ብ5-07-2016 ባይቶ መንግስቲ ነዘርላንድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብጉዳይ ኤርትራ ብዝምልከት ብዛዕባ ዝተኻተዓሉ ድምጺ ምሃብ ንይሩ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ማርቲን ፕላውት ብእንግሊዘኛ ዘቕረቦ ዘይዕላዊ ጽማቕ ናይቲ ዝተወስደ ውሳነታት እዩ። እቲ ጽማቑ ናይቲ ኣብ ድምጺ ዝቐረብ ርእይቶታት ዝተገልገሉሉን ኣዝሚንን ችርድስማን ብዝነደፍዎ ዝተዋሀብ ጭቡጥ መረጋገጽን፥
1፡) እቲ መረጋገጺ ከም ዘመልክቶ ኤምባሲ ኤርትራ ንመንግስቱ ዘርብሕ ናይ ቀረጽ ምእካብ ኣገዳሲ ግደ ከም ዘለዎን፥ ኣብ ነዘርላንድ ዝቕመጡ ኤርትራውያን 2% ካብ እቶቶም ቀረጽ እንተዘይከፊሎም ከም ዘፈራርሕዎምን ዘጉባዕቡዑሎምን ምልክታት ብምህላዉ፥ ነዚ ቀረጽ ናይ ምኽፋልን ነቲ ኣብ ኣብ ውሽጡ ዝፍጽሞ ግጉይ ኣገባብን ደው ከብሎ። ነዚ ብዘይ ኣግባብ ዝጥቀመሉ መንግዲ ደው ምስ ዘየብሎ ከኣ ኤምባሲኡ ዝዕጾ ምዃኑ መንግስቲ ነዘርላንድ ንኣንበሳደር ኤርትራ ጸዊዑ ክገልጸሉ ጠለብ ቀሪቡ።
2) 50% ኣብ ነዘርላንድ ካብ ዝንቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ መንግስቲ ነዘርላንድ ኣብ ዝረኽብዎ ሓገዝ እዮም ዝምርኰሱ። ንሕና በዚ ብመልክዕ ግብሪ ብዝኸፈል 2% ገንዘብ ንስርዓት ኤርትራ ክንሕግዝ የብልናን ዝብል’ዩ ርእይቶና። ነዚ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝኽፈል ናይ ዳች ቀረጽ ደው ንምባል መንግስቲ ነዘርላንድ ውሳኔ ንክወስድ ንጠልብ።
3) እዚ ስርዓት እዚ ካብ ኣብ ዓለም ኣለዉ ዝበሃሉ ጨቘንቲ ስርዓታት ኣዝዩ ዝኸፍአን፥ ኤርትራውያን ካብዚ ወጽዓ እዚ ክሃድሙን፥ ማሕበረ-ቁጠባዊ ልምዓት ዘስኣነ ብምዃኑ፥ መንግስቲ ነዘርላንድ ነቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ንምሃብ ተዳልዩ ዘሎ 200 ሚልዮን ዩሮ ንኸይሰማማዓሉን፥ ኣብ ክንድኡ ኣብቲ ዞና ንመቐበሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክውዕል ንጠልብ።
4) ኣልሸባብ ኣብቲ ናይ ሃገራውን ኤውሮጳውን መዝገብ ፈጠርቲ ራዕዲ ክምዝገብ ንመንግስቲ ነዘርላንድ ንጠልብ።
5) ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣንጻር ሰብኣውነት ዝካየድ ዘሎ ግፍዕን፡ ብናይ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ሽማግለ ብጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝተዋሀበ ኣሰንባዲ ሓበረታን፡ ጌና ምምሕያሽ ዘይተገብረሉ ምዃኑን፥ ኣብ ኢድ ሕቡራት ሃገራት ናይ ጽጥታ ቤት ምኽሪ በጺሑ፥ ኣብ ኤርትራ ንዝግበር ግፍዒ ኣንጻር ሰብእውነት ደው ንምባል ግቡእ ስጒምቲ ክውሰድ ዝብል ርእይቶ ንድግፍ። መንግስቲ ነዘርላንድ እቲ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ከመሓላልፎን ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ግፍዕታት ኣንጻር ሰብኣዊነት ምግጣም ዝዓለመ ጻውዒት ንሕቡራት ሃገራት መንግስታት ከቕርብ ጠሊቡ።
6) ኣብ ነዘርላንድ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ስርዓት ኤርትራን ተሓባበርቱን ሓለዋ ከም ዘድልዮም ግድን ብምዃኑ፡ መንግስቲ ነዘርላንድ እንተ ወሓደ ነቲ ብ (COA) ወለንተኛታትን እቶም ናብዚ ትካል እዚ ከም ናይ YPFDJ ሆላንድ ምስቲ ስርዓት ዝምድና ዘለዎም ዝቐርቡ ሕጹያት ዝግበር ምጽራይ ክናዋሕን ኣድላዪ መርመራ ክገብርን ከም ዘለዎ ይጠልብ። COA) (ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ ዑቕባ እዩ)።
7) ኣብ ሄግ ዘሎ ቆንስል ኤርትራ ምስ ብሓይሊ ናይ ምምንዛዕን ምርዓድን ምትእስሳር ከም ዘለዎ ብምዕዛብ፥ መንግስቲ ነዘርላንድ ነዚ ኣብ ሄግ ዝርከብ ቆንስል ኤርትራ ኣብ ናይ ግፍዓዊ ተግባራት ምስታፉ ምጽራይ ክጅምር ይጠልብ።
8) ኣብ ኤርትራ ዘሎ መላኺ ስርዓት፡ ብመርመራ ሕቡራት ሃገራት መስረት፥ ዝፍጽሞ ግፍዒ ኣንጻር ሰባኣውነት ገበነኛ ምዃኑ፥ ንኣልሸባብ ምሕጋዙን ኣብ ደገ ነዚ ስርዓት ዝምውል ብሓይሊ ዝኽፈል ቀረጽ ብምእካብ ንኣሸባሪ ውድብ ክድግፍ ዘኽእሎ ብምዃኑ፥ እዚ ብኤርትራ ዝግበር ኣብ ዲያስፖራ ምእካብ ግብሪ ብምርኣይ ምስቲ ተግባር ምምንዛዕን ምርዓድን ተደሚሩ፥ መንግስቲ ነዘርላንድ ነዚ ናይ ዲያስፖራ ምእካብ ግብሪ ብሕጊ ዝኽልከለሉ መርመራ ምክያድን፡ ዓለም-ለኻዊ ኣማኸርቲ ሕጊ ብምሕታት መንግስቲ ነዘርላንድ ኣብ ክሊ እቲ ናይ ኢውሮጳ ሕብረት ኣንጻር ነዊሕ ቅልጽም ኤርትራን ካልኦትን፡ ናይ ዲያስፖራ ቀርጽ ምኽፋል ድው ዝብለሉ ስጉምቲ ምውሳድ ይጠልብ።
9) ንመንግስቲ ነዘርላንድ ብዛዕባ ኣብ ነዝረላንድ ዝርከቡ ወከልቲ ስርዓት ኤርትራ ሓበሬታ ከቕርብን ንባይቶ ከኣ ኣብ ዝቐለጠፈ ግዜ ክሕብርን ይጠልብ።
