ዕድመ ንኹሉ ኤርትራዊ ኣብ ህላንድ ዝነብር ።
2016-05-07 08:57:42 Written by ሽማግለ ማሕበር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2018 timesብመጀመሪያ ሰላምታና ይብጻሕኩም። ቀጺልና ደማ ደስ እናበለና ነዚ ዝስዕብ ብስራት ነበስረኩም። ንሕና እብ ሆላንድ እንነብር ኤረትራውያን ስደተኛታት፣ ነቲ ናይ መበል 25 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ሓቢርና ንምብዓል ኣብ ከተማ ኣምስተርዳም መደብ ሰሪዕና ኣለና።
እዚ በዓል እዚ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ስለዝኾነ እሞ ብኹሉ ኤርትራዊ ዜጋ ከኣ ስለዝተረኽበ፣ ንኩሉ ኤርትራዊ ሓደ ይብጽሖ ኢልና ንእምን። ስለዝኾነ ድማ፣ እብዚ ህዝባዊ በዓል ብምስታፍ: በቲ ሓደ ሸነኽ ነቶም ኩሎም ነዛ ክብርቲ መዓልቲ ኩውንቲ ንምግባር ዝተሰውኡ፣ ዝሰንከሉ፣ ዘለና ክብሪ እንገልጸሉ: ብካልእ ሸነኽ ድማ፣ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን እንመዝነሉን፣ ካባና ዝጥልብ እንእምተሉን፣ ኣገዳሲ ዕለት ስለዝኾነ፣ ኩሉኹም ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራን መጺእኩም ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።
ዕለት | 22 ጉንቦት 2016. (22-05-2016) |
ጊዜ | ካብ ሰዓት 14:00 ክሳብ ሰዓት 22፡00 |
ቦታ | Dickenslaan 173, 1102 AS Amsterdam. |
መጓዓዝያ | Metro 53 (station Venserpolder) |
ንሓበሬታ | ተሌፎን፡ + 31 687207167 |
ብደሓን ምጹ
ሽማግለ ማሕበር