከኣ ናይ ገብረህይወት ሕንርቲ ሓይሊ 333 ብስዉእ ኣደም ሳልሕ (ሻንበል ቀይሕ) እትምራሕ ሓይሊ 551 ከምኡ ከኣ ካብ ሳሕል ዝመጻ ናይ ፊዳይንን ሃደሳን ጉጅለታት ነይረን።
ዖና ቀደም ሻኻት ትበሃል ነይራ። ብውበ ከምኡ ከኣ ብካለኦት ወረርቲ 4 ግዜ ዓንያ። ደሓር ዑና ዝብል ስም ለጊብዋ። ቅድሚ 1970 ዖና ከምተን ናይቲ ከባቢ ዓድታት ንእሽቶይ ዓዲ እያ ነይራ። ኮይኑ ግን ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንብዙሓት ዓድታት ካብ ዓንሰባ ጀንገሬን፡ ኣፍጭሩም በጁክ ዓተክሌስ ዓድተማርያም መንሳዕ ሽምብሉኽ ገብሲ ኣማግዳ ዓዳፍላ በሽሪ ከርባበረድ ካብ ምስ ጀብሃ ዝገብርኦ ምትሕግጋዝ ንምቁጽጻር ኣብኣ ንክጥርነፉ ኣገዲዳ። ኣብቲ 2 መዓልቲ ናይ ማሕረድቲ እተቐብረ ሬሳታት፡ 764 በጺሑ ነይሩ። ብድሕሪኡ እተረኽበ ሬሳታትን ኣብ ሆስፒታል ዝሞቱን ወሲኻ 1023 ከም ዝበጸሐ እፈልጥ።
ጃብር ኢብራሂም ዓብደልቃድር (ቃለመሓትት ክገብር እንከሎ ኣብ ከሰላ ተመሃራይ ወዲ 20 ዓመት ነይሩ። ካብቲ ዝሃቦ ቃል ከምዚ ኣሕጺርና ንጠቅስ) ካብ ሽምሉኽ ዝመጻእና ስድራ ኔርና። ወለድና ተፋቲሖም ኣነን ሓብተይን ምስ ዓባይና ንነብር ኔርና። ኣነ መዓልቲ ህልቂ ዖና ወዲ 3 ዓመት ነይረ። ዓባየዪ ኣብ ርእሰይ ፊስቲ ገልቢጣ ሓቢኣትኒ። ንሳን ሓብተይ ኣብቲ ገዛ ከለዋ ኣንዲደሞን። ኣነ ብዙሕ ነዲደ። ኣብ ውሽጢ ፊስቶ ተረኺበ ብህይወት ተሪፈ። እቲ ኣብኡ ዝረኸበኒ ሰብ ንከረን ድሕሪኡ ናብ ኣቑርደት ወሲዱ ከሕክመኒ ፈቲኑ። ንሱ ኣብ ገድሊ ተሰሊፉ ደሓር ተሰዊኡ። ንዓይ ጀብሃ ንከሰላ ከምኡ ከኣ ንካርቱም ወሲዶም ዝያዳ ሕክምና ገይራትለይ። ከሰላ ተመሊሰ ኣብ ገዛ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ (ካብ መራሕቲ ጀብሃ) እናኣተኹ እመሃር ነይረ። ደሓር ናብ ሜዳ ከይደ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጽባሕ ነይረ።
***
ፕረሲደንት ፊደል ካስትሮ ካብ ሃብታም ቤተሰብ ሓረስታይ ብ1926 ኣብ ኩባ ተወሊዱ። ኣዕድመኡ ንትምህርቲ ምስ በጸሐ ከኣ ኣብቲ ናይ ማሕበራዊ ሰልፊ ኩባ ቤት ትምህርቲ ኣትዩ፡ ናይ ተመሃሮ መራሕን ወዳብን ኮይኑ ኣገልጊሉ። ብድሕሪ’ዚ ኣንጻር እቲ ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝድገፍ ዝነበረ መራሒ ወተሃደራዊ ጁንታ ኩባ፡ ፕረሲደንት ፉልገንስያ ባውቲስታ ሰውራ ኣልዓለ። ካስትሮ ንሰውራ መሪሑ ንባውቲስታ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወርድ ገበረ። ካብ 1959 ኣትሒዙ ከኣ ክሳብ 2008 ን49 ዓመታት ዝኣክል ንኩባ መሪሑ።
ልክዕ እዩ ፊደል ካስትሮ ሰውራውን ፖለቲካውን ወዲ ኩባ መራሒ እዩ። ኣብቲ ንሱ ስልጣን ጨቢጡ ሓንሳብ ከም ጠቕላሊ ሚንስተር ሓንሳብ ከኣ ከም ፕረሲደንትን ጠቕላሊ ኣዛዚ ሰራዊትን ዝነበረሉ ከኣ ንኩባ ናብ ናይ ብእንኮ ማሕበረ ሰልፋዊ መንግስቲ እትመራሕ ሃገር ኣሰጋገራ። ካስትሮ ኩሉ መርገጻቱ ምስ ናይ ዓለም ኮምዩኒስትን ሓርነታዊ ምንቅስቓሳትን ነበረ። በቲ ንሱ ዝኽተሎ ዝነበረ ፖሊሲታት ከኣ ኣብ ትሕቲ ዒላማ ኣመሪካ ከምዝኸውን ገበሮ።
ኣብ ግዚኡ ኣብ ሃገረ ኩባ ቊጠባዊ ምህጋር፡ ምእኩል መደባትን ፖሊሲታትን ኣተኣታተወ፥ ምስ ሶቬት ሕብረት ከኣ ድልዱል ዝምድና ገበረ እሞ ኣብታ ደሴት ንኲሌራዊ ኣጽዋር ንምትካል ኣፍቀደ። እዚ ከኣ ናይ 1962 ቅልውላው ሚሳይል ኣስዓበ። ካስትሮ ንኮሙንስታዊ ስርዓታት ኣብ ዮምኪፑር ኦጋደንን ሓድሕድ ውግእ ኣንጎላን ኣጽዋርን ሰራዊትን ይሰድድ ነበረ። ኣመሪካ ብወገና ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ላቲን ኣመሪካን ኣስያን ዝካየድ ዝነበረ ገስጋሲ ሰውራታት ክትቆጽዮ ለይቲ ምስ መዓልቲ ትጽዕር ነበረት። በዚ ዝኣክል ንካስትሮ ካብ ስልጣኑ ንምውጋድ ብዙሕ ፈተነታት ኣካይዳ እያ። ንኣብነት ንምቕንጻሉ፥ ኣንጻሩ ሰውራ ብምልዓል፥ ቊጠባዊ ማዕቀብ ብምግባር። ኩሉ ግን ኣይሰርሐን ካስትሮ ከኣ ካሳብ 2008 ኣብ ስልጣኑ ደኣ ቀጸለ። ንእግረመንገድና “እንታይ እዩ ፍልልይ ኮሙኒዝምን ካፒታሊዝምን?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል እዩ።
