መን ተዐዊቱ ኣብ ጀነቫ? ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ዓመጽ

2016-07-15 06:20:34 Written by  ክብሮም ግረነት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 3413 times

ብቀዳምነት ንሚስተር ማይክ ስሚዝን (Mr. Mike Smith) ብጾቱን ምስጋና ይብጻሓዮም፣ ምእንቲ ምንታይ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 1991 ጀሚሩ ብጉጅለ ህግደፍ  ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ፡ ማእሰርቲ፡ ሞት፡ ስርቅን ፣ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፣ .. ወዘተ፣ ንሕብረተሰብ ዓለም ኣውያት  ህዝብና  ከስምዑልና ብምብቅዖም፣ የወሃና ክብል እፈቱ። ጉጅለ ህግደፍ  ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ብዝፍጽሞ ዘሎ ገበን ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ክቐርብ ኣለዎ ዝብል ውሳኔ፣ ንደገፍቲ እቲ ጉጅለ ከም ዓወት ኮይኑ ክርኣዮም እንተ ኾይኑ  ከገርመና የብሉን።

      ውድብ ሕ/ሃ ጉጅለ ህግደፍ ብገበናት ኣንጻር ወዲ ሰብ ክኽሰስ ምውሳኑ ንሕዝቢ ኤርትራ ሓደ እፎይታ ኮይኑ፣ ቀጻልን ዕቱብን ምክትታል ናይ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ከድልዮ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ክንዛነ ዘይኮነ ክንሰልጥ ዘገድደና ሰዓት እዩ። እዚ ውሳኔ ው/ሕ/ ሃ/ ኣብ ወጻኢ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እውን ነቶም ምእንቲ ናጽነትን ፍትሕን  ዝተሰውኡ ናይ ሰላም መቓልሕ ኣብ ኣእዛኖም ይድወለሎም ኣሎ። እቲ ተበዲሉ እንከሎ ፍትሒ ክረክብ ዘይከኣለ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊኡ  እተፈጸሙ ገበናት ከም ውሁብ ገይሩ ን25 ዓመታት ክሳቐ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ሎሚ እቲ ገበነኛ ጉጅለ ዕርቓኑ ዝወጸሉ ሰዓት ተበጺሑን ተጋሂዱን ኣሎ።

      “መን ተዓዊቱ ኣብ ጄኔቫ?” ዝብል ሕቶ ከም ሕቶ ክመጽእ እውን የብሉን። ብፍላይ ካብ ሓደ ፈታው ህዝበይን ሃገረይን እየ ዝብል ዜጋ። ምቅዋም እንተ ኾይኑ ብመትከልን ብትርን ብዘየዳግም፣ ምቅዋም ይግባእ ። በዚ ሎሚ ታሪኽ ጉጅለ ህግደፍ ዘይተረደአ ዜጋ እንተሎ ኣብ ካልእ ፕላኔት ዝነብር ከኸውን ኣለዎ። እዚ ጉጅለ እዚ ብተግባር ናይ መግዛእቲ መቐጸልታ ስለ ዝኾነ፣ ኣጥፊኡ ክጠፍእ ዝተዓጥቀ እዩ።

      እቶም ካብ ነዊሕ ግዜ ናይዚ ጉጅለ  ናይ ምልኪ ባህርያት ዝተረድኡ ዜጋታት ኣብ ምቅዋሙ ድምጾም እናኣስምዑ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ንግፍዕታትን ዓመጽን ናይዚ ጉጅለ ንሕብተረሰብ ዓለም ንምግላጽ ኣብ ጎደናታት ዓበይቲ ሃገራት ከይተሓለሉ ብቱሑት ቁጽሪ ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ  ዜጋታት ሎሚ ውዕሎ ጄኔቫ ንፍትሓውነት ዘበገስዎ ዕላማ ናይ ግድን ክዕወት ምዃኑ ብዘይ ጥርጥር ኣራጋጊጹዎ እዩ ።

 ህግደፍ ባዕሉ ዘጽደቖ ቅዋም ዘየተግበረ ለውጢ ክገበር ኢልኩም እትጽበዩ፣ ህበይ ናብ ሰብ ክትቅየር እልኩም ምጽባይ ይቐለኩም። ቅዋም ማለት፣ እቶም ሰለስተ መንግስታዊ  ኣካላት፣ ፈጻሚ፣ ሓጋግን፣ ፈራድን  ስርሖም ክፍጽሙ ኣብ ዝብገሱሉ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎደናታት ጀኔቫ ፍትሒ ከናዲ ድምጹ ከስምዕ ዝጐድሎ ምኽንያት የለን። እንተኾን ጉጅለ ህግደፍ ቅዋም ከተግብር እንተኾይኑ፣ ናይ ሞት ፍርዲ ብይን ኣብ ገዛእ ርእሱ ምፍራድ ስለ ዝኾነ፣ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ባርነት ዝቕይሮ የለን። ስለዚ ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ መወዳእታ ስልጣኑ  ኢሰብኣዊ ገበናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽም እዩ ።

