ኣብ ህልዊ ምምሕዳር ስርዓት ኤርትራ ዝካየድ ሕጊ ኣልቦ ናይ መደናገርቲ ስራሓት፡ ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ብመንጽር ባህሪ ናይ መለኽቲ  እንተለኪዒናዮ እውን ምምሕዳር ህግደፍ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝተራእዩ መለኽቲ መዳርግቲ የብሉን። ገሊኦም መለኽቲ ንዜጋታቶም እንተወሓደ ሰሪሖም ክዕንገሉ ከምዘለዎም ይገብሩ እዮም። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልኪ ግና ብመንጽር’ዚ ኣሉታውነቱ ፍሉይ እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

ብሰንኪ እኩይን መላኽን ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጠሮ ሕገ- ኣልቦነት፥ ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ ኣገባብ ዘይብሉ፡ ውሽጠውሽጢ ዝመሃዝ ስምምዓት ከካይድ ይግደድ። ንኣብነት  ኣብ መዳይ ኣካራይን ተኻራይን ካብ ሕጊ ወጻኢ ስምምዓት ይወዓዓሉን ይፈራረሙን። እቲ ኣካራይ ገዛ ንመንግስቲ ግብሪ ስለዝኸፍል’ሞ እቲ ግብሪ ከኣ ብዙሕ ብምዃኑ፥  ከጉድል ክብል ሕቡእ ሜላታት ክጥቀም ይግደድ።

እቲ ተኻራያይ ከኣ ዘጽልለሉ ገዛ ንኽረክብ በቲ ኣካራያይ ዝበሎ  መሰረት ክቕበል ወይ ክሰማማዕ ናይ ግድን ይኸውን። ጭንቂ፡  መከራን ሕገ- ኣልቦ ምሕደራን ዘየምጽኦ መዘዝ የልቦን እሞ፡ ልክዕ ከምታ በዕራይ ነቲ ገደል ገዲፉ ነቲ ዝበልዖ ሳዕሪ ጥራይ ብምስትብሃል ዝጸድፍ፡ ክልቲኣቶም ኣካራያይን ተኻራያይን ሳዕቤኑ ዘንጊዖም ክበላሓቱ ይጽዕሩ። እዚ ኣብ   ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ተግባራት እዩ። እቲ መንግስቲ ከኣ ካብቲ ጎሪሐ ዝብል ኣካራይ ዝያዳ ጎራሕን ተንኮለኛን ብምዃኑ ነቲ ዝግበር ሽጣራታት ኣይስሕቶን እዩ። እዚ ተግባሩ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ይዕለለሉ’ዩ።

እምበኣር ኣብ ነዚ ዝምልከት ግብራዊ ኣብነት ንመልከት፡ “በ” ዝበሃል ዋና ገዛን “መ” ዝበሃል ተኻራያይን ዝተወዓዓልዎ ስምምዕ ነይርዎም። እቲ  ንገዝኡ ብ 6000 ናቕፋ ዘካሪ፡ ንሓደ መጽለሊ ስኢኑ ዝተሸገረ ተኻራያይ ንሰማማዕ እምበር ከካሪየካ እየ ይብሎ። እቲ ተኻራያይ ከኣ ጥራሕ ዘጽልለላ ገዛ ሃበኒ እምበር፡ ግዲ የለን ክንሰማማዕ ኢና ዝብል መልሲ ክህቦ ናይ ግድን ነይሩ። እቲ ስምምዕ ከኣ ከምዚ ዝስዕብ ኮነ።  ኣካራያይ  ንተኻራያይ እቲ ዋጋ ክራይ ገዛ ንወርሒ 6000 ናቕፋ ክኸውን፡  እቲ ስምምዕ ከኣ ንወርሒ ብሕሳብ 4000 ናቕፋ ኮይኑ ክሰፍር ይወዓዓሉ። ጉድ ናይቲ ዝፍጸም ዘሎ ሸፈጥ ንተዓዘብ። እቲ ዋና ገዛ እቲ ንግብሪ ዝኸፍሎ 20% እንተኾይኑ እቲ ዓቐን ገንዝብ ናይ 6000 ናቕፋ 1200  እዩ ዝኸውን።

ስለዚ በታ ዝገበርዋ ምስጢራዊት ስምምዕ ናይቲ 4000 ናቕፋ 20% ኣብ ወርሒ ንመንግስቲ ዝኸፍሎ 800 ናቕፋ ክኸውን እንከሎ እተን 2000 ናቕፋ ግና ግብሪ ዘይክፈለን እየን። ስለዚ እቲ ዋና ገዛ ኣብ ክንዲ ኣብ ወርሒ 6000-1200 = 4,800 ናቕፋ ጥራይ ዝረክብ፥ 6000-800 = 5,200 ናቕፋ ኣብ ኢዱ ‘’ኣታዊ ይኸውን። እቲ ዝያዳ ተንኮለኛ መንግስቲ ከኣ ንኽልቲኦም ንኽረክብ  ከምቲ ኣበው  “ክለተ ጎራሓትሲ ሓሙዂሽቲ ስንቆም” ዝብልዎ’ ይባላሕት። ሕጊ ኣልቦ ብምዃኑ ብዘይሕጊ ስምምዕ ከምዝካየድ ክፈልጥ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ነቲ ዘካረየን ዝተኻረየን ነቲ ዝተሰማምዕሉ ወርሓዊ  ዓቐን ክቕርቡ ይሓቶም። ብድሕሪኡ እታ ገዛ ክሳብ ክንደይ ክትካረ ከምትኽእል ንምፍላጥ ሸነንቲ ወይ ገምገምቲ ይልእከላ። እቲ ተኻራያይ ዝበሎ ምስቲ እቶም ሸነንቲ ዝገመትዎ ዝመሳሰል እንተኾይኑ ቅቡል ይኸውን። ዘይመሳሰል እንተኾይኑ ድማ በቲ ባዕሉ ዘሸነኖ ከም ዝኽፈል ይገብር።

እዚ ማለት እታ ገዛ በታ 4000 ናቕፋ እንተ ተሸኒና ዕድል ናይቲ ተኻራያይ እዩ ኣብኣ ትጸድቀሉ። ካብኡ ዝተሓተ ዲዩ ወይ ዝለዓለ እንተኾይኑ እውን ከምኡ። እታ ገዛ ልዕሊ 4000 ናቕፋ ኣብ ወርሒ እንተ ተሸኒና ከኣ፡ እቲ ተኻራያይ ክኸፍል ዝኽእል እንተኾይኑ ይኸፍል። ልዕሊ ዓቕሙ እንተኾይኑ ድማ ካብታ ገዛ ክወጽእ ግድን’ዩ። ኣቲ ዓመጸኛ መንግስቲ ከኣ  በዚ ኣገባብ  እታ ኣብ ኢዱ ትኣቱ ግብሪ ብዘይ ሓደ ጎደል ኣብ ኢዱ ከምትበጽሕ ይገብር።

