ናይ ሓዘን መግለጺ

2017-01-16 17:02:23 Written by  ተስፋማርያም ክብራኣብ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2365 times

እነሆ ሎሚውን ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ዝሓለፉ ብጸቱ ፡ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣብ መሪር ተጋድሎ ዝዓበየ ፡ ክሳብ ዕለተ ዕረፍቱ ንተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳማይ ቦታ ሰሪዑ ፡ ናይ ቃልሲ ዕጣቑ ከየውረደ ዝጸንሐ ልዑልን ጽኑዕን ተቃላሳይ ዶክተር ሃብተ ተስፋማርያም ወዲ ጎሞራ ኣቦ መንበር ሃገራዊ ድሕነት ፡ ብሕማም ምኽንያት ብሞት ክፍለየና ከሎ ዝተሰማዓና ስንባደን ሓዘን ደረት የብሉን ። መስዋእቱ ንተጸባያይ ፍትሒ ንዝኾነ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተጸበዮ ዓቢ ክሳራ እዩ ።

ስዉእ ተጋዳላይ ዶክተር ሃብተ ተስፋማርያም ወዲ ጎሞራ ዋላውን ካባና ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተተፈለየ ፡ በቲ ኣብ ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘበርከቶ ምእንቲ መሰልን ፍትሕን ራህዋን ንምርግጋጽ ዘሕለፎ መሪርን ነዊሕን ናይ ቃልሲ መዋእል ብኹሎም ወሎዶታት እናተዘከረ ክነብር እዩ ።

ነታ ኣንጊሁ ሰናይ ዝሓለመላ ሃገሩ ንኽቃለሰላ ኢሉ ዝወጸ ፡ ተመሊሱ ከይረኣያ ፡ ብደገ ደጊኡ ክስዋእ ከሎ ንበዓልቲ ቤቱን ንደቁን ንመላእ ዓጽመ ስጋኡን ንተቃለስቲ ብጾቱን ዝወረደ ከቢድ ሓዘን ንሕና ኣባላት ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን ብምሉእ ሕልና ተኻፈልቱ ምዃና ድሕሪ ምግላጽና፤ ንመዋቲ መንግስተ ሰማይ የዋርሶን ። ካብ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ጀሚርና ክሳብ ንኹሉ ኣብዚ ሓዘን እዚ ተጸሚዱ ንዘሎ ቤተሰቡን ፈተውቱን ናይ ቃልሲ ብጾቱን፡ እቲ ኩሉ ዝካኣሎ ጌታ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ጽንዓት ይሃብኩም ጠሊ ምስ ፍቕርን ስኒትን የውርደልኩም ንብል ።

ተስፋማርያም ክብራኣብ

ኣቦ መንበር ኤደማ ጀርመን

Last modified on Monday, 16 January 2017 18:16