ሰውራ ኤርትራ ክብገስ እንከሎ ዕላምኡ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእትን ነቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘተኣታተዎ ደቛስን መዝማዝን ስርዓተ ምሕደራ ንምልጋስ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ንሰውርኡ ብምሉእ ልቡን ቀልቡን ዘለዎ ንዋትን ጉልበትን ከይበቐቐ ሓብሒቡ ናብ ዓወት ኣብጺሑ እዩ። እንተኾነ ነቲ ሰውራ ብኣግኡ ክከታተሎ፡ ክቆጻጸሮን ክእርሞን ኣብ ናይ ምውሳን ሱታፌ ስለዘይነበሮ እቲ ስርዓተ ምሕደራ ካብቲ ቅድም ዝሓሸ ከምዘይኮነ እነሆ ብዓይንና እንርእዮ ዘሎና እዩ።
ልክዕ እዩ ኤርትራ ነጻነታ ተጎናጺፋ ኣብትሕቲ ኣሰቃቒ ምልኪ ትካየድ ኣላ። እቲ ጐዲሉ ዘሎ ህዝቢ ዝመረጾ መንግስቲ ስለዘየለ፡ ህዝቢ ጌና ይጭቈንን ኣደራዕ ይወርዶን ስለ ዘሎ እዩ። እወ! ህዝቢ ንዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ብሃንቀውታ እዩ ዝጽበዮን ዝደልዮን። ግናኸ እዚ ብዘይ ተሳትፎኡ ከመጽእ ዝጽበ እንተኾይኑ ኣዚዩ ዝገደደ ሽግር እዩ ከጓንፎ።
ድሌት ህዝቢ ምስቲ ዝካየድ ለውጢ ፖለቲካዊ ስርዓት ዝምነዮ ክወሃሃድ እንተኾይኑ ሓላፍነቱን ግቡኡን ክፈልጥ ኣብ ፖለቲካ ክሳተፍ ናይ ግድን እዩ። ኣብ ፖለቲካ ምስታፍ ማለት ህዝቢ ብምሉኡ ኣብ ሰልፍታት ኣባል ክኸውን ዘይኮነ፡ እቲ እተን ሰልፍታት ሒዘንኦ ዘለዋ መደብ ዕዮ ንጥቕሙ ዲዩ ንጉድኣቱ ፈልዩ ክፈልጥ ይግበኦ። ምስ’ዚ ተተሓሒዙ ወይ ክነጽጎ ወይ ሞራላውን ንዋታውን ደገፉ ክልግሰሉ። ብፍላይ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝርከብ ህዝቢ ተተመሊሱ ብጨቈንቲ ስርዓታት ከይደሃኽን እቲ መንግስቲ ናተይ እዩ ዝብሎ ክመርጽን ክቆጻጸርን ግዴታኡ ምዃኑ ክርዳእ ማለት እዩ።
እዚ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ ነዚ መላኺ ስርዓት’ዚ ንውሑዳት ሒዙ፡ ንዝበዝሑ ኣካል ሕበርተሰብ ከም ድላዩ ገይሩ ክጭቁኖን ክገዝኦን እንከሎ ሱቕ ኢሉ ከም ተዓዛባይ ጥራሕ ክጽበ ኣይግባእን። ከምቲ ቅድሚ ሎሚ ደቁ፥ ጉልበቱን፥ ንብረቱን እንተላይ ህይወቱ ዘወፈየ፥ ሎሚ እውን ካብዚ ንላዕሊ ነዚ ምልኪ ናብ ራህዋ ንምቕያር ዝያዳ ክረባረብ ዝግበኦ ምዃኑ ክግንዘብ ኣለዎ።
ነዚ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ መላኺ ስርዓት ንምቕያር ሓላፍነት ናይ ሰልፍታት፡ ውድባትን፥ ማሕበራትን ወይ ምሁራት ጥራሕ ዝምልከት ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ ነቲ ዝኸይድ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምእንቲ ከሕይሎ፥ ክድግፎን፥ ከጽንዖን፥ ክሳተፍን ክነጥፍን ኣለዎ። ውድባትን ሰልፍታትን ነናተን ርእይቶታትን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታትን ኣለወን። እዚ ግን እቲ ህዝቢ ብዝግባእ ተኸታቲሉ ክግስጽን ደገፈታኡ እንተስ ክህብ ወይ ክነፍግ ኣለዎ እምበር፡ ተዓዛቢ ክኸውን ኣይግበኦን። እቲ ለውጢ ዋንኡ ህዝቢ ምዃኑን እቲ ህዝቢ ነዚ ለውጢ ኣብ ጠቕሙ ዲዩ ኣይኮነን ክውዕል ክከታተል እምበር ናይ ስቕ መርገጽ ክሕዝ ኣይግባእን። ህዝቢ ኣብ ፖለቲካ ክሳተፍ እንከሎ፥ ነተን ኣለዋ ዝበሃላ ሰልፍታት ነዚ መላኺ ስርዓት ንምውዳቕ ሓቢረን ክቃለሳን፥ ሓባራዊ ሃገራዊ ራኢ ክውንናን ክደፋፍእን ደራኺ ሓይሊ ናይ ዓወት ክኸውን መበቐዐ። ከምዚ ክግበር እንከሎ እቲ ሽግር ኣማራጺ ፍታሕ ንምርካብ መቐለለ። ስለዚ ስቅያት ህዝቢ መዐለቢ ክረክብ እንተኾይኑ ህዝቢ ኣብ ፖለቲካ ክዋሳእን ክሳተፍን ናይ ግድን ይኸውን።
ህዝቢ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ሱታፌ እንተዘይብሉ ነቲ ዝሕንጸጽ ፖሊሲ ኣብ ረብሓኡ ከውዕሎ ኣይክእልን። ስለዚ እቲ ህዝቢ ናጽነቱ ይምንዛዕ እሞ ኣብክንዲ እቲ ስልጣን ዋንኡ ንሱ ምዃኑ ኣሚኑ ነቲ ስርዓት ምቕያር ተጸባዪ ይኸውን ።
ስለዚ ስርዓት ኣብ ምውዳቕ ሓላፍነትን ተሳትፎን ህዝቢ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ቀንዲ ዕላማ፡ ህዝቢ ዝቆጻጸሮ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ምምስራት እዩ። እዚ ከኣ ነቲ መሰረታዊ ዝኾነ መሰላት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ህዝቢ ንምክልኻል እዩ። እዚ ምክልኻል’ዚ እቲ ህዝቢ ኣብ ዝኾነ ይኹን ንጥፈታት፡ ማለት ኣብ ኣኼባታት፥ ሰላማዊ ሰልፍታት፥ ምርጫታትን ንሰልፍታትን ንዋታውን ሞራላውን ድገፋት ምብርካት ኣብ ዝኣመሰሉ ክሳተፍ ኣለዎ። በዚ ኣቢሉ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ሃገሩ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካ ክከታተሎን ክቆጻጸሮን ቅኑዕ ኢሉ ዝኣመነሉ ምርጫኡን ክወስድ ዘኽእሎ።
ኣብቲ ብዕለት 10-06-2017 ብግዱሳት ደቂ ኣንስትዮን፣ ብኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን ተዳልዩ ድራር ውጉኣት መደበር ከሰላ ምስዮት በዓል ብዓወት ተዛዚሙ። ኣብ ኣዳራሽ ዛልባው ጋሉስ ቫርተ ከተማ ፍራንክፈርት ካብ ሰዓት 16.00 ክሳዕ 23.00 ንእዋናዊ ሃለዋት መደበር ከሰላ ዘንጸባርቕን፣ ዝገልጽን ተንቀሳቓሲ ስእሊ ተሰንዩ ከም ዘምሰየን፣ ዝበዓለን ዝመጸና ሓበሬታ እነሆ።
ኣብዚ ዕዉት ምስዮት እዚ ብመሰረት ናይቲ ዝተራእየ ሓብሬታን፣ ዕዱማት ብዛዕባ ህሉው ኩነታት መደበር ኣልዒሎም እዚ መደበር እዚ ካብዚ ዘለዎ ኩነታት ባዕላቶም ዝናበርሉ መንገዲን ጥዑይ መነባብሮ ዝነብርሉን ካብ ህዝቦም ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ካልኦት ዓበይቲ ዜጋታትን፣ ዓበይቲ ገበርቲ ሰናያትን፣ገንዘባዊን ንዋታዊን ብርኩት ሓገዝ ክረኽቡ ከም ዝክኣልን፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ እዚ ማሕበር እዚ ሓደስቲ ማሕበርተኛታት ተመዝጊቦም ንማሕበር ከዳብርዎን፣ ብሰፊሕ ዘትዮምን ርእይቶታቶምን ለበዋታቶምን ለጊሶም።
