ናብ ዲሞክራሲ ንምብጻሕ

Friday, 05 February 2016 10:39 Written by

እዚ ጽሑፍ ካብ፥-

“Getting to Democracy

January-February 2016 Issues of the Foreign Affairs ,

two-monthly International magazine” ዝተወስደ እዩ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ማለት ኣብ ስሜን ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቱኒዝያ: ግብጽን ሊብያን …. ወዘተ: ንመለኽቲ ዘንቀጥቀጠ ህዝባዊ ናዕቢ ተኻይዱ።

ኩለን ሃገራት ነዚ ናይ ‘’ዓረብ ቀውዒ’’ሎምስ ጉዕዞ መጻኢ ዲሞክራሲ ይረጋገጽን ዲሞክራሲ ይቐልቀልን ኣሎ ብዝብል ክሳብ ኣዋጅ ምውጻእ ተበጺሑ እዩ። ይኹን እምበር እቲ መለኽቲ ኣብ ህዝቢ ዘስረጽዎ ፈላላዪ ተግባር ምዕቡልን ፍትሓውን ሕብረተሰብ ስለ ዘየህንጽ እቲ ብድሕሪኦም ዘጓንፍ ሽግር እዩ። ንመለኽቲ ክትክኡ ዝተባህሉ ቅሩብ ከይጸንሑ ግምጥል ኢሎም ካብቲ ቅድሚኦም ዝነበረ ምልኪ ዝገደዱ ይኾኑ። ርሑቕ ከይከድና ኣብ ግብጺ ዝተኻየደ ምርጫ፥ መሓመድ ሙርስን እቲ ናይ ሰልፊ እስልምና ኣሕዋት (ኣኽዋን ኣልሙስሊሚን) ንናጽነትን ፍትሕን ነቲ ኩነታት ዝረሓሕቕን ናብ ጐነጽ ገጹ ብዘምርሕን ኣገባብ ኣምረሖ። ጀነራልዓብደል ፈታሕ ኤልሲሲ እውን ብወገኑ ስልጣን ምስ ጨበጠ እታ ዲሞክራስስ ካብ ናይ ግዜ ሑስኒ ሙበራክ ዝሓሸ ለውጢ ኣይተረኽባን። ናይ ቱኒዝያ ዲሞክራሲ እውን እንተኾነ ተነቃፊ ኮይኑ ብምትራፉ ብፖለቲካዊ ዓመጽ ይህደድን፥ ተቓወምቲ ይእሰሩን መሰል ድቂ-ሰባት ይገሃስን ኣሎ። ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን እንተኾነ ተስፋ ዝህብ ኣሎ’ኳ እንተተባህለ ካብዚ ዕጫ እዚ ብቐሊሉ ዝላቐቕ ኣይመስልን።

ስለዚ ናብ ዲሞክራሲ ንምስግጋር ዕዉት ንክኸውን እንታይ እዩ ዝውስኖ? ዝብል ሕቶ ከልዓል ንቡር እዩ። ከምቲ ኣብ ዓለም ዝረአ ገለ ካብ መለኽቲ ንዲሞክራሲያ ዝዕንቅፉን ገለን ደሞክራሲያዊ ለውጢ ዘይጻረሩን ኣይሰኣኑን እዮም። ንኣብነት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ናይ ደክለርክን ነልሰን ማንደላን ስረሕ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እዚ ዘይበሃል ግፍዒ ዝተኻየደ ክንሱ፡ ምእንቲ ዝኸፍአ ህልቂት ከየስዕብን ሰላም ከኣ ንሓዋሩ ከይጠፍእን ነቲ ናይ ዓሌትነት ብልዝብ ፈቲሖሞ።

ልክዕ እዩ ንኹሉ ብማዕረ ዘገልግል ሞደል (ቅጥዓዊ) ዲሞክራስያዊ ለውጢ የለን። ይኹን እምበር ድሕሪ ዝሓለፈ መስርሕ መሰጋገሪ መድረኽ ብሰፊሑ ክስረሓሉ ዝከኣል ትምህርቲ ክልግስ ክኢሉ እዩ።

ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምትግባር ኩሎም ምልኪ ንሞዕናው ዝቃለሱ ናይ ምስግጋር መስርሕ ምኽታል ዓቢይ ተደላይነት ኣለዎ። ነዚ ንምትግባር፥ ነቲ ቀዳምነታት ሂቦም በብደረጃኡ ምሉእ ፍታሕ ንምርካብ ኩሎም እቶም ናይ ዲሞክራሲያዊ ጸገንቲ ሕድገታት ክገብሩ ድልዋት ክኾኑ ይግባእ። ክምኡ እውን ልፍንቲ ክምስርቱን ምስቶም ገለገለ ኣብውሽጢ እቲ ክውድቕዎ ዝደልዩ ዘለዉ ስርዓት ዝርከቡ ሰባት ርኽክብ ክፈጥሩን ንሕቶ ፍትሒ፡ መቕጻዕቲ ይኹን ካሕሳ ዝምልከት ጠሊቖም ዝርርብ ንክገብሩ የድሊ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ነቲ ሰራዊት ኣብ ትሕቲ ስቪላዊ ቁጽጽር ከእትውዎ ኣለዎም።

ነዚ ባይታ ንምድላው ደምበ ተቓውሞ ንብቕዓታት ምምሕዳር እቲ ጨቋኒ ስርዓት ምብዳህን ነቲ ስልጣን ናይ ምጭባጥ ካብ’ቲ ስርዓት ዝሓሸ ምዃኑ ንብህዝቢ ተመራጺ ወይ ቅቡል ክኸውን ዝኣክል ህዝባዊ ደገፍ ክረክብ ኣለዎ። መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ምልዕዓልን፥ ኣብ ልዕሊ ኣሱራት ዝግበር ግፍዕን ስቓይን ምውጋዝን፥ ናይቲ ስርዓት ሃገራውን ኣህጉራውን ዕላውነት ወይ ተቐባልነት ክም ዝብሕጎግ ምግባር ይጽበዮም።

እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ብጉዳይ ዕላማ፥ መሪሕነት፥ ስትራተጂን፡ ሜላን ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ዝርከብ ዓሚቚ ዘይምስምማዕ ምጽባብ ይጠልብ። ኣዳለውቲ እዛ መጽሔት ንብዙሓት ናይ ምስግጋር መራሕቲ ነዚ ምፍንጫላት እዚ ንምስጋር ንምህናጽ ዝሰፍሐ ልፍንቲ ተቓወምቲ ሓይልታት ጻዕርታት ከም ዘካየዱ ኣዘራሪቦም ዝበጽሕዎ ነጥቢ፥ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት፥ ሰራሕተኛታት፥ ተመሃሮን ሃማኖታዊ ትካላትን ኣብ ክሊ ሓባራዊ ሃገራዊ ኣጀንዳ ከም ዝሰምሩ ምግባርእዩ።

ኣብ መጠርስታ ኩሉ ደላይ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ምስ ኩሎም እቶም ምስቲ ስርዓት ዝተሓባበሩ ዝነበሩ ግን ከኣ ንዲሞክራሲያውነት ዝድግፉ መራኸቢ መስኖ ክፈጥር ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብ ሕሉፍ ጥራይ ምትኳር ተጻራሪ ውጽኢት እዩ ዝህልዎ። ነቲ እቲ መላኺ ኣብ ውሽጢ ሕብረትሰብ ናይ ፍርሃትን ራዕድን ዘስረጾን ዘስፋሕፍሖን ንምዕጋት፥ ኩሉ ደላይ ለውጢ ብኣውንታዊ ምሕሳብን ንቕድሚት ዝጠመተ ራኢ ምስግጋር ክህልዎን ካብ ሕነ ምፍዳይን ምግባት ንብረትን ናጻ ምዃኑ ዘረጋግጽ መንገዲ ክሕዝ ይግባእ። ብተወሳኺ እቶም ንዓመጽ ዘየወግዙን ሕድገታት ዘይቅበሉን ናይ ቦታውን ብሄራውን ጉጅለኣውን ርእሰ ምምሕዳር ጠለባት ዘቕርቡ ወገናት ኩነታት ብግቡእ ክርደኦም ይግባእ።

