ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣብ ኣምስተርዳምን ከባቢኣን ኣኼባ ኣካይዱ

2017-06-06 04:07:57 Written by  ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኡን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1804 times

እቲ ዋና ተልእኾ፥  ኤርትራን ልዕላውነትን ብምርግጋጽ ፥ እዋናዊ መድረኻዊ ቃልስና፥ ሃገርን ህዝብን ካብዚ ወሪድዎ ዘሎ ስቓይ ንምድሓን  ኣብ ዝሰፍሐ ንህዝብና ዝእክብን ዝጥርንፍን ዓውደ መቃለሲ ኣብ ትሕቲ ንጹርን ግሉጽን ሓባራዊ ባይታ ኣንጻር እቲ ጸረ - ፍትሒ ዝዀነ ስርዓት ህግደፍ ከምዝለዓል ምግባር እዩ ። “

 

ነዚ ንምዕዋት  ፥ ናይ  ኩሉ ደላይ ፍትሒ ፖለቲካዊ  ኣረኣእያኡ ብዘየገድስ ፥ ኣብ ፖለቲካዊ ውድባት ይኹን ስቪካውያን ማሕበራት ዘሎ ወይ’ውን ብውልቁ ፥ ነዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝቃወምን ዝቃለስን ፥ ኣብ ሓደ ጽላል ተጠርኒፉ ሓደ ዓብን ሰፊሕን ምትእኽኻብ ብምምስራት ጥራይ እዩ ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሕ ዝኽእል ። ካብዚ ሓቂ’ዚ  ብምንቃል እምበኣር እዩ ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኡን ብዕለት 28-05-2017 ንኩልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሆላንዲ እንነብር፥  ኣብዚ ንኹልና ዝምልከት ጉዳይ ፡ ሓቢርና ክንዛተን ክንላለን፡  ሓብርና ክንሰርሓሉ እንኽእል መደባት ክንሰርዕን ፡ ብዝመደቦ መጸዋዕታ ምኩራትን ፡ ሰብ ሕልናን ደለይቲ ፍትሒ ፥ ነዚ መጸዋዕታ ኣኽቢሮም ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዝተሳተፍዎ ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ ።

 

ኣብዚ መዓልቲ’ ዚ ኣቦ መንበር ማሕበር : ንኣኼበኛ እንዃዕ ድሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባሉ ፥  ኣኼባ ነቶም ጀጋኑ ስዉኣትና ብምዝካር ብዝክረ-ሰማእታት ተጀሚሩ። መበል 26 ዓመት ጽንብል ነጻነት ሃገርና ኤርትራ ብምዝካር ፥ ነቲ ቅያ ሰርሑ ልዕላውነት ሃገር ዘውሓሰ  ህዝቢ ኤርትራ ዮሃና ንብሎ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ንፍረ መስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ ጨውዩ ፥ ብስርዓት ህግደፍ ህዝብና ይሳቐን ፡ ይእሰርን ይበታተንን ብምህላዉ ዝስመዓና ሓዘን ኣስሚርሉ።  ኣስዒቡ ፡  ልዕላውነት ሃገርና  ክንዕቅቦ ዘሎና ሕላገት ታሪኽና ምዃኑ ፥ ዘተኮረ መግለጺ ብምውሳኽ ሓሳቡ ደምዲሙ::

ቀጺሉ ፡ መምህር ኢብራሂም መሓመድ ዘዳለዎ ትምህርታዊ መግለጺ ብዛዕባ ሃገረ ኤርትራን ( ደውላ ኤርትራ )ብድሆታትን ኣመልኪቱ ዝገልጽ ፥ ዕሙቕ ዝበለ መግለጺ ኣቕሪቡ። ንሃገረ ኤርትራ ዘቖማ ኣዕኑድ ብዝርዝር ፥ ኤርትራ ፥ 1. ፍሉጥ ዶባትን ስፍሓትን ዘለዋ ፥ 2. ዝተፈላለየ ቋንቋታትን ፡ እምነታት ዝሓቖፈት ብሓድነት ዝነብር ህዝቢ ዘለዋ ፥ 3. ህዝቢ ብጅግንነቱ ብ1991 ነጻነቱን ልዕላውነቱን ዘውሓሰ ምዃኑ ብሰፊሑ ኣብሪህዎ። 4. እቲ ኣብ ኤርትራ በዂሩ ዘሎ ግን ግዝኣተ-ሕግን ፡ ብዂረት ህዝባዊ ዋንነት ስልጣንን ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ብድሕሪ’ ዚ መድረኽ ንኣኼበኛ ተኸፊቱ ። ኣብ ዝተኻየደ ናይ እንካን ሃባን ልዙብ ክትዓት ፡ ብዙሕ ሃናጺ ርእይቶታትን ለበዋታትን ወሪዱ። ኣብዚ መድረኽ’ዚ ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ፡ ቀዳማይን ቀንድን ዕላምኡ ኣንጻር ኣቲ ህዝብን ሃገርን ዘጥፍእ ዘሎ መላኺ ስርዓት ከቕንዕ ከወሃህድን ከምዘለዎ ርኢና።

