ኢሳያስ ኣፈወርቅ መቐጸልታ ባዕዳውያን ገዛእቲዶ?

2016-05-19 09:49:38 Written by  ክብሮም ግረነት Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2339 times

ባዕዳዊ ገዛኢ ክብሃል እንከሎ ካብ ድገ ዝመጸ ፖሊቲካዊ ሓይሊ ኮይኑ፡ ነቶም ደቂ ሃገር እናኣሰረን እናቐተለን ነቲ ጸጋታት ሃገር እናመዝመዘ ክነብር ዝደሊ ሓይሊ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ገዛእቲ ተቐልቂሎም ነይሮም እዮም ።እንተኾነ እቲ ብዝያዳ ዝፍለጥ መግዛእቲ ጣልያን እዩ። ጣልያን ፍሪያምን ዝበለጸን መሬት ኤርትራ ንዜጋታቱ እናዓደለ ፣ ንኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ወተሃደራዊ ወራራት ኪኲናት ሶማል፡ ሊብያን ኢትዮጵያን እናለኣኸ ፣ንህዝብና ዘሳቐየን ዝቐተለን ባዕዳዊ ገዛኢ ነይሩ።ጉጅለ ህግደፍ ከኣ ንኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኩናት ሓኒሽ፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፡ ሶማልን ኮንጎን ሕጂ ድማ ባሕሪ ስጊሩ ናብ ኲናት ሕድሕድ የመን መንእሰያትና ክስውኡን ክስንክሉን እዩ ዝገብር ዘሎ። እዚ ተግባራት እዚ ብኽመይ ካብ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ፈሊና ክንርእዮን ንኽእል ?

ጣልያን ኣብ ኤርትራ ክነብር ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮ፡ ንከተማ ኣስመራ ተምሳል ሮማ ገይሩ ክሃንጻ ተራእዩ። እንግሊዝ ከኣ ካብ ኤርትራ ክወጽእ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፣ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ክዘምትን ክሸይጥን ህንጻታት ክዕኑን ከፍርስን ተራእዩ ። ክነብር ዝብል ሕማቕ እናሰርሐ ጽቡቕ እውን ይሰርሕ እዩ ።ክኸይድ ምኳኑ ዝፈልጥ ግን ኣጥፊእኻ ምጥፋእ እዩ ዝመርጽ። ህግደፍ ከኣ ኣጥፊእኻ ምጥፋእ ዝመረጸ ጉጅለ እዩ ።

ኢሳያስ ኣፈወቂ ንሜዳ ኤርትራ ክውጽእ እንከሎ፣ታሪኽ ከም ዝሕብሮ ኩነታት ምዕብልና ኤርትራ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዝነበሮኦ ዝሓሽን ዝበለጸን ነይሩ ። ኤርትራ እታ ቀዳመይቲ ሃገር ድሕሪ ደቡብ ኣፍሪቃ ቅዋም ዝነበራ ሃገር ነይራ። እሞ ኣብቲ ግዜ እቲ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓሊዮት ሓዲሩዎ ንዝሓሸ መሰላትን ሞዕባለን ከምጽእ ክጋደል ዝተሰለፈ ሰብ ካብ ነበረ፤ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዝነበሮ ናይቲ ግዜ እቲ መነባብሮ ኣብ ዝኸፍአ ህልቀትን ምርሳይ ንብረቱ፡ ደቁን ሰብኣዊ መሰላቱን ዝዓለመ ፖሊሲ ሓንጺጹ ከጽንቶ ዝመረጸሉ ምኽንያት ፣ እንታይ ስለ ዝኾነ እዩ ?