ጉጅለ ህግደፍ ጸረ ባህልን ስነ ስርዓትን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኣበው “ስጋ እንተ ወደቐት፣ ሓመድ ሒዛ ትትንስእ” ክብሉ እንከው፣ ኣብ መንጎ ብሄራትን ስድራቤታትን ዘሎ ዝምድናታት ወለድና ክብረት ይህቡዎ ከም ዝነበሩ ዘመልክት እዩ ። በዚ መሰረት ከኣ ሕማቕ ነገር ካብ ምግበር ይቑጠቡ ነይሮም። ጉጅለ ህግድፍ ግን ሱሩ እተበትከ፣ ሓልዮት እትብል  ቓል ከኣ ኣብ ኣእምሮኡ ቦታ የብላን። ስለዚ ከኣ እዩ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጽናት ዲግዲጊት ተዓጢቑ ዘሎ ።

ጉጅለ ህግደፍን ሰዓብቱን በኸመይ ኣጋባብ ደኣ እዮም፣ ኣብ ጀኔቫ ማዕረ ደለይቲ ፍትሒ ተራእዮም፣ መን ሲዒሩን ተሳዒሩን ዝብሃል። ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራ ልዑላዊት ሃገር እያ። ብጉጅለ ህግደፍ ግን ኣይኮነትን። ምኽንያቱ ነቶም ገዛእቲ መንግስታቶም ኣጥባት ኣደታትና ዝቆርጹ ዝነበሩ፣ ዓድታትና ዘቃጽሉ ዝነበሩ ድሕሪ መሪር መስዋእትነት ዘባረርናዮም፣ ኣንደገና  ምእንትኡ ወረቀት ጥርዓን ኣንጻር ው/ሕ/ሃ ክመልኡን ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ክስለፉሉን ዝገበረ ጉጅለ ብኸመይ ደኣ እዩ፣ ተሓላቒ ናይ ልዑላውነት ኤርትራ ዝኸውን? ህግደፍ ልዑላዊ መሬተይ ተወሲዱ ክብል እንከሎ፣ ከም ርዱእ ንመንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ዝኸስስ ዘሎ ይመስል። እንተኾነ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ልዑላውነት ሕቶ ወይ ናይ ዶብ ሕቶ የብሉን። ህግደፍ ንኢትዮጵያውያን ከም ናቱ ዜጋታት ገይሩ እዩ ዝርድኦ ። ስለዚ ቀጻልነት ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ምስ ቅልውላው ወይ ምድውዋስ መንነት ናይዚ ጉጅለ ዝተሓሓዘ እምበር፣ ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ናጻ ድሕሪ ምውጻኣ ኲናት ኣንጻር ኢትዮጵያ ብሕልሚ እውን ኣይምተራእዮን። ከም ኤርትራውያን ጸላኢና  መን ምዃኑ ብግቡእ ክንፈልጥ እንከሎና ጥራሕ ኢና ክንዕወት እንኽእል። ስለዚ ጉጅለ ህግደፍ እቲ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ክነስምረሉ ይግባእ።

      ለውጢ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ክመጽእ ምዃኑ ዕግበት ጥራሕ ዘይኮነ፣ ክውን ንምግባሩ ብኹሉ ዓቕምታትና ውፉያት ክንከውን ክንጽዕት ኣሎና። ነዚ ጉጅለ’ዚ ከባርርዎ ትጽቢት ዝግበረሎም፣ እቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝቃለሱ ዘለው  ደለይቲ ፍትሒ ምዃኖም ዘተሓትት ኣይኮነን። ካብ ጎረባብቲ  ሃገራት እንጽበዮ ሞራላውን ንዋታውን ድጋፍ ክኽውን ይግባእ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ክጠፍእ ዘይክእል ሓዊ ክይንጽመድ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ውዕሎ ጄነቫ ነዞም ኣብ ኤርትራ ዘለው ደለይቲ ለውጢ ወገናትና ሓያል ሞራላዊ ድገፍ እዩ።

