ምልኪ ብዲሞክራሲ ንምትካእ ሓላፍነትን ህዝቢ እዩ

2017-06-18 16:38:34 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2005 times

ሰውራ ኤርትራ ክብገስ እንከሎ ዕላምኡ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእትን ነቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘተኣታተዎ ደቛስን መዝማዝን ስርዓተ ምሕደራ ንምልጋስ እዩ ነይሩ። ህዝቢ ንሰውርኡ ብምሉእ ልቡን ቀልቡን ዘለዎ ንዋትን ጉልበትን ከይበቐቐ ሓብሒቡ ናብ ዓወት ኣብጺሑ እዩ።  እንተኾነ ነቲ ሰውራ ብኣግኡ ክከታተሎ፡ ክቆጻጸሮን ክእርሞን ኣብ ናይ ምውሳን ሱታፌ ስለዘይነበሮ እቲ ስርዓተ ምሕደራ ካብቲ ቅድም ዝሓሸ ከምዘይኮነ እነሆ ብዓይንና እንርእዮ ዘሎና እዩ።

ልክዕ እዩ ኤርትራ ነጻነታ ተጎናጺፋ ኣብትሕቲ ኣሰቃቒ ምልኪ ትካየድ ኣላ። እቲ ጐዲሉ ዘሎ ህዝቢ ዝመረጾ መንግስቲ ስለዘየለ፡ ህዝቢ ጌና ይጭቈንን ኣደራዕ ይወርዶን ስለ ዘሎ እዩ። እወ! ህዝቢ ንዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ብሃንቀውታ እዩ ዝጽበዮን ዝደልዮን። ግናኸ እዚ ብዘይ  ተሳትፎኡ ከመጽእ ዝጽበ እንተኾይኑ ኣዚዩ ዝገደደ ሽግር እዩ ከጓንፎ።

ድሌት ህዝቢ  ምስቲ ዝካየድ ለውጢ ፖለቲካዊ ስርዓት ዝምነዮ ክወሃሃድ እንተኾይኑ ሓላፍነቱን ግቡኡን ክፈልጥ ኣብ ፖለቲካ ክሳተፍ ናይ ግድን እዩ። ኣብ ፖለቲካ ምስታፍ ማለት ህዝቢ ብምሉኡ ኣብ ሰልፍታት ኣባል ክኸውን ዘይኮነ፡ እቲ እተን ሰልፍታት ሒዘንኦ ዘለዋ መደብ ዕዮ ንጥቕሙ ዲዩ ንጉድኣቱ ፈልዩ ክፈልጥ ይግበኦ። ምስ’ዚ ተተሓሒዙ ወይ ክነጽጎ ወይ ሞራላውን ንዋታውን ደገፉ ክልግሰሉ። ብፍላይ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሃገራት ዝርከብ ህዝቢ ተተመሊሱ ብጨቈንቲ ስርዓታት ከይደሃኽን እቲ መንግስቲ ናተይ እዩ ዝብሎ ክመርጽን ክቆጻጸርን ግዴታኡ ምዃኑ ክርዳእ ማለት እዩ።

እዚ ጉዳይ  ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ ነዚ መላኺ ስርዓት’ዚ ንውሑዳት ሒዙ፡ ንዝበዝሑ ኣካል ሕበርተሰብ ከም ድላዩ ገይሩ ክጭቁኖን ክገዝኦን እንከሎ ሱቕ ኢሉ ከም ተዓዛባይ ጥራሕ ክጽበ ኣይግባእን። ከምቲ ቅድሚ ሎሚ ደቁ፥ ጉልበቱን፥ ንብረቱን እንተላይ ህይወቱ ዘወፈየ፥ ሎሚ እውን ካብዚ ንላዕሊ ነዚ ምልኪ ናብ ራህዋ ንምቕያር ዝያዳ ክረባረብ ዝግበኦ ምዃኑ ክግንዘብ ኣለዎ።

ነዚ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ መላኺ ስርዓት ንምቕያር ሓላፍነት ናይ ሰልፍታት፡ ውድባትን፥ ማሕበራትን ወይ ምሁራት ጥራሕ ዝምልከት ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ ነቲ ዝኸይድ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምእንቲ ከሕይሎ፥ ክድግፎን፥ ከጽንዖን፥ ክሳተፍን ክነጥፍን ኣለዎ። ውድባትን ሰልፍታትን ነናተን ርእይቶታትን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮታትን ኣለወን። እዚ ግን እቲ ህዝቢ ብዝግባእ ተኸታቲሉ ክግስጽን ደገፈታኡ እንተስ ክህብ ወይ ክነፍግ ኣለዎ እምበር፡ ተዓዛቢ ክኸውን ኣይግበኦን። እቲ ለውጢ ዋንኡ ህዝቢ ምዃኑን እቲ ህዝቢ ነዚ ለውጢ ኣብ ጠቕሙ ዲዩ ኣይኮነን ክውዕል ክከታተል እምበር ናይ ስቕ መርገጽ ክሕዝ ኣይግባእን። ህዝቢ ኣብ ፖለቲካ ክሳተፍ እንከሎ፥ ነተን ኣለዋ ዝበሃላ ሰልፍታት ነዚ መላኺ ስርዓት ንምውዳቕ ሓቢረን ክቃለሳን፥ ሓባራዊ ሃገራዊ ራኢ ክውንናን ክደፋፍእን ደራኺ ሓይሊ ናይ ዓወት ክኸውን መበቐዐ። ከምዚ ክግበር እንከሎ እቲ ሽግር ኣማራጺ ፍታሕ ንምርካብ መቐለለ። ስለዚ ስቅያት ህዝቢ መዐለቢ ክረክብ እንተኾይኑ ህዝቢ ኣብ ፖለቲካ ክዋሳእን ክሳተፍን ናይ ግድን ይኸውን።

ህዝቢ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ሱታፌ እንተዘይብሉ ነቲ ዝሕንጸጽ ፖሊሲ ኣብ ረብሓኡ ከውዕሎ ኣይክእልን። ስለዚ እቲ ህዝቢ ናጽነቱ ይምንዛዕ እሞ ኣብክንዲ እቲ ስልጣን ዋንኡ ንሱ ምዃኑ ኣሚኑ ነቲ ስርዓት ምቕያር ተጸባዪ ይኸውን ።

ስለዚ ስርዓት ኣብ ምውዳቕ ሓላፍነትን ተሳትፎን ህዝቢ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ቀንዲ ዕላማ፡ ህዝቢ ዝቆጻጸሮ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ምምስራት እዩ። እዚ ከኣ ነቲ መሰረታዊ ዝኾነ መሰላት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ህዝቢ ንምክልኻል እዩ። እዚ ምክልኻል’ዚ እቲ ህዝቢ ኣብ ዝኾነ ይኹን ንጥፈታት፡ ማለት ኣብ ኣኼባታት፥ ሰላማዊ ሰልፍታት፥ ምርጫታትን ንሰልፍታትን ንዋታውን ሞራላውን ድገፋት ምብርካት ኣብ ዝኣመሰሉ ክሳተፍ ኣለዎ። በዚ ኣቢሉ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ሃገሩ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካ ክከታተሎን ክቆጻጸሮን ቅኑዕ ኢሉ ዝኣመነሉ ምርጫኡን ክወስድ ዘኽእሎ።

Last modified on Sunday, 18 June 2017 18:43