FORO 12 -- ኣሉባልታታት ተጻዒኑ ዝመጸ ፎሮ 12፡ ማይ ዝሓቖነ ኣልባ ኮይኑ ክተርፍ’ዩ
Thursday, 05 January 2017 09:03 Written by ሪፖርተር ሃይለ መንገሻ ዑቕበህዝቢ ኤርትራ፥ ድሕሪ ናጽነቱ ምጒንጻፍ እውን፥ እቲ ጭቆናን ግፍዕን ካብ ዘይፍለዮ እነሆ 25 ዓመት ኣቚጺሩ። ይኹን እምበር ነዚ ግፍዒ እዚ ካብ ወዲ ሃገር ከምዚ ዝኣመሰለ ክርከብ እዩ ዝብል ሕልና ወይ ሓሳብ ኣይነበሮን። ህዝብና እቲ ቀንዲ ቀዳማይ ዕላማኡ ዝነበረ ሸቶኡ ስለ ዝሃረመ፡ ነታ ብደምሙ ዝረኸባ መሬት ተመሊሱ ከጥፍኣ ስለዘይደሊ፥ ክሳብ ዝሓልፈሉ ኩሉ ክኢሉ ኣጽቂጡ ኣሎ።
ልክዕ እዩ ሕብረተሰብ ኤርትራ ሓደ ዝዓይነቱ ሕብረተሰብ ኣይኮነን። ሓደ ዓይነት ሕብረተሰብ ኣይኹን እምበር ሓንቲ ሃገር መጸውዒት ስሙ ግና ኣላቶ፥ ንሳ ከኣ ኤርትራ ትበሃል ሃገር እያ። እዛ ሃገር እዚኣ እያ ንሱር መሰረቱ ኣተኣሳሲራ ከም ሓደ ሕበረተሰብ ናይ ሓንቲ ሃገር ኣተሓባቢራ ክነብረላ ዘኽእል ባይታ ክትከውን ታሪኽን ቅያን ሰሪሑ ልኡላውነታ ዘውሓሰ።
ኩልና ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ኣባላት ከምዘይኮና ብሩህ ካብ ኮነ፥ እምበኣር፡ ነታ ሃገር ሓደ ዝዓይነቱ ሕበረተሰብ ሰለዘይኮንና ክንጨራርማ ህርዲግ እንተበልና ዘይከውን እዩ። ከመይሲ ኣብ ጉንቦ ኢድና ዘለዋ ኣጻብዕ ናይ ነንበይነን ኣስማት ሒዘን እየን ኣብ ሓንቲ ጉንዲ ናይ ኢድና ጸኒዐን ብሓባር ኢድ ዝብል ስም ወሲደን ብሓባር ዝሰርሓ ዘለዋ። ሓሙሽተኤን ኣጻብዕ ናይ ሓንቲ ኢድና በበይንናባ ኢለን እንተዝኾና መጀመርያ ተፈልየን ኣበይ እየን ክለግባ፥ ካልኣይ ነጥቢ እቲ ሓቢረን ዘፍርይኦ ስራሕከ በየን ኣቢለን እየን ተሰማሚዔን ክፍጽምኦ።
ናይ ሕብረተሰብና ብዙሕነት ከኣ ልክዕ ከምዘን ኣጻብዕትና ኣብ ሓደ ኢድ ለጊበን ዘለዋ ክምሰል ዝኽእል እዩ። ሓደ ዘይዓነቱ ሕብረተሰብከ ሰላምን ፍቕርን ስኒትን ምጽውዋርን ኣለዎዶ ኢልና ምስ እንሓትት ርሑቕ ከይከድና ናይ ህዝቢ ሶማል ከም ኣብነት ክንወስድ ንኽእል። ህዝቢ ሶማል ሓደ ዝዓሌቱ ሓደ ዝሃይማኖቱ ሓደ ዝቋንቁኡ፥ ሓደ ዝባህሉ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ነንሓድሕዱ ድልዱል ምትእስሳር ዘይብሉ ነንሓድሕዱ ዝናቘት ኩይኑ ኣሎ።
ይኹን እምበር ነዚ ብሃይማኖት፡ ብዓሌት ወይ ብብሄር ዝተፈላለየ ሕብረተሰብ ብምርጫኻ ትኣትዎ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ሓደ ኣብ ትውልዲ እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ ስልጣኔን ምዕብልናን ዝተመርኰሰ እዩ ክኽውን። እዚ ብናይ ስልጣነን ምዕብልናን ዝመጽእ፥ ብናይ ገዛእ ርእስና ድርኺት ተደሪኽናን ብስምዒትና እውን ተዋሒጥና ናይዚ ክፍሊ እዚ ኣባል እየ ምባል ምስቲ ትዋሰኦን እትህቦ እወንታዊ ኣስተዋጽኦን ተደማሚሩ እዩ ነቲ ሕብረተሰብ ኣባሉ ዲኻ ኣይኮነካን ተመስክር። በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ኣባልነት ብዓሌት ወይ ኣውራጃ ወይ ብሄር እንተኾይኑ ናይ ደምን ትውልዲ ሓረግን ስለዝኾነ ዝውስኖ ኣብዚ ፈጺምካ ቦታ ከምዘይብልካ ርዱእ እዩ።
እቲ በብዓይነቱን ዝተፈላለየን ሕብረተሰብ እምበኣር ኩለንተናኡ ኣብ ምዕባለን ስልጣነን ክሓስብ ከሎ ነታ ንሱ ዝኣባላ ሕብረትሰብ ወይ ብሄር ወይ ዓሌት ወይ ኣውራጃ ጥራሕ ዝሓስብ ኮይኑ ሓደገኛ ውጽኢት እዩ ክህልዎ። ምኽንያቱ ኣብ ከምዚ ኣተሓሳስባ እዚ እቲ ድርቅና፥ ኣንነትን ስሰዐን ባይታ ዝምድመደሉ ስለዝኾነ፥ ነቲ ኣነ ይፈልጥ፥ ኣነ ዝበልክዎ ይኹን፥ ኣነ ዝሓንጸጽክዎ ይተግበር፥ ብዘይካይ ካልእ የልቦን ናብ ዝብል ጸቢብ ፍትወተ ነፍስኻ፡ ብሄርካ፡ ሃይማኖትካን ቀቢላኻን ቀዳምንት ክትህብ እዩ ዝደፋፍኣካ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከኣ ዝቕይደካ ሕጊ ስለዘይብልካ ዝደለኻዮ ንዝኾነ ይኹን ካብ ቃሕታኻ ተበጊስካ ትስጉም። ንኹሉ ብሓባር ዘርብሕን ዝጠቅምን ሓሳብ ድማ ኣብ ኣእምሮኻ ኣይቅልቀልን። ከምዚ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ከኣ፥ ነቲ ሽግርካ ብሓባር ናይ ፍታሕን መንፈስ ሃሲሱ፥ ንብሄረይ ጥራይ ሒዘ እየ ኣብ ዝደልዮ ክበጽሕ ዝኽእል ኣብ ዝብል ጽበት ትጥሕል እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ነቲ ብሓባር ካበይ ነቒልና ናበይ ክንበጽሕ ዝብል ኣምር ብምዕቡልን ፍትሓዊ ኣተሓሳስባን ነጺግና ብናይ ሃይማኖት ወይ ከኣ ብሄር ወይ እውን ኣውራጃ ኣቢልና ብናይ ገዛእ ርእስና ስምዒት ተመሪሕና ክንበጽሖ ኣይንኽእልን ኢና።
እንታይ ደኣ እዩ ንደቂ ሰባት ዘሰማምዖም ጉዳይ። ደቂ ሰባት ኣብ ሓድሕድ ዝገብርዎ ደጋዊ ርክባት በቲ ካብ ውሽጦም ዝነቅል ኣተሓሳስባ እዩ ዝውሰን። እዚ ደጋውን ውሽጣውን ተግባራዊ ምትእስሳር እዚ ከኣ እዩ እንተስ ክፈላለዩ እንተስ ክሳነዩ ዝገዝኦም። ኣብዚ ከኣ መስርሕ ሓሳብን ተግባርን ሓባራዊ ወይ እውን በይናዊ ክኸውን ይኽእል።
እዚ ኣብ መንጎ ብሰላም ናይ ምንባርን ንሓባራዊ ረብሓ ዘቋመትን ኣብ መንጎ ብህውከትን ፈላለዪን ተነጺልካ ምንባርን ዘሎ ኣተሓሳስባ እዩ። እቲ ንሓባራዊ ዝጠመተ ናይ ባህሊ፡ ሃይማኖትን ፖለቲካን ፍልልይ ብዘየገድስ ኣብ ሓድሕድ ምክብባርን ፍቕርን፥ ኣብ ሓባራዊ ረብሓታት ዝጠመተ እዩ። እዚ ነቲ ኣተሓሳስባናን ተረድኦናን ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ በሰላም ምንባርን ብዓመጽ ከስዕብ ዝኽእል ጉዳያት ብግቡእ ምልላይ ማለት እዩ። እዚ ማለት ቋንቋኻ፥ ሃይማኖትካ፥ ኣውራጃኻ ወይ ብሄርካ ክሓድ ማለት ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ካብ ውሽጥኻ ነቒሉ ዝብገስ ኣተሓሳስባ ንስኻን ካልኦትን ብሓባር ዘናብረኩም ጉዳያት ንምሕሳብን ንምትግባርን ዝሕግዙ ይቕረ ምባልን ሕድገታት ምግባርን ማለት እዩ።
ኩሉ ወዲሰብ ናይ ነንበይኑ ድሌት፡ ሃንቀውታን ትጽቢትን ከምዘለዎ ርዱእ እዩ። ነዚ ድሌታት እዚ ግን በዘን ሰለስተ ዓበይቲ ነጥብታት ምስ ዝግዛእ ኩሉ እቲ ድሌታቱን ጦብላሕታትቱን ከሳለጥ ይኽእል። እዚ ከኣ ንኹሉ ሓቈፍን ኣሳታፍን ኮይኑ፥ ንኹሉ ዝተፈላለየ ባህሊ፡ ሃይማኖትን ካልእን ተቐቢሉ ብዘይኣፈላላይ ዘኽብርን ዘተኣናግድን ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ንምትግባር ድማ መሰል ደቂ ሰባት፥ ዲሞክራሲ፡ ግዝኣተ ሕግን ምኽባርን እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ሃይማኖት፡ ብሄርን ኣውራጃን ኣብ ሕብረተሰብ ከፋፋሊ ጽልዋ እንተሃልይዎ ክውገድ ኣለዎ ዝብል ውሽጣዊ ድሌት፡ ተበግሶን ዕግበትን ክህሉ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ግዴታዊ ተግባር ክኸውን ይግባእ።
