ብሳላ'ቲ ተስፋ ብዘይምቑራጽ ን30 ዓመታት ዝቐጸለ ጅግንነታዊ ቅያታት ሰራዊት ሓርነትን፡ ህዝባዊ ሰራዊትን፡ ምዑት ተሳትፎ ዓቃል ህዝብናን፣ እቲ ብሓያላን ሃገራት ዓለም ሰፍ ዘይብል ሓገዝ ዝረክብ ዝነበረ ወራሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ (ናይ ንጉስ ሃይለ ስላሴ ይኹን ናይ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም) ተሳዒሩ፡ ብ24 ግንቦት 1991 ካብ መሬት ኤርትራ ከም ዝወጸ ንታሪኽ ክዝከር ዝነብርሓቂ'ዩ።


እወ፡ መሬት ኤርትራ ብምልኡ -- ብዘይካ ባድመ -- ነጻ ወጺኡ። ግንከ፡ ወተሃደራዊ ዓወት ንበይኑ እኹል ኣይነበረን። ልኡላዊት ሃገር ምእዋጅን ብዓለም-ለኸ ተፈላጥነት (international recognition) ናይ ምርካብን ጒዕዞ ጌና ድሒሩ ዝርአ ጒዳይ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ በቲ ጊዜ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ፡ (ሳላ ዕድል ህዝቢ ኤርትራን ናይ ሽዑ ወሓለ ኣተሓሕዛ ህዝባዊ ግንባርን) መሓዛ ኤርትራ ብምጽንሑ፡ ጸገም ኣይተረኽበን። ዕላዊ ምእዋጅ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ከኣ፡ ኢትዮጵያ ብእተቐበለቶን እተሰማምዓትሉን መስርሕ ረፈረንዱም ብሕቡራት መንግስታት ተኻይዱ ተደምዲሙ።

 

 

ቀሊል ይመስል። ግንከ እቲ ድሕሪ ስዕረት ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም መንግስቲ ዝቐጸለ ሓይሊ ብመንግስቱ ሃይለማርያም ወይ ንዕኡ ብዝመስል ዝምራሕ እንተዝነብር፣ ወይ'ውን መሪሕነት ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ዘይመሓዙት ኤርትራ  እንተዝነብሩ፡ እንታይ ምተረኽበኣህጕራዊ ተፈላጥነት ኤርትራ እንታይ ምዀ

 

ተጻይ ኤርትራ ዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕራይ ከይበለ፡ ሃገራት ኣፍሪቃብመላአን ንኤርትራ ግድነት ልኡላውነታ ክንፈልጠላ ይግባእ ምበላዶ ኣሜሪካኸ ሃገራት ኤውሮጳኸ.... ወዘተ። ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታን ፍትሓውነትን ጒዳይ ኤርትራ ከይገድሶም፡ ምዕራባውያን ሃገራትን ኣሕዋትና ኣፍሪቃውያንን ኣብ ልዕሊ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ እንታይ ርእይቶታት ከም ዝነበሮም ከይዘንጋዕካ ምስ እትሓስብ፡ ጒዳይ ልኡላውነት ኤርትራ ናይ ተፈላጥነት ጸገም ከጓንፎ ይኽእል ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኮነን።

 

ብሓጺሩ፡ ኤርትራ ከምዛ ናይ ሎሚ ሶማሊላንድ ወይ ከኣ ኮሶቮ፡ ወይ'ውን ናይ 60ታት ሮዴዝያ፡  ናጽነታ ባዕላ ኣዊጃ (UDI - Unilateral Declaration of Independence) ፡ ዓለም-ለኻዊ ተፈላጥነት ዝሰኣነት "ሃገር" ኰይና ክትቅጽል ኣኽእሎ ነይሩ'ዩ። ሕጂ ግን፡ ናይ ኢሳያስን ህግደፍን ጸገም ደኣ ከቢዱና እንበር፡ ልኡላውነት ነጻ ኤርትራ (ብዘይ ፍቓድ ህዝባ) ንድሕሪት ዝምለስ ኣይኮነን።

 

 

ከምዚ ክብሃል እንከሎ ግን፡ ልኡላውነት ይረኸብ እንበር ህዝብና ንእተቓለሰሉ ዕላማታት ብምልኡ ጨቢጥዎ ኣየስምዕን፡፡ ንኣብነት፡ ካብ ዝቐደሙ ተቓለስቲ ኤርትራ ዝነበረ ስዉእ ሓርበኛ መሓመድ ስዒድ ናውድ (መስራቲ ሓረካ/ማሕበር ሸውዓተ)፡ ኣብቲ ብ1996 ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ከምዚ ዝስዕብ ርእይቶ ኣስፊሩ፡- "ቃልስና ጌና ኣይተወደአን። ካብተን እተበገስናለን ሰለስተ ዕላማታት፣ ማለት ሃገራዊ ሓድነትን፡ ናጽነትን ዲሞክራስን፡ ሓንቲ ጥራይ ኢና ኣዓዊትና። ነተን ዝተረፋ ዕላማታት ንምዕዋት ቃልስና ቀጻሊ'ዩ...።" እታ ሓቂ ንሳ'ያ። ግን ከኣ እታ ሓንቲ'ውን ትኹን እንቋዕ ድሕሪ ወተሃደራዊ ዓወት ናይ 1991 ከጓንፍ ዝኽእል ዝነበረ  ጸገም ኣየጓነፋ!!

 

ሎሚ ስለምንታይ እዛ ዓንቀጽ'ዚኣ ኣድልየት?

ገለ ካብ ኣንበብቲ ክዝክርዎ ከም ዝኽእሉ፡ ብ11 ለካቲት 2017፡ ጽሓፋይ ናይ'ዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ ናይ ፓልቶክ ገዛ (ሕድሪ ጀጋኑ) ተዓዲመ ነይረ። ዝመረጽኩዎ ኣርእስቲ ከኣ፡ ሓደ ቅድሚ ዓመት ንብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራ ምኽንያት ገይሩ ኣብ ከተማ ጅኔቭ ኣብ እተጋብኤ ኮንፈረንስ ንዘቕረብኩዎ ጽሑፍ ዝምልከት ነይሩ። እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ "ሰንኮፍ ኣጀማምራ ነጻ ኤርትራ ናይ 1991፡ ንዘሎናዮ ሃለዋት ከመይ ከም ዝጸለዎ" ዝብል ኢዩ። እዛ ናይ ሎሚ ሓጻር ሓበረታዊት ዓንቀጽ እንብኣር፡ ነቶም እተማልአ ሓበረታ ብምስኣን ግር ንዝበሎም ደቂ ሃገር ክትሕብር ዝሓለነት ኢያ።

 

 

ብዙሓት ክዝክርዎ ከም ዝኽእሉ፡ ገለ ሸነኻት ብፍላጥ ይኹን ሰኣን ቅኑዕ ንባብ ታሪኻውን ፖሊቲካውን ተረኽቦታት፡ "ጉድ በሉ፡ .....ሕጂ ኣ ሓደ ካብ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንናጽነት ኤርትራ ተጻሪሩ፥ ኢትዮጵያ (ወያኔ) ብ1991 ንናጽነት ኤርትራ እንቢ ክትብል ነይሩዋ ኢሉ.......ወዘተ ወዘተ" እናበሉ ብፓልቶክ ኮነ ብኻእል ማዕከናት ክደሃዩ ተሰሚዖም። ከምዚ ዝዓይነቱ ናይ ፈጠራ ወረን ክስታትን ዝበዝሖ ባይታ ከም ዝጸንሓናን ጌና ይቕጽል ከም ዘሎን ንፈልጥ እኳ እንተዀንና፡ ሓሓሊፍና ንከምዚ ዝዓይነቱ ጠቐነ ዓገብ ክንብልን ገለ ክንእርምን ጠቓሚ ኢዩ።

 

 ዓለም-ለኸ ሕግን (international law) ዓለም-ለኸ ተፈላጥነትን ኣብ ገሊኡ ኲነታት በቶም ሓያላን ቀጽርታትን ውልቀ-ሃገራትን ይጥሓስ እኳ እንተኾነ፡ ሓፈሻዊ መለክዒ ሕጋውነት (legitimacy) ናይ ሎሚ ዓለምና ኢዩ። እሞ፡ ገለ ካብቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት እስቲ እስፍሕ ኣቢልና ንርኣዮ።

 

ጸገም ሶማሊላንድ፣

እታ ሎሚ ብ5 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ዘለዋ፥ ነብሳ ከም "ረፓብሊክ ኦፍ ሶማሊላንድ" እትሰሚ መሬት፥ ክሳዕ 1960 ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ ነይራ። በቲ ዓመት'ቲ ከኣ ምስታ ናይ ኢጣልያ ዝነበረት ሶማሊላንድን ብስምምዕ "ረፓብሊክ ኦፍ ሶማሊያ" መስሪተን። ብዚያባረ ክትመሓደር ዝጸንሔት ሃገረ ሶማልያ ብ1991 ጀሚራ ኣብ ህውከት ምስ ኣተወት፥ እታ ናይ ብሪጣንያ ግዝኣት ዝነበረት ሶማሊላንድ ርእሲ-ከተማኣ ሃርገሳ ገይራ በይናዊ ናጽነተይ ፍለጡለይ ኢላ ኣዊጃ። ዝተረፈ ዓለም ግን ነታ ኣቐዲሙ ተፈላጥነት ዝሃባ፥ ሞቓድሾ ዝርእሰ-ከተማኣ ሃገረ ሶማልያ (ማለት ንባዕላ ኣብ ንቡር ሃለዋት ንዘይጸንሐት ሃገር/ደውላ) ቀዳምነት ሂቡ ንሶማሊላንድ ክሰምዓ ኣይደለየን። እታ ሞቓድሾ ዝርእስ-ከተማኣ ናይ ሶማሊያ ደውላ ንናጽነታ ፍለጡላ ክሳዕ እትብል ከኣ ሶማሊላንድ ከምታ ዘላታ ኮይና ክትቅጽል ተፈሪዱዋ ማለት ኢዩ።

 

ከምኡ'ውን ኮሶቮ/Kosovo

ናይ ቀደም ዩጎዝላቪያ ምስ ፈረሰት፥ ሰርብያ ወራሲት ናይ ዩጎዝላቭያ ተቘጺራ ከም ሓዳስ ሃገር ተፈላጥነት ረኺባ። ኣካላ ዝነበረት ኮሶቮ ግን ፍልይቲ ሃገር ክትከውን ኣብ ቃልሲ ጸኒሓ። እቶም ካብ ኣልባንያ ዝመበቆሎም ህዝባ'ውን ብሰርብያውያን ክግፍዑ ጸኒሖም ኢዮም። ብወተሃደራዊ ሓይልታት ናቶ/NATO (ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዝርከብዎ ሓይሊ) ተደጊፋ፡ ኮሶቮ ትሕቲ ምምሕዳር ሕቡራት መንግስታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ፍቓድ ናይ ሃገረ ሰርቢያ ከይረኸበት ብ2008 ባዕላ ናጽነታ ኣዊጃ። ካብ ሽዑ ጀሚራ ከኣ ኮሶቮ ጌና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣባልነት ስኢና ተንጠልጢላ ትነብር ኣላ።

 

ካብ ሶማሊላንድ ግን ትሓይሽ። ሳላ ኣመሪካን ደገፍታን፡ ንናጽነት ኮሶቮ ተፈላጥነት ዝሃባ ካብ 100 ዘይውሕዳ ሃገራት በጺሐን ኣሎዋ። ግንከ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ክሰማምዓላ ስለዘይከኣለ፡ ልኡላውነታ ብውንዙፉ ይነብር ኣሎ። እቲ ብቤት ፍርዲ ዓለም-ለኸ ንፍትሒ (International Court of Justice) ንኮሶቮ ደጊፉ ዝሃቦ ፍርዲ እውን ክሕግዝ ኣይከኣለን። ሩስያን፡ 'ኮር ተገልበጥ' ናይ ህግደፍ ኤርትራን ካብተን ንኮሶቮ ኣባል ሕቡራት መንግስታትን ካልእ ዓለም-ለኸ ማሕበራትን ንከይትኸውን ካብ ዝቃወማ ዘለዋ ሃገራት ኢየን።

 

World Map 1 

ኤርትራ ካብተን "ሕጋዊ ሸነኽ" ኣመኽንየን ንናጽነት ኮሶቮ  ካብ ዘይደገፋ ሃገራት ምዃና ዘርኢ ካርታ።

 

ዝገደደ ከኣ፡ ህግደፍ (ምእሳር ኣመል ኰይኑዎ) ንሓደ ወዲ ኮሶቮ ዝኾነ ጀይምስ በሪሻ ዝስሙ ዘዋር ነፋሪት፥ ቅድሚ ሽድሽተ ዓመታት ንኮሶቮ ተፈላጥነት ኣብ ዘይሃባ ሃገራት እናዞረ 'በጃኹም ንኮሶቮ ከም ሃገር ፍለጡና' እናበለ ክዘውር ጸኒሑ ኣስመራ ምስ በጽሐ፡ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝዳጐንዎ ይፍለጥ። ድሕሪ ክንደይ ላዕልን ታሕትን ከኣ'ዩ ካብ ማእሰርቲ ህግደፍ ነጻ ኰይኑ፡ ዝረኸቦ ርካብ እናገረሞ ንሃገሩ እተመልሰ።

ኣብዚ ላዕሊ ብሓጺሩ ተጠቒሱ ዘሎ ነጥብታት ንገለ ካብቶም ኣንበብቲ ጠቓሚ ኮይኑ ክርከብ ተስፋ እገብር። እታ "ሰንኮፍ ኣጀማምራ ነጻ ኤርትራ ናይ 1991 ንዘሎናዮ ሃለዋት ከመይ ከም ዝጸለዎ" ብዝብል ኣርእስቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት እተጻሕፈት ወረቐት ኣብ ቀረባ ጊዜ ናብ ኣንበብቲ ክትዝርጋሕ ኢያ።

ርሑስ በዓል ፋሲካን፡

ናብ ዝሓሸ መድረኽ ዝመርሕ

መበል 26 ዓመት ናጽነት ኤርትራን ይግበሮ!!