ድራር መንታይ

እቶም ለባማት ወለድና፡ ነዚ ከም ኣርእቲ መሪጸዮ ዘለኹ፡ ክምስሉ ከለዉ ወዲ ሰብ ክሰግሮ ዘየብሉ ቀይሕ መስመር (ሕጊ) ከም ዘሎ ንምምልካት‘ዩ። እዚ ደረት‘ዚ እንተዘይህሉን እንተዘይትግበርን ድማ ሰብ ካብ ሰብኣዊ ስነምግባር ዘለዎ ፍጡር ሓሊፉ፤ ኣብ ደረጃ እንስሳ ከይወርድ ውሕስነት ኣይምሃለወን። ኣብ‘ዚ ሎሚ፡ ዓለም ብዘበናዊ መራኸቢ (ተክኖሎጂ) ተወንጪፋትሉ ዘላ እዋን፡ ዝኸይድ ዘሎ ብመሰል ሓሳብካ ምግላጽ ዝተጎልበበ ፍኑው ኣካይዳ እምበኣር፡ እዚ መሃሪ ምስላ‘ዚ ክሳብ ክንደይ ዓሚቝ ትርጉም ዘለዎ ምዃኑ ብህይወት ዘርከብናሉ ምእዙዝነት ህዝብና ንሕጊ ህያው ምስክር‘ዩ። እዚ ከኣ፡ ንኩነታት ብመንጽር ሕጋውን ማሕበራውን ረብሓ እናመዘኑ ስለ ዝርእይዎን ዝውስኑዎን፡ ደረት ሕጊ ከይሰገሩ ብቕንዕናን ብዘይኣድልዎን ሕድሕድ እናተኸባበሩን፡ ንህሉውን መጻእን ግዜ ብሓባር ዘገልግል እናሓንጸጹን እናተመርሑን፡ ውሽጣዊ ሓድነቶም ኣጽኒዖም ዘይተቖራረጸት ሃገርን ሃገራዊ ኒሕን ኣጽኒሖሙልና እዮም።

ኣብቲ እዋን‘ቲ፡ እዚ ሎሚ ዝቀላቐል ዘሎ መሰረታዊ ብዘይኮነ ምኽንያት ዝፈላለ ሓሳባት እንተዝነብር ኔሩ፡ ሓንቲ ሓድነታት ዝደልደለ፡ ኤርትራ ጸኒሓትናስ ብሓባር ተቓሊስናን ንኹሉ ተጻብኦ ተጻዊርናን ናጻነት ከነረጋግጽ ኣይምኸኣልናን። እዚ ውርሻዚ ከኣ ብግቡእ ተዓቂቡን ተሰኒዱን ንወለዶታት ክመሓላለፍ ዝግብኦ ክቡር ሕላገት ብቕዓትን ጽንዓትን መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ እዩ። እዚ ዝፈጠሮ ድልዱል ሃገራዊ ሓድነትን ኒሕን ከኣ‘ዩ ምስጢር ሓያልን ዝተሓላለኸን ብድሆታት ፈንጢስና ክንዕወት ዘኽኣለና። ካብዚ ስነመጎታዊ ኣተሓሳስባ‘ዚ ነቒልና ኢና ከኣ፡ ንመዋእል ናይ‘ዚ ድሕሪ ናጻነት ርብዒ ዘበን ሃገርናን ህዝብናን ዘለውዎን ሃለዋት መፍትሒኡን ዝብል ባሕረ-ሓሳብ ክንድህስስ ዘገድደና።

 

ሃለዋት ህዝብና ባዕሉ ዝዛረብ ዓለም ብዓለማ እተንብቦ ዘላ ማዳ ስቅያትን መወዳድርቲ ዘየብሉ ባርነትን ምዃኑ ንምሕባር እምበር፡ ኣብ ዝርዝራቱ ምእታው ንዝቐበረ ምርዳእ ስለ ዝኸውን፡ ኣወንዚፈዮ ብምሕላፍ ናብ ኣታሃላልዋን ተራን ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ መስርሕ ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ለውጢ ከተኩር እየ። ሃገርና ነጻ ኮይና ግን ከኣ ብሕልና ኣልቦ ውልቀ-ሰባት ተመሪሓ ኣብ ሓደጋ ካብ ትጎዓዝን፡ ነዚ ዝተረድኡ ውሑዳት ዜጋታት ዓገብ እናበሉ ከጠንቅቑ ካብ ዝጅምሩን እንሆ 25 ዓመታት ኮይኑ። እዚ መዋእል‘ዚ ብቕኑዕ ኣተሓሳስባ ተወዲኑ እንተዝስርሓሉ፡ ርኡይ ውጽኢት ዝህብ ምዃኑ ነታ ድሕሪ ናጻ ምዃና ካብ ዜሮ ተበጊሳ ኣብ ውሽጢ 30 ዘይመልእ ዓመታት ማዕረተን ማእከላይ እቶት ዘለወን ሃገራት ክትስራዕ ዝኸኣለት ሲንጋፖር ምጥቃስ ጥራሕ እኹል ኣብነት‘ዩ።

