ጠንቂ ምህሳስ ሃገራውነት

2017-04-22 08:23:22 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2451 times

መንእሰይ ኤርትራ ሎሚ ካብ ሃገሩ ክወጽእ እንከሎ ብዛዕባ ህዝቡን ከባቢኡን እኹል ፍልጠት ቀሲሙ ይወጽእ ስለዘየለ፥ ኣብ ደገ ምስ በጽሐ ካብቲ ልምዱ፡ ባህሉን ሕብረተሰባዊ ምትእስሳሩን ወጺኡ ምስ ባህሊ፡ ቋንቋን ታሪኽን ናይቲ ዝኽዶ ዘሎ ሃገር ክፈልጥ ወይ ክመሃር’ኳ ሒዅ እንተበለ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ መንነት ሓኺኹ ክዋሳእ ከጸግሞ ምዃኑ ርዱእ እዩ። በዚ ሎሚ ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ምልኪ ዘጸንሐ መንእሰይ ኣብ ሃገሩ ናይ ትምህርቲ ዕድሉ ኣዝዩ ጸቢብ ብምዃኑ ጉዳይ ሃገራዊ ባህሊ ይኹን ልምድታትን ክብርታትን ጐስይዎም ክሓልፍ ናይ ግድን እዩ።

መንእሰይ እንከሎ ገና ኣብ ገዛእ ዓዱ ምስ ወለዱ ይኹን፡ ኣብ ትምህርቲ ክመሃር እንከሎ ቅድም ቀዳድም ብጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ክመሃርን ክፈልጥን እዩ ዝግበኦ ዝነበረ። ድሕሪ እዚ እቲ ካብ ሕብረተሰባት ዓለም ፍሉይ ምዃኑ ክመሃር ዘይኮነስ ምስ ሕብረተሰብ ዓለም ከመይ ኢሉ ይወሃሃድን ምስቲ ዘሎ ባህልን ልምድን ይዛመድን ክፈልጥ ከኣ በመጠኑ ኣብታ ዝተወልደላ ሃገር ትምህርቲ ክቐስም ምተገበአ። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ዕጹው ሳንዱቕ ኣእቲኻ ሃገራዊ መንነት ዝድንፍዓሉ ኣገባብ ገዲፍካ፥ ብዛዕባ ኣውራጃ፥ ቀቢላን ሃይማኖትን ምስ እትጉስጉስ ነቲ ሃገራዊ ስምዒትን መንነትን ዘራጉድ ኣይከውንን። ምኽንያቱ ምስ ከባቢኡን መላእ እቲ ሕብረተሰብ ናይ ሃገሩን ምልላይ ከምኡ እውን ምስ ባህሉን ልምዱን ክፋለጥ ከምዘለዎ ዘይምግባር ሃሳዪ ገደ ኣለዎ።

ሃገራውነት ካብ ኣውራጃነት፡፥ ቀቢላነትን ሃይማኖትን ኣዝዩ ዝፈለ ኢዩ። ምኽንያቱ፥ ሃገር ናይ ሓባር ስምዒትን መንነትን ስለዝኾነ ዘይቁርመም ዘይሽርመም ብምዃኑ። እዚ ከኣ ንሃገራውነት ዝምልከት ተኣማንነትን ተወፋይነትን ይጠልብ። እዚ ተኣማንነትን ተወፋይነትን እዚ ከኣ እዩ ንሓርበኝነት ፈጢሩ ታሪኻዊ ቅያ ዝፈጸመ። እዚ ታሪኻዊ ቅያ እዚ በቶም ቀዳሞት ወለድናን ኣያታትናን ዝተፈጸመ ንውሉድወለዶ ዝሰጋገር እምበር፡ ኣብ ሓደ ውሱን ግዜ ደው ዝብል ኣይኮነን። እዚ ሓዲሽ ወለዶ ካብዚ ታሪኽ እዚ ነቒሉ እዩ ነቲ ሃገራዊነቱ ኣዕዚዙ ከኽብሮን ክከናኸኖን ዘኽእሎ። ሎሚ እዚ ሓዲሽ ወለዶ ግና እቲ ጽንሰ ሓሳብ ሃገራውነት ዳርጋ ግዚኡ ዝሓለፈ ኣምስሉ ኣብ ዝሕዘሉ እዋን ነቲ ታሪኻዊ ምትእስሳር ህዝቢ ኤርትራ ክሃስዮ እዩ።

