
ንኤርትራውያን ኣካለ-ጽጉማን (ውጉኣት ሓርነትና - ከሰላ) ፡ ብቐጻሊ- ዘጽልሉ ቤት፡ ዝሰትይዎ ማይ፡ ዝበልዕዎ መግቢ ክህልዎምን፣ ከይዓርቁ፡ ከይጽገሙ፡ ሰኣን ብቑዕ ሕክምና ብቓንዛ ከይሳቐዩ፡ ከየስተማስሉን፡ ኤርትራውያንን ግብረ-ሰናያዊ ሕልና ዘለዎምን ርህራሄ ዘለዎም ፈተውትን በብዓመቱ ወፈየኦም ከየቋርጹ ክሕግዙ ዝጸንሑ ምህላዎም ምህላዎም እናዘኻኸርና ብሓበን ንዝክሮምን ነመስግኖምን።
ብድሆ ንነፍስኻ ምኽኣልን ቀጻልነቱን!!!
ቀዳማይ ዕማም፡
እቲ ናይ መጀመርታ ገጽ ናይ ቀዳማይ ዕማም ክዕወት $40,000.00 ይሓትት። እዚ ቀዳማይ እምነ-መሰረት ምቕማጥ እዩ። እዚ ቀዳማይ እምነ-መሰረት ንብሎ ዘለና፡ ንኣዝዩ ዘሰክፍን ዘሻቕልን ሃለዋት ውግኣት ሓርነት ከሰላ ዘቃልልን ብመጠኑ ንእዋናዊ ኩነታቶም ዝፈትሕን`ዩ።
ንቕድሚት፡ ቁጽሪ ውጉኣት ሓርነት ኣብ ከሰላ ኣዝዩ ክበዝሕ ይኽእል`ዩ ኢልና ንግምት። ስለምንታይ ንቕድሚት ዝጥውሮም ዝስእኑ ኣረጋውያን ሓርበኛታትናን ስንኩላትናን ክህልዉ እዮም ኢልና ስለእንኣምን። ``ውሕጅ ከይመጸ፡ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ `` ስለዝኾነ።
ናይ ቀዳማይ ዕማምን መጀመርታ ገጽ ናይ`ዚ ዕማም`ዚ ግና $40,000.00 ካብ ግበረ ሰናያት ኣሕዋትን ኣሓትን ምርካብ`ዩ። ናይ`ዚ ወፈያ`ዚ ወፍሪ ብሓልዮት ራድዮ ድምጺ ኤርትራ-ናዝ የማነን መስከረም.ነት፡ ስኒትና.ካምን ብቐጥታ ናብ ባንክ ውግኣት ሓርነት ብምልኣኽን ይሰላሰል ኣሎ። ካልኦት ናይ ኮምፒተር መርበባት`ውን ሓበሬታ ናብ ኩሉ ክባጻሕን ክዝርጋሕን ምሉእ ምትሕባባር የበርክታ ኣለዋ። ንኹሉም ደገፍቲ ናይ`ዚ ግብረሰናያዊ ተበግሶ`ዚ ንኽዕወት ዘወፍይዎ ዘለዉ ሰናይ ሃገራውን ሞራላውን ተግባር፡ ብስም ውጉኣት ሓርነት መደበር-ከሰላ፡ ሞጎስናን ሓበናን ንገልጸሎም።
ክሳብ ሕጂ ዝተዋጸአ (ዝኣተወን መብጻዓን) $8650.00 + 600.00 ብሪትሽ ፓውንድ
ኣብ ራብዓይ ሰሙን ናይ 2016 ዘወፈዩ፡
| 1 | ጎይተኦም ኢማም እንድያና/ኣሜሪካ | $100.00 |
| 2 | ብርሃን ገደም ሚኖሶታ/ኣሜሪካ | $1000.00 |
| 3 | ኣሊ ካንዳ | $50.00 |
| 4 | ኣሮን ምሕጽንታ ካናዳ | $1000.00 - ካናዳ |
| 5 |
|
|
| 6 |
|
|
|
ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ናይ 2016 ዘወፈዩ- |
||
| 1 | ነብያትን ኣርእያ ካናዳ | $200.00 |
| 2 | ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተገደልቲ ዝነበሩ (ዓዲ እንግሊዝ) ድምር | 500.00 ፓውንድ |
| 3 | ግርማይ ካሕሳይ ጀርመን | $200.00 |
| 4 | ዶክተር ኣርኣያ ደበሳይ ኣሜሪካ | $100.00 |
| 5 | ተወልደ ስእለ ኣሜሪካ | $100.00 |
| 6 | በቭርሊ ሮክሃርት | $200.00 |
|
ኣብ ካልኣይ ሰሙን ናይ 2016
|
||
| 1 | ሳይሞን ዘካርያስ ካናዳ | $100.00 |
| 2 | ሰለሙን መዓሾ ካናዳ | $500.00 |
| 3 | ጸጋይ ነጋሽ ኣሜሪካ | $300.00 |
| 4 | ሃብተሚካኤል ጊላማርያም ኣሜሪካ | $200.00 |
| 5 | ጸሃየ ኣርኣያ መሓሪ ኣሜሪካ | $500.00 |
|
ቀዳማይ ሰሙን ናይ 2016 |
||
| 1 | ናዝ የማነ ካናዳ | $500.00 |
| 2 | ሕድራይ ፍሳሃ ኣሜሪካ | $1000.00 |
| 3 | ተኽለ ሃብተ ኣሜሪካ | $500.00 |
| 4 |
ኪኪ ጸጋይ ኣሜሪካ ብስም ስውእ በዓል ቤታ ብርሃነ ተስፋማርያምን ደቃን |
$500.00 |
| 5 | ኣለም ጎይተኦም ኣሜሪካ | $1000.00 |
| 6 | ሓይላኣብ ጸጋይ ኣሜሪካ | $500.00 |
| 7 | ሰኒትና.ካም ዮውሃንስ ዓዲ እንግሊዝ | 100.00 ፓውንድ |
| 8 | ስሙ ክጥቀስ ዘየደለየ ኣሜሪካ | $100.00 |
ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ንሰማዒኡ ዘደንጸወ ፖለቲካዊ ትንታነታት ብገለ ዉልቀሰባት ይኹኑ ጉጅለ ክንዛሕ ቅንያት። ካብቲ ዝተባህለ ገለ ንምጥቃስ ዝኣክል “ሰዉራ ኤርትራ ፍትሓዊ ኣይነበረን፣ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክጅመር ከሎ ብጌጋ ስነሓሳብ እዩ ተበጊሱ፣ ስዉኣት ክዝከሩ የብሎምን፣ መዓልቲ ናጽነት ከም መዓልቲ ሓዘን ኢና ከነኽብራ ዘለና፣ ወዘተ” ገለ ካብቲ ንትንታነታቶም መበገሲ ዝተጠቕለን ሓረጋት እየን። እዚ ኩሉ ትንታነታት ሓፈሻዊ ብስም ደለይቲ ፍትሒ ስለዝዝርጋሕ፣ ንደምበ ደለይቲ ፍትሒ ኣድቂቑ ንዘይከታተል ህዝብና ንግዚኡ ከዳናግር ይኽእል ይኸዉን። እንተኾነ ንኹሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ከም ዘነደረ ኢና ርኢና።
እታ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ካብ ምዕራባዊያን ናጽነታ ተነፊግዋ ከይኣክል፤ ብዓለማዊ ሽርሒ ኣንጻር ድሌት ህዝባ ኣብ ዳግማይ ኣፍሪቃዊ መግዛእቲ ዝተቘረነት ኤርትራ፣ ህዝባ ካብ መግዛእቲ ንክገላገል ዝገበሮ ቃልሲ ፍትሓዊነቱ ኣብ ሕቶን ርእይቶን ዝኣቱ ጉዳይ ኣይኮነን።
ሓደ ዉላዶም “ኪድ ምስ ጀጋኑ የሕዋትካ ተጋደል” ኢሎም ንሜዳ ኣሰንዮም ብዘይ ጠዋሪ ዝተረፉ ወለዲ፤ ድራር ተጋዳላይ ከተብስል የእዳዋ ዝሓረረት፣ የዒንታ ብትኪ ጸረር እንዳበለ ቅናታ ሸጥ ዘበለት ኣደ፣ ከምኡ እውን ብዕሩቕ ዝባኑን ጥሙይ ከብዱን ደኺመ ከይበለ ዕጥቅን ስንቅን ተሰኪሙ ደድሕሪ ተጋደልቲ ከበሳን ቆላን ዝጎየየ፣ ካብ ጸላኢ ሓበረታ ኣኪቡ ንሰወርኡ ዘስነቐ፣ ኣብ ዉሻጥኡን ቁሸቱን ተጋደልቲ ሓቢኡ ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘእተወ ህዝቢ፣ ርሃጹ ዘንጠበ፣ ደሙ ዝኽዓወ፣ ህይወቱ ዝኸፈለ ተጋዳላይ፣ ብዘይ ኣቦን ኣደን ዝዓበዩ ደቂ ስዉኣት … ወዘተ፡ እቲ ዝርዝር ነዊሕ እዩ። ኣዚ ኩሉ ከቢድ ዋጋ ዝተኽፍለ ንስለ ሃገራዊ ናጽነትን ነቲ ዝተጠልመ ሓርነትን እዩ ነይሩ። እዚ ታሪኽ እዚ ከምዘለዎ ከይተሸራረፈ ብወርቂ ቀለም ክስነድን፣ መጻኢ ወለዶ ድማ ርዝነት ናይቲ ዝተኽፍለ ዋጋ ክፈልጦን፣ ሓድነት ህዝብን ሃገረን ንከይቡሕጎግ፣ ሉኡላዊ መሬታውን ህዝባውን ሓድነት ኤርትራ ንክዕቀብ ከቢድ ሓላፍነት የሰክሞ።
ሓቂ እዩ፡ ኣብ ዉሽጢ ሰውራ ኤርትራ ዝነበሩ ዘይደሞክራስያዊያን ሓይልታት፥ እንተስ ስዉር ዉዳበታቶም ሓጊዝዎም፡ ኣንተስ ንቕሓት ናይ ተጋዳላይ መዝሚዞም፣ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘይነበረ ክፍኣታት ተቐኒቶም፣ ነቶም ንጹሃት ገስገስቲ ሓይልታት ጨፋሊቖም ኮረቻ ስልጣን ምስ ጨበጡ፣ ነዚ ንዋቱ፣ ጉልበቱን፣ ህይወቱን ዝኸፈለ ህዝቢ ኣብ ነጻ ኤርትራ ሓርነቱ መንዚዖም ከም መንድዓት ካብ ዝባኑ ምራድ ኣብዮም ይርከቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ እዚ ዘይብሃል ቁጠባውን ማሕበራውን ሃስያታት ወሪዱ፣ ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ኤርትራዊያን ከም ደቂ ዛግራ ዓድና ገዲፍና እግርና ናብ ዘምርሓና ፋሕ ጭንግራሕ ኢልና ንርከብ። ተጋዲልና ሃገርና ካብ መንጋጋ ገዛእቲ መንጢልና ክንስና ብሰንኪ እዞም ኣብ ሞንጎና ተጸፍዮም ዝሰወዱ ዘይዲሞክራስያውያን ሓይልታት ክሳድና ኣድኒንና ክብረት ኣልቦ ኮንና ንርከብ ኣሎና። ነዚ ከም ምኽንያት ወሲዶም ብዓብይኡ ነቲ መዳርግቲ ዘይርከቦ መኸተ ናይ ሕዝቢ ኤርትራ “ፍትሓዊ ኣይነበረን፣ ሽፍትነት እዩ ነይሩ… ወዘተ” ንኸብሉ ስነ ሞጎታዊ ድዩ? በየናይ መለክዒ’ዩ ፍትሓዉነት ቃልስና ኣብ ምልከት ሕቶ ዝኣቱ? ንምዃኑ ክሳብ ከምዚ ድፍረት ዘብጽሖም እንታይ ነይሩ?
