ብቑዕ ምትኽኻእ ነባርን ሓድሽን ንህልዊ ምዕባለ

2017-01-16 09:18:44 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2569 times

ብሉይ ብሓዲሽ፥ ክትካእ ኣድማሳዊ  ሕጊ እዩ። ከመይሲ እቲ ሓዲሽ ዝነበረ እናኣረገ ክኸይድ እንከሎ፡ ንኣኡ ዝትክእ ከኣ ጎኑጎኑ ክፍጠር ናይ ግድን ስለዝኾነ። እዚ ማለት እቲ ካብ ሓዲሽ እናበለየ ናብ ብሉይ ገጹ ክጎዓዝ እንከሎ እቲ ብድሕሪኡ ንምሕዳስ ዝመጽእ ሓሳባት ከኣ እቲ ሓዲሽ ሓሳብ  ነቲ ብሉይ ይትክኦ ማለት እዩ። እዚ ነቲ ገዲምን ሓድሽን ወለዶ እውን ዝትንክፎ እዩ። እቲ ምስ ሓዲሽ ኣተሓሳስባ ዝመጽእ ወለዶ ካብቲ ብሉይ ንኽሙከር ወይ ትምህርቲ ክቐስም ብቕዓትን ድሌትን ወኒኑ ሓዲሽ ነገር ክምህዝ ይኽእል።

ኤርትራ ሃገርና ኣብ ቅድምን ደሓርን መግዛእታዊ ዝነበረ ምትእስሳር በቲ እዋን እቲ ዝነበረ ናይ ባህልን ልምድን ሓቢርካ ምንባርን ክፈላለ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ኣብቲ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረ ባህሊ ኣዝዩ ክድልድልን ሃገራውነት ንከይፈሓቚን ዝሓልን ዝከላኸልን እዩ ነይሩ። እዚ ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረ ባህሊ ካብቲ ድሕሪ መግዛእቲ ዘሎ መድረኽ ምስቲ እቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ከተኣታትዎ ዝሓስብ ዝነበረ ባህሊ ኣዝዩ ይልዕል ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ዕላማ ሃገራውነት ምስቲ ዝተኣሳስሮ ባህልን ልምድን እናተኸባበረ ኣብ ውሽጡ ንፋስ ከየእቱ ብጥንቃቐ ይሕዞ ስለዝነበረ እዩ።

ሎሚ ድሕሪ ባዕዳዊ መግዛእቲ  ብመግዛእቲ ደቂ ሃገር ምስ ተተከአ ግና እቲ ዝነበረ ባህሊ ሃሲሱ ሕድሓዳዊ ምክብባር ጠፊኡ ብውሑዱ እቲ ቀዳሞት ወለድና ኣብ ሓደ ባይቶ ኮፍ ኢሎም ብምድምማጽ ሽግራት ዝፈትሕሉ ዝነበሩ ጥበብ ኩሉ ጠፊኡ። ንዓበይቲ ምዝንጣልን፥ ንምእንቲ ሃገር ዝተወፈዩን በጃ ዝሓለፉን ምስትንዓቕን፥ ኮታ ንታሪኽ ዝሓለፉን ዝሓለፋን ብምንሻውን ዝተጸምደ ሓዲሽ ወለዶ ነቲ ነባር ክትክእ ይኽእልዶ? ዘጠራጥር እዩ። ሕሉፍ ዘይብሉ ህልዊ ከኣ ኣይክህልዎን እዩ። ህልዊ ዘይብሉ ከኣ መጻኢኡ ጽልግልግ ዝበለን ፍንጡሕን እዩ ክኸውን። ብዘይካዚ  በቲ ሕሉፍ ኣሉታዊ ተረኽቦ ብምቚዛም ነቲ ህልዊ ልክዕ ከም ባርዕ ስለ ዘንድዶ እቲ መጻኢ ካብ ሕሉፍ  ዝረኽቦ ውጽኢት፡ ወይ እውን ዝምኰረሉ ስለዘይብሉ መሰረት ዘይብሉ ሰነድ እዩ ክውንን።