ድራር መንታይ

Sesadu 1

ደገፍትን ወከልትን ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ብምኽንያት መበል 25 ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ኣብ ሶልና ሃለን ቀዳም ዕለት 14 ግንቦት 2016 ካብ ሰዓት12.00 ክሳብ ወጋሕታ ኣብ ዝግበር ዳንኬራ ፡ ንዝኸዱ ሓተቲ ዑቁባ ስደተኛታት፣ ካብዚ ስርዓት ነፍሶም ከድሕኑ ሃዲሞም ዑቁባ ሓቲቶም ክንሶም ፡ ተመሊሶም ኣብቲ ናይ ስደቶም ጠንቅን መውሃቢ ፍቓዶም ዝኾነ፣ እዚ ስር ዓትዚ  ንኣኻትኩም ግዳይ ናይ ሰብ ነጋዶን፣ ኣብ ምድረ በዳን፣ ባሕርን ዝሞቱ ኣሕዋትኩም፣ ኤርትራውያን ኣይኮኑን ኣፍሪቃውያን ኢዮም ኢሉ ዝጠለመ፣ክትሳተፉ ከሎኹም እንታይ ይስማዓኩም፣ ትማሊ- ትማሊ ዶ ኣይኮነን ኤርትራውያን ኣይኮንኩምን ዝበለኩም፣ሎምዶ ኤርትራውያን ምዃንኩም ዘኪሩ ዘይኮነስ ንፖሊቲካዊ ሃልኪ ክጥቀመልኩም ምዃኑ ጠፊእኩም ኣይኮነን፣እቲ ዋሕዚ ስደት ይቅጽል ኣሎ፣ ግንከ ተመሊስኩም ነቲ ጠንቂ ስደትኩም ዝኾነ ስር ዓት ኣብ ዝገብሮ ዳንከራ ምስታፍ ግን ንጉዳይኩም ከምስደተኛታት ተቀባልነት ከምዘይረክብ ዝገብር ምስክር ኢዩ፡፤

 

 እቲ ስርዓት ዘዳልዎ ፈስታ ክሳተፉ ከለዉ ንጉዳይ ፍቓዶም ዘይቅቡልን ኣብሓደጋ ዘእቱን ክኸውን ስለዝኽእል ፣ ኩነታት ብዝሒ ስደተኛታት ኣብ ሽወደን ነዚ ጉዳይ’ዚ ከጋድዶ’ውን ይኽእል’ዩ።

 

ከም ጽላል ስዊድናዊ ኤርትራዊ ኮሙኒቲ ኣብ ስቶክሆልም ነዚ ጉዳይ እዚ ብዝምልከት ምስ ማሕበር ጋዜጠኛታትን ማሕበራት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝዘተየሉ ከይሓበርና ክንሓልፍ ኣይንደልን።

 

ጋዜጠኛታትን ካልኦት በቲ ጉዳይ ዝግደሱን፡ ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላትን ቆላሕታ ይገብሩሉ ስለዘለዉ ጉዳይኩምን መጻኢ ሂወትኩምን ከይበላሸወኩም ክልተ ግዜ ክትሓስቡሉ ኣጥቢቕና ንምሕጸን።

 

ንኽመጽእ ዝኽእል ጸገማትን ሓደጋታትን ኣብ ግምት ብምእታው ከምኡ እውን ምስቲ ሓደገኛ ዝኾነ ጉዕዞኹምን ዝወረደኩም ግፍዕን መከራን እናስተንተንኩም፣ 

ናብ ዘይተደልየ ሓደጋ ከይትወድቁ ክትሓስብሉ ብጥብቂ ነማሕጽን።

ምስ ሰላምታ!

 

ጽላል ስዊድናዊ -ኤርትራዊ ኮሙኒቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም

Invitation

ብመጀመሪያ ሰላምታና ይብጻሕኩም። ቀጺልና ደማ ደስ እናበለና ነዚ ዝስዕብ ብስራት ነበስረኩምንሕና እብ ሆላንድ እንነብር ኤረትራውያን ስደተኛታትነቲ ናይ መበል 25 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ሓቢርና ንምብዓል ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም መደብ ሰሪዕና ኣለና።

 

እዚ በዓል እዚ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ስለዝኾነ እሞ ብኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ከኣ ስለዝተረኽበ፣ ንኩሉ ኤርትራዊ ሓደ ይብጽሖ ኢልና ንእምን። ስለዝኾነ ድማእብዚ ህዝባዊ በዓል ብምስታፍ: በቲ ሓደ ሸነኽ ነቶም ኩሎም ነዛ ክብርቲ መዓልቲ ኩውንቲ ንምግባር ዝተሰውኡዝሰንከሉዘለና ክብሪ እንገልጸሉ: ብካልእ ሸነኽ ድማኩነታት ሃገርናን ህዝብናን እንመዝነሉንካባና ዝጥልብ እንእምተሉንኣገዳሲ ዕለት ስለዝኾነኩሉኹም ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን መጺእኩም ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም

 

ዕለት 22 ጉንቦት 2016.     (22-05-2016)
ጊዜ ካብ ሰዓት 14:00 ክሳብ ሰዓት 2200
ቦታ Dickenslaan 173, 1102 AS Amsterdam.
መጓዓዝያ Metro 53   (station Venserpolder)
ንሓበሬታ ተሌፎን + 31 687207167

 

ብደሓን ምጹ

ሽማግለ ማሕበር

ኣንቱም ንሰማማዕ

ጽባሕ ከይንጽፋዕ

ብምልኪ ከይንጥቃዕ

ንሓድሕድና ከይንበላላዕ

ሕደጉ ኣይንገዳዳዕ

ብሃገር ኣይንጣላዕ።

‘’ዓስ እብለኪ ክር እብለኪ እንተኣበኺ ንነብሪ ጎልጎል እህበኪ’’ ዝብል ምስላ ወለድና ኣሎ። ንሕና ነቶም ቅድመና ዝነበሩ ዝሓለፍዎ ተመኲሮ እንተስ ብቐጥታ ካብኦም ወይ ከኣ ብዝተክእዎም ኣካላት ክንዲ ንመሃር፡ ኣብ ደረጃ ምንጽጻግ ጥሒልና ንርከብ። “ሕደጉ! ኣንድነት እባ ራቢጣ እናተበበሃሃልና ኣይንፈላለ”  እናተባህለ ከሎ እኮ እዩ ኣብ ሓምሳታት ተጻባእትና ንኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትቊረን ዝፈረዱዋ። ሕጂ እውን ታሪኽ ንነፍሱ ይደግም ከም ዝበሃል እነሆ ከምታ ናብ ዓዘቕቲ ዘእተወትና ኣገባብ ሒዝና ንምርሽ ዝብሉና ወገናት ዝቀላቐሉ ዘለዉ ይመስሉ።