ኣብ ክልቲአን ዉድባት ዝነበረ ተጋዳላይ ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ከም ዝወጸ ዘንጊዖም? ንታሪኽ ህዝብን ሃገርን ደዊንካ ኣበይ ክብጻሕ ይድለ ኣሎ? መጋረጃ ደለይቲ ፍትሒ ተጎልቢብካ ጸይቂ ምስራሕ ዕላምኡ እንታይ እዩ? ንህዝቢ ኣሰምቢድካ ካብ ደለይቲ ፍትሒ ዉድባትን ማሕበራትን ንምንጻል ዶኾን ይኸዉን? ንምዃኑ ነዞም ብሃልቱ ኣዕቊብዎም ዘሎ ጉጅለ ስለምንታይ ብጽጽ ዘይበለ?
እዞም ንሰውራ ኤርትራ ክትንከፍ ዘይግብኦ፣ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ መዳርግቲ ዘይርከቦ ጅግንነትን መኸተን ከጸልሙን፣ መልክዑ ዝድዉን ትንታነታት ክነዝሑ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ዘለዉ ዉልቀሰባት ይኹን ጉጅለ፣ ክትንከፍ ዘይግብኦ ተንኪፎም ነቲ ቀይሕ መስመር ከምዝሰገሩ ዝስሕትዎ ኣይመስለንን። እንተስ ብወዲ ወጻኢ ተሸሚቶም ጸቢብ ረብሓታቶም ንምዉሓስ ዝገብርዎ ምዕልባጥ፣ እንተስ ኣብ ዉሽጢ ደምበ ፍትሒ ተሸጉጦም፣ ተልእኮ ጉጅለ ኢሰይያስ ንምዕዋት ዝገብርዎ ፈተነ፣ ክበጽሕዎ ዝሃቀኑ ሽቶ ከይተበገሰ ተረኹምሹ፣ ኣብ ደምበ ፍትሒ ወጊኑ ዝቃልስ ዘሎ ኤርትራዊ፣ ዉድባዊ ጸግዑ ብዘየገድስ ከም ቆፉኡ ዝተተንከፈ ንህቢ ነዲሩ ከምዘሎ ዛጊት ፈሊጦሞ ኣለዉ።
ኣብዚ ሓርነታዊ ቃልስና፡ ንእሽተይ ሒቕታ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ጽልዉኡ ሃሳስ ምዃኑ ተረዲእዎም ኣሎ። የዒንትን ልብን ሓፋሽ ኣብ ጽልግልግ ከእትዉ ዝተበገሱ ኣካላት፣ ካብቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዘይደሞክራስያዊ ጉጅለ ተፈልዮም ከምዘይርኣዩ ክግንዘብዎ ይግባእ። ብተወሳኺ ኣጀንዳ ባዕዲ ተኾልኩልካ፣ ርኢቶ ሓፋሽ ተወዲኑ ኣብ ቃልሲ ንኸተቕንዖ ዝግበር ቃጻ፣ ሃገራዊ ክሕደት ምዃኑ ክግንዘቡ ይግባእ። በዚ ኮይኑ በቲ እዞም ብሃልቱ፣ ሃገር ሕግታታ ምስ ተኸለት፣ ካብ ትሓታትነት ከም ዘየምልጡ ርዱእ ኮይኑ፣ ግን ከኣ ወነንቲ ናይዚ ርእይቶ እዚ ከም ዘይኮኑ ሓፋሽ ኣጸቢቑ ተገንዚቡዎ ኣሎ። ነቶም ብሃልቱ እስከ ጽሓይ ይብረቕ . . . ሓርነት ይዛሪ . . . . ንብሎም! ነቶም ኣብ ጉብጥሽ ዘለዉ ወነንቲ ናይዚ ርእይቶ እዚ ድማ . . . ኣናፍራ ቆቃሕ ዘይፈልጥሲ ኣይሃዳናይን. . . ንብሎም።
ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ፡ ዘይሃገራዊ ወስታታት ክነስተውዕሎ ዝግበኣና ጉዳይ እዩ። እዚ ወስታታት’ዚ ሓደጋኡ ከቢድ ስለ ዝኾነ፥ ኣበይ እዩ ክበጽሕ ኢልና እውን ክንመራመረሉ ዝግባእ ተርእዮ እዩ። ምኽንያቱ ሳዕቤኑ ቀሊል ስለ ዘይኮነ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ምልጋስ ዝከኣል ብናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ዲዩ ወይ ብጸርፍን ምክፋእን? ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ዘይንቡር ኣተሃላልዋ ስለ ዘሎናን ንሓርነታዊ ቃልሲ ካብ’ቲ ብረታዊ ቃልሲ ፈሊና ክንርእዮ ብዘይምኽኣልና ዘስዕቦ ጸገም ከም ዘሎ ርዱእ ይመስል ኣሎ። ምኽንያቱ ኩልና ኤርትራውያን ተቓወምቲ ንኹን ደገፍቲ እቲ ስርዓት፥ ሒዝናዮ ዘሎና ባህሊ፥ ምጽራፍ፡ ምቁንጻብን ምጽላምን እዩ። ጸርፍን ጸለመን ሃናጺ ናይ ለውጢ መሳርሒ ስለ ዘይኮነ ከኣ ኢና ሓቢርናን ተሰማሚዕናን ነቲ ምልኪ ንምስዓር ግዜ ዝወስደልና ዘሎ።
ኣንጻር ምልካዊ ስርዓትሲ ይትረፍ፥ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ነንሓድሕዱ ዝፍጽሞ ዘሎ ጸለመን ምርሕሓቕን፥ ምስ ምብኳር ሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባ ተደማሚሩ፡ ነቲ ስርዓት ክንገጥሞ ኣይከኣልናን። ንገዛእ ርእስና ደንበ ፍትሒ ኢልና ኣጠሚቕና፡ ንመሰል ውልቀ ሰብ ብዘቆናጽብ ኣገባብ ንጎዓዝ ምህላውናኸ ሃሳይነቱዶ ንርደኦ ንኸውን? ጸርፍን ጸለመን ዝምጽኦ ፋይዳ የብሉን። እንታይ እዩ ደኣ ክኸውን ዝግበኦ? ዝብል ሕቶ ክምለስ ኣለዎ። ብናይ ለውጢ ስነ-ሓሳብ ብዝተሰነየ ኩሉ ዓቕምታትና ኣንጻር ምልክን መላኽን ክነቕንዕ ይግበኣና። እዚ ከኣ ንነፍስና ምስቲ ሓዲሽ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ዝካየድ መድረኽ ክንስጉም የድሊ። ካብኡ ሓሊፉ ንጹር ዕላማ ዘይብሉ ምንቅስቓስ፡ ትርጉም ስለ ዘየብሉ፡ ኣብ ምጽላምን ምርሕሓቕን ዝዋፈር ሓይሊ እዩ ዝኸውን። ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ’ዩ ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ሃገራዊ ክውንነት ዝሕሉን ዘማልእን ስራሓት ዝሰርሕ፥ ኣብ ዝበታትንን ሃገራዊ ኣንፈትና ዘስሕትን የድህብ ኣሎ።
ከምዚ ዝዓይነቱ ባህሊ ዝስዕብ መንእሰይ ንጹር ፖለቲካዊ ዕላማ የብሉን። እዚ ናይ ምድንጋርን ምጥምዛዝ ታሪኽን ኣገባብ ናብቲ ዝደለዮ ሸቶ ዘብጽሖ ስለ ዝመስሎ፥ ንካልኦት ከም ጸገንቲ፥ ደለይቲ ስልጣን እናበለ ዘይስሞም ይህብ። እንተኾነ ከምዚ ዝዓይነቱ ምንቅስቓስ ምስሊ ሃገርን ታሪኽን ዘበላሹ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘምጽኦ ለውጢ የለን። መጻኢ ሳዕቤኑ ኸኣ ካብዚ ዘሎናዮ ናይ ምልኪ መዋእል ዝኸፍአ እዩ ክኸውን።