ዓለም ስርሓ ትሰርሕ፡ ትሕምበብ፡ ትዘውር፡ ካብ ጸሓይ ትኽወልን ንጸላማ ትድርገምን፡ ተመሊሳ ትኹላዕን ትበርህን። መዓልታት ይቑጸሩ፡ ኣዋርሕ ይሓልፉ፡ እዋናት ይኣተዉን ይውጹን፤ ሕንጭልጫላትን ቀንጠመንጢን’ውን ከክም ዓቕሞም ይቦቕሉን ይሓሩን፤ ይውለዱን ይሞቱን። ህሉዋት ከክም ኣፈጣጥራኦምን ትዕድልቶምን ፈፈትሎም ሒዞም ይወዛወዙ። ኣብዚ ቀጻሊ ውሁብ ጉዕዞ እቶም ንሓጺር ህሞት ንኽህሉዉ ዕድል ዝረኽቡ ገለ ደቂሰብ’ውን፡ ንምንባሮም ዝሕብር ምልክታታት ዓቕሚ ብቕዓቶም ዝድርቶ፡ ድሕሪ እኹል ምድግጋግም ምኽኑይ ዝኾነ መዓቀኒ ግዜ ፈጢሮም። ትማሊ፡ ሎሚ፡ ጽባሕ፡ ዓሚ፡ ሕጂ፡ ንዓመታ ዝብሉ መዓየሪታ ግዜ፡ ሰዓታት፡ ደቓይቕ፡ መዓልታት፡ ኣዋርሕ፡ ዓመታት፡ ዘበናትን መዋዕልን ምሂዞም፡ ንመንባሮምን ዕድመ ሂወቶምን መኸተኡን ንምምዝዛንን ንምዕቃንን ዝዕይሩሉ ግሩም ጥበባት ኮይኑሎም። እዚ ምህዞ’ዚ ግን፡ ነታ ካብ ትማል ኣትሒዛ ዝነበረት፡ ሕጂ ህሉውትን ጽባሕ’ውን እትቕጽልን ዘይሕለላ ተሓምባቢት ዓለምናስ ኣይንታያን’ዮም። ንሳ ዑደታን ዙረታን ንስለ ዕሽነታ ይኹን ጉርሓ ኮደደድ ትብል’ሞ፡ ንሕና’ውን እንኾኖ ኣይንስእንን። ምስዚ ሓቂ’ዚ ዝተዛመደ ህልውናና ብምቅላሕ፡ እቲ ዝተፈላልየ መዓቀኒ ዕድመታትና ከይዘንጋዕኩ፡ እቶም ብሙሉእ ጥዕና ንዓመት 2016 ክትሰግሩ ክኢልኩም ዘሎኹም ኩሉኹም ክብሩ ይስፋሕ ፈጣሪ እንቃዕ ኣብቅዓኩም። ምስቶም ‘ደለይኹን!’ ዝተፈላለየ ሕጽረታት ዘሎኩም ኩሉኹም’ውን ዝሓሸ መጻኢ ዝሰፈኖ ዓመት ይግበረልኩምን ይግበረልናን እንዳበልኩ፡ ንኹሎም ብሞት ተፈልዮሙና ዘሎዉ ፍቑራትና እውን እግዚኣብሔር ብምሕረቱ ኣይፈለዮም እብል።
መርሓባ ዓመት 2017! ዓመት ሰላምን ፍቕርን ምሕረትን ስኒትን ትኹነልና። እወ! ዓለምና ንስለ ዘይቀሪ ባህሪኣ ክትሕንበብ’ያ፣ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ከይደኸመት ዝተፈትለቶ ብዙሕ ብዙሕ መዋዕላት። ቁንጣሮ ዓቕምን ህልዉናን ኣብዛ ድንቂ ዝኾነት ዓለምና ወኒንካስ፡ ኣብ መጨረሽታኡ’ውን ሞትን ምኽዋልን ከምዘሎካ ዘይሰሓት እንክንሱ ንምንታይ እዚ ኹሉ ባኣሲ? ንመንከ ንኽጠቅም? ንመንከ ንኸቕስን? ወዮ ሰናይ ከም ስሙ ሰናይ እንድዩ፣ ንስለ ሰናይነቱን ቅሳነቱን ንሱ ኣጸቢቑ ይበልጽ። ንኽትሃሲ ከይደቀሰካ ከላእ ይተሓደር። እቲ ጥዑምዝጊ ዝተባህለ ዕሉል ኣዝማሪ፡ ንራእሲ ወልደሚካኤል እንታይ’ዩ ኢሉ ኣዝሚሩሎም ዝበሃል? “ምቕታልሲ ለሚዳክዮ ኢኻ፡ ምሕረት ድኣ ልመድ። ንሱ እምበር’ዩ ዘብዝሓልካ ዘመድ።” ብርግጽ ዓቢ ብሂል’ዩ። “ማይ ኣብ ዓይና ኣይትዘረግ።” ይብሉ ኣበዋትና’ሞ፡ ብርግጽ ዓይኒ ሃገር ህዝቢንድ’ዩ፡ ህዝቢ ብዓቕሙ ኣይሰንፍን ግዲ ይኸውን? ግን መራሒኦእ ዝሰነፋ ሃገር እሞ ኣያለይን ኣንተኢሉ ብርግጽ ሃገር ክትሰንፍ ዘይተርፍ’ዩ።
ትስፉው ህዝቢ ሕቡን’ዩ፣ እብ በለካን ለኽዓካን ሕሹኽሹኽን ኣይጽመድን’ዩ። ብተስፋታት ዝተመልአ ውልቀሰብ፡ ጉጅለ፡ ውድብ፡ ይኹን ህዝቢ ንዝንተ ዕለት ዘገድሶ ዕብየት ብምዃኑ፡ እቲ ነዚ ቀንዲ መብጽሒ ዝኸውን መንገዲ ሰላም ምዃኑ ኣይጠፍኦን’ዩ። ሰላም ማለት ሓድነት ራኢን ተግባርን ምርግጋጽ ስለዝኾነ፡ እቲ ዝበቕዐ መን’ዩ እቲ ተፈልዩን ርሒቑን ዘሎ ብምቁማት ናብቲ ሓባራዊ ምኣዲ ክጽንበር ከምዘሎዎ ንምግባር ንምኽኣል ዝኣክል፡ ካብቲ ዘይሰናይን ኣሰልካይን ናይ ሰዓራይ ኩሉ ይወስድ ዝብል ፈራሕን ስንኩፍን ጥበብ ብምልጋስ ጸንባሪ ሓዳኣዊ ህዝባዊ ስልጣን ምፍጣር የድሊ። ብጽልእን ብቕርሕንትን ብህልኽን ዝውርጽጽ ሰናይ የልቦን። ኣይውዕልን። ብርእይቶን ተግባርን ንዝተፈልየካ፡ ንምንታይ ከምኡ ኮይኑ ኣሎ ንኽትፈልጥ ምፍታን ኣካል ቅኑዕ ፍታሕ’ዩ። ንፍሉይነቱ ብምምዕዳው ማእከላይ ፍታሕ ምንዳይ ብርግጽ መንገዲ ስኒት ኮይኑ ብርግጽ’ውን ቅሳነት ጥራሕ’ዩ ውጽኢቱ። ሰናይ ሰላም’ዩ ፋይዳኡ።
እቶም ሓቀኛታት ሰብ ጥበብ ፖሊቲካ ኣዕርዮም ዝፈልጡዎ ጉዳይ፡ ፖልቲካ ንጽልእን ንባእስን ዘይምዃኑ’ዩ። ፖለቲከኛታት፡ 20 ዓመታት ዝኣክል ኣባሎም ኮይኑ ንዝጸንሐ ሰብ፡ ምስቲ ትማል ዝተሓወሰን ከወዳድሩ እንተኾይኖም፡ ብቕዓት ኣባልነት እቲ በዓል ዕስራ ዓመት፡ ግድነት’ዩ በቲ ሓዲሽ ኣባል ክመዝኑ። ጽባሕ ጽባሕ ዘይብርክት ወፍሪ ፖሊቲካ ጽጉም ምዃኑ ዘካትዕ የብሉን። ከምኡ ኣብ ዝኾነሉ እዋን እቲ መስርሕ ክኽለስ፡ ክግምጠል፡ ክድኳዕ መተካእታ ዘይብሉ ጉዳይ’ዩ ክኸውን ዝግባኦ። ግን እዚ እንተዘይተገይሩ ይዕበ ይንኣስ ዓመጽ ምህላዉ ዓቢ ምልክት’ዩ። ኣምበኣርከስ ካብዚ ተረድኦ ዝብገስ ዘሎ ፖሊቲካዊ ሚዛነይ፡ ዓመተ 2017 ከምዚ ዝስዕብ ክኾነይ ምደለኹ፡-
1) ወዮ ደኣ ብጉባኤታትን ስሩዕ ኣኼባታትን ጉዕዙኡ ዘይዕይርን ዘይሕብርን ፖልቲካዊ ውድብ፡ ህዝባዊ ውድብ ክትብሎ ዘይከኣል ኮይኑ እምበር፡ ህግደፍ ብሂወቱ ኔሩ እንተዝህሉስ ገለ ትልኽ መስተውዓልናሉ። ብዝኾነ ኾይኑ ከምቲ “ኣቦኻ ኣብ ዝደቀሱና ንድቅስ።” በለት ሓንቲ ኣደ ዝተባህለ እንድዩ ኮይኑ ደጊም ዘሎ፡ ትም ጥዑም ጥራሕ ኢለ ከይሓልፎ ዘይከኣል ኮነ። እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ እንዳሃለወ ዘገድሰኒ መርበብ ሓበረታ መስከረምን ገለታትን፡ ኮታ ኣብ ዝሓለፈ ዉሑድ ዓመታት ተመሓዛዝዮሞ ዘሎዉን ብዙሓት፡ ብምድግጋም ከትንብህዎ ዝፍትኑ ዘሎዉ ሓሳብ ዳርጋ ምህለላ ኮይኑ’ዩ ዝስመዓኒ። ‘ወዮ ተጸብጺቦምሲ ተነቢቦም ከኣ!’ ዝብል ባጫ ከይወጸኒ እንዳተጠንቀቕኩ፡ ንመንከ ክሕሾ? ከይገደፍኩ፡ ብማዕሪኡ ምምህላል ምምህላሉስ ናብ’ቲ ምህለላ ዝግባኦ ልዑል ፈጣሪየይ ኣተኻኺለ፡ ‘ኣስከ ነዞም ብመን ይፈልጥ ኣብ ደቂ ሰባት ዝምህለሉ ዘሎዉ፡ ጸገሞም ኣይጠፋኣካንዩ’ሞ፡ ደጊም ኣካዊንካ ስምዓዮምን፡ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም’ውን ልቢ ኣዕቢ።’ ብምባል እንተጸለኹ፡ እንተገደደ ገደደ፡ እዞም ምህላውኩም’ውን ዘይፈልጡ ሓያላት ውልቀሰባት ካብ ባህግኹም እንተኣብኮሩኹም፡ ብወገነይ ንዝግባኦ ለመንኩን፡ ጽባሕ’ውን ሓሊፉ ዝድርበለይ ጸሎት እንድዩ’ሞ ይሓግዝናን ይሓግዝኩምን። ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ልቢ ዘሎዎ ወደቦ ግዲ ይፈጥረልና ይኸውን!
