ሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን: ኩሉ ዝከኣለና ንግበር

2017-06-09 05:06:53 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2112 times

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝመነ መግዛእቲ ኣትሒዙ ክሳብ እታ ኣብ ሃገሩ ንፋስ ነጻነት ዘተንፍሰላ ዕለት፡ ምእንቲ ሃገሩን ክብሩን ክእሰር፡ ክምቋሕን ክመውትን ዘካየዶ ቃልሲ መዳርግቲ የብሉን። ጎበጥቲ ሓይልታት ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክዘርጉን ኣብ ነንሓድሕዱ ከናቝቱን ዘይፈሓስዎ ሽርሒ ኣይነበረን። እዚ ምዃን ምስ ኣበዮም ከኣ እቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ሱዳንን ክትምቀል ዝመሃዝዎ ንድፊ፡ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ይፈታተን ምንባሩ ኣስላማዩ ክርስትያኑ ስለ ዘስተውዓሉ “ኣይፋል ንምክፍፋል” ብምባል ሃገር ኤርትራ ክትገሃድ ዘኽእል እምነ-መሰረት ሓድነታዊ ቃልሲ ኣንበሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣርበዓታት ኣትሒዙ ብፖለቲካዊ ማሕበራት ክወዳደብ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ዘውዳዊ ስርዓት ሃይለስላሴን መጋበርያታቱን ነቲ መስርሕ ነጻነትን ዲሞክራስን ከሎ ጋና ከይሰሰነ ክቖጽይዎ ተበገሱ። ካብዚ ነቒሉ ህዝቢ ኤርትራ ብረት ኣልዒሉ ኣንጻር መግዛእቲ ህዝባዊ ቃልሲ ኣበገሰ። ይኹን እምበር ኣብቲ ፈለማ ብረታዊ ቃልሲ ዝተበገሰሉ ግዜ ኣብ መንጎ ማሕበር ሸውዓተን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ዝተረኽበ ዘይምርድዳእ ክሳብ ናብ ብረታዊ ጐነጽ ዘብጽሐ ምርጻማት ተኻየደ። ቅድሚኡ እቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ከተኣታትውዎ ዝፍትኑ ዝነበሩ ፈላላይን ኣናቛትን ሽርሒታት ዝነቐለ እቲ ምትእምማን ድኹም ነይሩ እንተተባህለ ጌጋ ኣይኮነን።

ቀጺሉ እቲ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝተረኽበ ምፍንጫላትን፥ ዝተኻየደ ውግእ ሓድሕድን ፖለቲካዊ ቁርቁስን ዘምጽኦ መዘዝ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብኣሉታ ዘይጸልይዎ እዩ። እዚ ጥርጠራን ዘይምትእምማንን ዝያዳ ጎሊሂ ዝተራእየሉ ከኣ፡ እቲ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ፡ ነቲ ኩነታት ቀጻሊ ሃገራውን ፖለቲካውን መዕለቢ ኣብ ክንዲ ዝገብረሉ ሓዊ ዘናኽስ ስጉምትታት ብምውሳድ ዘስዓቦ ሽግር ክሳብ ሕጂ ንደምበ ተቓውሞ ኣብ ነንሓድሕዱ ከም ዘይሰማማዕን ዘይተኣማመንን ገይሩ ሽግሩ ክይፈትሕ ቀፊዱ ሒዝዎ ኣሎ።

እቲ ግዜ ኣብ ስውራ ኣብ መንጎ ውድባት ዝካየድ ዝነበረ ናይ ስምረት ስምምዓት ከኣ ግዜ ንምኽሳብን ኩነታት ናብ ጠቕምኻ ንምቕያርን እምበር ንረብሓን ሓድነትን ህዝብን ሃገርን ተባሂሉ ዝኽተም ከምዘይነበረ ተግባር እዚ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ግርም ገይሩ ይሕብር እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ በብግዚኡ ዝውጽኦ ዝነበረ መጸዋዕታታትን መሰማምዒ ነጥብታትን ተቐባልነት ይረክብ ኣይነበርን። ኣብ ክንድኡ ነቲ መጸዋዕታ ብዘቆናጽብ መንፈስ ክትርጐምን ህዝቢ ርግእ ኢሉ ከይሓስበሉን ከየስተውዕሎን ብዝተፈላለዩ ወገናት ኣደናጋርን ተጻይን ተግባራት ይካይድ ነይሩ።