 

ናይ ሎሚ ቀንዲ መዛረቢና ግን፡ ምዕብልና ዘይኮነ ህይወት ናይ ምድሓንን ሃገር ከም ሃገር ብኸመይ ከምእትህሉን ምርኣይ ዝዓለመ‘ዩ። እዚ ከኣ ብቐጥታ፡ ኣተሃላልዋን ኣሰራርሓን ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ክንፍትሽ ዝድርኸናን፡ ክሳብ ሕጂ መድሕን ክንኮነሉ ዘየኽኣለና መሰናኽላት ኣለሊና ክንኣልን፡ ማዕረ‘ቲ ህዝብና ዝደልዮን ዝጽበዮን ዘሎ መድሓኒ ሓይሊ ክንከውን ሓላፍነት የሰክመና።

 

ኣብዚ ብዙሕ ድኻም ዘየድልዮ ጉዕዞ ናይ ዘይምዕዋትና ምኽንያት፡ ናይ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ሓድነት ዘይምህላው ምዃኑ፡ ዘይንፈላለየሉ ሓቂ‘ዩ። ነዚ ሕማም‘ዚ ንምፍዋስ ድማ ምልዛብ ወይ ምዝታይ መተካእታ ዘየብሉ ኣማራጺ ምዃኑ ምእማንና ኣብ ዘመላኽቱ ጉዳያት ንላዘብን ንመኻኸን ዝብሉ ሓሳባት ይቀላቐሉን ይስረሓሎምን ምህላዉ ንዕዘቦ ዘሎና መስርሕ‘ዩ። እታ እንፍተነላ ናይ ነብሲ ምድሓን ብቕዓትን ዓቕምን መዐቀኒ ሃገራዊ ሓልዮትን ቅኑዕ ድልየት ሰላም ዝሰፈና ዲሞክራስያዊትን፡ መሰልን ክብርን ዜጋታታ ዝሓለወትን ኤርትራ ናይ ምርግጋጽ እዋን ከኣ ሕጂ እያ። ስለዝኾነ ነዚ በሲሉ ዘሎ ናይ ለውጢ እዋን ኣብ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ንምቕያሩ ቅኑዕ መሪሕ ጎደና ክንክተል ዕዙዝ ኣድላይነት ኣለዎ እብል።

ዝመረጽናዮ ጎደና ዕዉት ንክኸውን ክንክተሎም ካብ ዝግበኣና ከኣ፡

1 - ሓይሊ ዲክታቶርያዊ ስርዓትን ድኹም ጎድኑን ምልላይ፤

2 - ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ጨቋኒ ስርዓት ዘሎና ፍልልይ ምልላይ፤

3 - በቶም ሓባራዊ መረዳእታ ዝተበጽሓሎም ብሓደ እናሰራሕካ፡ ነቶም ነጥበ-ፍልልያት ከኣ በብመዓልቶም እናተራኸብካ ምጽባብ፤

4 - ብመሰረት ዝተበጽሐ ምርድዳእ፡ ብሓባር ዘስርሓካ ቅዋምን ንዕኡ ዘማእክል ሓባራዊ መሪሕነትን ብምቛም ኩሉ ዓቕምታት ደምበ ተቓውሞ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግደፍ ምውፋር፤

5 - ዝተሰማማዕካሉ ቅዋምን መደብ-ዕዮን ኣብ ህዝቢ ብምውራድ ኣብ ትግባረኡ ንክሳተፍ ንክከታተልን ዕድል ምሃብ፤ ዝብሉ ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።

ብርግጽ እዚኦምን ከምኦም ዝኣመሰሉ ዝርዝራትን ዳርጋ ብኹሎም ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራት፡ ምሁራትን ለባማትን ዜጋታት ኤርትራ ተጻሒፍሎም ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ዝተዘርበሎም ሓሳባት ኣዮም። እንተኾነ ብተግባር ስለ ዘይተሰርሓሎም ወይ ድማ መተካእታ ስለ ዘይተረኽበሎም ደጋጊምና ክንዛረበሎምን ክንደፍኣሎምን ሃገራዊ ግዴታና እዩ። ነዚ መስርሕ እዚ ውጽኢታዊ ንምግባሩ ከኣ ቀንዲ ተደላይነት ዘለዎ መስርሕ ምዝታይን ምክብባርን ብኸምዚ መንገዲ ምሓዙ ኣገዳሲ ኮይኑ እስመዓኒ።