2) እቲ ዝዓበየ ጸገም ደቂ-ሰባት መን-ከማይን ነፍሰ-ፍትወትን እንድዩ’ሞ፡ ኤርትራን ሕሉፍን ህሉውን ታሪኻ’ውን ብሰንኪ’ዚ ጸገም’ዚ ኣኺሉ ተሪፉዎ እኖሆ። ‘ማይ ብዓይና ኣይትዘረግ።’ ኮይኑና እንዳሃለወ፡ ‘ኣድጊ ገዲፎም’ሲ ንጠይቂ።’ ከምዝብሉዎ ተወሲኹዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነታ ኣብዛ እዋን’ዚኣ ተሪፋቶ ዝእናሃ እንኮ ክብሪ ዝኽሪ ቃልስን መስዋእትነትን ንምብልሻው፡ ከይሓነኹ ‘ሽፍትነት’ ኣጎዝጒዞም ክዝንጥልዎ ከናሹዉዎን ዝውዕሉን ዝሓድሩን ዘሎዉ ገለ ስሑዋት፡ ደጊም ይኣክል ንዘይትንከፍ ኣይትተንክፉ እንተበልኩ ዝጋገ ዘሎኹ ኣይስመዓንን ዘሎ። ህዝቢ’ውን ካብ ቀንጠ መንጥን ጓል-ነገርን ኣልጊሱ ዓይኒ ንዓይኒ፡ ገጽ ንገጽን፡ ብዘይተጐላባን፡ ይንእሱ ይዕበዩ ምኩሓትን መን ከማና በሃልትን ዝሓንኩሉን ዝደኑሉን ልዕሊ ኩሉ’ውን ልቢ ዝሰኹዑሉን ዓመት 2017 ይግበረልና።
3) ምንዳድን ምቅጻልን ባንዴራ ዝበሃል ሓዲሽ ሃውተታ’ውን ብምድግጋም ኣብ 2016 ተራእዩ’ሎ። ብርግጽ እቲ ተግባር ናይ እንኪሒራን ናይ ካብኡ ኣይሕለፉን’ዩ። ግን ቅንጣብ ትኹን ፖሊቲካዊ መኽሰብ የብሉን። ከምቲ ብምስላ ዝንገር ብሂል “ካብተን ዝዕንድራስ፡ እተን ዓንዲረን ኢለን ዝዕንድራ ይበዝሓ።” ንኽመስል፡ ካብቶም ‘ባንዴራ’ዘንድዱስ፡ እቶም ባንዴራይ ኣንዲዶም ኢሎም ካን ትቕጽል ዘብሉ ክሰምዕን ክርኢን ከሎኹ ‘ዝገደደ!’ እንተበልኩስ፡ ኣየናድድን ግዲ ይኸውን። ምስ ኩሉ ዝሰማምዓሉ ነገር ኣንተሃልዩ ባንደራ ብዋናኣ’ያ ትኽበር። ካብዚ ሓሊፉ ተራ ጨርቂ ካብ ምዃን ኣትበልጸሉ የብላን። ኣሽሓት ኣጭርቕቲ ከንድድ ዝወዓለ፡ ንጁባኡ ሕለዩሉ እምበር፡ ንወያ ናተይ ባንዴራስ ንኽንድድ መን ዝሃቦ ዓቕሚ? ኣቱም ባንዴራና ኣንዲዱዋ እትብሉን እተልቅሱን በጃኻትኩም ባንዲራኹም መምስ ነፍስኹም ኣሎዋ። ይጥዓዩ ኣይጥዓዩ ገዝኦም ዘንድዱስ ኣሎዉ እንድዮም ካብኣቶም መዓስ ክንበልጽ ኮንና። ግን ከምቲ ኣቐዲመ ኢለዮ ዘሎኹ፡ ባንደራኹም ኣብቲ ውሑስ ቦታ ኣንብሩውዋ’ሞ፡ ማንም ሓልፍ መንገዲ ንኸንድዳ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ፍለጡ። ግን ነቶም ምንዳድ ዝምእምኦም፡ ኣጭርቕቲ ቀቀሊሉ ሰብ’ውን ዘንድዱ ኣሎዉ እንድዮም፡ ይኣኽለኩም ይበለና። ተስፋ እገብር’ውን ካብዚ ሕልኩስ ተግባር ወጺእና፡ ኣብ ዓመት 2017 ካብ ኣጭርቕቲ ምንዳድ ናብ ንሃገር ዝጠቅም ክንጽመድ።
4) ካብ ኣምሓራ፡ ትግራይ፡ ሱዳን፡ ሶማል፡ ዓረብ ዘይውለድ ኤርትራዊ፡ ብርግጽ እቲ ጽሩይ ኣፍሪቃዊ ክኸውን ኣሎዎ፡ እዩ ዝብል እቲ ናይ ምሁራን ምህሮ። እሞ እቲ ኣቦሓጎታቱ ኣቐዲሞም ንኤርትራ ዝፈለሱ፡ ነቶም ኣባሕጎታቶም ድሒሮ ዘርከቡ፡ ንሕና ብዓሌትና ካባኻኹም ንብለጽ ክብሉን፡ ብማዕሪኡ’ውን ወዲ/ጓል-ኣባትነት ከቑጽሩ፡ መንነት ክህቡን ክኸልኡን ክፈታትኑ ክትሰምዕ እንከሎኻ፡ መንጸሮር ዝሓዞ ዒንኪላሎ ፖልቲካ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንፋስያ ምኻኑ ይስወጠካ። እሞ’ዚ መሓዛኡ ኣውራጃነትከ ምስ ምንታይ ደኣ ይቑጸር? ብርግጽ ምልኪ ቅድሚ ኣብ ተግባር ምውዓሉ ሓሳብ ስለ ዝኾነ፡ እዞም ነቲ ሰፊሕ ዕድል ክረኽቡ ዘይከኣሉ ዕሸላት መለኽቲ፡ ገለ መላመዲ ዝኾኖም ብዓቕሞም ጽብብ ዝበለ መላመዲ ክልል ክፈጥሩን፡ መን ይፈልጥ መሕኮር ስልጣን እንተጠቐሞም ክፍትኑሉ ዝሓልሙ ኣይክሰኣኑን’ዮም። እምበኣርከስ ከምቲ ቅድሚ 15 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ንኣውራጃነት ከበሳና ኣመልኪተ ገለ ሓንጢጠሉ ንዝነበርኩ ሓሳብ ብምዝካር፡ ምስዚ ኣብ ዓመት 2016 ቁሩብ ሳዕሪሩ ዝጸንሐ ግናይነታት ብምዝካር፡ ኣስከ ገለ ክደግም። ኩልና እንሰማምዓሉ ጉዳት’ዩ እዚ ከበሳታት ኤርትራ መረብ ምላሽ፡ ምድረ ኣግእዚ፡ ምድረ ሓማሴን ይበሃል ምንባሩ። ስለዚ’ውን ካን ብዘይናትካ ኩታ ሸነን እንተዘይኮይኑ፡ ‘ንሕና ሓምሴን እኮ ኢና!’ ዝብል እንተተረኺቡ’ሞ፡ ካብቶም ካልኦት ደቂ ከበሳ(ደቂ ሓማሴን) ብብሉጽነቱ ክምከሓሉ እንተሰሚዕኩም፡ ዕዋኖ በሉዎ። መኽንያቱ ሓማሴን ናይ ኩሉ ከበሳ መጸውዒ’ዩ ዝነበረ፡ ንመን ቀሪቡ ኣንታ ንመን ክርሕቆ? ግን ብማዕሪኡ’ውን ‘ኣከለጉዛይ ይኹን ሰራየ’ ኣልዒሉ ካብ ካላኡ ንላዕሊ ዝበልጽ’የ ኣንዳበለ ፈኽነን ዝብል እንተተረኸበ’ውን በሉዎ፣ ክልቲኣቱ መጸውዕ ፍሉያት ዓሌት ብምዃኑ ብዓለትካ ኮራዕካ እምበር ኣውራጃስ ኢምጰራጦርያዊ መግዛእቲ ጣልያን ዝደኮኖ ክልል እንድዩ’ሞ ምለሰሉ ደኣ በሉዎ። ትፈልጡዶ ሰራየ ምስ ዝተረፉ ኣሕዋቶም ዝፈረዩዎም ኩሎም ‘ደቂ ወረሰናዝጊ’ ይበሃሉ ምንባሮም፡ ብማዕረኡ’ውን ዝበዝሐ ኣብዚ ሕጂ ናይ ሰናዕ ኣውራጃ ኣካለጉዛይን ሓማሴንን ዝነብር ህዝቢ ብዓሌቱ ‘ደቂ ሚናብ’ ይበሃል ምንባሩ። እዚ ክብል ከሎኹ ንቡዙሕ ካብ ካልእ ዓሌታት ዝመበቆሉ ህዝቢ ከበሳ ዘንጊዐ ዘይኮነስ፡ ሰእን ኣፍልጦ ኣብ ዘይምልከቶም መላኺ ሃለውለው ተሸሚሞም ከምቲ ኣብ ‘ሓማሴን’ ኣመልኪተ ኢለዮ ዘሎኹ ብዘይኩታኻ ሸነን ዘይሓምቀሉ የለን’ሞ፡ ሓደራኹም ምዕባይን ምጥርናፍን ይኹነልና እቲ ጥበብ። ስለዚ እዚ ከንቱ ኣውራጃዊ ዘመተ 2016 ደጊም ይኣኽሎ፤ ብርግጽ’ውን ካብ ሃመማ ሓኸለ ምፍታሽን ከንቱነትን’ዩ። ነቶም በዚ ሸንኮለል’ዚ ዝጸመምኩም ኤርትራውያን ተወላዶ ካላኦት ኣውርጃታት’ውን፡ ሓደራኹም ካብዚ መሕመሚ ጉዳይ የድሕንኩም። ምናልባት ተመሳሳሊ ጸገማት እንተሃልዩኩም ንጽባሕ ኣይተቐምጡዎ። ብሓፈሽኡ ግን ክብረት መስዋእትነት ህዝብና ዝቓኒ፡ ንቕድሚት ጥራሕ ዝሰጉም፡ ስሙር ኤርትራዊ ተሞክሮ ዘቃልሕ፡ ሰላምን ቅሳነትን ዕብየትን ዝዓሰሎ ዓመት 2017 ደጊም ይፍጠረልና።
5) መራኸቢ ብዙሓትና ኣሞኳደኣ ኢንተርነት፡ ኣብ ዓለምና ፈጢሩዎ ዘሎ ናህሪ ሓበረታ ንዓለምና ናብ ዘይትፈልጦ ዝነበረት ሓዲሽ ክውንነትን ግጥምያን ኣእትዩዋ ስለ ዘሎ፡ ኤርትራውነትና’ውን ዓቕሚ ንቕሓት ህዝብና ዝመጽዮ ይሕመቕ ይጸብቕ ምትሕቑቛናት ክህሉዎ ግድን’ዩ። ወዮ ደእ መንግስቲ ኤርትራ እንተስ ብሰላ ሕምቀቱ ይኹን ጸረ ናጽነት እንካን ሃባን ኣብ መንጉኡን ህዝቡን ኣብ ንኢንተርነት ኮሕኖ ገይሩዋ ኣሎ’ምበር፡ ምስዚ ዘሎ ሃውተታ ዝንቡዓትሲ ክንደይኮን ከሽግሮ ምከኣለ? ዘየተሓሳስብ ኣይኮነን። እቶም ኮነ ኢሎም ንህዝቢ ኣብ ቤላ-ቤለው ከንብሩዎ ዝመረጹን ጸረ ውዱብ ኩውንነትን ፋሉላውያን ኣብ ዓለምና ፈጢሮሞ ዘሎዉ ምድንጋርን ገልበጥበጥን ነቲ ብዓቕሚ ትምህርቱ ዝሰንኮፈን ሚዛን ዝጎድሎን ብዝያዳ ብበጃ ዘይርጡብ ሓበረታ ገይሮሞ ከምዘሎዉ መጠን፣ ኤርትራውነትና’ውን ከምዓቕሙ ክጻላሎ ዝርከብ ዘሎ እንድዩ፡ ከምቲ ኣቦታት ዝብሉዎ “ሓንካስ ዘውረዮ በዓል ፈረስ ነይመልሶ!” ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ ደጊም ኣብዚ ይግባይ ዘይበሃሎ ሃለወለው ፓልቶክን ካልእን ንዑኡ ዝመስል ክውኒነት ወጺኡ ገጽ ንገጽ ብምርድዳእ ናብ ዝሓሸን ዝበለጸን ዓውደ ቃልሲ ዘሰጋግር ይግበረልና ዓመት 2017.
