ባንዴራ ወይ ሰንደቕ ዓላማ

2016-08-26 11:26:14 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 4705 times

ሰንደቕ ዓላማ ወይ ባንዴራ ከከም ኣጠቃቕምኡን እምነቱን ብዙሕ ትርጉማት ዝሓዘለ እዩ። ሰንደቕ ዓላማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጨርቂ እዩ ዝቕረጽ። እዚ ከኣ ምስ ገለ ታሪኽን ተረኽቦን ብምትእስሳር’ዩ ዝግለጽ። ስለምንታይ ብኸምኡ ይግለጽ ኣብ ገሊኡ ሓቀኛ ታሪኽ ትረክብ። ኣብ ገለኡ ከኣ ግጉይ ሓበረታ ክትረክብ ትኽእል።

መልእኽቲ ሰነደቕ ዓላማ ኣብ ናይ ሕብሪ ወይ ቀለም ወይ ፍልልያት ዝመርኰስ እዩ። እቲ ቀለማት ተልእኮ ንምግላጽ ዝምረጽ ምልክት ወይ መለለዪ እዩ። ንኣብነት ኣብ እንስሳ፡ ብፍላይ ኣብ ገመል ከብቲ ወይ’ውን ፈረስ ብሓዊ ብምትኳስ “ሕላገት ወይ ዕላመት ናይ ዓዲ እክለ” ተባሂሉ ክፍለጥ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝውቱር እዩ።

ጉጉል ከምዝገልጾ እቲ ኣብ ጨርቂ ዝሰኣል ይኹን ዝቕለም ምልክት ከም ዓላማ ወይ ሕላገት (symbol) ይውሰድ። መስቀል፥ ሴፍ፥ ማዕጺድ ምስ ማርተሎ፥ ገረብ፥ ኮኸብ፥ ሴፍ፡ ገረብ፡ ፍርቂ-ወርሒ፥ ንስሪ (eagle) ... ወዘተ ኣብ ባንዴራ ነናቶም ትርጉም ዝሓዘሉ እዮም። እቶም ትርጉማት ገሊኦም ንሃይማኖት ገሊኦም ድማ ንፖለቲካዊ እምነት ዝምልከቱ እዮም። እቶም ዝመርጽዎ ከኣ ስለምንታይ ከምዝጥቀሙሉ ምስ ግዜን ኩነታትን ዝሳነ ምዃኑ ይእምት።

ሰንደቕ ዓላማ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ይዝውተር። ሲቪላዊ ምንቅስቓስ፥ ወተሃደራዊ ተግባር፥ ኣብ ናይ ሓጐስን ሓዘንን ኣጋጣምታት፡ ዓለም ለኻዊ ፍጻመ፥ ሃይማኖታዊ እምነት፥ ስፖርታዊ ንጥፈታት፥ ፖለቲካ ስረሓት እዮም። ሰንደቕ ዓላማ እምበኣር ብዙሕ በብዓይነቱ ነጸብራቓትን ሕላገታትን ዘመልክት እዩ።

ንሃገራዊ ሰንደቕ ዓላማ ከም ኣብነት እንተወሲድና፡ ምስ ታሪኽ ናይ ሓደ ህዝቢ ወይ እውን ሓርበኛዊ ጀግንነቱ ዝተሓሓዝ እዩ። በዚ መሰረት ብዙሓት ወገናት ንሰንደቕ ዓላማ ከም ናይ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት መለለዪ ይጥቀሙሉ። ሰንደቕ-ዓላማ ኣብ ሃገራት ዓረብ ከም ምልክት ብርገድ፥ ኣብ ስጳኛ ከም ምልክት ቦጦሎኒ ይጥቀሙሉ። ነዚ ብዝምልከት’ውን ጉግል ዝህቦ መብርሂ ኣሎ።

