ምሳር ኣብ ዘይለዓቱ ከይከውን

2017-06-12 17:34:35 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2374 times

ወዲ ሰብ ክፍጠር እንከሎ ብዘይካ ሳሕቲ ብገለ ሕማማት ተዘይተጠቒዑ፡ ምስ ምሉእ ጥዕንኡን ኣእምሮኡን እዩ ዝውለድ። ጎደሎ ዲዩ ምስ ምሉእ ጥዕንኡ ይወለድ ኣብ ቅድሚ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ኩሉ ባህሪያውን ሰብኣውን መሰላቱ ማዕረ እዩ። ይኹን እምበር ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ነናይ ገዛእ ርእሱ ደረት ከም ዘለዎ ርዱእ እዩ። ነታ ናቱ መሰል ንናይ ካልኦት መሰል ግሂሱ ዝፍጽም ብሕጊ ዘኽስሶ እዩ። እዚ መስመር ሕጊ ክጠሓስ እንከሎ እቲ ማዕርነት ይትንከፍ’ሞ ናብ ዘየድሊ ምፍሕፋሓት ገጹ የድህብ።

እቲ ሕጊ ጥሒሱ ክጎዓዝ ዝደሊ ነቲ ባህርያዊ መሰል ካለኦት ክጥሕሶ እንከሎ ስኽፍ ኣይብሎን። ብዝኾነ ግን ሕጊ ከይተጣሕሰ ንምትግብሩ ዝከኣል ኩነት፥ ወዲ ሰብ ክብሩ ሓልዩ ንኽብርን መሰልን ካልኦት ክሕሉ እንከሎ እዩ። ነቲ ሓባራዊ ክብርን መሰልን ዘይሕሉ፡ ግን ከኣ ነዓይ ጥራሕ ኣኽብሩኒ በሃላይ እንተኾይኑ ሽግር እዩ ዝፈጥር። ብፍላይ ከኣ እቲ ሕጊ ኣብ ልዕሊኡ ክትግበር እንከሎ ዝመሮ ኣካል ናይ ብሓቂ ንልዕልና ሕጊ ከኽብር ኣይክእልን እዩ።

ሕጊ ኩሉ ግዜ ሰባት ኣብ ነንሓድሕዶም ከይጓድኡን ከይተዓማመጹን ዝሕሉን ዝከላኸልን መንጎኛ ኮይኑ፡ ዝከባበሩሉ ሃዋህው ዝፈጥር እዩ። ሕጊ ልዕሊ ኩሉ ምዃኑ ኣሚንና ብኡ ክንግዛእ እንተዘይበቒዒና፥ እቲ ዘይምርድዳኣትን፥ ቅልውላዋትን፥ ናተይ እንተዘይሰማዕኩም ወይ ዘይተቐበልኩም ዝዓይነቱ ብሓባር ዘየንብር ኣተሓሳስባ እዩ ዝስዕርር። ኣብ ከምዚ ኩነታት፥ እቲ ሕጊ ካብ ዘይከበረ እቲ ፍታሕ ዘድልዮ ጸገማት ብፍንው ኣገባብ ይኸይድ እሞ ናብ ሃልክን ህልኽን ገጹ ብምኻድ ኣብ ክንዲ እወንታዊ ፍታሕ ኣሉታዊ ሳዕቤን እዩ ዘኸትል።

ዝኾነ ሽግር ፍታሕ ክርከበሉ ሕጊ ክኸበርን ክጸንዕን ኣለዎ። እቲ ሕጊ ክኸብር ኣለዎ ከበሃል እንከሎ ምዕማጽ፥ ኣድልዎን ሸለልትነትን ከምኡ እውን ነሓፍነት ክህሉ ኣይግባእን ማለት’ዩ። ንኹሉ ብማዕረ ዝቕይድ ሕጊ ካብ ኮነ ሕጊ ምኽባር ወይ ምምእዛዝ ማለት እወንታዊ ዝኾነ ክንሰርሕን ክንሓስብን እምበር ከም ቃሕታኻን ድላይካን ናብ ጸቢብ ጥቕማኻ ከምዝውዕል ናይ ምጥምዛዝ፡ ዘይምምእዛዝን ንግርጭት ብስልጡን ኣገባብ ንኽፍታሕ ዘይሕግዝን እዩ። ሓደ ካብቲ ኣፈታትሓ ግርጭት ድማ ነቲ ሕጊ ተማእዚዝካ ምኻድ እዩ። ምኽንያቱ ሕጊ እዩ ንሽግራት ናይ ምፍታሕ መግዲ ዝኸፍት። ሕጊ ምምእዛዝ ከኣ እዩ፡ ቅኑዕ ኣፈታትሓ ግርጭት ዝወልድ። እቲ ሕጊ ዋላ ኣንጻር ድሌትካ እንተኾነ፡ በቲ ነዓኻ ዝምእምኣካ ጥራሕ ክትሓስብ እንከለኻ ሕጊ ይጠሓስ ማለት እዩ።