ብድሕሪዚ ልብኻ ኣብ ዝሃለወሉ ትሕዝቶኻውን ኣሎ ከምዝብሃል ገንዘባዊ ኣስተዋጽኦም ብምልጋስ 1200.00 ( ሓደ ሽሕን ክልተ ሚእቲን ኤውሮ) ንመደበር ከሰላ ውጉኣት ሓርነት ተዋጺኡ ።
እዚ ሸውዓተ ሰዓታት ዝወሰደ ዕዉት ናይ ድራር ምሸት በተን ነዚ ዘዳለዋን፣ ዘዳለዉን ኣካላት ዝቐረበ ምዑዝ ድራርን ዝስተን እኹል ትሩፍ ብምንባሩ ዝኣክል ብደስታን ፈገግታን ዋዛ ምስ ቁምነገርን ዘሰነዮ ምሸት ኮይኑ ከም ዘምሰየ በዚ ኣጋጣሚ ነበስረኩም ።
ወዲ ሰብ ክፍጠር እንከሎ ብዘይካ ሳሕቲ ብገለ ሕማማት ተዘይተጠቒዑ፡ ምስ ምሉእ ጥዕንኡን ኣእምሮኡን እዩ ዝውለድ። ጎደሎ ዲዩ ምስ ምሉእ ጥዕንኡ ይወለድ ኣብ ቅድሚ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ኩሉ ባህሪያውን ሰብኣውን መሰላቱ ማዕረ እዩ። ይኹን እምበር ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ነናይ ገዛእ ርእሱ ደረት ከም ዘለዎ ርዱእ እዩ። ነታ ናቱ መሰል ንናይ ካልኦት መሰል ግሂሱ ዝፍጽም ብሕጊ ዘኽስሶ እዩ። እዚ መስመር ሕጊ ክጠሓስ እንከሎ እቲ ማዕርነት ይትንከፍ’ሞ ናብ ዘየድሊ ምፍሕፋሓት ገጹ የድህብ።
እቲ ሕጊ ጥሒሱ ክጎዓዝ ዝደሊ ነቲ ባህርያዊ መሰል ካለኦት ክጥሕሶ እንከሎ ስኽፍ ኣይብሎን። ብዝኾነ ግን ሕጊ ከይተጣሕሰ ንምትግብሩ ዝከኣል ኩነት፥ ወዲ ሰብ ክብሩ ሓልዩ ንኽብርን መሰልን ካልኦት ክሕሉ እንከሎ እዩ። ነቲ ሓባራዊ ክብርን መሰልን ዘይሕሉ፡ ግን ከኣ ነዓይ ጥራሕ ኣኽብሩኒ በሃላይ እንተኾይኑ ሽግር እዩ ዝፈጥር። ብፍላይ ከኣ እቲ ሕጊ ኣብ ልዕሊኡ ክትግበር እንከሎ ዝመሮ ኣካል ናይ ብሓቂ ንልዕልና ሕጊ ከኽብር ኣይክእልን እዩ።
ሕጊ ኩሉ ግዜ ሰባት ኣብ ነንሓድሕዶም ከይጓድኡን ከይተዓማመጹን ዝሕሉን ዝከላኸልን መንጎኛ ኮይኑ፡ ዝከባበሩሉ ሃዋህው ዝፈጥር እዩ። ሕጊ ልዕሊ ኩሉ ምዃኑ ኣሚንና ብኡ ክንግዛእ እንተዘይበቒዒና፥ እቲ ዘይምርድዳኣትን፥ ቅልውላዋትን፥ ናተይ እንተዘይሰማዕኩም ወይ ዘይተቐበልኩም ዝዓይነቱ ብሓባር ዘየንብር ኣተሓሳስባ እዩ ዝስዕርር። ኣብ ከምዚ ኩነታት፥ እቲ ሕጊ ካብ ዘይከበረ እቲ ፍታሕ ዘድልዮ ጸገማት ብፍንው ኣገባብ ይኸይድ እሞ ናብ ሃልክን ህልኽን ገጹ ብምኻድ ኣብ ክንዲ እወንታዊ ፍታሕ ኣሉታዊ ሳዕቤን እዩ ዘኸትል።
ዝኾነ ሽግር ፍታሕ ክርከበሉ ሕጊ ክኸበርን ክጸንዕን ኣለዎ። እቲ ሕጊ ክኸብር ኣለዎ ከበሃል እንከሎ ምዕማጽ፥ ኣድልዎን ሸለልትነትን ከምኡ እውን ነሓፍነት ክህሉ ኣይግባእን ማለት’ዩ። ንኹሉ ብማዕረ ዝቕይድ ሕጊ ካብ ኮነ ሕጊ ምኽባር ወይ ምምእዛዝ ማለት እወንታዊ ዝኾነ ክንሰርሕን ክንሓስብን እምበር ከም ቃሕታኻን ድላይካን ናብ ጸቢብ ጥቕማኻ ከምዝውዕል ናይ ምጥምዛዝ፡ ዘይምምእዛዝን ንግርጭት ብስልጡን ኣገባብ ንኽፍታሕ ዘይሕግዝን እዩ። ሓደ ካብቲ ኣፈታትሓ ግርጭት ድማ ነቲ ሕጊ ተማእዚዝካ ምኻድ እዩ። ምኽንያቱ ሕጊ እዩ ንሽግራት ናይ ምፍታሕ መግዲ ዝኸፍት። ሕጊ ምምእዛዝ ከኣ እዩ፡ ቅኑዕ ኣፈታትሓ ግርጭት ዝወልድ። እቲ ሕጊ ዋላ ኣንጻር ድሌትካ እንተኾነ፡ በቲ ነዓኻ ዝምእምኣካ ጥራሕ ክትሓስብ እንከለኻ ሕጊ ይጠሓስ ማለት እዩ።
ነቲ ብዛዕባ ሕጊ ዋላ ሓንቲ ዘይፈልጥ፡ ብሕጊ እንተዘይከድካ ኢልካ ዓቕሉ ክተጽብበሉ ኣድላዪ ኣይመስለንን። እቲ ሕጊ ዝፈልጥን ባዕሉ ኣብ ልዕሊ ባዕሉ ዝሓንጸጾ፡ ጥሕሰት ከዘውትርን ቀይዲ ክበትኽን እንከሎ ግና ዝግበኦ መቕጻዕትን መግናሕትን ክቕበል ናይ ግድን እዩ። ሕጊ ሓደ ሓባራዊ ዕላማ ንምዕዋትን ንምትግባርን እንሰማማዓሉ ግዴታ እዩ። ሕጋዊ ግደታ እዩ። ምኽንያቱ ንኹልና ብማዕረ ዝዳንየናን ወጻዒ መቕጻዕቱ ዝቕበለሉን ብምዃኑ ፖለቲካዊ ግደታ እዩ። ምኽንያቱ ብሕጊ ተቐይድና ንኹልና ዝተኣሳስረናን ዘርብሓናን ኣብ ምስራሕ ንዝመስረትናዮ ፖለቲካዊ ሰልፊ ቅኑዕነቱ ዘረጋግጽ ስለዝኾነ። ነዚ ፖለቲካዊ መስርሕ’ዚ ከኣ ካብዚ ሕጋዊ ግደታ ነቒልና፡ ውሳነታት ካብ ክመርሑና ኢልና ዝመረጽናዮም ኣካላት ተቐቢልና ኣብ ግብሪ ክነውዕል ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ንፍነውነትን ንናይ ገዛእ ርእስና ፍሉይ ረብሓን ጸቢብ ኣተሓሳስባን ክንብል፡ ነታ መራር ሓቂ ካብ ምቕባል ምድሕርሓር ቀይዲ በተኽነት እዩ ዘስዕብ።
ምምሕዳራዊ ውሳኔታት ካብቲ ሓፈሻዊ ዝተሓንጸጸ ሕጊ ከይወጸ ብናቱ መሳርሒታትን ቀየድቲ ዝኾኑ ነኣሽቱ ሕግታትን በቲ መሪሕነት ክሕንጸጽ ናይ ግድን እዩ። ነዚ ከኣ ኢና ካብቲ ሓፈሻዊ ሕጊ ነቒልና ነቲ ሓላፍነት ዝሃብናዮ መሪሕነት ክንምእዘዞ ናይ ግድን ዝኸውን። ጌጋ እንተልዩ ከኣ ነቲ መሪሕነት ኣብ ክንዲ ብስምዒት “ሆ” ዘበሃህሉኻ ጃንዳታት ምፍጣር፥ በቲ ግቡእ መስኖ ኣቢልካ ዕቃበኻ ምስማዕ ዝንፈግ መሰል ኣይኮነን። ካብኡ ወጻኢ ምኻድ ግና ነቲ ብሓባር ዝተለምካዮ ድሲፕሊን ይግህሶ እሞ ቃሕ ከከምዝበለና ክንውስንን ኣንጻር መሪሕነት ክንከይድን ንህንጠ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ደረት ስልጣን ሕውስውስ ነብሎ እሞ ነቲ ሓባራዊ ራኢና ዝጻባእን እቲ መሪሕነት ንሕግታትን ፖሊሲታትን ንሓባራዊ ረብሓታትና ዘገልግል ወይ ንኹልና እንተዘይኮነ ከኣ ንዝበዝሐ ዘዕግብ ክይሕንጽጽን ክይውስንን ምዕንቃጽ የኸትል። ክዉንን ዘይክዉንን ደዋዊስካ፡ ደርሆዶ እንቋቁሖ ይቕድም ዝዓይነቱ ተግባራትን ምትህልላኽን ምኽታል ንመስርሕ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ጐዳኢ ይኸውን። ስለዚ ገደብ ኣልቦ ናጽነት ዝህብ መሰል ፈጺሙ ስለዘየለ ነቲ ሕጊ ንምምእዛዝ ካሳብ ንስምዒትካ ኣሕሊፍካ ምሃብ ማለት ምዃኑ ክንርዳእ ኣሎና።
ኣብ ሕጊ ሰፊሩ ካብ ዝርከብ ኣገደስቲ ነጥብታት፡ በቲ ኣብ ምሕንጻጹ ብኣካል ተሳቲፍካ ይኹን ብውክልና ዝተሰማማዕካሉ መሰረት ነቲ ዝመረጽካዮ መሪሕነትን ዘጽደቕካዮ ሕግን ክትምእዘዝ ኣሎካ ዝብል ቀንዲ’ዩ። ዝተመርጸ መሪሕነት ነቲ ዝተሓንጸጸ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ኣብ ግብሪ ንምትርጓም ብዘውጽኦ ኣገባብ ኣመሓድራ ክተግብሮ ሓላፍነቱ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ውክልና ሂብካዮ ክንስኻ ብመሪሕነት ንዝተዋህበካ ትእዛዝ እንተ ብዕግበት ወይ ብጥርናፈ ተቐቢልካ ካብ ምፍጻም ካልእ ምርጫ የለን።