እተን በብግዜኡ ዝጫጭሓ ፖለቲካዊ ውድባትን፥ ምንቅስቓሳትን ካብ ነፍሲ ወከፈን ዝደል ግደን ኣበርክቶን ኣሎ። እቲ ዘይተደላይ ብዝሐን ድማ ዝምድና ፍልልያትን ሓድነትን ካብ ዘይምግንዛብ ዝመጽእ እዩ። እዚ ከምቲ “ምሳር ኣብ ዘይለዓቱ” ዝበሃል ኣገባብ ሒዝና ንጎዓዝ ምህላውና ዘመልክት’ዩ። ህዝቢ ግቡእ ንቕሓት ወኒኑ ቅኑዕ መንገዲ ንከይሕዝ’ሞ ጉዳዩ ከይርኢ ከኣ ዕንቅፋት ንኾኖ ኣለና። ካብ ፈላላይ ኣካይዳ ወጺእና፡ ሰላምን ምርግጋእን ዝፈጥር ብናይ ምርሕሓቕ መንፈስ ብዘይተበከለ፡ ሓባራዊ ሃገራዊ ራኢ ተገዚእና ከም ሓደ ሰብ ኰይንና ድምጽና ክነስምዕ ይግበኣና።
ብዘይካዚ ንኹሉቲ ካብ ሃገራዊ ኣንፈትና ዘስሕት ብፍላይ ብሕሳብ ብሄር፡ ኣውራጃ ወይ እውን ብሃይማኖት ተደሪኽና እንኸዶ ጉዕዞ ቃልሲ፡ ሰላም ከንግስ ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ ንመላእ ሃገር ዝሓስብ ስነ-ልቦናን ርዲእትን ስለ ዘዳኽም ነቲ “ሃገርና ብኹልና ንኹልና ብማዕረ” ዝብል፡ መንፈስ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ስለ ዝዳኸም ንሽግራትና ብሓባር እምበር ብተናጸል ከምዘይፍታሕ ንምርዳእ ዘኽእል ዓቕሚ የስእነና። ስለዚ ንሃገርናን ህዝብናን ብቕንዕና ንሓስብ ካብ ኮና፡ እቲ መስርሕ ብሓባር እምበር ነጻጺልካ ዝኽይድ ስለዘይኮነ፡ ካብ ሃገራውነትና ዘስሕት ኣንፈት ካብ ምሓዝ ክንጥንቀቕ የድሊ። ወዲ ሰብ ብመሰረቱ ንነፍሱ ዝጐእ ሓሳብ ከም ዘይቅበል፡ ንሃገሩን ህዝቡን እውን ብማዕርኡ ክግደስ ይግበኦ። ናይ ብዝሕነትና መርኣያ ዝኾኑ ፍልልያትና ግና ክዕቀቡ ናይ ግድን እዩ።
ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያ ከሰላ ዕውትን ምዕሩግን በዓል ኣካይዱ
Monday, 28 March 2016 15:43 Written by ወኪል ዜና ሰዲህኤ ካብ ሱዳንሎሚ ዕለት 10.03.2016 ሰለስቲኡ ኣብያተ ትምሀርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ብሓባር ተጠርኒፉ ብድሙቕ በዓል ዛዚመን። ኣብዚ ዓመት መጸት እናደመቐ ዝውዕል ዕለት ዕድመ ዝተገብረሎም ናይ ክልቲኡ ቤተክርስትያን ካህናት (ካህናት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላን ካህናት ቁዱስ ሚካኤልን) ናይ መንግስቲ ሱዳን ዳይረክተ ናይ ዘይመንግስታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ዞባ ሱዳን ሓው ደክተር ዓድል መሓመድዜን ከምኡውን ዳይርክተ መባእታ ቤት ትምህርቲ ሳላሓዲን ኣል-ኢዮቢ ሓው ኣስርን ወከልቲ ማሕበረኮማት ኤረትራን ኢትዮጵያዊያን ህንዲ ወለዲ ተማሃሮን ተሳቲፎም።

ምዝዛም ናይ 2015-2016 ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ከምቲ ልሙድ ምዕጻው ቤት ትምህርቲ ሎሚ ዘመን እውን ብዘደንቕ ኣገባብ (ፍረ ጻማና ዕቤት ውጼኢት ስራሕና ዕቤት ፈልጠትና ) ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ኣብታ ፍልጠት እተቅስም (እተምህር) ውቅብትን ብዝተፈለዩ ጭርሖታት ዝተሸልመት ዳስና ልክዕ ሰዓት 2፡30 ድሕሪ ቀትሪ ብመምህር ወልደሂወት ቀለታ ብጨብጨ እልልታን ተኸፊቱ።
ዘመስጥ መዛሙር ግጥሚታትን ብህጻናት ተማሃሮ መባእታ ቤት ትምህርቲ ተቀረበ። ዝያዳ ሰሓቢ ብምንባሩ ወለድን ኣጋይሽን ናይ ሓጎስ ዳስታን ስምዒታትን ኣብ ገጻት ህዝቢ ይረኣን ይንበብን ነበረ ።ብምቅጻል ድራማታትን ፡ ተዋስኦታትን ፡ ግጥሚታትን ብማእከላይን ላዕለዋይን ተማሃሮን ምስ ግዜ ዝኸይድ ትምህርቲ ሓዘል ብቛንቛታት ትግርኛን ፡ እንግሊዝን ፡ ዓረብን ምኽርን ፍልጠትን ናይ ዝመጽእ ዕላማ ዝሕብሩን ብምንባሮም ዝያዳ ነቲ ህዝቢ ዓቢ ናይ ትምህርቲ ድሌት ዘስሕቡ ሃዋህውን ባይታን ዝፈጥሩ ነበሩ ።

እቲ ዝያዳ ብሩህን ተፈታውን ዝነበረ እሞ ዓቢ ድምቐት ዘሐደረ ብዝነኣድ ኣገባብ ናይ ሃገር ባህልን ልምድን ስሚዒታት ዘበራብሩን ዘዘኻኽፋን ብትግሪኛን፡ ትግረን፡ ብለንን፡ ኣምሓሪና ዝቀረበ ደርፍታት ምስቲ ባህላዊ ኣልባሳቶም ብምርኣይ ነቲ ኣብ ኣብ ዳስ ዝነበረ ህዝቢ ብርቱዕ ሃገራዊ ባህላዊ ናፍቆት ስለ ዘዘኻኽሮም ብሓያል ጨብጨባን እልልታን ካብ ልቦም ዝነቀለ ስሚዒታቶምን ይገልጹ ነበሩ። ኣብ መንጎ ናይቲ ብጉጅለ ባህሊ ተመሃሮ ዝቐርብ ዝነበረ መደባት ከኣ ቃል መማህራን ብመምህር ወልደየሱስ ሃብተ ቃል ሓላፊ ኣብያተ ትምህርቲ ኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ቃል ዳይርክተር ዘይመንግስታውያን ኣብያተ ትምህርቲ ዞባ ሱዳን ሓው ዶክተር ዓድል መሓመድዜን ተዋሂቡ። ዝተፈላለየ ሽልማታት ከኣ ተዓዲሉ።

ንመማህራን ወኪሉ መምህር ወልደየሱስ ሃብተ ንተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ድምቕ ሰላምታ ብቕዳም ሎሚ’ውን ከም ቀደምና ‘’ግዜ ባዕሉ ዝመጽእ’’ ወናኒ ዘይብሉ ብምዃን እንሆ ዕለት ምዕጻው ካቶሊካዊት ቤ\ክ\ከሰላ ዳሳ ብዓጀብ ሽልማ ተኽላ ፍረ ዓመት ናይ ተምሃሮ ኣብ ውጺኢት ስራሖም ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ተመርኩስና ኣብ ኣድራሽ ኮፍ ኢልና ብሓገዝ ትኹራት መማህራን ተማሃሮን ዝተጻለወ ተዋስኦታትን ግጥሚታትን ድራማን ንሓንጎል ዘመስጡ ብሂላትን ብምርኣይን ብምስማዕን ነቲ ወርቅዊ ግዜኹም ተሕልፋን ትዘናግዑን ኣሎኹም።
ክቡራት ወለድን ኣጋይሽን ትዕዘብዎ ዘለኹም ተርእዮታት ደቕና ኣብ ስደት ብምህላዎም መጠን ቛንቛ ስደት´ውን ብመጠኑ ስለ ዝወረሱ ኣብ መልሓሶም ጌጋ ኣድማምጻ ትግሪኛ ········ ክህልዎም ስለ ዝኽእል ግር ኣይበልኩም።
ናብ ቁም ነገር ክምለስ ኣድላይቲ ነጥብታት ኵውከስ፣ተማሃራይ መን ኢዩ ? መምህርከ ብከመይ ይሕግዞ? ተራ ወለዲኸ እንታይ ኢዩ?. ከባቢኻ ከመይ ዝኣመሰለ ኢዩ?. ተማሃራይ ንክመሃርከ እንታይ የድልዮ?