እዚ ዋዕላ እዚ ሎሚ ምሸት ዕለት 13 ሚያዝያ 2017 ክጅምር እዩ ግናኸ በቲ  ኣብቲ ናይ ዋዕላ ቦታ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብምኻዱ ዓሰርተታት ካብ ተሳተፍቲ ኣድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

እቶም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ናይቲ ስርዓት ፕረሲደንት ኣፈወርቂ ተቓወምቲ እዮም። ዝለዓለ ኣማኻሪ ናይዚ ስርዓት ኣዚ ጽባሕ ኣንጻር ድሌታት ናይ ሰልፊ ዘካየድ ምተዛረበ ነይሩ ።

እዚ ዋዕላ በቲ ምምሕዳር መንእሰይ ናይዚ እንኮ ሰልፊ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ  እዩ  ተዳልዩ። ድሕሪ ቀትሪ ዝጀመረ ጎስጢ ድሕሩ ናብ ብርቱዕ ዝኾነ ግርጭት ማዕቢሉ።

ብጋዜጠኛ ንከንቲባ ጃክ ሚከርስ ናይ ቨልደሆቨን ዝቐረበ ሕቶታት፥-
 
ጋዜተኛ፥- ኣብ ፈልደሆቨን ከንቲባ ሚከርስ ደሓንዶ ኣምሲኻ ክቡር ሚከርስ

ከንቲባ ጃክ ሚከርስ፥ ከመይ ኣምሲኻ።

ጋዜጠኛ፥ እዚ ዕንወት እዚ እንታይ እንታይን ስለምንታይከ ነዚ ውሳኔ ክትወስድ ገሩካ።

ከንቲባ ጃክ ሚከርስ፥ ድሕሪ እዚ ቀረባ መዓልትታት እዚ ዋዕላ ክካየድ ይመስል። ከም ዝመስለኒ ኣብ ነዘርላንድ  ናይ ምእካብን ሓሳብካ ምግላጽን  ናጽነት ኣገዳሲ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እየ ነዚ ዋዕላ ደው ከብሎ ዘይተራእየኒ። እንተኾነ ድሒሩ  እተደኣ ህዝባዊ ስነስርዓት ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ ኣልዩ ኣብ መጠርስታ  ንዝቕጽል መዓልትታት ብርግጽ ንህዝባዊ ስነስርዓት ኣብ ሓደጋ ገጹ ዘምርሕ ምዃኑ ብምርኣይ ከምኡ እውን ናብኡ ገጹ ብምምርሑ  ናይ ሰዓት 19:50 ነዚ ውሳኔ እዚ ክወስድ ከምዘሎኒ ተራእዩኒ።

ጋዜጠኛ፥ እዚ ኣቐዲሙ ነቶም ሎሚ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ ሰባት ፍሉጥ እንዲዩ ናብ ጌጋ መስመር ዝኸደን በዚ ውሳኔ እዚ ዝደልይዎ ኣይሃብካዮምንዶ ?
 .
ከንቲባ ጃክ ሚከርስ፥ ናይቶም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ውጽኢት ጥራሕ ኣይኮነን እንታይ ደኣ እቲ ምልክታት ናይ ዝመጽእ መዓልትታት እዩ። እቲ ኣብ ጸጥታን  ህዝባዊ ሰነስርዓትን ኣብ ፈልደሆቨን እዩ ዝገደሰኒ። ኣብ ዘሓለፈ ሰዓታት ውረድ ደይብ ተኻይዱ እዩ ናብዚ ውሳኔ እዚ ንከውስድ ዝደረኸኒ እዚ ከኣ ሕማቕ ኣጋጣሚ እዩ ምኽንይቱ በቲ ሓደ ሸነኽ ኣብ ነዘርላንድ  ናይ ኣኼባ ምውዳብን ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽን መሰል ክቡር  እዩ ይኹን እምበር ልዕሊ ኩሉ እቲ ጠቕሚ ወይ ረብሓ እዩ ዘገድስ።

ጋዜጠኛ፥- ኣብቲ ናይ ዋዕላ ዝካየደሉ ሆተል ብዙሓት ዝሓድሩ ኣለዉ እዚኦምከ ካብቲ ሆተል ክወጹ ዲዮም?
 
ከንቲባ ጃክ ምከርስ፥ እወ፥ ኣብዚ እዋን እዚ ብኡ ኢና ንሰርሕ ዘሎና ምስቲዋዕላ ዝካየደሉ  ኮኖንግስሆፍ ሆተል  ማንም ሰብ ኣብ ጽርግያ ዝሓድር ንከይርከብ ኣብ ምውዳብን ምርግጋጽን ኣሎና። ከምኡ እውን  ንዝመጽእ ሰዓታትን  ለይትን ምናልባት ኣውን ስዕቡ  ዝመጽእ መዓልትታትን ዘገልግል ፍታሕ ነናዲ ኣሎና።

ንጹር  ክኽውን እቲ ዋዕላ  ጽባሕ ሰዓት 7:30 ክጅምር ግን ከኣ በመሰረት እዚ ምኽልካል ዝወጻክዎ ውሳኔ ኣይክቕጽልን እዩ።

ጋዜጠኛ፥- ብሩህ እዩ  ከንቲባ ጃክ ሚከርስ የቐንየልይ ናይዚ ምሸት እዚ መብርሂኻ።

Source=http://nos.nl/uitzending/23906-nieuwsuur.html

ሓንቲ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለት ካብ ነዊሕ መግዛእታዊ ቀይድን ሓለንግን ናጻ ዝኾነት ሃገር ተመሊሳ ኣብቲ እቶም መግዛእታውያን ሓይልታት ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ዓይነት ኣገባብ ምሕደራ ክትኣቱ ብሓቂ እቲ ህዝቢ ዕድለኛ ከምዘይኮነ እዩ ዘመልክት። እዚ ከኣ እቲ ህዝቢ “ሎሚኸ እንታይ እዩ ክግበር ዝከኣል?” ናብ ዝብል ሕቶ ክኣቱ እንከሎ መልሱ ይሕርብቶ እዩ። ከምቲ ትጽቢቱ ኣብዚ ግዜ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ኩሉ ሽግራትን ወጽዓን ተላቒቑ ናብ ራህዋን ቅሳነትን ዝሰጋገረሉ ግዜ እዩ ክኸውን ዝግበኦ ዝነበረ። 

 ልክዕ እዩ ኣብ ሓደ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቲ ዝጸንሐ ሕብረተሰብ ሓርነታዊ ቃልሲ ምክያድ ክሕርብቶ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ እቲ ነቲ መግዛእቲ ስዒቡ ንሃገሩ ከመሓድር ዝመጸ ንህዝቡ “ብኸፋፊልካ ግዛእ” ከመሓድሮ እንከሎ ዝገደደ እዩ ዝኸውን። ስለዚ ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ንምስግጋር ቀሊል ጉዕዞ ዘይኮነስ ሓርፋፍን ሓጎጽጎጻት ዝመልኦን እዩ ዝኸውን።

ብዘይካ’ዚ ንዲሞክራሲ ገሊኡ ምስ ሃይማኖት ኣተሓሒዙ ከም ጸረ-ሃይማኖት ክገልጾ እንከሎ፥ ገሊኡ ከኣ ካብቲ ድሑር ዝንባሌታት ናጻ ስለዘይኮነ ኣብቲ ናይ ምዕብላልን ምድቋስን ልምዲ ብምጥሓሉ ንመትከላት ዲሞክራሲ ክቕበል የጸግሞ እይ። ከምዚ ስለዝኾነ ከኣ ብቐሊሉ ኣብ ነፍሱ ለውጢ ክገብርን ንለውጢ ድሉው ክኸውንን ክልወጥን ኣይክእልን እዩ። ብፍላይ ከምዚ ህዝቢ ኤርትራ ረኺብዎ ዘሎ ጸገም፡ ኣብ ፈቐዶ ዓለም ፋሕ ኢሉ ኣብ ዝተመሳቐለን፥ ማዕርነቱ ዝሰሓትን ውህደት ዘየብሉ፥ ብዓሌት፥ ብሃይማኖትን ብኣውራጃን ዝተጸልወ፡ ዝተፈላለየ ሓሳብ ምሓዙ ዲሞክራሲ ብቐሊሉ ክሰርጽ ዘይከኣል እዩ። ብሰንኪ እቲ ዝተፈላለየ ጉድለታት ሰውራ ኤርትራ ዘስዓቦ ምኽንያታት ከኣ ንዲሞክራሲ ብበበይንኻ ምውዳብን ኣብ እንዳታት ወሪድካ ንመሰል ንምጥባቕን ቀዳምነት ምሃብ እነሆ ናብ ዘይተደልየን ዘይስነፍልጠታውን ኣምር ከምርሕ ይርከብ።

እዚ መንነተይ ብኣውራጃይ ወይ ብዓሌተይ ዝበሃል ምስምስ ካብ ማሕበራዊ ተደላይነት ናብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ለዊጦም ነናይ ገዛእ ርእሶም ሕቡእ ኣጀንዳታት መተግበሪ ባይታ ክጥቀምሉ እምበር ካልእ ትርጉም የብሉን። ከምዚ ዓይነት ጠባርን ኣደናጋርን ኣገባብ ምትእኽኻብ ውዒሉ ሓዲሩ ንህንጸት ዲሞክራሲ ኣብ ዓቢ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ክኸውን። ዲሞክራሲ ክህነጽ መላእ ሕብረተሰብ ሓቢሩ ብዛዕባ እንታይነት ዲሞክራሲ ብትምህርትን ብተግባርን ክምኮረሉ፡ ክቕበሎን ክሰርሓሉን እንከሎ እዩ። ስለዚ ዲሞክራሲያዊ መሰረቱ ዝድልድለሉን ኣብ ኣእምሮ ሰብ ዝሰርጸሉን መስርሓት ሓቢርካን ተወሃሂድካን እምበር ብጸቢብነት ዝህነጽ ዲሞክራሲ ፈጺሙ ኣይተራእየን። ከምኡ እውን ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ሰላምን ምርግጋእን ነጺጉ ጠርናፊ ብዘይኮነ ኣገባብ ክጠራነፍ እንከሎ ህንጸት ዲሞክራሲ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ ዝኸውን። ሰባት ምስ ተኸተልቲ ሃይማነቶም ወይ ደቂ ዓሌቶም ጥራይ ዝሓብሩ ወይ ዝዛመዱ እንተኾይኖም፡ ዲሞክራሲ ርግኣትን ቅሳነትን ኣይረክብን እዩ። ዲሞክራሲ ክህነጽን ክረጋጋእን ሰዓብቲ ዝተፈላለየ እምነታትን ኣባላት ዝተፈላለየ ዓሌታትን ኣብ ናይ ሓባር ረብሓታት ኣትኪሎም ንሓባራዊ ረብሓ ብዲሞክራሲያዊ ኣዕኑድ ክምእዘዙን ከተግብሩን እንከለዉ እዩ ዝያዳ ውሕስነት ዲሞክራሲያዊ መትከላት ዝረጋገጽ።

ሎሚ ንሕና እዞም ኣብ ደገ እሞ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት እንነብር ዘሎና በዚ ሒዝናዮ ዘሎና ኣገባብ ጥርናፈ እሞ ኣብ ነንሓድሕድና ብነድሪ፥ ጥርጠራን፥ ምግላልን ተዋሒጥና ለውጢ ክነምጽእ ንኽእልዶ? ነዚ ጸገማትና ኣብ ምፍታሕ ብዘይሕግዝ ኣገባብ ምጥርናፍከ ከመይ ጌርና ኢና ብሓባር ሰሪሕና ናብ እንዕወተሉ ከም ዘመርሸና እንገብሮ?

