ኣገባብ ቃልስኻ ውጽኢት ገምጋምካ’ዩ

2017-01-14 20:29:23 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2781 times

ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ህልዊ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን፡ ናይቶም ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ተዋሳእቲ ዘለዉ ኣካላትን ማለት ህዝቢ ኤርትራ ሓይልታት ተቓውሞን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ብዓሚቝ ምስ መዘነ ዝመረጾ ኣገባብ ቃልሲ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ እዩ። እዚ ካብ ነዊሕ ግዜ ሒዝዎ ዝመጸ እሞ ኣብቲ ናይ 2015፡ 2ይ ጉባአኡ ዘሕደሶን ዘድመቖን ንኣገባብ ቃልሲ ዝምልከት ውሳነኡ ብኸፊል “…. ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ቃልሲ፡ ሕጂ እውን ህልው ኲነታት ሃገርናን ህዝብናን ዝጠልቦን ዝጻወሮን ንሱ ብምዃኑን፣ ንመጻኢ እውን፡ ህልው ስርዓት ንምእላይ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ እዚ  ኣገባብ ኪቕጽል ጉባኤ ወሲኑ። ….” ብዝብል ኣብ ሰነዳቱ ኣስፊርዎ ኣሎ።

እዚ ውሳነ’ዚ  ብዝተፋላለዩ ወገናት ብዙሕ ትርጉማት ክወሃቦ ይስማዕ እዩ። ሰደህኤ ግና ካብ ስምዒትን ሚዛንን ናይ ዝወሃብ ናይ ግዳም ተጉማት ዘይኮነ ካብቲ ዘዋህለሎ ተመኩሮን ዝበጸሖ ገምጋም ተበጊሱ ኣብቲ ምርጫኡ እዩ ዝጸንዕ። ብኻልእ ወገን ድማ ሸቶኦም ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ዲክታቶርያዊ ኣተሓሳስባ ኣወጊድካ ብደሞክራስያዊ ስርዓት ምትካእ ክሳብ ዝኾነ፡ ካለኦት ወገናት ንዝመረጽዎ ኣገባብ ቃልሲ’ውን የኽብረሎም።

ህኤ እዚ ኣገባብ ክመርጽ እንከሎ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን መሰረታዊ ፍልልይ ከም ዘሎ ብዘይምዝንጋዕን እቲ ንህዝብና ከም ቁርዲድ ጨቢጡ ሒዝዎ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ተገዲዱ ተዘይኮይኑ ደንጊጹ ዝህቦ ለውጢ ከም ዘየለ ብምርዳእን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እዚ ኣገባብ’ዚ ምኽታል ማለት ሰዓርን ተሰዓርን የለን ማለት ከምዘይኮነ ኣጸቢቑ ይግንዘብ እዩ። እቲ ምስዕዓር ግና ኣብ ሕጋውን ሰላማውን መድረኽ፡ ክትህብን ክትቅበልን ቅሩብ ብምዃን፡ እሞ ድማ ናይ ህዝቢ ወሳንነትን ልዕልናን ብዘንጸባርቕ ክኸውን ከም ዝግባእ ይግንዘብ። ኣብዚ ናይ ህዝቢ ሰፊሕ ተሳትፎ ዝድለየሉ ቀንዲ ምኽንያት ህዝቢ ኣብ ውጽኢት እቲ ለውጢ ከይዕሾ እሞ ካልእ ብትሕዝቶኡ ካብ ህግደፍ ዘይፍለ ስርዓት ንከይመጾ ግቡእ ምክትታል ምእንቲ ክገብር እዩ። ምኽንያቱ ንህዝቢ እንዳሳተፍካ ምምጻእ ውጽኢት ናይቲ ለውጢ ብውሑዳት “ንሕና ኢና ለውጢ ኣምጺናልካ” በሃልቲ ምእንቲ ከይጭወ ዋሕስ ከም ምትካል ዝውሰድ ስለ ዝኾነ።

ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብመሰረቱ ናብ ዝሓሸ ንምስግጋሩ ናይ ኩሎም ኣብቲ ለውጢ ረብሓ ዘለዎም ወገናት ተሳትፎ ወሳኒ ምዃኑ ይኣምን። እዞም ሰብ ጉዳይ ብሓባር ክቃለሱን ክሳተፉን ክበሃል እንከሎ ብሓባር ከረዳድእ ዝኽእል ኣተሓሳስባን መድረኽን ክፈጥሩ ናይ ግድን እዩ። እቲ ሓደ ክውጽዕ እቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣይውጻዕን ኣብ ዝብሉ ተጻረርቲ ኣተሓሳስባታት ኣብ ዝተሓናነቕሉ ህሞት ብሓባር ናይ ለውጢ ሓይሊ ክኾኑን ኣብቲ ናይ ምዕራይ ጉዕዞ ብሓባር ክምርሹን ግና ፈጺሞም ኣይክእሉን እዮም። ምኽንያቱ ዲክታቶርያዊ ስርዓት በሓትን ብቅዋም ክመሓደር ዘይምቕለልን ስለ ዝኾነ፡ ክልቲኦም ተዓወቲ ናብ ዝኾንሉ ውጽኢት ክበጽሑ ኣይክእሉን እዮም። ኣብ መስርሕ ቃልሲ ኣብ ናይ ተዓዋታይ ተዓዋታይ ውጽኢት ክትበጽሕ ብናይ ሓዴኻ ድሌት ወይ ኣገዳድነት ዝውሰን ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ናይ ኩሎም ተዋሳእቲ ሰብ ጉዳይ ቅሩብነትን ፈቓድን ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ኩነታት፡ ኤርትራውያን ናብ ናይ ሓባር ተዓዋትነት ዘብጽሕ መድረኽ ክህልዎም፡ ጉጅለ ህግደፍ  ድምጺ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ተቓውሞኡን ጽን ኢሉ ክሰምዕ መተገበአ። እንተኾነ ህግደፍ ከምዚ ክገብር ዘሎ ዕድል  ዕጽዊ እዩ ተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ካብ ባህግን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ኣርሒቑ ሰፊሩ ስለ ዘሎ። ስለዚ ኣብ ከምዚ ኩነታት ናይ ተዓዋታይ ተዓዋታይ ውጽኢት ምጽባይ ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ከም ምምህላል እዩ ዝውሰድ።

ቃልስና ኣብ ኤርትራ ብሓጺሩ ዲክታቶርነት ተወጊዱ፡ ልዕልና ህዝቢ ዘውሕስ፡ ህዝቢ ብናጻ ውሳነኡ ብዘጽደቖ ቅዋም ዝቕለስ ብዙሕነታዊ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ምህናጽ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ቀንዲ ክሰዓሩ ከም ሸቶ እነቐምጦም ከኣ ዲክታቶርያዊ ኣተሓሳስባን ኣዕኑድ መሳርሕታቱን ተሰከምቱን እዮም። እዚ ክበሃል እንከሎ ዲክታቶርያዊ ኣተሓሳስባ   ኣብ ዲክታቶር ዝሰፍርን ብዘይብኣኡ ህልውና ዘየብሉ ምዃኑን ንምብራህ  እዩ። ደሞክራሲያዊ ኣተሓሳስባ እውን ብዘይ ዝሕብሕቦ ደሞክራስያዊ ባእታ ህልውና የብሉን። ዲክታተርነት ኣብ ዘይጭበጥ ንፋስ ዝነብር ዘይኮነስ ወጽዓኡ ዘሳስይሉ ዲክታቶራት ኣለውዎ። ንኣብነት ኣብ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ዲክታቶርነት ክንስዕር ክንቃለስ እንከለና ኣንጻር ዲክታቶራት ምቕናዕና ናይ ግድን እዩ። ንዲክታቶራት ከይተንከፍካ ንዲክታቶርያዊ ኣተሓሳስባ ፈሊኻ ምቅላስን ምስዓርን ግና ኣይከልን እዩ።  

Last modified on Saturday, 14 January 2017 21:33