ልክዕ እዩ እዚ ነዊሕ ስለ ዝኾነ ዕሙቚ ዝበለ ፈልጠት ደሊብና ጥራሕ ኢና ክንርድኦን ክንበጽሖን ንኽእል። እንተኾነ ገለ ካብቲ ፍልልያቱ ብሕጽር ዝበለ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ካፒታሊዝም (capitalism) ኣብ መትከል ውልቀ መሰላት፥ ናጻ ቊጠባዊ ዕዳጋን፥ ዘይተዛነቐ፡ ወይ ከኣ ምዕሩይ ዘይኮነ ምክፍፋል ጸጋታትን፥ ዝመርኰስ እዩ።’’ ኮሙኒዝም (comunism) ከኣ ህዝባዊ መሰላትን ምእኩል ቑጠባዊ ምህርቲ ወይ እቶትን፥ ማዕሩይ ወይ ተዛናቒ ምክፍፋል ጸጋታትን ዝለዓለ ቁጽጽር ናይ መንግስቲ ሓላፍነትን መሰረት ዝኣምን እዩ። ኣብዚ እቲ ድኻን ሃብታምን ዝመዓራረየሉ፥ ሓረስታይን ሸቃላይን ዘይምዝመዘሉ ኮታ ምዝመዛ ሰብብሰብ ዘየፍቅድ ስርዓተ ምሕደራ እዩ። ገለ ካብተን ናይ ካስትሮ ጥቕስታት ንምጥቃስ ዝኣክል፡
“ሰውራ ማለት ኣብ መንጎ መጻእን ሕሉፍን ክሳብ ሞት ዝግበር ቃልሲ እዩ።’’
‘’ብዛዕባ ውድቀት ናይ ማሕበራውነት ይዛረቡ፥ እንተኾነ ግን ናይ ካፒታሊዝም ኣብ ኣፍሪቃን፥ ኣስያን ላቲን ኣመሪካን ዓወት ከደኣ በይ ኣሎ?’’
‘’ካፒታሊዝም ጽሉእ፡ ጽዩፍን፥ ዘይእረምን፥ ኣረሓሓቕን ኮይኑ ኢየ ረኺበዮ፥ ምኽንያቱ ውግእ፡ ምስሉይነትን፥ ውድድርን ስለ ዘኸትል።
ካብዚ ሓሊፉ እቲ ‘’ቊጠባዊ ናጽነትን መሰላትን ዝብሎ መሰረት፥ ካፒታሊዝም፡ ኣብ ውልቀ መሰልን ናጻ ዕዳጋን ዘይምዕሩይ ኣከፋፍላ ጸጋታትን ብኣዝዩ ውሑድ ዝኾነ ምትእትታው መንግስቲ ዝተመርኰሰ እዩ ይብል። ንኮሚንዝም ከኣ ኣብ መትከላት መሰል መላእ ሕብረተሰብን፥ ቊጽጽር ቊጠባዊ ምህርቲ ወይ ማእቶትን፥ ምዕሩይ ወይ ዝተዛነቐ ምክፍፋል ጸጋታትን ዝለዓለ ቊጽጽር መንግስትን ዝተመሰረተ እዩ።’
ብወገን ‘’ኢንሳይክሎፐድያ ብሪታኒካ፥ ኮሙዩንዝም፡ ንቊጠባዊ ኣገባብ ነቲ ናይ ግሊ ወይ ውልቀ ዋንነት ንብረትን ትርፍን ዝመሰረቱ ካፒታሊዝም፡ ብህዝባዊ ዋንነትን ኮማዊ ቁጽጽርን ባህርያዊ ምንጭታት ናይ ሕብረተሰብን ዝሰፍሐ ኣገባብ ማእቶት ንምትካእ ዝዕላምኡ እዩ ኢሉ ይገልጾ። በተውሳኺ በቲ ናይ ኮምዩኒዝም ትምህርቲ ቊጠባን ፖለቲካን ዘይነጻጸል እዩ።
ከምቲ ግቡእ ድኻን ሃብታምን፥ ከተማን ገጠርን ዝመዓራረይሉ ኣገባብ ኣመሓዳድራን ማሕበራዊ ስርዓተ ምሕደራን ዘርክብ የለን። ርሑቕ ከይከድና ኣብ ሽወደን፥ ጀርመን፥ ሆላንድ ... ወዘተ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ክሳብ ክንደይ ድኻን ሃብታምን ዳርጋ ተመዓራሪዮም ዝመሓደሩ ምዃኖም ንርእዮን ነስተብህሎን እዩ። እቲ ጸገም እቲ ብእንኮ ሰልፊ ዝጭበጥ ስልጣን ከይዱከይዱ ካብ ምልኪ ስለ ዘይወጽእ ጭቆናን ግፍዕን ይስዕርር እዩ። እቲ ናይ ካፒታሊዝም ኣካይዳ ከኣ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና “ኣቦኻ ርገም ኣቦኻ መርቕ” ዝዓይነቱን ኮይኑ፡ እቲ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ዘሎ ፍልልይ ኣዝዩ ዝሰፍሓሉ ኣገባብ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ስለዚ ናይ ውልቀ መሰል ወይ ከኣ ውልቀ ዋንነት ኣንጸላልዩና ከምቲ “ውሒጅ እናስሓቐ ይወስድ” ዝበሃል፥ እዚ እውን ናብቲ ናይ ካፒታሊዝም ገጹ ክድቕድቐና ምዃኑ ከይተሓልመ ዝተፈትሐ ጉዳይ ምዃኑ ብሩህ’ዩ። ብወገነይ ነቲ ናይ ማሕበራዊ ስርዓተ-ምሕደራ እየ ዝድግፍ። ምኽንያቱ ካፒታሊዝም ጾሙ ዝሓድርን ዝጸግብን ሕብረተሰብ እዩ ዝፈጥር። ኩሉ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዩ ካብ ተባህለ ንቁጠባዊ ማዕርነት እውን ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ። ናጻ ዕዳጋ ተባሂሉ ድኻ ክብደል ከሎ ረዳኢ እንተዘይብሉ ናይ ውልቁ ናጽነት ይኹን መሰል ምህላው እንታይ ክዓብሰሉ። “ንስኻን ትዕድልትኻን” ማለትዶ ኣይከውንን።
