ኣገዳሲ መጸዋዕታ ንደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሃገረ- ሆላንድ ።

2017-05-03 20:53:10 Written by  ሽማግለ ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣብ ኣምስተርዳምን ከባቢኣን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1758 times

ህዝቢ ኤርትራ ከም ካልኦት ኣህዛብ ዓለም ፍትሕን ማዕርነትን ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈና ዲሞክራስያዊት ሃገር ክትህልዎ እዩ ማእለያ ዘይብሉ ኩሉ መዳያዊ መስዋእቲ ዝኸፈለ።

እንተኸነ እቶም ንትጽቢታቱ ከማልኡ እምነት ዘንበረሎም ኩሉ ዝውንኖ ዓቕሚ ብምውፋይ ዘሔየሎም ብናይ ፖልቲካ መራሕቲ ተጠሊሙ ጥራይ ዘይኮንስ ፣ እታ ሃገርን ህዝባን ኣብ ሓያል ሓደጋ ተሰጢሓ ኣድሑኑኒ ትብል ምህላዋ ንቐባራይ ምርዳእ ድኣ ከይኮነና እምበር ንዓና ኤርትራውያንስ ይትረፍ ኤርትራን ጸገማታን ንዝካታተል ጓና ውን ብሩህ እዩ።

ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣሕዛንን ኣታሓሳሳብን ኩነታት እንታይ ንግበር ዝብል ሕቶ ክልዓል ባህርያዊ እዩ። እቲ መልሲ ድማ ካብቲ ህዝቢ እዩ ክነቅል ዘለዎ ፣ ምኽንያቱ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዓቕምታትን ፈልፋሊ ባህርያትን ብግቡእ ስለ እንፍልጥን ስለ ዝርዳኣናን እዩ።

ህዝቢ እንተተጠርኒፉን እንተዓጊቡን ድማ ተላዒሉ ንድኹም ክሔይል ፣ ንንኡስ ከዕቢ ፣ ንፈራሕ ከትብዕ ፣ እንተድኣ ጸሊኡ ድማ ፣ ንሓያል ከድክም ፣ ንሙኩሕ ከንበርክኽ ዝኸእል ፣ ዘይተኣደነ ዓቕምታት ከም ዝውንን ምግንዛብ የድሊ።

ካብዚ ሓቅታት ብምንቃል እምበኣር እዩ ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኡን ንዕለት 28-05-2017  ካብ ሰዓት 1400 ክሳብ ሰዓት 1900 ኩልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሃገረ-ሆላንዲ እንነብር ኣብዚ ንኹልና ዝምልከት ጉዳይ ሓብርና ክንዛተን ክንላለን ሓብርና ክንሰርሓሉ እንኽእል መደባት ክንሰርዕን ብኽብሪ ንጽውዕ።

ዕለት 28 ግንቦት 2017.   (28-05-2017)
ጊዜ ሰዓት 14:00  ድሕሪ ቀትሪ
ቦታ Derde Oosterparkstraat 159
1092 CW Amsterdam
መጓዓዝያ Metro 51 / 53 /54   (Wibautstraat)


ብደሓን ምጽኡ
ሽማግለ ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣብ ኣምስተርዳምን ከባቢኣን

 

Last modified on Wednesday, 03 May 2017 23:00