1 - ኣብ እዋን ፍልልይ ዘዋህለልናዮም ሃሰይቲ በሰላታትን ቅርሕንትን ኣብ ቦታ ዘተ ኣምጺእካ ካብ ምድብላቕ ነጻ ምዃን፤

2 - ካብ ኩሎም ንልዝብ ዝዕንቅፉ ተዋጋእቲ ቃላት ነጻ ምዃን፤

3 - ንደቂ ሰባት ብዝጸንሖም መርገጽ፡ ሓሳብን ኣሰራርሓን ኣመኽኒኻ ሃናጺ ሓሳባቶም ከቕርቡ ዘይምድራት (ዘይምግላል)፤

4 - ንልዝብ ዝበቅዕን ኣብ ፍታሕ ዝሕግዝን ሓሳባት ብቕንዕናን ብግሉጽነትን ከተቕርብ ምፍታን፤

5 - ንልዝብ ዝኸውን ህዱእ መንፈስ፡ ዝሰምዕን ዘስምዕን ሕልናን ሒዝካ ምቕራብ፤

6 - ኣብ ልዝብ ንዝቐርቡ ሓሳባት ብደረጃ ሓባራዊ ኣገዳስነቶምን ኣድላይነቶምን እምበር ብደረጃ ዘቕርቡዎም ሰባትን ዝቐርብሉ ቦታን ዘይምዕቃን፤

7 - ልዕሊ ኩሉ ከኣ መንፈስ ምክብባርን ምጽውዋርን ብጥንቃቐ ምዝውታር፤

በዚ መንገዲ እዚ ዝተመርሐ ልዝብ ንኹሉ ዝሓቁፍ ውጽኢት ከም ዝርከቦ ባይቶ ወለድናን ፍርያቱ ሕግታት እንዳባን ስኑዳት ምስክር እዮም። በዚ ኣጋጣሚ እዚ ከይጠቐስኩዎም ክሓልፍ ዘይደሊ ነጥብታት ከኣ ፡-

1 - እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብዝተፈላለዩ ውልቀሰባት ክቐርብ ዝስማዕ ንመንፈስ ዘተ ዘይሕግዝ ኣበሃህላታት፡ ቦትኡ ዝሰሓተን ምስ ድሌታትን ባህግታትን ህዝብና ዘይቃዶን ስለ ዝኾነ ከእረምን፡ ብጠቓምን ቅርሕንቲ ዘወገደን መንፈስ ክቐርብ ክቐርብ ይግባእ።

2 - እቲ ኣብ ውልቀ-ሰባት ዘቕንዐ ምስቲ ንዓመታት ዝተሳቐናሉን ገና መዓልቦ ዘይተገብረሉን ጸገማትና ኣመልኪትካ ዝግበር ዘሎ ክሲ መሰል ጸለመ፡ ኣብቲ ዝበሃል ዘሎ መን በደለኛ መንከ ንጹህ እንማጎተሉ ህዝቢ ዘሳትፍ መድረኽ ክሳብ ንበጽሕ ክውንዘፍ ንኹልና ዘርብሕ ምዃኑ ክንርዳእ ይግበኣና። ስለዚ እየ ድማ ነታ „ድላይካ እንተዘዛርቡኻ‘ሞ ብዘይ ዕዳ እንተዝሰዱኻ“ እትብል ምሳልያዊ ሓሳብ ናይ ጽሑፈይ ኣርእስቲ ክትከውን መሪጸያ ዘለኹ። ኣቦታትና ነዛ ምስላ ዘዘውተርዋ ድላዮም ክዛረቡ ደልዮም ዘይኮነስ፡ ብዘይገደብ ድላይካ ምዝራብ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ንምምልካት እዮም።

3 - ሓደ ሰብ ብዝኾነ ምኽንያት ተኸሲሱ ብመርትዖ ተረጋጊጹ ብቤት ፍርዲ ገበነኛ ምዃኑ ክሳብ ዘይተወሰነ፡ ገበነኛ ኣይኮነን ዝብል ኣድማሳዊ ሕጊ ምጥሓስ ዘሕትት ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግባእን እብል።