ፈደል ካስትሮ ንሃገሩ ብትምህርቲ ይኹን ብምዕባለ ኣብ ክብ ዝበለ ደረጃ ከምዘብጽሓ ይንገረሉ ኣሎ። ነቲ ኩሉ ናይ ኣመሪካ ተጻብኦታት ሰጊሩ እነሆ ሎሚ ከም ሰቡ ተፈጥሮኣዊ ሞት ኣርኪባቶ ብ25 ሕዳር 2016 ኣብ መበል 90 ዓመት ዕድመኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ታሪኹ ግን ይጸብቕ ይሕመቕ ነባሪ እዩ። ብሞት ፊደል ካስትሮ፥ ገሊኦም ደቂ ሃገሩ ክሓዝኑ ከለዉ ገሊኦም ከኣ ብፍላይ እቶም ካብ ኩባ ሃዲሞም ናብ ኣመሪካ ዝተሰዱ፥ ናጽነት ዝረኸቡ ኮይኑ ስለ ዝተሰመዖም፡ ናይ “እንቋዕ ሞተ” ተሕጓሶም ይገልጹ ኣለዉ። ብዝኾነ ካስትሮ ብሰላም ዕረፍ ምባልሲ ነውሪ ኣይኮነን።
ኢሳያስ’ዶ እንሄልኩም ኣይኮሙኒስት ኣይካፒታሊስት መንጎ መንጎ ዝንሳፈፍ ዲቕ ዝበለ መላኺ ስርዓት ዝመርሕ። በቲ ኮነ በዚ ኢሳያስ’ውን ሰውራ መሪሑ ኤርትራ ናጻ ወጺኣ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ እነሆ 25 ዓመታት ብዘይ ገለ ለውጢ ህዝቢ የሳቕን ይድህኽን ኣሎ። ብዝሒ ስደተኛታት ደቂ ኩባ ከይዘንጋዕና ኣብ ኤርትራ’ውን ብዝኸፍአ መልክዑ የጋጥም ኣሎ። ኣብ ክልቲአን ሃገራት ስልጣን ኣብ ኢድ ሓደ ሰብ እዩ ተገቢቱ። ፊደል ካስትሮ 49 ዓመት ገዚኡ። ኢሳያስ’ውን ጥዕና እንተ ዝህቦ ካብኡ ንላዕሊ ክገዝእ ድሌትን ሃንቀውታን ኣለዎ። ኣብቲ ናይ መበል 25 ዓመት ብሩራዊ በዓል ናጽነት ኣብ መደምደምታ ዝሃቦ ቃል “ኣብ መበል 50 ዓመት ወርቃዊ በዓል ናጽነት የራኽበና” ዝብል መደረኡ ነዚ ዘመልክት እዩ። እንተኾነ ኢሳያስ እውን መዓልቱ ኣኺላ ካብዛ ዓለም ዝፍለየላ ዕለት ኣላ። ካብ ሞት ዝተርፍ ፍጡር ስለ ዘየለ ኢሳይያስ ይቕረብ ይርሓቕ ሞት ኣይክተርፎን እዩ። ታሪኽ ኢሳያስ ግን ታሪኽና ኣይግበሮ ብክፉእ እምበር ብጽቡቕ ከምዘይለዓል ርዱእ እዩ። እዞም ሎሚ ኣብ ዲያስፖራ እናተቐመጡ ዓመት ዓመት ናብ ኤርትራ ክበጽሑ ዝኸዱ፡ ጽባሕ ንግሆ ሞት ኢሳያስ ልዕሊ ሰቦም ክሕጉሶም ምዃኑ ዘጥራጥር ኣይኮነን።
Harnnet Tigrinia Magazine Issue 52 Oct-Nov 2016
Monday, 28 November 2016 06:26 Written by EPDP Information Officeዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋትን ኣሓትን
ግዱሳት ኤርትራውያን ዜጋታታ
ብቐዳምነት ናይ ክብሪ ሰላምታና ነቕርብ።
ኣስዒብና ከም'ቲ ወርትግ እንገብሮ ድራር ነቶም ምእንቲ ህዝቦምን ሃገሮምን ንልዕሊ 38 ዓመታት ኣብ ጻሓይን ደሮናን ሃገር ሱዳን ምስ ኩሉ ናይ መውጋእቲ ስቓይን ተወሳኺ ጸቕጢ ደምን ሽኰርን ካልእ ሕማማትን እንዳተሳቐዩ ዝነብሩ ዘለዉ ጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት ኤርትራውያን ኣሕዋትና፡ ሓደ ምሸት ድራር ክንዝክሮም ናይ ኩላትና ኤርትራውያን ሓላፍነትን ሓልዮትን ምዃኑ ንዓኻ/ንዓኺ ዝስወር ኣይኮነን እሞ፡ ኣብዚ ንዕለት 03.12.2016 ኣብ SAALBAU NIED; HEINRICHSTAHL STRÄßE 3, 60934 FRANKFURT AM MAIN ካብ ሰዓት 16፡00 ክሳብ 23፡00 ድሕሪ ቀትሪ ዘሎ ሰዓታት ንጉዳዮም ብዝምልከት ብሰፊሑ እንዘራረበሉን ዋዛን ቁም ነገርን ዘሰነዮ ወግዕን ገርና ከነማሲ ብኽብሪ ንዕድም።
ምናልባሽ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብዚ ተጸዊዑ ዘሎ ግዜ ናይ ምስታፍ ዕድል ምስዘየጋጥም፡ በዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ሕሳብ ማሕበር ንሓገዞም ዝውዕል ሕልና ዘፍቕዶ ምውፋይ ይካኣል እዩ።
Eritreischer Verein 2010 für Menschen mit Behinderung
Post Bank NL Frankfurt
IBAN: DE96 5001 0060 0790 7506 01 BIC: PBNKDEFF
ሓበሬታ መጓዓዝያ፡
ካብ Hauptbahnhof (ቀንዲ መደበር ባቡራት ፍራንክፉርት) Straßenbahn 11 richtung Höchst ሒዝኩም ኣብ Luthmer haltestelle ወሪድኩም፡ ንየማን 30 ሜትሮ ዘሎ Saalbau እዩ።
ምስ ሰናይ ትምኒት!