ኣብ ሰንድቕ ዓላማ እቲ ሕብርታት ነናቱ ትርጉም ስለዘለዎ እቲ ሰንደቕ ዓላማ ዝመርጽ ኣካል ከከም ዝጥዕሞን ዝመረጾን ሓሳብ ገይሩ ይቐርጾ። ሰንደቕ ዓላማ ከም ምልክት ወይ ከም መለለዪ ኣብ ዝኾነ ተረኽቦ ክንጥቀመሉ ይከኣል እዩ። ንኣብነት ኣብ ጉዕዞ መርከብ፥ ኣብ ግዜ ውግእ፥ ኣብ ሃገራዊ በዓላት። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ዘንበልብሎ ኣካል ካበየነይቲ ሃገር ምዃኑ መፍለዪኡ እዩ። እዚ ምስ’ቲ ኣብ ወተሃደራዊ ናይ ምስጢር ለይቲ ዝበሃል ዝመሳሰል እዩ። ንኣብነት ኣብ ግዜ ጀብሃ ወይ ተሓኤ ሰራዊት ነታ ባንደራ ናይ ፈደረሽን ሒዙ እዩ ዝንቀሳቀስ ዝነበረ። እዚ ከኣ ተጋደልቲ ካብቶም ወተሃደራት ጸላኢ ንኽፍለዩ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ምልክት እዩ። ምኽንያቱ ካልእ መፍለዪ ስለዘይነብሮም። ኮታ ባንዴራ መን ምዃንካ ዘፍልጥ ወይ ዘመልክት ምስጢር ስለ ዝኾነ።

ኣብ ሰንደቕ ዓላማ እንጥቀመሎም ሕብርታት፡ ሰማያዊ፡ ጻዕዳ፥ ቀይሕ፥ ቀጠልያ፥ ብጫ፥ ጸሊም ይርከብዎም። እዚ ከኣ ሕብርታት ንብዙሕ ምዕባለታት ዝገልጹ ብምዃኖም ዘመልክት እዩ።

ትርጉም ሕብርታት ኣብ ሰንደቕ ዓላማ ሓደ ብሓደ እንተርኢናዮም ነናቶም ትርጉም ኣለዎም። ንኣብነት ባትና ኣተረጓጉማ፡ ጻዕዳ- ናይ ሰላም፥ ንጽህና፡ በረድ፡ ቅሳነት፡ ህድኣት። ሰማያዊ- ንሰማይ፥ ንባሕርን፡ ብጠቕላላ ንሃብቲ ማያትን ይውክል። ቀይሕ፡ ኣካላትና ሰለስተ ርብዒ ብፈሳሲ ዝተሃንጸ እዩ። ሓደ ካብኡ ከኣ ደም’ዩ። ንዓኡ ከኣ የመልክት። ስለዚ ደም ህይወት ስለ ዝህበና ቀይሕ ንዓኡ የመልክት፥ ህይወት፥ ፍቕሪ፥ ሓይሊ፥ ቅድሜኻ ሓደገኛ’ዩ ደውበል፥ ዝብል ናይ መጠንቅቕታ ትርጉም ከኣ ብቀይሕ ይውከል። ጸሊም፡ ውግእ፥ ዘይትስፉው መጻኢ የመልክት። ቀጠልያ፡ ፍርያምነት፥ ቆጻል መሬት፡ ዕሙር ገረብን ልምዓት የርኢ። ብጫ፡ ብርሃን ጸሓይን፥ ብሩህ መጽእን ይእምት። እስኪ ካብዚ ተበጊስና ንሰንደቕ ዓላማታትና ንምዘነን። እታ ቅድም ዝነበረት ሰንደቕ-ዓላማ ነዚ ትመስል፥-

Flag ELF

መጀመርያ በቲ ሰማያዊ ሕብሪ ንጀምር። ሰማያዊ ሕብሪ ንሰማይ፥ ንባሕርን ንማያትን የመልክት። እቲ ኣቑጽልቲ ከኣ ንልምዓት፥ ገረብ፡ ፍርያም መሬትን ናይ ሰላም ኣገዳስነትን የመልክት። ካልእ እቲ ናይ ቆጽሊ ኣውሊዕ ጨናፍር ባይቶ ኤርትራ ይኹን ኢሉ ዝተሰማምዑሉ እምበር ከምዚ ዝኣመሰለ ጨናፍር ዘለዎ ገረብ ስለ ዘሎ ኣይኮነን።