- ብሓጽሩ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሰ ንምምላሽ ፣ ተማሃራይ ፣ ወለድን ፣ መምህርን ኣብ ምኽትታል ስራሕ ትምህርቲ ሓደ ምስ ዝኸኑ ኢዮም። እዚ እሞር እዚ ብጣዕሚ ብዕምቆት ምርዳእ ዘድልዮ ኢዩ።
- ትምህርቲ ብግቡእ ንክኸይድ ቅሳነት ስድራ ቤት የድሊ። ወለዲ ምስ ከባቢ ምስ ዝርበሹ እቲ ትምሕርቲ´ውን ብኣኡ ይጽሎ እሞ ውጺኢት ደቆም ብልዕሊ ዝበለ ደረጃ ነጥቢ ክጽበዩ ኣይክእሉን ኢዮም።
- እዚ ኵነታት´ዚ ብፍላይ ኣብዚ ሰዓት እዚኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓንጎል ስደተኛ ዝረአን ዘሎን ብምዃኑ እቲ ቀንዲ ኣንጻር (ፀረ ) ጉዕዞ ትምህርትና ኰይኑ ኣሎ።
- ግድን ኢዩ ብግቡእ ተማህርካ ማዕብልካ ጽቡቕ ስራሕ ንክትረክብ ነዊሕ ግዜ ይውስድ፣ ግን ናይ ሎሚ መንእሰይ ሓጺር መንገዲ ወሲድካ ሕይወትካ ምምራሕ ዝብል ጭርሖ ኢዩ፣ እዚ ፍጹም ጸረ ምዕባሌ ትምህርቲ ኢዩ። ስለዚ ካብ ኣፍረይቲ ዘያፍረይቲ ሰባት ንኸውን ። ናይ ሎሚ ተክኖሎጂ ምዕቡል ሓንጎል ይሓተና ኣሎ ፣ ስለዚ ተካእቲ ናይ ጽባሕ ወልዶ ንኽከውን ምስ እንመሃር ጥራሕ ኢዩ።
- ኩሉ ሰብ ባህሪየቱን ጥባየቱን ኣተዓባቢይኡን ሓደ ኣይኮነን ። ባህራየትን ጠባያት ናይ ተማሃሮና ድማ ኣብዚ ዝተመርኮሰ ይኸውን ። መማህራን እኩብ ድምር ናይዚ ጠባያት ኣማእኪሎም ይጐዓዙ ።
- መንፈስ መምህር ኣብ ቦታኡ ከሎ ፣ መንፈስ ተማሃራይ ሸገርገር ዝብል ይመስል፣ ንቅድሚት ንሳልሳይ ሃገር ንስደት ስለዘዘንብልኣብ መንጎ ወልድን መማህራንን ፍሕሽው ዝበለ ዝምድና ይመሰል።
- ብኣውንተ ክንገልጽ ከሎና ካቶሊካዊት ቤ\ክ\ ኣብየተ ትምህርቲ ከሰላ ኣብ ድሮ ናይ ወርቓዊ ኢዩቤል ዝኸይድ ዘሎ ብዙሓት ዜጋታት ኣምህሩ ናብ ክብ ዝበለ ናብራ ዓለም እናሰርሑ ጽቡቕ ህይወት የሕልፋ ከምዘሎው´ውን ኣመስኪራ ኢያ ። ብራቮ ( ኣቅሳሚት ፍልጠት ዝኾንኪ ቤት ትምህርቲ ካቶሊካዊ ቤተ ክርስትያን ከሰላ ።
- ናይ ሎሞ ዘመን 2015-2016 ሰንጠረዥ ተማሃሮና እዚ ዝስዕብ ኢዩ
| መባእታ | ማእከላይ | ላዕላዋይ | ድምር | |
| ፈለማ ዓመት ዝተመዝገቡ | 203 | 230 | 194 | 627 |
| ምሉእ ዓመት ዝቀጸሉ | 178 | 163 | 165 | 508 |
| ዝሓለፉ | 154 | 125 | 155 | 434 |
| ዝተረፉ | 24 | 38 | 10 | 72 |
| ብዝሒ ዝሓደጉ ( dropout ) | 25 | 67 | 29 | 121 |
- ኣብ መወዳታ ክብሎ ዝደሊ
- ናይ 12 መርመራ ተዳሊኹም ዓመት ይምነየልኩም
- ነዚ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ንምዕጻው ቤ\ት ሰብ ምርኢት መማህራን ተማሃሮን የመጉስ
- ሽማገለ ወለዲ ተሳትፎኹም ብዅሉ ሸነኻቱ የመጉስ
- ሓው ዝኾነ መንግስቲ ህዝብን ሱዳን የመጉስ
- ማሕበር ካቡቺኒ ኣበርክቶን ቆላሕታ ንህዝቢ ምሃቡ የመጉስ ብምባል ቃሉ ዛዚሙ፥
ቀጺሉ ዝያዳ ተጠቅምቲ ንሕና ተማሃሮ ናይ ሎሚ ዕንባባ ናይ ጽባሕ ፍረ ብምዃና መጠን ፍልጠት ዘቅሰሙና ክቡራት መማህራንና እናነኣድና በላሕትን ብሉጻትን ተማሃሮ ክንከውን ኣሎና ብምባል ብተማሃሪትሄለን ግርማይ ቃል ተማሃሮ ቀረበ። ኣብ መፋሪቅ ናይቲ ፕርግራም ሰዓት 3፡30 ሓላፊ ናይ ዘይ ምንግስታውያን ኣብያት ትምህርቲ ዞባ ከሰላ ዶክቶር ዓድል መሓመድዜን ምስ ጉጅለኡ ኣብ በዓል ብምምጻእ ምውቅ ኣቀባብላ ብህዝቢ ተገብረሉ። ናይ እንቛዕ ዳሓን መጻእኩም ምባልን ዝበርክትዎ ዘሎው ሓገዝን ዝገልጽ መልእኽቲ ብመምህር ዓብዱ ኣማን
ብቛንቛ ዓረብ ቀረበ። ሽማግለ ወልዲ ተመሃሮ ንክቡር ዶክቶር ዓድልን ንሓላፊ ኣብየት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤ\ክኣባ ገብራይ ቢኢደማርያም ህያብ ኣውፊዩ። አዚ ከዓ ናይ ሓድነትን ናይ ምሕዝነት ዝገልጽ ነበረ ። ቀጽሎም ናይ 12 ክፍሊ መበል 16 ዙርያ ምስክር ዲፕሎማ ዓደሎም ፡ ድሕሪዚ ድክቶር ዓድል ስለቲ ዝተገብሮሎም ኣቓባብላ ሸልማተን ኣብ ዘስምዕዎ ቃላት ነዚ ግዚፍ ዕማም ሒዝኩም ንነዊሕ ዘመናት ተጓዓዝዎ ዘሎኩም ኣዚዩ ዝመስገን ኢዩ። ህጻን ክመሃር ኣሎዎ ፡ ናይ ዝኾነ ሃገር ሓላፍነት ከምዚኾነ ብምግላጽ ነቲ ዝረኣዩን ዝተዓዘቦን ኣመስጊኑ ንካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ብእትገብሮ ዘላ መደብ ትምህርቲ ንክትቅጽሎ ኣተባብዐ ። ንመማህራን ወለድን ህርኩት ስራሖም ነኣደ ፡ ኣብ ጐንኹም ኣሎኹ በርቱዕ ብምባል ናብ ቦታኡ ተመልስ፡ ብናይ ህዝቢ ጨብጨባን እልልታን ድማ ብጽቡቕ መንፈስ ምስ ብጾቱ ተፋነወ።

ሓላፊ ኣብያተ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከሰላ ብወገኖም ንኹሎም ተሳተፍቲ ናይቲ በዓል ልኡል ሰላምታ ብምቕዳም፡ ልዕል አግዚኣብሔር ብጸጋ መሕረቱ ነዚ ዓመት ምህርቲ ኣጀሚሩ ንመዝዛሚ ብስላም ዘብቃዓና ምስጋና ይብጻሓዮ። እዚ ዓመት መጽ ብሓባር ተኣኪብና ክንውዕል ዝመደብናዮ ናይ ደቅና ፍረ ጻም ንምቅባል ንመምሃራን ንምተበባዕ ኣብ ጉእዞ ዓመት ትምህርቲ ዝናበረ ባህሪኣያት ንጥፈታት ተማሃሮ ንምፍላጥ ኢዩ።
ጉዕዞ ትምህርቲ ኣብ ስደትና ከቢድ ኮይኑ አዃ እንተ ተሰመዓና ንኩሉ ነቲ ዘጓንፍ ጸገማት በዲህና ነቲ ናብ ፍልጠት ጎደና ዝምራሓና ብቅዳመነት ሰሪዕና ኣብ ዓወት ምብጻሕ ኢዩ። እዚ ኸዓ ሕብረትን ጻዕርን ናይ ኩሉና ይሓትት። ኸምዚ ስለ ዝኾነ ኢዩ ኸዓ ኣሕዋት ካፑቺኒ ኽሳብ ለይቲ ሎሚ ነቲ ዝተለምዎ ዕላማ ምስ ቡዙሓት ግዱሳትን ዉፊያት ሰባተን ወለድን ብዘይ ሕለል ጻዕሪ ቡዙሓት ዜጋታት ኣብ ምፍራይ ትርከብ ከምዘላ ታሪኽ ዝመስክሮ ኢዩ። እዚ ዝተጠቕስ ግዚፍ ታሪኽ ዘለዎ ስሩዕ መደባዊ ትምህርቲ ንክትመረሕን ንኽትመዉልን ቡዙሕ ኣድካምን ኣጽጋሚን እኳ እንተኮነ ብሓይሊ እግዚኣብሔር ደቕና ባህሎም ልምዶመን ከይሰርዑ ኣብ ናይ ፍልጠት ጎዶና ንመርካቦም ኣዚዩ ዘሕጉስ ኢዩ ።

ናባኹም ናብ ወለዲ ምልስ ኽብል፡ ከም መጠን እዋሓህዲ ኣብያት ተሙርቲ ካብ መመሃራን ገለ ካብ ወለዲ ዘዋህለልኩዎ ነጥቢ ክብርህ።ተማሃራይ ንመንታይ ናብ ቤት ትምህርቲ ይመጽእ? መምህር ስለምንታይ ይቁጸር ?ወለዲ ክ መን ኢዩም? እዞም ዝተጠቅሱ ሓደ ካብ ሓደ ዘይፍለዩ ኢድን ጞንተን ኢዩም። ሓደ ዝዝንግዕ ኩሎም ይዝንጎኡ። እንታይ ኢዩም ክ እቶም በኣሉታ ዝጸልዉና እንተበልና፡ መልሱ ከምዚ ይኸውን ሓንጎል ተማሃራይ ኣብ ኽንዲ ትምህርቲ ዝሓስብ ናብ ኻልእ መንገዲ ትጠምዚዙ ይርከብ ንዓ ትቕለስ እንተበልካዩ ዘይቕለስ ። ንዓ ተማእዘዝ እንተበልካዩ ዘይምእዘዝ፡ ሕንጎል ወለዲ ዕለታዊ ዜና ናብ ሳለሳይ ስደት ዝብል ጥራሕ ኮይኑ ሰለዝርከብ። .ዝያዳ ኣብዚ ቅረባ እዋን ስድራቤታት ብብዝሒ ናብ ሳለሳይ ስደት ስለዝኸዱ ንተመሃሮ ወለዲ ስበድበደን ዘይምቕሳን ፈጢሩ ንቶም ንፉዓት በላሕትን ተማሃሮ ክዘንግዕ ስለ ዝርከብ። ስልዚ ወለዲ ኣወንታወን ኣሉታወን መሚኹም ኣብ ምተብባዕን ምክትታልን ኣይተዘንጎዑ።
