መግለጺ  ሓዘን ብምክንያት ግዳያት ባሕሪ

2017-01-23 09:07:20 Written by  በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1907 times

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብምክንያት ግዳያት ዜጋታትና ዘተስምዖ መሪር ሓዘን ይገልጽ!!
ንስድራቤት መወትን ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ጽንዓት ይሃበና ይብል።

እዚ ተድጋጋሚ ዘየዕርፍ ስደትን ህልቂትን ከም ዘለዎ እንተቀጺሉ እታ ከም ሃገር ዕትብትና ዝተቀበረላ መሬትና እውን ከይንስእና ዘጣራጥር እዩ። ንምታይ’ሲ ተካኢ ወለዶ ከም ዘለዎ እንተ ጸኒቱን ካብ ሞት ዝድሐነ ድማ ኣብ ስደት ኾይኑ ብዛዕባ እታ ትጠፍእ ዘላ ሃገሩ ብሕልና እንተ ዘይሓሲቡን፡ ታርክ ዘውርሱ ኣያታትን ኣቦታትን ኣብ ስደትን ኣብ ዓድን ቀዲሞምና እንተ ከይዶምን ሃገርና ክንስእና ኢና። እዚ ንሃገርን ህዝብን ዘጽንት ዘሎ ስርዓት ከም ኩሎም ግዛእቲ ደርብታት ክሓልፍ እኻ እንተኮነ ቅድሚ ናቱ ዕድመ ዕድመ ጥፋኣት ሃገርና  ይቅድም ኣሎ እሞኸ? ስቕታና ከምዚ ድዩ ክቅጽል ? ወይስ ካብቲ ንጥፋት ሃገርናን ህዝብናን ታሓትቲ’ዩ ንብሎ ዘሎና ስርዓት  ስቅታናን ኣብ ጥፍኣት ሃገር ማዕሪ ከየሕትተና እቶም ንፍትሕን ለውጥን ንድሊ ንኩሉም ድሑራት ኣራኣእያታትን ኣታሐሳስባታትን ወጊድ ኢልና ምእንቲ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ክንልዓልን ዘተረፈ ህዝብና ካብ መንጋጋ ዓማጺ ሰርዓት ህግደፍ ክነድሕኖን ሰዓቱን ግዚኡን እዩ። እዚ ዓማጺ ሰርዓት እዚ ንእስላማይ ክርስትያናይ፡ ከበሰታይ ቖላታይ፡ ብዘይ ኣፍላላይ ብጅምላን ብማዕረ ዝጭፍጭፍ ዘሎ ኣረሜናዊ ሰርዓት ከምኻኑ መጠን !! ነቶም ንሱ ዝጥቀመሎም መሕብኢ ባዓቲ ድሕረት ኣፍሪስና ብሐድነት ብምጥማር ፍትሐዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ኣብ  ልዕሊ መቃብር ዓመጽታ ክንተክላ ሕልናዊ ሓላፍነት ኣሎና።

ሰለዚ እምበኣር’ዩ በይ ኤርያ  ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ልውጢ ወትሩ በቲ ንኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ለውጢ ፍልልያቱ ብዘይገድስ ዝሰርሓሉ ህዝባዊ ማዕበል ንለውጥን ድሕነት ህዝብን ዓቅሙ ዝፈቅዶ ከይትሐለለ እጃሙ ዘበርክት ዘሎ። በይ-ኤርያ  ምስ-ኩሉ ደላይ ለውጢ ኣበየናይ ኩርናዕ  ዓለም ብዘየግድስ  ህዝብና ካብ ዝጋጥሞ ዘሎ ተዳጋጋሚ ህልቂት ንምደሓን ንለውጢ ምስ ዝቃለሱ ክቃለስ ቁሩብ ምኻኑ ይገልጽ።

 

ኩሉ ድሕሪ ድሕነት ሃገር!!

ሐድነት’ዩ መንገዲ ድሕነትና!

ዝኽሪ ንኩሎም ሰማእታትና!!
በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
1/19/17

Last modified on Monday, 23 January 2017 10:10