ዲሞክራሲ እምበኣር ናይ ተዓዋታይ -ተዓዋታይ፡ ማለት ዓወት ንኹሉ ኣካላትን ጉጅለታትን ማሕበረሰብ እምበር ብተናጸል ኣይኮነን። እዚ ክኸውን እንከሎ ግና ሓደ ነቲ ናይ ዲሞክራስያዊ ኣምር ስሒቱ ክጎዓዝ ይኹን ወይ እውን ኣብ ልዕሊ መትከላት ዲሞክራሲ ናይ ምንእኣስ መንፈስ ኣሊይዎ ዓንዲ ዲሞክራሲ ብቐሊሉ ክሰባበር ይኽእል። ስለዚ ጸኒሓዊ ኣመለኻኽታ ኣወጊድና፥ ናይ ሓባር ልምድታትን ምስ ዘመና ከጓዕዝ ዝኽእል ነፍሰ ተቕይሮ ክህልወናን ሰላምን ፖለቲካዊ ስምምዕን ክሰርጽን ነፍሲ ወከፍና ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ብዘይ ኣፈላላይ ጸቒጥና ክንሓስብ የድሊ።


ሃገርና ኤርትራ፡ ብዛዕባኣ ክንዛረብ እንከለና እነተኩረሉ ብዙሕ ማእዝናት ኣለና። ስፍሓታ፡ ተፈጥሮኣዊ ሃብታ፡ ታሪኽ ቃልሳ ምእንቲ ናጽነት፡ ዘለዋ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ከባብያዊ ጀኣኦግራፊያዊ ኣገዳስነታ .. ወዘተ። ብዓብይኡ ድማ ኩለ-መዳያዊ ብዙሕነታ። እዚ ብዙሕነታ ዘምጸኦ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ከኣ ካብቲ ብጥንቃቐ ክተሓዝ ዝግበኦ ጸገኣ እዩ። ምኽንያቱ ናይዚ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነታ ብግቡእ ምምሕዳርን ዘይምምሕዳርን ንዕቤታ ጥራይ ዘይኮነ ንህልውነኣ እውን ወሳኒ ስለ ዝኾነ።

ተመኩሮና ብተግባር ከም ዘረደኣና ነዚ ሃብታም ብዙሕነት ሃገርና ዝፈጠሮ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ኣብ ምሕብሓብ ዝኽየድ መስርሕ ብባህሪኡ ኩርኳሕ ዘየብሉ ልሙጽ ኣይኮነን። ናይ ድሌታት ፍልልይ የጋጥም። ኣብቲ ንህልውነኣን ንዕቤታን ዝኽየድ ጉዕዞ ናይ መንገዲ ምርጫታት ፍልልይ ከጋጥም ይኽእል። ኮታ ኣብ ኩሉ ጉዳያት ዘሰማመዓና ዝበዝሐ ኮይኑ ዝፈላልየና’ውን ኣይቅልቀልን ማለት ኣይኮነን። ፍልልይ ዓቕምኻ ዘዳኽም ውጽኢቱ ሕማቕ ስለ ዝኸውን፡ እንተተኻኢሉ ከምዘየጋጠም፡ እንተጋጠመ ከኣ በቲ ዘሰማምዕ ከም ዝሰዓር ምግባሩ መለክዒ ብቕዓት ናይቶም ተዋሳእቲ ናይ ጉዳያት ኣመሓዳድራ ዝውስን እዩ።

ጉዳይ ሃይማኖት ክለዓል እንከሎ ናይ እምነት ብዙሕነትና ዝወለዶ ኣዝዩ ንኡስ ናይ ስምዒት ፍልልይ ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ብዙሕነት ጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣና ጸጋና’ኳ እንተኾነ፡ ዝፈጥሮ ንኡስ ስምዒት የለን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ካልኦት ናይ ብዙሕነትና መርኣያታት እውን ከምኡ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣተሓሕዛና ነቲ ዘሰማምዓና ገዘፍቲ ነጥብታት መመሊሱ ምግዛፍ እምበር ነቲ ዝፈላልየና ኣዝዩ ንኡስ ነጥብታት ከተዕቢ ምህላኽ ክኸውን ኣይግባእን እዩ። ነቲ ክዓቢ ዘይግበኦ ግድን ከዕብዮ እየ ኢልካ እንተንቂድካ ከኣ ኣይዓብን ማለት ኣይኮነን። ከምቲ “እምብዛ ተጠሚትካዮ ጸባ’ኳ ይጽልም” ዝበሃል።

ሓድነታን ክብራን ዝዓቀበት ኤርትራ ናይ ኩልና ኤርትራውያን መተካእታ ዘይብላ ናይ መንነትና መሰረት እያ። ኩልና ከኣ ከም ወትሩ ክንዕቅባ ይግበኣና። ገለ ክፋልና ንሓደ ካብቲ ናይ ብዙሕነትና ዘንጊ መሽቱ ኣብ ክንዲ “ከምዚ ኢና፡ ከምዚ እየ” ክብል እንተፈቲኑ ነቓዕ ይፈጥር። እቲ ነቓዕ ዘተባብዖ ዕድል ተረኺቡ ከኣ መሊሱ ፍጋዕ ይብል እሞ ብዙሓት ብዙሕነታዊ ሓድነትና ዘይማእመኦምን ብፍልልይና ክዕንገሉ ዝደልዩን ኣብቲ ነቓዕ ይሰፍሩን ጸረና ይጸፍዩን። ካብዚ ኩሉ ንምድሓን ማእከላይ ስሕበት ኣተሓሳስባና “ኤርትራ ናይ ኩልና፡ ንኹልና ብኹልና” ኣብ ዝብል ድልዱል መሰረት ኣዕሚቑ ክትከል ይግበኦ። እዚ ናይ ምርጫ ዘይኮነ ግድነታዊ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ።

እዚ ንብዙሕነት ዘኽብር፡ ንልኡላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ዝዕቅብ ማእዝን ክንድቲ ወሳንነቱ ምውሓሱ ከኣ ከቢድ እዩ። ኣብ ውሱን ግዜ ዝረጋገጽ ዘይኮነ ናቱ መስርሕ’ውን ኣለዎ። ኣብዚ መስርሕ እቲ እትኸዶ ኣንፈት ዕዉት ክኸውን ብውሕዱ እቲ ቅኑዕ ኣቕጣጫ ከሎ ጌና ክዕተር ኣለዎ። ነዚ ጉዕዞ ጽንኩር ካብ ዝገብርዎ ምኽንያታት ሓደ ካብ ምብትታንካ ዝዕንገሉ ናይ ውሽጢ ኮኑ ናይ ግዳም ኣካላት ኣንጻርካ ስለ ዝስለፉን ንዓኣቶም ስዒርካ ክትሰግር ግድን ስለ ዝኾነ እዩ። ነዚ ወሳኒ መስርሕ ኣብ ምዕዋት ከምዚ ሎሚ ዘጋጥመና ዘሎ ሰብኣዊ ድዩ ነገራዊ ዓቕሚ ክሓጽረካ ናይ ቃልሲ ባህሪ እዩ። ከምዚ ከጋጥም እንከሎ፡ እቲ መፍትሒ በቲ ውሽጣዊ ሕጽረትን ግዳማዊ ህበቡላን ተሰናቢድካ ጽባሕ ውጽኢቱ ዘጣዕስ ናይ ዓቕሊ ጽበት ኣንፈት ምሓዝ ዘይኮነ ኣብቲ መሰረታዊ ዝሓዝካዮ “ ሃገር ናይ ኩልና” ዝማእከሉ ኣተሓሳስባ ጸኒዕካ ሕጽረታት ኣወጊድካ ቀያሪ ዓቕሚ ከተጥሪ ምጽዓርን ምቅላስን እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ብብዙሕነታዊ ሓድነትን መሬታዊ ምሉእነትን ዝተቐለሰ ኣተሓሳስባ፡ ንቕድሚት ምድፋኡ ምስ ጸገመካ፡ ባዕላዊ ድኽመትካ ንምሕባእ ዘንግታት ብዙሕነት፡ ሃይማኖት ድዩ፡ ዓሌት ወይ ቦታዊ ኣቀማምጣ እንዳመሸትካ፡ ናብቲ ቀደም ኣብ 40ታትን 50ታትን ተፈቲኑ ዝሃጐጐን ብዙሕ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣኸቲሉ መኺኑ ዝጠፈአን ዘይኣካቢ ኣተሓሳስባ ክትሕባእ ምፍታንን ደገደገ ምምዕዳውን ሳዕቤኑ ክሳራን ምብትታንን ጥራይ እዩ። ምብትታን ከኣ ውጽኢቱ ዕንወት እዩ። ዕንወት ከኣ ኣይኮነንዶ ኣብ ርእስኻ ክውዕል ብጥቃኻ ክሓልፍ እውን ኣይበሃግን። ነቲ ቅኑዕ ግና ከተተግብሮ ዘይከኣልካዮ ኣተሓሳስባ፡ ምናልባት ነብስኻ ወኪልካ  “ኣይክእሎን እየ” ምባል ይከኣል ይኸውን። ለኻኺምካ ንምጥሓል “ኣይከኣልን እዩ” ምባል ግና ግጉይ እዩ።

ወዲ ሰብ ክፍጠር እንከሎ ተፈጥሮኣዊ ናጽነት ከም ዘለዎ ርዱእ እዩ። እዚ ናጽነት እዚ ግን ካብታ ናቱ ድሌት ወጻኢ ከይዱ ንኻልኦት ክዕምጽ ወይ ሰላም ክኸልእ ኣይተዋህቦን። ዝኾነ ይኹን ፍጡር ምስ ከባቢኡ ተወሃሂዱ ክኸይድን፥ ምስቲ ሕብረተሰቡ ከኣ ክከባበርን ናጽነት ሓድሕድ ክሕሉን ቀንዲ ተደላዪ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ግን ግርጭታት፡ ዘይምስምማዕን ዘይምትእምማንን ክፍጠር ይኽእል።

ኤርትራ ምስ ገለ ሃገራት ብስፍሓትን ብዘለወን ባህርያዊ ሃብትን ጸጋታትን ክትወዳደር እንከላ ምናልባት ገሊኣን ብስፍሓት ብሰለስተ ዕጽፊ ዝነኣሳ እየን። ንኣብነት ክልተ ኤውሮጳውያን ሃገራት በልጅዩምን ሆላንድን ንውሰድ። ብመሰረት ሓበረታ ጉጉል፥ በልጂዩም ብስፍሓት መሬታ 30,528 ኪሎሜተር ትርብዒት እያ። ሆላንደ ከኣ 41,543 ኪሎሜተር ትርብዒት እያ። ኤርትራ ከኣ 117,600 ኪሎሜተር ትርብዒት እያ። ናይ ነፍሲ ወከፈን ብዝሒ ህዝቢ ከኣ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። በልጂዩም 10,438,353: ሆላንድ 16,730,632: ኤርትራ ድማ 6,086,495። ካብዚ ምናልባት እቲ ኣብ ባሕርን ምደረበዳን ዝጠፍአን ዝጠፍእ ዘሎን ምስ ዝጐድሎ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ትሕቲኡ ከኸውን እዩ።

ኤርትራ ነዘን ክልተ ሃገራት ብስፍሓት መሬታ ዳርጋ ንኽልቲኤን ብሰለስተ ዕጽፊ ትተዓጻጸፈን። ብብዝሒ ህዝባ ከኣ ዳርጋ ክልቲኤን ይተዓጻጸፋኣ እየን። ይኹን እምበር ንህዝበን ይኹን ንኣዕቊበነኦ ዘለዋ ህዝቢ ካብቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነብሮ ዘሎ ከርፋሕ ናብራ ኣዝዩ ብዝሓሸ ኣገባብ የመሓድረኦ ኣለዋ። ኮታ ንህይወቱ ዘድሊ ነገራት የማልኣሉ ኣለዋ። እዘን ሰለስተ ዝተጠቕሳ ሃገራት ነፍሲ ወከፈን ዝመሳሰል ናይ ትሕተ ባይታውን ልዕለ ባይታውን ጸጋታትን ባህሪያዊ ሃብትን ይውንና። ኩለን ኣብ ሕርሻ፥ ማዕድን፥ (ሓጺንን ዚንክን) ዓሳ፥ ጋዝ፥ ነዳዲ ዘለወን ኢየን። ኣብ ሰልስቲኤን ሃገራት ዝበቑል ኣዝርእቲ ከም ዕፉን፥ ድንሽ፥ ከምኡ እውን ፍረታትን ኣሕምልትን .. ወዝተ፡ ክህልወን እንከሎ እተን ክልተ ሃገራት ዘይብለን ግን ከኣ ኤርትራ ዘለዋ ከም ወርቂ፡ ፖታሽ፥ ብሩር፥ እምነ-በረድ ,,, ወዘተ ኢዮም። ካልእ ዘይተዳህሰሰ ባህሪያዊ ሃብቲ እውን ኣብ ኤርትራ ክህሉ ይኽእል እዩ። ብዘይካ’ዚ ኤርትራ ክልተ ወደባት እትውንን ሃገር እያ። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ብቑጠባዊ ዓይኒ ምስ እንርእዮ ነዚ ኣዝዩ ውሑድ ህዝባ ይትረፍ ንካልእ’ውን መኾነት። ምኽንያቱ ከም ኣብነት ነዘን ክልተ ሃገራት ምስ ኤርትራ ምስ እነወዳድረን ካብ ናይ ኤርትራ ሃብቲ ዝያዳ ዘለወን ኣይኮናን። ግን እዘን ሃገራት እዚአን ሰላም፥ ቅሳነት፥ ቅኑዕ ምሕደራ፥ ሓድነት፥ ከምኡ እውን ኣእምሮ ማለት ፍልጠት ስለ ዘለወን፡ ነቲ ውሑድ ሃብተን ብግቡእ ሰሪዐን ነዋርሕ ዘይኮነስ ንዓመታት ኣቐዲመን ተሊመን ዝጐድለን፡ ካብ ካልኦት ሃገራት እናተክኣ ህዝበን ብጽቡቕ የናብራ ኣለዋ።

ሽግር ናይ ኤርትራ እምበኣር፡ ቀዳማይ ዘይብቕዓት መራሕቲ፥ ካልኣይ ከኣ ኣርሒቑ ዝሓስብ መንግስትን ምሕደራን ዘይምህላው እዩ። ባህሪ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መላኺ ስርዓት ንሃብቲ ሃገር ክጉሕጉሕ ወይ እውን ብካልኦት ሃገራት ንኽምዝመዝ ዘፍቅድ ምዃኑ ከኣ ካልእ ጸገም እዩ። እዚ ንዛረበሉ ዘለና ስርዓት ንህዝቢ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ተገዳስነት የብሉን። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓት እቲ ህዝቢ ናይ ፖለቲካ ድሕረት ስለዘለዎ ኣንጻር ረብሓኡ ክኸይድ ናይ ግድን እዩ። እዚ ከይኣክል ገለ ተበለጽትን ኣድሓርሓርትን ነቲ ቀንዲ ሃገራዊ ጉዳይን ንሃገራዊ መንነትን ዘህስስ ጉዕዞ ተተሓሒዞሞ ንርእን ንዕዘብን ኣሎና። እዞም ብስም ሃይማኖት፥ ብሄርን፥ ዓሌትን ከይተረፈ ካብ ሃገርነት ንታሕቲ ወሪዶም ክጠራነፉ ህርዲግ ዝብሉ ዘለዉ ጽባሕ ንግሆ ናይ ታሪኽ ተሓተትቲ ምዃኖም ክዝንግዑ የብሎምን።