Flag Eritrea

ኣብዛ ዳሕረወይቲ ሰንደቕ ዓላማ እንተመጻእና ከኣ፡ እቲ ቀጠልያ ልምላመ፡ እቲ ሰማያዊ ባሕርን ማያትን፥ እቲ ቀይሕ ከኣ ምእንቲ ሃገር ዝተኸፍለ ክቡር ህይወትን ዝፈሰሰ ደምን ምዃኑ ተተርጒሙ ኣሎ። እታ ጨንፈር ኣውሊዕ ብጫ ምዃና፡ በቲ ትርጉም ባህሪ ናይ ሕብሪ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ እዩ። ይኹን እምበር ካብዚ ወጻኢ ትርጉም ክዋሃቦ እንከሎ ንቑጽ ጨንፈር እዩ ዘመልክት። በዚ ኮይኑ በቲ እቲ ናይ ብዙሓት ጀጋኑ ህይወት ዝተኸፍሎ ቃልሲ ምእንቲ ሃገር ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ምውጽእ እምበር ምእንቲ ሕብርን ምልክንት ሰንደቕ ዓላማ ኣይነበረን። ከምኡ ነይሩ እንተዝኸውን’ሞ እቲ ገዛኢ፡ ሰንደቕ ዓላማኹም ኣምበልብሉ እንተዝብለና ውን መተቐበልናዮ ነርና። ምኽንያቱ ናብቲ ካብ ባህግን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጥረ ፈደረሽን ተመለሱ ማለቱ ስለ ዝነበረ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ግና ካብዚ ዝዓሞቐ ትርጉም ነይርዎ።

ኣብዚ እዋን እዚ እታ ዳሕረወይቲ ባንዴራ እያ ናይ ሃገረ ኤርትራ ምልክት ኮይና ዘላ። እታ ናይ ግዜ ፈደረሽን ዝነበረት ኣብ ግዜ ቃልሲ ንኹሉ በረኻታት ኤርትራ ዝዳህሰሰት ሕርበኛ ሎሚ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ብወግዒ ኣይፈልጣን እዩ። እዚ ማለት ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ግቡእ ቦታ ማለት ብዘጽድቖ ቅዋም ኣቢሉ ኣብ ዝመርጾ ባይቶ ክሳብ ንበጽሕ እዛ ካልኣይቲ ከም ንኤርትራ ትውክል ምልክት ተቐቢልና ክንልለየላ ግዱዳት ኢና። ኣብቲ ህዝቢ ዝመረጾ መንግስቲ ምስ በጻሕና ግና እንታይ ዓይነት ባንዴራ ከም እንውለብልብ ምውሳን ስልጣን ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን እዩ። ካብዚ ክውንነት ብምንቃል’ዩ እምበኣር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ፍታሕ ኣብዚ እዋንዚ “ክልቲኤን ብሓባር ንጠቐመለን” ዝብል ሓሳብ ዘምጸአ። ብዓይኒ ሕጊ እንተኸድና እታ ኤርትራ ልኡላዊት ካብ ዝኾነትሉ ግዜ ጀሚራ ዝተሰቕለት’ሞ ዓለም ኣፍልጦ ዝሃባ ሰንደቕ ዓላማ፡ ብሕገ-መንግስታዊ ፈቓድ ህዝቢ ካሳብ ትቕየር ንኤርትራ ትውክል ክትከውን እያ።

ሕጂ እዘን ክልተ ባንዴራታት ንመን ይውክላ እንተልና ኢልና ምናልባት “ንጀብሃን ሻዕብያን” ንብል ንኸውን። ነቲ ጀብሃ ወይ ሻዕብያ ዝብል’ውን ነናቱ ትርጉም እዩ ዝወህቦ እምበር፡ ናይ ሓባር ምዃነን ዝኸልአን ኣይመሃለወን። ክዝንጋዕ ዘይግበኦ፡ ሰንደቕ ዓላማ ምስ ኩሉ ሕብርታቱ፥ ናይ ህዝብን ሃገርን እምበር ባህርያቱ ብዘየገድስ ናይ ሓላፊ መንግስቲ ኣይኮነትን። ስለዚ ንሰንደቕ ዕላማ ኣንድድ ኣይተንድድ፥ ነቲ ስርዓት ዝትንክፎ ኣይኮነን። ነቲ ስርዓት ዝትንክፎ ካብቲ ስልጣኑ በርቊቕካ ክትጉሕፎ እንከሎኻ ጥራሕ እዩ ። ስለዚ በዚ መሰረታዊ ዘይኮነ ነገር ክንዋጠጥን ክንሰሓሓብን ግዜና ከነባኽን ኣይግበኣናን።

ድራር መንታይ

Last modified on Friday, 26 August 2016 13:35