ንምዃኑ ንሓፈሻዊ ሃለዋት ሃገርናን ፋሕ ዝበለ ኣተሃላልዋናን ብሓደ ወገን፡ ፍታሕ ዝደሊ ረማሲ ኩነታትና ከኣ ብኻልእ ወገን ኣብ ግምት ብምእታው፡ መስርሕ ልዝብ ብታሕቲ ይኹን ብላዕሊ፡ ኣብ ኣመሪካ ይኹን ኤውሮጳ ዋላ‘ውን ኣፍሪቃን ኣውስትራልያን ዝተጀመረ ልዝብ ንሃገራዊ ሓድነትን ሓባራዊ ኣሰራርሓ ደንበ ደለይቲ ፍትሕን ክሳብ ዝዓለመን ዝሓገዘን ብኣሉታ ምምልካቱ ንረብሓ መን?

ዝተፈለላዩ ሓሳባት ካብ ዝተፈላለዩ ሰባትን ቦታታትን ከም ዝምንጩ ስለ ዝኣምን እኩብ ድምር ናይቶም ኣበየ ቦታኡ ዝካየዱ ንምፍታሕ ሽግርና ዝጠቕሙ ሓሳባት ኣኪብካ፡ ደሚርካን ጸሚቝካን ንሕማምና መድሓኒት ዝኸውን ፍረ ክህቡ ስለ ዝኽእሉ ብደረጃ‘ቲ ህዝብና ዝጠልቦ ዘሎ ናይ ምድሓን ሕቶ፡ በሪኽና ክንጥምቶን ክንሰርሓሉን ብኣትኩሮ ክንሕልዎን እምበር ክንዕንቅፎ ኣይግበኣናን።

 

 

ብዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን

02 የካቲት 2016

BayAreaLogo 1

ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተቐማጦ በይ አርያ ፡ ኣብ ቀዳም 23 ጥሪ ዘቃንዕዎ ህዝባዊ ኣኼባ ፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ኣብ ኤርትራ ክንርእዮ ሃረር ንብሎ "ቅዋማዊ መስርሕ ምድማጽን ምምራጽን" ኣብ ግብሪ ኣውዒሎሞ። እቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ብተሳትፎ ብርክት ዝበሉ ኣባላቱ ዝተቓነዐ ህዝባዊ ኣኼባ ብዝኽሪ ጅግናን ውፉይን ስውእ ወዲ ዓሊ እዩ ጀሚሩ። ተሳተፍቲ ኣኼባ ነቲ ትውፊትን ኣበርክቶን እዚ ጅግና ዜጋ ድሕሪ ምጥቃስ ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ድማ ኣብነቱ ክኽተልን ሕድሩ ክጽንዑን ኣዘኻኺሮም። ወ/ሮ ፍረወይኒ ገርግሽ ንልቢ ኩሉ ተሳታፊ ዝትንክፍን ናብ ቃልሲ ዘነቓቕሕን ግጥሚ ኣቕሪባ። (ንምሉእ ትሕዝቶ ጥቢቆ ንወከስ)።

BayAreaLogo 2

ከም ዝዝከር በአ-ኤደለ ኣብ ታሕሳስ 2013 ኣብ "ስምረት" ዝብል ቴማ ንኹሉ ደላዪ ፍትሒ ፖለቲካዊ ውድቡ ብዘየገድስ ፡ ኣብ ሓደ ናይ ቃልሲ መድረኽ ንንጥፈት ዝዕድም ኮይኑ ፡ ብመሰረት እቲ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዘጽደቖ ቅዋም (ሕጊ ህንጻ) ፡ ንበአ-ኤደለ ንኽለተ ዓመት ዘካይድዎ ኣባላት ቦርድን ኣርታዕትን (ኦዲተራትን) ኣብዚ ዕለት እዚ መሪጽዎም። ነዚ ምርጫ ዘካይዱ "ኣምረጽቲ ሽማግለ" ኣብ ታሕሳስ 2015 ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ እዮም ተመሪጾም። እቲ መስርሕ ምርጫ ብኣዝዩ ምዕቡልን ስኒት ዝመልኦን ኣገባብ ፡ ልክዕ በመጠን ኣብ ደሞክራስያዊን ዝበልጸገን ሃገር ከምዘሎውን እዩ ተኻይዱ። ብመሰረት ቅዋም (ሕጊ ህንጻ) ንምርጫ ዘድሊ ብዝሒ ህላወ ኣባላት ኣባላት ድሕሪ ምርግጋጽ ፡ እቲ ግቡኤ ቅደም ተኸተላት "ምርቋሕ ሕጹያት" "ምድጋፍ/ምቅዋም" "ምድማጽ"ን "ምምራጽን" ኣብ መወዳእታ ክኣ ምውሳንን ብዘደነቕ ኣገባብ ተጌሩ። እዚ መስርሕ ምርጫ ደሞክራስያዊን ግሉጽን ምዕቡልን ምንባሩ ንኹሉ ተሳታፊ ኣዝዩ መሃሪን ንትጽቢት ተሳተፍትን ብፍላይ ድማ ነቶም ከይተሓለሉ ነዚ ኣገባብ ንኸንግሱ ዝተጋደሉ ገዳይም ተቓለስቲ ዘዕገበ እዩ ኔሩ።