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቓልሲ ኤርትራ ክስለፍ እንከሎ፣ ናይ ነዊሕ ጉዑዞ እተጸንዐ ፖለቲካዊ መደብ ሓንጺጹ ከተግብሮ ቆሪጹ ዝተበገሰ ሰብ ነይሩ። ስለዚ እቶም ዝበዝሑ ተጋደልቲ ሃገራዊ ናጽነት ከምጽኡ ንመስዋእትነት ድሉዋት ክኾኑ እንከለዉ ፣ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን መልእኽቱ ፈጺሙ ክምለስ ዘተኣማምኖ ዱልዱል ሓይሊ ኣብ ድሕሪኡ ስለ ዘቐመጠ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ በብዓይነቱ ገበናት ክፍጽም ሓጊዙዎ እዩ። ኮ/ል ፍስሃ ደስታ ኣብዚ ሕጂ ዝደረሶ መጽሓፍ “ ኢሳያስ ኣፈውርቂ እቲ ብማእከልነት ተስፋሚካል ጆርጆ (ህግደፍ ድሕሪ ናጻነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያል) ኣብ ቓኛው ዝተሳተፎ ኣኼባ ነቲ ዝፈረሰ ፈደረሸን ክመልስ እምበር ንናጽነት ኤርትራ ከምዘይኮነ ነቶም ኣሜሪካውያን ቃል ከምዝኣተወሎም ” ክብል ይገልጽ። እቲ ርክብ ናይ ልዑል ኣስራተ ካሳ ቡራኼን ኣፍልጦን ከምዝነብሮ እውን ይገልጽ ። ብተወሳኪ ኮ/ል ፍስሃ ደስታ ኣብ ቅድሚ ምጅማር ወራር ቀይሕ ኮኸብ ኩሉ ምድላዋት ምስ ተወደአ፣ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብሚኒስተር ዶ/ር ሳሊም ኣሕመድ ሳሊም ናይ ታንዛንያ ኣቢሉ ምስ ደርጊ ክዓርቆ ከምዝሓተተን፡ እንተኾነ መንግስቱ “ውንበዴ ኢዱ ክህብን ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክሕወስን እንተዘይኮይኑ ዝኾነ ነገር ከምዘይቅበል ኣቕቢጹ” ይብል ። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፤ እንደገና ኢሳይስ ኣፈውርቂ ምስቶም ብ1989 ንመንግስቱ ክግምጥሉ ዝተላዕሉ ጀነራላት (መርዕድ ንጉሰን ፈንታ በላይን) ቀንዲ ተሓባባሪ ከምዝነበረ ንጉዳይ ኤርትራ ብዘይ ቅድመ ኩነት፣ ኣብ ጣውላ ምስኦም ኮፍ ኢሉ ክፈትሖ ድልውነቱ ኣረጋጊጽሎም ነይሩ ይብል ።ንክልተ ሰሙን ተኹሲ ደው ክብል እውን ኣዊጁ ነበረ። ኣብዚ ተበግሶ እዚ ወያኔ እምቢ ከምዝበሉ ይገልጽ ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሜዳ ምስ ወጸ ምቹእ ባይታ ጸኒሕዎ እዩ። እቲ ብበዓል ወልዳይ ካሕሳይን ብጾቱን ኣብ ኤትዮጵያ ኢድ ምሃብ ተረቢሹ ዝጸንሔ መሪሕነት ተሓኤ፣ ኣቶ ኢሳያስ ምስ መጸ ከም መፍትሒ ናይቲ ሽግር ብዙሕ ከይጸንሐ ሓደ ምሁርን ከበሳውን ተረኺቡ ተባሂሉ ንቻይና ተላእከ ። እዚ ዕድል እዚ ንኣቶ ኢሳያስ ኣፈውርቂ መደባቱ ከማዕብል ዕድል ከፊቱሉ እዩ ። እቲ ጀብሃ ክትሓቅቕ እያ ዝብል ትንቢቱ ብዘይ ምክንያት ኣይነበረን። ኣብቲ ኣብ ቓኘው ዝተገብረ ርክብ ጀብሃ ከም ናይ ኣስላም ተሓላቒት ተወሲዳ ጽልዋ ምስልምና ንኣሜሪካን ኢትዮጵያን ስለ ዘስገአን ኢሳያስ ኣፈወቂ ከምተልእኮ ብጀብሃ ክጅምር ሌነይሩዎ። ስለዚ ከምቲ እዞም ላዕለዎት ኢትዮጵያውያን ሓለፊቲ ዝገልጽዎ ዘለዉ፤ ሕልምን ድሌትን ኢሳያሳ ኣፈወቂ ናጽነት ኤርትራ ከምዘይነበረ እቲ ኩሉ ምስጢራት ሕጂ ብዝያዳ እናበርሀ መጺኡ ኣሎ ።ኢሳያስ ኣፈወርቂ እቲ ድልየትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ስለ ዝበርትዖ እምበር ኩሉ ግዜ መንነቱ ኣይገደፈን። ኢሳያስ ሕልሙን ድሌቱን ፍሉይ ስለ ዝነበረ፡ ንኹሉ ጻዕርታት ዕርቅን ዘተን ክነጽግን ክሕሰምን ጸኒሑ፣ መሻርኽቱ ዝነበሩ ህዝባዊ ሓይልት፤ ናይ ወጻኢ፣ ሓይሉ ምስ ኣደልደለ ጠሊሙ፣ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ንወያኔ ዓዲሙ ኣብ ኹናት ሕድሕድ ኣሳቲፉ ። ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣብ 1991 ሓደ ውድብ ህግ እንተዝይኮይኑ ብዙሕነት ከምዘይቅበል ኣዊጁ እዩ። ካብዚ ጉዑዞ እዚ እንመሃሮ ነገር እንተሎ ፣ ምልኪ ጥራሕ ዘይኮነ ፣ ቀጻልነት መግዛእቲ እውን ዝኣመተ እዩ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ንሰላምን ጸጥታን ሃገር ዝድለ’ኳ እንተኾነ ፣ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን ስልጣኑ ንደቡብ ክስፍሕን ናጻ ጉልበት መንእሰያት ክምዝምዝን ክጥቀመሉ መስሪቱዎ ።

