ኤርትራ ሓደ ካብ’ቶም ኣብነታውያን መራሕታ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም ኣፋንያ !!

2017-01-22 13:04:13 Written by  ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ። Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1895 times

ENSF Headed Paper

ኑዕ ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን !

ስድራ ቤት ስዉእን መላእ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይልታትን ሃገራውያን ባእታታትን!

ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም!

ኣዕሩኽን መሓዙትን ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ።

 

ሓርበኛ ተቓላሳይ ዶክቶር ሃብተ ተስፋማርያም፣ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ ብዓርቢ ኣጋምሸት ዕለት 13 ጥሪ 2017 ድሕሪDr Habte pic 1 ነዊሕ ሕማም ብማስዋእቲ ካብ’ዛ ዓለም ተፈሊዩና። መስዋእቱ ዝሕደጎ ዓሚቚን ከቢድን ሓዘን፣ ፊደላትን ቃላትን ጥራይ ዝገልጽዎ ኣይኮነን። ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ንኩሉኹም ሃገራውያን ሕሱም ኣይትርከቡ ይብል።

ኣብ’ዚ ህልዊ ጽንኩር መድረኽ ቃልሲ’ዚ፡ መስዋእቲ ናይ’ቲ ዕድመኡ ብምሉኡ ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ዘሕለፈ ክቡር ተጋዳላይን ሙኩር መራሕን ዶክቶር ሃብተ ተስፋማርያም፣ ንህዝቢ ኤርትራን መላእ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ዓቢ ክሳራ’ዩ። ስዉእ ዶክቶር ሃብተ ተስፋማርያም ኣብ ኩሉ ዝተሳተፈሉ ዓውደ ተጋድሎ፡ ገስጋስ ሃገራዊ ራእይን ጽኑዕ ሃገራዊ ሓድነታዊ መርገጻትን ዘመስከረ ሓርበኛ ኢዩ። ኣብ ሃገራውን ኣህጉራውን መጋባእያታት፣ ጉዳይ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትር ኣብ ምልላይ ዘይካሓድ ጭቡጥ ልዑል ግደታት ኣበርክቱ’ውን’ዩ።

ኣብ’ዛ ሓጻር ህሞት’ዚኣ ገድላዊ ኣበርክቶታት ስዉእ ዶር. ሃብተ ምዝርዛሩ ኣይከኣልን’ዩ። እንዳውን ኣውራጃውን ከምኡ’ውን ካብ ጉጅላውነትን ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ሓራ ብምንባሩ፡ ኩሉ ዘይኽሕዶ፣ ፈታንን ጽንኩሩን ተረኽቦታት ዘየንቕንቖን፡ ካብ መትከላቱን፣ ኣብ ሓርነትን ዲሞክራስን መሰላት ህዝቡን ፈልከት ዘይብልን ተሪር ሓላዪ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ጽኑዕ ተጋዳላይን መራሒን ነበረ። ፈታዊ ህዝቡን ሃገሩን ስለ ዝነበረ፡ ኩቡር ጅግንነታዊ መስዋእቲ ከፈለ። ሰለዝኾነ ካኣ፣ ምስ’ቲ ነታ ኣብ ምምራሓ ዓቢ እጃም ዝነበሮ፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዘጋጠማ ጽንኩርን ዝተሓላለኽን ብድሆታት ንምስጋርን፣ ሃገራዊ መትከላታ ኣብ ምዕቋብን፣ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ብጽንዓት ክቃለስ ጸኒሑ’ዩ። ሓዲጉልና ሓሊፉ ዘሎ ዓቢ ታሪኽ፡ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ተቃለስቲ ደቁ ሓይልታቱን ገድላዊ ተውፊት ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ ረብሓ ዲሞክራስን ሓርነትን ሰላምን ማዕርነትን ህዝቢ ኤርትራ ንምውዓል፡ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢንምርግጋጽ እንካይዶ ዘሎና ተጋድሎ፡ ብቐዳምነት ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምቕልጣፍን፡ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንምህናጽን ጥጡሕ ሰላማዊ ዲሞክራስያዊ ባይታ ንምምድማድን፡ መዕጥቖ ቃልስና ሸጥ ኣቢልና፡ መሳርዕን ናውትን ተቓውሞ ሓይልታት ንምጥርናፍ ክንዲ ዝተኽእለና ምስ ኩሉ ክንቃለስ ምዃና ነረጋግጽ።

ሓጺር ታሪኽ ሂወት

ስዉእ ዶክቶር ሃብተ ተስፋማርያም

ስዉእ ዶር. ሃብተ ብ16 ሓምለ 1943 ኣብ ዓዲዃላ ተወለደ። ናብ ኣስመራ ብምጒዓዝ ትምህርቱ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ኣሰላሰለ። ድሕሪኡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስልጣን መማህራን (TTI) ቀጸለ። ድሕሪ ምምራቑ፣ ንሓጺር ግዜ ከም መምህር ኮይኑ ኣገልገለ። ላዕላዋይ ደረጃ ትምህርቱ ንምቕጻል ናብ ኢትዩጵያ፣ ከተማ ሃረር ብምኻድ፣ ኣብ ኣላማያ ኮለጅ ቨትሪናሪ ተማሂሩ። ትምህርቱ ንምቕጻል ናብ ፖላንድ ገይሹ። ኣብ ዋርሶ ዩነቨርሲቲ ኣብ መዳይ ስነፍልጠት ቨትሪናሪ ብማስተረይት ተመረቐ። ድሒሩ ኣብ ጀርመን ኣብ በርሊን ዩኒቨርሲቲ ኣብ ቨትሪናሪ PHD ብዝላዓለ ደረጃ ረኸበ። ንውሱን ግዜ ድማ ከም ተሓጋግዚ ፕሮፈሶር ኮይኑ ኣብ’ቲ ዩኒቨርስቲ ኣገልገል።