ሎሚ ከኣ እነሆ ሰደህኤ ከይሰልከየ ሓደ  ንኹሉ ደላይ ለውጢ፥ ማሕበራት፡ ውልቀሰባትን፥ ተሓለቕቲ ስበኣዊ መሰላትን  መጸዋዕታ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ እማመ ኣቕሪቡ ኣሎ። እቲ እዋኑን መድረኹን ከም ዝሕብሮ እቲ ነዚ ስርዓት እዚ ሓቢርካ ብምስራሕ እምበር በበይንኻ ተወዳዲብካ ዝገበርካ እንተገበርካ ንሰላምን ምርግጋእን ዘውሕስ ስለ ዘይኮነን፡ በዚ ኣተሃላልዋና ነዚ ስርዓት ጽንጽያ ዓይኑ ክነንፍረሉ ከምዘይንኽእል ግዜ የርእየና ኣሎ። ሎሚ ነንሓድሕድና እንጸላለመሉ፥ እንጻረፈሉን፥ እንወነጃጀለሉን መድረኽ ዘብቀዓሉ ክኸውን ይግበኦ።

እቲ ሎምን ጽባሕን እነተግብሮ መደባት ኣነጺርና ክንርዳእን ክፈላልየና ከምዘይብሉ ከነስተውዕልን ነፍሲ ወከፍ ውልቀሰብ ይኹን ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ነናቱ እዋናውን መጻእን እጃምን ሓላፍነትን ፈሊዩ ክፈልጥ የድሊ። እቲ ናይ ሎሚ ሓላፍነትና ወይ ከኣ ክንፍጽሞ ዝግበኣና ዕማም፡ ምስቲ ናይ ጽባሕ ናይ ህዝቢ ሓላፍነት ሓዋዊስና ክንጐዓዝ እንተዀንና ንዕድመ ስርዓት ክነሕጽሮ ዘይኮነ ክነናውሖን ሰቓይ ህዝብና ብማዕሪኡ ክዘይድን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ስለዚ ከምቲ እማመ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝእምቶ ናይ ሎሚ ስራሕናን ሓላፍነትናን ተገንዚብና ሓቢርና ከሳርሓና ዝኽእል መደብ ምውጻእን ምስምማዕን ይጽበየና ኣሎ።  ነዚ ስርዓት እዚ ንምልጋስ ቀዳማይ ዕማም ተቓወምቲ ምዃኑ ርዱእ ኰይኑ፡ ፖለቲካዊ መድብ ዕዮ፥ ብምሕንጻጽና ጥራይ ንህግደፍ ክነልግሶ ኣይንኽእልን ኢና። ንመርጾ ኣገባብ ቃልሲ ብሓባር ከይንሰርሕ ዝዕንቅጸና ክኸውን ኣይግባእን። እንታይ ደኣ ሓቢሩ ከሳርሓና ዝኽእል ሓሳባት ቅድሚት ምስራዕ እዩ ዝዋጽእ። ንሱ ድማ እቲ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ናይ ጽባሕ ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ምዃኑን ድሕሪ ህዝቢ ዝኣምነሉ ቅዋምን ህዝቢ ዝቆጻጸሮ መንግስትን ንኽንምስርት ክንስማማዕ ይግባእ። እቲ ንፈላለየሉ ሓሳባት ድሕሪ ውድቀት እዚ ንሃገርናን ህዝብናን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ሰርዓት፡ ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝብና ኣብ ሕጋውን ደሞክራስያውን መድረኽ እነተግብሮ ምዃኑ ምእማንን ልዕሊ ኩሉ ሓላፍነት ህዝቢ ምዃኑ ብዕቱብ ክእምነሉ የድሊ።

ስለዚ እቲ ሎሚ ክንገብሮ ዝግበኣና ሓላፍነት እንታይ ምዃኑ ኣነጺርና ከምኡ እውን  እቲ ናይ ጽባሕ ዕማም ናይ ህዝቢ ሓላፍነትን ስልጣንን ምዃኑ ክንጣበቕን ክንከላኽልን ምስ እንበቅዕ ብሓባር ከይንሰርሕ ምንም ዝዕንቅጸና የለን። ዝያዳ ንምብራህ ኩሉ ውድባትን ሰልፍታትን ዝምረሓሉ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ኣለዎ። እቲ ሕጂ ዝድለ ዘሎ መዋጸኦ ከኣ ነቲ ዝፈላልየና ኣካል መደብ ዕዮታትና ኣብ መጻኢ ብውሳነ ህዝቢ ንክውገን ኣወንዚፍና ኣብቲ እንሰማመዓሉ ኣብ ምውጋድ እቲ ስርዓት ዘተኮረን ዕማም ሓቢርና ክንሰርሕ ክንተብዕ እዩ።

Last modified on Friday, 09 June 2017 07:12