ንኣብነት ብመሰረት ቅዋም ጉባኤ መዓስ፡ ከመይን ኣበይን ይካየድ ዝውስን መሪሕነት እዩ ዝብል ሕጊ እንድሕሪ ጸዲቑ፥ እቲ ኣገባብ ኣወዳድባኡ ንዝምልከት እቲ መሪሕነት ብዝውስኖ፥ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣቚሙ መምርሒ ሂቡ ንስራሓታ እናተኸታተለ የተግብር። ነዚ ኣሰራርሓ ምጽባእ ከምቲ “ምሳር ኣብ ዘይለዓቱ” ዝበሃል ናብ ኣድማዕነት ዘይኮነስ ናብ ዝርጋን ከም ዝወስድ ነስተብል።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝመነ መግዛእቲ ኣትሒዙ ክሳብ እታ ኣብ ሃገሩ ንፋስ ነጻነት ዘተንፍሰላ ዕለት፡ ምእንቲ ሃገሩን ክብሩን ክእሰር፡ ክምቋሕን ክመውትን ዘካየዶ ቃልሲ መዳርግቲ የብሉን። ጎበጥቲ ሓይልታት ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክዘርጉን ኣብ ነንሓድሕዱ ከናቝቱን ዘይፈሓስዎ ሽርሒ ኣይነበረን። እዚ ምዃን ምስ ኣበዮም ከኣ እቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ሱዳንን ክትምቀል ዝመሃዝዎ ንድፊ፡ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ይፈታተን ምንባሩ ኣስላማዩ ክርስትያኑ ስለ ዘስተውዓሉ “ኣይፋል ንምክፍፋል” ብምባል ሃገር ኤርትራ ክትገሃድ ዘኽእል እምነ-መሰረት ሓድነታዊ ቃልሲ ኣንበሩ።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣርበዓታት ኣትሒዙ ብፖለቲካዊ ማሕበራት ክወዳደብ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ዘውዳዊ ስርዓት ሃይለስላሴን መጋበርያታቱን ነቲ መስርሕ ነጻነትን ዲሞክራስን ከሎ ጋና ከይሰሰነ ክቖጽይዎ ተበገሱ። ካብዚ ነቒሉ ህዝቢ ኤርትራ ብረት ኣልዒሉ ኣንጻር መግዛእቲ ህዝባዊ ቃልሲ ኣበገሰ። ይኹን እምበር ኣብቲ ፈለማ ብረታዊ ቃልሲ ዝተበገሰሉ ግዜ ኣብ መንጎ ማሕበር ሸውዓተን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ዝተረኽበ ዘይምርድዳእ ክሳብ ናብ ብረታዊ ጐነጽ ዘብጽሐ ምርጻማት ተኻየደ። ቅድሚኡ እቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ከተኣታትውዎ ዝፍትኑ ዝነበሩ ፈላላይን ኣናቛትን ሽርሒታት ዝነቐለ እቲ ምትእምማን ድኹም ነይሩ እንተተባህለ ጌጋ ኣይኮነን።
ቀጺሉ እቲ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝተረኽበ ምፍንጫላትን፥ ዝተኻየደ ውግእ ሓድሕድን ፖለቲካዊ ቁርቁስን ዘምጽኦ መዘዝ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብኣሉታ ዘይጸልይዎ እዩ። እዚ ጥርጠራን ዘይምትእምማንን ዝያዳ ጎሊሂ ዝተራእየሉ ከኣ፡ እቲ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ፡ ነቲ ኩነታት ቀጻሊ ሃገራውን ፖለቲካውን መዕለቢ ኣብ ክንዲ ዝገብረሉ ሓዊ ዘናኽስ ስጉምትታት ብምውሳድ ዘስዓቦ ሽግር ክሳብ ሕጂ ንደምበ ተቓውሞ ኣብ ነንሓድሕዱ ከም ዘይሰማማዕን ዘይተኣማመንን ገይሩ ሽግሩ ክይፈትሕ ቀፊዱ ሒዝዎ ኣሎ።
እቲ ግዜ ኣብ ስውራ ኣብ መንጎ ውድባት ዝካየድ ዝነበረ ናይ ስምረት ስምምዓት ከኣ ግዜ ንምኽሳብን ኩነታት ናብ ጠቕምኻ ንምቕያርን እምበር ንረብሓን ሓድነትን ህዝብን ሃገርን ተባሂሉ ዝኽተም ከምዘይነበረ ተግባር እዚ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ግርም ገይሩ ይሕብር እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ በብግዚኡ ዝውጽኦ ዝነበረ መጸዋዕታታትን መሰማምዒ ነጥብታትን ተቐባልነት ይረክብ ኣይነበርን። ኣብ ክንድኡ ነቲ መጸዋዕታ ብዘቆናጽብ መንፈስ ክትርጐምን ህዝቢ ርግእ ኢሉ ከይሓስበሉን ከየስተውዕሎን ብዝተፈላለዩ ወገናት ኣደናጋርን ተጻይን ተግባራት ይካይድ ነይሩ።
ሎሚ ከኣ እነሆ ሰደህኤ ከይሰልከየ ሓደ ንኹሉ ደላይ ለውጢ፥ ማሕበራት፡ ውልቀሰባትን፥ ተሓለቕቲ ስበኣዊ መሰላትን መጸዋዕታ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ እማመ ኣቕሪቡ ኣሎ። እቲ እዋኑን መድረኹን ከም ዝሕብሮ እቲ ነዚ ስርዓት እዚ ሓቢርካ ብምስራሕ እምበር በበይንኻ ተወዳዲብካ ዝገበርካ እንተገበርካ ንሰላምን ምርግጋእን ዘውሕስ ስለ ዘይኮነን፡ በዚ ኣተሃላልዋና ነዚ ስርዓት ጽንጽያ ዓይኑ ክነንፍረሉ ከምዘይንኽእል ግዜ የርእየና ኣሎ። ሎሚ ነንሓድሕድና እንጸላለመሉ፥ እንጻረፈሉን፥ እንወነጃጀለሉን መድረኽ ዘብቀዓሉ ክኸውን ይግበኦ።
እቲ ሎምን ጽባሕን እነተግብሮ መደባት ኣነጺርና ክንርዳእን ክፈላልየና ከምዘይብሉ ከነስተውዕልን ነፍሲ ወከፍ ውልቀሰብ ይኹን ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ነናቱ እዋናውን መጻእን እጃምን ሓላፍነትን ፈሊዩ ክፈልጥ የድሊ። እቲ ናይ ሎሚ ሓላፍነትና ወይ ከኣ ክንፍጽሞ ዝግበኣና ዕማም፡ ምስቲ ናይ ጽባሕ ናይ ህዝቢ ሓላፍነት ሓዋዊስና ክንጐዓዝ እንተዀንና ንዕድመ ስርዓት ክነሕጽሮ ዘይኮነ ክነናውሖን ሰቓይ ህዝብና ብማዕሪኡ ክዘይድን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ስለዚ ከምቲ እማመ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝእምቶ ናይ ሎሚ ስራሕናን ሓላፍነትናን ተገንዚብና ሓቢርና ከሳርሓና ዝኽእል መደብ ምውጻእን ምስምማዕን ይጽበየና ኣሎ። ነዚ ስርዓት እዚ ንምልጋስ ቀዳማይ ዕማም ተቓወምቲ ምዃኑ ርዱእ ኰይኑ፡ ፖለቲካዊ መድብ ዕዮ፥ ብምሕንጻጽና ጥራይ ንህግደፍ ክነልግሶ ኣይንኽእልን ኢና። ንመርጾ ኣገባብ ቃልሲ ብሓባር ከይንሰርሕ ዝዕንቅጸና ክኸውን ኣይግባእን። እንታይ ደኣ ሓቢሩ ከሳርሓና ዝኽእል ሓሳባት ቅድሚት ምስራዕ እዩ ዝዋጽእ። ንሱ ድማ እቲ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ናይ ጽባሕ ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ምዃኑን ድሕሪ ህዝቢ ዝኣምነሉ ቅዋምን ህዝቢ ዝቆጻጸሮ መንግስትን ንኽንምስርት ክንስማማዕ ይግባእ። እቲ ንፈላለየሉ ሓሳባት ድሕሪ ውድቀት እዚ ንሃገርናን ህዝብናን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ሰርዓት፡ ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝብና ኣብ ሕጋውን ደሞክራስያውን መድረኽ እነተግብሮ ምዃኑ ምእማንን ልዕሊ ኩሉ ሓላፍነት ህዝቢ ምዃኑ ብዕቱብ ክእምነሉ የድሊ።