ስዉእ ዶር. ሃብተ ኣብ ሃገራዊ ዕዮ ኣንጊሁ ተሰለፈ። ኣባል ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ኔሩ። ናብ ኤውሮጳ ምስ ተሳፈረ፡ ሃገራዊ ንጥፍታቱ ኣብ ክሊ ምንቅስቓስ ተማሃሮ ብምቕጻል፡ ዓቢ ሃገራዊ ተራ ተጻወተ። ምንቅስቓስ ተማሃሮ ኤርትራውያን ኣካል ምንቅስቓስ ተማሃሮ ኢትዮጵያ ዘይኮነስ፡ ርእሱ ዝኻኣለDr Habte pic 2 ናጻ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንምዃን ካብ ዝቃለሱ ዝነበሩ ልሉያት ሃገራውያን ነበረ። ስለዝኾነ ካኣ ሓደ ካብ’ቶም መስረቲ ጠቕላላ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራ ኣብ ኤሮጳን ቀዳማይ ኣቦ መንበሩን ኮነ። ኣብ’ቲ መዋእል’ቲ ስሙር ምንቕስቓስ ተማሃሮ ብዘይምንባሩ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ምንቅስቓስ ተማሃሮ ኣብ ካይሮን ኣብ ባግዳድን ተመቓቒሉ ብምጽንሑ፣ ነዚ ንምእላይ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ጻዕርታት፣ እጃሙ ንምብርካት ንካይሮ ገሸ። እቲ ጻዕርታት ስለ ዝተዓወተ ድማ ኣብ ባይቶ ሶርያ ኣብ ከተማ ዳማስቆስ ዝተጋበአ መስራቲ ጉባኤ ጠቕላላ ማሕበር ተማሃሮ ኤርትራ ተሳተፈ። ከምኡ’ውን ንሃገራዊ ዕዮ ብዝምልከት፣ ናብ ሃገራት ዓረብ ኣብ ዝመላለሰሉ ዝነበረ ጊዜ፡ ምስ ኣቦ መንበርን ኣባላትን ላዕላዋይ ባይቶ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብቐጻሊ ይራኸብ ነበረ።

ህዝቡን ሃገሩን ኣብ ቀዳማይ ቦታ ይሰርዕ ብምንባሩ፣ ሃገራዊ ቃልሱ ንምብራኽ፣ ኣብ 1975 ዓ.ም. ንሜዳ ተሰለፈ። ኣብ ወርሒ ግንቦት 1975 ኣብ ዝተጋበአ 2 ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ ተመረጸ። ቀጥታ ድሕሪ ጉባኤ፣ ከም ሓላፊ ቤት ትምህርቲ ካድር ኮይኑ ተመደበ። ድሒሩ ኣብ’ቲ ብስዉእ ተጋዳላይ ኣዜን ያሲን ሸይኸዲን ዝምራሕ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ከም ሓላፊ ዓንኬል ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ኮይኑ ተመደበ። ፍትሓዊ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ ዓውዲታትን ኣህጉራዊ ውድባትን ንምብጻሕ ልሉይ ግደ ነበሮ።

ከምኡ’ውን ስዉእ ዶር. ሃብተ ምስ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዝኾነ ብጻዩ ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ ኮይኑ ሓደ ካብ’ቶም መስረቲ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራ’ዩ። መግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብስንኪ ዝፍጽሞ ዝነበረ ግፍዕታት፡ ካብ ዓዲታቶም ንዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ሓራ መሬት ብምዕቋብ ስቕያቶም ኣብ ምቅላል ስዉእ ዶር. ሃብተን መሳርሕቱን ኣገዳሲ ተራ ነይርዎም። ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ ትካል ሕቡራት ሃገራት ዮነስኮ ዓቢ ጻዕሪ ብምክያድ፡ ኣብ ከሰላ ንስደተኛታት ዝኸውን 2 ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኣብ ምኽፋት ወሳኒ ተራ ከም ዝነበሮም ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።

ስዉእ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም፣ ኣብ ጉዕዞ ተጋድሎኡ ኣብ ሓያሎይ ሓላፍነታት ተመዲቡ ዓቢ ሃገራዊ ኣስተዋጽኦ ዘበርከተ ተቓላሳይ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን፣ ካብ 2014 ኣትሒዙ ድማ፣ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ኮይኑ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ገድላዊ ዕማማቱ ብተፋይነት ዝፈጸመ ሓርበኛ ኢዩ።

ስዉእ ዶር. ሃብተ በዓል ሓዳር ኮይኑ ካብ ወይዘሮ ኣድያም ተኽሊት ሓንቲ ጓል (ዶክቶር ሚሌን)ን፡ ክልተ ኣዋዳትን ሰነድን ስሄልን ወለደ።

ሙሉእ ዕድመኡ ዝኸፈለሉ ሃገራዊ ዕላማታት ክሳብ ዝረጋገጽ፡ ኣሰሩን ኣሰር ኩሎም ጀጋኑ ስዉኣትናን ብምሓዝ ጎዕዞ ተጋድሎና ንቕድሚት ክሳብ ዓወት ኪንምርሽ ምኹንና ቃልና ነሕድስ።

ዝኽርን ዘልኣለማዊ ክብርን ንጀጋኑ ስዉኣትና !!

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ።

20/1/2017

Last modified on Sunday, 22 January 2017 14:11