ኣብዘን 50 ናይ ስልጣን ዓመታቱ፣ እንታይ ከም ዝፈጸመ እክብ ድምር ኣቢልና እንተ መዘንናዮ ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ተወጢሑ እናቐተለን እናዓመጸን ነታ ካብ ልቡ ዝነቐለላ ዕላማ ምውራስ ስልጣን ዓባይ ሃገር ከረጋግጽ ይቓለስ ኣሎ። ኣብ ኮንፈረንስ ኣዲስ 1991 ሓደ ኢትዮጵያዊ ደጀዝማች ካብ ኤርትራ ትፍለ ንስኻ ናይ ኢትዮጵያ መራሒ ዘይትኸውን ክብልዎ እንከለው ኣብ ገጹ ዝተወለዐ ብርሃን ካሊእ እዩ ነይሩ ። እንተኾነ ወያነ እንከለዉ’ሞ ኣበይ ክረኽቦ። ስለዚ እዩ ንኹሉ ሽግራቱ ኣብ ክሳድ ወያነ ጠምጢሙ ወግሐ ጸብሐ ወያነ እንዳበለ ክጻረፍ ዝውዕልን ዝሓድርን ዘሎ። ሓደሓደ ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካ ተንተንቲ ክገልጹ እንከለዉ ”ንሕና ዘገድሰና ተግባራት ኢሳያስ ኣፈወርቂ እምበር፡ ዘርኢ ወይ መበቆል ኣይኮነን ክብሉ ይስምዑ እዮም። እዚ ኣበሃህላ እዚ እወ ሓቂ እዩ። ተግባር ሚዛን ናይ ሓቅነት ስለ ዝኾነ። እንተኾነ ህዝብን ሃገርን ንክዕኑ ዝመረጸ ዜጋ፣ ኣብ ምልክት ሕቶ ክኣቱ ናይ ግድነት እዩ ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነቶም ምኩራት መራሕቲ ኹናት ተጋደልቲ ኣደስኪሉ፣ ከምቲ ናታቶም ሽምን ዝናን ክረክብ ባዕሉ ኲናት መሪሑን ተሳዒሩን። ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ንብረቱን መሬቱን ተሰዲዱ። 25 ኪ/ሜ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሓይሊ ሕ/ሃ ክኣቱ ከይፈተወ ዝፈረመ ሰብ እዩ ። ጉጅለ 15 ጉድለታትና ንኣርም። ህዝቢ ንብድል ኣሎና። ስለ ዝበሉ ኣሲሩ ክሳብ ሎሚ ይሳቕዮም ኣሎ። ንዝዓረፉ ብጾቱ ሜትሮን ፈረቓ ጉድጓድ መቓብር ዝኽልእ፣ እቲ ዘገርም ሓደሓደ ተቓለስቲ ኢና በሃልቲ፣ መራሒና እናበሉ ክውድስዎን ዲሞክራሲ ከምጸኣሎም ዝጽበዩን ከኣ ኣለዉ።