ስለዚ እቲ ሎሚ ክንገብሮ ዝግበኣና ሓላፍነት እንታይ ምዃኑ ኣነጺርና ከምኡ እውን እቲ ናይ ጽባሕ ዕማም ናይ ህዝቢ ሓላፍነትን ስልጣንን ምዃኑ ክንጣበቕን ክንከላኽልን ምስ እንበቅዕ ብሓባር ከይንሰርሕ ምንም ዝዕንቅጸና የለን። ዝያዳ ንምብራህ ኩሉ ውድባትን ሰልፍታትን ዝምረሓሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ኣለዎ። እቲ ሕጂ ዝድለ ዘሎ መዋጸኦ ከኣ ነቲ ዝፈላልየና ኣካል መደብ ዕዮታትና ኣብ መጻኢ ብውሳነ ህዝቢ ንክውገን ኣወንዚፍና ኣብቲ እንሰማመዓሉ ኣብ ምውጋድ እቲ ስርዓት ዘተኮረን ዕማም ሓቢርና ክንሰርሕ ክንተብዕ እዩ።
ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩርናዕ ዓለም ዝነብር ህዝቢ፡ ኩሉ ግዜ ብኣሉታን እወንታን ከም ዝጸሉን ዝጽለውን ርዱእ እዩ። ከምኡ እውን ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ብዙሕ ዕንቅፋታት ከጋጥሞ ይኽእል። ነቲ ንሱ ዝሓልፎ ሽግርን መከራን ይኹን ራህዋን ቅሳነትን ግን ተመሊሱ ንመጻኢ ህይወቱን ህይወት ካልኦትን ብኣሉታ ዝጸሉ ክኸውን ኣይግበኣን።
ኩሉ ኣተሓሳስባና ምስ ግዜን ኩነታትን ክቕየር ስለዝኽእል፡ ንቕንዕናን ሰናይ ተግባርን ክውዕል ዝኽእል፡ ነቲ ናይ ትምኒታዊ ኣተሓሳስባና ክዕብልል ኣይግበኦን። እዚ ማለት ነቲ ነባር ኣተሓሳስባና ምስቲ ካብ ኩነታት ዝምንጩ ሓዲሽ ሓሳባት ደባሊቕና ካብ ምኻድን ምሕሳብን ነጻ ክንከውን የድሊ። ምኽንያቱ ነባር ወይ ኣረጊት ኣተሓሳስባ ናቱ ኣሉታዊ ግደ ክህልዎ ስለ ዝኽእል ነቲ እንጽበዮ በቲ ቅድም ዝነበረና ኣተሓሳስባ ክንከዶ እንተኾይና ግብራዊ ክኸውን ዘይክእል ስለ ዝኾነ።
ብዛዕባ ናይ ትማሊ ምሕሳብ ንግደፎ ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ መጻኢ ከመይን እንታይን ክኸውንን ክልወጥን እዩ ኢልና ምሕሳብ ነቐድም። ምኽንያቱ ንናይ መጻኢ ትልሚ ክትድህስስ ኣዝዩ ዝቐለለ ይኸውንን ናብ ጭቡጥ ዝኾነ ክትበጽሕ ስለ ዘኽእልን። እዚ ነቲ ብሉይ ኣተሓሳስባ ዘስዕቦ ኣሉታታት ኣብ ግምት ብምእታው ንመጻኢ ንምሕሳብ ብክፉት ልቦናን ቀልብን ምስ እንገጥሞ እወንታዊ ዝኾነ ውጽኢት ከስዕብ ይኽእል እዩ።
ኣተሓሳስባና ክምዕብል ኩሉ ግዜ ካብቲ ሕሉፍ ተመኩሮና ክንመሃር ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ትማሊ ኰንና ዝተለምናዮ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ክሰርሕ ክኢሉ እዩ ውጽኢት ዘርኣየ ወይ ዝመኸነ ንምርዳእ ስለ ዘኽእለና። ነዚ ከስርሕ ወይ ዘይክሰርሕ ዝገበረ ኩነታትከ ደጋዊ ዲዩ ወይ ውሽጣዊ ሽግራት ምርምርን ፍተሻን ምግባር ስለ ዘድሊ። ስለዚ ነቲ ትማሊ ዝተፈጸመ ኣሉታ ይኹን እወንታ ሓዋዊስና ጥዑይን ምዕቡልን ሓሳብ ክነጥሪ ወይ እውን ንዝርከብ ሽግራት ክንኣሊ ከጸግመና እዩ። እዚ ማለት እቲ እወንታ በቲ ኣሉታ ክዕብለል ዘይኮነስ፡ እቲ ኣሉታ እዩ በቲ እወንታ ክዕብለል ዝግበኦ። ንኣብነት እቲ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝተፈጸመ ጉድለታት ወይ ጌጋታትዶ ይረዝን ወይ እቲ ምእንትኡ ዝተቓለስናሉ ዝሃቦ ፍረ እዩ? ምምዛኑ የድሊ። እቲ ኣብ ሰውራ ዝተራእየ ጉድለታት ወይ ጌጋታት ነቲ ዝተረኽበ ሃገራዊ ነጻነት ፈጺሙ ክኾልፎ ኣይከኣለን። እቲ ዝተፈጸመ ጉድለታት ዋላ እኳ ሽዑ ክንፍውሶ እንተዘይከኣልና፡ ነቲ ዝገድፎ ስምብራት ክነህስሶ እዩ ዝግበኣና እምበር ለይቲ ምስ መዓልቲ ጸቢብ ስምዒታትና ንምርዋይ ክንጥቀመሉ ኣየድልን።
ስለዚ ሕጂ’ውን ነቲ ሕሉፍ ኣይንዘክሮ ንምባል ዘይኮነ፥ ነቲ ትማሊ ክንጥቀመሉ ዝተለምናዮ ኣብ ምንታይ ተዓዊቱ ኣብ ምንታይከ ፈሺሉ? ስለምንታይከ ከምኡ ኮይኑ? ዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ ርጉጽ ሓበረታ ረኺብና ንመጻኢ ዝጠቅም ክንወስድ እዩ እቲ ሕሉፍ ዝሕግዘና። እዚ ማለት እገለ ቀቲሉ፥ ኣሲሩ፥ ወይ ከምዝን ከምትን ገይሩ ኢልና ጭብጥን መርትዖን ዘይብሉ ኣብ “ኢሎሞ” ተመርኰስና ፍርዲ ክንህብ ዘይኮነስ፡ መጽናዕቲ ክካየድን ጭቡጥ ሓበረታ ክእከብን ዝከኣለሉ ጥጡሕ ባይታን ግዜን ምፍጣር የድሊ። እዚ ከኣ ናብቲ ፍርዲ ወይ ሕነ ምፍዳይ ገጽና ክንጎዓዝ ዘይኮነስ ነቲ ትማሊ ዝተጋገናዮ ተመሊስና ኣብ ናይ ጽባሕ ከይንደግሞ ዝሕግዘና ስለ ዝኾነ ኢና ብዛዕባ ሕሉፍ ምጽናዕ ዘገድሰና።
ይኹን እምበር ካብቲ ሕሉፍ ኣሉታዊ ተመኩሮ ተበጊስና ንመጻኢ ክንሓስብ ኣብ እንፍትነሉ እዋን ካብ ጥርጠራን፥ ሕማቕ ዝምባሌታትን ክንድሕን ሚዛናዊ ፍታሕ ክነምጽእ ንኽእል። መጻኢና ትስፍው ክንገብሮ እንኽእል፡ ከምቲ ፈሊጣውያን “ንሕሉፍ ዝቆጻጸር ንመጻኢ እውን ክቆጻጸር ይኽእል” ዝብልዎ፡ ዝሓለፈ ተመኩሮና ከም ታሪኽና ክንመሃረሉ ከምዘሎና ክንርዳእ የድሊ። እዚ ስለዝኾነ ነቲ ሕሉፍ ብግቡእ ክንፈልጦን ምዛናዊነት ሃልዩና ንኣተሓሳስባና ካብ ሕሉፍ ኣውጺእና ልቦና ዝመልኦ ሓሳብ ሒዝና ናበይ ገጽና ኢና ንጎዓዝ? ዝብል ሕቶ መልሊስና ኣብ ናይ ለውጢ ጐደና ክንጐዓዝ የድልየና።
ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያንኣብ ኣምስተርዳምን ከባቢኣን
እቲ ዋና ተልእኾ፥ ማሕበር ምጥርናፍ ኣምስተርዳምን ከባቢኣን፡
“ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ልዕላውነትን ብምርግጋጽ ፥ እዋናዊ መድረኻዊ ቃልስና፥ ሃገርን ህዝብን ካብዚ ወሪድዎ ዘሎ ስቓይ ንምድሓን ኣብ ዝሰፍሐ ንህዝብና ዝእክብን ዝጥርንፍን ዓውደ መቃለሲ ኣብ ትሕቲ ንጹርን ግሉጽን ሓባራዊ ባይታ ኣንጻር እቲ ጸረ - ፍትሒ ዝዀነ ስርዓት ህግደፍ ከምዝለዓል ምግባር እዩ ። “