ሎሚ ኣብ ምዕቡል እንዳማትካ ሃገር ኰንካ፡ ነቲ ኣብ ዲቕ ዝበለ ደልሃመት ዘእተወና ፍልልያት ዳግማይ ምግፋሕ ከሳብ ክንደይ ብጉዳይ ሃገርን ህዝብን ንሓሊ ቀንዲ መለለዪና እዩ ክኸውን። ኣብ ኣርበዓታትን ሓምሳታትን ገዛእቲ ሓይልታት ዝተጻወቱልና ምዝንጋዕ ከኣ ሎሚ’ውን መጻወቲ ጓኖት ክንከውን እዩ ኣፍደገ ዝኸፍት። ኤርትራ በዚ ጭካንን ስድን ስርዓት ተመሪሓ፥ ከም ሃገር ናብ ምፍሻል ገጻ ትጐዓዝ ኣላ። ትሕቲ ሃገራዊ ውደባ ገዲፍካ ንኹልኻ ብዘይጥርንፍ ኣገባብ ምትእኽኻብ ነቲ ጨቋኒ ስርዓት ዘገልግል እምበር ንህዝብናን ሃገርናን ዘድሕን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ሓቢርካን ሰሚርካን ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ክትቃለስን ክትሓስብን ኣብ መንጎ ንውሱን ሕብረተሰብ ጥራሕ ብምጥርናፍን ምሕሳብን ዘሎ ፍልልይ ዘምጽኦ መዘዝን ኣጸቢቕና ክነለልዮ ይግበኣና። እዚ ግና ባህልኻ፡ ልምድኻን ቋንቋኻን ደምስስ ወይ ከኣ ኣይተማዕብል ከስምዕ ኣይግባእን።

ኣርእስቲ መጽሓፍ፡ ተመኩሮ ተሓኤ ንሃገራዊ ናጽነትን ማሕበራዊ ፍትሕን (1961-1982)

ዓይነት መጽሓፍ፡ ሓቀኛ ታሪኽ

ደረስቲ፡ ፍሰሃየ ሓጐስ፡ ንጉሰ ጸጋይን ድራር ማንታይ

ብዝሒ ገጽ፡ 369 (ብዘይካቲ መእተዊ)

ዝተሓትመሉ ቦታን ግዜን፡ ቤት ማሕተም ሆሚብ 2016

ቅድሚ ኩሉ፡ እዛ መጽሓፍ ኣብ ኢደይ ክትኣቱ’ሞ ከንብባ ዕድል ንዝፈጠሩለይ ኣሕዋት ልባዊ ምስጋናይ የቕርበሎም። ብዓብይኡ ድማ ንደረስትን እታ መጽሓፍ እቲ ሒዛቶ ዝወጸት ክብደት ሒዛ ንክትወጽ ምስ ደረስቲ ንዝተሓባበሩን ዘበርከቱን ኣካላት ልባዊ ምስጋናይ የቕርበሎም። ስለቲ ዘቕረቡልና ክቡር ህያብ ኣመስጊነ ንኣመስጋኒ ክህቦም ድማ ደስ እብለኒ። እዛ መጽሓፍ ከም እትሕብሮ፡ ደረስትን ተሓባበርቶምን ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብቲ በላሕቲ ኣጋጣምታትን መድረኻትን ተሪሮም ከም ዝተቓለሱ ምርዳእ ይከኣል። ነዛ ጽሓፍ ንምድራስ ዝገብርዎ ተበግሶ ድማ ነቲ ናይ ሽዑ ቃልሶም መሊሱ ራጉድዎ።

እዛ መጽሓፍ ብሓፈሻ ነቲ መወዳድርቲ ብዘየብሉ ውድባዊ መዕቀኒ ዝተሓጽረ ተመኩሮ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ጥራይ  ዝተባሕተ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ተደሪቱ ዝጸንሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ድማ መንእሰይ፡ ምሉእ ስእሊ ኣብ ምሃብ እትሕግዝ እያ። ካብዚ ሓሊፉ ንተጋደልትን ኣባላትን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድማ ናይዛ መጽሓፍ ምውላድ ሞይትካ ከም ምትንሳእ እትቑጸር ህያብ እያ። እዚ ኣብዛ መጽሓፍ ሰፊሩ ዘሎ ሓበሬታ ብዓብይኡ ንተሓኤ ብኣካል ንዘይፈልጥዋ ኮይኑ፡ ኣባላት ተሓኤ ዝነበሩ እውን ገሊኡ ሽዑ ብዝነበረ ናይ ሓበሬታ ውሱንነት ዘይፈልጥዎ፡ ገሊኡ ድማ ዝወዓልዎ ግና ዝረስዕዎ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ከምቲ ደረስቲ ከሎ ጌና ዝበልዎ ናይታ መጽሓፍ ውሱንነት ኣብ ቦታኡ እዩ። ብዘይብኡ እውን ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተቃለሰ ወይ ብዛዕባ ተመኩሮኣ ኣብ ሜዳ ዝፈልጥ ታሪኻ ብሓንቲ መጽሓፍ ዝዕመም’ዩ ኢሉ ከም ዘይጽበ ፍሉጥ እዩ።

ናይዛ መጽሓፍ ምውጻእ ብመጀመርያ ካለኦት ሓርበኛታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ከምዚ ደርስቲ ማእከል ድርሰቶም ተመኩሮ  ውሱን ክፋል ናይታ ውድብ ገይሮም ዘለዉ፡ ንሳቶም እውን ካልእ ክፋል ናይ ተሐኤ ማእከል ገይሮም ክጽሕፉ ኣፍደገ ዝኸፍት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ቃልሲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ሕብረተሰብኣዊ ጉዳይን ናይ ከተማ ስርርዓትን ዝከኣል ዘይመስል መስተንክራት ዝተኻእለሉ ተመኩሮ ኣብዛ መጽሓፍ ሰፊሩ ስለ ዘሎ፡ “እቲ ናይ ሽዑ’ኳ ዝተኻእለስ ነዚ ናይ ሎሚኸ ስለምንታይ ዘይንኽእሎ” ዝብል ሓድሽ ንያትን ኒሕን እተሕድር እያ። ወረ ኣብ ገሊኡስ ኣይኮነንዶ ነቲ ንተሓኤ ብኣካል ዘይፈልጣ መንእሰይ፡ ነቲ ኣባላ ዝነበረ እሞ በቲ ኣብታ መጽሓፍ ተገሊጹ ዘሎ መስተንክራት ዝሓለፈ እውን “እዝስ እምበርዶ ንሕና ኢና ሰሪሕናዮ” ዘብል’ውን ኮይኑ ረኺበዮ። በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ኣባል ተሓኤ ዝነበረ ነዛ መጽሓፍ ወኒኑ ከንብባ ይግበኦ ዝብል መልእኽተይ ክመሓላልፍ እፈቱ።

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝሓለፈቶ ውሽጣዊ ምፍሕፋሓትን ንምእላዩ ዝግበር ዝነበረ ጻዕርታትን ነቲ ዘየድሊ ገሊፍካ ነቲ ዝጠቕም ወሲድካ ከም ናይዚ ዘለናዮ መዋእል ቃልሲ መወከሲ ክትወስዶ ዘኽእል ሓበሬታታት ሰፊሩ ምህላዉ እውን እዛ መጽሓፍ ሓጋዚት እያ። እዛ መጽሓፍ ተዘክሮ ጥራይ ዘይኮነስ፡ “እሞ እቲ ኣብዛ መጽሓፍ ሰፊሩ ብዘሎ ዝጀምርናዮ ዕማም  ኣብ መወዳእታኡ ንምብጻሕ እንታይ ንግበር” ዝብል ሓላፍነት’ውን እተሰክም እያ።

ትርጉም ናይቲ “ናጽነት ኤርትራ ናይ ሓደ ውድብ ህያብ ዘይኮነስ፡ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ውድባቱን ፍ ቃልሲ እያ” ዝብል ካብዛ መጽሓፍ ምርዳእ ይከኣል። ካብዚ ሓሊፉ ነቶም ሰውራ ኤርትራ ኪኖ ናጽነት ዘማዕዱ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ራኢ ኣይነበሮን ዝብሉ ሓደሓደ ወገናት ናብ ክውንነት ክመጹ ዝሕግዝ ሓሳብ እውን እዛ መጽሓፍ ኣስፊራ ኣላ። ብፍላይ ንትምህርቲ፡ ሕክምናን ማሕበራዊ ናብራ ዕቤትን ወሲኽካ ማሕበራዊ መደባት ተሓኤ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ዝምልከት ተመኩሮ ክተንብብ እንከለኻ። እዛ ውድብ ነቲ መሰረታዊ ናይ ለውጢ ዕጥቂ ዝኾነ ትምህርቲ እትህቦ ዝነበረት ቆላሕታ ድማ ዝያዳ ዝድነቕ እዩ።

ነዛ መጽሓፍ ምስ ኣንበብኩ ታሪኽ ተሓኤ ንምጽሓፍ ዘኽእል መወከሲ ሰነዳትን ሓበሬታታትን ኣይርከብን’ዩ ዝብል ዝነበረ ስኽፍታይ ተቐንጢጡለይ። ምኽንያቱ ብዙሕ ተረሲዑ ከይከውን ዝሰግኦ ዝነበርኩ ኣስማት ፍጻመታት፡ ዕለታት፡ ኣገደስቲ ቦታታትን  ሓርበኛታትን ምስ ውሱን ሕጽረታቱ ተጠቒሱ ርእየ። እዚ ነዞም ናይዛ መጽሓፍ ደረስቲ ዝገጠሞም ናይ ሓበሬታ ሕጽረት፡ ወይ ንሳቶም ዳግማይ መጽሓፎም ክደርሱ እንከለዉ ወይ ድማ ካለኦት ኣሰሮም ሒዞም ክደርሱ እንከለዉ፡ ክፍታሕ’ዩ ዝብል ተስፋይ ከኣ ጠጢዑ።

ድሌትን ርውየትን ሰባት ኣብ ሓደ ነጥቢ ደው ኣይብልን እዩ። ብመንጽር’ዚ ኣነ ድማ ነዛ መጽሓፍ ምስ ኣንበብኩ መቂራትንስ  ሰሲዐ። ብዛዕባ ውግእ እገለ ከይውስኹላ ነበሩ ክብል ጀሚረ። ኣብ መንደፈራን መረብን ካብ በጽሑስ፡ ነቲ ብበዓል ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ነጸረኣብ ክፍላይ፡ መሓምድ ኑር ዓፋን ሃብተ ሰንጋልን እንዳተመርሐ፡ 72 ሰዓታት ክወስድ ተመዲቡ ክነሱ ኣብ ናይ 13 ሰዓታት ጽዕጹዕ ውግእ ዝተዓወተ ውግእ ምሕራር ዓዲዃላ ብኻ መወሰኽዎ ኢለ። መሊሰ ድማ ንተመኩሮ  ተሓኤ ኣብ መዳያት ትምህርቲ፡ ሕክምናን ካልኦትን ዝምልከት ተመኩሮ ጠቒሶምሲ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ብ5 ኣባላት (ኣቦመንበር፡ ናይ ጸጥታ፡ ናይ ንብረት፡ ሓላው ገረብን ተቐባል ኣጋይሽን ዝነበርዎ) ንመጻኢ ሓባራዊ ምምሕዳር እምነ-መሰረት ዘንብር፡ ንበይናዊ ዳንነት ዘወገደ ምምሕዳራትስ ክጠቐስዎ ነይርዎም ምባለይ’ውን ኣይተረፈን። ብዓብይኡ ድማ እቲ ተሓኤ ከቢድ ዋጋ ከፊላ ዘዕወተቶን ክሳብ ሎሚ ኣሰሩ ዘይሃሰሰን ጉዳይ ምድልዳል መሬትከ ምባለይ’ውን ኣይተረፈን።

ኣብታ መጽሓፍ ብዙሓት ሰባት ዘዝዝክርዎ ተመኩሮ ከም ዘቕረቡ ተሓቢሩ እዩ። ኣብ ትሕዝቶ እታ መጽሓፍ’ውን ተንጸባሪቑ ኣሎ። ነዚ ናይ ብዙሓት ብርዒ ሓደ መልክዕ ናይምትሓዙ ውሱን ሕጽረት ይረአ እዩ። ኣብ ዝተወሰኑ ምዕራፋት’ውን ምድግጋም ዘንበብኩ መሲሉኒ። እዚ ክብል እንከለኹ ግና እዚ ኣዝዩ ውሱን ሕጽረት ነቲ ኣቐዲመ ብምሉእ ልበይ ዝነኣድኩዎ፡ ተወፋይነትን ጻዕርን ናይቶም ደርስቲ ብኣሉታ ዝጸሉ እዩ ማለተይ ኣይኮነን። ከምኣቶምስ ኩልና ንግበር።

05 ሚያዝያ 2017

እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንምንታይ 25 ዓመታት ክቕጽል ክኢሉ ዝብል ሕቶ ብዙሓት ኤርትራውያንን ብጕዳይ ኤርትራ ዝግደሱ ወጻእተኛታት ተዓዘብትን ዘልዕልዎ ሕቶ ኢዩ። ነዚ ሕቶከልዕሉ ከለዉ ድማ፡ እቲ ዝብገስሉ መንቀሊ፡ ነዞም ዝስዕቡ ሓቅታት ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ

 

ቀዳማይ፡- ህዝቢ ኤርትራ 30 ዓመታት ዝኣክል ክምህ ከይበለ ዘካየዶ ብረታዊ ቃልስን ዝኸፈሎ መስዋእትን ዘርኣዮ ጅግንነትን ጽንዓትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ መለለዪታትኣብ ምንታይ ኣተወ? ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ኢዩ ዓዚምዎ ዝብል ሕቶ የልዕሉ?