6) ኣብ መጨረሽታ ከልዕሎ ዝደልዮ ነጥብን ዘይናይመጨረሽታን ግን፡ ብዛዕባ ‘ተቓውሞና’ እዩ። ‘ኣብ መንጎ ክልተ ዒቃ ዝቦቐለት ቆልቃልሲ ንምዋእላ ክትነብዕ ትነብር።’ ከም ዝብሉዎ፡ ብክልተን ሰለስተን ስሕለታት ክትሕርሓር እትነብር ዘላ ብዋንነት ንገሊኦም ጥራሕ ተገዲፋ ትልኽ እትብል ዘላ ተቓውሞ፡ ካን ከም መለቀብታ ጥራሕ ተቖጺራ ምህላዋ የሕዝነካ። ያኢ ሃገርና ጥዒሙዋን ርህዩዋን ያኢ ከም ዘሎ፡ ንቑምነገር ገዲፍካ ኣብ ጓል ነገር ተሸኺልካ ሸንኮለል ምብል ዝገርም’ዩ። ህዝብና ሓሲሙዎ’ሎ፡ ራህዋ ዘምጽኣሉ ዪደሊ። እዚ ዕማም’ዚ ናይ ኩሉ ኣዚሩ ንኽርኢ ብቕዓት ዘሎዎ ሃገራዊ ዕማም’ዩ። እሱ ስለዝኾነ’ዩ እውን ኩሉ ልቢ ዘሎዎ ኤርትራዊ ክቃወም ዝሕተት። ስለዚ’ውን ኤርትራዊ ተቓውሞ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ’ዩ። ዘድምዕ ተቕውሞ እንተዘይሃልዩ ድኽመት ናይ ሓደ ክልተ ጉልባብቦም ዝቐልዑ ወልቀሰባት ይኹን ጉጅለታት ጥራሕ’ዩ ኣየስምዕን። እቲ ፍሽለት ናይ ኩሉ’ዩ። ብቐንዱ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ሉሙስ ምናቱ ክሓብእ ምእንታን፡ ንመዓቀን ጥምዙሕ ህላወኡ ዝጥቀመሉ መስትያት ንምግባሩ፡ ኣይበልክኹምንዶ? ካባይ ዝበልጽ ክትረኽቡ ኣይትሕሰቡ፣ እንዳበለ ዝሕባኣሉ ዘሎ ጸላም በዓቲ ኮይኑሉ ምህላዉ ከተስተውዕል፤ ብማዕረኡ’ውን ከምቲ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ነፍስሔር ስዉእ ስዩም ዕቕባሚካኤል ‘እዚ ተቓውሞ ዝመንግስቶም እውን ኣሎዉ’ዮም’ ብምባል ዘጠመቆም ዘይበልዩ ጃለታት፡ ንሃገርና ዝኸውን ቅንጣብ ትዕየር ረብሓ ዘይገበሩ እንክንሶም፡ ንተቕውሞና ጥራሕ ብምቅዋም፡ ንድኽመታት መንግስቲ ምሕረት ዝሃቡን መተዓረቒ ክገብሩዎ ዝፍትኑ ምስሉያትን ተበለጽትን ኣብ 2017 ኣብ ህዝባዊ ልቦም ተመሊሶም ንህዝቢ ኤርትራ ዝጠቅም ቁምነገር ክገብሩ ክርኢ ምንዮተይን ጸሎተይን ወሰን የብሉን።
ፈጣሪ ሃገርና ይባርኸልና!
ሃይለ ወልዱ።
ሎንዶን።
“ነቲ ጽቡቕ ዝጸበቐ ኣለዎ፡ ነቲ ሕማቕ ዝሓመቐ ኣለዎ” ዝብል ናይ ግጥሚ ሓረግ ኣብ ሓደ ካብ ዜማታት ነፍስሄር ኣብረሃም ኣፈወርቂ ዝርከብ እዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ናይ ጉዳያት ዝምድናውነትን ዘየቋርጽ መስርሕን ዘመላኽት እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ኩሉ ጉዳያት ኣብ ቀጻሊ መስርሕ ዝነብር እምበር ኣብቲ መወዳእታ በጺሑ ተመስገን ኢልካ ዘይትድምድመሉ ምዃኑ ንምርኣይ ዝበሎ እዩ። ቅኑዕ ኣበሃህላ ከኣ እዩ።
ሓደ ጉዳይ ንምስላጥ ወይ ንምዕማም ክትነቅል እንከለኻ “ክበጽሖ ኣለኒ” እትብሎ ሸቶ ምቕማጥ ግቡእ እዩ። ከምኡ እንተዘይገርካ ከምቲ “ዘይሓስብ ኣይንገድ” ዝበሃል ኢኻ ትኸውን። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ድሌት ኩሉ ግዜ ካብቲ ዘለኻዮ ንቕድሚት ዘሰጉም ወይ ዝሓሸ ውጽኢት ዘምጽእ ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። እዚ እቲ መበገሲ ድሌት እዩ። ነዚ መሰረታዊ ድሌት ህያው ንምግባር ወይ ዝተመነኻዮ ውጽኢት ንምምዝጋብ ከኣ ንዓኡ ዝምጥን ምቅርራብ ምግባርን ዓቕሚ ምውህላልን የድሊ። ብቑዕ ምድላውን ዓቕምን ከይሓዝካ ዝትለም ትልሚ ግና ሓሳብ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ምኽንያቱ ኣብቲ መስርሕ ዝሰራሕካዮ እምበር ዝደለኻዮ ኣይኮንካን እትሓፍስ። እዚ ኣብ ኩሉ ህይወት ወዲ ሰብ እንተላይ ኣብዚ ከም ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ ተሰሊፍናሉ ዘለና ፖለቲካዊ ጉዕዞ ቦታ ዘለዎ ሓቂ እዩ።
እቲ ውጽኢት ኩሉ ግዜ ከምቲ ዝተጸበኻዮ ጥራይ ኣይከውንን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ንቕድሚት ክትስጉም እንዳሓለንካ ኣብቲ ዘለኻዮ ጠጠው ምባል ኣሎ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ንቕድሚት እንዳማዕደኻስ ካብቲ ዘለኻዮ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ዕድል’ውን ዕጽዊ ኣይኮነን። ሓደ ሒዝካ ካለኣይ ክትረክብ እንዳ ተመጣጠርካ ናብ ዜሮ ከም ናይ ምምላስ ክሳራ ማለት እዩ። ምስ ኣርእስትና ከነዛምዶ እንከለና፡ ኣብ ዝሓመቐ ኮይንካ ጽቡቕ ከተምጽእ እንዳ ተቓለስካስ ናብ ዝያዳ ዝሓመቐ ከም ምምላስ ማለት እዩ።
ኤርትራውያን ድሕሪ መሪርን ነዊሕን ቃልሲ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኤርትራ ኣውሒስና። እዚ ከምቲ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ኣዝዩ ዓብይ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። እንተኾነ ብዓይኒ ፍትሒ፡ ደሞክራስን ሰላምን ኤርትራን ህዝባን ብዙሕ ስለ ዝበኾሮም ነዚ ዝበኾረ ከነረጋግጽን ሓደ ኢልና ክልተ ንምባልን ኣብ መሪር ናይ ለውጢ ቃልሲ ኣለና። ብኻልእ ኣዘራርባ ንኤርትራን ህዝባን ካብዚ ብሰንኪ ህግደፍ ዘለዉዎ “ጸልሙት ዘበን” ናብ ዝሓሸ ናይ ምስግጋሮም ቃልሲ ነካይድ ኣለና። እዚ ቃልስዚ እውን ከም ዝኾነ ዕማም ንምዕዋቱ ዘተኣማምን ኣዕዋቲ ዓቕምን ድልውነትን የድልዮ። ብመንጽር እዚ ዝሓሸት ኤርትራ ናይ ምርካብ ድሌት ከም ዘለና ዘዛርብ ኣይኮነን። ”ነዚ ድሌትናዚ ዘዕቁብ በዓልቤታውን ወድዓውን ዓቕሚ’ኸ ኣለናዶ?፡ ዝብል ግና ደጋጊምና ክንድህስሶን ክንሓስቦን ዝግበኣና እዩ። ንበዓል ቤታዊ ድኽመትና ብወድዓዊ ጸገማት ኣጐልቢና ከይንሽፍጥ ከኣ ምጥንቓቕከድልየናእዩ። ኣብዚ መዳይዚ ዝጐድሉና መባእታዊ በዓልቤታዊ ብቕዓታት ከም ዘለዉ ንርእዮ ኣለና። ኣብ ክንዲ ኣብ ናእሽቱን ዘይመሰረታውን ጉዳያት ኣብ ዓበይትን እስትራተጅያውን ጉዳያት ዘይምድሃብ፡ ቅድሚ ጉዳይ ሃገር፡ ጉዳይ ውልቅን ጉጅለን ምቕዳም፡ ጉዳይ ንምዕራይ ከካብ ነብስኻ ዘይምጅማር፡ ኣብ ክንዲ ምጽውዋር ምትህልላኽ ምቕዳም…ወዘተ ኩሎም ዓበይቲ ጉድለታት ከም ዘለዉና ዘመላኽቱ እዮም። እሞ ድማ ንጋገ ምህላውና እንዳተረዳእና ኣብ ክንዲ ጠጠው ኢልካ ኣስተንቲንካ ምእራም፡ በቲ ግጉይ ንቕጽል ምህላውና። ነቲ “ገ-ክብሉኻዶ ትጋገ” ዝብል ምስላኳ ከነስተማቕሮ ኣይበቓዕናን።
ሎሚ ካብዚ ዘላቶ ኣዝያ ዝሓሸት ኤርትራ ንምህናጽ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ወይ ኣብቲ ዘለናዮ ከነኹድድ ወይ ድማ ንድሕሪት ክንምለስ ዝድርኹ ምልክታት ሓሓሊፎም ከም ዝረኣዩ ተዓዚብና እንስከፍ ብዙሓት ኢና። ክትከስብ ወፊርካስ ብኽሳራ ከም ምምላስ እዩ። እቶም ካብዚ ሕማቕ ናብቲ ዝሓመቐ ክመልሱና ውጥምቅልቅል ዝብሉ፡ ንቃልስና ምእቲ ናጽነት ናብ ሽፍትነት ክወስዱ፡ ንጀጋኑ ስዉኣትና ብናይ ከንቱ ሞት ክገልጹ ዝደናደኑ፡ ብዓብይኡ ንልኡላውነትና ኣብ ምልክት ሕቶ ከእትዉ ድንዕምንዕ ዝብሉ ብፖለቲካዝጠፈሹ ናይዚ ኣብነት እዮም። እንተኾነ ከይዕወቱ ዕደ። ጻዕርናን ቃልስናን ክኸውን ዝግበኦ ግና ንሳቶም ከምዘይዕወቱ ምግባር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንሕና እቶም ኤርትራ ኣብ ርእሲ’ቲ ልኡላውነታ ፍትሒ፡ ደሞራስን ማዕርነትን ክትድርብ ንቃለስ ዘለና ከም እንዕወት ምግባር እዩ። ካብቲ ጽቡቕ ናብቲ ዝጸበቐ፡ ማለት ካብ ልኡላዊት ናብ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ክንሰግር ምብቃዕ።