ሎሚ ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ፥ ንዲሞክራስን ፍትሕን ከም ቀንዲ ዕላማኡ ገይሩ ክዋሳእ  እንተዘይበቒዑ፥ ምልኪ ካብ ኣተሓሳስባና ንዘልኣለም ክድምሰስ ኣይኮነን። ኩሉ ዕዮ ገዛና ከኣ ንሕብረብሄራዊ ኣተሓሳስባ ምስ ናይ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ስነሓሳብ ብምትእስሳር ኣበርቲዕና ክንነቕሓሉን ክነተግብሮን ቀንዲ ሓላፍነት እዩ። ነዚ እምነት እዚ ምስ እንሕዝ ከኣ እዩ እቲ ናይ እምነት ናጽነት፥ ማዕረነትን ናጽነትን ዝሰፈና ሃገር፡ ሓድነትን ክብርን ህዝቢ ዘውሕስ ስርዓት ክንፈጥር እንኽእል። እዚ ክበሃል እንከሎ፡ ኩልና ናይ ዕላማ ሓድነት ክህልወና ምስ ዝኽእል እዩ ድልዱል ሃገራዊ ጥምረትን ምትእምማን ዝመልኦ ሓባራዊ ስራሓት ተወሃሂዱ ንኡድ ንኹሉ ዘዕግብ ፍታሕ ክርከብ ዝከኣል።

ካብዚ ሓሊፉ ንዕዮ ገዛና ኣትኪልናን ኣነጺርናን ኣብ ክንዲ ምስራሕ፥ ንእኡ ብዘፍርስ መንገዲ ምኻድ፡ ዕላማ ኣልቦ ኰንና ካብ ምልካዊ ኣተሓሳስባ ናጻ ክንከውን ኣይክንክእልን ኢና። ነዚ ወሪዱና ዘሎና ምልካዊ ስርዓት ክንገጥሞን ካብ ሱሩ ክንምሕዎን እምበኣር፡ ተተሓሒዝናዮ ዘሎና ዕዮ ገዛ ብሓቂ ናብ ሰላማዊ ናብራ ዘብጽሕ ከምዘይኮነ እዩ ዝእምት። ንሱ ድማ፥ ንናጽነት ኣይተቓለስናን፥ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ናይ እገለ ብሄር እዩ፥ ባንደራ እዚኣ እባ ኣቲኣ፥ እንዳበልካ፡ ታሪኽ ቃልሲ ህዝብን ስውኣቱን ብምንእኣስ ንምልኪ ዘውግዱ ኣገባብ ኣይኮኑን። ንሓርነታዊ ቃልስና ክንበቕዖን ክነዕውቶን እንተዀይና፥ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባናን ራኢናን ንመጻኢት ኤርትራ ከመይ ትመሓደርን ትህነጽን ኣብ ዝብል ሓደ ክኸውን ይግባእ። ምኽንያቱ እቲ ሽግርና ደርባዊ ወጽዓ ስለዝኾነ፡ ደርባዊ ወጽዓ ከኣ ደርባዊ ቃልሲ ብምክያድ እዩ ዝውገድ።

እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ብናይ ብሄር፡ ዓሌት ወይ ሃይማኖት ኣሳቢቡ ንፍሉይን ውሱንን ሕብረተሰብ መጥቃዕቲ ኣየካየደን። እንታይ ደኣ ብኣልማማ ንኹለን ብሄራትን ሃይማኖታትን እዩ ዝጭቊን ዘሎ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣየናይ ብሄር ወይ ኣየናይ ሃይማኖት ዝያዳ ተወጺዑ ኣብ ዝብል እንተኣቲና ኣብ ናይ ጉጅልኣዊ ባህሪ ሰጢምና እቲ ወጽዓ ኣየናይ ሃይማኖት ይኹን ብሄር ብዘየገድስ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ ንዝብል ወድዓዊ ሚዛን ንፍኩሶ ኣሎና እዩ ዘስምዕ።

ኣብ ኤርትራ፡ ስልጣንን ምንጭታት ናውቲ ማእቶትን ገቢቱ ዝሓዘ ስርዓት እምበር ንብሄር ወይ ንሃይማኖት ወኪሉ ዝጭቊን ከምዘይኮነ ኩልና ክንኣምን ይግበኣና። እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ናይ ጨቋንን ተጨቋንን እምበር ብመልክዕ ገዛእን ተገዛእን ክንጥምቶ ኣየድልን። እዚ ናይ ክልተ ተጻረርቲ ሸነኻት ጨቋንን ተጨቋንን ቁርቊስ ናይ ስልጣን መን ጨበጠ ቃልሲ ብምዃኑ፡ እቲ ሓደ ደላይ ለውጢ እቲ ካልእ ከኣ ጸረ ለውጢ እምበር ንፉሉይ ብሄር ወይ ሃይማኖት ዝመጽእ ለውጢ ኣይኮነን። ስለዚ ኣተሓሳስባና ክንደይ ካብ ኣየናይ ብሄር ወይ ሃይማኖት ተኣሲሮም ወይ ተቐቲሎም ምጽብጻብ ዘይኮነስ ኩሎም ምእንቲ ሓንቲ ኤርትራ ዝቖስሉ፡ ዝተሓየሩን ዝተሰውኡን ምዃኖም ክንዓግብ ይግበኣና። በዚ መሰረት እቲ ነዚ ምልካዊ ስርዓት ኣልጊስና ኣብ ክንድኡ ዝትከል ስርዓት ዝተኣማምን ህዝባዊ ተሳትፎን ምልኣት ሕብረተሰብን ዝውሕስ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ክምስረት እምበር ንፍሉይ ብሄር ወይ ሃይማኖት ዘርብሕ ለውጢ ከምዘየለ’ውን ክንርዳእ ይግበኣና። እዚ ክትግበር ግን ንሓደ ስርዓት ሽፍታ ኢልካዮ ኣይበልካዮ፥ ባንደራና እቲኣ ወይ እዚኣ፥ ናጻ ሃገር የለን ብምባል ነቲ ስርዓት ዝቕይር ኣይኮነን።