10) መንስግቲ ነዘርላንድ ምስቲ ኣጠቓቕማን ኩነታት ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ባህርን ዓቕምን ናይ ዲያስፖራ ንስርዓት ኤርትራ ዝኽፈል ግብሪ ምጽራይ ንምክያድ ተበግሶታት ክጅምር ይጠልብ።
11) መንግስቲ ነዘርላንድ እቲ ንኤርትራ ዝዋጻእ ገንዘብ ክድስክልን ኣብ ክንድኡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ወይ ከኣ ካልኦት ዘይመንግስታውን ማሕበራት ከም ዝጥቀማሉ ክገብር ንኤውሮጳዊ ኮሚሽን ጻውዒት ከቕርብ ይጥለብ።
ድራር ማንታይ
ህዝቢ ኤርትራ ጸላእቲ እግሮም ካብ ዝተኽሉ ኣትሒዙ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ከይተሓለለ ብዘካየዶ ቃልሲ እዩ ንሃገሩ ናጻ ኣውጺእዋ። ልክዕ እዩ መንእሰይ ደራኺ ሓይልን ለውጥን ምዃኑ ዘካትዕን ዘዛርብን ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ እቲ ኣብ ግዜኡ መንእሰይ ዝነበረ ወሎዶታት ዝከኣሎ ከምዝገበረ ክንዝንጋዕ ኣይግባእን።
መንእሰይ ውዑይ፡ ደራኽን ደላይ ለውጥን ብምዃኑ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ክስተናዕቕን ከነኣእስን ኣይግባእን። ምኽንያቱ ንሱ እቲ ኣብታ ግዜ ንእስነቱ ዝነበረላ እዋን ብዘለዎ ዓቕምን ነፍሰ ተኣማምነትን ነቲ ኩሉ ስቓይን ከርተትን ተጻዊሩ እዩ። እወ! እቲ ወጽዓን ግፍዕን ሓደ ካብቲ ሓደ ዝፈላለየሉ ክህሉ ይኽእል ይኸውን፥ ካብኡ ሓሊፉ እቲ ዘጋጥም ዝነበረ ጸገምሲ ኩሉ ሓደ እዩ። ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝነበረ መንእሰይ ዝሓለፎ መድረኻት ጽንኩርን ከቢድን ምንባሩ ኣይንስሕቶን ኢና። ናይ ሎሚ መንእሰይ ከኣ ብወዲ ሃገር ክጭቆን፡ ክግፋዕን ክሳቐን እንከሎ እዩ እቲ ፍሉይ ዝገብሮ እምበር ካልእ ፍልልይ የብሉን። ናይ ሎሚ መንእሰይ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ኣይትምህርቲ፡ ኣይስራሕን ኣይሓዳርን ዕድሚኡ ከንቱ ኣብ ዝሓልፈሉ ዘሎ ህሞት ካብቲ ገዲም ወለዶ ዝያዳ ከምዝተወጸዐ ተሰሚዕዎ ከስተማስል ዘይኮነስ ነቲ ካብዚ ዘናግፍ ናይ ለውጢ ኣተሓሳስባ ከለሊ ይግብኦ።
ከም ዝተበደለን፥ በዳሊኡ ድማ እቲ ገዲም ተቓላሲ ምዃኑ ከርኢ፡ “ንሕና መንእሰያት ዝያዳ ተበዲልና” ብምባል ንወጽዓኡ ብፍሉይ ክጥምት እንታይ መኽሰብ ዝረኸበሉ ደልዩ እዩ? ኩሉ እቲ ኣደራዕ ናብቲ ገዲም ወለዶ ምልጋቡኸ ቅኑዕዶ ይመስል? እቲ መንእሰይ ናይ ቀደም ናይ ሎሚ ገዲም ዝተጋገዮ እንተሎ ነቲ ጌጋ ብኸመይ ክእረም ከምዘለዎ ናቱ ሓላፍነት እዩ ከርኢ ዝግበኦ። ነዚ ንምብቃዕ ከኣ ካብ መንእሰይ ብዙሕ እዩ ዝጥለብ። መንእሰይ ንመጻኢ ህይወቱ ክትልም ከሎ ካብቲ ገዲም ወለዶ ክቐስሞ ዘለዎ ተመኲሮ ክቐስም ግድን’ዩ። እዚ ከኣ ናይ ሓባር ቃልሲ ብምክያድ ዝረጋገጽ’ዩ። ንመጻኢ ዕድሉ ባይታ ከጣጥሕ እንተኾይኑ ካብ ብሉይ ናብ ሓዲሽ ንኽምዕብል ምስቲ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ምዕብልና ክዛመድ ይግበኦ። ነዚ ክበቅዕ ከኣ ነቲ ዘረሓሕቕ ዝንባለታት ዓጊቱ ኣብ ክንድኡ ብመንገዲ ዕርቂ ኣቢሉ ጌጋታቱ ክድህስስን ክእርምን ይግባእ።
መንእሰይ እምበኣር ኩሉ እቲ ጻዕርታቱን ቃልስታቱን ሓድነታዊት ሃገረ ኤርትራ፡ ብኣሳታፊ ደሞክራሲያውን ቅዋማውን መትከላት ክትህነጽ ንቕድሚት ከማዕዱ እምበር፥ ንዝሓለፈ ንሱ ዘይተዋሰኣሉ ታሪኽ ከምድላዩ ክትርጉምን ከነኣእስን ቅኑዕ ኣይኮነን። ቀንዲ ቆላሕትኡ ከኣ ኣብ ሕሉፍ ምጽብጻብ ዘይኮነስ ብምዕቡል ኣተሓሳስባ መጻኢ ምምዕዳው ክኸውን ይግበኦ። መንእሰይ ነዚ ብተግባር ክሰርሓሉ እንተኾይኑ ፍልጠትን ኣስተብህሎን ክዕጠቕን ሓላፍነት ክወስድን ኣገዳሲ እዩ።
መንእሰይ ነታ ድሕሪ ከንደይ ውረድ ደይብ ልኡላውነታ ዘውሓሰት ሃገር ካብ ኣትያቶ ዘላ ሽግር ንምድሓን ነዚ ካብ ውልቀመላኽነት ናብ ፍትሕን ደሞክራስን ንምስግጋር ዝግበር ዘሎ መስርሕ ቃልሲ ከሎ ጌና ክነቕሓሉ ይግበኦ። እዚ ከኣ በይኑ ነተን ኣብቲ መስርሕ ነናተን ግደን ቦታን ዘለወን ሰልፍታትን ውድባት ኣግሊሉ ዝበጽሖ ወይ ዘሳልጦ ኣይኮነን። እዚ ዝብል ዘለኹ ነቲ መንእሰይ ንምሕማይ ዘይኮነስ፡ ነቶም ከደናግርዎን መቓልስቱ ከየለሊ ዝዕንቅጽዎን ኣካላት ክፈልጦምን ክመምዮምን ከም ዝግበኦ ንምዝኽኻር እዩ። እቶም “መንእሰያት ካብቶም ዝሓለፉ ገዳይም ዝበለጽኩም ኢኹም” እንዳበሉ ሕሹኽ ዝብሉ ቅኑዕ ፍታሕ ዘምጽኡ ኣይኮኑን። እዚ ነቲ መንእሰይ ናይ ምድንጋር ማሕለኻ እምበር ሓቀኛ ለውጢ ዘውሕስ ምኽሪ ኣይኮነን’ሞ መንእሰይ ከስተብህለሉ ይግበኦ። ሰብ ደሓኑ መሲሎም ብእንግዳዑ ኣብ ስልጣን ክውጥሑ ዝደልዩ ኣካላት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ከስተብህል ከኣ ሓላፍነቱ እዩ። እቲ ወግሐ ጸብሐ “መንእሰይ ጥራይ እዩ ለውጢ ዘምጽእ” ዝበሃል “መንእሰይ ንለውጢ ዘቀላጥፍ ተካኢ እምበር በይኑ ለውጢ ዘምጽእ ኣይኮነን” ብዝብል ክእረም ይግበኦ። መንእሰይ ናይ ለውጢ ሓይሊ ንክኸውን ኣብ ርእሲ እቲ ውዑይ ዕድሜኡ ዓቕምን ብቕዓትን ክድልብ ግድን’ዩ። እዚ ከኣ ኣብ ጸቢብ መንእሰያዊ ክሊ ተደሪትካ ዘይኮነስ ኣብ ሰፊሕ መድረኽ’ዩ ዝረጋገጽ።