ንሕና እሕዋት ካፒቺኒ ብስም ካቶሊካዊት ቤት ክርስቲያን እዚ እንበርክቶ ዘሎና ዓውደ ትምህርቲ ምስ ሓው መንግስቲ ሱዳን ክፍሊ ትምህርቲ ብምዉህሃድ ነዚ ኣድካመን ናይ ሕልና ስራሕ ክም ምኻኑ መጠን ሓላፍነቱ ዓቢ ሽኽም ክምዝኮነ ክሕብር እፈቱ።
ኣብዚ ኻዕ ንሓው መንግስቲ ሱዳን ስለ ኣትኩሉ ምትሕብባሩ ብልቢ ኣመስግን ።
ብሕጽር ዘበለ ኩነታት ቤት ትምህርትና ብከምዚ ክግለጽ እንክሎ ነቶም 12 ክፍሊ ዛዚሞን ንፈተና ንላዕልዋይ ደርጅ ትምህርቲ ንምቕጻል ኣብ ፈተና ዝቅራረቡ ዘሎው ዓወት አመነየልኩም አንቛዕ ኽዓ ኣብ ምዘዛም ኣብቃዓኩም።

ኹለኩም ሽማግለ ደብረ ቅዱስ ሚካኤል ነዚ በዓል ክዉን ንምግባር ብተግዳስነት ዝተዓጠቅኩም ክብረት ይሃብኩም።
መማህራን ምስ ደቅኩም ተማሃሮ ብዘቅረብኩሞ ባህላወን ትምህርቲ ሓዘልን ተዋስኦ ግጥሚን የመስግን ቀዳማይ ቃሎም ደምዲሞም።
ድሕሪኡ እቲ ፕሮግራም ክሳብ ሰዓት 6፡30 ቀጸለ ።ኣብ መወዳእታ ጠቅላላ ሓላፊ ናይ ካቶሊካዊት ቤ\ክ ኣብየት ትምህርቲ ሓላፊ ኣባ ገብራይ ካብ ኣዚለ ክሳብ 12 ክፍሊ ናይ 2015-2016 ጸብለል ኢሎም ዝተረኽቡ ተማሃሮ ብልጫታት ዓደለ ።ቀጺሎም ድማ ቃል ደምዳሚ ግዜ ሓያል ምዃኑ መምህርን ፡ ተማሃራይን ፡ ወለድን ብምትሕብባር ሓያላት ተማሃሮ ክሃንጹ ከም ዝክእሉን ኩላትና ንሓደ ዕላማ ከም ሓንቲ ስደራ ኰይና ደቅና ናብ ፍልጠት መኣዲ ንክነሳተፍ ብርቱዕ ጻዕሪ ከም ክምዝሓተናብንጹር ኣብሪሆም።
ኣብ መወዳእታ ንሓው መንግስቲ ሱዳንን ህዝቡን ፣ ኣመጒሱ። ንበዓል ብኹሉ ሸነኻቱ ኣዳለውቲ ኣመጒሱ ። ሰናይ ዕርፍቲ ይግበርልኩም ብምባል ናይቲ በዓል ፍጻመ ኮነ።
ኢስያስ ኣፈወርቂ ኣብ 2000 ዓ.ም ምስ ሓቂ ፊት ንፊት ተፋጢጡ። ነቲ ባዕሉ ሃንዲሱ ባዕሉን ብምእዙታተይ ዝብሎም መራሕቲ ውግእ ተጠጂኡ: ጸሓይን ኮዋኽብትን ኣብነት ገይሩ ዝጠቐሶ ቀዛፊ ኲናት ተራጺሙ። ድሕሪ ምቛም ሃገረ ኤርትራ ንመጀመርያ ዝመርሖ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ። ንመሪሒነቱ ዕርቃኑ ዘውጽአ ንመንነት ስስዐ ስልጣኑ ዘቃልዐ: ግን ከኣ ብሉጻት መንእሰያት ኤርትራ ዳግም ዝቐዘፈ: ኣብ መስርሕ ኲናት ንሃገራዊ ነጻነት ጅግንነቶም ዘመስከሩ ዓበይትን ዘቕሃመ ኲናት 1998-2000። ርኹስን ሕሱርን ሓሳብ መሪሒነት ህግደፍ ማለት ኢስያስ ኣፈወርቂ ዘሳዎሮ: ሃገርን ህዝብን ሂወት ዘለዎ ፍጡርን ዘብረሰ: ልዕሊ ኹሉ ድማ ብናይ ሰላሳ ዓመት ቅዲ ኲናት ንሓርነት: ፍሽለት ኢስያስ ኣፈወርቂ ንሰላምን እፎይታን ህዝቢ ዝኾለፈ ኮይኑ። ህንደሳ ኲናት 1998-2000 ንምስዓር ኣተሓሳስባ ፍትሕን ደሞክራስን ዝተማህዘት ብምንባራ ዕላማ ርኹስ መደባ ኣስፊናያ።
ሕቡእ ኣጀንዳን ምስሉይ ባህሪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝኸሽሐ ንምብታን ህዝቢ ገፊሕ ባብ ዘርሓወ ኲናት። ኢሳይስ ድሕሪ ስዕረቱ ብዂናት ምስ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ነቲ ሰራም ኲናቱ ኣብ ህዝቢ ኤርትራዩ ቀጺልዎ። ሓቂ ኣብ ቅድሚኡ ሕቶታት ኣቕሪባ። እዚ ኲናት ንምንታይ ዕላማ ተበጊሱ᎒ ንውጽኢቱኸ ብኸመይ ኢኻ ትግምግሞ᎒ እታ መንበር ምልካውነቱ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ዝተዋደደት ስለዝነበረት: ኣብ መልሲ ክንዲ ዝኣቱ ናይ ሹዱሽተ ወርሒ ውድባ ጥፍእት ብምጉስጓስ ንመገዲ ፍትሕን ሓርነትን ዝሎኮተ ሞዶሻ ምልኪ ኣብ ኢዱ ከም ዝጭብጥ ገይሩ። ኣብቲ ኲናት ምእዙዛተይ ዝብሎም ከም ዘዋፈረ ጠቒሰ ጸኒሐ: ነዚ ናይ ምዕፋን ደለይቲ ፍትሕን ቁዋምን ከኣ ካልኣት መናፍስቲ ሓይልታት ርኽሰት ኣዋፊሩ። ብዙሓት መዛግብቲ ታሪኽና ዝሓዞም ኣለው። ሓደ ካብኦም ኣብዚ ናይ ሎሚ ድርሰተይ ክጠቕሶ ዝደሊ ግን ኣሎ። ጠበንጃ ዘይዓጠቐ እታ ደርቕ ጥይት ዘይትኮሰ: ብርዒ ዘንበቡ ዝጸመደ! ንምምሳል ክሳዱ ዘድንን: ልሳኑ ብመርዚ ኣሉን ነውርን ዝለጎመ: የማን ገብረኣብ። ናይ ኢሳያስ ኣብ ቃልዕ ዝወጸት ምልካውነት ኣብ ምዕቃብ ንኽዋፈር ብጸጋም ወንበር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኮፍ ክብል ዝተሓርየ መልኣከሞትዩ። ተልእኾኡ ኣብ ምዝራግ ጥዑይ ሓድነት ደለይቲ ቁዋማዊ ምሕደራ 2000 ዓ.ም ዳህላሊ ትሕትና ተጠቒሙዩ ስርሑ ጀሚሩ። ናብ ጎደና ጥፍእት ዝጽግዑ ጠላዕ ብምጽዋት ንገለ ኣስዲዑ: ንዑጡቓት ዝጸደቐ ቁዋም ብምንጻል፣ ኣይደንጎየን ኢስያስ ኣፈወርቂ ንምቓባሮም ወሲኑ። የዋሃት ደቀ-መዛምርቲ ህግደፍ: ”እዞም ዓበይቲ ደኣ ስለምንታዮም ተኣሲሮም” ኢሎም ኣብ ዝሓትሉ: ልሳን የማነ ገብረኣብ ለዋህን ውርዝይትን ክትመስል ” ናይ ብጾት ግርጭትዩ ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኩሉን ከኣ ንዓና ይብጹሑናን ንሕና ከኣ ኢና ንሓልየሎም” ብምባል ክታብ ምልካውነት ኣዚሩሎም። እቶም የዋሃት ተዓዚሞም። ክታብ ምልካውነት ከኣ ኣብ ምዕባስ ግሩህ ሕቶታት ተወጢሓ በትረ ስልጣን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዂናት ኣብ ህዝቢ ብምቕጻል በታኒ ናይ ጥፍኣት ጉዕዘኣ መሪሻ። የማነን መሰልቱን ነዛ ናይ ጥፍኣት ካፕተን ዝመርሓ መርከብ ደምን ዓጽምን ንጹሃት ዝሸመመት: ኣብ ፈስቲቫላትን ኣኼባታትን ንመርዚ ሓሶት ኣሰንዩ ብደም ንጹሃትዩ ዝዂሕላ። ንጽዩፍ ገበን የማነ ብዝያዳ ዝዂልዕ ከኣ ነዞም ኣብ ደምክርያስያውያን ሃገራት ኤውሮጳን ስሜን ኣመሪካን ተወሎዶም ዘዓበዩ ኤርትራዊ መብቆል ዘለዎም ብሳላ ስንኩልን ዘንባዕን ኣብ ገለ ኸኣ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ በለጽን ወለዶም ተጸጊዑ: ዝዘርኦን ዝኹስኩሶን ዘሎ ምስፋን ተንኮል ምእሳር ኣእምሮዩ። ብኦም ኣቢሉ ናብ ኣመሓደርትን ኣገልገልትን እዘን ደሞክርያስያውያን ሃገራት እንዳሰልኾ ነዛ ፍንፍንቲ ቅንጣብ ኣሰር ማሕበራዊ ርትዒ ዘይብላ ዓራት: ትምህርትን ጥዕናን ማሕበራዊ ናብዮት ዘለዋያ ክብል: ንግሆ ኣብ ኦስሎ ቆሪሱ ፋዱስ ኣብ ስቶኮሆልም ተመሲሑ ምሸት ኣብ ብራስል ይድረር። ነዛ ስደተኛታት ንኸይኣትውዋ ኩሉ ኣገባብ ምዕጻው ኣፍደጊኣ ትሰርሕ ዘለ ኤውሮጳ ብምዛር ገንዘብ ሃቡና መንእሰያትና ክንሕዘልኩም ብምባል ክድዓቱ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ደቁን ዘምስከረ ዕሉል መሲህ ጥፍኣተ ምልኪዩ። የማነ ገብረኣብን መሻርኽቱን ካብ ኤርትራ መልሚሎም ከም ስደተኛታት ኣብ ኤሮጳን ካልኦት ክፍሊ ዓለማትን ዘእተዎምውን ኣለው። ገለ ካብኦም: ተቓዋወምቲ መሲሎም ኣብ ውሽጢ ተቓውሞ ደምበ ዝዝምብዩዮም። ኣብቲ ንጽቡቕ ስም ገድሊ ዘናሹን ክብልል ዝፍትን ፕሮፖጋንዳ ተጸፍዮም ዘላኽዑውን