ነቲ ብዛዕባ ሕጊ ዋላ ሓንቲ ዘይፈልጥ፡ ብሕጊ እንተዘይከድካ ኢልካ ዓቕሉ ክተጽብበሉ ኣድላዪ ኣይመስለንን። እቲ ሕጊ ዝፈልጥን ባዕሉ ኣብ ልዕሊ ባዕሉ ዝሓንጸጾ፡ ጥሕሰት ከዘውትርን ቀይዲ ክበትኽን እንከሎ ግና ዝግበኦ መቕጻዕትን መግናሕትን ክቕበል ናይ ግድን እዩ። ሕጊ ሓደ ሓባራዊ ዕላማ ንምዕዋትን ንምትግባርን እንሰማማዓሉ ግዴታ እዩ። ሕጋዊ ግደታ እዩ። ምኽንያቱ ንኹልና ብማዕረ ዝዳንየናን ወጻዒ መቕጻዕቱ ዝቕበለሉን ብምዃኑ ፖለቲካዊ ግደታ እዩ። ምኽንያቱ ብሕጊ ተቐይድና ንኹልና ዝተኣሳስረናን ዘርብሓናን ኣብ ምስራሕ ንዝመስረትናዮ ፖለቲካዊ ሰልፊ ቅኑዕነቱ ዘረጋግጽ ስለዝኾነ። ነዚ ፖለቲካዊ መስርሕ’ዚ ከኣ ካብዚ ሕጋዊ ግደታ ነቒልና፡ ውሳነታት ካብ ክመርሑና ኢልና ዝመረጽናዮም ኣካላት ተቐቢልና ኣብ ግብሪ ክነውዕል ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ንፍነውነትን ንናይ ገዛእ ርእስና ፍሉይ ረብሓን ጸቢብ ኣተሓሳስባን ክንብል፡ ነታ መራር ሓቂ ካብ ምቕባል ምድሕርሓር ቀይዲ በተኽነት እዩ ዘስዕብ።

ምምሕዳራዊ ውሳኔታት ካብቲ ሓፈሻዊ ዝተሓንጸጸ ሕጊ ከይወጸ ብናቱ መሳርሒታትን ቀየድቲ ዝኾኑ ነኣሽቱ ሕግታትን በቲ መሪሕነት ክሕንጸጽ ናይ ግድን እዩ። ነዚ ከኣ ኢና ካብቲ ሓፈሻዊ ሕጊ ነቒልና ነቲ ሓላፍነት ዝሃብናዮ መሪሕነት ክንምእዘዞ ናይ ግድን ዝኸውን። ጌጋ እንተልዩ ከኣ ነቲ መሪሕነት ኣብ ክንዲ ብስምዒት “ሆ” ዘበሃህሉኻ ጃንዳታት ምፍጣር፥ በቲ ግቡእ መስኖ ኣቢልካ ዕቃበኻ ምስማዕ ዝንፈግ መሰል ኣይኮነን። ካብኡ ወጻኢ ምኻድ ግና ነቲ ብሓባር ዝተለምካዮ ድሲፕሊን ይግህሶ እሞ ቃሕ ከከምዝበለና ክንውስንን ኣንጻር መሪሕነት ክንከይድን ንህንጠ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ደረት ስልጣን ሕውስውስ ነብሎ እሞ ነቲ ሓባራዊ ራኢና ዝጻባእን እቲ መሪሕነት ንሕግታትን ፖሊሲታትን ንሓባራዊ ረብሓታትና ዘገልግል ወይ ንኹልና እንተዘይኮነ ከኣ ንዝበዝሐ ዘዕግብ ክይሕንጽጽን ክይውስንን ምዕንቃጽ የኸትል። ክዉንን ዘይክዉንን ደዋዊስካ፡ ደርሆዶ እንቋቁሖ ይቕድም ዝዓይነቱ ተግባራትን ምትህልላኽን ምኽታል ንመስርሕ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ጐዳኢ ይኸውን። ስለዚ ገደብ ኣልቦ ናጽነት ዝህብ መሰል ፈጺሙ ስለዘየለ ነቲ ሕጊ ንምምእዛዝ ካሳብ ንስምዒትካ ኣሕሊፍካ ምሃብ ማለት ምዃኑ ክንርዳእ ኣሎና።

ኣብ ሕጊ ሰፊሩ ካብ ዝርከብ ኣገደስቲ ነጥብታት፡ በቲ ኣብ ምሕንጻጹ ብኣካል ተሳቲፍካ ይኹን ብውክልና ዝተሰማማዕካሉ መሰረት ነቲ ዝመረጽካዮ መሪሕነትን ዘጽደቕካዮ ሕግን ክትምእዘዝ ኣሎካ ዝብል ቀንዲ’ዩ። ዝተመርጸ መሪሕነት ነቲ ዝተሓንጸጸ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን ኣብ ግብሪ ንምትርጓም ብዘውጽኦ ኣገባብ ኣመሓድራ ክተግብሮ ሓላፍነቱ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ውክልና ሂብካዮ ክንስኻ ብመሪሕነት ንዝተዋህበካ ትእዛዝ እንተ ብዕግበት ወይ ብጥርናፈ ተቐቢልካ ካብ ምፍጻም ካልእ ምርጫ የለን።

ንኣብነት ብመሰረት ቅዋም ጉባኤ መዓስ፡ ከመይን ኣበይን ይካየድ ዝውስን መሪሕነት እዩ ዝብል ሕጊ እንድሕሪ ጸዲቑ፥ እቲ ኣገባብ ኣወዳድባኡ ንዝምልከት እቲ መሪሕነት ብዝውስኖ፥ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣቚሙ መምርሒ ሂቡ ንስራሓታ እናተኸታተለ የተግብር። ነዚ ኣሰራርሓ ምጽባእ ከምቲ “ምሳር ኣብ ዘይለዓቱ” ዝበሃል ናብ ኣድማዕነት ዘይኮነስ ናብ ዝርጋን ከም ዝወስድ ነስተብል። 

Last modified on Monday, 12 June 2017 19:40