ድራር መንታይ
ኣባላት ስ.ዲ.ህ.ኤ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ምስ ፈጻሚ ኣካል ኣኼባ ኣካይዱ
Wednesday, 06 July 2016 05:49 Written by ክፍሊ ዜናን ባህልን ሰሜን ኣሜሪካብዕለት 3 ሓምለ 2016 ኣባላት ስልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ስ.ዲ.ህ.ኤ.) ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ምስ ፈጻሚ ኣካል ፓርቲ ናይ ተሌኮንፈረንስ ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ካብ ስለስተ ሰዓት ንላዕሊ ዝወሰደ ኣኼባ ብኣሕዋት ተስፋይ ደጊጋ፡ ኣለም ዮውሃንስ፡ ኤርትራ ኣልኣዛርን እዩ ተኻይዱ።
ኣኼባ ኣብዞም ዝስዕቡ ዛዕባታት ተመያይጡ፤
1. ውሳኔ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል
ኣብ ኤርትራ
2. ንጥፈታት ግዝያዊ ኣካል ርክብ (Adhoc Contact Organ) ናይሮቢ
3. ንዕለት 10 ንሓሰ 2016 ኣብ ፍራንክፎርት ጀርመን ብስ.ዲ.ህ.ኤ. ዝእንገድ ዘሎ ኮንፈረንስ
4. ኵነታት ሰልፊ
ድሕሪ ሰፊሕ ገለጻ ብፈጻሚት ኣካል፡ ኣኼባ ኣብ ሕቶን መልስን ኣተወ። ዕምቆት ዝሓዘለ፡ ምክብባር ዝዓሰሎ፡ ምሉእ ግዜ ዝተዋህቦ ምምይያጥ ተኻየደ። ኣኼባ ከኣ ብጽቡቅ ተዛዚሙ።
ክፍሊ ዜናን ባህልን ሰሜን ኣሜሪካ

ከምቲ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝካየድ ዘሎ ወፈራ ንረድኤትን ናብ ሱዳን ዝርከቡ ኣካለ ጽጉማን ኣሕዋትና ዉፍይ ሰናይ ተግባር፡ነብሰ ምኽኣል መደበር ኣካለ ጽጉማን ዝብል ተበግሶታትን መጽናዕትን ንምዕዋት ተጀሚሩ ኣሎ። ንሕና ከም ኣብ ሃገረ ሽወደን እንነብር ኤርትራውያን እውን ድሮ ኣብ ዕለት 02/04/2016 ዝተካየደ ዓመታዊ ጉባኤ ጀሚርና ስለዘሎና በብዓቅምና ነዞም ምእንቲ ህዝብን ሃገረ ኤርትራን ዝሰንከሉ በብክእለትና ንምሕጋዝ ንጽዉዕ። ሓገዝ ንምልኣኽ Eritreanska Föreningen för Funktionshindrade S.S. ፖስትጂሮቁ. 650565-5 ኮይኑ ንዝያዳ ሓበሬታ ምስ ዘድሊ ናብ ዋና ጸሓፊ ማሕበር ቁ.ስልኪ 0707494711 ተወከሱ።

እዚ ማሕበር እዚ ካብ ዝኾነ ፖሊቲካውን ሃይማኖታውን ዝምባሌ ነጻ ዝኾነ ሰብኣዊ ማሕበር ኮይኑ፡ ክሳብ ዝወግሕ ኩሉ ኤርትራዊ ርህሩህ ከይዝንግዕ ንጽዉዕ። ብዝመርጽኩሞ ኣገባብ ሓገዝኩም ክትልግሱ ንላቦ።
ፖስት ጂሮ 650565-5 እንሆ።
ሃገርና ኤርትራ ብሰንኪ ቅኑዕን ኣሳታፍን ዲሞክራሲያዊ ስርዓተ-ምሕደራ ዘይምህላው እንሆ ን 25 ዓመታት ዝኣክል ተሳቕያ ደቃ ድማ ራሕሪሖማ ይወጹ ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ፡ እስላማዩን ክርስትያኑን፡ መታሕቱ ይኹን ከበሳኡ፡ ኮታ ኩለን ብሄራት ሓቢረን እምቢ ንመግዛእቲ ብምባል ብሓባር ሰሚረን መስዋእቲ ብምኽፋለን እዩ ናጽነቱ ተረጋጊጹ። ብሰንኪ እዚ እኩይ ስርዓት ግና ሎሚ ሓቢረን ከምዘይተቓለሳ ብዝተፈላለየ ኣስማት ይወዳደባ ኣለዋ።
ልክዕ እዩ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራሲያውን ሰብኣውን መሰላት ናይ ክሉ ዜጋ ሕልው ዝኾነሉን፥ ንሃገራዊ ሓድነት ዝፈታተንን ንመጻኢ ጸገም ዝፈጥር ኣተሓሳስባታት ዝውገደሉን ደረጃ ኣይተበጽሐን። ዋላ እቲ ኣብ ደገ ኮይኑ እቃወም እየ፥ ፍትሕን ሰላምን ከንግስ እየ፥ ሓንቲ ሃገር ኤርትራ ክምስርት እየ ዝብል እውን ከይተረፈ፡ ካብ ናይቲ ስርዓት ኣተሓሕዛ ዝፍለ ኣይመስልን እዩ። እቲ ቀንዲ ጸገምና ቀጻልነት እቲ ስርዓት ምዃኑ እውን ዳርጋ ንስሕቶ ዘሎና ይመስል። ከመይሲ እቲ ከም ደንበ ተቓውሞ ሓደ ነቲ ሓደ ክዕብልል ወይ እውን ከንበርክኽ እምበር ብሓባር ኰይንካ ኣንጻር እዚ መላኺ ስርዓት ናይ ኣሰላልፋ ቅጥዒ ዝሓዝና ኣይንመስልን። ምስክሩ እውን እቲ ሒዝናዮ ዘሎና ኣወዳድባ ወይ ፖለቲካዊ መስመር ንሃገራዊ ሓድነትና ዘደልድልን ዘተኣማምንን ዘይኮነስ፥ እቲ ስልጣን ካልእ ጨቢጥዎ እንከሎ ንሓድሕድና ወሃብትን ከላእትን መሲልና ንቐርብ ኣሎና።