ግዱሳት ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን
ኣብዚወርሒዚ ሕዳር 2016፡ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሕ/መ/ኣሜሪካ፡ናይ ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ክትዕ ካብ ልዙብ ናይ ሃገር እትምርሓሉ ፖለቲካዊ ፍልስፍናን፡ ስነ-ሐሳባትን፡ ፖሊሲታትን ዝርሐቐዘይንቡርን ኣሰካፍን እዩ ኔሩ።ወ/ሮ ሂለሪ ክሊንተን ኣብ ሓፈሻዊ ሃገርዊ ደረጃ ማለት፡ ኣብ ፖፕላር ምርጫ ብኽልተ ሚልዮን ቐዲመን ክንሰን፡ እቲ ቑጽሪ ግን ኣብ ክፍለ-መንግስታት ተመጣጠነ ዝርጋሒ ስለዘይነበሮ፡ ኣብ ኤለክቶራል ምርጫ ኣይተዓወታን። ይኹን እምበር፡ በቲ ኣወንታዊ ሸነኹ ክርኣ ከሎ፡ ዳርጋ ድሕሪ ኣማኢት ዓመታት ደቒ ኣንስትዮ ናይ ምምራጽ ሕጋዊ መሰለን ዝረጋገጻሉ እዋን፡ ንመጀመርያ ጊዜ ጋል-ኣንስተይቲ ብወገን ደሞክራት-ፓርቲ ንፕረዚደንትነት ተሐጽያን ክትወዳደርምብቓዓ፡ኣብ ፖሊቲካዊታሪኽናይ ሕ/መ/ኣሜሪካ፡ ናይመጀመርያ ጊዜምኻኑጽቡቕ ኣብነታዊ አርአያ እዩ። ገለ ካብቶም ቀንዲ ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ተመኩሮታት ወ/ሮሂለሪክሊንተን ንምጥቓስ፡ከምሰነተር (Senator)፡ ቐጺለን እውንከምናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር (Secretary of State)፡ ከምኡውን ከምፈርስትለይዲ (First Lady) ብምኻን ሃገረን ኣገልጊለን። ኣብኣህጉራዊተፈላጥነተን እንተኮነእውንሰፊሕእዩ።ናብሃገርናኤርትራ እውንኣብሓምለ 1997 ዑደት ኣካይደን ኔረን፡ ሰለዚብዛዕባ ሃገርና ይኩንባህልና ጽቡቕኣፍልጦኣለወን።
ኣብዚ መላእ ዓለምን መብዛሕትኡ ህዝቢ ኣሜሪካን ዘይተጸበዮ ውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2016፡ ደሞክራት ወ/ሮ ሂለሪ ክሊንተን ኣብ ፓለቲካዊ ፍልሰፍናን ስነ-ሓሳብ ኮነ ፖሊሲታት ከም መቐጸልታ፡ ናይቶም ደሞክራት ኣፍሪቓዊ-ኣሜሪካዊ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ፡ ንክልተ ወቕቲ (Term) ሕጊ ዘፍቕደሎም ወዲኦም ስልጣን ዝገድፉ ዘለዉ ብምኻን፡ ሃገር እትምርሓሉ ካብ ናይ ደሞክራት-ፓርቲ ማእከላይ፡ ማለት ናይ ሰንትሪስት (centrist) ኣጀንዳ ሒዘን እየን ተወዳዲረን። መወዳድርተን ብወገን ረፑብሊካን-ፓርቲ ተመሪጾም ዘለዉ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ናይ ንግዲ-ውራይን ሃብትን ዝተታሓሓዘ ተፈላጥነት እንተዘይኮኑ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ተምኹሮ ምሕደራ-ህዝቢ ታሪኽ ዘይጸንሖም፡ ከምኡውን ንከም ናይ ሕ/መ/ኣሜሪካ ዝኣመሰለ ብዝሐ-ዓልየታዊ ሕብረተ-ሰብ ክመርሑ፡ ቅጥዐ-ምግባር ማለት (ethic) ዝጎድሎም ኮይኖም፡ ካብ ናይ ረፕብሊካን ፓርቲ ሕሉፍ-ሃገራውነት ዘጥቅዖም፡ የማናዊ ማለት (ultra nationalist right wing) ስነ-ሐሳብ ወይ ኣጀንዳ ዝሓዙ እዮም። ኣብ መስርሕ ምርጫ፡ ሃገር እትምርሓሉ መትከላት ብዝርዝር ከየነጸሩ፡ ኣሜሪካ ብኻብ ዝተፈለለዩ ክፍለ-ዓለማት ዝመጹ ኣህዛብ ዝቆመት ሃገር ምኻና፡ ኣብ ግምት ዘየእቱ ጎስጋስ ብምክያድ፡ ነቲ መንግስትን ህዝብን ኣሜሪካ ዝሕበንሉ መሰረታዊ ኣምር ማለት “ሃገርና ናይ ሐርነትን ዕድላትን ዝርከባ መሬየት እያ” (Land of freedom & opportunity) ዝብል ራኢ ብጋህዲ ዝጻረር ርእይቶታት ከም ኣብነት፡ “ወጻእተኛታት ክንሰጉግ ኢና” “ወጻእተኛታት ከይኣትውና መንደቕ ክንሰርሕ ኢና” ወዘተ ዝብሉ፡ ዕሸላዊ ፖለቲካዊ ጎስጋሳት ዝገብሩ ኣቶ ትርምፕ፡ እቲ ኣዝዩ ዘገርም ግን፡ እቶም በዚ መደረታት እዚ ዝተደራበሹ፡ ቀንዲ ዓበይቲን ጸለውቲን ማዕኸናት-ዜናታት-ዓለም ዝንቡዕን ዘይርትዓዊን ገምጋም መስርሕ ምርጫ ከመሓላልፉ ብምጽንሖም፡ ኣቶ ትርምፕ ከም መበል 45 ፕረዚደንት ሕ/መ/ኣሜሪካ ኮእይኖም ምምራጾም፡ ከኣ፡ ንመላእ ዓለም ኮነ ንመብዛሕትኡ ህዝቢ ኣሜሪካ፡ ዘይተጸበዮ ዘገርም ውጽኢት ኮይኑዎ።