እቲ ጸገም ናይ ኩሉ ክነሱ፡ ናይ ሓደ ብሄር ወጽዓ እዩ ምባልን፥ ዲሞክራስን ፍትሕን ኣየረጋገጽን እዩ።  እዚ ኮነ ኢልካ ብገለ ገለ ወገናት ሃገራዊ መንነትናን ናጽነትናን ክብርናን ናይ ምድኻም ኣዕናዊ ፈተነ እዩ። እዚ ግጉይ ኣካይዳ ምስ ዝዕወት ናብ ገደል ከእትውናን ነቲ ቅኑዕ ሓርነታዊ ቃልሲ በቲ ክኸዶ ዝግበኦ ስነፍልጠታውን ፍቱንን ኣገባብ ኣቀላልሳ ከይከይድ ዝዕንቅፍ  ሽርሒ እውን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ መንእሰይ  ተመኲሮ ኣያታቱ ከይቀስምን ምስኣያታቱ  ከይቃለስን ወግሐ ጸብሐ ምቱኽታዅ፡ ሃገራዊ መንነትና ንምህሳስ ዝግበር ምህዞ እዩ። እዚ ከይዱ ከይዱ ኣግላሊ ባህርያትን ጠባያትን ከም ዝስዕርር ይገብር እሞ ሰላም፡ ቅሳነትን ርግእትን ዝሰፈና ሃገር ኣብ ምምስራት ኣፍራስን ግቡእና ከይንፍጽም ዓንቃፍን እዩ።

ህዝቢ እና ተጨቈነ፡ ደቁ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ብተመልከተለይ ብጥይት እናተቘልቡን መከራን ግፍዕን እናወረዶን፡ ንምልኪ ኣሜን ኢሉ ዝርዕመሉ ምኽንያት ፈጺሙ የለን። ይደንጒ ይቐልጥፍ ናይ ግዜ ሕቶ ኮይኑ ንምልኪ ርዒሙ ኣየጽቅጥን እዩ። ኣብ መላእ ዓለም እውን እንተኾነ፡ ንምልኪ ዝረዓመ ህዝቢ ኣይተራእየን። ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኩነታት ፍሉይ ዝገብሮ ተረኽቦ ክህሉ ይኽእል ይኸውን። ብርግጽ’ውን ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ንሓያሎይ ዓመታት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝተቘርነን፡ ኣብ ስቅያትን ኣደዳ ሞትን ተቓሊዑ ጸኒሑ ሎሚ ድሕሪ ነዊሕ ተጋድሎ’ውን ኣብ ሃገሩ ናጻ ኣየር ከስተንፍስ ይጽገም ኣሎ። ምኽንያቱ ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ደኣ እዩ ናጻ ኮይኑ እምበር፥ ክመሓደረሉ ዝግበኦ ግዝኣተ ሕጊ ይኹን ህዝቢ ዝሓንጸጾ ቅዋም ካብ ድሌቱ ወጻኢ ብምዃኑ ካብ መግዛእታዊ ምሕደራስ ጌና ኣይተላቐቐን ዘሎ። እዚ ማለት፡ ኩልና ከም እንፈልጦ ባህሪ መለኽትን ገዛእትን ሓደ እዩ። ገሊኡ ብምልኪ ኣርዒዱ ክሕዝን ክጭፍልቕን ዝደሊ ክኸውን ከሎ፥ ገሊኡ ከኣ ገለ ኣንፈት ናይ ዲሞክራሲ ዝሓዘለ ኣምሲሉ ብንይምሰል ዝተሓንጸጸ ሕጊ ገይሩ ህዝቢ ይጭቁን።

ህዝቢ ኤርትራ ንኹሉ ግፍዕን መከራን፥ ስቓይ ማእሰርትን መቕተልትን፥ ድኽነትን ጥሜትን፥ ሕማምን ድንቁርናን፥ ሓዘንን ብኽያትን ዳርጋ ንሚእቲ ዓመት ኣቢሉ  ላድይሉ እዩ፥ እንተኾነ በዚ ተዳሂሉ ፈጺሙ ኢዱ ኣይሃበን። ሎሚ ኣብ ዓለምና ሳዕሪሩ ዘሎ ናይ ንብረትን ገንዘብን ግዙእ ኰንካ ርህራሄ ዝጠፍኣሉን፥ ንዝሓዘነ ክተጸናንዓሉ ተሪፉ፡ ኣብ ነንሓድሕድ ክጨኻኸን እንተዘይኮይኑ ክተሓጋገዝ ዝብል ልምዲ ሃሲሱ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኹሉ ኣደራዕ እናወረዶ ስለ ዝለመዶን ዝመጸ ይምጻእ ጸገም ይኹን ወጽዓ ክኢሉ ክጻወሮ ዘገድዶ ጉዳይ ኣሎ። ንሓያሎ ዓመታት ሓዚኑ፥ ደንጊጹን፥ ነቢዑን እዩ። ደቁን ንብረቱን ኣጥፊኡ እምበር ብራህዋ፡ ቅሳነትን ሰላምን ኣይተኻሕሰን። ስለዚ ሎሚ ኣብቲ ደቁን ንብረቱን ዝሰኣነሉን ዝኸሰረሉን ኩነታት ተመሊሱ ዳግማይ ክሓዝን ይኹን ክነብዕ ፈጺሙ ኣይድግፎን እዩ። ብውጽኢት እቲ ቅድም ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ስለዘይቀሰነ ከኣ ነዚ ተመኩሮ’ዚ ክደግሞ ኣይደልን እዩ።

ልክዕ’ዩ፥ ህዝቢ በዚ ዝወርዶ ዘሎ ግፍዕን መከራን ንምንታይ ክለዓል ዘይከኣለ እናተባህለ ለይቲ ምስ መዓልቲ ይዝረብን ይጸሓፍን ኣሎ። እወ! ህዝቢ ንክለዓል እኮ እቲ ንሱ ዘለዎ ሃለዋትን ጠንቁን ምፍላጥን ምርዳእን የድልዮ። መጀመርያ ህዝቢ ኤርትራ ንዳርጋ ሚእቲ ዓመት ዝኸውን ተሳቕዩን ተጨቊኑን ዝሕለፎ ግዜ ናብ ድኽነት ሸሚምዎ እዩ። ምስ እዚ ከኣ ነቲ ስልጣን ዋንኡ ንሱ ምዃኑ ብተመኩሮ ይኹን ብኣፍልጦ ኣይበሰለሉን። ድሕሪ ናጽነት ዝተራእየ ምዕብልና ንህዝቢ ዘግልል እምበር ንህዝቢ ዘሳትፍ ስርዓት ኣይተመስረተን። ምስ እዚ ተደማሚሩ ድማ እቲ ደንበ ተቓውሞ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ኣብ ብቱንን ዝሩግን ኣተሃላልዋ፡ ካብቲ ናይዚ ምልካዊ ስርዓት ዝሓሸ ለውጢ ከምጽእ ከም ዝኽእል ሓባራዊ ተረድኦ ከጥሪ ኣይከኣለን።