ነዚ ንምዕዋት ፥ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ ብዘየገድስ ፥ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ይኹን ስቪካውያን ማሕበራት ዘሎ ወይ’ውን ብውልቁ ፥ ነዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝቃወምን ዝቃለስን ፥ ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፉ ሓደ ዓብን ሰፊሕን ምትእኽኻብ ብምምስራት ጥራይ እዩ ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሕ ዝኽእል ። ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምንቃል እምበኣር እዩ ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኡን ብዕለት 28-05-2017 ንኩልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሆላንዲ እንነብር፥ ኣብዚ ንኹልና ዝምልከት ጉዳይ ፡ ሓቢርና ክንዛተን ክንላለን፡ ሓብርና ክንሰርሓሉ እንኽእል መደባት ክንሰርዕን ፡ ብዝመደቦ መጸዋዕታ ምኩራትን ፡ ሰብ ሕልናን ደለይቲ ፍትሒ ፥ ነዚ መጸዋዕታ ኣኽቢሮም ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዝተሳተፍዎ ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ ።
ኣብዚ መዓልቲ’ ዚ ኣቦ መንበር ማሕበር : ንኣኼበኛ እንዃዕ ድሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባሉ ፥ ኣኼባ ነቶም ጀጋኑ ስዉኣትና ብምዝካር ብዝክረ-ሰማእታት ተጀሚሩ። መበል 26 ዓመት ጽንብል ነጻነት ሃገርና ኤርትራ ብምዝካር ፥ ነቲ ቅያ ሰርሑ ልዕላውነት ሃገር ዘውሓሰ ህዝቢ ኤርትራ ዮሃና ንብሎ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ንፍረ መስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ ጨውዩ ፥ ብስርዓት ህግደፍ ህዝብና ይሳቐን ፡ ይእሰርን ይበታተንን ብምህላዉ ዝስመዓና ሓዘን ኣስሚርሉ። ኣስዒቡ ፡ ልዕላውነት ሃገርና ክንዕቅቦ ዘሎና ሕላገት ታሪኽና ምዃኑ ፥ ዘተኮረ መግለጺ ብምውሳኽ ሓሳቡ ደምዲሙ ።
ቀጺሉ ፡ መምህር ኢብራሂም መሓመድ ዘዳለዎ ትምህርታዊ መግለጺ ብዛዕባ ሃገረ ኤርትራን ( ደውላ ኤርትራ )ብድሆታትን ኣመልኪቱ ዝገልጽ ፥ ዕሙቕ ዝበለ መግለጺ ኣቕሪቡ። ንሃገረ ኤርትራ ዘቖማ ኣዕኑድ ብዝርዝር ፥ ኤርትራ ፥ 1. ፍሉጥ ዶባትን ስፍሓትን ዘለዋ ፥ 2. ዝተፈላለየ ቋንቋታትን ፡ እምነታት ዝሓቖፈት ብሓድነት ዝነብር ህዝቢ ዘለዋ ፥ 3. ህዝቢ ብጅግንነቱ ብ1991 ነጻነቱን ልዕላውነቱን ዘውሓሰ ምዃኑ ብሰፊሑ ኣብሪህዎ። 4. እቲ ኣብ ኤርትራ በዂሩ ዘሎ ግን ግዝኣተ-ሕግን ፡ ብዂረት ህዝባዊ ዋንነት ስልጣንን ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ብድሕሪ’ ዚ መድረኽ ንኣኼበኛ ተኸፊቱ ። ኣብ ዝተኻየደ ናይ እንካን ሃባን ልዙብ ክትዓት ፡ ብዙሕ ሃናጺ ርእይቶታትን ለበዋታትን ወሪዱ። ኣብዚ መድረኽ’ዚ ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ፡ ቀዳማይን ቀንድን ዕላምኡ ኣንጻር ኣቲ ህዝብን ሃገርን ዘጥፍእ ዘሎ መላኺ ስርዓት ከቕንዕ ከወሃህድን ከምዘለዎ ርኢና።
- በዚ መላኺ ስርዓት ዝተበደለ ህዝቢ እዩ ዘሎና። ብፍላይ ድማ እቲ ሓድሽ፡ ወራሲ ክኸውን ዘለዎ መንእሰይ ወሎዶ ኣዝዩ ዝተበደለ ምዃኑን፥ ጥርኑፍ ናይ ቃልሲ ታሪኽን ተሞክሮን ንከነውርሶን ፡ካብ ግዳይ ናይ ኣህላኺ ተሞክሮ ምፍልላይን፡ ምቅንጻልን ክድሕን፥ ናይ ምእላዩ ተራ ክንጻወት ከምዘሎና መዚና ።
- ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተፈላለያ ማሕበራት ወይ ምትእኽኻባት ከምዘለዋን ፥ ብማዕሪኡ ዝርኤ ምጥርጣራትን ከምዘሎን ብጥቃስ ፥ ከምኡ’ውን ዘሰክፍ ምልዕዓላትን ጎስጓሳትን ብምምዛን፥ ነዚ ክዉንነት ፈጢሩ ዘሎ ጠንቅታት ብውሕሉል ኣገባብ ከነጽንዖ ከምዘሎና ርኢና ።
- ንፍትሕን ንለውጥን ዝቃለስ ሰብ ፥ መጀመርያ ንነብሱ ሓራ ከውጽኣ ከምዘለዎን
ኣኼበኛ ፥ ነቲ ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን ሒዝዎ ዘሎ መሰረታዊ ዕላማን ፥ እቲ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዘቕንዐ ፡ ብከተማ ዝጅምር ፡ ቦታዊ ምጥርናፍን ብልጫታቱን ቅኑዕ ምዃኑ ኣስሚሮሙሉ። ኣብ ካልኦት ከተማታት ብተመሳሳሊ መንገዲ ንክጥርነፋ ዘድሊ ምትሕብባር ክገብሩ ቃል ኣትዮም። እዚ ምስ ዝዕወት ድማ ንኩለን ከተማታት እትጥርንፍ ሓንቲ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ምምራጽ ። መደባታ ብምእኩል ኣገባብ ብምስራዕ ፡ ኩሉ’ቲ ዘድሊ ማሕበራውን ፖለቲካውን ስርሓታ ተካይድ። እቲ ተግባራዊ መስርሕ ነዚ ይመስል። ብተውሳኺ ሽማግለ ማሕበር ከይተሓለለት ነዚ ናይ ምጥርናፍ ጎስጓስ ክትቅጽሎ ለበዋ ቀሪቡ ።
ኣብ መድምደምታ ክንብሎ ንደሊ ፥ ግርማ ሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓድነቱ ዝተኣማመን፥ ጭዋ ተቓላሳይ ህዝቢ ምዃኑ ዘረጋገጾ ፥ ናይ ትማሊ ቃልሲ ኣንጻር ኩሎም ባዕዳውያን ዘካየዶ ህያው ምስክር ኣሎ። ነዚ ምስ እነለልዮ ኢና ኸኣ ኣብ ሃገርና ሰላምን ቅሳነትን ዝመልኦ ብስርዓተ-ሕጊ ዝመሓደር ሕብረተ ሰብ ክንሃንጽ ንኽእል። ንስርዓት ህግደፍ ዕድሜኡ ዘናውሖ ዘሎ ፥ ድኽመትናን ዘይምጥርናፍና እዩ። እንታይ ክንገብር ኣሎና ? ዝብል ሕቶ ፡ ኩሉ ብሃገሩን ህዝቡን ዝሓምም ኤርትራዊ ክምልሶ ዘለዎ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ጉዳይ እዩ ። ዋናታት ጉዳይና ንሕና ኢና። ናውቲ ሓድነት፡ ግሉጽነትን ፥ ተጻዋርነትን ምውናን ጥራይ እዩ ዘድሊ። ሕድሪ ጀጋኑ ሰማእታት ብሓቂ ህያው ኰይኑ ክነብር ዝኽእል ግቡእና ምስ ንገብር ጥራዩ ።
ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ !!!!