 

 

ካልኣይ፡- ኤርትራ፡ ብደረጃ ዓለም ሓንቲ ካብተን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ድኽነትን ብዝሒ ስደተኛታትን ምስተን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስርዓ ሃገራት ኩይና ኣላ። ንወፍሪ ርእሰማል ዘየተባብዕ ፖሊሲታት ስርዓት ኢሳያስ ንቝጠባዊ ዓቕሚ ኤርትራ ኣዳኺምዎ ኢዩ።ዋሕዚ መንእሰያት ኤርትራ ንስደት ድማ ተወሳኺ ተጽዕኖ ኣብ ቍጠባ ኤርትራ ዝፈጥር ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኩነን። እዚ ኵነታት’ዚ ስለምንታይ’ዩ ናብ ህዝባዊ ዓመጽ ዘየምርሐ?

 

ሳልሳይ፡- ስልጣን፡ ብሓደ ውልቀ-መራሒ ኢዩ ተገቢቱ ዘሎ። ስለስለምንታይ ኢዩ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ነዚ ጭቆናክብድህ ዘይፍትን ዘሎ?

መልሲ ናይ’ዚ ሕቶታት’ዚ ምርካብ ቀሊል እኳ እንተዘይኰነ፡ ንልዝብን ክትዕን መእተዊ ዝኸውን ሓሳብ ምቕራብ ግን ኣይጽላእን ኢዩ። እቶም ጠንቅታት ገሊኦም ታሪኻዊ፡ ገሊኦም ባህላዊ፡ ገሊኦም ፖለቲካዊ …ወዘተ መኣዝን ዘለዎም ስለዝዀኑ እቲ ጕዳይ ጥልቅ ዝበለ መጽናዕቲ ዝሓትት ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኰነን።

 

ዲሞክራሲ፡ ብነዊሕ መስርሕ ዝረጋገጽ ዘገምታዊ ምዕባለ ደኣ’ምበር፡ ብሓደ ረፍዲ ወይ ሓደ ዓመት ወይ ሓደ ወለዶ ዝረጋገጽ ዕማም ኣይኰነን። እተን ዲሞክራሲ ነጊሱለን ዝብሃላ ሃገራት ምዕራብ ንገዛእ ርእሰን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ በማእት ዝቝጸር ዓመታት ኢዩ ወሲዱለን ገና እውን ንምምዕባሉ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ኢየን ዝርከባ ዘለዋ።

 

እዚ ክንብል ከለና ግን፡ ዲሞክራሲ ዘይብለን ሃገራት፡ በቲ ሃገራት ምዕራብ ዝሓለፍኦ ጐደና ክጓዓዛን በማእት ዝቝጽር ዓመታት ክወስደለንን ኣለወን ማለትና ኣይኰነን። ካብ ተመኵሮ ናይ ሃገራት ምዕራብን ካብ ዓለምና በጺሓቶ ዘላ ስልጣኔን ተበጊስና ነቲ ኣሉታታት ብምውጋድ፡ ምስ ክውንነትናን ባህልናን ኣዛሚድና ናይ ገዛእ ርእስና መርሓ ግብር ኣውጺእና ነቲ ጕዕዞ ብመጠኑ ከነሕጽሮን ይከኣል ኢዩ።

 

ታሪኽ ህዝቢኤርትራ፡ናይመግዛእትንምልካዊጭቆናን ታሪኽ ኢዩ። ኤርትራ ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ ውዕል ምስ ኢትዮጵያ እተቖረነትላ ግዜ ድማ ኣዝያ ሓጻር ኣብ ርእሲ ምዃና፡ መንግስቲ ሃይለስላሰ እውን ነቲ ውዕል ብኡ ንብኡ ቀለሙ ከይነቐጸ፡ ኢድ ኣብ ምእታውን ኣብ ምፍራሱን ስለእተዋፈረ፡ እቲ ቅዋም ይኹን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ህይወት ክዘርኡ ኣይከኣሉን

 

ብድሕር’ዚ ዝሰዓበ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ድማ፡ ንወትሃደራዊ ግጥምያ ቀዳምነት ዝሃበን ብናይ ክልተ ደንበታት ስነሓሳብ ዝተጸልወን፤ ጸግዒ ናይ ዴሳዊ ደምበ ኰይኑ፡ ምልኪ ናይ ሸቃላይ ንምንጋስ ዝሕልን ገድሊ ስለዝነበረ፡ ዲሞክራሲ ንምዕንባብ ዝሕግዝ ባይታ ኣይነበረን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እታ ሃንዛ ኵላ ንዓይ ዝብል ኣተሓሳስባ ነጊስሉ ዝነበረ እዋን’ዩ ነይሩ።

 

ብድሕሪ 1991 ድማ ኣብ ኤርትራ ናይ ውልቀ መላኺ ስርዓት ብሓደ ሸነኽ፤ ድኹምን ዝተበታተነን ደምበ ተቓውሞ ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ ዝነገሶ ክውንነት ስለዝሰፈነ፡ ለውጢ ክረጋገጽ ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መንግስቲ ይኹን ኣብ ተቓወምቲ ውድባት እምነት ከሕድር ኣይከኣለን። እዚ ድማ፡ ዕምሪ ስልጣን ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝሕግዝ ክውንነት ኢዩ። ካባይ ዝሓሸ ክመርሕ ዝኽእል የለን እናበለ ንህዝቢ ከፋራርሕን ከደናግርን ኢዩ ዝርከብ።  ህዝቢ ድማ፡ ካብ ዘይፈትፈልጦ መልኣኽ’ሲ ትፈልጦ ሸይጣን ካብ ዝብል ስነመጐት እቲ ዝሓሸ ዘበሎ ሕማቕ ምርጫ ክቕበል ተቐሲቡ ኣሎ።

 

ኣብ ከባቢና ብፍላይ ከኣ፡ ኣብስርያ፡ሊብያንየመንንዝተጋህደፍሽለት ናይ ህዝባዊ ሰውራታት ወይ ናይ ለውጢ ቃልስታት፡ ህዝቢ ንስለ ሰላምን ርግኣትን ክብል ኣብ ጐድኒ ምልካውያን መራሕቱ ደው ክብል ዝተገደደሉ ክ~ነታት ከምዝተጋህደ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል ኢዩ።

 

 

ዘይብሉ ኣይህብን ስለዝዀነ ነገሩ፡ እዚ ሓድሽ ወለዶ ኤርትራ፡ ንነብሱ ብዲሞክራሲ ዘይተመሓደረ፡ ንኻልእብ ዲሞክራሲ ከመሓድር ግዜ ከድልዮ ኢዩ። እናወደቐ እናተንስአ፡ ካብ ፍሽለታቱ እናተማህረ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ተዓዊቱ ከምዝወጽእ ግን ኣየጠራጥርን ኢዩ። ይንዋሕ ይሕጸር፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓተ-ምልኪ ብቅዋማውን ዲሞራስያውን ስርዓት ክትካእ ምዃኑ ክዕጸፍ ወይ ክስገር ዘይከኣል ታሪኻዊ ሕጊ ኢዩ። ሓድሽ ንገዲም እምበር፡ ገዲም ንሓድሽ ክትክእ ምስ ባህርያዊ ሕጊ ዝቃዶ ኣይኰነን።

 

ብርሃነ ኣብርሃ

ብዕለት 16-03-2017 ሰለስቲኡ ኣብይተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከሰላ ብሓባር ተጠርኒፈን ኣብ ቀጽሪ መባእታ ቤት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕዉት በዓል መዛዘሚ ናይ 2016-17 ዓመተ ትምህርትን ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ምምስራት ኣብያተ ትምህርቲ ከሰላን መመረቕታ ናይቶም 12 ክፍሊ ዝወድኡ መበል 17 ዙርያን ድርብ በዓል ብድምቀት ኣኺቢረን ውዒለን፣ ኣብዚ በዓል እዚ ዕድመ ዝተገብረሎም መራሕቲ ሃይማኖት ካህናት ደብረ መድኃኔ ዓለምን እንዳ ቅዱስ ሚካኤልን። ዳይረክተር ዘይመንግስታውያን ኣብያተ ትህርቲ ናይ ዞባ ከሰላ ሓው እስታዝ ባብክር ኬላይ። ሓለፍቲ ኮማት ኤርትራን ኢትዮጵያን። ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ማሕበረ ኮም ህንዳውያን። ሱፐርቫይዘረት ኣቦ መንበር ማሕበር መማሃራን ዞባ ከሰላ ተሳቲፎም ነይሮም

 

CatholicSchool 7

 

መድረኽ ልክዕ ስዓት 3።00 ድ.ቀ. ብመምህር ወልደሂወት ቀለተ ተኸፍተ፣ መምህር ወልደሂወት ሓደ ድሕሪ ሓደ ንተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ናይ እንቋዕ ድሓን መጻኹም መልእኽቲ ብምትሕልላፍ ን5ተ ስዓት ዝኣክል ዘሎ መደባት ንመድረኽ ዝመርሑ ተማሃሮ ኣረ

 

CatholicSchool 8

 

ኣለይቲ መድረኽ ነቲ ካብ ተማሃሮ ዝተዋጽኡ ኣባላት ክፍሊ ባህላዊ ጉዳያት ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ብሽማግለ መማሃራን ተመልሚሎም ዘዳለዉዎ መልእኽቲ ሓዘል ተዋስኦታትን መዛሙርን ደርፍታትን ዋዛ ምስ ቁም ነገርን ሓንቲ ድሕሪ ሓንቲ እንዳተበላለጹ ብቋንቋታት ትግርኛ - ዓረብ - ትግረ - ብሌን - እንግሊዝ - ከምኡ’ውን ኣምሓርኛን ናይ ህንዲ ባህሊ ብግቡእ ሰሪዔን ከቕርባ እንከለዋ። ነቲ ዘቕርብኦ መደብ ዝገልጽ ብመልክዕ ግጥሚ እንዳሃባ ብኽልቲኡ ቋንቋታት ማለት ብትግርኛን ብዓረብን ክሳብ መወዳእት ግዜ ብጽፈት መሪሐንኦ፣ ኩሉ እቲ ተማሃሮ ዘቅረብዎ መደባት ከም ኣብ ስደት ምህላዎም መጠን ባህሎም ንኽፈልጡን ክዕቅቡን ዘዛኻኽር ኢዩ ነይሩ ኪብሃል ይከኣል፣ ብዝርዝር ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ባህልን ልምድን ናይ ሕዝቢ ዘንጸባርቕ ስለዝነበረ ከኣ ተፋተስቲ ናይቲ በዓል ዝመሰጠን ዓቢ ኣድናቆት ዘሕደረን ትርኢት ነበረ

 

CatholicSchool 9

 

ካብቲ ዝዘመርዎ መዝሙር ንልቢ ዕዱማት ዝመሰጠ ሓደ ከምዚ ዝብል ነበረ።- “ከነመስግን ኢና …… ከነመስግን። ኣብ ስደት ኮይና ከነመስግን። ትምህርቲ ከፊትኩም አምሃርኩምና። ከነመስግን ኢና ከነመስግን፣ ድሮ 40 ዓመት ኮይኑ ዕድሜኪ። ንክንደይ ብሉጻት ዘምሃርኪ። ኣቦይ ኣደይ ሓወይ ሓፍተይ ሓሊፎም በኣኪ። ከነመስግን ኢና ከነመስግን፣ ዕድለኛታት ኢና ምዃና ደቅኪ። እንታይ ምኮና እንተዘይትህልዊ። ዕድመን ጥዕናን ይሃቦም ንዝመስረቱኪ። ከነመስግን ኢና ከነመስግን” ዝብል ነበረ

 

CatholicSchool 10

 

ኣብ መንጎ ናይቲ ዝካየድ ዝነበረ ምርኢት “ቃል ተማሃሮ” – “ቃል መማሃራን” ብመምህር ክፍላይ ወልደጋብር። ቃል ኣባ ገብራይ ኣካያዲ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን ከሰላ። ቃል ሓው ባብክር ኬላይ ወኪል ዘይመንግስታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ተዋሂቡ

 

CatholicSchool 11

 

ንተማሃሮ ወኪሉ ቃል ዝሃበ ተማሃራይ።- ድሕሪ ናይ ክብሪ ሰላምታ ንኹሎም ተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ድሕሪ መሃብ። ንኹሎም ነቶም ነዚ ኣብያተ ትምህርቲ እዚ ኣብ ቦታ ስደት ከፊቶም ብትምህርትን ሰነ-ምግባርን ተኲስዂስና ክንዓቢ ዕድል ዝሃቡና ክቡር ነ.ኄር ኣባ ማሪኖ ሃይለን ንካህናት ማኅበር ካፑቺን ካቶሊካዊት ቤ ክርስቲያን ኣመስጊኑ፣ ብፍላይ ከኣ ነባገብራይ ቢኢደማርያም ኣካያዲ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤ ክርስቲያን ከሰላ ብቀረባ ኮይኖም መዓልታዊ ንጥፈታት ናይ ኣብያተ ትምህርትና ብምክትታልን ኣድላይ ዝበልዎ ንዕቤትና ዝሕግዝ ምኽርን ሓሳባትን ዝህቡና ልዑል ምስጋና ይብጽሓዮም ኢሉ