ደንበ ተቓውሞና እንተርኢናዮ፡ ብፋላይ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ መንእስይ እባ ዓበይቲ፥ ብሔር እባ ሃይማኖት፥ ሰውራ ሸፋቱዶ ስውራ ሃገራውነት እናተበሃሃለ ኣብ ዘየድሊ ህውተታ ኣትዩ ይርከብ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን “ካብዚኦምሲ ኣብ ዘለናዮ ንጽናዕ” ዝብል ግጉይ መርገጽ ከም ዝወስዱ ንገብሮም ዘሎና ንሕና እቶም ደንበ ተቓውሞ እምበር ህዝቢ ኣይኮነን ክለዓል ዘይደለየ። ስለዚ ህዝቢ ንከለዓል፡ ንኹሉ ዝጥርንፍን ኣሳታፍን ሰፊሕ ሃገራዊ ጽላል ምምስራት ናይ ግድን የድልየና ኣሎ። እዚ ንክዕወት ከኣ ፖለቲካውን በርገሳውን ማሕበራት ነናተን ስራሓት ኣነጺረን፡ ዝራኸባሉን ዝፈላለያሉን ነጥባታት ተረዲአን፡ ኣብትን ኣብትን ምትእትታው ዘይብሉ ህዝብን ሃገርን ዝድሕነሉ ሓባራዊ ስራሓት ከካይዳ ምስ ዝበቕዓ ህዝቢ ክለዓል እዩ።

ብቐዳምነት በቲ ኣብ ኤርትራ ብዕለት 03 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብስርዓት ህግደፍ ዝተፈጸመ ዘሕዝን ቅንጸላ መንእሰያትን ምፍራስ ኣሽሓት ኣባይትን ዝተሰምዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ ንኩሎም ስድራ ቤታት ግዳያትን  ኣባይቶም ፈሪስዎም ኣብ ፈቐዶ ቦታታ መዕቆቢ ንምርካብ ፋሕ ብትን ኣትይዎም ዘሎ  ዜጋታትን ጽንዓትን  ጽሮትን ይሃብኩምን ይሃበናን እብል ።

 እቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ዘሕዝን ቅንጸላ  መቐጸልታ ናይ‘ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ኤርትራን ዶባታን ተሓቢኡ ክፍጸም ዝጸንሓን ዘሎን ግፍዓዊ  ባህርያት‘ቲ ስርዓት ዘቃልዐ ድኣ‘ምበር ሓድሽ ተርእዮ ከም ዘይኮነ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ዘሎ ኣይመስለንን።

እዚ ተግባር‘ዚ ከም ሓድሽ ዝርኣየሉ ምኽንያት እንተሃልዩ ኣብ ማእከል ኣስመራ ምፍጻሙ ብሓደ ወገን፡ ምስ‘ቲ ጉዕዞ እግሪ ሽግ ሓርነት ኢሉ ንህዝቢ ኣብ ፈቐዶ ሩባን ኩርባ ንኰለል እናበለ  ኣብ ኣስመራ ድማ ዉላዱን ንብረቱን የዕኑ ምህላዉ እዩ። እዚ ኸአ መግለጺ ኣረሜናዊ ተግባራቱ ጥራሕ ዘይኾነስ ንከምዚ ዓይነት ህውከትን ዕንወትን ዝተፈጥረ ሰብኣዊ ሕልና ዝጎደሎ ኣካል ዝምራሕ ስርዓት ምዃኑ እዩ።

ኣብዚ  ክልዓል ዝግብኦ ጉዳይ እንተልዩ፡ ስለምንታይ ብፍላይ ኣብ ድሮ ብዓል ኢየበልዩ ናጽነትና ክውሰድ ተመሪጹ ዝብል ሕቶ‘ዩ፡ መልሱ ድማ ርሑቕ ከይከድካ ንሕሉፍ ኣካይድኡ ተመሊስካ ምውካስ ጥራሕ ኣካሊ እዩ። ካልእ ሃሰስ ከይብልካ፣ ኣብ ውሽጥ‘ዚ ርብዒ ዘመን ናይ ናጽነት ኣብ ውሽጥን ወሰናስንን ኤርትራ ዝካየድ ዝነበረን ዘሎ ቕንጸላን ኢሰብኣዊ ማእሰርትን ስቓይን በዚሑ ክሕባእ ኣብ ዘይክኣለሉ ደረጃ ምስ በጽሐ ኣብ ቃልዕ ክወጽእ ግድን እዩ።

እዚ ዘርእዮ ምልክት እንተልዩ ኸኣ፡ እዚ ንሓደ ርብዒ መዋእል ወድሰብ  ኣብ እንግድዓ ህዝብና ተጻዒኑ ድከቱ ዘስትዮ ዘሎ ስርዓት ምስ‘ቲ ግራተይ፡ ጥሪተይ፡ ዝብሎ ህዝቢ ናይ መወዳእታ ዝሰናበተላ ፍጻሜ ምዃኑ እዩ።

ይኹን‘ምበር፡ ነዛ ብልዑል ዋጋ ዝተረኽበት በዓል እየበልዩ ናጽነትና ኩሉ ህዝቢ ኤረትራ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ብዘየገድስ ኣብ ክልተ ብዝተመቕለ መንፈስን ሞራልን ከኽብራን ኽጽንብላን እዩ። ምኽንያቱ፡ ከም‘ቲ ሓወይ ዘይብል ኣይርገጽካ ዝብልዎ ምስላ፡ ክሳብ ማዕረ ኣምላኽ ኣኽቢርካ ን25 ዓመት ንኩሉ ግፍዕታቱን ሓሳረ መከራኡን ተጸሚምካ ፍታሕ ካብ ዘይተረኽበ ደጋፍን ተቓዋምን በብዝመስለካ ነንትምነዮ ከተዐውት ምቅላስ መተካእታ ዘይብሉ ኣማራጺ ስለ ዝኾነ።

እዚ ድማ እቲ ሓደ፡ እንተስ ብግላዊ ረብሓ ወይስ ብግርህነት ምስ‘ቲ ጨካን ስርዓት ወጊኑ ፡ ህዝቡን  ንገዛእ ርእሱን ብምብዳሉ ሕልንኡ ዓገብ እናበሎ ኣብ ዳስ ህግድፍ ዝስዕስዕን ንዓመታ ዛእዋን ብከምዚ የራኽበና ኢሉ ዝሰናበት ኣካልን ኣምሳልን ናይ‘ቲ ስርዓት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ኸኣ፡ እቲ ናጽነት ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ወይ ብዝዀነ ምኽንያት ኣብ  ምልክት ሕቶ ዘይትኣቱ ናጽነት ህያብ ስዉኣቱ ምዃና ተረዲኡን ዓቂቡን ነታ ተሪፋቶ ዘላ ጌና ብባህጊ ዝጽበያ መሰሉን ኽብሩን ተሓልዩ ዝነብረላ ሓርነት ካብ ምንጋጋ‘ዚ ቀንጻሊ ስርዓት ህግደፍ  ንምውጻእ  ኩሉ ደላይ ፍትሒ፡ ኣበርቲዑን ሰሚሩን ንምስራሕ ቃል ዝኣትወላን ንዓመታ‘ዛ እዋን ኣብ ዝተማልአ ዓወትን ራህዋን  የራኽበና ብማለት ዝዛዝመላ  በዓል ኽትከውን እያ።