ኲናት ኣንጻር ኢትዮጵያ ኣብ ሓሳብ ህዝብን ተጋደልትን ኣይነበረን። ኤርትራ ነ

ናጻ ኣብ ዝወጸትሉ 1991 ኣብ ሲነማ ኦድዮን ዝተጋብኡ ዓበይቲ ዓዲ ዝሃብዎ ለበዋ “ድሕሪ ሕጂ ምስዛ ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር ኲናት ኣይንደልን” ዝብል ነበረ። እምበኣር እዚ ውግእ ብሃንደበት ዝተላዕለ ኮይኑ ብቕልጡፍ ፍታሕ ክርከቦ እዩ ዝብል ትጽቢት ህዝቢ ነይሩ። ከምኡ ስለ ዝነበረ እቲ ኣታሓሳስባ፣ ኣባል ጉጅለ 15 ተጋዳላይ ሃይለ ወልደትንሳኤ ኣብ ጀርመን ድሕሪ ውዕል ኣልጀርስ ኣብ ዝገበሮ ናይ ህዝቢ ኣኼባ “ወተሃደራት ሕ/ሃ ኣብ መንጎ ስለ ዝኣተዉ፣ ሕጂ ኣብ ጉዳይ ቅዋምን ጽቡቕ ምሕደራን ክንሰርሕ ኢና“ ኢሉ መዲሩ ነይሩ። እዚ ኣበሃህላ እዚ እቲ ኣብ ኩሉ ልቢ ኤርትራዊ ዝነበረ ሓሳብ እዪ። ተጋ/ ሃይለ ወልድትንሳኤ እዚ ክብል እንከሎ እቲ ማንታ ብህሪያት መቓልስቱ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብፍጹም ይፈልጦ ኣይነበረን ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዘን 25 በዘይቅዋም ዝገዘኣለን ናይ ድሕሪ ናጽነት ዓመታት፣ ከምቶም ካልኦት ኣፍሪቃውያን ዲክታተራት፣ ሓደ ግዜ እውን ንይምሰል ምርጫ ገይሩ 100% ተዓዊተ ክብል እውን ኣይፈተንን ። ሓቦን ምትእምማንን ስለ ዘይውንን። ሓደ ግዜ ሓጎስ ገብሪሂወት( ክሻ) “ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እንተ ዝወዳደር ዝስዕሮ የለን” ክብል ፈኪሩ ነይሩ። እሞከ ደኣ እንተ ክስዕር ርግጸኛ ኮይኑ፣ እታ ሳንዱቕ ናይ ድምጺ ምሃብ ኩሉና ኤርትራውያን ን25 ዓመታት እንጽበያ ዘሎና ዘየቕርበልና እሞ ናይ ብሓቂ ከኣ ፕረሲደንት ሃገር ኤርትራ ክንብል መጸዋዕናዮ። እዚ ካብ ሬሳታት ስዉኣት ዝፈርሕ፣ ሕጂ ከኣ ርሃጽ ድኻታት ዘሚቱ ከይኣኽሎ፣ እተን ኣብ ጅባኹም ተሪፈን ዘለዋ ክጽንቅቐን ኢየ እናበለ ይፍክር ምህላዉ እዩ ዝንገር ዘሎ ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምረጹኒ ክብል ዓዲ ዓዲ ክዘውር ዘይምዃኑ ኣቐዲሙ ኣብ ዓዲ ጣላያን ኣብ ዝገበሮ ቓለ ምሕትት ገሊጹዎ ነይሩ ። ምኽንያቱ ጉዳይ ምርጫ ከምዘይተዋጽኦ ስለ ዝፈልጥ ።