 

CatholicSchool 12

 

ነቶም ቀለማዊ ትምህርቲ ጥራይ ዘይኮነ ብሃገራዊ ኣተዓባብያን ሰናይ ተግባራትን መልሚሎም ዘዕብዩና ዘለዉ ክቡራን መማሃራን ክብርን ምጎስን ይኽኖም ብምባል። ኣብ መወዳእታ ከኣ ናይ ተማሃር ግደን ከዘውርርዎ ዘለዎም ጽቡቕ ጠባይ ኣዘኻኺሩ

 

ቀጺሎም መምህር ክፍላይ ወልደጋብር ንመማሃራን ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ወኪሎም ብዛዕባ ትምህርቲ መግለጺ ሂቦም

CatholicSchool 13


መም. ክፍላይ ንተሳተፍቲ ዘስምዕዎ መደረ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ:--

ክቡራት ኣጋይሽና እንቋዕ ብደሓን መጻኹም፣ ብምቅጻል ብስመይን ብስም መሳርሕተይ መማሃራንን ልባዊ ሰላምታይ የቅርበልኩም፣

ብምቅጻል “ዝኽሪ ናይ 40 ዓመት ምምስራት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብያተ ትምህርቲ ንስደተኛታት ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ናይ መባእታን ማከላይን ላዕለዋይን ቤት ትምህርትታት ተጠርኒፈን ኣብ ዘለዋሉ ህሞት በዚ ኣጋጣሚ ምዝዛም ናይ 2016-17 ዓመተ -ትምህርትን ናይ 40 ዓመት ንሕጻናት ስደተኛታት ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ተጸሚዳ ዝሃበቶ ኣገልግሎት  ትዝክር ከምዘላ ብምዝካርና እንቋዕ ናብዚ ክቡር ዕለት ኣብቅዓና  እብል

ንፉዕ ተማሃራይ ከም ንፉዕ ሓረስታይ ይምሰል፣ ሕማቕ ድማ ከም ሃካይ ሓረስታይ ከምዝብሃል ሎሚ ድማ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ኣብ መንጎ መማሃራንን ተማሃሮን። ፍልጠት ንምሃብ ኣብ ዝተገብረ ናይ እንካን ሃባን ዓውደ - ትምህርቲ ብፍላይ ተማሃሮ በብስርሖም ውጺኢት ፍረ-ጻምኦም እተፍልጥ ዕለት ምዃና እተዘክር ኢያ

ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቅሰ ዓውደ - ትምህርቲ ተዋሳእቲ መን ኢዮም ንዝብል ሕቶ። መምህር። ተማሃራይ። ወለድን ኢዮም፣ እዚኣቶም ኣብ ስርሖም ሓደ ከም ሰለስተ ወይ ሰለስተ ከም ሓደ ኮይኒም እዮም ኪሰርሑ ዘለዎም፣ ካብ ሰለስቲኦም ሓደ ምስ ዝጎድል ዓወት ናይ ተማሃራይ ክረኣ ኣይክእልን ኢዩ

ተማሃሮ ብማዕረ ይማሃሩ። ብማዕረ ይምርመሩ። ብማዕረ ድማ ይቅጽዑ። ፍረ-ጻማ ጻዕሮም (ውጺኢቶም) ግን ኣብ መንፋዓቶምን ኣብ ምክትታል ወለዶምን ብዝያዳ ዝተመርኮሰ ይኸውን

ትምህርቲ ብግቡእ ንኽኸይድ ስርዓተ - ሕጊ ቤት ትምህርቲ ተሓልዩ ምስ ዝኸይድ ኢዩ

ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝኽሪ ናይ 40 ዓመት ዝተረቁሐ ወይ ናብ ወርቃዊ ኢዮቤል እትኸይድ ዘላ ቤት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንስደተናታት ዕድመ ናይ ወዲ ሰብ ዘምሀረት እንተበልና ቃል ኣጋንኖ ኣይኮነን፣ ከመይ ኣብያተ ትምህርትና ብዘይ ናይ ዜጋ ኣፈላላይ ከም ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን ህንዳውያንን …. ኣብ ናይ ፍልጠት ጎደና ኰይና ኣስታት ልዕሊ 24,000 (ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ) ተማሃሮ ዘምሃረት ፍልጥቲ ቤት ትምህርቲ ኢያ

እዛ ን40 ዓመት ዝኸውን ፍልጠት ንሕዝባ ዘካፈለት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን። ብፍላይ ብማኅበር ካፑቺን ዝግበረልና ዘሎ ሰናይ ተግባራት ብስመይን ብስም መማሃራንን ቀጽልዎ እንዳበልኩ ጻማኹም ካብ ኣምላኽ ርኸብዎ እብል

ኦ ወለዲ ገዛ ኣብ ከውሒ ምስ ዝህነጽ ኢዩ ተሪር ዝኸውን። ንፉዕ ተማሃራይ ድማ ናይ ወላዲ ምክትታል ምስ ዝህልዎ ልክዕ ከምዚ ዝበልክዎ ጽንዑን ንፊዕን ይኸውን ኢሎም    

ካብዚ ቀጺሎም ከኣ ኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ኣካያዲ ኣብያተ ትምህርትና ከምዚ ክብሉ ቃሎም ኣስምዑ:-

CatholicSchool 14

ዝኸበርኩም ኣጋይሽና:

ብመጀመርያ ናብዛ ክብርቲ መዛዘሚት ዕለት ዓመተ ትምህርቲ 2016-17 ብደሓነ-ሰላም ዘብጽሓና ልዑል ፈጣሪ ክብርን ምስጋናን ንእኡ ይኹን። ኣሜን

ክቡራት ተሳተፍቲ ሎሚ’ውን ከምቲ ልሙድ ኣገባብ ኣበዓዕላ መዛዘሚ ኣብያተ ትምህርትና ኣብዛ ንእሽቶይ ዳስ ዳስ ፍልጠትን። ናይ መጻኢ ምዕባለ እትእምትን ኰይና በዚ ኣጋጣሚ’ውን ኣብያተ ትምህርትና  ንኹሉ ዜጋ ብዘይ ኣፈላላይ ነርባዓ (40) ዓመት ዝኸውን ዝበርከቶኦ ናይ ትምህርቲ ዕድልን ፍልጠትን። እንዝክረሉ ጊዜ ከምዝኾነ ዝያዳ ሓበሬታ ክህብ እፈቱ

CatholicSchool 15እዚ ዓቢ ውጽኢት ናይ ትምህርቲ ምዕባሌ ዝተረኽበ ግን ተቀባል ጋሻን ፈታዊ ትምህርትን ዝኾነ ኃው መንግስቲ ሱዳን ባዕልና ንባዕልና ንክንመሃርን ንክንመሓደርን ነጻ ዕድል ስለዝሃቡና ኢዩ

ደቂ ሰባት ናይ ዝተፈላለየ ልምድን ባህልን ሕብረተ-ሰብኣዊ ዝንባለታትን ሕዞም ስለዝጐዓዙ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን ድማ ብሰንኪ ብርቱዕ ኲናት ካብ ሃገሮም ዝተመዛበሉ። ናብ ኃው ጐረቤት መንግስቲ ሱዳን ብብዝሒ ዝተሰደ ሕዝቢ ኤርትራ ብምርኣይ ዝያዳ ብዝርድኦ ቋንቋን ባህልን ብዘይ ናይ ዜጋ ኣፈላላይ ን40 ዓመት ነዚ ገዚፍ ናይ ትምህርቲ ስነ-መዕበያ ፕሮጀክት (project) ቁጠባዊ ምሕደራ ሀሰስ ብምባል ብሰናይ ተበግሶን ጻዕርን ኣኅዋት ካፑቺን ይስራሕ ከምዝነበረን ከምዘሎን ክጠቅስ እፈቱ፣ ከም ኣብነት ክቡር ነፍሰ-ሄር ኣባ ማሪኖ ምስ ብጸቶምን ብዙሓት ገበርቲ ሰናይን ማኅበራትን ገዳማትን ናይዚ ዓቢ ስራሕ ዕማም። እጃሞም ከምዘበርከቱ ህያው ምስክር’ውን  ኢዩ

CatholicSchool 16

ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን ብኃልዮት ማኅበር ካፑቺን ነቲ ብ1977 ኣብ ንእሽተይ ዳስ ዝጀመረቶ ብምዕባይ ከም መባእታን ማእከላይን ደረጃ ስሩዕ መደባዊ ትምህርቲ ንስደተኛታት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ክሳብ 1997 ማለት ን20 ዓመት ኣገልግሎቱ ከም ዝሃበ ከዘኻኽር እፈቱ፣ እቲ ብላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት (UNHCR) ዝካየድ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ላዕለዋይ  ደረጃ ኣብ 1997 ዓ.ም. ናይ ምዕጻው መደብ ስለዝጀመረ። ንሰለስተ ዓመት ብሓባር ድሕሪ ምስራሕ ኣብ 2000 ዓ.ም.  ስለዝተዓጽወ። ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስቲያን ናይ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሓላፍነት ብምውሳድ ክትቅጽሎ ስለዝተረኽበት እንሆ’ውን ድሮ 20 ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ከምዘላ እንዳሓበርኩ። ሎሚ ዓመት ከኣ ንመበል 17 ዙርያ 12-ክፍሊ ዝወድኡ ነመርቕ ከምዘሎና እንደገና ብዝያዳ ከብርህ እፈቱ

CatholicSchool 17

እኩብ ድምር ናይ 40 ዓመታት ብዝሒ ተማሃሮ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስቲያን ዝተማሃሩ ኣስታት 24,000 (ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ) ኪኾኑ እንከለዉ 60% ደቂ ተባዕትዮ 40% ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኢዮም

CatholicSchool 18

ዋላ እኳ ስደት መሪር እንተኾነ እዚ ናይ ትምህርቲ ዓወት ዝተረኽበ ግን መማሃራንን  ወለድን ጽቡቕ ድላይ ተማሃሮን ብሓባር ስለዝሰርሑ ኢዮም ኪብሃል ይከኣል፣ ፍረ ናይዚ ሓባራዊ ጻዕሪ ከኣ ክሳብ ሎሚ ተማሃሮና ኣብ ናይ 12 ክፍሊ መርመራ ንዩኒቨርስቲ ብጽቡቕ ነጥቢ ይሓልፉ ከምዘለዎ ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ ኢዩ፣ ስለዚ’ውን እቶም በዚ ዝሓለፉ ተማሃሮና ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ስራሕ ተዋፊሮም ግላውን ማሕበራውን ሃገራውን ግቡኦም ዝፍጽሙ ብዙሓት ዘጋታት ከምዘፍረየት ዘይርሳዕ ሓቂ ኢዩ

CatholicSchool 19

ክቡራት ወለዲ ተማሃሮና ብፍላይ ናይ ዝሓለፈ ጊዜን ናይ ሎሚ ግዜን ከነወዳድሮ ከሎና ዓቢ ፍልልይ ከምዘሎና ክንርዳእ ይግባእ፣ ኣብ ዝሓለፈ ምዕባሌ ተክኖሎጂ ስለዘይነበረ ኩሉ ሰራሕ ብናይ ሓንጎል ርድኢት ነበረ፣ ናይ ሎሚ ግን ብተክኖሎጂ ዝተሰነየ ስለዝኾነ ደቅና ኣብ ካልእ ኣድህቦ ከይወደቁ ጊዜ ትምህርቶምን መጽናዕቶምን ክንከታተል ከምዘሎና ክንርዳእ ኣሎና፣ ስራሕ ንቃላት ይቅድም ዝብል ምስላ ተጠቅምና ኲልና ብሓባር ፈተውቲ ትምህርቲ ክንከውን ንጽዓር፣ ብዘይ ትምህርቲ ሕይወት ዋጋ የብሉን

CatholicSchool 20

ኣብ መወዳእታ።-

ኃው መንግስቲ ሱዳን ኣብ ጐድንና ደው ብምባል ዕድል ትምህርትን ሞራልን ስለዝሓገዙና የሞጉስ፣ በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ከተማና ከተማ ከሰላ ኣኣንጋዲት “ሃገራዊ ፈስቲቫል ተማሃሮ” ኮይና ብምምራጻ ሓጎስ ይስምዓና፣ ዕዉት ኪኸውን ከኣ ንምነ፣ ደቅና ዝዓብይሉን ዝማሃርሉን ስለዝኾነ ከኣ ተማሃሮና እጃሞም ከበርክቱ ምዃኖም ቃል ንኣቱ ኪብሉ ቃሎም ኣስምዑ

ብኣጋጣሚ ምምስራት 40 ዓመት ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣስታት 38/40 ዓመት ዘገልገሉ ገዳይም መምሃራን ንአብያተ ትምህርትን ስልማት ተዋሂቡ