መደባት ኣብ መፈለምታ ናይ ሓደ ናይ ግዜ መዕቀኒ ምጅማር ዝተመደ እዩ። ኣብ መዓልቲ ክትሰርሖ ዝመደብካዮ ንግሆ፡ ኣብ ወርሒ ክትሰርሖ ዝመደብካዮ ባሕቲ፡ ኣብ ዓመት ክትሰርሖ ዝመደብካዮ ድማ ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ሰሙን ምጅማር ዝተለምደ እዩ። ዙሓት ውልቀሰባትኳ ሓደ ዓመት ሓሊፉ ሓድሽ ዓመት ክጅምሩ እንከለዉ ኣብ ህይወቶም ምስግጋር ከርእዩ ይውጥኑ። ንኣብነት ካብ ሓደ ዓይነት ወልፊ ክወጹ። በዚ ዝዕወቱ ከኣ ብዙሓት እዮም። ንሕና ከኣ ነዚ ንኣትዎ ዘለና ሓድሽ ዓመት ሃየ ብከምዚ ዓይነት ዝትግበር ኣዕዋቲ ውጥን ነሰንዮ። ቃልስና ካብ ንድሕሪት ምምላስን ደውታን ወጺኡ ንቕድሚት ከም ዝሓንን ናይ ምግባሩ ልባዊ ሕልና ንስነቕ። መጻኢ ሓድሽ ዓመት ከኣ “ካብ ሕማቕ ናብ ጽቡቕ ወጺእና” ኢልና ነዘንትወላ ከም እኸውን ንግበር።
ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ካልኦት ህዝብታት ዓለም እንተስ ካብ ባህሊ ዝወረስዎ ይኹን ወይ ካብ ሃይማኖታዊ እምነቶም ተበጊሶም ኣብ በዓላት ናይ እንቋዕ ኣብጻሓኩምን ሰናይ ምንዮትን ስምዒቶም ይገልጹ። እዚ ናይ ሰናይ ምንዮትን ጽቡቕ ድሌትን ኣብ ኩሉ ዓመት መጸ ዝግበር በዓላት ገሊኡ ብካርቶሊና፥ ገሊኡ ብሂያባት፥ ገሊኡ ከኣ ገዛ ገዛ ብምኻድ እንቋዕ ኣሓጎሰኩምን ኣብጸሓኩምን ብምባል ይቕረ ይቕረ እውን ይበሃሃሉ።
ኣብ ሃይማኖት ክርስትና ይኹን እስልምና ከምኡ’ውን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ብገለ መልክዑ እኳ ቅሩብ ይፈላለ እንተኾነ እቲ ሰናይ ድሌትን ምንዮትንሲ ሓደ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሃይማኖት ክርስትና ነቲ ድኻ ዝኾነ ሰብ፡ በቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ “የማነይቲ ኢድካ እትገብሮ ጸጋመይቲ ኢድካ ኣይትፍለጦ” ዝብል መሰረት ሓቢኦም እንተስ ገንዘብ እንተስ ካብቲ ዝተሓርደ ይመቕልዎ። ኣብ ሃይማኖት እስልምና ከኣ ብግልጺ የብጽሕሉ። ገዛ ገዛ ከይዶም ከኣ ሰላምታን ይቕረ ይቕረን ይበሃሃሉ። ኣብ ክርስትና እውን ከምኡ ኮይኑ ናብ ጐረባብትኻን ቀረብካን ቤተሰብካን ከይዶም ሰናይ ይምነዩን ይቕረ ይበሃሃሉ።
እቲ ፍልልይ ዘሎ ኣብ ክርስትና ሃይማኖት ንመስተ ከም ስዋ ናይ ምጽማቚ ክግበር ከሎ ኣብ እስልምና ሃይማኖት ግና ካረመላን፥ ብስኮትን ቢቢታ ወይ ከኣ ዘየስክር መስተ እዮም ዘቕርቡ። እዚ ኮይኑ እቲ ግና እቲ ናይ ጽቡቕ ምንዮትን “ንዓመታ ከኣ ከምዛ እዋን” እናበልካን ምኻድ ኣብ ኩሉ ሃይማኖታት ዘሎ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሂንዱይዝም ናይ ብርሃን፥ ናይ ይቕረ ይቕረ ምባልን በዓላት ኣለዎም። ኣብቲ ናይ ብርሃን በዓላት ዓወት ብርሃን ኣብ ልዕሊ ጸልማት፥ ፍልጠት ኣብ ልዕሊ ድንቊርና፥ ተስፋ ኣብ ልዕሊ ቀቢጸ ተስፋ ዘመልክት እዩ። ኣብቲ ናይ ይቕረ ይቕረ በዓላት ከኣ ነንሓድሕዶም ይቕረታ ዝሓቱን ይቕረ ዝብሉሉን መዓልቲ እዩ። ኣብዚ ኩሉ ዘለዎም ብልቢ ኢዮም ይቕር ይቅረ ዝበሃሃሉ። ዋላ ንዓመታት ተጻሊኦም ዝነበሩ ይቕረ ይበሃሉ።
እዚ ኩሉ ኣብ ነንሓድሕድና እንፍጽሞ ናይ ጽቡቕ ምንዮትን ሰናይ ድሌትን ነታ በዓል ጥራሕ ዲያ ወይ ቀጻልነት ኣለዋ ኢልና ምስ እንሓትት ግና ቀጻልነት የብሉን ኣብ ዝብል ነጥቢ ኢና ንበጽሕ። ምኽንያቱ ወዲ ሰብ ብባህርያቱ ናይ ስሰዐን፥ ናይ ጸብለልነትን፥ ናይ መን ከማይን ይዕብልሎ ስለዝኾነ ተቐላጢፉ ኣብ ናይ ዓለማዊ ፍትወተ ነፍሲ ገጹ ስለዘድህብ እዩ። እቲ ኩሉ ምንዮትን ሰናይ ድሌትን ካብ ልቢ ዘይነቅል እንተኾይኑ ከኣ ነታ ሸዓ መዓልቲ እምበር ንብድሕሪኣ ዘሎ ግዜስ ተመሊስካ ናብ ጭቃ ዝዓይነቱ እዩ ዝጐዓዝ።
ሎሚ፥ ኣብ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ እንታይ እዩ ዘሕጉሶ፥ እንታይ እዩኸ ዝፈላልዮ፥ ኣብ ምንቲ ምንታይ እዩኸ እዚ ኹሉ ሕጊግ ዝበሃልን ህልቂት ናይ ደቂ ሰባት ዝረኣየሉ ዘሎ? ስለምንታይ ከምታ ኣብቲ በዓላት ይቕረ ይቅረ እንበሃሃሎ ኣብዚ ናይ ህልቂት ሕድገታት ገርና ህዝቢ ሰላም ዝነብረሉ ዘይንሓስብ። ኩሉ እቲ ዝግበር ዘሎ እምበኣር ናይ ሃይማኖት ይኹን ናይ ብሄር ናይ ኣውራጃ ምትእኽኻብ ናይ ሸቐጥን ናይ ሃብቲ ምድላብን እንተዘይኮይኑ ብርግጽ ነቲ ሃይማኖት ዝደልዮን፥ እቲ ብፖለቲካ ከተግብሮ ዝጽዕርን እዝኒ ከምዘይንህቦ ኢዩ ዘመልክተልና። ስለዚ ነዛ ዝሓለፈት ዓመት እንታይ እንታይ ኣጒዲልና እንታይ እወንታዊ ጉዳያትከ ፈጺምና እንታይከ ተሪፉና ኣብ ዝብል ነጥቢ ኣቲና ክንፍትሻ የድሊየና። ነፍሲ ወከፍና “በቲ ዓመት መጸ ኣብ በዓላት ዝምነዮ ዲየ ዝጎዓዝ ዘለኹ ወይ ከኣ ኣፍኣዊ እዩ” ኢልና ንነፍስና ክንሓትትን ክንመራመርን የድሊ። ብድሕሪኡ ነታ ትመጽእ ዓመት 2017ከ ካብቲ ናይ ቅድሚኣ ዝነበረት ዓመት ዘጒደልናዮን፥ ንሓበራዊ ልዕሊ ውልቃዊ ረብሓታት ጠሚትና ዝተሓቛቚፈናን ዝጠራንፈናን ተግባራትን ትልምታትን ክንሓስብ ዲና ወይ ተሓጺብካ ናብ ጭቃ ከም ዝበሃል ኢና ክንከውን።
እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓድሕድ ምቅንጻልን፥ ሓድሕድ ዝፈላሊ ምትላምን ብምዃኑ፥ ጽቡቕ ምንዮት ወይ ጽቡቕ ድሌት ናይ ዝተመነኻ ዋጋ የብሉን። እቲ ዝበሃል ጽቡቕ ቃል ናይ ተግባር ክኸውን ካብ ዘይከኣለ ከኣ ንሓዋሩ እቲ ሰናይ ልምድናን ባህልናን ኣፋኣዊ እምበር ካብ ልቢ ነቒሉ ዝትግበር ከምዘይከውን እውን ይእምተልና ኣሎ።
ዓለም ትናወጽ ከምዘላ እናተዓዘብና፥ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዘይደልዮ ኣገባብ ክናቘት እናሓንጸጽና፥ ጽልእን ቅርሕንትን ብዝዕድም ሓሳባት እናተመራሕና በየን ኣቢላ እያ ደኣ እሞ እታ ዓመት 2017 ከምቲ እንደልዮን እንምነዮን ጽቡቕ ክትኮነልና። በሉ እስከ ኣምላኽ ባዕሉ ይተዓረቐና ግብርና። ንዓመተ 2017 ከኣ ናብ ዝሓሸ ኩነታት ክንልውጣ የብቀዓና።
ርሑስ ልደትን በዓል ሓዲሽ ዓመትን
ኣብ ስዊስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ንማእከል ኣካለ-ጽጉማን ከሰላ ሓገዝ ኣወፊዮም
