ንዝመጽእ’ምበር ዝሓለፈ ክትልዉጥ ኣይከኣልን’ዩ

2017-06-07 18:41:49 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2187 times

ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩርናዕ ዓለም ዝነብር ህዝቢ፡ ኩሉ ግዜ ብኣሉታን እወንታን ከም ዝጸሉን ዝጽለውን ርዱእ እዩ። ከምኡ እውን ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ብዙሕ ዕንቅፋታት ከጋጥሞ ይኽእል። ነቲ ንሱ ዝሓልፎ ሽግርን መከራን ይኹን ራህዋን ቅሳነትን ግን ተመሊሱ ንመጻኢ ህይወቱን ህይወት ካልኦትን ብኣሉታ ዝጸሉ ክኸውን ኣይግበኣን።

ኩሉ ኣተሓሳስባና ምስ ግዜን ኩነታትን ክቕየር ስለዝኽእል፡ ንቕንዕናን ሰናይ ተግባርን ክውዕል ዝኽእል፡ ነቲ ናይ ትምኒታዊ ኣተሓሳስባና ክዕብልል ኣይግበኦን። እዚ ማለት ነቲ ነባር ኣተሓሳስባና ምስቲ ካብ ኩነታት ዝምንጩ ሓዲሽ ሓሳባት ደባሊቕና ካብ ምኻድን ምሕሳብን ነጻ ክንከውን የድሊ። ምኽንያቱ ነባር ወይ ኣረጊት ኣተሓሳስባ ናቱ ኣሉታዊ ግደ ክህልዎ ስለ ዝኽእል ነቲ እንጽበዮ በቲ ቅድም ዝነበረና ኣተሓሳስባ ክንከዶ እንተኾይና ግብራዊ ክኸውን ዘይክእል ስለ ዝኾነ።

ብዛዕባ ናይ ትማሊ ምሕሳብ ንግደፎ ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ መጻኢ ከመይን እንታይን ክኸውንን ክልወጥን እዩ ኢልና ምሕሳብ ነቐድም። ምኽንያቱ ንናይ መጻኢ ትልሚ ክትድህስስ ኣዝዩ ዝቐለለ ይኸውንን ናብ ጭቡጥ ዝኾነ ክትበጽሕ ስለ ዘኽእልን። እዚ ነቲ ብሉይ ኣተሓሳስባ ዘስዕቦ ኣሉታታት ኣብ ግምት ብምእታው ንመጻኢ ንምሕሳብ ብክፉት ልቦናን ቀልብን ምስ እንገጥሞ እወንታዊ ዝኾነ ውጽኢት ከስዕብ ይኽእል እዩ።

ኣተሓሳስባና ክምዕብል ኩሉ ግዜ ካብቲ ሕሉፍ ተመኩሮና ክንመሃር ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ ትማሊ ኰንና ዝተለምናዮ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ክሰርሕ ክኢሉ እዩ ውጽኢት ዘርኣየ ወይ ዝመኸነ ንምርዳእ ስለ ዘኽእለና። ነዚ ከስርሕ ወይ ዘይክሰርሕ ዝገበረ ኩነታትከ ደጋዊ ዲዩ ወይ ውሽጣዊ  ሽግራት ምርምርን ፍተሻን ምግባር ስለ ዘድሊ። ስለዚ ነቲ ትማሊ ዝተፈጸመ ኣሉታ ይኹን እወንታ ሓዋዊስና ጥዑይን ምዕቡልን ሓሳብ ክነጥሪ ወይ እውን ንዝርከብ ሽግራት ክንኣሊ ከጸግመና እዩ። እዚ ማለት እቲ እወንታ በቲ ኣሉታ ክዕብለል ዘይኮነስ፡ እቲ ኣሉታ እዩ በቲ እወንታ ክዕብለል ዝግበኦ። ንኣብነት እቲ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝተፈጸመ ጉድለታት ወይ ጌጋታትዶ ይረዝን ወይ እቲ ምእንትኡ ዝተቓለስናሉ ዝሃቦ ፍረ እዩ? ምምዛኑ የድሊ። እቲ ኣብ ሰውራ ዝተራእየ ጉድለታት ወይ ጌጋታት ነቲ ዝተረኽበ ሃገራዊ ነጻነት ፈጺሙ ክኾልፎ ኣይከኣለን። እቲ ዝተፈጸመ ጉድለታት ዋላ እኳ ሽዑ ክንፍውሶ እንተዘይከኣልና፡ ነቲ ዝገድፎ ስምብራት ክነህስሶ እዩ ዝግበኣና እምበር ለይቲ ምስ መዓልቲ ጸቢብ ስምዒታትና ንምርዋይ ክንጥቀመሉ ኣየድልን።

ስለዚ ሕጂ’ውን ነቲ ሕሉፍ ኣይንዘክሮ ንምባል ዘይኮነ፥ ነቲ ትማሊ ክንጥቀመሉ ዝተለምናዮ ኣብ ምንታይ ተዓዊቱ ኣብ ምንታይከ ፈሺሉ? ስለምንታይከ ከምኡ ኮይኑ? ዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ ርጉጽ ሓበረታ ረኺብና ንመጻኢ ዝጠቅም ክንወስድ እዩ እቲ ሕሉፍ ዝሕግዘና። እዚ ማለት እገለ ቀቲሉ፥ ኣሲሩ፥ ወይ ከምዝን ከምትን ገይሩ ኢልና ጭብጥን መርትዖን ዘይብሉ ኣብ “ኢሎሞ” ተመርኰስና ፍርዲ ክንህብ ዘይኮነስ፡ መጽናዕቲ ክካየድን ጭቡጥ ሓበረታ ክእከብን ዝከኣለሉ ጥጡሕ ባይታን ግዜን ምፍጣር የድሊ። እዚ ከኣ ናብቲ ፍርዲ ወይ ሕነ ምፍዳይ ገጽና ክንጎዓዝ ዘይኮነስ ነቲ ትማሊ ዝተጋገናዮ ተመሊስና ኣብ ናይ ጽባሕ ከይንደግሞ ዝሕግዘና ስለ ዝኾነ ኢና ብዛዕባ ሕሉፍ ምጽናዕ ዘገድሰና።

ይኹን እምበር ካብቲ ሕሉፍ ኣሉታዊ ተመኩሮ ተበጊስና ንመጻኢ ክንሓስብ ኣብ እንፍትነሉ እዋን ካብ ጥርጠራን፥ ሕማቕ ዝምባሌታትን ክንድሕን ሚዛናዊ ፍታሕ ክነምጽእ ንኽእል። መጻኢና ትስፍው ክንገብሮ እንኽእል፡ ከምቲ ፈሊጣውያን  “ንሕሉፍ ዝቆጻጸር ንመጻኢ እውን ክቆጻጸር ይኽእል” ዝብልዎ፡ ዝሓለፈ ተመኩሮና ከም ታሪኽና ክንመሃረሉ ከምዘሎና ክንርዳእ የድሊ። እዚ ስለዝኾነ ነቲ ሕሉፍ ብግቡእ ክንፈልጦን ምዛናዊነት ሃልዩና ንኣተሓሳስባና ካብ ሕሉፍ ኣውጺእና ልቦና ዝመልኦ ሓሳብ ሒዝና ናበይ ገጽና ኢና ንጎዓዝ? ዝብል ሕቶ መልሊስና ኣብ ናይ ለውጢ ጐደና ክንጐዓዝ የድልየና። 

Last modified on Wednesday, 07 June 2017 20:48