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታና !!!!
ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኡን
31-05-2017
ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣብ ኣምስተርዳምን ከባቢኣን ኣኼባ ኣካይዱ
Tuesday, 06 June 2017 06:07 Written by ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኡንእቲ ዋና ተልእኾ፥ ኤርትራን ልዕላውነትን ብምርግጋጽ ፥ እዋናዊ መድረኻዊ ቃልስና፥ ሃገርን ህዝብን ካብዚ ወሪድዎ ዘሎ ስቓይ ንምድሓን ኣብ ዝሰፍሐ ንህዝብና ዝእክብን ዝጥርንፍን ዓውደ መቃለሲ ኣብ ትሕቲ ንጹርን ግሉጽን ሓባራዊ ባይታ ኣንጻር እቲ ጸረ - ፍትሒ ዝዀነ ስርዓት ህግደፍ ከምዝለዓል ምግባር እዩ ። “
ነዚ ንምዕዋት ፥ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ ብዘየገድስ ፥ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ይኹን ስቪካውያን ማሕበራት ዘሎ ወይ’ውን ብውልቁ ፥ ነዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝቃወምን ዝቃለስን ፥ ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፉ ሓደ ዓብን ሰፊሕን ምትእኽኻብ ብምምስራት ጥራይ እዩ ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሕ ዝኽእል ። ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምንቃል እምበኣር እዩ ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኡን ብዕለት 28-05-2017 ንኩልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሆላንዲ እንነብር፥ ኣብዚ ንኹልና ዝምልከት ጉዳይ ፡ ሓቢርና ክንዛተን ክንላለን፡ ሓብርና ክንሰርሓሉ እንኽእል መደባት ክንሰርዕን ፡ ብዝመደቦ መጸዋዕታ ምኩራትን ፡ ሰብ ሕልናን ደለይቲ ፍትሒ ፥ ነዚ መጸዋዕታ ኣኽቢሮም ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዝተሳተፍዎ ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ ።
ኣብዚ መዓልቲ’ ዚ ኣቦ መንበር ማሕበር : ንኣኼበኛ እንዃዕ ድሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባሉ ፥ ኣኼባ ነቶም ጀጋኑ ስዉኣትና ብምዝካር ብዝክረ-ሰማእታት ተጀሚሩ። መበል 26 ዓመት ጽንብል ነጻነት ሃገርና ኤርትራ ብምዝካር ፥ ነቲ ቅያ ሰርሑ ልዕላውነት ሃገር ዘውሓሰ ህዝቢ ኤርትራ ዮሃና ንብሎ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ንፍረ መስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ ጨውዩ ፥ ብስርዓት ህግደፍ ህዝብና ይሳቐን ፡ ይእሰርን ይበታተንን ብምህላዉ ዝስመዓና ሓዘን ኣስሚርሉ። ኣስዒቡ ፡ ልዕላውነት ሃገርና ክንዕቅቦ ዘሎና ሕላገት ታሪኽና ምዃኑ ፥ ዘተኮረ መግለጺ ብምውሳኽ ሓሳቡ ደምዲሙ::
ቀጺሉ ፡ መምህር ኢብራሂም መሓመድ ዘዳለዎ ትምህርታዊ መግለጺ ብዛዕባ ሃገረ ኤርትራን ( ደውላ ኤርትራ )ብድሆታትን ኣመልኪቱ ዝገልጽ ፥ ዕሙቕ ዝበለ መግለጺ ኣቕሪቡ። ንሃገረ ኤርትራ ዘቖማ ኣዕኑድ ብዝርዝር ፥ ኤርትራ ፥ 1. ፍሉጥ ዶባትን ስፍሓትን ዘለዋ ፥ 2. ዝተፈላለየ ቋንቋታትን ፡ እምነታት ዝሓቖፈት ብሓድነት ዝነብር ህዝቢ ዘለዋ ፥ 3. ህዝቢ ብጅግንነቱ ብ1991 ነጻነቱን ልዕላውነቱን ዘውሓሰ ምዃኑ ብሰፊሑ ኣብሪህዎ። 4. እቲ ኣብ ኤርትራ በዂሩ ዘሎ ግን ግዝኣተ-ሕግን ፡ ብዂረት ህዝባዊ ዋንነት ስልጣንን ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ብድሕሪ’ ዚ መድረኽ ንኣኼበኛ ተኸፊቱ ። ኣብ ዝተኻየደ ናይ እንካን ሃባን ልዙብ ክትዓት ፡ ብዙሕ ሃናጺ ርእይቶታትን ለበዋታትን ወሪዱ። ኣብዚ መድረኽ’ዚ ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ፡ ቀዳማይን ቀንድን ዕላምኡ ኣንጻር ኣቲ ህዝብን ሃገርን ዘጥፍእ ዘሎ መላኺ ስርዓት ከቕንዕ ከወሃህድን ከምዘለዎ ርኢና።
- በዚ መላኺ ስርዓት ዝተበደለ ህዝቢ እዩ ዘሎና። ብፍላይ ድማ እቲ ሓድሽ ፡ ወራሲ ክኸውን ዘለዎ መንእሰይ ወሎዶ ኣዝዩ ዝተበደለ ምዃኑን፥ ጥርኑፍ ናይ ቃልሲ ታሪኽን ተሞክሮን ንከነውርሶን ፡ካብ ግዳይ ናይ ኣህላኺ ተሞክሮ ምፍልላይን፡ ምቅንጻልን ክድሕን፥ ናይ ምእላዩ ተራ ክንጻወት ከምዘሎና መዚና ።
- ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተፈላለያ ማሕበራት ወይ ምትእኽኻባት ከምዘለዋን ፥ ብማዕሪኡ ዝርኤ ምጥርጣራትን ከምዘሎን ብጥቃስ ፥ ከምኡ’ውን ዘሰክፍ ምልዕዓላትን ጎስጓሳትን ብምምዛን፥ ነዚ ክዉንነት ፈጢሩ ዘሎ ጠንቅታት ብውሕሉል ኣገባብ ከነጽንዖ ከምዘሎና ርኢና ።
- ንፍትሕን ንለውጥን ዝቃለስ ሰብ ፥ መጀመርያ ንነብሱ ሓራ ከውጽኣ ከምዘለዎን
ኣኼበኛ ፥ ነቲ ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን ሒዝዎ ዘሎ መሰረታዊ ዕላማን ፥ እቲ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዘቕንዐ ፡ ብከተማ ዝጅምር ፡ ቦታዊ ምጥርናፍን ብልጫታቱን ቅኑዕ ምዃኑ ኣስሚሮሙሉ። ኣብ ካልኦት ከተማታት ብተመሳሳሊ መንገዲ ንክጥርነፋ ዘድሊ ምትሕብባር ክገብሩ ቃል ኣትዮም። እዚ ምስ ዝዕወት ድማ ንኩለን ከተማታት እትጥርንፍ ሓንቲ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ምምራጽ ። መደባታ ብምእኩል ኣገባብ ብምስራዕ ፡ ኩሉ’ቲ ዘድሊ ማሕበራውን ፖለቲካውን ስርሓታ ተካይድ። እቲ ተግባራዊ መስርሕ ነዚ ይመስል። ብተውሳኺ ሽማግለ ማሕበር ከይተሓለለት ነዚ ናይ ምጥርናፍ ጎስጓስ ክትቅጽሎ ለበዋ ቀሪቡ ።
ኣብ መድምደምታ ክንብሎ ንደሊ ፥ ግርማ ሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓድነቱ ዝተኣማመን፥ ጭዋ ተቓላሳይ ህዝቢ ምዃኑ ዘረጋገጾ ፥ ናይ ትማሊ ቃልሲ ኣንጻር ኩሎም ባዕዳውያን ዘካየዶ ህያው ምስክር ኣሎ። ነዚ ምስ እነለልዮ ኢና ኸኣ ኣብ ሃገርና ሰላምን ቅሳነትን ዝመልኦ ብስርዓተ-ሕጊ ዝመሓደር ሕብረተ ሰብ ክንሃንጽ ንኽእል። ንስርዓት ህግደፍ ዕድሜኡ ዘናውሖ ዘሎ ፥ ድኽመትናን ዘይምጥርናፍና እዩ። እንታይ ክንገብር ኣሎና ? ዝብል ሕቶ ፡ ኩሉ ብሃገሩን ህዝቡን ዝሓምም ኤርትራዊ ክምልሶ ዘለዎ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ጉዳይ እዩ ። ዋናታት ጉዳይና ንሕና ኢና። ናውቲ ሓድነት፡ ግሉጽነትን ፥ ተጻዋርነትን ምውናን ጥራይ እዩ ዘድሊ። ሕድሪ ጀጋኑ ሰማእታት ብሓቂ ህያው ኰይኑ ክነብር ዝኽእል ግቡእና ምስ ንገብር ጥራዩ ።
ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ !!!!