Monday, 26 December 2016 22:57 Written by ካብ ተኻፈልቲ ምስዮትኣብ ከተማ ሎዛን (ሃገረ ስዊስ) ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዕለት 3 ታሕሳስ 2016 ሓደ ዕዉት ምስዮት ብምድላው፡ ነቶም ኣብ "ማእከል ኣካለ-ጽጉማን ከሰላ" ንዝርከቡ ኤርትራውያን ዝኸውን ሓገዝ ኣዋጺኦም። ካብቲ ጠቕላላ እተኣከበ ገንዘብ፡ 2,000 ዶላር ነቶም ኣብ መደበር ኣካለ-ጽጉማን ዘሎዉ ክኸውን፡ ዝተረፈ 300 ዶላር ከኣ ንሕዝንቲ ስድራ-ቤት ስዉእ ዑስማን ኣሕመድ ከም ዝበጽሕ ጌይሮም ኣሎዉ። ስዉእ ዑስማን ኣሕመድ፡ ነቲ መደበር ኣካለ-ጽጉማን ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ከገልግሎ ድሕሪ ምጽናዕ፡ ብዝሓለፈ 26 መስከረም 2016 ካብ ብጾቱ ኣካለ-ጽግማን ብሞት ተፈልዩ።
ኣብቲ ኣብነታዊ ናይ ሓገዝ ምእካብ ምስዮት፡ ቀዳማይ ወለዶ ኤርትራውያንን መንእሰይ ወለዶን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ይኹን ሲቪካዊ ውደባዊ ፍልልያት ጥሒሶም፡ 'ተቓወምትን ደገፍትን' ከይተበሃሃሉ ኤርትራውያን ብሓደ ኢድ ንደገፍ ውጹዓት ደቂ ሃገር ኢሎም ብሓደ ዝሰርሑሉን ዘምሰዩሉን መደብ ነይሩ። ሓደ ካብ ተኻፈልቲ ምስዮት ከም ዝበሎ፡ "ኲላትና ካባና ንዝጽበዩ ኣካላትና ብዘይ ኣፈላላይ ክንሕግዝ ከሎና ኲርዓት ክስምዓና ይግባእ። ብዘይ ኣፈላላይ ፖለቲካ ክንሕግዞም ከኣ ግዱዳት ኢና" ክብል ገሊጽዎ።

ምስዮት ሎዛን
ኣባላት ሽማግለ ምስዮት፡ ብፍሕሹው ተሳታፍነት ነባሮ ሎዛንን ከባብን ሕጉሳት ከም ዝኾኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ መጻኢ እውን ነዚ ናይ ግብረ-ሰናይ ስራሕ ክቕጽልዎ ተተባቢዖም ከም ዘሎዉ ገሊጾም። ገለ ኣብ ከተማ ሎዛን ዝቕመጡ ደቂ ሃገር፡ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዞም ንመደበር ኣካለ-ጽጉማን ብኣድራሻ ሓው ተስፋይ ተኽልዝጊ፡ ፕረሲደንት ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን፡ ኣቢሎም ውልቃዊ ሓገዛቶም ይልእኩ ምንባሮም እውን ዝዝከር ኢዩ።

ከም ዝፍለጥ፡ እቲ ኣብ ከሰላ ዝርከብ መደበር ኣካለ-ጽጉማን፡ ብውልቃዊ ልግሲ ደቂ ሃገርን ተሓባበርቶምን ደገፍ ዝጽበ ትካል ኢዩ። ኣብ ብዙሕ ከተማታት ዓለም፡ ነቲ ካብ ዝቐውም ልዕሊ 35 ዓመት ዘሎዎ መደበር ዝኸውን ሓገዝ ክእከብ ጸኒሑ ኣሎ። ንኣብነት በዛ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ዕለት (3 ታሕሳስ) እውን ብሓልዮት ኣብ ከባቢ ፍራንክፎርት ዝርከባ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ናይ ድራር ምሸት ተዳልዩ 1,400 ኤውሮ ከም እተኣከበ ተሓቢሩ ኣሎ።
ብሓፈሻዊ ኣገላልጻ ብፍላይ ኣብ ኣውንታዊ መዳይ “ብዝሒ” ተሃራፋይ እዩ። ኣብቲ ኣሉታዊ መዳይ ከኣ ብኣንጻሩ እዩ። ብዙሕ ፈታዊ ወይ ብዙሕ ነገራዊ ሃብቲ ክህልወካ ዝድገፍን ዝህረፍን እዩ። ብዙሕ ጸላእን ዕዳን ክህልወካ ግና ዘይድለን ዘይበሃግን እዩ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ብዝሕን ብቕዓትን ምውድዳር ዝተለምደ እዩ። ገሊኡ ንብዝሒ የቐድም። ገሊኡ ድማ ብብቕዓት ይግደስ። እቶም ንብቕዓት ዘቐድሙ “ውሑድን ጽፉፍን” ዝብል ኣበሃህላ የዘውትሩ። እቶም ኣምለኽቲ ብዙሒ ድማ “ብቕዓት ካብ ብዝሒ እዩ ዝርከብ” ዝብል ኣበሃህላ ኣለዎም። ኣጠቓሊልካ ክምዘን እንከሎ እምበኣር፡ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ብውጽኢት እዩ ዝምዘን። እቲ ብቑዕ ቁጽሩ ብዘየገድስ ኣብቲ ዝተሰለፈሉ ዘዕግብ ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተለሞ ሸቶ ውጽኢት ዘመዝግብ እዩ።
ንሕና ኤርትራውያን ቁጽርና ናይ መወዳእታ ዉሑድ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ምስ ብዙሕ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት ኣይንምደብን ኢና። ሕሉፍ ተመኩሮና ክድህሰስ እንከሎ ግና፡ ውሑዳት ክንስና ብዙሓት’ውን ክፍጽምዎ ኢልካ ምግማቱ ዘጸግም መስተንክር ኣመዝጊብና ንብዙሓት ኣብነት ክንከውን ክኢልና ኢና። እዚ ተመኩሮና ናይ ብቕዓት ልዕልና ኣብ ልዕሊ ብዝሒ ዝተመስከረሉ ተመኩሮ እዩ። ውሑዳት ክንስና ብቑዓት ዝኾናሉ ምስጢር ንብዙሓት የጨንቖም ከም ዝነበረ ንፈልጥ ኢና። እዚ ምስጢር ነዓና ንዋናታቱ ግና ብሩህ ስለ ዝኾና እምብዛ ኣይምስጠረናን’ዩ። ቀንዲ ምስጢር ተዓዋትነትና ጽንዓትናን ሓድነትና እዩ ንብል ዝነበረና ድማ ካብዚ ነቒልና ኢና። እዚ ጽንዓትን ሓድነትን ነዓና ኤርትራውያን እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ፈሊኻ ዘይርአ ነይሩ። ሕጂ እውን እዩ። ሓድነት ሃልዩካ ነቲ ከተዕውቶ ዝግበኣካ ዘተግብር ጽንዓት እንተዘየብልካ ኣብቲ ዝደለኻዮ ኣይትበጽሕን። ጽንዓት ሃልዩካ ብሓባር እንተዘይወፊርካ እውን ከምኡ።
ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና ናይ ዝነበረና ብቓዓት ልዑል መግለጺ ጽንዓት ካብ ብዙሓት እዩ። እዚ ጽንዓት ከኣ ብህያብ ዝተዋህበና ዘይኮነስ፡ ሳላ ዕጥቅና ዝገበርናዮ ምጽውዋር፡ ምክእኣልን ኣብ ክንዲ ኣብ ናእሽቱ ጉዳያት ምኹዳድ ናብ ቀንዲ ጉዳያት ምቁማት ስለ ዘዘውተርና እዩ። እዚ ኩሉ ክንዲ ናጽነት ዝኣክል መሰረታዊ ጉዳይ ካብ ምንጋጋ ሱር ዝሰደዱ ገዛእቲ መዝሒቕካናይ ምውጻእ መስተንክር ክንሰርሕ እንከለና፡ ብዙሕነትና ግርማናን ስልማትናን እዩ ነይሩ። ብዙሓት ክንስኻ ኣብቲ ሓደ ክትኮነሉ ዝግበኣካ ሓደ ምዃን ክሳብ ክንደይ ኣዕዋቲ ምዃኑ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና ርኢናዮ ኢና። ትሕቲ ሃገራውነት ንዝስርዑ ሃይማኖታዊ፡ ከባብያውን ዓሌታውን ስምዒታትና ከኣ ነቲ ሃገራዊ ጉዳይና ብዘይዕንቅፍ መንገዲ ቀጺዕናዮም ኢና። ዋጋ ከኣ ከፊልናሉ። ኣብ ሓደ ጉድጓድ “ናጽነት ወይ ሞት/ዓወትንሓፋሽ” እንዳጨራሕና፡ ብናይ ሓባር ሃገራዊ ጸሎት ተቐቢርና። ኣብ ሓደ መኣዲ ብሃገራዊ ባርኾት ተመጊብና። ከምኡ ምግባርና ከኣ ዘሕብንን ዘነይትን እምበር ዘሕፍር ኣይነበረን ሕጂ እውን ኣይኮነን።
ሕጂ እውን እቲ ኣገባብ ደኣ ይቀየር እምበር፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ኢና ዘለና። እኳደኣ ኣብ ዝመረረን ዝተሓላለኸን ቃልሲ። እዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ነቲ ናይ ቅድም መበቆል ጽንዓትናን ዓወትናን ዝነበረ ዓቕሚ ዝያዳ እነሕይለሉ እምበር፡ ንድሕሪት ንምለሰሉ ኣይኮነን። እቲ ቅድም ምእንቲ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ከነዕውት፡ ትሕቲ እዚ ንዝኾኡ ስምዒታትና ነዕግሰሉ ዝነበርና ጹረትን ሕድገትን ዝያዳ ኣብ ከነሕይለሉ ዝግበኣና እምበር፡ ናብ ታሕቲ ወሪድና ቅድሚ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ብንኡሳን ዘይእዋናዊ ጉዳያት ዝያዳ እንግደሰሉ ክኸውን ኣይግባእን። ብመሰረቱ ክንመዝኖ እንከለናኸ፡ ኣብ ሓደ ናይ ቃልሲ መዋእል ንዘዕወተካ ተመኩሮ መሊስካ ምስ ህልዊ ኩነታት ኣሳኒኻ ከተሕይሎ እምበር ክትዓጽፎዶ ይግባእ እዩ?