ንሃገራውነት ዝምልከት ካብ ዝሓለፉ ኣቦታትናን ኣደታትናን ምስ ናይ ሎሚ መንእሰያት ክወዳደር ከሎ ዝያዳ ኣብ ዓሌታዊ ብዙሕትን ናይ ዓለም ባህልን ተቓሊዑ ከም ዝርከብ ኣሉ ዘይበሃል እዩ። ኣብ ግዜ ጣልያን ይኹን እንግሊዝ ከምኡ እውን ኣብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኩሉ ኤርትራዊ ምእንቲ እዛ ዘፍቅራ ሃገሩ ተበጅዩን ደምዩን እዩ። ከምዚ ክገብር እንከሎ ኣብ ወገን፡ ዓሌት ወይ ሃይማኖት ተጸጊዑ ዘይኮነስ ኣብ ሃገራውነት ዝያዳ ተሪሩ ስለ ዘትከለን ዝኣመንን እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ሓድነቱ ኣዕቊቡ እዩ ምእንቲ ሃገሩን ሃገራዊ መንነቱን ሰሚሩ ዝተቓለሰ። እዚ ሓዲሽ ወለዶ እምበኣር ነዚ ሓርበኝነት እዚ ካብ ዝሓለፈ ወለዶ ናይ ምርካብ ግዜን ኩነታትን ስለ ዘይረኸበ፥ ከምኡ’ውን እቲ መላኺ ስርዓት ናብ ረብሓኡ ክልውጦም ነቶም መንእሰያት ስለ ዘደናገሮም ከምቶም ዝሓለፉ ወለዶም ክኾኑ ኣይክእሉን።

ብዙሓት ካብ መንእሰያትና እቲ ሃገራዊ ሓርበኝነት ምስ ክብርታት ሃይማኖትን ባህልን ከምኡ እውን ምስ ዓሌት ብምትእስሳር ልዕሊ ሃገር ኣገዳሲ ኮይኑ ይረኣዮም ይኸውን። እዚ ኣብ ዝኸድዎ፥ ነቲ ህይወት ናይቲ ዝለውዎ ሃገር ባህሊ ምስቲ ዝነበርዎን ዘጋጠሞም ጭንቅን መከራን ኣዛሚዶም ንውልቀይ ኣብ ዝብል ኣተሓሳስባን ዕግበትን ይበጽሑ እሞ፡ ጉዳይ ሃገር ዘይኮነስ ተገዳስነቶም ዝያዳ ኣብ ዓሌቶም፡ ኣውራጃኦም ወይ ሃይማኖቶም ክጽግዑ ይግደዱ። እዚ እንታይ ትዓብስ ሃገር እያ፥ ንእስነተይ ዘብለየት ወይ ዘይረብሓኩላ ናብ ዝብል ስምዒትን ነቲ ብሓባር ዝጠምሮም ሃገራውነት ብቐሊሉ ናብ ምዝንጋዕ ከዘንብሎም ይኽእል። ብዘይካዚ እቲ ሓቢርካ ምስራሕ ይኹን ንረብሓ ኩሉ ዝጠመተ ሓሳብ ምስኡ ይህሰ። ካብዚ ዝነቐለ ምስቲ ምምሕያሽ ናብራኦምን ዝረኽብዎ ሰላምን ቅሳነትን ተደሚሩ ሃገር ይኹን ሃገራውነት ብዙሕ ዘተሓሳስቦም ኣይክውንን። ከምኡ ነይሩ እንተዘይከውን ከኣ ነቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ከነኣእስዎን ከመራስሕዎን ኣይመተመጣጠሩን።

ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ዓለም ፋሕ ኢሉ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ ብነንበይኑ ባህልን ልምድን ክጽሎ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እዚ ውን ብወገኑ ገለ ኣሉታዊ ሳዕበናት ከየሕደረ ኣይክተርፍን እዩ። እቲ ሃገራዊ ባህልን ልምድን ተሪፉ ናይ ካልኦት ባህልታትን ልምድታትን ክሕዝ እንከሎ እታ ሃገር ዝነበራ ታሪኽን ክብርታትን ክትንከፍ ይኽእል እዩ። እቲ ሐሕማቑ ልምድን ባህልን ኣይተረፍ ማለት ዘይኮነስ፥ ባህልኻን ልምድኻን ምኽባርስ ኣገዳስነት ኣለዎ። እዚ ናይ ባህልኻ፡ ልምድኻ፡ ታሪኽካን ክብርታትካን ምኽባር ከኣ ምስ ኣውራጃ ወይ ምስ ዓሌት ወይ ሃይማኖት ክተኣሳሰር የብሉን። ብዛዕባ ዝኾነት ትኹን ሃገር ፍልጠት ምቕሳም ናብ ዓሌት፥ ሃይማኖትን ኣውራጃን እንተወሲድናዮ ጎናዊ ሳዕቤናቱ ቀሊል ኣይከውንን እዩ።

ናይ ተክኖሎጂ ምዕብልና መንእሰያት ኣብ ነንሓድሕዶም ርክብ ገይሮም ናይ ምምይያጥን ሓሳብካ ምግላጽን ዕድል ክረኽቡ ሓጊዙ እዩ። ይኹን እምበር እቲ መንእሰይ ግቡእ ፖለቲካዊ ተረድኦ እንተዘየልይዎ፡ ናብ ዘይተደልየ ኣቕጣጫ እዩ ዘምርሕ። ካብዚ ነቒሉ ከኣ ናቱ ፍልስፍና፡ እምንቶን ርድኢትን ብምኽታል ነቲ ፖለቲካዊ ፍልጠት ብቄናን ክርደኦ ይኽእል። ኣብ ከምዚ ኩነት ከኣ እዩ መንእሰይ ብቃሕ ዝበሎ መንገዲ ክኸይድን ነቲ ግቡእ ጥርናፈ ስሒቱ ብኣሉታ እንተስ ክጸሉ ወይ ክጽሎ ዝግደድ። እዚ እዩ ድማ ነቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣያታቱ፡ ኣቦታቱን ኣደታቱን “ኣይጠቕሙን እዮም። ሓንቲ ኣይሰርሑን።” እናበለ ዝኸስስን፥ ነቲ ዝተሰርሐ ታሪኽ ናይ ምንሻውን ከምዘይነበረ ገይሩ ብኣሉታ ንምግላጽን ዝመጣጠር። ስለዚ እዚ ናይ ምዕባለ ተክኖሎጂ ብግቡእ ክንጥቀመሉ ብዘይምኽኣልና እነሆ ጥዑይ ዝኾነ ዝምድናን ርክብን ኣብ ፍጣር መንእሰይ ኣጸጋሚ ኮይኑ ዘሎ።

ስምዒታቱ ብትሑት ዝንባለታት ክጽለው እንከሎ፡ ሃገራውነት ዘህስስ እምበር ዘደንፍዕ ኣይኮነን። እዚ ማለት ግን እቲ መን ምዃንካ ዝገልጽ ዝርዝር መንነት ይተሓኸኽ ወይ እውን ክጥቀስ የብሉን ማለት ዘይኮነስ፡ ልዕሊ ሃገራዊ መንነት ክኸውን የብሉን ንምባል እዩ። ከም ኣብነት ንምጥቃስ ኣብ ሓደ ሃገር ምስ እትኸይድ ኩሉ ግዜ ዝሕተት ሕቶ ኣሎ። እዚ ሕቶ እዚ ከኣ መንነትካ ዝምልከት ትሕተት። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ “ኣነ ኤርትራዊ” ትብል እምበር ኣነ ሰንሒት፥ ባርካ፥ ወይ ከኣ ትግርኛ፡ ብለን” ኩናማ… ወዘተ ኣይኮንካን እትብል። ስለዚ ነቲ ዝተሓቛቑፈና፡ ዘሳንየናን ብሓባር ከንብረና ዝኽእልን ሃገራዊ መንነትና ካብ ዘህስሱ ተግባራት ክንጥንቀቐ ይግባእ።

Last modified on Saturday, 22 April 2017 10:32