 ድሕሪ ውዕሎ ጄነቫ ዝድለ ዘሎ ጹጹይ መጽናዕቲ ንሓያል ውደባ እዩ። ብዘይ ውደባ ክዕወት ዝደሊ ሓይሊ ዕድሜኡ ሓጺር እዩ። ኣብ ጅነቫ ዝተኣከበ ደላይ ፍትሒ፣ “ህዝበይን ሃገረይን ከድሕን” ብዝብል ጭርሖ ስለዝኾነ፣ ሕጂ እውን ኣብ ክሊ እዚ ጭርሖ እቲ ውደባ ክቕጽል ኣለዎ። እቶም ኣብ ትሕቲ ሃገራውነት ዝስርዑ፣ ከም ጉዳይ ሃይማኖት፣ ብሔር፣ ቋንቋ፣ ዝኣመሰሉ፣ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ክዝረበሎም ክጸንሑ ኣሎዎም ።

      ሓዲሽ ውደባ ነቲ ዝጸንሔ ምንቅስቓሳትን፣ ነዚ ሕጂ ዝምዕብል ዘሎ ሓይሊ መንእስይን ከወሃህድ ክበቅዕ ኣለዎ። እቲ ነባር  ምኽሪ ክህብ እንከሎ፣ እቲ ዝነኣሰ ከኣ ምኽሪ ክቕበል እንተኾይኑ ስጡምን ነባርን መሰረት ውደባ ክፍጠር ይኽእል። ናይ ክሳብ ሕጂ ተመክሮና ምእካብን ምፍንጣሕን እዩ። እዚ ዘርእዮ ዘይምርድዳእ ኣብ ሕቶ ስልጣን እዩ። ሕቶ ስልጣን ኣብ ስደት እንከሎና ዝፍታሕ ኣይኮነን። እቶም ኣብዚ ግዜ እዚ  ስልጣን እንምነ፣ ከም ህግደፍ ስርዓተ ምልኪ ክነንግስ እንደሊ ሰባት ክይንኽውን የስግእ። ምኽንያቱ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ክንርኢ ክንክተሎ  ዝግበኣና መስርሕ ህዝባዊ ምርጫ እዩ፣ እምበኣር  ህዝባዊ ባይቶእዊ ምርጫታት ተገይሮም እቶም እተመርጹ ሃገር ክመርሑ ሓላፍነት ክወስዱ ምዃኖም ተረዶኦና እንተኾይኑ፣ እዚ ኣብ ዝኾነ ጉባኤታትና ዝርአ ኣባላትካ ብብዝሒ ክምረጹልካ ሃነፍነፍ ምባል ነቲ መሪሓ ናብ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ዝወስደና መንገዲ ብግቡእ ዘይምርዳእ፣ ወይ ከኣ ኮነ ኢልካ ዝግበር ዘይሓላፍነታዊ ተግባር እዩ።

      ኣብ ወጻኢ ባይቶ ሰሪዕካን ተወዳድብካን ኣስመራ ኮፍ ንምባል ዝሕስብ፣ ካሳብ ሎሚ ውጺኢት ኣልቦ ስለዝኾነ ነዚ ሓሳብ ዳግመ ርኢይቶ ክገበረሉ ኣሎዎ። ባይቶ ዳግም ክንሰርሖ ኢና ምባል ኮንቱ ግዜኻ ምብኻን እዩ። ኣባላት ባይቶን መሪሓቶምን ነታ ኣብ መንጎኦም እተፈጥረት ርእይቶ ውድብ ደምሓኩኤ ብጉዳይ ስውእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ እተበገሰት ብዲምክራሲያዊ መንግዲ ክፍትሑ ከይከኣሉ፤ ክንደይ ዓመት ሓሊፉ? ምናልባት  4 ዓመታት። እዚ ካብ ኮነ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቓ ዘሎ ጂኦ-ፖለቲካዊ ቅልውላው ክፈትሑ ዘኽእል ዲፕሎማሲያዊ ዓቕሚ የብሎምን። እቶም ገዳይም ተቓለስቲ ብዕግበት ስልጣን ነቶም ብቕዓት ዘለዎም መንእሰያት ከረክቡ ከሎ ጋና መስርሕ ክጅምሩ ኣሎዎም ።

 ግዜኡ ግዜ ለውጢ እዩ!

ዝኽሪ ንስውእትና

 

     

     

   

      

Last modified on Friday, 15 July 2016 08:25