ኣገዳሲ ሐበሬታ: ማሕበር ረድኤትን ምዕባሌን ኤርትራ

2017-05-01 07:43:15 Written by  ብርሃነ እምባየ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2217 times

ማሕበር ረድኤትን ምዕባሌን ኤርትራ ቅድሚ ወርሒ ብመራኸቢ ብዙሃን ኣቢላ፡ Star for Star ዝተባህለ ማሕበር ሓካይም ካብ ሰሜን ኣመሪካ ናብ ሰፈር ስደተኛታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ (ትግራይ) ብምኻድ፡ ናይ ሕክምና ኣጎልጉሎት ንስደተኛታት ክህብ ምዃኑ ሓቢራ ነይራ። ስለዚ ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ማሕበር ሓኻይም Star for Star ካብ ዕለት 22 ክሳብ ዕለት 28 ምያዝያ 2017 ጀሚሮም ስራሕቲ ሕክምኖኦም የካይዱ ኣሎዉ።

እቲ ማሕበር ሰለስተ ሓኻይምን 8 ምኩራት ተሓጋገዝቲ ሓካይም ዝሐዘ ጉጂለ እዩ። ነዚ ጉጂለ ሓካይም ክትተሓባበር ኣባል ማ.ረ.ም.ኤ ወይዘሮ ሂወት ገብረሚካኤል እውን ምሰኦም ከይዳ ኣላ። ማ.ረ.ም.ኤ ከም ምዝጉብ ማሕበር ረድኤት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብኣባል  ኣመራርሓ ናይ መደባትን ኣፈጻጽማን በዓል መዚ ኣቶ ካሕሳይ ይሕደጎን፡ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣባላት ማሕበር ኮይኖም፡ መእተዊ ፍቓድ፡ ሕዘሞ ዝመጹ ኣቕሑት ክይቅረጽ፡ ናብ ዝተፈላለያ መደበር ስደተኛታት ቦታ ዘጓዓዕዞም 3 ላንድክሩዘር መኻይን ካብ ምምሕዳር ስደተኛታት ብምሕታት ዝተኻየዱ ስራሕቲ ብጽፈት ክትግበሩ ተኻእሎም።

እዚ ጉጂለ ሓካይም ብዶ. ኣስተር ርስቶም ገብረሚካኤል መስራቲት ማሕበር Star for Star ዝምራሕ ኮይኑ፡ ኤርትርውያንን ኣመሪካውያንን ዘለይዎ እዩ።ብተወሳኺ ሓንቲ ሓኪም ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ክልተ ሓኻይም ኽኣ ካብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ተወስኾሞም እዮም። እዚ ማሕበር ሓኻይም ንካልእይ ጊዜኡ ብመንገዲ ማ.ኤ.ም.ኤ ዝመጽ ዘሎ። ቀጻሊ መደባት ከምዘለዎ ኸኣ ሓቢሮ ኣሎ።

እቲ ዝተኻየደ ሕክምና ምስቲ ብዝሒ ስደተኛታት እቶም ሓኻይም ን12 ሰዓት ብዘይዕረፍቲ ክሰርሑ ተገዲዶም እዮም። እዞም ሓኻይም ትካላቶም ዓጽዮም፡መጓዓዓዚ ወጻእታት ብውልቆም ክእሎም ዝመጹ እዮም። ስለዚ ክምጎሱን፡ክምስገኑን ይግባአ።

እዚ ኩሉ መደባት ብዘይሓገዝን፡ ምትሕብባርን ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ኣይምተኻእለን።ናይ ወጻኢ ጉዳይ፡ ናይ ሕክምና ሚንስተር፡ ናይ ጉሙሩኽ፡ ናይ ስደተኛታት ምምሕዳር ቤጽሕፈታት፡ እቶም መደባት ብግቡእ ክሳለጡ ሓገዞም ኣበርኪቶም እዮም።ስለዚ ማ.ረ.ም.ኤ ብስም ስደተኛ ህዝብና ንህዝብን መንግስትን ኢትይጵያ ምስገናኣ ተቕርብ።

ማሕበር ረዳኤትን ምዕባሌን ኤርትራ።

Last modified on Monday, 01 May 2017 09:51