ኣብ መድምደምታ ዎ ጸዋርን ትዕግስተኛን ህዝቢ ኤርትራ  ብሓፈሻ፡ ምክልኻል ሰራዊቱ ድማ ብፍላይ፡ ከም‘ቲ ኣርብዓ ዝጸሙስ ፋሲጋ ኽረኽቡ ዝብልዎ ኣቦታትና ፡ ካብ‘ዚ ንላዕሊ ምጽማም ንሕሉፍ ጅግንነትካ ብኣሉታ ከይጸልዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ንህላውነትካ ዝፈታተን ስለ ዝኾነ ታሪኽካን  ኩሉ መዳያዊ ነጻነትን ሓርነትን ሃገርካን ንምርግጋጽ ሕሉፍ ጅግንነትካ ከተሐድስን ንብዓት ኣደታትካ ክትሕብስን ሓዘነን ክትድብስን መድረኽ ይጠልበካ ምህላዉ ተገንዚብካ፡ ምስ ህዝብኻ ክትውግን ትጽዋዕ ኣለኻ።

ተጋዳላይ  ኣልኣዛር፥ ካብ ኣቡኡ ኣቶ ቀለተ ዘርአን፡ ኣዲኡ ወ/ሮ ገብርኤላ ዘርአጋብርን ኣብ ከተማ ኣስመራ ገዛ ከኒሻ ተወሊዱ ኣብ ገዛ ባንዳ ጥልያን ዓብዩ።።  ኣልኣዛር ጌና  ንእሽቶ ተመሃራይ እንከሎ እዩ ኣብ ፖለቲካ ዓለም ዝኣተወ። እዚ ድማ  ካብ ኣቦታቱ ዝወረሶ ሃገራዊ ሓርበኝነትን ስምዒትን ዝወረሶ እዩ ነይሩ። ኣልኣዛር በቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ሃገር፡ ካብ ሱሳታት ኣትሒዙ ናብ ሃገራውን ፖለቲካውን ቃልሲ ዝተሳተፈ። በዚ ኣቢሉ ኣልኣዛር_ኣብ ማሕበር ሸውዓተ፡ ኣብቲ ናይ ኣስመራ  ምስጢራዊ ስርዒት ኣባል ኮይኑ ክነጥፍ ጀመረ። ብድሕሪ እዚ  ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ብረት ከምጽእ ተላእከ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ከምታ ዝተባህለቶ መደብ ብርክት ዝበለ ብረት ሒዙ ምስ ብጾቱ ናብ ኣስመራ ተመልሰ። ብረት ሒዙ ከም ዝመጸ ብኣባላት ስለያ ስርዓት ሃይለስላሴ ምስ ተፈልጠ፥ ንብጾቱን ነቲ ብረትን ከም ዝወጽእ ገበረ’ሞ ንሱ’ውን ክቃለስ ናብ ብጾቱ ተጸንበረ። ንኣልኣዛር ምሓዝ ዝሰኣነ ስለያ ጸላኢ ከኣ ንኣቡኡ ኣቶ ቀለተ ዘርኤን ንኣዲኡ ወ/ሮ ገብርኤላ ዘርኣጋብርን “ወድኹም ኣበይ ኣሎ? ኣምጽእዎ” ብምምባል ብዙሕ ኣሳቐዮም።

ድሕሪ እዚ ሜዳ ወጺኡ እናተቃለሰ እንከሎ፡ ምስ ተወልደብርሃን ዝበሃል ብጻዩ ስንቂ ከምጽእ ምስ ተላእከ ኣብ በለዛ ብኮማንዲስ ተታሒዙ ተኣስረ። ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ከኣ ፈራዳይ፥ “ስለምንታይ ንሜዳ ወጺኢካ?” ኢሉ ሓተቶ። ኣልኣዛር ከኣ  “ንባንደራይ ክብል እየ” ኢሉ መለሰ። ፈራዳይ ብዙሕ ባንደራታት ኣቕሪቡ ስለ ዝጸንሐ፥ “ኣየነይቲ ካብዚአን እያ ባንድራኻ?” ኢሉ ሓተቶ። ካብ ማእከል ብዙሓት ባንደራታት ድማ ፈልዩ  “እዚኣ እያ ባንደራ ሃገረይ” ኢሉ ነታ ባንደራ ኤርትራ ኣልዒሉ ብድፍረት ኣርኣዮም።  ድሕሪ’ዚ ብጻዕሪ ናይ ክቡር ወላዲኡ ኣቶ ቀለተ ዘርአ፥ ኣልኣዛር ካብ 1961 ክሳብ 1963 ካብ ዝተኣሰረላ ቤት ማእሰርቲ ናጻ ክወጽእ ከኣለ።

ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኮይኑ ዝቃለሶ ዝነበረ ቃልሲ፥ በቲ ናይ ማእሰርቲ ርዒዱ ወይ ተዳሂሉ ኣየቋረጾን። ቀጺሉ ናብርኡ እንዳኣካየደ መጽሔታት ምዝርጋሕን ምውዳብን ካልእ ስራሓትን እንዳማለአ ይነጥፍ ነበረ።  ሓደ ግዜ ካብቶም መጽሔት ዝዓደሎም ሓደ፡ ነታ መጽሐት ከንብባ ከሎ ብስለያ ይተሓዝ። እዚ ዝተታሕዘ ሰብ “ነዛ መጽሔት መን እዩ ሂቡካ?” ዝብል ሕቶ ምስ ተሓተተ “ኣልኣዛር ሂቡኒ” ኢሉ መለሰ። ስለያ ብቐጥታ ናብ እንዳ ቀለተ ዘርአ ይመጹ’ሞ ንመርዓ ኣልኣዛር ዳስ እንዳተሰርሐ፥ ኣልኣዛር ብማዕዶ ምስ ረኣዮም ንእሽቶ ወረቕት ጽሒፉ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ንሓደ “ነቦይ  ሃበለይ” ኢሉ ይህቦ። ስለያ ንኣልኣዛር ሒዞሞ ምስ ከዱ፡ ኣቶ ቀለተ ናብ ጠበቓ ኣቶ ተኽለ ካሳ ከዱ። ነቲ ጠበቓ “ወደይ ኣልኣዛር ኣብ ድሮ መርዓኡ ብወተሃደራት ተታሒዙ ኣሎ” ኢሎም ይሕብርዎ። እቲ ጠበቓ ከኣ መርዓዊ ክቡር ስለዝኾነ ክእሰር ኣይግባኣን’ዩ ብዝብል መጎት ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቕረበ። ቀዳም መዓልቲ ከኣ ቤት ፍርዲተኸፊቱ ንኣልኣዛር ፍርዲ ተዋህቦ። እቲ ፍርዲ ከኣ  ካብ ከተማ ኣስመራ ከይወጽእን፥ እንደገና ኣብ ከምዚ ስራሓት ምስ ዝዋፈርን  ዝጽበዮ ናይ ሞት ፍርዲ ምዃኑ ብዝብል  መጠንቀቕታ  ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝወጽእ ተገብረ።