በቲ ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረ ቃልሲ በቶም ቀዳሞት ወለዶ ዝተጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኣተሓሳስባ ካብቲ ናይ ሽዑ ናይ ገበተ ባህሊ ብቐሊሉ ናጻ ክኸውን ከምዘይክእል ርዱእ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ናይ ቅድም ወለዶ በቲ ናቱ ሃገራዊ ንቕሓትን ዝተኣሳስሮ ዝነበረ ሃገራዊ ባህልን መንነትን ነቲ ዝነበረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብሓዲሽ ኣተሓሳስባ ተኪእዎ እዩ። እዚ እቲ ኣድማሳዊ ሕጊ ኮይኑ እቲ ባዕዳዊ ኣተሓሳስባ ከም ብሉይ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። እዚ ምትካእ እዚ ንፍቶ ንጽላእ ገዲም ወይ ብሉይ ኣተሓሳስባ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣልጊሱ፥ ብሃገራዊ ኣተሓሳስባ ከምዝተተከአ ሓደን ክልተን ዝበሃሎ ኣይኮነን። ብርግጽ እታ ሃገር ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ኮይና ኢያ። ይኹን እምበር እቲ ሓዲሽ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ከይተበገሰ ከሎ ኣሰር እቲ ዝጸንሐ ኣረጊት ወይ ብሉይ ኣተሓሳስባ ክወጽእ ስለዘይከኣለ ከኣ ነቲ ሃገራዊ ዘተኣሳስሮ ዝነበረ ባህልን ልምድን መንነትን ብፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ስለ ዝበታተኾ እነሆ ቅጥዒ ብዝሰኣነን ስነምግባር ብዝጎደሎን ተተኪኡ።

እዚ ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ኣተሓሳስባ ነቲ ውጽኢት ብረታዊ ቃልሲ ክኸውን ዝነበሮ ኣሳታፊ፡ ማዕርነታውን፡ ሓባራዊ ሃገራዊ መንነትን ኣህሲስዎ። በዚ መሰረት እቲ ጥሙር ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ነቲ ተሓቛቚፉ ክጎዓዝ ጸንሐ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ እንዳዳታት፥ ሃይማኖታትን፥ ቀቢላታትን ከፋፊሉ ጥራሕ እዩ መሰል ዝሕሎ ዝብል ኣጉል ፍልስፍና ክስዕርር ክኢሉ። በዚ መሰረት እቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበሮ ተጻዋርነት፥ ምትሕቑቛፍን፥ ስኒትን ኩሉ በብኣውራጃኡን ሃይማኖቱን ተኸባቢሩ ዝነብረላ ዝነበረት ሃገር በዚ እንተቐጺሉ ኣብ ቅልውላው ክትኣቱ ምዃና ርዱእ እዩ።

ሎሚ እቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ ወለዶ ብደረጃ ገዲም ዝቑጸር ዘሎ፡ ምስቲ ሓዲሽ ወለዶ ኮይኑ እዩ እቲ መድረኽ ናይ ምቅብባልን ተመኩሮ ምውርራስን ባህሊ ክፈጥሮ ዝኽእል እምበር፡ በበይንኻ ኰንካ ዝመጽእ ናይ ምስግጋር ለውጢ ካብ ብሉይ ኣተሓሳስባ ናጻ ከውጸኣና ኣይክእልን። ውጽኢቱ ኣሉታኡ’ውን ከቢድን እዩ ዝኸውን። ምኽንያቱ እቲ ሓድሽ ወለዶ ካብ ስነፍልጠት ወጻኢ ብዝኾነ ስምዒት ነቲ ዝነበረ ባህልን ሃገራዊ ምትእስሳርን ብምብታኽ ክትክእ እንተ ኮይኑ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ብሉይ ኣተሓሳስባ ኣይክመሃርን እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ብሄራዊ፡ ሃይማኖታውን ዕልማናውን ዘሎ ፍልልይ መሰረቱ ፖለቲካዊ ምዃኑ ተገንዚብካ ኮፍ ኢልካ ብሓባር ናይ ምዝታይ፡ ምርድዳእን ናይ እንካን ሃባን ባህልን ምስ እነጥሪ እዩ እቲ ብሉይ ብሓዲሽ ክንትክእ በቒዕናዮ ከበሃል ዝክኣል።

ስለዚ ነቲ ዝሓለፈ መጉዳእትን ብሉይ ኣተሓሳስባን ዘስዓቦ ቃንዛን ስቅያትን ናይ ሓደ ውሱን ሕብረተሰብ፥ ወይ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ዘይኮነስ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ቃንዛን መጉዳእትን ምዃኑ ተገንዚብና ክንቅበሎ ዘኽእለና ሓዲሽ ባህሊ ምፍጣር ከድልየና እዩ። እዚ ሓዲሽ ባህሊ እዚ ግና ካብ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ዝነቐለን እቲ ናይ ብሕቲ ንብሕቲ  እቲ ናይ ሃገር ከኣ ናይ ኩሉ ዝኾነሉ ባይታ ክንምድምድ ከሎና እዩ እቲ ገዲም ብሓዲሽ ተተኪኡ ኢልና ንተኣማመነሉ ውጽኢት ንረኽበሉ።

ድራር መንታይ

Last modified on Monday, 16 January 2017 10:21