ካልእ ከኣ “ንዝምድና ህዝብን ፖለቲካዊ ሰልፍታቱን ኣብ ዝምልከት ከም ቀንዲ ክልተ ተገራጨውቲ እምበር ተመላላእትን ተመሓዝውትን ኣይኮናን።” ዝብል እቲ ግርጭት በቲ ሓደ ወገን ምስቲ ስርዓትን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብ ሓድሕድና ከም ዝኸውን ገይርዎ ኣሎ። ኩሉ ተቓውሞ ዘስምዕ ዜጋ፡ ዝቃወም፥ ዝጉስጉስ፥ ኣብ ማሕበረ ኮማት ይኹን ህዝባዊ ማሕበራት ዝዋሳእ፥ ኣባላት ሰልፊ፡ ኩሎም ደረኽቲ ሓይሊ ንዲሞክራሲያዊ መስርሕ ምዃኖም ንዝንግዕ እሞ እቲ ዝምድና ምስ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ከም ጨቋንን ተጨቋንን ኣገባብ ይሕዝ። እዚ ከኣ እቲ ዝካየድ መስርሕ ዲሞክራሲ ተሓታትነትን ምቁጽጽርን ብተግባር ውጽኢት ንከይህልዎ ብምትፍናን ነዚ ስርዓት ኣብ ምልጋስ ግዜ ብኸንቱ ይባኽንን እቲ መስርሕ ይቚምስልን። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ድሕርን ቅድምን ምውጋድ እዚ ስርዓት ክፍታሕ ዝግበኦ ፍልልያት ይተሓዋወስ እሞ ኣብ ሸንኮለል ንኣቱ። ንኣብነት ሕቶ፥ መሬት፥ ሃይማኖት፥ ባህልን ልምድን፥ ስልጣን፥ ኩሉ ውልቃውን ማሕበራውን ተንከፍ ምስ ምምስራት ዲሞክራሲያዊ ትካላትን ሃገራዊ ቅዋምን ዝተኣስሳሰር ዘበለ፥ ሎሚ ኣብ ደገ ኰይና ብዝተፈላለየ መልክዕ ኣወዳድባ ተወዲብና እነምጽኦ ፍታሕ ጽባሕ ምስቲ ኣብ ባይታ ዝጸንሓና ኩነት ክራጸም ይኽእል እዩ።
ነዚ ምስቲ ምምስራት ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ሃገራዊ ቅዋምን ዝተኣሳሰር ኣብ ደገ ኰይና ክንፈትሖ ህርድግ ምባል ስለዘይኮነ፡ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ተራኺብና ክሳብ እንርእዮ ተወንዚፉ ክጸንሕ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ሎሚ ደንበ ተቓውሞ ክፍጽሞን ክሰርሓሉን ዘለዎ ጉዳይ፡ ነቲ ኣምር ዲሞክራሲ ከመይ ገይሩ ኣብ ውሽጡ የተግብሮ፡ ይሰርሓሉን ይጉስጉሰሉን እዩ ክኸውን ዝግባእ። እዚ ማለት ህላዌ ፖለቲካዊ ውድባት ከም ቀንዲ መሳርሒን ዓንዲ ዲሞክርስን ምዃኑ ብምእማን እቲ ዝተረፈ ማሕበራዊ፡ ንቓባዊ ... ወዘተ ውዳበታት ምስተን ሰልፍታት ተጽዕኖ ፈጣርነቱ ዓቂቡ ምስተን ውድባት ዝምድና ክገብሩ ይግባእ።
እወ! መሰል ናይ ምውዳብ ንኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ናጻ’ኳ እንተኾነ ነቲ እንደልዮ ለውጢ ብዘፍኲስ ኣገባብ ውደባ ግና ቅኑዕ ኣይኮነን። እንታይ እዩ ድሌትና መዚንናን ገምጊምናን ሓባራዊ ዝኾነ ርድኢት ክህልወና ቅድሚ ኩሉ ተደላይነት ኣለዎ። ኩልና ንለውጢ ንቃለስ ካብ ሃሎና፥ እቲ እንደልዮ ለውጢ ብበበይኑ ዘይቃዶ መንገዲ ክኸውን የብሉን። እቲ እንደልዮ ለውጢ እዚ ስርዓት ከልግስን ኣብ ክንድኡ ዲሞክራሲያዊ ዝኾነ ስርዓት ምትካልን፥ ንዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ዘመቻችእ ስልጠናን ፍልጠትን ክንቀስም ተደላይነት ካብ ሃለዎ ብውደባ ንፈላለ እምበር ክንገራጮን ክንረሓሓቕን ኣይግባእን። ኩሉ እንገብሮ ምንቅስቓሳት እምበኣር ንናይ ኤርትራ ዲማክራሲያውነት ዓይነታዊ ዝገብሮ ክኸውንን፥ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘንግስን ንተሓታትነት ዘብቅዕን ህዝባዊ ተሳትፎ ዝረጋገጸሉ ባይታ ምጥጣሕ እዩ ቃልስና ከኽውን ዘለዎ። ኣብዚ መስርሕ ዝፍጠር ምስሕሓብን ፍልልይን ከኣ መናቘቲ ዘይኮነስ መበላልሒ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ሰኣን ዓቕምናን ፖለቲካዊ ብስለትናን ኣረኣእያና ኣብ ዝምድና ህዝብን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ዝተዳኸመ ብምዃኑ ኣብ ምንታይን እንታይን የገራጭወናን ፍታሕከ እንታይ እዩ ንዝብል ተቐዳዲምና ኣብ ምጽልላምን ምክፍፋእን ዘእትወና ዘሎ ንሱ እቲ ስንኲፍ ተረድኦ ኣብ ዝምድና ማሕበራትን ፖለቲካዊ ስለፍታትን እዩ።
ፍትሕን ዲሞክራስን ንምንጋስን ድኽነት ንምውጋድን ድልዱል ቊጠባዊ ህይወት ክህልዎ ብዝኽእለሉ ኣገባብ ክንቅይሶ የድሊ። ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ እዋን በዚ እንኸዶ ዘለና ጉዕዞ ውድድራዊ እምበር ንሰረታትን ዓንድታትን ዲሞክራሲ ናይ ምትካል ጻዕርን ኣፍልጦን ዝሕቱል ከም ዘሎ ተገንዚብና፡ ኣብ ባዕላዊ ምርኮሳ ተኣማሚንና ለውጢ ካብ ነፍስና ጀሚርና ከነምጽእ ክንቃለስ የድሊ። ዲምክራሲ በቶም ግዱሳት ጉጅለን (Interest group) ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ዝፍጠር ጥዑይን ስነፍልጠታዊ ሓዘልን ዝምድና ምስ ዝህሉ እዩ።
ስለዚ ነዚ እንኸዶ ዘሎና ጉዕዞ ብናይ መንእሰያት ወይ እውን ዓበይቲ፥ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ማሕበራት ወይ ከኣ ናይ ሰልፍታት ተባሂሉ ዝፍለ ቃልሲ ዘይኮነስ ኩሉ ሃብታም ተመኩሮ ዘለዎ ነባርን ሓዲሽን ተወሃሂዱ፥ ኣብ ማሕበራትን ሰልፍታትን ሓደ ነቲ ሓደ ብዘይነጽግ ፖለቲካዊ ኣገባብ እንተዘይተኸቲልና ተኽእሎ ምስፋን ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ክጭወን ቀጻልነት ክስእንን ይኽእል እዩ።
ድራር መንታይ
ገባር ክፉእ ወይ ገበነኛ እንተስ ብቕጽዓት እንተስ ብናጻ ክፍረድ ግቡእ እዩ። እቲ ፍርዲ ከኣ ምስ ጭብጥታቱ ተሰንዩ ብፍትሓውን ርትዓውን ዝኾነ ሕጋዊ መንገዲ ኣቢሉ ፍርዱ ክቕበል ከሎ ከኣ ኣተኣማማኒ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ዝወሃብ ፍርዲ ሕነምፍዳይ ወይ ካልእ ጐናዊ ሕሳባት ዘይብሉ ክኽውን ይግባእ።