እቶም መሳርሕቱን መሳትይቱን ዝነበሩ ሰትዩ ክሰክር እንከሎ እንታይ ከምዝብል ገሊጾምልና ስለ ዝኾኑ ምድጋም ዘድልዮ ኣይኮነን። ብተወሳኺ እውን ካብ ኣፉ ዝሰምዓናዮ ብንዕቀትን ብድዔን “ኣዚ ህዝቢ እዚስ ! በጊዕ ዶ ሓሙስ ሓሙስ ክንሓርደሉ ድልዩና ?” እናበለ ናይ ንዕቀት ፈኸራ ኣስሚዑና እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ማይ ዝደለየ ኣብ ማይ ዘለዎ ቦታ ይኺድ ክብል እውን ሓቢሩና እዩ። ብዛዕባ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ሻቕሎት ዘለዎ ኣይኮነን። ከምቶም ቀዳሞት ወረርቲ ዓዲ ተኽላይ ሰፊሮም ዘመሓድሩ ዝነበሩ፣ ንሱ እውን ዓዲ ሃሎ ንክቕመጥ ምምራጹ ትዝታታት ኣሕዲርሉ እዩ ዝኸውን ።

ቀዳሞት ሰበ ስልጣን መግዝእቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን ዓበይቲ ዓዲ ኣኪቦም መሬት እምበር፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣየድልየናን ክብሉ ደጋጊሞም ፍኪሮም ነይሮም። እንተኾነ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴን ደርግን ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይጻወሮ ድልሃመት ኣእትዩ ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ ስዒቡ ከም ዝወድቕ ገይሩ እዩ። እንተኾነ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምቶም ኢትዮጵያውያን ገዛእቲ ዝሓለምዎ ንኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ደረት- ኣልቦ ባርነት ቆሪኑ፣ ናብራ መሪሩዎም ሃገር ገዲፎም ከምዝጠፍኡሉ ይገብር ኣሎ። ካብ ብድመ ብሽምግልና ኣሜሪካን ሩዋንዳን ክወጽእ ኣብ ዝተሓተሉ ፣ ጸሓይ ተፈጥራዊ ዑደታ እንተ ኣቋረጸት እውን ከምዘይወጽእ ፍኪሩ ተሪፉ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ተሳዒሩ። እዚ ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ስለ ዘይወጸት ናይ ኣይሰላምን ኣይኲናት ኩነታት ተፈጢሩ ዘሎ ተሓታቲ ስርዓት ህግደፍ እዩ። ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ወጸት ማለት፤ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሰላም ረኺቡ ማለት ዘበት እዩ። ሰላም ክርከብ ጉጅለ ህግደፍ ክውገድ ኣለዎ ።