CatholicSchool 21ቃል ኣቶ በብክር ኬላይ ወኪል ዘይመንግስታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል እዚ ቤት ትምህርቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ትምህርቲ ሚኒስተር ኮይኑ ካብ ዝምስረት እንሆ ኣርብዓ ዓመት ይዝክር ኣሎ፣ ኣብዚ መዋዕል ከዓ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዘካይዶ ዘሎ ዓብይን ዝነውሔን ዝበለጸን ሓደ ካብተን ዘይመስግስታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ጽፉፍን ስሩዕን ከምዝኮነ እናመስከርና። በቲ ዝገብሮ ዘሎ ሰነ-መዕበያ ኣዚና ንኾርዕ፣ ምኽንያቱ እዚ ት/ቲ ብዘይ ኣፈላላይ ዜጋ። ሃይማኖት። ንኹሉ ጠርኒፉ ብነጻ ኣገልግሎት ዘወፊ ስለዝኾነ ክትቅጽልዎ ነተባብዕ፣ ዓቕምና ብዝፈቅደልና ከኣ ኩሉ ጊዜ ኣብ ጐንኹም ከምዘሎና ከረጋግጸልኩም ንፈቱ፣ ከምኡ’ውን በቲ ተማሃሮ ዘቅረብዎ ባህላውን ትምህርቲ ሓዘል ምርኢት ኣዚዩ መሳጥን መሃርን ከምምዃኑ መጠን ኣብቲ ብሃገር ደረጃ ዝቀርብ “ፈስቲቫል ተማሃሮ” ተማሃሮኹም ክሳተፉ ምኳኖም የረጋግጸልኩም ኪብሉ ዘረቦኦም ደምደሙ

ኣብ መወዳእታ ነቶም ኣብዚ ዓመት ትምህርቲ ብትምህርቶም ጸብለልትነት ዘርኣዩ ናይ ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምህርቲ ንፉዓት ተማሃሮ ነቲ ተዳልዩሎም ካብ ኣዚሎ (መዋዕለ ሕጻናት) ክሳብ 11 ክፍሊ ሽልማት ዝወስድሉ ጊዜ ስለዝበጽሐ ነባ ገብራይ ሽልማት ንኪዕድሉ ናብ መድረኽ ደየቡ። ኣባ ገብራይ ከኣ ነባ ሰሎሞን ነጋን ነባ ጴጥሮስ ወልደና ናብ መድረኽ ዓደምዎም፣ ሽዑ ምዕዳል ሽልማት ሓደ ድሕሪ ሓደ ብሰላምን ብስነ-ስርዓትን ተዛዘመ

ብሰላም ኣጀሚሩ ብሰላም ኣብ ፍጻሜ ዘብጽሓና ኣምላኽና ምስጋና ይኹኖ፣ ንዝመጽእ ዓመተ ትምህርቲ 2017-18 ከኣ ዕድመን ጥዕናን ሂቡ ብሰላም የራኽበና። ኣሜን

ብቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ ዝዳሎ ዕላዊ  ልሳን  ---- ሕታም ቁጽሪ 54

                     

"Exposing Agazians false narratives of building TigrayTigrini"

                                             

ብፍስሓ ናይር

ሎሚ ነዚ ሓተታ ከቅርብ ዝገደደኒ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ብፍላይ ድማ ኣብ ፓልቶኮት ኤርትራውያን ክቀርብ ዝጸንሔ ዘይጸረየን ኣብ ሓቀኛ ጽሑፋት ታሪኽ ብዛዕባ ሕዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምርኰሳ ዘይብሉ ናይ ሃውተታ ክትዓት ክካየድ ብምኽትታልን ከምኡ ድማ ኣብ ገለ መጽሔታት ከም "ውራይና" ዝብሉ መጽሔታትን ብምንባብ እዚ ጉዳይ እዚ ንኩልና ስለዝምልከት ሰነ ፍልጠታዊ ድህሰሳ ዘድልዮ ተረኽቦ ኢዩ።

 

መጀመርያ ታሪኽ ምፍላጥ ንህልዊ ኩነታትናን ንመጻእን ካብ ዝሓለፈ ናይ ሓድሕድ ውግእን ኩናትን፣ ብርሰትን ድኽነትን ድንቁርናን ኣተሓሳስባ ወጺእና፣ ሓዲሽ ኣተሓሳስባ ነዛ ብብዙሓት ዓለታትን ሃይማኖታትን ዝቆማ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብኡ ሓሊፍካ ድማ ንምሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃገራት ሰላምን ደሞክራስያን፣ ሰብኣዊ መሰላትን ግዝኣተ ሕግን ዘንግሳ መንግስታት ምሕናጽ ድኣ እምበር ኣብ ሓደ ዓለታዊ ኣተሓሳስባ ናይ ዘመኒ እምኒ 4000 ዓመት( ንድሕሪት ምሕሳብ እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት ንረብሓ መንከ፣ ዓሚቁን ሰፊሕን ትንተናን ሰለ ዘድልዮ፣ኩልና እቶም ንድሕነት ሕዝብናን ኣካባቢናን ንግደስ ከነድህበሉ እዋኑ ኢዩ ይመስለኒ።

 

ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ ኣብዛ ሎሚ ኢትዮያን ኤርትራን ተባሂለን ዝጽዋዓ ሃገራት ሕዝብን ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ዝነበረን ድሕሪኡ ዝተረኽበን ጽሑፋት እቲ ኣብዘን ሃገራት ዝነብር ዝነበረ መበቆሎም ካብ ካም /ኩሽ ፣ሰም፣ ሓማውያን ወይ ድማ ሓውዋስዋስ ዓለታት ከምዝኾኑ ይዝንቶ። ነዚ ዝያዳ ንምርዳእ ድማ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሕዝብታት ታሪኽ ንምፍላጥ ዝሕግዙና፣ ናይ ኣርኪዮሎጅን ናይ ታሪኽ ቅርስታት፣ ናይ ታሪኽ ጽሑፋት፣ ካብ ጥንታዊ ቦታታት ብምድላይ፣ ናይ ሕዝብታት ዘርእን መበቈልን እምነታትን፣ምቋም ሃገራትን ሃገራውነትን ኣብ እንታይ ዝተመርኰሰ ምዃኑ ክሕግዘና ይኽእል፡

 

ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ ቅድሚ ጽሑፍ ምምጹኡ፣ ወድሰብ ዝተፈላለየ ናይ ሕይወት መነባብሮ ከምዝሓለፈ ይዝንቶ ካብ ምእራር ዝብላዕ ካብ ኣታኽልቲ ድሓር ሃድን፣ ጸኒሑ ኣብ ሓደ ቦታ ምቅማጥን ሕርሻን፣ጸኒሑ ድማ ኢንዱስትሪ ከምኡ እናበለ ሰልጣነ ሕዝብታት ዓለም ኣብዚ ሕጂ ግሎባላይዘን ዓለም ኣብ ሓንቲ ቂሾት ኮይና ትግለጸሉ ደርጃ ኣብ ዝተበጽሔ ግዜ ሕጂ ተመሊስካ፣ ንሕና እባ ኣጋዝያን፣ንሕና ኢና ንመርሓኩም፣ትግራይ -ትግሪኚ፣ ኣስላምን ዓረብን ክጥፍኡ ኣለዎም እናበልካ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዓጀውጀው እምበርዶ ናይ ጥዕና ኢዩ ኢልካ ክትሓስብ ዝግድደካ ኢዩ፡፤

 

ኣብቲ ግዜቲ ሃገራት ብዶባት ዝፍልጣ እውን ኣይተፈጥራን ነረን፣ እታ ሓንቲ ኣሰር ንግስነታት ከምዝነበራ ክሳብ ክንደይ ሕዝብን ስፍሓት መረትን ሒዞም ይገዝኡ ነሮም፣ ዝፍለጣ ቅድሚ ንግስነት  ኣግኣዝያን ናይ ነገድ ኖህ ካም ኩሽ ዘመን መንግስቲ ከምዝነበረ ድሕሪኡ ድማ ናይ ኣግኣዝያን ንግስነት ቅድሚ ልደት ክርስቶስን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስን ከምዝነበረ፣ ድሕሪኡ ኣብ መበል 1300-ናይ ነገደ ዛጉየ ዘመነ መንግስቲ ድሕሪኡ ድማ ናይ ሽዋ ነገስታት  ኢየን። ብዛዕባ ነገድ ዮቅጣን- ነገደ ኣግኣዝያን ጽሑፍ ገዕዝ ከምዝነበሮም ዝፍለጥ ሰነድ የለን፣ ግን ነገደ ሳባ ካብ ደቡብ ዓረብ እዮም ፍደል ግዕዝ ዝመሃዙ  እዚኦም ድማ ካብ ካብ ሶርያ /ፈኒቅያ - ጢሮስ ናይ ሎሚ ሊባኖስ ከምዝመጽኤ ኢዩ ዝእመን( ፍስሓ ያዜ ካሳ፣ የኢትዮያ የ 5 ሺ ዓመት ታሪክ፣ ከኖህ እስከ ኢህአዴግ፣ መጽሓፍ 1 ርኤ)

 

ኣመጻጽኣ ፍደላት ምስ ትውልዲ ዝተኣሳሰር ዘይኮነስ ምስ ምህዞ ደቂ-ሰባት ድኣ እምበር ሕዝቢ ሓደ ዓለት ተኣኪቡ ዝመሃዞ ኣይኮነን።

 

ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ፍደላት

ኣብቲ ግዜቲ ፈኒካውያን ማለት እቲ መጀመርያ ናይ ጽሑፍ ፊደላት ዝመሃዙ ኣብ ናይ ሎሚ ማእከላይ ምብራቅ ሃገራት፣ መሶጳጣምያ ሱርያን ሊባኖስ ከምኡ ድማ ኢራቅ ምንጪ ናይ ሎሚ ኩሉ ፍደላት  ዕብራይስጢ፣ ዓረብ፣ ግዕዝ፣ ጽኒሑ ድማ ላቲን ኣብ ግዜ ሮማውያን ዝተጀመረን ዘሎን ፍደላት ምዃኑ ታሪኻውያን ይዝንትዉ፣ ምልክት ፍደላት ግዕዝ ሎሚ ኣብ ኤርትራን ኣብ ክልል ትግራይን ይርከብ፣ ዘሐወለ ዘተአገበረ..........ሓውልትታት ይርከብ፣ እቲ ኣብ ኣኽሱም ይኹን ኣብ ካል እ ቦታት ዝርከብ ሓውልታት ብግዜ ኣግዝያን ጥራሕ ዘይኮነ ብኩሎም በቶም ሽዑ በብተራ ዝነግሱ ዝነበሩ ዝተሰርሔ ድኣ እምበር ብኣግዝያን ዝበሃሉ ጥራሕ ነሮም ማለት ዝንቡዕ ሓበረታ ኢዩ።

 

እቲ ከም መንግስቲ ወይ ንጉሳዊ መንግስቲ ኣስማቱ ካብ ኣክሱም( Axumite Kingdom, Zaguie Dynasty, Solomonic Dynasty................ and many other coercive rules in this region) ኩሎም ድማ ኣብ ዝተወሰነ ቦታት ውሱን ኣካባቢ( city- states ) ድኣ ነሩ እምበር ኣብዚ ሎሚ ንፈልጦ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣስፋሕፊሖም የማሓድር ነሩ ዝብል ጽሑፋት የለን፣ እቶም ኣብቲ ግዜቲ ገዛእቲ ዝነበሩ ብንግስናን ሽማምንትን በተክህነትን ድኣ እምበር ሕዝቢ ዝመረጾም መንግስታት ይኹኑ ሃገራት ብዶባተን ዝፍልጣ ይትረፍዶ ኣግኣዝያን ኣብ ምሉእ ዓለም እውን ክሳብ 990 ድ.ልደት ክርስቶስ ዝቆማ መንግስታት ይኹና ሃገራት ኣይነበራን።

 

ኣመጻጽኣ ክርስትናን ኢስልምናን

ኩላትና ኣብ ታሪኽ ኣብ መባእታውን ካል ኣይን ደረጃ ትምህርቲ ዝተመሃርናዮ ብ ዛዕባ  ምምጻእ ክርስትናን ኢስልምናን ኣብዘን ሎሚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተባሂለን ዝጽዋ ዓ ሃገራትን ሕዝብን ፣ ክርስትና ኣብ 4ይ ዘመን ልደት ክርስቶስ  ብክልተ ኣሕዋት ካብ ቲሮስ ወይ /Tyre ሎሚ ብሊባኖን ትፍለጥ ሃገር ትውልዶም ሲርያውያን ፈኒካውያን፣ፍረሚናጦስን-ከሳተ- ብርሃን ፣ እደስዩስን ምስ ሓውቦኦም መሮፒኡስ ካብ ጢሮስ ብቀይሕ ባሕሪ ተሳጊሮም ኣብ መረት ምስ በጽሑ እቶም ባሕረኛታት ብዘይካ እቶም ክልተ መን እሰያት ፍረመንጡስን ኤዲስዩስን ካል ኦት ከምዘተቀትሉ፣ፍረሚንጦስን ኤደስዩስን ግን ከምባሮት ተታሒዞም ናብ ንጉስ ኤዛና ናብ ኣኽሱም ከምዝተወስዱ ታሪኽ ይዝንቱ፣ ንሳቶም ድማ ንጉስ ኤዛና መማኽርቱ ኮይኖም ክርስትና ከምሁሩ ጀመሩ፣ፍረሚንጦስ ኣብ አኽሱም ጥራሕ ከይተወሰነ ክሳብ እስክንድርያ/ግብጺ በጺሑ ኣቡን ተሸይሙ ኣብ ኣኽሱም ተመሊሱ ከም መራሒ ሃይማኖት ክርስትና ኣብ ምስፍሕፋሕ ተጸምደ፣ ሓዉ ኤደስዩስ እውን ጢሮስ ተመሊሱ ክህነት ተቀቢሉ፣ ምስ ፍረሚንጦስ ኮይኑ ክሳብ እስክንድርያ ብምብጻሕ ንፓትርያክ እስክንድርያ ናብ ኢትዮጵያ ኣቡን ክሰዱ ተማሕጸንዎ፣ ኣብቲ ግዜቲ ኢዩ ድማ እቲ ክልተ መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳንን ሓዲስ ኪዳንን ናብ ግዕዝ ዝተተርጐመ፣ ሰነ-ጽሑፍ ግዕዝ ድማ ካብ ኣብጃ/ Consanants/ ናብ ኣቡጊዳ/ Vocal/ syllabus ዝተለወጠ/ ሰለዚ ንቋንቋ ግዕዝ ሰነ-ጽሑፋዊ ቅርጻ ዝሃብዎ ከምቲ ናይ ሎሚ ፍላስፋታት ኣግዝያን ዝብልዎ ዘይኮነስ መሰረቱ ካብ ማእከላይ ምስራቅ ዝመጹ ሱርያዊ/ፈኒካዊ ፍልስፍና እዩ፣ እምብ ኣር ፍላስፋታት ኣጋዝያን ክንዲ እቲ ሓቀኛ ታሪኽ ኣመጻጽ ክርስትና ብኣይሁድ ዘይኮነስ በቶም ኣብዚ ግዜዚ ቋንቋ ዓረብ ዝዛረቡ ክርስትያን ዝመንጨወ ኢዩ።