ኣብ ዓለምና ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ ክሳብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝድምደም ብዙሕ ንብረት ዓንዩ ብዙሕ ህዝቢ’ውን ሃሊቑ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ’’ዓለም ለኻዊ ምትሕብባርን ምድልዳልን፥ ሰላምን ጸጥታን ንምውሓስን’’ ብዝብል ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዓለም ዝነበረ ዝምድና፡ ሰላምን ምትሕብባርን ኣንፈት ክትሕዙን ውግእ ደው ንኽብል ናይ ምትእስሳር ሃገራት ዓለም (League of Nations) ብ 1920 ተመስሪቱ። ይኹን እምበር እቲ ዝተመስረተ ምትእስሳር ሃገራት ዓለም ብፍላይ ነቲ ውግእ ደው ንምባል ክገብሮ ዝነብሮ ዓቕሚ ኣይነበሮን። በዚ ምኽንያት ካብ ቺና፥ ሶቬት ሕብረት፥ ዓባይ ብሪጣንያ (UKን) ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝተዋጽኡ ወከልቲ ብ 1944 ተራኺቦም ድሕሪ ምዝታይ ብ 24-10-1945 ነቲ ዝነበረ ምትእስሳር መንግስታት ዓለም ብሕቡራት ሃገራት ዓለም ተኪኦሞ።
ዕላማ ናይዚ ማሕበር ከኣ ንመጻኢ ዝለዓል ውግእ ደው ንምባልን ኣብ መንጎ ሃገራት መደረኽ ዘተ ንምምድማድን እዩ ነይሩ። እንተኾነ ሎሚ እውን እነሆ እቲ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ልክዕ ነታ ቅድሚኡ ዝነበረት ምትእስሳር ሃገራት ዓለም ዘጋጠማ ሽግር የጋጥሞ ኣሎ። ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዝኸዶ ጉዕዞ ሓደ ብሓደ እንተተመልኪትና ኣፍራዪ ግደ ወይ ጎዳኢ ግደ ድዩ ተጻዊቱ ክንምርመር የድሊ። ንኣብነት ብሃገረ ኤርትራ እንተጀመርና ኣብ ሓምሳታት ዝተኻየደ ፖለቲካዊ ትልሂት ብመጻኢ ዕድል ህዝቢ ብምጥላዕ፥ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓዘቕቲ ዘእተወ ውሳኔ 390A. እዩ። ንሱ ከኣ ብቐጥታ ንረብሓ ናይተን ሽዑ ዝነበራ ዓበይቲ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ኣመርካ ንጸጥታዊ ረብሓኣ ክትብልን መሓዛኣ ንዝኾነት ኢትዮጵያ ከተፍቱን ቅኑዕ ፍርዲ ኣብ ክንዲ ምሃብ ቄናን ፍርዲ ንኽትግበር ዝተጻወተቶ ኣሉታዊ ግደ እዩ ነይሩ። ጉዳይ ፍልስጤም እውን እንተተመልከትና ካብ 1948 ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ማዕልቦ ክግበረሉ ዘይተኻኣለሉ ምኽንያት ኣንጻር ረብሓ ናይ ገለ ሃገራት ብምዃኑ ጥራሕ እዩ።
ሕቡራት ሃገራት ዓለም እታ ምትእስሳር ሃገራት ዓለም ውግእ ደው ክተብል ስለዘይከኣለት ተባሂሉ ኣብ ክንድኣ ዝተተከአ ማሕበር’ውን ኣይኮነንዶ ውግእ ደው ከብል መመሊሱ እዩ ሓዊ ዝኣጉድ ዘሎ። ኩሉ ናይ ዒራቕ፥ ናይ ሊብያ፥ ናይ ሱርያ ካልኦት ሃገራት ሓዊስካ ኣብ ረብሓ እተን ሓያላን መንግስታት ዘይውዕል እንተኾይኑ ወይልኡ። ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተኻየደን ጌና ዝከየድ ዘሎን ግፍዕታትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዕሽሽ ኢልካ ዝሕለፍ ዘሎ’ውን ብመንጽር’ዚ እዩ።
ሕቡራት ሃገራት በቲ ውሳኔኡ ይቕየድ ዲዩ እንተበልና እምበኣር ካብዚ ተግባራቱ ብምብጋስ ፈጺሙ ዝቕየድ ኣይኮነን ንኽትብል እዩ ዘድፍረካ። እዚ ካብ ኮነ ኣብ ውሽጡ እውን ዘይንፈለጦ ብልሽውና ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ሕቡራት ሃገራት ዓለም ሎሚ ሶቬት ሕብረት ንምዕራብ ኤውሮጳ ከይጸሉ ብማለት ዝግበር ሽርሕታት መዓት እዩ። ሓደ ካብኡ ነተን ኣብ ትሕቲ ሶቬት ሕብረተ ዝነበራ ሃገራት ከም በዓል ጆርጅያ፥ ዩክረን ወዘተ ሓደ ብሓደ ተመዝሒቐን ናብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ክጽንበራን፥ እተን ብናይ ማሕበርነት ዝተጸልዋ ንኽፈርሳን፥ ዝግበር ቁርቁስ እምበር ንዓለም ናብ ሰላምን ምትሕብባርን ዝወስድ ባይታ ዘጣጥሕ ኣይኮነን።
ኣብ ኤርትራ እንተተመሊስና እቲ ባዕሉ UN ዝመሃዞ ፈደረሽን ስርዓት ሃይለስላሴ ክጥሕሶ እንከሎ ጥቕሚ እተን ሓያላን ሃገራት ከይትንከፍ ብማለት ጸማም እዝኒ ሂቡ ፈጺሙ ክገትኦ ኣይተንቀሳቐን። ናይ ትማሊ ናይ ኣልጀርስ ውዕል እውን እንተኾነ ኢትይጵያ “ነቲ ብይን ተቐቢለዮ” ኢላ ክተብቅዕ፡ ተመሊሳ ”ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ኮፍ ንበል” ብምባል፥ ነቲ ዝተሰማመዓትሉ ዓለም ለኻዊ ውዕል ኣተግብሪ ኣይተባህለትን። እነሆ ድማ ውጽኢቱ ኣይውግእ ኣይሰላም ኮይኑ ኣሎ። ሕቡራት ሃገራት ዓለም’ውን ተዓዛባይ ኮይኑ። ንጨቋኒ ስርዓት ኤርትራ ከኣ ግርም መሕብኢ በዓትን መመሳመሲ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ኮይንዎ፡ መንእሰይ ከኣ ሃገሩ ራሕሪሑ ይወጽእ ኣሎ።