ኣለውዮም። ” ሓዳስ ኤርትራ” ኣምር ህግደፋውያን ንዝናን ተኣምራት ዝገበረ ጅግንነት ሙዑታት መንእሰያት ኣርባዓታትን ሓሙሳታት ቅድሚኦም እንክዝከር ኣብ ርእሳ ረመጽ ዝተኻዕዋ ኮይኑዩ ዝስምዓ። እታ ኣምር ንታሪኽ ጀጋኑን ባህሊ መስዋእቶምን ሓወልቲ ኣብ ክንዲ ምግባር: ናይ ፑሽኪ ሓወልቲ ክትተክልንያ መሪጻ። ኣብ ክንዲ ነቲ ጅግና ኤርትራዊ ምስ ሽድኡ ምቕራጽ ነታ ሽዳ ጥራያ ስኢላ። ሂወት ንኽህብ ሂወቱ ዘጥፈአ ኣብ ክንዲ ምዝካር። ኣብ ክንዲ ንኤርትራ ብምምሕዳር ክፍልታት ዝቐረጸ ኣውራጃታት ባርካ: ሰንሒት: ሳሕል: ሰምሃር. ደንከል: ኣከለጉዘይ: ሰራየን ሓምሴንን ዝብል ንህዝቡ ዘዂርዕ ኣስማት: ህዝቢ ዘይተሳተፎ ኣሃዛት ቁጽሪ ምሃብ ነታ ብዘይካይ ካልእ ክስመን ክዝከርን የብሉን እትብል ሕልሚ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምግሃድዩ። ንታሪኽን ባህሊ ህዝብን ዘየንጻርቕ ስርዓት ፎእ ኣብ ምባል ብበሊሕ ኣእምሮ ንስራሕ። ካብ መፈንጠራ ጽልኢ ገድሊ ንጠንቀቕ። እዚ ካብ ጽልኢ ምምሕዳር ምልክን ዓመጽን ተበጊሱ ነታ ንዛረበላን ንጉህየላን ዘለና ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ቃልሳን: ባህሊ ሓድነታን ምክብባር ህዝባን ብዝተፋላየ መፈንጠራታት ብዓንተረኛታት ህግደፍን ነውሮምን ንታለል ከይንህሉ: ክልተ ግዜ ክንሓስብ ዝግበኣና ኣባላት ተቓውሞ ደምበ ክንነቕሓሉ ዝግባእዩ። ከምቲ የማነ ኣብ ዘዕብየኦም ሃገራት ዕደቱ ኣካይዱ ብመርዚ ምልካውነት ዘላህዮም ዘሎ፡ኣብ ገለ ተቓውሞ ማሕበራዊ መድያ ንመንእስያት ኤርትራ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና ብዘናሹ ዝግበር ፕርፖጋንዳ መኽሰቡ ነዚ ጽዩፍ ውልቀ መላኺ ምዃኑ ምዝንጋዕ ተዛረብቲምበር ፖለቲከኛታት ኣየጸውዕንዩ።
ንባራበር።
ረዘነ ተስፋጽየን
ንዅልዅም ፈተውቲ ፍትሕን ሰላምን ዝዀንኩም ኤርትራውያን ተቐማጦ ቶሮንቶ
Wednesday, 23 March 2016 22:15 Written by ኤርትራውያን ደለዪቲ ፍትሒ ቶሮንቶኣብ ሓንቲ ሃገር ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ዝህሉ፥ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነብር ዜጋ ዝኣምነሉ ሕግ-መንግስቲ ምስ ዝሕንጽጽ፥ ባዕሉ ዝመረጾ መንግስቲ ምስ ዝህልዎን፥ እቲ ዝተመርጸ መንግስቲ እውን ኣብ ትሕቲ ምእዙዝነት ህዝቢ ምስ ዝኸውን እዩ። ካብ ምቁጽጻር ህዝቢ ወጻኢ ኮይኑ ዝትከል ስርዓተ- መንግስቲ ግና ተሓታትነትን ግሉጽነትን ኣየውሕስን። ህዝቢ ዝቆጻጸሮ መንግስቲ ማለት በቲ ህዝቢ ይውክሉኒ እዮም ኢሉ ዝመረጾም ሰባት ኣቢሉ ይቐውም። እዚ ባይቶ ወይ ፓርላማ እዩ ዝበሃል። ከመይሲ ህዝቢ ብምሉኡ ኣባል ባይቶ ከኸውን ስለዘይክኣል። ግሪኻውያን፥ ኩሉ ህዝቢ ዝሳተፈሉ ኣገባብ እዮም ዘካይዱ ዝነበሩ። እዚ ግን ግዜ እናወሰደ ኣብ ዝኸደሉ ተግባራውነቱ ምስቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ቁጽሪ ህዝቢ ክሳነ ኣይከኣለን። በዚ ዝኣክል ኣብ ክንዲ ተሳትፎኣዊ ዲሞክራሲ፥ ውክልናዊ ዲሞክራሲ ዝብል እናተተከአ መጸ።
እቲ ብውክልናዊ ዲሞክራሲ ዝመሓደር፥ ንኹሉ ብዙሕነታዊ ምስሊ ሕብረትሰብ ናይ ሓንቲ ሃገር ወኪሉ ብዝምስረት ባይቶ ኣቢሉ እዩ ዝግለጽ። እዚ ካብ ህዝቢ ዝወጽእ ባይቶ እዚ ብተዘዋዋሪ መገዲ ናይ ተሳትፎኣዊ ዲሞክራሲ ምልክት ኣለዎ። ልክዕ እዩ መላእ ሕብረተሰብ ኣባል ናይ ባይቶ ክኸውን ዘይከኣል እዩ። ብውከልቱ ኣቢሉ፥ ነቲ ንሱ ዝመረጾ ባይቶ ክቆጻጸር ይኽእል። ይኹን እምበር ዝኾነ ይኹን ዝምስረት ባይቶ ኣሳታፊ ክኸውን ከሎ እዩ፥ ኩሉ ሓንጎፋይ ኢሉ ክቕበሎ ዝኽእል። ምኽንያቱ እቲ ንመላእ ሃገር ዝምልከት ሕግታትን መምርሒታትን ክውጽእን ርእይቶታት ክፈልጥን እንተኾይኑ ተሳትፎ ህዝቢ ክህሉ ኣለዎ። ብዝተረፈ ሰለስተ ርብዒ ናይ ሓደ ህዝቢ ተሰማሚዑ ሓደ ርብዒ ምስ ዝቦኲር እቲ ስምምዕ ሃገራዊ ጥምረትን ስኒትን ኣይፈጥርን እዩ። በዚ ዝኣክል እቲ ድሌት መላእ ህዝቢ ክማእከል ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ይበጽሕ እሞ፥ ምዕሩይን ዲሞክራሲያውን ዝኾነ ምሕደራ ሱር መሰረቱ ይብሕጎግ።
በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ መሰረት ኣብ ኤርትራ ባይቶ ኣሎዶ እንተልና ምናልባት ኣሎ ኢሉ ዝምልስ ክህሉ ይኽእል። ህላወነቱ ዘይኮነስ ኣገባብ ኣመሳራርትእኡ እዩ እቲ ዘገድስ። ካብዚ ብምብጋስ፥ ኣብ ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ ዝውክል ባይቶ የለን። ንህዝቢ ካብ ዘይውክል ከኣ ቅኑዕ መሕደራ ይኹን ኣንፈት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ክህሉ ኣይክእልን እዩ። እቲ ክህሉ ዝኽእል ናይ ገባትን በሓትን ኣገባብ ምሕደራ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ህዝብን ሃገርን ቀሳነት ከሊኡ ኣብ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው የእትዩ ህዝቢ ፍትሒ ይስእን እሞ ንኣደዳ ስደትን ውርደትን ይቃላዕ። ብተወሳኺ ተወጻዕትን ተረባሕትን ዝፍጠረሉ ህሞት ይኸውን እሞ እቲ ዝወሓደ ነቲ ዝበዝሐ ይዶቚሶ። ስለዚ ህዝባዊ ሰረት ዘይብሉ ወይ ከኣ ኣሳታፊነት ብዝጐደሎ ዝምስረት ባይቶ ከይዱ ከይዱ ንቅልውላውን ምፍልላይን እምበር ንስምረትን ውህደትን ዘውሕስ ኣይከውንን።
ንሕና እቶም ደለይቲ ፍትሒኸ ካብዚ ሕጽረት እዚ ናጻ ዲና ዝብል ሕቶ ከልዓል ይኽእል። ምኽንያቱ እቲ መብዛሕትኡ ቀልቢ ደምበ ተቓውሞ፥ ኣብ ከመይነት ኣነ ይዕብልልን ድምጸይ የስምዕን ዝብል እምበር ከመይ ሃገራዊ መልክዕ የትሕዝ ኣይኮነን ዘሎ። በዚ እንኸዶ ዘለና ኣገባብ፥ እቲ ሓቂ ፍሉጥ ክንሱ ንሓቂ ጓዕጺጽናዮ ክንስጉም ከምዘይንኽእል ግዜ የርእየና ኣሎ። ኩልና ናይ ስርዓት ለውጢ ንደሊ ኢና፥ ምእንትኡ እውን ንቃለስ ኣሎና። ግን ከኣ ነቲ ኩሉ ዝሳተፎ እዩ መሰረታዊ ለውጢ ዘውሕስ ዝብል ኣምር ንጎድኒ ገዲፍና ፊን ብዝበለና ንጎዓዝ። ብኣፍ ከኣ መስረታዊ ለውጢ እምበር ጽገናዊ ለውጢ ኣይንደልን ዝበሃል ጭርሖ ነልዕል። ስለዚ ኩልና ብጉዳይ ሃገር ክንሓስብ ከሎና እቲ ከነመዝግቦ እንደሊ መሰረታዊ ናይ ስርዓት ለውጢ፥ ተሳትፎ ናይ ኩሉ ዜጋ ምስ ዘውሕስ ጥራሕ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። ካብዚ ተረድኦ እዚ ኢና እምበኣር ንዝኾነ ይኹን ዝምስረት ባይቶ ሓባራዊ ሓላፍነት ተሰኪምና ንሓባራዊ ተሳትፎ ዝዕድም ኣገባብ ክነትሕዞ ዝግበኣና።
ድራር መንታይ
መግለጺ ብምክንያት 8 መጋቢት ዓለምለካዊ ማዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ
Monday, 21 March 2016 13:21 Written by በይ- ኤርያ ኤርትራውያን ንዲምክራስያዊ ለውጢ
ኣብ ነብሲ ወክፍ ዓመት ብክብሪ ክትዝከር ዝገብራ ታሪካዊ ምክንያት ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና ነቲ ኣብ ልዕሊኤን ዝወርድ ዝነብረ ድርብ ወጸዓን ኣድልዎ ንምውጋድን ኣብ ፖለቲካው፣ ማሕበራዊን ቁጠባውን መድይ ማዕርነታዊ መሰለን ንክረጋገጽ መሪር ቃልሲ ዝስካየዳላን ክሳብ ናይ ሂወት መስዋእቲ ዝከፈላላን ታሪካዊት ዕለት ብምኻና’ዩ። እዚ መሪር ቓልሲ’ዚ ድማዩ ሎሚ ኣብ ዓለምና ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ሕቶ ሕብረተ-ሰብ መኻኑ ንምእማን ዓቢይ ኣፍደገ ከፊቱ ዝርከብ።
ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ’ውን ኣካል ናይ’ዚ ቃልሲዚ ብምካን ነቲ ኣብ ልዕሊኤን ዝበጽሕ ዝነበረ ድሑር መስፍናዊ ባህላዊ ተጽዕኖታትን ኣድልዎን ሰንሰሰለት ብምብታክ ንድርብ ወጽዓ ድርብ ቃልሲ ዝብል ጭርሖ ብምልዓል ንኣደራዕ መግዛእትን መሪር በስላታቱን ንምብዳህ መግዛእታዊ ሕሰም ጠቕሊሉ ንከብቕዕን ንዘለወን ባህርያዊ ተፎጥሮኣዊ ጸገማት ብምጽዋር ኣብ መሳርዕ ብረታዊ ቃልሲብምውሓዝ ኣብ ጎኒ የሕዋተን ብምስላፍ ካብ ተራ ሰራዊት ክሳብ ዝለዓለ ናይ ሓላፍነት ጽፍሒ ብምስጋር ተዋጊኤን ኣዋጊኤን’ዮን እተን ኣብ ከተማ ይኹን ኣብ ገጠር ዝነበራ ደቂ-ኣንስትዮ’ውን እንተኾና ካብ ከተማ ንገጠር ካብ ገጠር ንከተማ መልእክትን ሐበሬታትን ምምሕልላፍ፣ፈዳይን ኣብ ምሓብሓብ ንባዕላተን ከም ፈዳይን ኾይነን ብምስራሕ ክሳብ ሰብኣዊ ክብረን ብምሻጥ ምስ ሰበስልጣናት ኢትዮጵያ ብምዝማድ ቅሉጡፍ ውሽጣዊ ሓበሬታት ንሰውረኤን ብምምሕልላፍን ውጥናት ጸላኢ ኣብ ምፍሻል ዘይእመን ቐያ ሰሪሐን’የን። እተን ኣብ ስደት ዝነበራ’ውን እንተኾና ከዲመን ዝኣከበኦ ጥራሕ ዘይኾነስ ግርማ ናተን ዝኮነ ስልማተን ኣወፍዩን’ ኤርትራዊት ጛለ-ኣነሰተይቲ ማንም ወላዲት ዘይትገብሮ ጠኒሳ ዝወለደቶምን ሓቕፋ ዝጥበወቶምን ዘዕበየቶምን ደቃ መሪቃ ገንሸል ንነጻነት ሃገር ዘወፈየት ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ዘይብሉ ቅያ ጅግንነት ዝሰርሐት ኣደ’ያ።
እዚ ቅያን ጅግንነትን’ዚ ዝተከፍሎ መሪር መስዋእትን ሎሚ በቲ ሕሱርን ኣረሜንናውን ስርዓት ህግደፍ ሞሳኡ ጠፊኡ ጥራሕ ዝይኮነስ ካብ ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብዝከፍኤ ሕሰምን መከራን ደቢስዎ ይርከብ። ስርዓት ህግደፍ ንጅግንነትን ቅያን ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንናይ ደቂ- ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ኣብ መጋባእያታት ዓለም ክዝምረሉን ክምድረሉን ይውዕል ኣሎ። እዚ ብቃንዛ ህዝቡ ዝሕጎስ ኣፉን ተግባሩን ዘይሳነ ስርዓት እታ ቀሽን ሸክን ሙሁርን ጅግናን መራሕን እትወልድ ኣብ ልዕሊ’ቲ ባህርያዊ ተፈጥሮ ዝዓደላ ጸጋ ኣብ መዛግብቲ ታሪክ ንዘልአለም ተሰኒዱ ዝነበር ታሪካዊ ጅግንነት ሰሪሓ’ያ ኣደ ከምቲ ንሱ ዝዝምረሉ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ዘይኾነስ ባኣንጻሩ ዘይዛሪ ንብዓት ተሰኪማ ታኬላ ሕዘን ብምኻን ጠዋሪ ስኢና ኣብ ባህሊ ሕብረተ-ሰብና ኣብ ግዜ መግዛእቲ እኻ ዘይተራእየ ኣብ ቃልዕ ወጺኣ ክትልምን ትርኤ ኣለ። እዚ ሕሱር ስርዓት’ዚ እታ ንዓኣቶም ክይተረፈ ዝወልደት ማህጸን ንሳ ክትነብዕ ንሳቶም ዝስሕቁ ንሳ ክትሓዝን ንሳቶም ዝስዕስዑ ጨካናት ስጋሰብ ለበስ ኣረሜናውያን ተኻሉ’ዮም። መንእሰያት ደቂ-ኣንስትዮና’ውን እንትኾነ ተማሂረን ከይምዕብላን ብባህለንን ሃይማኖታዊ እምነተንን ወግዒ ሓዳር ለቢሰን ከይወልዳን ከይዝምዳን ንገሊኤን መጋየጺ ናታቶም ንዝተረፋ ድማ ዕደመ ምውላደን ክሳብ ዝሐልፍ ኣብ በረኻታት ክንከራተታ ብምግባር ዘይወጽእ ሰነ-ኣእምሮኣዊ ሕማማት ምስኻምን ካብዚ ሐሊፉ’ውን ኣብ ዘይተደላይ ሐደገ ጉዕዞ ክጋዓዛን ኣደዳ ሞትን ሰቃይን ክኾና መዓልታዊ ዜናና ኾይኑ ኣሎ። ተቃሊሰን ናጽነት ዘምጽአ ጀጋኑ ግደፍዶ ወዲ ሃገርስ ባዕዳዊ ገዛእውን ዘይገብሮ ዓሰርተታት ዓመት ኣብ እስርቤት ክበልያን ከምቶም ከምእተን ተሓይሮም ዕጫ ሞትን መክራን ዝበጽሖም ዘሎ የሕዋተን ንዓዓተን ከም ደቂ-ኣንስትዮ ዕጽፊ ስቃይን ሞትን እስርቤት ህግደፍ ይበጽሐን ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ንሃገን ህዝብን ኤርትራ ከጽንት ዝተበገሰ ሰርዓት ሰለዝኾነ ኩሉ’ቲ ንወዲ-ሰብ ዘድልዮ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ህዝብና ብምሕራም ኩሉ ዜጋ ንዝፈትዋን ዘፈቅራን ሃገሩ ገዲፉ ሃጽ ኢሎም ክጠፉእን መንእሰያትና ክጸንቱን ዘይርሳዕ ጸሊም ታሪክ ዝፍጽም ዘሎ ስርዓት’ዩ።
ስለዚ 8 መጋቢት ከነብዕል ከሎና ንስለ ዝይኾነስ ሃገርና ከቢድ ናይ ጽንትት ሐደጋ ኣንጸላሊዩላ ኣብ ዘሎ ሰዓት ክብ ጥፋታ ንምድሓን ዝጽበዩና ዘለዉ ዕማማት ክንርእን ንምትግባሮም ብሕልናን ብተወፋይነትን ክንሰርሕ ቃል እናትወሉ መዓልቲ’ዩ። ኣብ ልዕሊ መቃብር ‘ዚ ጨካን ዲክታተራዊ ስርዓት ብሕግን ቅዋምን እትመሐደር ሃገር ክትህልወና ኩሉ ባህሉን ልምዱን ጠፊእዎ ዘሎን መሰል ሃይማኖታቱ ትጋሂሱ ዘሎ ህዝብና ምዕሩይን ምእኩልን ምሕደራ ረኪቡ ብስላምን ቅሳነትን ዝነብረላ ሃገር ክትህልዎ እንተኾይና ቀዳምነት ክንገብሮም ዝግባኣና ኩሎም እቶም ንሓድነትና ዝፈታተኑን ሐቢርና ከይንቃለስ ተቃሊስና ከይንዕወትን ዝገብሩና ድሕረት፣ጽበት፣ ትምክሕትን ኣውራጃዊ ፍልልያትን ሐዊስካ ዝግበሩ ጎስጋሳትን ብትሪ ምቅላስ:: ምክንያቱ ድማ እዞም ሓደገኛታታ ነጋራት እዚኣቶም ፈልሲ ናይቲ ስርዓትን ንዕኡ ዘገልግሉን ኣብ ስልጣን ኾረሽኡ ክጸንሕን ዝተረፈ ህዝብና ከጽንትን ዓቢይ ተራ ሰለዘለዎም። ጎኒ-ጎኒ ናይዚ ድማ ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ማእክላይ ሕቶ ሕብረተሰብ ምካኑ ብምእማን ንምሰልን ማዕርነትን ደቂ-ኣንስትዮ ብጽንዓት ምቅላስ ከመይሲ ሕቶኤን ሕቶ ዲሞክራሲ ሰለ ዝኾን ምሰልን ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ምምላስ ማለት ድማ ሕቶ ሕብረ-ተሰብ ምምላስ ማለት ስለዝውን። ስለምንታይ’ሲ ደቂ- ኣንስትዮ ፍርቂ ኣካል ሕብረ-ተሰብን መሰረት ናይ ሐንቲ ስድራን ስለዝኾና:: ሰለዚ ጸላኢና ሐደ ካብ ኾነ ዘለና ፍልልያት ብምጽባብ ብሐባር እንሰርሓሉን ህዝብና ካብ ደበና ጥፍኣት እነድሕነሉን ሰዓቱ ሕጂዩ’ሞ ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ማእከል ብምግባር ብሐድነት ንመሰረታዊ ለውጢ ንበገስ!!