ካብ ባድመ ብሰላም ክወጽእ ዝተሓተ መራሕ ጉጅለ ህግደፍ፣ እምቢ ድሕሪ ምባል ኣብ ግንባር ዓሰብ ተደፊእና ክብልን ንወደባዊት ከተማ ዓሰብ ንጻላኢ ክትርፍ፣ ንሰራዊት ከንሳሕብ ዝኣዘዘ መራሒ ኣይኮነን ድዩ? እዚ’ኮ ናብ ፍርዲ እንተዝኸይድ ብጥልመት ናይ ሞት ብይን ምተውሃቦ ነይሩ ። ኢትዮጵያ ደኣ ዓሰብ እንተዝወሃባ እዚ ኩሉ ኲናት መዓስ መመጸ ነይሩ። ባድመ ብሕመቑ ምስ ተታሕዘት ክትመልስዋ ኣሎኩም ኢሉ ብምእዛዝ ክሳብ 2,000 ሽሕ ዝኸውን መንእሰይ ብዘይ ተጸንዔ እስትራተጂ ብጠያይቲ ወያነ ከም ዝጠፍኡ ዝገበረ ሽፍታ እንድዩ። ምስዚ ኩሉ መላግቦ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘይውንን ክስምዖ ዝኽእል ቓንዛ የለን ።

እቲ ኣብ ማእኸል ከተማ ኣስመራ ብዕለት 4/3/16 ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተፈጸመ ቅትለትን ስንክልናን፣ ኣብ መዋእል እቲ ጉጅለ ሓዲሽ ነገር እኳ እንተዘይኮነ፣ ዘምሓላለፎ ዘየወላውል መልእኽቲ፡ ህዝብናንን መንእሰያትናን ብዘይ ፍርሓት “ድጊም ይኣክል ናብራ ባርነት” ብምባል ነቲ ተቓውሞ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ኣሰጋጊረምዎ ከምዘለዉ የረደኣና ።

እዚ መቕዘፍቲ ናይዞም መንእሰያት ዝኣዘዘ ጉጅለ፣ ብከምዚ ተግባራት ካብ ውድቀት ዝድሕን ይመስሎ ይኸውን ። እንተኾነ እቲ ፍርሒ ካብ ህዝብናን መንእሰያትናን ተቐንጢጡ ስለ ዘሎ፣ ኣብ ቀጻሊ ዝግበር ምግጫው መወዳእታ ናይቲ ጉጅለ ኽክውን እዩ። እዚ ሽፍታ ጉጅለ እዚ ሕጂ ዝወሰዶ ስጉምቲ ንዑኡ ናይ ሞትን ሕየትን ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበረኸ ይመጽእ ከምዘሎ ይዕዘብ ስለ ዘሎ፣ ሓደ መዓልቲ ሃብቲ ሃገር ዘሚቱ ክሃድም እዩ። ካብ ስደት ናብ ስደት እናኾብለለ ከኣ ክነብር እዩ ።

ደሕሪ 25 ዓመታት ናጽነት ሃገርና እቶም መሰረታውያን ዝኾኑ ነገራት ማለት ዝስተ ማይ፣ መብራህቲ፣ሕክምና፡ መጎዓዝያ፡ .. ወዘተ ክትስእን እንከላ፣ መንግስቲ ኣሎ ክብሃል ዝክኣል ኣይኮነን። ብሓጺሩ ዲክታተር ተባሂሉ ምጽውዑ እኹል ኣይኮነን። ስለዚ ልክዕ ከም ባዕዳዊ ገዛኢ ተራእዩ፣ እቲ ዓይነት ቓልሲ ብሓዲሽ ኣጋባብ ክውደብ ኣሎዎ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለለኹም ተቓለስቲ፣ 24 ግንቦት ድርብ ዓወት ክትገብሩልናን ኤርትራና ዓዲ ሰላምን ፍትሕን ንክትከውንን ጻዕርኹም ኣዛይዱ ።

ዝኽሪ ነቶም ነዛ ዕለት ህያው ንዝገበሩ ስዉኣትና !

ክብሮም ግረነት

5/19/16

Last modified on Thursday, 19 May 2016 11:52