ኣብ ሕ/መ/ኣሜሪካ፡ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ትሕታይ ማሕበረ-ቁጠባዊ ድርቢ ዝነብር ክፋል ሕብረተሰብ፡ ካብቶም ክልተ ቀንዲ ፓርትታት ደሞክራት ይኹን ረፓኣብሊካን፡ ኣብ ሂወቱ ለውጢ ንኸምጽእሉ ተስፋ ዝቖረጸ ኮይኑ፡ ነቲ ትሑት መነባብሮ ሂወቱ ተቐቢሉ ናይ ምምራጽ መሰሉ እውን ከም ብዝሑ ኣይጥቐመሉን እዩ። ኣብዚ ናይ 2016 ምርጫ፡ ካብቶም ናይ ምምራጽ መሰል ዝነበሮም 231 ሚልዮን ኣመሪካውያን፡ 134 ሚልዮን ኣብ ምምራጽ ክካፈሉ ከለዉ፡ 97 ሚልዮን ግን ኣብ ምርጫ ኣይተሳተፉን። እቲ ናይ ምምራጽ መሰሉ ብብዝሒ ዝጥቐመሉ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብ፡ እቲ ላዕለዋይን ማእከላይን ማሕበረ-ቁጠባዊ ደርቢ እዩ። ኣብዞም ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ብሰንኪ ቁጠባዊ ዝሕታለ፡ እቲ ኣብ ማእከላይ ማሕበረ-ቁጠባዊ ደርቢ፡ መብዛሕትኡ ጻዓዳ፡ ብትምህርቲ ብዙሕ ዘይደፍአ ሰራሕተኛ ክፍል ሕብረተ ሰብ፡ እቲ ዝነብሮ ጥጡሕ ቁጠባዊ-መናባብሮ ስለ ዝሰኣነ፡ ከምኡውን ኣብ ዓለምለከ ናይ ኣሜሪካ ልዕልነት እንዳተዳኸመ ይመጽእ ኣሎ ዝብል ናይ ስግኣትን ተነጽሎን ስሚዒት ዘሕደረ እዩ። እዚ ክፋል ሕብረተ-ሰብ እዚ፡ ካብቶም ቀንዲ ፖለቲካዊ ፓርትታት ናይ ደሞክራት ይኹኑ ረፑሊካን ማለት (establishment) ጽልኣት ኣሕዲሩን ለውጢ ከናዲ ዝጸንሐ ክፋል ሕብረተ-ሰብ እውን እዩ። ነዚ ክውንነት እዚ ከኣ፡ ተመሪጾም ዘለዉ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዙሕ ወጻኢታት ዘይሐትት ዘመናዊ ተክኖሎጂ መራኸቢ-ብዙሃን ተጠቂሞም ከም ስትራተጂ ምርጭኦም ተጠቒሞምሉ እዮም።
ኣብ መስርሕ ምርጫ: ናይ ተመሪጾም ዘለዉ ፕረዚደንት ትርምፕ፡ ኣብ ዘረብኦም ሰነ ስርዓት ዝጎደሎ ካብ ዝኾነ መራሒ ዘይትጽበዮ ዘይተኣደነ ንዕቐት ኣብ ልዕሊ ደቒ-ኣንስትዮ፡ ኣካለ-ጽጉማን፡ ውጻእተኛታት ከምኡውን ብተደጋጋሚ “ኣሜሪካ እንድገና ሓያል ክንገብራ ኢና፡” “በዓልፕረዚደንት ባራክ-ኦባማን ሂለሪ ክሊንተንን ኣብ ዓለም-ለኸ ንኣሜሪካ ኣዳኺሞማ፡” ከምኡውን ጸረ ወጻእተኛ ህዝቢ ዝፈለሊ ሐፈሻዊ ሐረጋት ብምቕላሕ፡ ከብቲ ብዝኾነ ለውጢ ከናዲ ዝጸንሐ ማእከላይ ማሕበረ-ቁጠባዊ ደርቢ ጥጡሕ ናብርኡ ዝሰኣነ ሰረሕተኛ ክፋል ሕብርተ ሰብ፡ ከምኡውን ካብቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ራዲካል ናሽናሊስት፡ ብናይ ጻዕዳ ልዕለና ዝኣምኑ፡ ዓቢ ደገፍ ብምርካብ፡ ተመሪጾም ዘለዉ ፕረዚደንት ትርምፕ ክዕወቱ ኪኢሎም። ነዚ ክውንነት እዚ ኣብ ገምጋም ዘየእተዉ ዓበይቲ ናይ ዓለም ማዕከናት ዜና ግን፡ ነቲ ሓቐኛ ስእሊ ከቓልሑ ዘይምብቅዖም፡ ውጽኢት ምርጫ ሃንደበትን ዘገርምን ኮይኑ።
ኣብ ሕብረተ-ሰብ ኣሜሪካ፡ ከም ውጽኢት ምርጫ ዝርአ ዘሎ ተቓውሞታትን ናይ ፖለቲካ ክትዓትን ብፍላይ ብወገን መንእሰያት፡ ንቐጻሊ ህዝባዊ-ምንቅስቓስ ዘሕይል ይመስል። ገለ ካብቶም መሰረታዊ ፍትሓት ዘድልዮም ፖሊቲካውን ማሕበራውን ሽግራት፡ ብመጀመርያ ናይ ኮርፖረሽናት ገንዘብባዊ-ምወላ ካብ መስርሕ ፖለቲካዊ-ምርጫ ክእለ ክኽእል ኣለዎ፡ ስለምንታይ ብገንዘቦም ዝተመርጸ መራሒ ንሐቐኛ ረብሓ ውጹዕ ህዝቢ ክሰርሕ፡ ዘይሕሰብ እዩ። ከምኡውን ገንዘባዊ ምህርቲ-እቶት ከምኡውን ምኽዕባት ሃብታን፡ ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ጋግ ማለት (income and wealth gap) ኣዝዩ ገፊሕን ዘይ-ፍትሓዊን ስለዝኾነ ቅጥዒ ክግበረሉ ይግባእ። ኣብ ሐደ ሃረር፡ ውሑዳት ሐደ ወይ ክልተ ሚእታዊት ናይ ሕብረተ-ሰብ ከም በዓል ተመሪጾም ዘለዉ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ዘይተኣደነ እቶት ከኻዕብቱ ከለዉ፡ እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ክፋል ኣብ ታሕተዋይ ማሕበረ-ቁጠባዊ ደርቢ ዝነብር ግን፡ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ብኽብሪ ናብራ እንዳተሸገረ ክነብር ፍትሓዊ ኣይኮነን። ኣብ ከም ሕ/መ/ ኣሜሪካ ዝኣመሰለ ሃብታም ሃገር፡ ንኹሉ ዝባጻሕ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብዘይምህላዉ ህዝቢ ክሽገር፡ ክምኡውን በቲ እንዳኽበረ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ለዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክፍሊት ማለት ትውሽን፡ ነቲ ናይ ድኻን ሃብታምን ጋግ መሊሱ ዘስፍሕ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ሃገር ማሕበራዊ-ፍትሒ ኣሎ ክብሃል እንተኾይኑ፡ ንበይኑ ውልቓዊ-ሐርነት ብዘይ ቑጠባዊ-ሐርነት ምሉእ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ነዚ ክውን ንምግባር ግን፡ ናይ ብሐቒ ሐልዮት ህዝቢ ዘለዎም ንቐንዲ መሰረታው ጸገማት ህዝቢ ብዕላማ ዝሰርሑ፡ ካብ ደሞክራት ኣብ ጸጋማዊ ክንፊ ዝርከቡ ከም ብዓል ሰነተር በርኒ-ሳንደርስ ዝኣመሰሉ ፖለቲካዊ መራሕቲ ምስዝምረጹ፡ በቲ ካልእ ሸንኽ ከኣ፡ ህዝቢ መሰሉ ተጠቒሙ ኣብ ምርጫ ዜግነታዊ ግብኡ ምስ ዝገብር እዩ።
ተኽኣ ጸጋይ በርክሊካሊፎርንያ ሕ/መ/ኣሜሪካ ሕዳር 24 2016
ብዛዕባ ጅግና ሓርበኛ ዑስማን ኣሕመድ ኣብ ስመር-ሩም 1 ዝቐረበ መግለጺ ፍስሃየ ሓጎስ
Friday, 25 November 2016 20:41 Written by Neguse Tsegaiንታሪኽ ሂወትን ኣበርክቶ ኣብ ቃልስን ናይ ብ26 መስከረም 2016 ዝዓረፈ ዑስማን ኣሕመድ ዝገልጽ ሓበሬታ “ጅግና ሓርበኛ ዑስማን ኣሕመድ ብሰላም ዕረፍ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብፍስሃየ ሓጎስ ብ3 ጥቅምቲ 2016 ኣብ መርበብ ሓርነት.ኦርግ ተለጢፋ ዝነበረት ኣብ ስመር-ፓልቶክ ሩም 1 ተነቢባ ምይይጥ ተኻይዱላ ንስድራ ቤት ዑስማን ሓገዝ ንምውፋይ ውን ተበግሶታት ተወሲዱ ነይሩ። ንዝያዳ ሓበሬታ ጋሻ መጺኡ ከብርህን ሕቶታት ክምልስን ብዝቐረበ ጠለብ፣ ፍስሃየ ሓጎስ ብ19 ሕዳር 2016 ቀሪቡ ዘካየዶ ጽማቝ ምይይጥ ቀጺሉ ቀሪቡ እነሆ።
ዝኸበርኩም ኣመሓደርትን ተሳተፍትን ስመር ገዛ፡
መጀመርያ ሰላምታይ ንዅልኹም ከቕርብ እፈቱ። ቀጺለ ጅግና ስዉእ ዑስማን ኣሕመድ መን ምዃኑን ኣበርክቶኡ ኣብ ተጋድሎና ንሃገራዊ ናጽነት፣ ኣገልግሎቱ ኣብ መደበር ኣካለ-ጽጉማንን ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ወዲ ሸሪፈይን ከም ጋሻ ቀሪበ ንኽሕብር ብዝተገብረለይ ዕድመ እናመስገንኩ፣ ዝፈልጦ ክሕብር እነሆ ቀሪበ። ስመር ገዛ ንኸምዚኦም ዘይተዓለሎም ጀጋኑ (unsung heroes)፤ዝግብኦም ክብርን ሌላን ንምሃብን ስድራ ቤቶም ንምርዳእን ናይ ምይይጥ መደብ ምስርዑ፣ ናይ መጀመርያኡ ከምዘይኰነ፣ ኣነ ብዝዝክሮ’ኳ ንኽብሪ ጅግና ወዲ ዓሊ’ውን ተመሳሳሊ መደብ ጌሩ ስለዝነበረ ምስጋና ዝግብኦን ንክቕጽሎ ድማ ክተባባዕን ክድገፍን ከምዘለዎ ከዘኻኽር እፈቱ።
ዑስማን ኣሕመድ መን’ዩ፡
