ዕዉት ናይ ድራር ምስዮት

2017-06-12 19:33:08 Written by  አፈወርቂ አባይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1760 times

               Meeting15.08                  

ኣብቲ  ብዕለት 10-06-2017 ብግዱሳት ደቂ ኣንስትዮን፣ ብኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን ተዳልዩ ድራር ውጉኣት መደበር ከሰላ  ምስዮት  በዓል  ብዓወት ተዛዚሙ። ኣብ ኣዳራሽ  ዛልባው ጋሉስ ቫርተ  ከተማ ፍራንክፈርት ካብ ሰዓት 16.00 ክሳዕ 23.00  ንእዋናዊ  ሃለዋት መደበር ከሰላ  ዘንጸባርቕን፣ ዝገልጽን ተንቀሳቓሲ ስእሊ ተሰንዩ  ከም  ዘምሰየን፣ ዝበዓለን  ዝመጸና ሓበሬታ እነሆ።

ኣብዚ ዕዉት ምስዮት እዚ ብመሰረት ናይቲ ዝተራእየ ሓብሬታን፣  ዕዱማት ብዛዕባ ህሉው ኩነታት መደበር ኣልዒሎም እዚ መደበር እዚ ካብዚ ዘለዎ ኩነታት ባዕላቶም ዝናበርሉ መንገዲን ጥዑይ መነባብሮ ዝነብርሉን  ካብ ህዝቦም ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ካልኦት ዓበይቲ  ዜጋታትን፣ ዓበይቲ ገበርቲ ሰናያትን፣ገንዘባዊን  ንዋታዊን ብርኩት ሓገዝ ክረኽቡ ከም ዝክኣልን፣ ኣብ ርእሲኡ  ድማ እዚ ማሕበር እዚ ሓደስቲ ማሕበርተኛታት ተመዝጊቦም ንማሕበር  ከዳብርዎን፣  ብሰፊሕ ዘትዮምን  ርእይቶታቶምን ለበዋታቶምን ለጊሶም።

ብድሕሪዚ  ልብኻ  ኣብ ዝሃለወሉ ትሕዝቶኻውን  ኣሎ ከምዝብሃል  ገንዘባዊ ኣስተዋጽኦም ብምልጋስ 1200.00 ( ሓደ ሽሕን ክልተ ሚእቲን ኤውሮ)  ንመደበር ከሰላ ውጉኣት ሓርነት ተዋጺኡ ።

እዚ  ሸውዓተ ሰዓታት ዝወሰደ ዕዉት ናይ ድራር ምሸት በተን ነዚ ዘዳለዋን፣ ዘዳለዉን ኣካላት ዝቐረበ ምዑዝ ድራርን ዝስተን እኹል ትሩፍ ብምንባሩ ዝኣክል ብደስታን  ፈገግታን  ዋዛ  ምስ ቁምነገርን  ዘሰነዮ ምሸት ኮይኑ  ከም ዘምሰየ በዚ ኣጋጣሚ ነበስረኩም ።

Last modified on Monday, 12 June 2017 21:40