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታና !!!!
ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኡን
31-05-2017
ናይ 1991 ሰንኰፍ ኣጀማምራ ነጻ ኤርትራ ንዘሎናዮ ፖለቲካዊ ሃለዋት ከመይ ከም ዝጸለዎ
Friday, 02 June 2017 04:41 Written by Woldeyesus Ammarመበል 26 ዓመት ዝኽሪ በዓል ናጽነት ኤርትራ ኣብ በይ-ኤርያ ብድምቀት ከቢሩ።
Tuesday, 30 May 2017 10:34 Written by ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ኣብ ሰሜን ኣመሪካኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማታት በይ-ኤርያ ኣብ ከተማ ኦክላንድ-ካሊፎርንያ ተኣኪቦም መበል 26 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ብ20 ግንቦት2017 ዓ.ም. ኣኽቢሮም። እቲ በዓል ብሓልዮት ንመብዛሕትአን ናይ ተቓውሞ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ከምኡ’ውን ውድባዊ ጸጊዕ ዘይብሎም ሃገራውያንን ዝጠርነፈ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ማሕበር “በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ” ዝተዳለወ እዩ ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት በዓል ናጽነት ብሙዚቃ ባንድ ዝተሰነየ ባህላዊ ጓይላ እዩ ዝኽበር ነይሩ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ግን መደባት ናይ ማሕበርን ኣብቲ በዓል ተረኺቡ ተሞክሮኡ መሰረት ብምግባር ብዛዕባ ታሪኽ ቃልስናን፣ ህልዊ ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ካብ ዝርከበሉ ሃለዋት ምልክን ጭቆናን መዋጽኦ ዝእምትን መግለጺ ዘቕርብ ጋሻ ብምዕዳም’ዩ ተኻይዱ።
ኣካያዲ ቦርድ ማሕበር “በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ” ንኽብሪ በዓል ናጽነት ዝተኸፍሎ መስዋእትነትን ንምዝካር ናይ ሓደ ደቒቕ ጸጥታ ብደውታ ንኣኼበኛ ብምሕታት ድሕሪ ምፍጻሙ፤ ዘዳለዎ ቃል ኣቕሪቡ። ኣብ ዘቕረቦ ቃል ብዛዕባ ማሕበር፣ ዘሳለጦ ዕማማት፣ ዘጋጥሞ ሕጽረታትን ንምፍትሑ ዝሕግዙ እማመታትን ብዝርዝር ሓቢሩ።
ኣካያዲ ቦርድ ማሕበር፣ ንሓያሎይ ኣባላቱ ካብ ገዳይም ተጋደልቲ፣ ንሃገራዊ ናጽነት ዘበርከትዎ ብምዝካር፣ ከይተሓለሉ ፍትሕን ሰላምን ንምንጋስ ምእንቲ ውጹዕ ህዝቢ ቃልሶም ዝቕጽሉ ዘለዉን “ምስክርነት ኣድናቖትን ምስጋናን” ዝብል ወረቐት ዓዲሉ።
ናይቲ በዓል መደብ ቀንዲ ጋሻ ዝዀነ ሓርበኛ ተጋዳላይ የማነ ተኽለገርግስ፣ ኣብ ከተማታት ሰሜን ኣመሪካ ካብ ዘካይዶ ዘሎ ዑደት፣ ኣብ ኦክላንድ ብኣቦ መንበር ማሕበር ምስጉን ሓጎስ ሌላን ድሕረ-ባይታን ተገሊጹ፡ ብኣወሃሃድነት ኣቦ መንበር ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሰሜን ኣመሪካ፣ ኤፍረም ናይዝጊ ኣኼባ ተጀሚሩ።
የማነ መንነቱ ድሕሪ ምልላይ ካብቲ ዝዓበየሉ ቦታ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቱ ካልኣይ ዓመት እናተኸታተለ ከሎ ደርጊ ዓጽዩ ናብ ወፍሪ “እድገት በህብረት” ክሰዶም ኣብ ምድላው ከሎ፡ ኣብ ሕልና የማነ “ኢትዮጵያዊ ወይ ኤርትራዊ ናይ ምዃን ሕቶ” ክምልስ ዝተገደደሉ እዋን ምንባሩ ብምዝካር እቲ ምርጫ ናብ ኤርትራ ተጓዒዙ፣ ብ1975 ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፉ። 1979 ኣባል ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ (ህዝባዊ ኤርትራዊ ሰውራዊ ሰልፊ, ኢ.ፒ.ር.ፒ) ኰይኑ እናተቓለሰ ጸኒሑ፣ ኣብ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ክሳብ 1983 ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣባል ክፍሊ ስለያ ድሕሪ ምምዳቡ ወኪል ናይቲ ውድብ ኣብ ሶማልያ ተመዚዙ ክሳብ 1988 ክቃለስ ምጽንሑ ሓቢሩ።

ኣብ ስእሊ ዘለዉ፡ ካብ ጸጋም ንየማን፡ ምስጉን ሓጎስ፣ የማነ ተኽለገርግስ፣ ኤፍረም ናይዝጊ
የማነ ኣብ መእተዊኡ ብዛዕባ ተሳተፍቲ’ቲ ኣኼባ ትዕዝብቱን ምስጋንኡን ክገልጽ ከሎ፡ ገዳይም ተጋደልትን መንእሰያትን ብሓባር ተኣኪብኩም፣ እተካይድዎ ንጥፈታት’ውን ካብቲ ክግለጽ ዝጸንሐ መደባት ክግንዘብ ስለዝኸኣልኩ ኣዝየ ሕጉስ እየ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ዘይነበረ ኣብዚ እዋን’ዚ ገኒኑ ዝርአ ዘሎ ኣውራጃዊ ፍልልያትን ካልእ ጸቕጥታትን ነጻ ኰንኩም ትቃለሱ ምህላውኩም ካብ ዘሐጐሰኒ እዩ፡ ምኽንያቱ ካብ ዝዀነ ይኹን ጸቕጥታት ነጻ ኰንካ ምቅላስ ቅኑዕ ናይ ዕላማ መሰረት ስለዝዀነ።
የማነ ካብ ተሞክሮኡ ብምንቃል ኣብ ረድዮ ወጋሕታን መርበብ ኣሰናን ሰፊሕን ዝርዝር ሓበሬታን ኣቐዲሙ ስለዝሃበ፣ ሕጂ’ውን ኣብ ምዝርጋሕ ዘሎ ባዕሉ ዝደረሶ መጽሓፍ ኣስፊሑ ገሊጽዎ ስለዘሎ ኣብዚ ብዙሕ ምዝርዛር ኣድላዪ ኣይከውንን፡ ይኹን’ምበር ገለ ካብቲ ኣገዳሲ ሓበሬታ ምጥቃስ ኣገዳስነት ኣለዎ።
ጀብሃን ሻዕብያን ክልተ ሃገራውያን ውድባት ንናጽነት ዝቃለሳን ዝስውኣን ምንባረን ናይ ገዛእ ርእሱን ካልኦትን ኣረዳድኣን ዕግበትን ምንባሩ፣ ናይ መሪሕነት ሻዕብያ ብፍላይ ናይ መራሒኡ ኢሳያስ ዕግበትን ዕላማን ግን ካልእ ምንባሩ ኣብ ጉዕዞ የንጸባርቕ ምንባሩ ገለ ካብ ዝጠቐሶ ከምዚ ዝስዕብ ይርከቦ፡
- ኣብ ሓደ ኣኼባ ንናይ ጀብሃ ስዉኣት ከም ዘይስዉኣት ክግለጽ ምስተፈተነ፣ ካብ ተጋደልቲ “ዝተሰውኡ ብጾትና ኣባላት ጀብሃ ስዉኣት ኣይኰኑን ማለት’ድዩ “ ዝብል ሕኑን ክትዕ ምስተላዕለ፡ ብትእዛዝ ከም ዝቋረጽ ተገይሩ፡ ድሕሪኡ ብዛዕብኡ ምክታዕ ከምዝተርፍ ተገይሩ።
