ብሰላም ሓቢርካ ናይ ምንባር ጠለብ

2017-01-23 08:08:34 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2061 times

ዓለምና ብክልተ ተጻረርቲ ነገራት ዝቖመት ምዃና ንኹልና ብሩህ እዩ። እዚ ተጻረርቲ ገሊኡ ናብ ጐነጽ፥ ገሊኡ ከኣ ናብ ሰናይ ነገራት ዝውዕል እዩ። እዚ ተጻረርነት  ኣብ ኩሉ ከም ዝርከብ ንምብራህ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ምሕደራ ወጻዕን ተወጻዕን፥ ኣብ ኩነታት ኣየር ሙቐትን ዛሕልን ... እናበለ ዝኸይድ እዩ።

ኣብ ሓደ  ለውጢ ንምምጻእ ዝግበር ቃልሲ እውን ከይተረፈ ክልተ ተጻረርቲ ክህልዉ ናይ ግድን እዩ። እቲ ሓደ ብናተይ ሓሳብ ተመርሑ ክብል፥ ብካልእ ሸነኽ ከኣ የለን ብናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ንመራሕ ኣብ ዝብል። ከምኡ እውን ንዲሞክራሲ ዝቕበልን ምልኪ ዝመርጽን፥ ሓቢርካ ምስራሕን በበይንኻ ክትከይድ ምድላይን፥ ውዱብ መንገዲ ዝድግፍን ውልቃውነት ዘምልኽን፥ ብሕጊ ዝቕየድን ልዕሊ ሕጊ ክኸውን ዝደናደንን ... ወዘተ ዝኣመሰሉ ንጽጽራት፡ ምስቲ ባህሪ ዝፈጥሮ ጠባይ ተደሚሮም ዝፈጥርዎ ምፍሕፋሓት ውጽኢት ናይዚ ክልተ ተጻራሪ ጉዳያት እዩ። እዚ ውጽኢት እዚ ሃናጽን ኣዕናውን ናይ ምዃን ባህሪ ኣለዎ። ንኣብነት ማይ ብክልተ በበይኑ ዝቁምነገሮም ሃድሮጅንን ኦክሲጅንን ዝምስረት እዩ። ናይዚ ተጻራርነት ውጺኢት ዝኾነ ማይ ኣብ ህልውናና ወሳኒ ክኸውን እንከሎ፡  ኣመና ምስ ዝበዝሕ እሞ መዕገቲ እንተዘይገርካሉ ከኣ ሓያል ውሕጅ ኮይኑ ከቢድ ጉድኣት የውርድ።

እዚ ተጻራሪ ኣተሓሳስባ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ እውን ይንጸባረቕ እዩ። ንርእይቶ ብዙሓት ተቐቢልካ ከተብቅዕ፡ ንርኢቶኻ ከኣ ብሕጋዊ መንገዲድን ብውሕልነትን ንኹሉ የርብሕ ዲዩ ኣየርብሕን ከይመመኻ ምቕራብ ናብ ጐነጽን ግርጭትን ዘምርሕ ኢዩ።  ውድባት ካብ ከምዚ ኣምር ናጻ ስለዘይኮና ወትሩ ምፍሕፋሓት የጋጥመን። ምስ እዚ ኹሉ ግና ህላዌ ፖለቲካዊ  ውድባት ከም ናይ ቃልሲ መሳርሒ ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዝሳተፍ ኣካል ሓላፍነት ወሲዱ ዝቃለሰሉ መስርዕ ስለ ዝኾነ። ካብዚ ሓሊፉ ብናይ ሓባር  ሓላፍነትን ኣበርክቶን ናብ ናይ ሓባር ዓወት ስለ ዝወስድ። እዚ ዝኸውን ግና፡ በቲ ቅኑዕ ትርጉም ፖለቲካ፡ ፖለቲካ ንኣገባብ ምሕደራ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኣብ ምትእስሳር ዝሕግዝ ስነፍልጠት ምዃኑ ገርና ምስ እንርድኦ እዩ። ምሕደራ ክበሃል እንከሎ  ፖለቲካን ቁጠባን ኣወሃሂዱ እምበር፡ ፈላልዩ ከመሓድር ምስ ዝፍተን ቅሳነት፡ ናጽነትን ፍትሕን ይጠፍእ እዩ። ስለዚ ነዚ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጥምረት’ዚ ክወሃሃድን ህዝቢ ብዘይጭቈነሉን ዘይምዝመዘሉን ኣገባብ ንምትላም ድማ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ስቪላዊ ማሕበራትን ተሓጋጊዘን ንዲሞክራሲያዊ መትከልን ኣተሓሳስባን ከተባብዓ ዓቢ ገደ ኣለወን።

ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ ዝውንናን  ንሓባራዊ ፖለቲካዊ ስምማዓትን ድሌታትን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ስልጣን ንዝፍጠር ቁርቁስን ምስሕሓብን ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ተጠቒመን መልክዕ ብምትሓዝ ይመርሓ። እዚ ከኣ ዓበይቲ ጉዳያት ህዝብን ሃገርን ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ተኸቲልካ ብምኻድ ኣተዓራቒ መንፈስን ዲሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባን ክድንፍዕ ይሕግዝ። ግርጭት ክለዓል እንከሎ እውን መንፈስ ናይ ምርድዳእን ነቲ ግርጭት ተጸዋዊርካ ብሓባር ናይ ምፍታሕ ዕግበትን ይሃንጽ። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ዝኽየድ መንገዲ፡ እቲ ኣብ ምስሕሓብ ረብሓ ዘለዎ ወገን ነቲ ፍታሕ ክቕበል ድልው ስለዘይከውን ነቲ ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ኣይመርጾን። በዚ ዝኣክል ኣብ መንጎ ሕድሕድ ሰልፍታትን ኣብ ወውሽጠንን  ፍልልያት ክህሉን ክርአን ውሁብ እዩ።

 ኣብቲ ዝፍጠር ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትን ምፍሕፋሕን ሓደ ካብቶም ተዋሳእቲ ነቲ ኩነታት ኣብ ረብሓኡ ከውዕሎ እሞ ኣተሓሳባኡ ቅኑዕ ንሱ ድማ ዘይጋገ ኮይኑ ክቐርብ እንተ ተመጣጠረ ርዱእ እምበር ዘሰንብድ ኣይከውንን። እቲ ናብዚ ክበጽሕ ዝመርጾ መንገዲ ግና ደሞክራሲያዊ ድዩ ኣይኮነን ከዛርብ ይኽእል። ካብዚ ጥዑይ መንገዲ ወጺእካ  ብስዉር ይኹን ብግሉጽ መንገዲ፡  ከምቲ ምስላ ዓረብኛ ’’ደረበኒ በካ ዎ ሰበቐኒ እሽተካ’’ ማለት ሃሪሙኒ በኽዩ ቀዲሙኒ ጠሪዑ ዝብሎ’ዩ ዝኸውን። እዚ ኣካይዳ መሰረታዊ ብዘይኮኑን ሓድነት ብዝሃስዩን ስምዒታት ክስነይ እንከሎ ከኣ ሃሳይነቱ ዝያዳ ይዓርግ። እቲ ኣዝዩ ዝጐድእ ከኣ ሓደ ኣካል ንገዛእ ርእሱ ልዕሊ ሕጊ ክሰርዕን ንደሞክራስያዊ ዝምድና ኣብ ምልክት ሕቶ ከተእትውን ክትፍትን እንከሎ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝካየድ ኣሉታዊ ጐስጓሳት ብዙሓት ዘይሓቀኛታት ክንሶም ቅኑዓት መሲሎምን ተጠሚዚዞምን ዝቐርቡ ዛዕባታት ንግዜኡ ቦታ ክረኽቡ ይኽእሉ። ዘይሩ ዘይሩ ሓቂ ሓቂ ሓሶት ድማ ሓሶት ካብ ምዃኑ’ኳ ዘይተርፍ እንተኾነ ዝገድፎ ስንብራት ግና ቀሊል ኣይከውንን።

ዘሎናዮ እዋን እምበኣር ምስግጋር ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ስለዝኾነ፡ ኩሉ ወገናት ዲሞክራሲ ብማዕረ ዝብጽሖ ምዃኑ ምእማን ብተግባር ክሕለቐሉ ናይ ግድን ይኸውን። ምኽንያቱ እቲ ነዚ ዲሞክራሲ ዝጠልቦ ሕግን ምእዙዝነትን ጥሒስካ ምኻድ ዘስዕቦ ፍንውነት፥ ነቲ ሓቢርካ ብሰላም ናይ ምንባር ህይወት ስለ ዝዘርጎ።

Last modified on Monday, 23 January 2017 09:15