ሎሚ’ውን UN፡ ሃገራት ኤውሮጳ ብስደተኛታት ምስ ኣዕለቕለቓ ደው ንምባሉ እምበር ንውጹዕ ህዝቢ ተሓልቑን ደንጊጹን ንመለኽቲ ከልግስ ዘይሕሰብ እዩ። እሞ እዚ ኣህጉራዊ ማሕበር ኣዚ ንዓለምና ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ገጹዶ ከምርሓ ይኽእል ይኸውን እንተተባህለ “ኣይመስለናን” እዩ መልሱ። ምኽንያቱ ኣብቲ ውዕል ዘሎ ንዝኾነ ይኹን መጻኢ ውግእ ደው ንምባል እዩ። ግን ኣይኮነንዶ ውግእ ደው ከብል ነቲ ሓድሽ ውግእ ዝጽሕትር ተርእዮታት ደው ክብል’ውን ኣይከኣለን። ስለዚ ኩሉ እቲ ስራሓት ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ረብሓ ውሱናት ሓያላን ሃገራት ዝተመርኰሰ እዩ ዝመስል። ስለዚ ኣብ ውሽጢ ርጉእ ሃዋህው ክህልዎ ከምዘይክእል ርዱእ እዩ።
እዚ ኩሉ ዘቕርቦ ዘሎኹ ሓሳብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም እቲ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጸሞ ገበናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ስለምንታይ ዕሽሽ ኢሉ ዘይሓልፎ፥ ወይ ከኣ ብገበኑ ክፈርዶ የብሉን ንዝብል መርትዖታት ከቕርበ ኢለ ኣይኮንኩን። እንታይ ደኣ እቲ “ሕጊ ንኹሉ ማዕረ’ዩ” ዝብል ኣብ ተግባር ይውዕል የለን ንምባል እዩ። እዚ ጨቋኒ ስርዓት እዚ ንኣልሸባብ ይሕግዝ ተባሂሉ ተኸሲሱ ድሒሩ ግና ከም ዝሕግዝ መርትዖ የለን ተባሂሉ። መን ይፈልጥ ብሕጂ እውን “እዚ ስርዓት ተመሓዪሹ እዩ” እውን ይብሉና ይኾኑ። ስለዚ ሕጊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ብተግባር ብዘይኣድልዎ ክትግበር ይግበኦ።
ድራር መንታይ

ሓምለ 3፡ 2016
ሰዓት፡ 4፡00 ድሕሪ ቀትሪ
ቦታ፡ ኣዳራሽ ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ኮሎራዶ።
ኣኼባ/ሰሚናር
1. እዋናዊ መኸተና -ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ንምርግጋጽ ኣብ ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ግዴና ንምሕያል፡ ... ብዘድምዕ ምልዕዓል! ምጥርናፍ = ሓይሊ ህዝቢ ምህናጽ፣
2. ውሳኔ መርማሪት ኮሚሽን ተግባራውነቱ ኣብ ምርግጋጽ፣
3. ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ- ከም መናሃርያ ናብ ዓወት፣ .. .. ኣብ ዝብሉ እዋናውያን ዛዕባታት ኣተኲሩ ክዝቲ እዩ።
ንድምቀት ዓወታት ውሳኔ መርማሪት ኮሚሽንን ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫን ንጥፈታት ዝምልከት ኣስዒብና ክንሕብር ኢና።
ኤርትራውያን ነባሮ ኮሎራዶ ብዝለዓለ ሃገራዊ ወኒ ክትሳተፉን ኣብ ጊዜ ክትርከቡን ብትሕትና ነማሕጽን።
ኣወሃሃዲት ሽማግለ።
ስርዓታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝተኻኻኡ እዮም። ህዝብን መሬትን ግን ኩሉ ግዜ ኣብ ቦትኦም እምበር ኣይለቁን እዮም። ነቶም ዘይነበርቲ ስርዓታት ዝቐያይሮም እቲ ነባሪ ህዝቢ እምበር ካልእ ሓይሊ ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ ነቶም እናተተኻኽኡ ዝመጹ ስርዓታት ኣመጻጸኣኦም ብዘየገድስ ንስልጣኖም ክድርትን ካብ ስልጣኖም ከውርድን ናቱ ግቡእን ሓላፍነትን እዩ።
ህዝቢ ሓቢሩ ንረብሓኡን ንግዝኣተ ሕግን ክከላኸል እቲ ብውሽጡ ዝሓስቦን ምስቲ ኣብ ነንሓድሕዱ ዘለዎ ዝምድና፡ ቅርበትን ምትእስሳርን እዩ ዝውስኖ። እዚ ማለት ተኸባቢርካን ተሓባቢርካን ምንባር ዝብሉ ኣተሓሳስባታት ዝውንን ዘይውንን ንውልቀ ሰብ ኣብ ውሽጢ እቲ ህዝቢ ዝህቦ ፍረ በበይኑ እዩ።
ንሕና ኤርትራውያን ክሳብ ሕጂ ብእንጎዓዞ ዘለና መንገዲ፥ ነቲ ንኹልና ዘናብር ናይ ሓባር ሓሳብ ክንውንን ኣይበቓዕናን ዘሎና። ሃገርን ስርዓትን ብሓንሳብ ሓዋዊስና ከነኺዶ እንጽዕሮ ከኣ ኣብ ደልሃመት እዩ ዝነቚተና ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ሃገራዊ መንነትና እውን ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእቱ እዩ። ከመይሲ ስርዓታት ማዕረ ሃገር ስለ ዘይኮኑ፥ ሃገርን ስርዓታትን ፈሊና ክንጥምት ዘይምኽኣልና ጸገም እዩ። እዚ ማለት ሃገር ልዕሊ ስርዓታት፥ ስርዓታት ከኣ ትሕቲ ሃገር ምዃኖም ክንግንዘብ ኣድላዪነት ኣለዎ።