 

ሃይማኖት እስልምና እውን ካብ 6ይ ክፍለ ዘመን ንመጀመርያ ኣብቲ ግዜቲ ነቢይ መሓመድ ሰዓብቱ በቶም ኣረማውያን ምስ ተሃድኑ ኪዱ ናብ ምድሪ ሓበሻ ኣብኡ ንጉስ አኽሱም ኣብ ሓደ እግዚብሔር ዝኣምን ሰለ ዘሎ ክቀብለኩም ኢዩ ምስ በሎም ኣመንቲ ምስልምና ናብ ኣኽሱምን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሎሚ ኣዱሊስ ተባሂላ ትጽዋዕ ቦታ ሰፈሩ፣ካብኡ ንንየው ድማ ብሰላም ሃይማኖቶም ከስፋሕፍሑ ጀመሩ፣ ካብ ሽዑ ድማ ኢዩ ሃገራት  ኣዕራብ ይኹና ካልኦት ምስልምና ሃገራት ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዓብይ ኣኽብሮት ዘለዎም፣ ኣቱም ጽዮናውያን - ኣግኣዝያን ኣብ ስደት ብሳላ ወል ፈያር/ Social-Welfare ናይ ምዕራባውያን ሃገራት ከይሰራሕኩምን ከይተምሃርኩምን እዚ ናይ ግዜና ተክኖሎጂ ኣብ ድሕሪ ኢንተርነት ኰንኩም ተፈላሰፉ ዘሎኹም፣ ኣብ ስራሕን ትምህርትን ምስ እትዋፈሩ ንነፍስኹምን ሕዝብኹምን ምጠቀምኩም፣ ካብዚ ናይ ጥንቲ ፖሊቲካን፣ ናይ ጽልእን ፍርሓትን እውን ምደሓንኩም፣ እወ እዚ ግዜዚ እቶም ኣብ ከምዚ ሃለዋት ዘለዉ፣ ገለ ናይ ሰነ-ኣእምሮ ተመራመርቲ ከምዝብልዎ እዞም ኣብ ፖልቶኮት ዘህተፍትፉ ገለ ጉድለት ናይ ሰነ-ኣ እምሮን ካብ ማሕበረ-ሰብ ዝተነጸሉን ኢዮም ኢሎም ይገልጽዎም እሞ ተራፒ ሕክምና ሰነ-ኣእምሮ የድልዮም ይብሉ፡፤

 

  ኣብዛ ሎሚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝብሃላ ሃገራት እቶም ገዛእቲ ኩሉ ግዜ ነንሕድሕዶም ክዋግኡን ሕዝቦም ከጥፍኡን ከምዝነበሩ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ሕዝቢ ምንቅስቃስ ከምዝነበረ ይዝንቶ ፣ ናቱ መቀጸልታ ድማ ወራራት ኣብ ልዕሊ ሕዝብታት ናይዚ ከባቢ ንሕና ዘርከብናዮ እኹል ምስክር ኢዩ፡ መጀመርያ ግዕዝ ዝብል ቃል ናይቲ ፍደላት እምበር ናይ ሕዝቢ መጸውዒ ሰም ኣይኮነን፣ እቶም ብግዕዝ ክጽሕፉ ዝጀመሩ ኣብ ግዜ ምእታው ክርስትና ካብ ናይ ሎሚ ሱርያ ዝመጹ በተክህነት ክርስትያን እዮም ንጉሳዊ መንግስቲ ኣክሱም ዕላዊ ቋንቋኡ ግሪኽ ወይ ጽርኣ ዝበሃል ኢዩ ነሩ፣ ንክርስትና ዝተቀበሉን ዘስፋሕፋሑን ድማ እዞም ሎሚ ኣግኣዝያን ንሕና ዝብሉ ዘይኮነስ ዘርኢ ካም-ኩሽ ኣገው ዳይናስቲ እቶም ንኣኽሱም 300 ዝገዝኡ፣ ነቲ ስልጣን ድማ ብሰላም ናብቶም ንሕና ኢና ካብ ነገደ ይሁዳ ዝብሉ ኣመሓላሊፎም፣ ናይዚ ጭቡጥ ምስክርነት ድማ ሎሚ ኣብ ላሊበላን ካልእ ቦታታን ዘሎ ሕንጻታት በተክርስትናት እኹል ምስክር ኢዩ፡፤ ኣብ ኤርትራ እውን ንቋንቋ ትግርኛ ብስነ- ጽሑፍ ዘማ ዕበሉ እቶም ኣግዝያን ዝብሃሉ ኣይኮኑን እንታይ ድኣ ካልኦት ዘርኢ ሕዝቢ ኢዮም፣ ሓደ  ቋንቋ ናይ ሓደ ዘርኢ ከምዘይኮነ ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ንምስክሮ ሓቂ ኢዩ፣ ሎሚ ቋንቛ እንግሊዝ ብዝበዝሕ ሕዝብታት ዓለም መራኸቢ ኮይኑ ኣሎ፣ ቋንቋና ከይትዛረቡ ዝብሉ እንግልዛውያን ግን የለዉን፣ ከምኡ እውን ሃይማኖት ዘርኢን ደረትን የብሉን፣ ኣቱም ፍላስፋታት ኣግኣዝያን መጀመርያ ሃይማኖት ክርስትና ካብ ዘርኢ ኣይሁድ ኣይመጽኤን፣ ስለምንታይ ኢኹም ዝምድናኹም ምስ ኣይሁድ ተታሕዝዎ፣ ሞኣ ኣንበሳ ዘእምነገደ ይሁዳ፣ እዚ ኢዩ ምልክትና ባንደራን ድማ ትብሉ፣ ትፈልጥዶ ሎሚ እቶም ቅድሚ 37 ዓመታት ፈላሻ ዝበሃሉ ሕዝብታት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኢስራኤል ዝመጽኡ ኩነታት መነባብሮኦም፣ብዛዕባ ሰብኣውን ዘግነታውን መሰላቶም፣ ትማሊ ትማሊዶ በሽሓት ወጺኦም ሰላማዊ ሰልፊ መሰልና ይሕሎ የለን ኢሎም ክሓቱ ኣይተራእይንዶ ብእንታይ ድኣ እሞ ኢኹም ኣጋዝያንን ኢስራኤል ትብህግዎን ትውልድኹም ካብ ኣይሁድ ኢና ትብሉ፣ በጃኻትኩም ቅድሚ ኣብ ፓልቶክ ወይ ፈይስ ቡክ ዘርባዕባዕ ቅድሚ ምባልኩም ኣመጻጽኣን ኣቋቁማን መንግስታት - ሃገራት ታሪኽ ኣንብቡ።

 

ንሕናስ ኣፍሪቃውያን ኢና ይትርፍዶ ሎሚ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ዘይኮነስ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ ምምስራት ዓብይ ግደ ዝተጻወትና ሎሚ ድሕሪት ከምሽንቲ ገመል 4000 ዓመት ንድሕሪት መንግስቲ ትግራይ/ትግርኚ ረፑብሊክ ኣግኣዝያን ዝብልሲ እምበርዶ ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለምና ኣሎኹም ክሓቶም እፈቱ። ንእሽቶ ትግራይ /ትግርኚ ዶ ትሓይሽ ወይስ ሰፋሕ ሃገረ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብኡ ሓሊፋ ድማ ንኩላተን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሕበር ኣንጻር ድኽነትን ድንቁርናን ውግእን ወረ ውገን ሓቢሩ ዝቃለስ ዝተዋሃሃደ ንብዙሓነት ሕዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰላምን ብልጽግናን ዘማሓድር ስርዓታት ድኣ ኣብ ምሕናጽ ድኣ ንሕሰብ እምበር ሕና ንሳቶም ኣብ ዝብል ክርክር ምእታው እቲ መጀመርያ ዝጉዳእ ሕዝቢ ትግራይን ኤርትራን እዚ ሎሚ ንሕና ኣግዝያን ዝብል ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ፣ ውጥን ኣግኣዝያን- ትግራይ ትግርኚ ኣብ ኣርባዓታት ድሕሪ ስዕረት ኢጣልያዊ መግዛእቲ ናይ ኤርትራ መሰል ርእሰ ውሳነ ሕቶ ምስ ቀረበ ከም ርእይቶ/ሓሳብ ብገለ ኤርትራውያን ዝቀረብ ዝነበረ ኢዩ ነሩ እንተኾነ ኣብቲ ግዜቲ በተን ፖሊቲካዊ ሰልፍታት ኤርትራ ተቀባልነት ሰለዘይረኸበ ፈሺሉ ዝተረፈ ርእይቶ ኢዩ ነሩ፣ ብፍላይ ነዚ ውጥን እዚ ዘፍሽለ እቲ ብራእሲ ተሰማ ዝምራሕ ዝነበረ ሊበራል ሰልፊ ምንባሩ ኣብ ብዙሕ ታሪኻውን ፖሊቲካውን ጽሑፋት ይገልጽ።( ኣይንፈላለ፣ 1941-1950 ብ ኣለምሰገድ ተስፋይ) ከምኡ እውን ዶር.ደጃዝማች ዘውደ ገብረስላሰ ኣብ መጽሓፉ፣ ( የኢትዮጵያ እና የኤርትራ ግጭት መንሥ ኤ እና መፍትሔ) ኣብ ዝብል መጽሓፉ ከምዚ ይብል፣

 

"ኤርትራና ትግራይ በኢጣልያ የግዛት ዘመን ተቀላቅለው እንደነበሩ ውህደታቸውን ቀጥሎ ነጻ የትግራይ ትግርኚ መንግስት በኢንግሊዝ ድጋፍ ለመቋቈም ያቀዱት፣ ልዑል ራስ ስዩም መንገሻ ኢትዮጵያን ኣልከፍልም ብማለት አሳቡብ ተቃውመው ከኣምባ ኣላጌ ጦርነት በኋላ በ1943 ዓ. ም ወደ ኣዲስ ኣበባ በመሄዳቸው ከሸፈ።"

ሰለዚ ትግራይ -ትግርኚ ውጥን ኣብ ዝሓልፈ ታሪኽ ብትግራዎት ይኹን ኤርትራዉያን ተቀባልነት ዘይብሉ ውጥን ኢዩ፣ ውጥን ትግራይ ትግርኒ ናይቶም ተስፋ ዝቈረጹ ባእታት እምበር ናይ ሕዝቢ ኤርትራን ትግራይን ውጥን እውን ኣይኮነን።

 

አብ መጽሔት ውራይና መበል 34 ሕታም ጥሪ 2009 ዓ. ም ኣብቲ ውጥን ኣግኣዝያውነት ወይ ብሄር ኣግኣዚ ክልተ ከምዝነበሩ እቲ ሓደ ብናይ ትግራይ ተጋሩ ዝተጀመረ ብማሕበር ዝፍለጥ፣ ጸኒሑ ድማ ሃገራዊ ግንባር ኣግ ኣዝያን ከምዘቆሙ ይፍለጥ ንዝያዳ ሓበረታ ምስዚ ተኣሳሲሩ ብ PDF ዝተላኤኸ ርኤ

 

ጸላእቲ ኣግ ኣዝያን፣ ፖሊቲካ ኢስላምን ዓረባዊ ሃገራውነትን፣ ሃገራውነት ኣምሓራን ኢዩ ይብሉ።

 

ውከሳ/ References

1. Cardinal Paulos Tsadua On SaintFrumentius and the Liturgy of Ethiopian Church

2. ውራይና፣ ኣግ ኣዝያን እንታይነት ምንቅስቃስ ብሄረ ኣግ ኣዝያን/ትግራይ -ትግርኚ

3. የኢትዮጵያ የ 5 ሺ ዓመት ታሪክ ፣ ከኖህ እስከ ኢህአዴግ፣ ብፍስሓ ያዜ ካሳ

3. ኣይንፈላለ ፣ 1941-1950፣ ኣለምሰገድ ተስፋይ

4. የኢትዮጵያ እና  የኤርትራ ግጭት መንሥኤ እና መፍትሔ፣ ዶ/ር ደጃዝማች ገብረ ሥላሴ

5.  Eritrea - The making of A Nation -1890-1991 by Redie Bereketeab Uppsla University 2000

6. Paths toward the nation, Islam Community, and early Nationalist Mobilization in Eritrea, 1941-1961 by Joseph L. Venosa

7. Italian Colonialism in Eritrea , 1882-1941 Policies, praxix and impact by  Tekeste Negash

8. Eritrea and Ethiopia- The Federal Experience by Tekeste Negash

9. Eritrea At CrossRoads- A narrative of Triumph, Betrayal and Hope by Andebrhan Welde Giorgis

10. Coercion, Capital And European States- AD 990-1992 by Charles Tilly