  • በዚ መላኺ ስርዓት ዝተበደለ ህዝቢ እዩ ዘሎና።  ብፍላይ ድማ እቲ ሓድሽ  ፡ ወራሲ ክኸውን ዘለዎ መንእሰይ ወሎዶ ኣዝዩ ዝተበደለ ምዃኑን፥ ጥርኑፍ ናይ ቃልሲ ታሪኽን ተሞክሮን ንከነውርሶን ፡ካብ ግዳይ ናይ ኣህላኺ ተሞክሮ ምፍልላይን፡ ምቅንጻልን ክድሕን፥  ናይ ምእላዩ ተራ ክንጻወት ከምዘሎና መዚና ።
  • ኣብዚ እዋን’ዚ ዝተፈላለያ ማሕበራት ወይ  ምትእኽኻባት ከምዘለዋን ፥ ብማዕሪኡ ዝርኤ ምጥርጣራትን ከምዘሎን ብጥቃስ ፥ ከምኡ’ውን ዘሰክፍ ምልዕዓላትን ጎስጓሳትን ብምምዛን፥  ነዚ ክዉንነት ፈጢሩ ዘሎ ጠንቅታት ብውሕሉል ኣገባብ ከነጽንዖ ከምዘሎና ርኢና ።
  • ንፍትሕን ንለውጥን ዝቃለስ ሰብ ፥ መጀመርያ ንነብሱ ሓራ ከውጽኣ ከምዘለዎን 

 

ኣኼበኛ ፥ ነቲ ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን ሒዝዎ ዘሎ መሰረታዊ ዕላማን ፥ እቲ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዘቕንዐ ፡ ብከተማ ዝጅምር ፡ ቦታዊ ምጥርናፍን ብልጫታቱን ቅኑዕ ምዃኑ ኣስሚሮሙሉ። ኣብ ካልኦት ከተማታት ብተመሳሳሊ መንገዲ ንክጥርነፋ ዘድሊ ምትሕብባር ክገብሩ ቃል ኣትዮም። እዚ ምስ ዝዕወት ድማ ንኩለን ከተማታት እትጥርንፍ  ሓንቲ ኣወሃሃዲት  ሽማግለ ምምራጽ ። መደባታ ብምእኩል ኣገባብ ብምስራዕ ፡ ኩሉ’ቲ ዘድሊ ማሕበራውን ፖለቲካውን ስርሓታ ተካይድ። እቲ ተግባራዊ መስርሕ ነዚ ይመስል። ብተውሳኺ ሽማግለ ማሕበር ከይተሓለለት ነዚ ናይ ምጥርናፍ ጎስጓስ ክትቅጽሎ ለበዋ ቀሪቡ ።

ኣብ መድምደምታ ክንብሎ ንደሊ ፥ ግርማ ሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓድነቱ ዝተኣማመን፥ ጭዋ ተቓላሳይ ህዝቢ ምዃኑ ዘረጋገጾ ፥ ናይ ትማሊ ቃልሲ ኣንጻር ኩሎም ባዕዳውያን ዘካየዶ ህያው ምስክር ኣሎ። ነዚ ምስ እነለልዮ ኢና ኸኣ ኣብ ሃገርና ሰላምን ቅሳነትን ዝመልኦ ብስርዓተ-ሕጊ ዝመሓደር ሕብረተ ሰብ ክንሃንጽ ንኽእል።  ንስርዓት ህግደፍ ዕድሜኡ ዘናውሖ ዘሎ ፥ ድኽመትናን ዘይምጥርናፍና እዩ። እንታይ ክንገብር ኣሎና ? ዝብል ሕቶ ፡ ኩሉ ብሃገሩን ህዝቡን ዝሓምም ኤርትራዊ ክምልሶ ዘለዎ ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ጉዳይ እዩ ። ዋናታት ጉዳይና ንሕና ኢና።  ናውቲ ሓድነት፡ ግሉጽነትን ፥ ተጻዋርነትን ምውናን ጥራይ እዩ ዘድሊ። ሕድሪ ጀጋኑ ሰማእታት ብሓቂ ህያው ኰይኑ ክነብር ዝኽእል ግቡእና ምስ ንገብር ጥራዩ ።

ሰላምን ራህዋን ንህዝቢ ኤርትራ   !!!!

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታና !!!!

ማሕበር  ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኡን 

 31-05-2017

Last modified on Tuesday, 06 June 2017 06:21