ካብቲ ብማሕበር ኣካለ ጽጉማን ንሓገዝ ዝሓትት ቪድዮ ኣብቲ መደበር ዝነብሩ ኣባላት ድሕረ-ባይትኦም ዝሓበርዎ፣ ዑስማን’ውን ባዕሉ ካብ ዝሓበሮ መሰረት ብምግባር “ስመይ ዑስማን ኣሕመድ መሓመድ፡ ዝተወለድክሉ ዕለትን ዓድን፡ 1956 ዓ.ም. ኣብ እምባ ደርሆ፣ ሓማሴን፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈክሉ ዕለት፣ ወርሒ ግንቦት 1976። ኣባል በጠሎኒ 669 ኰይነ እናተቓለስኩ ከሎኹ፣ ኣብቲ ብ1978 ዓ.ም. ንሓራ ዘውጻእናየን ከተማታት ንምሓዝ፣ ብደርጊ ዝተኻየደ ዳግመ-ወራር፣ ኣብ መረብ ድሕሪ ናይ ወርሕን ፈረቓን ዝወሰደ ውግእ ምርብራብ ተደፊእና፣ ዓድዃላን መንደፈራን ሒዙ ንዓረዛ ክወርድ እንዳተኸላኸልና ከለና ኣብ ዓደ-በዛ ተወጊአ የማነይቲ ኢደይ ተቖሪጻ።” ድሕሪኡ ኣብ ሕብረተሰብኣዊ/ ክፍሊ ትምህርቲ ተመዲቡ ክሳብ ንሱዳን ተደፊእና ዝኣተናሉ ጊዜ ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ሱዳን/ ከሰላ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ከምኡ’ውን ኣብ መደበር ውጉኣት ሓርነት ኣገልግሎቱ ክቕጽል ጸኒሑ።
ስዉእ ሓርበኛ ዑስማን ኣሕመድ መሓመድ፡ 1956 – 2016
እዛ ስእሊ እዚኣ ዑስማን፣ ለባም፣ ጽኑዕ፣ ሕጉስ፣ ፈታው ተማሃሮኡን ህዝቡን ምንባሩ እያ ተዘኻኽር።
ንዑስማን ካብ 1979 ኣብ ትሕቲ ክፍሊ ትምህርቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ መደበር ላኮየብ፣ ባርካ ብሓባር እንከሎና ጀሚረ እየ ዝፈልጦ። ካብቲ ጊዜ’ቲ ጀሚርና ክሳብ ዝዓረፈሉ ዕለት ን37 ዓመት ብጾትን መሳርሕትን ኔርና። ብዛዕባ ኵነታት ጥዕንኡ ይፈልጥ እኳ እንተነበርኩ በቲ ዝህበኒ ዝነበረ ደሓን’የ ብኣይ ኣይትሻቐል ዝብል ሓበሬታ ከይመውት ፈሪሐሉ ኣይፈልጥን፡ ዓሪፉ ምስ ሰማዕኩ ግን ከምቶም ኵሎም ዝፈልጥዎን ናይ ቀረባ ብጾቱን መሳርሕቱን ሰንቢደ። ኣብቲ ዝጸሓፍ ዝነበረ ናይ ሓዘን መግለጺ ብዙሕ ተባሂሉ፡ ሓደ ዝሰንበደ ብጻይ ግን ሓዘኑ ብሓንቲ ቃል “ተዘሚትና” እትብል ኣስፊሩ፣ ካልእ ኣይበለን። እወ እቶም ከይሰልከየ ዘገልግሎም ዝነበረ ተመሃሮን ወለድን ናይ ሓርነት ኣካለ-ጽጉማንን፣ እቶም ነቲ መደበራት ንምምዋል ኣብ ድያስፖራ ዝነጥፉ ገብረቲ ሰናይ ከም ሞቶር ኰይኑ ኵሉ ዓይነት ሓብሬታታትን ጸብጻባትን ዝህቦም ዝነበረ ኣገልጋሊ ተዘሚቶም።
ሞያን ኣበርክቶን ዑስማን፡
ዑስማን ኣባል ቦርድ ናይ (ADE Association of disabled Eritreans) ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን’ዩ፡ ኵሎም ኣባላት ናይቲ ቦርድ ኣብ ድያስፖራ እዮም ዝነብሩን ዝነጥፉን፣ ኣብ መደበር ከሰላ ዝውክሎም ዑስማን እዩ ነይሩ። እታ ቀንዲ መዋሊት ናይ ቤት ትምህርቲ ወዲሸሪፈይ ኣብ ጀነቭ እትነጥፍ ማሕበር (ASEE) ወኪላ ዑስማን’ዩ ነይሩ። ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከብ ቦርድ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር (EDA Eritrean Democratic Association) ዘበርክቶ ሓገዝ ንቤት ትምህርቲ ወዲሸሪፈይን መደብ ማዕዶ ወላድን ብዑስማን እዩ ዝመሓደር ነይሩ። ዘይሕለል ጻዕረኛን ብቑዕን ኣመሓዳሪ እዩ ነይሩ። ዑስማን ብቛንቋታት ትግርኛ፡ ዓረብኛን እንግሊዝኛን ከምኣድላይነቱ እናተጠቕመ ምስ ኵሎም ኣብ ድያስፖራ ዝነብሩ መሳርሕቱ ብስካይፕ፣ ኢመይል፣ ተለፎን ይራኸብ። ጸብጻባቱ ድማ ብጽሑፍ፣ ቅጥዕታት፣ ቪድዮን ስእልታትን ናይ ምትሕልላፍ ብቕዓት ዝነበሮ እዩ። ነዚ ኵሉ ድማ ብሓንቲ ኢዱ እዩ ዝገብሮ ነይሩ።
ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ኣብ ከሰላ በቲ ኣብ እዋን መግዛእትን ድሒሩ ቀጺሉ ዘሎ ጭቆናን ካብ ትምህርቶም ተመዛቢሎም ትምህርቶም ብኤርትራዊ ባህሎምን ቋንቍኦምን ዝቕጽልሉ ቤት ትምህርቲ ክምስረትን ከፍርን ክዉን ዝገበሩ ብዙሓት ብህይወት ዝሓለፉን ዘለዉን እዮም። ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዚ ነቶም ቅድሚ ዑስማን ኣገልጊሎም ካብ ዝሓለፉ ጀጋኑ ስዉኣት መምህር ሓድጉ ገብረትንሳኤ፣ መምህር ምኪኤል ጋብርን ኣባ ማሪኖ ሃይለን ንዝክር። እዚ ቤት ትምህርቲ’ዚ ምቛሙን ምቕጻሉን ክረጋገጽ ብዙሕ ጻዕርታትን ክእለትን ተወፋይነትን ዝሓትት ምዃኑ ዘይስሓት’ኳ እንተኾነ፣ ገለ ካብኡ ንምጥቃስ ግን፡ ንቤት ትምህርቲ ዝኸውን ቦታን ናውትን ፣ ብቑዓትን ውፉያትን መማህራን ምርካብ፣ መካየዲ ባጀት፡ ነዚ ክምውሉ ዝኽእሉ ግዱሳት ኤርትራውያን ትካላትን ውልቀ-ሰባትን ከምኡ’ውን ለገስቲ ናይ ወጻኢ ግብረ-ሰናይ ማሕበራትን ረኺብካ ብብቑዕ ሓበሬታ ከተዕግቦም ምኽኣል ወሳኒ ዕማም’ዩ። ምስ ዞባዊ ምምሕዳር ከሰላ ዝካየድ ርኽክባትን ብፍላይ ካብ ተሃላለኽቲ ውድባትን ጸላእትን ንጉዕዞ’ቲ ቤት ትምህርቲ ንምዕንቃፍ ዝፍኖ ምድንጋራት ምክልኻል ከቢድ መኸተን ጽንዓትን ዝሓትት እዩ። ስዉእ መምህር ዑስማን ኣሕመድ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ነቲ ኵሉ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ዕማማት ብብቕዓትን ተወፋይነትን ኣገልጊሉ ሓሊፉ።
እዚ ቤት ትምህርቲ’ዚ ካብ 600 – 800 ተሞሃሮ ካብ ቀዳማይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ን34 ዓመታት ክምህር ዝጸንሐ፣ ብዙሓት ተመሃሮ ኣፍርዩ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ናይ ኮለጃት ቀጺሎም ተመሪቖም ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ተዋፊሮም ዘለዉ ዘፍረየ፡ ከምኡ’ውን መደበር ኣካለ-ጽጉማን ንናይ ሓርነት ስንኩላን መነባብሮን ሕክምናን ተማሊኡ ኣገልግሎቱ ንኽቕጽል ሓልዮትናን ኣገልግሎትናን ክቕጽል ነዘኻኽር። “ተቓላሳይ ይሓልፍ ቃልሲ ግን ይቕጽል” ከምዝብሃል ዝሓለፉ ተቓለስቲ ተኪእና ክንቅጽል ከምዘሎና ሓደራ ዘድልዮ ኣይኰነን።
ሳባ ቀለተ ናብ ከሰላ ብጉዳያ ከይዳ ንስድራ ስዉእ ዑስማን ማለት ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን ረኺባ ጽንዓት ይሃብኩም ብምባል ኵነታቶም’ውን ኣጽኒዓ ስለዝተመልሰት ንተሳተፍቲ ስመር ሩም ተወሳኺ ሓበሬታ ኣቕሪባ። ከምኡ’ውን ኣስገደት ምሕረትኣብ፣ ዋና ጸሓፊት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር ምስ ዑስማን ዝነበራ ናይ ስራሕ ዝምድና መሰረት ብምግባር ተዘክሮታታ ኣካፊላ።
ካብ ብሕቶን መልስን ዝቐረበ ነጥብታት ኣብ’ዚ ዝስዕብ ይጠቓለል፡
- ቅድሚ መስዋእቱ ዝነበሮ ሕማም ከመይ ነይሩ፡ ሕማሙ ናይ ኵሊት ድኻም’ዩ ነይሩ፣ እናበርትዖ መጺኡ ኣብ ምትካእ ኵሊት ከየርከበ ዓሪፉ።
- ንሒዝዎ ዝነበረ ሓላፍነታት መን ይትክኦ፡ እቲ ስራሕ ይቕጽል ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና፡ ኣብ ቦትኡ መን ከምዝተተክአ ግን ዝፈለጥናዮ የለን።
- ነቲ መደበራትን ስድራ ቤቱን ንምርዳእ ብስሙ ፋውንደሽን ተተኺሉ ስርሑ ክጅመርን ክቕጽልን እርኢ፡ እዚ ርእይቶ’ዚ ሕጂ ንመጀመርያ ጊዜ እየ ዝሰምዖ ዘለኹ፣ ብወገነይ ዝድግፎን ዝቕበሎን ሓሳብ’ዩ፣ ኣብ ተግባር ንኽውዕል ግን ብኡ ዝግደሱ መስርሕ ምቛሙ ከበግሱ ስለዝድለ ኣብ ስመር ሩም ክብገስ ዝድገፍ’ዩ። ካብ ተሳተፍቲ ስመር ሩም ተመሃሮ ናይ ዑስማን ዝነበሩ ተዘክሮታቶምን ኣኽብሮቶምን ገሊጾም። ስድራ ቤት ዑስማን ንምርዳእ ምእካብ ወፈያታት ተኻይዱ ኣኼባ ብምምስጋን ተደምዲሙ።
ፍስሃየ ሓጎስ