ሳላ እምነታትና ኣብቲ ዘዝተመደበሎም ቅዱስ ቦታ ደሪትና፡ ኣብ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ብሓባር ዝዓሰልና ተዓዊትና። እሞ ሕጂ ግልብጥሽ ኣተሓሕዛ ክንፈጥር ንደናደነሉ ምኽንያት ደኣ እንታይ እዩ? ኣብ ኩሉቲ ካልእ ስምዒታት እውን ከምኡ።ከምቲ ሓሓሊፉ ዝንጸባረቕ ነዚ እንተዘይበቒዕናዮ ግና ከምቲ “ንድሕሪት ከም ሽንቲ ገመል” ዝበሃል እዩ ክኸውን። ኣብ ክንዲ ከምቲ ወለድና “ልብን ሳዕርን እንዳሓደረ ይበቁል” ዝበልዎ፡ ኣብ ኩሉ ኣውንታ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝነበረና ክንድልብ ክንጽዕር እዩ ዝግበኣና። ብዙሓት ኤርትራውያን ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ምህላውና መርኣያ “ናይ ምውዳብ ናጽነትና እዩ” እንዳበልና ከምቲ ብዝሕና ተዘይኣድሚዕና ግና “ብዙሓትን ጥምዙሓትን” ኢና ክንበሃል።
ኣብቲ ዝሓለፈን ዘሎን ሰንሰለታዊ ቃልሲ ኩሎም ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ንምድኻም ይኽተልዎ ካብ ዝነበሩን ዘለዉን ሜላታት ሓደ ምምብታን ሓድነቱ እዩ። ምኽንያቱ ሓድነቱ ሕመረት ጽንዓቱን ተዓዋትነቱን ምዃና ስለ ዝኣምኑ። ንሕና ከይንሰዓር ከኣ ኣብ ሓድነትና ቀዳድ ከይንፈጥር ክንጥንቀቕ ናይ ግድን ነይሩን እዩን። ቅድሚ ሕጂ ሳላ ሓድነትና ከፍርሱ ንዝደልዩ ገጽ ዘይሃብና ተዓዊትና። ንሳቶም ድማ ተሳዒሮም። ሎሚ ግና ሓድነትና ከፍርስ ንዝደሊ ሓይሊ ንጠዓዓመሉ ከይንህሉ ሃየ ንጠንቀቕ። ጸላእትና ጸላላእቲ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር ኣክይኮነንዶ ነቓዕ ረኺቦም ነቃዕ ክፈጥሩ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ እዮም።
ርሑስ በዓል ልደትን ሕጉስ ሓድሽ ዓመትን
መለኽቲ ስርዓታት መናውሒ ዕድመ ስልጣኖም ዝጥቀምሉ ሜላታት ንህዝቢ ብቀቢላ፥ ብሃይማኖትን ካልእ ስምዒታታን ከምዘይተኣማመን ብምግባር እዩ። ስርዓት ኢሳያስ ናይ ሃይማኖት ይኹን ናይ ቀቢላ እንዶ ስለዘይብሉ ኣብኡ ጥራይ ኣየድህብን እዩ። እቲ ቀንዲ ነጥቢ ህዝቢ ይጭቆን ከምዘሎ ክሳብ ዘይፈለጠ ኣሜን ኢሉ ስለ ዝግዛእ ሓደ ካብቲ ናይ ስልጣን መናዊሕ እዩ።
ይኹን እምበር መለኽቲ ስርዓታት ንሽግራት ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብን ፍትሓዊ መሰረትን ምፍታሕ ስለዘይክእሉ ኣብ መወዳእታ ጥፍኣቶም እዮም ዝዕድሙ። ኣብቲ ናብ ምውዳቕ ዝቀራረበሉ ከኣ ነታ ሃገር ክሕምስዋን ነቲ ህዝቢ ከምዘይቀስንን ኣብ ነንሓድሕዱ ምእንቲ ክመናጨትን ብኽቱር ይጽዕሩ። ስርዓት ኢሳያስ ካብቶም ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሎም ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም።
እቲ ቀንዲ መሳርሒ ፕሮፓጋንዳውን ስለያውን ስርሒት ምክያድ እዩ። ፕሮፓጋንዳ ከካየድ እንከሎ እቲ ወግሐ ጸበሐ ብሓሶት፡ ጥበራን ዘይትግበር ተስፋን ከኸውን ከሎ፡ እቲ ካልእ ከኣ ናይ ዶብ ምስምስን ንዝቃወምዎ ኣካላት ከም ጸረ ሃገር፥ ወይጦታትን መጋበርያታትን ጸላእቲ እናምሰለ ከናሹን ከነኣእስን ህርድግ ይብል። ከምኡ እውን ንድኽመታቱን ንሰይጣናዊ ተግባራቱን ክሽፍን፡ ኣመሪካዶ ምዕራብዶ ኣንጻርና ኣሽርዮም፡ ነዛ ሃገር ከዕንውዋን ንኸይትብልጽግ ይጽዕሩን ኣለዉ ክብል ከይሓፈረ ይዛረብ። ወዮ ነታ ሃገርን ህዝብን ዝድህኽ፡ ዝኣስርን ዝቐትልን ኩሉ ቁጠባ ኣብ ቁጽጽሩ ኣእትዩ ፖለቲካዊ ናጽነት ከሊኡ ዝሕምሳ ዘሎ ንኸዘንግዕ ናብ ካልኦት ኢዱ የወጣውጥ። ብተወሳኺ ንሱ ከም ናይታ ሃገር ሓላይን ብዘይካኡ ካልእ ሰብ ክኢላ ወይ እውን ዘመሓድር ከምዘየለን ኣምሲሉ በቶም ንሱ ዝጸፈዮም ኣቢሉ ኣብ ህዝቢ ይዝርግሕ።
እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ብደረጃ ተራን ሰብ መዝን፥ ኣብ መንግስታውን፡ በርጌሳውን ስራሓት ዝተዋፈሩን፥ ውሑዳት ሰብ ጹሩራን ከምኡ እውን ኣብ ዙርያ እቲ መላኺ ስርዓት ንከብዶም ዝተሸጡን ኣሰሊፉ እዩ ኩሉ እቲ ናይ ምፍርራሕ ይኹን፥ ናይ ምጽንጻን ስረሓት ዘካይድ። ካልኦት ወጻኢ ካብ ኤርትራ ኮይኖም፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝፍጸም በደልን ክፋእን ንይምሰል ኣብ መርበብ ሓበረታኦም ብምስፋር ነቲ ዝተረፈ ግና፡ ነቲ ስርዓት ዘመጉስን ንሱ ዝግበሮ ጭቆና ዘይግደሱሉ ናይ ሓበረታ መርበብ እውን ኣለውዎ። ነቲ ብዝወሃቦ ራብሓ ክተሓዝ ዝግበኦ ከኣ መሬት ክውንን ዓዲ በጺሑ ንኽምለስ ዝደሊ፥ ካልእ ኣብ ውሽጢ ሃገር ገለ ሓለፋ እንተረኸበ ጭንን ንዝብል ከኣ “መንግስትና’ ዝብሉ ስሱዓት ቀንዲ መሳሪሒ እዮም።
እዚኦም ዓዲ በጺሖም ነናብቲ ዕቑባ ሓቲቶም ዝተፈቕደሎም ሃገር ምስ ተመልሱ ኣብ ዓዲ ዘሎ ርእዮም ዘስካሕክሕ ምዃኑ መዚኖም ንብዓት ሓርገጽ ይነብዑ። እዚኦም ነቶም ምስ ተቓወምቲ ክራኽቡ እንከለዉ “ዓድናስ ሕማቕ ኣላ፥ ህዝብናስ ተሳቕዩ፥ ብገዛእ ገንዘቡ ካብ ኩሉ ተኸልኪሉ .. ወዘተ” እናበሉ የውርዩ። ንገዛእ ርእሶም ቁሩብ መሰል ክረኽቡ እንከለዉ ከኣ፡ ክላእ እንታይ ኢልካሉ ኢኻ ዓዲ ደኣ ልምዓት ንልምዓት እኮ ገይርዋ እዚ ሰብኣይ” ክብሉ ይስምዑ። ስለዚ ሕልና ዘይብሎም ሰባት ስለዝኾኑ ነቲ ስርዓት ንምግልጋል ላዕልን ታሕትን ካብ ምባል ዓዲ ኣይውዕሉን።
ነዚ ዘራጉድ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ወዮ ቅድሚ ሎሚ “ዲሞክራሲ መበኣሲ፥ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝፈላሊ’ዪ፥ ኣብይ ዘሎ ዲሞክራሲ” እናበለ ከምዘይገዓረን እተን ዲሞክራሲ እናበላ ዝልፍልፋ እኳ ኣየተግበረኦን” ዝበሃል ዝነበረ ተረሲዑን መርበብ መስከረም ቅድም ከምዘይሰምዐ ሎሚ “ዕዉር እንታይ ትደሊ ብርሃን፥ ህዝቢከ እንታይ ይደሊ ቅዋም” ክብል ተዓዚብና።’ እዚ ከኣ ቃልሲ ህዝብና ቅኑዕ መስርዑ ሒዙ ንከይጐዓዝ ዝዓናቕፍ ተንኮለኛ ፕሮፓጋንዳ መንግስቲ ንምንዛሕ ዝተኣልመ እዩ። ቅዋም ደኣ መኣስ ይጽላእ ኮይኑ፡ እንተኾነ ግና ምስታ ቅዋም እኮ ዲሞክራሲ፥ ፍትሒ፥ ማዕርነት ዝብላ ዓንቀጻት ክቀላቐላ ምዃነን መስከረም ነት ከመይ ኢሉ እዩ ዘንጊዕዎ? ዶስ እቲ ትማሊ ነቲ ዘይተተግበረ ቅዋም ብኽንደይ ክኢላታት ዝተዳለወን ህዝቢ ኤርትራ ዘድመጸሉን’ዩ እናበለ ዝንየተሉ ዝነበረ መላኺ ስርዓት ሞይቱ እዩ ኢሉ ንዝገለጾ መርድእ ከምዘይስመዐ ዲዩ ኽከውን ደልዩ። እቲ ዝሞተ ቅዋም ድሕሪ ምውላዱ ኣብ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ከም ዝሞተ ፈሊጥና ኣሎና። እዚ ጽባሕ ዝውለድ ዘሎ ቅዋም ከኣ ድሕሪ ዝተወሰነ ዓመታት ከይመውት ውሕስነት የብሉን። ምኽንያቱ እተን ጸላእቲ መላኺ ዝኾና ዲሞክራሲያን ፍትሕን ኣብቲ ቅዋም ቦታ ክህልወን ስለዘይክእል እቲ ቅዋም ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣይኮነን። እዚ ማለት ከኣ እቲ ቅዋም ክሕንጸጽ እንከሎ ቅድም ቀዳድም ዕድመ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ እዩ ክውስን። እዚ ከኣ ኣቶ ኢሳያስ ዘይድግፎን ዘይደልዮን ዓንቀጽ እዩ።
መለኽቲ እምበኣር ብጥበራን ሓቀኛ ሓበረታ ሓቢእካ ኣጉል ተስፋ ብምሃብን፥ እንተስ ብጠቕሚ እንተስ ብምፍርራሕ ንዓኣቶም ዝድግፉ ዓማዊል ብምፍጣር ስልጣኖም ከናውሕ እዮም ዝቃለሱ። ስለዚ መለኽቲ ኣብ ቅዋም ፈጺሞም ስለዘይኣምኑ ኣብ ዓመጽን ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳን ተሓቢኦም እዮም ስልጣኖም ዘናውሑ።