ብሓጺሩ “ንሃገሩ ዘየኽብር ኣይነብር፥ ንህዝቡ ዘየፍቅር ኣይከብር” እዩ እሞ፥ ሃገር ልዕሊ ኩሉ ምዃና ምስ መልክዕን ኣገባብን ምሕደራ ዝተሓሓዝ ኣይኮነን። እዚ ማለት እቲ ስርዓት ጨቋኒ ዲዩ ኣይኮነን ካልእ ኮይኑ፡ እታ ሃገር ኩሉ ግዜ ልዕሊ እቲ ምሕደራ እያ። እቲ ህዝቢ እንተ ጠዓሞ ሃገር ክትህሉ እንተ ሓሰሞ ከኣ ሃገር ክትድምሰስ ዝብል ኣተሓሳስባ ቅኑዕ ኣይኮነን። ህዝቢ ይጥዓሞ ይሕሰሞ ነታ ሃገር ብኹለንትናኡ ከም ናይ ዓይኑ ብሌን ክሕብሕባ እዩ ዝግባእ። ንኣብነት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ተኸታተልቲ ባዕዳውያን መግዛእቲ ከም ሃገር ነይራ፡ ኣላ፡ ንመጻኢ’ውን ክትህሉ እያ። ህዝቢ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ምሕደራ ሓሲሙኒ ኢሉ ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ስቕ ኣይበለን። ኣብ ክንድኡ ንሃገሩ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ናጻ ኣውጺእዋ። እንተኾነ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነታ ቅኑዕ ምሕደራ ኣይረኸበትን። ሃገርና ቅኑዕ ምሕደራ ሰለዘይረኸበት ግና እቲ ዘይቅኑዕ ምሕደራን ሃገርነትን ብሓደ ይደምሰሱ ዝብል ሓሳብ ቅኑዕ ኣይኮነን። እታ ሃገር ከም ሃገር ናይ ኩልና ስለ ዝኾነት ካብ ዝኾነ ይኹን ክነናግፋ እምበር ኣብ ትሕቲ ጨቋኒ ስርዓት ስለዘላ፡ ቀዳምነታት ከይንሰርዕ ክንብል ሃገርን ምሕደራን ክንደዋውስ ኣይግባእን። በቲ ሓደ ወገን ሃገር ካብ ኢድና ከይትመልቈና እናሓለና በቲ ካልእ ወገን ከኣ ነቲ ጅሆ ሒዝዋ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ኣወጊድና ከነናግፋ መሰረታዊ ግቡእና እዩ።
ነዚ ክንበቅዕ እቲ ብሃይማኖት፥ ብዓሌት ወይ ብብሄር ተፈላሊና፡ ንሃገር ብማዕረ ስርዓት ክንጥምት ዘይኮነስ ቀዳምነት ንሃገር ክንሰርዕ ከም ዝግበኣና ኣይንረስዕ። ምኽንያቱ እቲ ስርዓት ክውገድ ናይ ኩላትና ድሌት ኮይኑ፡ ንምውጋዱ ከኣ ናትና ዕዮ ገዛ እዩ። ሃገር ምሕላው ማለት ካብ ናይ ውሽጢ ኮነ ናይ ግዳም ተጻባኢ ምዕቃብ ማለት እዩ። ሃገር ምዕቃብ ማለት ምስቲ ሃገር ንዕኡ ጥራይ ከም ትብጽሖ ገይሩ ዝሓስብ ስርዓት ምድንጋጽ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ጉዳይ ሃገር ቀዳማይ ክስራዕ ግድን ስለ ዝኾነ። ነቲ ዝብድላ ዘሎ ስርዓት ስለ ዝጸላክዎ ሃገረይውን ምስኡ ትለከም ምባል፡ ግጉይ ኣተሓስሳባ እዩ። ጉዳይ ህልውና ሃገር ሓንሳብ ካብ ኢድካ እንተወጺኡ ምምላሱ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዘኽፍል ምናልባት’ውን ዘይከኣል ስለ ዝኸውን ከሎ ጌና ጥንቃቐ የድልዮ። ካብዚ ሓሊፉ ሃገርን ስርዓትን ባዕሎም ይፈልጡ ኢልካ ምርጣጥ እሞ ከኣ ኣዝዩ ሓደገኛን ካብ ኣተሓሳስባ ኩሉ ክወጽእ ዝግበኦን እዩ።
ንሃገርን ስርዓታትን ከም ሓደ ኣካል ገርካ ንምርኣይ ዝወሃብ ግጉይ ሓበረታ፡ ውሉድ ወለዶ ንሃገሩ ከይከላኽልን ኣብ ነንሓድሕዱ ብሃገር ደረጃ ከይሓስብ ዝገብር ስለ ዝኾነ ከሎ ጋና ክንሓስበሉ የድሊ። ካብዚ ነቒልና ኣብ ጉዳይ ሃገር ነንሓድሕድና ንደላለ ምዃና ክንኣምንን ክንቅበልን ድማ ግድን’ዩ። እዚ ምስ እንገብር ከኣ እያ ሃገርና ካብ ዝኾነይኹን ወጻዒ ስርዓት ብሃገራዊ ስምዒትን ምዕቡል ኣተሓሳስባናን ኣቢልና ንህዝቢ ዘኽብርን ዝምእዘዝን ስርዓት ክንፈጥር እንኽእል። ካብኡ ሓሊፉ ንስርዓት ስለ ዝጸላእና ንምልጋሱ ናትና ዕዮ ገዛ ምዃኑ ዘንጊዒና ብዝኾነይኹን መንገዲ የልግሰልና ጥራሕ ኢልና ምጉዓዝ ንህልውናናን ክብርናን ዘማህምን እዩ ዝኸውን።
ድራር ማንታይ
መራሕቲ ህግዲፍ፡ ብጻብጻብ ኮሚሽን ምርመራ ሕቡራት ሃገራት ተሰናቢዶም፡ ንኤርትራ ንምድሓን ዘይኰነስ፡ ንህይወቶም ከድሕኑ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ተራእዮም። ገለ ካብ’ቲ ዝገበርዎ ትያትራት፦
- ንከርክብሎም ዝኽእሉ ኤርትራውያን ደገፍቶምን ዘይደገፍቶምን፡ ብኣስገዳድ ብመሰረት መምርሒታት ሰበስልጣን ህግዲፍ ዝተመልአ ኣንጻር ጸብጻብ ኮሚሽን ምርመራ ሕቡራት ሃገራት ዘቕንዐ ጥርዓናት ከምዘቕርቡ ገይሮም፤
- ብዛዕባ’ቶም ን15 ዓመታት ዘይተዛረቡሎም እሱራት ኣባላት ጕጅለ 15 ብህይወቶምን ምስ ምሉእ ጥዕናኦምን ኣለዉ ክብሉ ተሰሚዖም፤
- ንኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ደሞዝ ምኽፋል ጀሚርና ኣሎና ዝብል ናይ ሓሶት ወፈራ ኣካይዶም፤
- ሓድሽ ቅዋም ነዳሉ ኣሎና ዝብል ግዜ መብልዒ ዝኸውን ኣደናጋሪ መብጽዓ ኣስሚዖም፤
- ሃገራዊ ኣገልግሎት ን18 ኣዋርሕ ክንድርቶ ኢና፤
- ንጸብጻብ ኮሚሽን ምርመራ ምድጋፍ ንኤርትራ ናብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንምምላስ ዝዓለመ ኢዩ ዝብል ብመጋበርያታቶም ዝተሰነየ ሰፊሕ ናይ ጸለመ ወፈራ ኣካይዶም፤
ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ በዚ ወፈራታት’ዚ ኣይተደናገረን። ኣብ’ቲ ብዕለት 21 ሰነ 2016 ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ብስርዓት ኢሳያስ ዝተዳለወ ናይ ደገፍቱ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ዝተኻፈለ ብዝሒ እንተርኢና፡ ካብ 1000-1500 ዝበዝሕ ኣይነበረን። እዚ ውን፡ ንደግፍቲ ግንቦት 7: ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያን ወሳሲኽካ ኢዩ። እዚ፡ ብመንጽር ‘ቲ እተኻየደሉ ጻዕርታት፡ ብመንግስቲ ኣስመራ ዝፈሰሰሉ ገንዘብን ክርአ እንከሎ፡ ህዝቢ ኣብ ጐድኒ እቲ ስርዓት ከምዘየለ ዘረጋግጽ ግብራዊ ምስክርነት ኢዩ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ህዝቢ ኣስመራ፡ ነቶም ንደቁ ኣብ ከብዲ ኣስመራ ዝቐተሉ ዕሱባት ወተሃደራት ህግዲፍ፡ ብዳርባ እምንን ኣውያትን ዘስምዖ ተቓውሞን ኵነኔን እንተደኣ ወሲኽናሉ፡ ዕምሪ ጨቋኒ ጕጅለ ኣስመራ ዘሕጽሩ ረቛሕቲ እናተዋህለሉ ይኸዱ ምህላዎም ብዘይ ጥርጥር ክስመረሉ ዝኽእል ሓቂ ኢዩ።
ብኣንጻሩ ብ23 ሰነ 2016 ብደለይቲ ፍትሒ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ሰባት ብዕግበቶምን ብገንዘቦምን ዝተኻፈልዎ ኰይኑ፡ ብብዝሒ ክርአ ከሎ ድማ ካብ 10 ክሳብ 14 ሽሕ ዝበጽሕ ነበረ። ናይ ሎምዘበን ሰላማዊ ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ካብ’ቲ ናይ ዓሚ ሰላማዊ ሰልፊ ብክልተ ወይ ሰለስተ ዕጽፊ ምዝያዱ ድማ፡ ተቓውሞ ኣንጻር ስርዓት ህግዲፍ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ ዘመልክት ተርእዮ ኢዩ። መብዛሕትኦም ተኻፈልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ደለዪቲ ፍትሒ መንእሰያት ምዃኖም ከኣ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ዝገበረ እንተገበረ፡ ካብ ውድቀት ክድሕን ከምዘይኰነ ዝሕብር ኣገዳሲ ምልክት ኢዩ።
ህዝብና፡ ግዝኣተ-ሕጊ ኣብ ዘይብሉ ኵነታት ጽሩይ ማይ ክሰቲ ከምዘይክእል ኣዐርዩ ዝፈልጥ ህዝቢ ኢዩ። ስለ’ዚ ኢዩ እውን፡ “ዘራጊት ዘላተን ኣሓስ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ” ክብል ዝመሰለ። ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ “ናብ ማይ ዘለዎ ዘይኰነስ፡ ናብ ግዝኣተ-ሕጊ ዘለዎ ሃገር ምህናጽ ኢዩ ክኸይድ ኣንቂዱ ተላዒሉ ዘሎ”። ፍትሒ፡ ሰላም፥ ናጽነትን ግዝኣተ-ሕግን ከየንገሰ ድማ ንድሕሪት ክምለስ ኣይኰነን።
ሰበስልጣን ህግዲፍ ናብ ሕጊ ምኻድ ከም ቍሪ ኢዮም ዝፈርሕዋ። ስለ’ዚ ከኣ’ዮም ይዕበ ይንኣስ ነቐፌታ ክቐርበሎም ከሎ ብምድሃልን ጸለመን ክዕፍንዎ ዝፍትኑ። ሓቅነት እንተልይዎም፡ ንጹሃት እንተዀይኖም፡ ናብ ሕጊ ምኻድ ስለምንታይ ኣፍርሖም? ስለምንታይ ኢዮም’ከ፡ ንኮሚሽን ምርመራ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ኣትያ፡ ንሃለዋት ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታትና ክትምርምር ዘይፈቐዱላ? ስለምንታይ ኢዮም ንናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ናብ ቤት ፍርዲ ዘየቕርብዎም? ስለምንታይ ኢዮም ምስ ቤተሰቦምን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ክራኸቡ ዘየፍቅዱሎም?
መራሒ መንግስቲ ከንያ፡ ኡሁሩ ከንያታ፡ ብነብሱ ተኣማሚኑ፡ ናብ ኣህጕራዊ መጋባእያ ገበናት (ICC) ቀሪቡ ናጻ ተባሂሉ ተለቒቑ እኳ’ዩ። ዲክታቶር ኢሳያስ ንጹህ ኢየ በሃላይ እንተዀይኑ፡ ስለምንታይ ከምኡ ዘይገብር?!!!
ጕጅለ 15 እውን፡ ናብ ሕግን ሕጋውነትን ንኺድ ፡ ብባይቶ ኤርትራ ዝጸደቐ ቅዋም 1997 ዓ.ም ይተግበር ስለዝበሉ እኳ’ዮም ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮምን ተበሳቢሶምን። ድሒሩ እውን፡ ኣብ ስርሒት ፎርቶ ተኻፊልኩም ንዝበሎም መሳርሕቱ ፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብዘይ ፍርድን ብዘይ ሕግን ድምጾም ድምጽማጾም ከምዝጠፍእ ዝገበረ፡ ብዘይካ ስልጣኑ ካልእ ዘየገድሶ ሓደገኛ ምልካዊ ጕጅለ ኢዩ ።
ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ንለውጢ ካብ ግዜ እናዓበየ፡ ተቓውሞኡ ንግፍዕታት ህግዲፍ ድማ እናተርንዐ ክመጽእ ይርአ ኣሎ። እዚ፡ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ጅነቭ፡ እስራኤልን ኣዲስ ኣበባን ብደለይቲ ፍትሒ ዝተፈጸመ መኸተ ናህሩ ከይጐደለ፡ ትጽቢታት ህዝብና ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክውን ንምግባር፡ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ፡ ኣንጻር ዲክስታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ተሓባቢርናን ተዋሃሂድናን ክንቃልስ ኣሎና።
ሓድነት ሓይሊ ኢዩ!!
ግርማይ ተኽለ