ዕድመ 8 መጋቢት ብዘይ ተሳትፎ ደቂ -ኣንስትዮ ዝዕወት ቃልሲ የለን!!
በይ- ኤርያ ኤርትራውያን ንዲምክራስያዊ ለውጢ
8/3/2016

ጸብጻብ በዓል ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮን ዝኽሪ ተጎርባን
Monday, 21 March 2016 12:52 Written by በይ አርያ - ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ (በአ-ኤደለ)
ወብ ሳይት - bayedc.org ኢ-መአይል - This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ፈይስ ቡክ -www.facebook.com/bayedc)
ደለይቲ ፍትሒ ተቐማጦ በይ አርያን ከባቢኣን ፡ ኣብ ቀዳም 12 መጋቢት ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ብምእካብ ፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮን ዝኽሪ ተጎርባን ብስምረት ኣብዒሎም። እዚ ብበይ አርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተዳልወ መደብ ንተሳተፍቱ ኣዝዩ ዘሐጎሰን ኣድናቖት ዝተረፈን እዩ ኔሩ። ከምዝፍለጥ ምዕራብ ኣሜሪካ ፡ ብኤል ኒኞ ዝጽዋዕ ክስተት ኩነታት ኣየር ዘበገሶ ማይ ሓዘል ደበናታት ፡ ንኣዋርሕ ከየቋረጸ ይዘንም ኣሎ። ሽሕ እኳ ሙሉእ መዓልቲ ከየቋረጸ ማይ ይወቅዕ እንተነበረ እሞ ናይ መንገዲ ዕንቅፋታት እንተስዓበ ፡ ነቶም ካብ ዝተፈላላየ ከተማታት በይ አርያ ዘመጹ ግዱሳት ደለይቲ ፍትሒ ኣብዚ ኣገዳሲ መደብ ንኽሳተፉ ኣይገትኦምን። እቲ መደብ ዘይከምቲ ኣብ ደገ ዝነበረ ዛሕልን ጠልን ፡ ብሃገራዊ ወንን ሓድሕዳዊ ምፍቕቓርን ምክብባርን ዝሞቐን ዝተነቓቕሐን እዩ ኔሩ።

መደብ ብኣቦ መንበር በአ-ኤደለ ዝመርሖ ዝኽረ ጀጋኑን ብሉጻትን ሰማእታትናን ሌላ ምስ ሓደስቲ ኣባላት ቦርድን መደብ ስርሖምን እዩ ጀሚሩ። ከምዝፍለጥ ንበአ-ኤደለ ንኽልተ ዓመት ዝመርሕዋ ኣባላት ቦርድ ብደሞክራስያዊን ቅዋማዊ ኣገባብ ኣብ መጀመርታ ዓመት ድሕሪ ምምራጾም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ነባራት ቦርድ መዝነትን ዕማማትን ተርኪቦም ይነጥፉ ኣለው። ክእለቶምን ተወፋይነቶምን ሓድሕድ ምክብባሮምን ድማ ኣብዚ መደብ ብግልጺ ተራእዩን ፡ ብተሳተፍቲ ኣድናቖት ኣትሪፉን። ኣቦ መንበር መድረኽ ንምቕራብ ጹሑፋትን መደረታትን ምስ ኣረከቦ ፡ ነባራት ተቓለስቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝመርሕኦ ኣድናቖት ዘትረፈ መሃሪን ኣነቓቓሕን ጽሑፋት ቀሪቡ። ፈለማ ንኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ሰፊሕን መልእኽቲ ሓዘል ጽሑፍ ፡ ንኣበጋግሳን ዕላማን ተርኽቦን ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ካብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ እዚ እዋን ብሰፊሕ መግልጺ እዩ ቀሪቡ። ካብኡ ብምቕጻል ክኣ ፡ ንወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኤርትራን ኣብ ዓለምለኻዊ ደረጃን ብዘድነቕ ምግንዛባት ብኻልእ ኣቕራቢት ድሕሪ ምስዓቡ ፡ ክግበር ዝጸንሐን ክውሰድ ዘለዎ ስጉምትታት ተገሊጹ። ብድሕሪዚ ድማ ፡ ንታሪኻዊ ኣመዓባብላ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላልየ ክፋል ሃገርናን ህልዊ ኩነታትን ሰፊሕ መግለጺ ድሕሪ ምቕራቡ ፡ ደቂስካሉ ክሕደር ዘይግብኦ ከምዝኾነን ቁልጡፍ ስጉምንቲ ክውሰዶ ከምዝግባእን መዘኻኸሪ ቀሪቡ። ንዝርዝር ትሕዝቶ መግለጺታትን ኣብ ጥቢቆ እዚ ጽሑፍ ምውካስ ይከኣል።

ካብዚ ብምቕጻል ፡ ብሓሳብ ንድሕሪት ናብ ሱሳታት ዝመልስ መደረ እዩ ቀሪቡ ፡ ናብ ኣዝዩ ታሪኻዊ መዓልቲ! እዚ መዓልቲ እዚ ጀጋኑ ተጋደልቲ ሰውራና ምስ ጸላኢ ብውሑድ ዕጥቂን ስንቅን ምስ ኣዝዩ ግዙፍ ጸላኢ ፊተፊት ብምግጣም ንምእማኑ ዘጸግም ጅግንነት ትውፊትን ዘርአዩሉን ብክብረት ድማ ምእንቲ ህዝቦምን ዕላምኦምን ዝተወፈይሉን ፍልዩ ዕለት እዩ ኔሩ። እዚ ኣብ ተጎርባ ዝበሃል ኣብ ባርካ ዝርከብ ቦታ ዝተኻየደ ኩናት ንታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐለሰን ናብ ሓድሽ መድረኽ ዘሰጋገርን እዩ ኔሩ። እዚ ታሪኻዊ ግጥም ብዝኽሪ ተጎርባ ኣዝዩ ዝፍለጥ ክነሱ ፡ ስርዓት ህግደፍ ግን ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንውልቃዊ ጸቢብ ፖለቲካዊ ረብሕኡ ንምሕላው ጠቒስዎ ኣይፈልጥን። ነዚን ንርዝነት እዚ ኣገዳሲ መዓልቲ ኣብ ግምት ብምእታው ፡ በአ-ኤደለ ሓደ ካብቲ ስሩዕ ዓመታዊ በዓላቱ ከም ምዃኑ ኣብ ቅዋም ብምስፋር ፡ ካብ ዝምስረት ዓመታዊ ኣብዚ ዕለት የብዕሎ ኣሎ። ንዝርዝር ትሕዝቶ ጽሑፍ ኣቶ ተኪኤ ኣብ ጥቢቆ ምውካስ ይከኣል።
ኣብዚ ብቑጽሪ ብርክት ዝበሉ ተሳተፍቲ ዝተሳተፍዎ መደብ ፡ ደለይቲ ፍትሒ ደቂ ኣንስትዮ በይ-አርያ ፡ ነዚ ኣገዳሲ በዓል ባህላዊ ክዳንን ከምኒ ዙርያን ጥልፊን ተከዲነን ኣዝዩ መኣዛዊ ባህላዊ መግቢን መስተን ብምቕራብ ፡ ብዲ.ጀይ ሰለሙን ብባህላውን ዘመናውን ሙዚቃ ብምስናይ ፡ እየን ኣአንጊድነኦ። ተሳተፍቲ ብወገኖም ብኹሉ ኣገባብን ትሕዝቶን እዚ መደብ ብፍላይ ድማ ብብቕዓት ኣካየድቲ በአ-ኤደለ ኣድናቖቶም ገሊጾም። ንዝመጽእ መደባትን ንጥፈታትን ዘለዎም ድሌትን ተወፋይነትን ድሕሪ ምግላጽ ፡ ካብኣቶም ንዝድለ ዝኾነ ይኹን ጉልበታውን ገንዘባውን ሓገዛት ንምቕራብ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም። በአ-ኤደለ ንኹሎም ተሳተፍቲ እዚ መደብ ኩነታት ኣየር ከይገትኦም ኣብዚ መደብ ክሳተፉ ብምኽኣሎም ፡ ነቶም ኣብ ምድላው እዚ መደብ ዝነጠፉን ዝተሓጋገዙን ድማ ብፍላይ ፡ ብስም በአ-ኤደለን ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ኤርትራዊን ፡ ብልቢ ነመስግን። ኣብ ቀጻሊ ተሰሪዑ ዘሎ መደባት ድማ ልሙድ ተሳትፎኹምን ሕገዝኩምን ንኸይፍለየና ብኽብሪ ነዘኻኽር።
ፍትሕን ሰላምን ደሞክራስን ንህዝቢ ኤርትራ!
በይ አርያ - ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ (በአ-ኤደለ)
መጋቢት 2016