እንተኾነ ሕጂ እውን ኣልኣዛር ነቲ ቃልሱ ብምቕጻል ምስ ተጋደልቲ እናተራኸበ፥ ተጋደልቲ ዝለኣኽዎ የማልእ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ምስ ተጋደልቲ ክራኸብ  ኣብ መዓልዲ መሬት ደቀ-ምሓረ ደምበዛን ይኸይድ”ሞ እንደገና ብኮማንዲስ ተታሕዘ።  እቲ ዝሓዞ ኣባል ኮማንዲስ “ንስኻ ካብ ቤት ፍርዲ ዝተዋህበካ መጠንቀቕታ ኣሎካ፡ ኣብዚ እንታይ ክትገብር መጺእካ?” ክብል ንኣልእዛር ሓተቶ። ኣልኣዛር ከኣ እንዳ ኣባሓጎይ ክርኢ መጺኤ ክብል መልሲ ሃቦ። እቲ ኮማንዲስ ንመንግስቲ እንተ ኣረኪብዎ፥ ኣልኣዛር ሞት ክፍረድ ምዃኑን ስለ ዝተረደአ እሞ ድማ ንወለዲ ኣልኣዛር ይፈልጦም ስለ ዝነበረ  ኣሕሊፉ ንጸላኢ ኣይሃቦን። ኣብ ክንድኡ  ’’ ንስኻ በቲ መንግስቲ ተፈሪዱካ ዘሎ ሞት እዩ ዝጽበየካ፥ ግን ከኣ ምእንቲ እቶም ወለድኻ  ምሒረካ ኣሎኹ” ኢሉ ኣጠንቂቑ ኣፋነዎ። ሕጂ’ውን ኣልኣዛር ጌና ከም ቀደሙ ነቲ ቃልሱ ቀጺልዎ እምበር ኣየቋረጾን።  ከምዚ እናገበረ እንከሎ ኣብ ግዜ ደርግ እንደገና ስሙ ኣብ ዝርዝር ጥርጡራት ስለ ዝጸንሐ ወተሃደራት ናብታ ኣልኣዛር ዝሰርሓላ ዝነበረ ኣንዳ ባራቶሎ መጹ። ነቲ ሓላፊ ኢጣልያዊ ከኣ ስም ኣልኣዛር ጠቒሶም ኣምጸኣልና በልዎ። እቲ ኢጣልያዊ ኣልኣዛር  ብምኽንያት ስራሕ ውጺኡ ኣሎ ኢሉ ኮፍ ኣበሎም። እዚ ኢጣልያዊ ንሰብኣይ ሓብቱ ብቋንቋ ጣልያን ገይሩ ንኣልኣዛር “ኣብዚ ከይትምለስ ኢልካ ንገሮ”  በሎ። ሽዑ ኣልኣዛር ብኣ ኣቢሉ ብ1975 ናብ ሜዳ ወጺኡ።

ኣብ ሜዳ ምስ ተሰለፈ ነታ ቅድም ክብል ኣብ ዓዲ እንከሎ ዝነበረቶ  ናይ ምምራሕ መኪና ሞያኡ ሓቢኡ ኣብ ሓይልታት ሰራዊት ማለት ኣብ ቦጦሎኒ 375 ኣብ ከቢድ ብረት ተመደበ።  ሓደ እዋን ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሓርነትን ወተሃደራት ጸላእን ኣብ ዝተገብረ ውግእ መካይን ስለዝተማረኻ፥ ነተን ዝተማረኻ መካይን ንምውጻእ “መራሕቲ መካይን ዝነበርኩም” ከበሃል እንከሎ ተሳኢኖም ክጭነቑ ምስ ሰምዐ፡ ነቲ ሽግር ንምቅላል “ኣነ ኣሎኹ” ኢሉ ነተን ማካይን ከም ዝወጻ ካብ ዝገበሩ ሓደ ንሱ ነይሩ ። ከምኡ ተዘይገብር ግና ነተን ዝተማረኻ መካይን ጸላኢ መሊሱ መወሰደን ነይሩ።  ካብ’ቲ እዋን’ቲ ኣትሒዙ ሞያኡ  ምምራሕ መኪና ምዃኑ ተፈልጠ’ሞ ኣብ ክፍሊ መጎዓዝያ ተመዲቡ  ንሰራዊትን ህዝብን ዝኸውን ኣድላዪ ነገራት ኣብ ምቕራብ ክሳብ 1981 ብትብዓትን ብቆራጸትን  ተቓሊሱ።

ብድሕሪ 1981 ከኣ ከም ሰቡ ንሃገረ  ጀርመን ተሰዲዱ። ኣብታ ዝነብረላ ዝነበረ ሃገር ጀርመን’ውን ከይተረፈ  ብሓቦን ፍቕሪ ሃገርን ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ከይዘንገዐ፡ ቅድም  ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰራዊ ባይቶ ደሓር ድማ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሱ ቀጺሉ። ኣልኣዛር ብህይወቱ እንከሎ፥  “ጸላኢ ኣይኮነንዶ፡ ህይወተይ፡ ሞይተ”ውን ረሳይ ኣይረክብን እዩ” ይብል ነይሩ። ቀጺሉ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ከየልገሰ እንተ መይተ፡ ኣስከረነይን ኣስከሬን ብጾተይን ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ኢስያስ’ዩ ናብ ዓዱ ተመሊሱ ዝቕበር’ውን ይብል ነይሩ።

ኣልኣዛር፡  ክሳብ ዕለተ ሞቱ ነታ ምእንቲ ሃገሩን ህዝቡን ኢሉ ዝተሰለፈላ ዕላማ የማን ጸጋም፥ ወለቕ ዘለቕ ከይበለ ብጉልበት ይኹን ብንዋት ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ ብዝሓደሮ ሕማም ብ16 ማዝያ 2016 ዓሪፉ። ብ22 ማዝያ 2016 ከኣ ኣብ ፕራግፍሪድሆፍ  ሃገረ ጀርመን ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ኣልኣዛር ከምታ ባህታ ሓጎስ ሞይቶም ኣብ መሬት ዓደቦኦም ከይተቐብሩ ጸኒሖም ድሕሪ ሱሳ ዓመታት ኣስከረኖም ናብ ዓዶም ተመሊሱ ዝተቐብረ፥ ሕጂ እውን ኣስከረን ኣልኣዛርን ኩሎም ኤርትራውያን ሕስርብኛታትን ድሕሪ ውድቀት ኢሳያስ ኣብ ዓዶም ዝቕበረሉ ግዜ ክመጽእ’ዩ።  ኣልኣዛር ዋላ’ኳ ካብ ዝፈትዎም ስድራቤቱን መቓልስቱን ብሞት እንተተፈልየ፡ ጽንዓቱን መትከሉን ግና ናብ ዝትክእዎ ደቁ  ስለዘውረሰ  ታሪኹ ህያው ኮይኑ ንዘለኣለም ክዝከር እዩ።