- ኣብ 1975 ሓላፊ ክፍሊ ታዕሊም ባሕሪ ባራ ዝነበረ ስብሓት ኤፍረም፣ ምስ ሓሙሽተ ብጾት ገለ ካብኦም ሕጂ ኣምባሳደራት ኰይኖም ዘለዉ ክንመያየጥ ከሎና፣ ብዛዕባ ስምረት ምስ ጀብሃ ኣብ ዝተላዕለ ነጥቢ፣ ምስ ጀብሃ ስምረት የለን፣ ካብ ሕጂ ክትዳለዉ ኣለኩም፣ ሳልሕ ጠጠው ብናይ ጀብሃ ጥይት ክስዋእ ከሎ “ምስዚኦም ከይትዕረቑ ኢሉና እዩ ሓሊፉ” ክብል ገለጸ፡ እዚ ንናይ መሰረታት ናይ ስምረት ድሌት ንምቕታል ካብ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ፕሮፖጋንዳን ውግእ ሕድ-ሕድ ክቕጽሉ ስለዝደልዩን ዘቕርብዎ ዝነበሩ ኣበሃህላ እዩ ነይሩ።
- ኢሳያስ ረቂቕ ወዳቢ እዩ፤ “ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዘይተወደበ ኤርትራዊ ኣይኰነን” ይብል ነይሩን ኣሎን።
- ኢሳያስ ድሕሪ ምርግጋጽ ናጽነት፣ ብዛዕባ ምጥያስ ስደተኛታት ክዛረብ ከሎ ነቶም ብ1967 ዝተሰዱ ኣይንፈልጦምን ኢና፡ ነቶም ድሕሪ 1969 ዝተሰዱ ጥራይ ኢና ንፈልጥ ክብል ክሒዱ።
- ተጋደልቲ ናይ ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ኣብ ሳሕል መጺኦም ተዓሊሞምን ዓጢቖምን ንትግራይ ይምለሱ ነይሮም፡ ኣብ ጐኒ ሻዕባያ ኰይኖም’ውን ንጀብሃ ኣብ ምህራም ከምኡ’ውን ኣብ ምፍሻል ሻድሻይ ወራር ተሳቲፎም’ዮም። ንኣብነት ኣብ 1981 ኢሳያስ ወዲ ፍላንሳ ዝመርሓ በጠሎኒ ን5000 ተጋደልቲ ወያኔ ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ንምስጋር ኣብ ዝነበረ ሓለዋ ባዕለይ ዝነበርክዎን ዝተሳተፍክዎን ሓቂ እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝኣተዉ ብጠቕላላ ክሳብ 7500 ተጋደልቲ ይበጽሕ። ኢሳያስ ነዚ ክውንነት’ዚ ክሒዱ፣ ከም ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ጌሩ ከቕርቦም ምፍታኑ ምድንጋር’ዩ። ንሱን ሰዓብቱን ነዚ ግዙፍ ታሪኻዊ ሓቂ ንህዝቢ ከይሓበሩ፣ ክሒዶምን ኣጽቂጦምን ክነብሩ ገበነኛታት ተሓተትቲ ይገብሮም።
- ናይ ዝተሰውኡ ብዝሒ ቍጽሪ 69 ሽሕ ክብሉ ዘቕረብዎ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። ካብኡ ንላዕሊ እዮም ተሰዊኦም፡ ንዅሎም ስዉኣት ዘይምኽባር ጥልመት’ዩ።
የማነ ንኢሳያስ ብስራሕ ወይ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ይረኽቦ ስለዝነበረ ብዘይካ’ቲ ብወረ ዝሰምዖ ብቐረባ ክዕዘቦን ክፈልጦን’ውን ዕድል ስለ ዝረኸበ ነዚ ዝስዕብ ተገንዝቦኡ ኣካፊሉ።
Ø ዽሕሪ መስዋእቲ መራሒ ናይ ህዝባዊ ሓይልታት ዝነበረ ኣብርሃም ተወልደ ዝተገብረ ምርጫ፣ ሃብተስላሰ ገብረመድህን’ዩ ተመሪጹ፡ ኢሳያስ ንሃብተስላሰ “ኣነ ኣብ ጀብሃ ከለኹ ናይ ምምራሕ ተሞክሮ ስለዘለኒ ንዓይ ክትገደፈለይ ኣሎካ” ምስ በሎ፤ “ሕራይ ውሰዶ” ስለዝበሎ መራሒ ኰይኑ ሽዑ ዝጀመራ ክሳብ ሎሚ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ ህዝቢ የጋፍዕን ይጭቁንን ኣሎ።
Ø የማነ ብ1979 ኣባል’ታ ሕብእቲ ሰልፊ ምስ ኰነ ኣብቲ ናይ 1987 ዝተገብረ ናይ ሰልፊ ጉባኤ፣ ኢሳያስ ካብ ዘቕረቦ መደረ፡ “ኣብ ቻይና ክንመሃር ምስከድና ቻይናውያን ብዘይ ሰልፊ ክትዕወቱ ስለዘይትኽእሉ ሰልፊ ከተቝሙ ኣለኩም ምስ በሉና ሰልፍና ኣብኡ ጀሚርናያ፡ ነቲ ቅዋም ሰልፊ’ውን ባዕላቶም ጽሒፎም ሂቦምና” ዝብል ይርከቦ።
Ø ቅድሚ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ዝተዳለወ ጉባኤ ሰልፊ ናይ 1987፣ 366 ኣባላት ተጋቢእና፣ ኢሳያስ ካብ ዘቕረቦ ሓጺር ጸብጻብ “2ይ ጉባኤ ውድብና ድሕሪ 10 ዓመታት ከነካይዶ ኢና፡ ድሕሪ ቀዳማይ ጉባኤ ኣኼባ ኣይተኻየደን፡ ዝመረጽኩሞ መሪሕነት ኣይሰርሐን ጥራይ ዘይኰነ ብልሽውና’ውን ሳዕሪሩ” ክብል ምስ ገለጸ፡ ካብ ኣኼባኛ ከብርሆ ከምዘለዎ ደጋጊሙ ንዝቐረበሉ ሕቶታት፡ “ካብዚ ዝበልክዎ ንላዕሊ ዝብሎ የብለይን በለ።” ኣብኡ ዝነበሩ ኣባላት መሪሕነት’ውን ብዘይተቓውሞ ስቕ ኢሎም ሓሊፎሞ። ሰክረታርያ ኣኼባ ባዕሉ ሰለስተ ሰባት መሪጹ ራብዓዮም ከም ወለንተኛ ኰይኑ ኣብቲ ኣኼባ ገባርን ሓዳግን ኰይኑ ኣካይድዎ። ምርጫ ምስተኻየደ ድማ ኢሳያስ ባዕሉ ነቲ ድምጺ ቆጺሩ፡ 365 ካብ ኩሉ ዝልዓለ ድምጺ ረኺቡ ተመሪጹ። ድሕሪ ክልተ ወርሒ ድማ ናይ ግንባር ጉባኤ ክግበር ምዃኑ ተገሊጹ፡ እቲ ውሳኔታትን ዝምረጹ ሰባትን ግን ኣብታ ጉባኤ ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ተወዲኡ ነይሩ።
Ø ካብኡ ንሶማል ተመሊሰ መደበይ እናቐጸልኩ ከለኹ ብዙሕ ናይ ቅትለትን ምጭዋይን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ክገንን ኣብቲ ናይ ስለያ ንጥፈታት ክርኢ ከለኹ ሕልናይ ክጻወሮ ኣይከኣለን።
ብልሽውና መራሕቲ ሻዕብያ ኣብ ሜዳን ወጻእን ድሕሪ ምርኣየይ ምስ ሕልናይን ዕላማይን ዘይቃዶ ምዃኑ ምስ ዓገብኩ ሓዲገዮ ናብ ጀርመን ኣትየ ዑቕባ ሓቲተ ተቐቢሎምኒ እነብር ኣለኹ። ኣብ ልዕለይ ናይ ሞት ብይን ወሲዶም፣ ንዓይ ክቐትል ሓደ ኣባል ናብ ጀርመን ዝሰደድዎ ምስ 5 ሸጓጉጥ (ሳይለንሰር፡ ክትኩስ ከሎ ድምጺ ዘይብሉ) ምስ ዝቐትል መርዛም ከኒናታትን ሒዙ ዝኣተወ፡ ብጸጥታ ጀርመን ስለዝተታሕዘ እቲ መደብ ፈሺሉ።
ኣብ መደምደምታ፡ ኢሳያስ ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ፍልልያት ይዘርእን የስፍሕን ኣሎ፤ ሃገርነት የዳኽም ኣሎ፤ ፍልልያትን ጽበትን ወጊድና ሓድነትና ኣደልዲልና ከነልግሶ ንቃለስ። ኣነ ንናጽነት ኤርትራን ልዑላውነታን ብመትከል ዝኣምነሉን ንምልካዊ ስርዓት ኣልጊስካ ፍትሓዊትን ደሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ቃልሲ’ውን ግቡአይ ክፍጽም ድልው እየ ብምባል የማነ መግለጺኡ ዛዚሙ። ንዝቐረበሉ ሕቶታት’ውን መልስታትን መብርህን ሂቡ።