ቅንኢ ማለት እንታይ ምዃኑ ንምብራህ ሰፊሕ ዝርዝር ከም ዘድዮ ብሩህ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብዛዕባኡ ንምትንታን ፍሉይን ዓሚቝን ፍልጠት ብዛዕባኡ ከም ዝሓትት ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ እዩ። ብሓጺሩ ገለ ጥቕስ ኣቢልካ ንምሕላፍ ግና፡ ቅንኢ ብኽልተ መልክዕ ምቕራቡ ዝከኣል እዩ። ብሓፈሻ ሓደ ንዓኻውን ዘድልየካን እትብህጎ ጉዳይ፡ ብካለኦት ክትግበር ወይ ክውነን ክትዕዘብ እንከለኻ ንስኻውን ናይዚ ጸጋ ተጠቃሚ ክትከውን ተሕድሮ ህርፋን እዩ። ገለ ወገናት ብቕንኢ ናይቲ ንሳቶም ዘይረኸብዎ ጸጋ ተጠቃሚ ዝኾነ ኣካል ክተናኾልዎን ከዕንቅጽዎን ይረኣዩ። እዚ እቲ ብሕብረተሰብና ትቐባልነት ዘይብሉ ናይ ቅንኢ ኣሉታዊ ትሕዝቶ እዩ። ነቲ ከምኡ ዝገብር ኣካል “ሓሳድ” ዝብል ቅጽል ዝወሃበሉ ኣጋጣሚ’ውን ኣሎ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ሰባት በቲ ኣብ ካልእ ኣካል ዝረኣይዎ ጽቡቕ ነገር ይቐንኡ እሞ፡ በዚ ቅንኢ ተተባቢዖም ንሳቶም እውን ነቲ ዘቕነኦም ከም መበገሲ ወሲዶም ብጻዕሮም ክረኽብዎ ይለዓሉ። እዚ እቲ ብሕብረተሰብና ዝድገፍን “ዘይቀንእ ኣይወለድ” እንዳተባህለ ዝተባባዕን እዩ። “ቅዱስ ቅንኢ” እንዳተባህለ’ውን ይግለጽ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ንሕና ኤርትራውያን እቲ በዂሩና ዘሎ ናይ ሓባር ጸጋታት ብካለኦት ክትግበርን ክውነንን ክንዕዘብ እንከለና ኣዚና ንቐንእ። “ስለምንታይ ንሕናኸ ናይዚ ጸጋዚ ተጠቀምቲ ዘይኮና?” ኢልና ከኣ ወርትግ ንሓትት። እቲ ካልኦት ዝረኸብዎን ዝተግበርዎን “ንሕና’ውን ክንውንኖ ይግበኣና” ኢልና ምምጥጣርና እውን ኣይተረፈን። ውጽኢቱ ምስ ብልሒ እቲ ቅንእና ክወዳደር እንከሎ ግና ትሕቲ ግምትና እዩ። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ዝበኾረና እሞ ኣብ ካልእ ክንርእዮን ክንሰምዖን እንከለና ዘቕነኣና ብዙሕ እዩ። ኣብ ሃገርና ቅዋም የለን። ኩሉ መሰላት ኣይክበርን እዩ። ህዝቢ ዝመረጾ ምምሕዳር የለን። ናይ ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን መሰል የለን። ሕግን ፍትሓውነትን የለን። ህዝቢ ናይ ሃገሩ ቁጠባዊ ጸጋ ተጠቃሚ ኣይኮነን። ናይ ምንባር ውሕስነት የለን። ኮታ ኣብ ሃገርና ናይቲ “የለን” ዝርዝር ኣዝዩ ነዊሕ እዩ። እዚታት ኣብ ካለኦት ሃገራት ህያው ኮይኑ ክንሰምዕን ክንርእን እንከለና ኢና ከኣ ንቐንእ። እዚ ቅንእና ቅዱስ ቅንኢ እዩ። ናይ ብሓቂ ቅዱስ ዝኸውን ግና እዚ ቅንኢ’ዚ ብዝወለዶ ናህሪ፡ ብመትከል ብዙሕነታዊ ሓድነት ተቓኒና፡ ዝቕድምን ዝስዕብን ብግቡእ ኣለሊናን ሰሪዕናን ቅንእና ከነግህድ ንቕድሚት ክንስጉም እንተበቒዕና ጥራይ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ግና ቅንእና ቅዱስ ዘይኮነስ ሕልሚ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።
ኣብ እገለ ሃገር ደሞክራሲያዊ ምርጫ ተኻይዱ፡ ኣብ እገለ ሃገር ኣቲ ብምርጫ ዝተሳዕረ፡ ነቲ ዝሰዓሮ “እንኳዕ ኣሕጎሰካ ኢሉ ጽቡቕ መጻኢ ተመንይሉ”፡ ኣብ እገለ ሃገር ብናይ ህዝብን ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት ናይ ሓባር ተሳትፎ ደሞክራሲያዊ ሕገመንግስቲ ጸዲቑ፡ ኣብ እገለ ሃገር ኣንጻርቲ ብጉልበት ክመርሕ ዝጸንሐ ዲክታቶር ግንባር ፈጢሮም ክቃለሱ ዝጸንሑ ሰልፍታት ስዒሮም፡ ዝብል ወሲኽካ ዝርዝር ናይቲ ዘቕንኣናን ዘህርፈናን ዜናታት ብዙሕን በብዕለቱ ዝዝርጋሕን እዩ። በዚታት ከም እንቐንእ ከኣ ፍሉጥ እዩ። “ድሕሪ ቅንኢኸ?” ዝብል ሕቶ ከኣ ኣብ መስርሕ መልሲ ዘሎ እዩ።
ሎሚ ንህዝብና ተሓሪምዎ ካብ ዘሎ ዘቕንእ ዛዕባታት ሓደ ዜና ደሞክራሲያዊ ምርጫ እዩ። ኣብዚ ግዜዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መርኣያ ደሞክራሲ ዜና ክትሰምዕ ናይ ኣሜሪካ ወይ ካልእ ዝማዕበለት ሃገር ምጽባይ ኣየድልን እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልልታት’ኳ ኣብ ጋና ምርጫ ተኻይዱስ ብናይ ህዝቢ ልኡላዊ ውሳነ ተዛዚሙ። ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ተሳዒሮም ብዘይዕጥይጥይ ስዕረቶም ተቐቢሎም። እቶም ሓድሽ ዝተመርጹ ድማ ዓቕሞም ዝፈቕዶ ክሰርሑ ቃል ኣትዮም። ድሕሪ እዚ ጥይት ኣይተተኮሰን ንብረት ኣይነደደን። ናይ ጋምቢያ ምርጫ ብኸምዚ ኣገባብ ክውዳእ ከኣ ሕብረት ኣፍሪቃን ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ይደፍኡ ኣለዉ። እዚ ንዓና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ቅዱስ ቅንኢ ከሕድረልና ዝግበኦ እዩ። ከምቲ ግቡእ ንዲክታቶር ኢሳይያስን ጉጅለኡ’ውን ናብ ውነኦም ተመሊሶም ከቕነኦም መተገበአ። እንተኾነ ኢሳያስን ሒደት ሰዓብቱን በቲ ሓደ ዓይነት ቅንኢ ስለ ዝተመረዙ በዚ ኣይክቐንኡን እዮም።
ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ህዝብና ቅዱስ ቅንኢ ከይሓድር እሞ ኣንጻሩ ከይለዓል ብዛዕባ ቅዱስ ቅንኢ ዘቕንእ ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ ከይመጸጋ እትሰግኦ ተረኽቦታት እዩ ዘዘንትው። ህዝቢ “ከም ኣብ በዓል እገለ ሃገር ዘሎ ደሞክራሲያዊ ተመኩሮታት ዘይንኽተል” ኢሉ ምእንቲ ከይሓስብ ብኣንጻሩ “ንሕና ንሓይሽ” ዝብል መፈራርሒ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ፡ ራኣይወን በዓል ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ሶርያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ዒራቕ የመን፡ ከምኡ’ውን ድሕሪ ምርጫ ዕግርግር ዝተፈጥረለን ሃገራት እንዳጠቐሰ፡ እዩ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ። ናይዚ መልእኽቲ ትርጉም ህዝቢ ኣብ ክንዲ ንዘሓሸ ጉዳይ ቅንኢ ሓዲርዎ ንቕድሚት ዘማዕዱ፡ በቲ ዝኸፈአ ሰጊኡ ኣብቲ ዘለዎ ተኾርምዎ “መን ከማኻ” እንዳበሎ ከም ዝግዛእ ንምግባር እዩ። እንተኾነ እዚ ተንኮሉ ሎሚ ተቐሊዑ እዩ። ብኣንጻሩ ንሕናን ህዝብናን፡ ናይ ሕሉፍ እሱራት ከይኮና፡ በቲ ካብ ናትና ዝኸፈአ ከይረዓድና፡ ነቲ ዘይረኸብናዮ ክንረክብ ቅዱስ ቅንኢ” ክንቀንእን ንቕድሚት ከነማዕዱን ናይ ግድን’ዩ።
ብኣሮን ናኦድ
ኣብቲ ብዕለት 03-12-2016 ዓ.ም. ብግዱሳት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያንን ከምኡውን ብምትሕብባር ማሕበር ኣካለ ጽጉማንን ዝተገብረ ናይ ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ ናይ ድራር ምስዮት ብዓወት ተዛዚሙ።
እዚ በዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለት ኣብ ኣዳራሽ Nied Saalbau ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ካብ ሰዓት 16.00 ክሳዕ 23.00 ሰዓታት ዝውሰደ ዕድመ ብፈገግታን ብዋዛን ቁምነገርን ተሰንዩ ዘምሰየ ሰናይን ቅዱስን ምሸት፤ እኹል ትሩፍ ድራርን ዝስተን ምድላው ከም ዝነበሮ ዕድመኛታት ንኣደለውቲ ድራር ምስጋነኦም ሓደ ብሓደ ኣቕሪቦም።
ብድሕሪዚ ዕድመኛታት እቲ ዘይሕለል ናይ ሕልና ልግሶም ንውጉኣት ሓርነት 1.400.00 (ሓደ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን) ኤውሮ ብጥረ ገንዘብ ኣወፊዮም። ብዘይካዚ እቶም ብስራሕ ምኽንያት ኣብዚ ምሸትዚ ዘይተረኽቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣስተዋጽኦኦም ብባንክ ይልእኩ ምህላዎም ንሕብር።
ኣብ መደምደምታ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅዱስ ተግባር ንጀጋኑ ብጾትካ ተመሊስካ ምርኣይ ሕልናዊ ስምዒትካ ምርዋይ ምዃኑ ብምግንዛብ፤ ካብዚ ንላዕሊ ክግበርን ክምዕብልን ናይ ኵሉ ኤርትራዊ ዜጋ ሓላፍነት ምዃኑ ዕድመኛታት ኣተሓሳሲቦም።
ግዱሳት ኤርትራውያን ዜጋታት ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ማኣጽ ኤርትራን
ፍራንክፈርትን ከባቢኡን