ኣዴና ነብስሄር ወይዘሮ ትብለጽ ለገሰ ተኪኤ፡ ኣዲኣ ንተጋዳሊት ኣስገደት ምሕረትኣብ፡ ብ15 ሚያዝያ 2016 ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈልየናና። ነብስሄር ወይዘሮ ትብለጽ፡ ኣብ 23 ሓምለ 1929 ተወሊደን፡ ኣብ ብ87 ዕድሜአን ከኣ ዓሪፈን። ነብስሄር ወይዘሮ ትብለጽ ኣደ 6 ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን ኢየን።

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንነፍስሄር መንግስተ-ሰማይ የዋርሰን፤ ንወይዘሮ ኣስገደት ምሕረትኣብን ኵሎም ቤተሰብን ድማ ጽንዓት ይሃቦምን ጠሉ የውርደሎምን ይብል።

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዓለምና፥ “ንዓይ ጥራሕ ይጥዓመኒ” ብዝብል ሃብትን ንብረትን ናብ ምኽዕባትን ምውናንን ገጻ ትጎዓዝ ብምህላዋ ናይ ውሑዳት ጸብለልትነት ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ብዘምጽኦ መዘዝ ብውሑዳት ሰብ ሃብቲ ከም እትበሓት ኮይና ኣላ። እዚ ኣገባብ  ምሕደራ ምዝመዛን ወጽዓን ዝወልድ ብምዃኑ፡ ዓለም ርህይዋን  ቀሲናን እትነብረሉ ሃዋህው ይብከል እዩ ዘሎ። በቲ ካልእ ወገን እዚ ኩነታት፡  እቲ ሃብታም ነቲ ድኻ ዝውሕጠሉ ኣገባብ እምበር እቲ ርኹብን ስኡንን ብሓባር ዝረብሕሉ ኣመሓድራ ኣብ ምፍጠር ዕንቅፋት ዝፈጥር እዩ።

ንሕና ኤርትራውያን’ውን ካብዚ ሓደጋ’ዚ ናጻ ክንከውን ስለ ዘይንኽእል እቲ ክነምጽኦ እንደልዮ ለውጢ ካብ ብሕጂ ጽጹይን ጥጡሕን መንገዲ ክነትሕዞ ይግበኣና። ካብኡ ሓሊፉ፥ ሰላም፡ ራህዋን ቅሳነትን ዝዓሰላ ሃገር ክትህልወና ብትምኒት ጥራይ ኣይከውንን እዩ። እቲ እንምነዮ ለውጢ  ኣነጺርና ብግሉጽ ክነጒልሖን ብተግባር እውን እነሰንዮን ክኸውን ይግበኦ። ንእንመነዮ ለውጢ ከከም ድሌታትናን ኣተሓሳስባናን ጥራይ ክውሰን ከምዘይክእል ከነስተውዕል ይግበኣና። ምኽንያቱ እቲ  እንምነዮ ለውጢ ንረብሓ መላእ ህዝቢ ዝውክልን ብሓባር ዘንብርን ምዃኑን ዘይምዃኑን ክንመራመረሉ ይግበኣና።

ነዚ ኣንዊሑ ዝጥምት ምርምር’ዚ ንምክያድ፡ ናጻን ቀጻልነት ዘለዎን፡ ዘይዓመጻዊ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ቃልሲ ክኸውን ይግበኦ። ምኽንያቱ ካብ ምልኪ ናብ ዲሞክራሲ ኣብ ዝኸይድ ጉዕዞ ነቲ እንምነዮ ህዱእ መጻኢ ውሕስነት ዝህብ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን፥ ህዝቢ ዝዋንኡ ስልጣንን ክህልወና እንከሎ ስለ ዝኾነ።

ነዚ መስርሕ ዝመልክት ስነፍልጠት ከም ዝሕብሮ፥ ‘’ጭቆና ንምቅዋም ይኹን  ወጻዒ ስርዓት ንምውጋድ ዓመጻዊ ኣገባብ ከም ምርጫ ምውሳድ፥ ቀጻሊ ህድኣት ኣብ ምውሓስ ክህልዎ ዝኽእል ውጽኢት፥ ምስቲ ዘይዓመጻዊ ኣገባብ ክረአ እንከሎ፡  ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።  ዘይዓመጻዊ ኣገባብ ተቓውሞ ግና ኣብ ዲሞክራሲያዊ ውጽኢትን ቀጻሊ ርግኣትን ዝህልዎ ጽልዋ ዝለዓለን ዘተኣማምንን ምዃኑ ብዝተፈላለዩ ተመኩሮታት ዝተረጋገጸ እዩ።’’

ስለዚ ዲሞክራሲ ኣብ ጥጡሕ ባይታ ክስረትን እናማዕበለ ክኸይድን  ኣብ ኣእምሮ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ናጽነት ክትሰፍር ኣለዋ። ምኽንያቱ ንባዕሉ ናጻ ዘይኮነ ንናይ ካልኦት ናጽነት ክኽብርን ብዛዕባ ዝሓሸ መጻኢን ክሓስብን ኣይክእልን እዩ። እዚ ባይታ’ዚ ኣብ ዓመጻዊ ኣተሓሳስባ ዘይኮነስ፡ ኣብ ዘይዓመጻዊ ኣተሓሳስባ ምስ ዝንደቕ እዩ መሰረትን ውሕስነትን ዝተኣማምን ረብሓ ኩሉ ህዝቢ ዘውሕስን ዝኸውን።

ብሓጺሩ እቲ ተቓውሞ ንዘይዓመጻዊ ኣገባብ ከም ምርጫ ክወስዶን ብተግባር ክሰርሓሉን እንከሎ  እዩ ናጽነት ዝዓዝዝን ናብኡ ገጹ ዝወስድ መንገዲ ጥጡሕ ዝኸውንን። እዚ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ውሑስን ዘተኣማምንን ክኸውን ግና ህዝቢ ብንቕሓትን ብውዱብ ኣገባብን ክሳተፎ እንከሎን ዝተጸንዐ መተካእታ ዝቐረበን ክኸውን እንከሎ እዩ። እዚ ምድላው’ዚ ኣብ ዘይተገብረሉ፡ ነቲ ኣገባብ ስለ ዝመረጽካዮ ጥራይ ትዕወት ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ብዘይጐነጻዊ ኣገባብ ኣብ ሓጺር ግዜ ብህዝባዊ ናዕቢ ዲክታቶራት ናይ ዘወገዳ ሃገራት ተመኩሮ ዝምህረና እውን እዚ እዩ።