BayAreaLogo 3

ኣብዚ ምርጫ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሕጽረት ጊዜን ሃልኪ ናብራ ኣሜሪካ ድንብርጽ ከይበሎም ንመሪሕነት ብወለንታ ክቐርቡን ነቶም ኣባላት ቦርድ ዝነበሩ ብጾታቶም ከብርዩ ድሌት ከርእዩ እንከለዉ "ናይ ብሓቂ እቲ ወንን ኒሕን ኤርትርዊ" ጌና ኣሎ ዘብል እዩ ኔሩ። ብክእለቶምን ተመኩሮኦምን ተወፋይነቶምን ኣዝዮኡም ብቑዓት ዝኾኑ ፡ 3 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 7 ኣባላት ቦርድን 3 ተጠባበቕቶምን ንበአ-ኤደለ ንኽለተ ዓመት ከም ኣባላት ቦርድ ክመርሕዎ ተመሪጾም። 70% እዞም ኣባላት ቦርድ ሓደሽቲ ሙዃኖም ነቲ ናይ "ብወለንታ ምትኽኻእ ባህሊ" ዘንጸባርቕ ኮይኑ ፡ ንቐጻሊ ዕማማት ዘድሊ ሕድሽ ሓይሊ ዝህብ እዩ። ነዚ ምርጭ ኣዝዩ ፍልዩ ዝገብሮ ድማ 3 ካብ ኣባላት ቦርድ ደቀንስትዮ ምዃነን (40%)፡ ነቲ ናይ ጀጋኑ ተጋደልቲ ኣሓትን ሕድሪ ዝጽንዓ ምዃነን እዩ።

BayAreaLogo 4

በዚ ኣጋጣሚ በአ-ኤደለ ንኹሎም ተሳተፍቲ ህዝባዊ ኣኼባ ብፍላይ ድማ ነቶም ከይተሓለሉ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝመርሕዎን ነዞም ነመጻኢ ክልተ ዓመት ክመርሕዎ እጅገኦም ሰብሲቦም ዘለዉ ኣባላት ብስም ማሕበርን ብስም ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያንን ናይ ልቢ ምስጋና የቕርብ። ኣስዒቡ ድማ ንኹሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ሰሜናዊ ኣሜሪካ ዝቕመጡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን በቢከባቢኦም ብዚ ኣገባብ ክውደቡን ክስርዑን እንዳዘኻኸረ ፡ ኣብዚ መስርሕ ዘድሊ ምትሕግጋዝ ክገብር ምዃኑ ሰናይ ድሌቱ ይገልጽ። እዚ ድማ ነቲ ኣብዚ ዝስዕብ ኣዋርሕ መዲብናዮ ዘሎና ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ "ስምረት" ንጥፈታት ዘቀላጥፍን ዘደንፍዕን እዩ። ዝያዳ ኹሉ ግን ነቲ ጽባሕ "ኣብ ዓድና ክንርእዮ እንደሊ መስርሕ ቅዎማውነትን ምርጫን" ሎሚ ኣብ ከባቢና ክነተኣታትዎን ክንነግሶን ፡ እዋኑ ዝጠልቦ ዕማም እዩ። ብተወሳኺ ድማን ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ተቐመጥቲ በይ-አርያን ክንዩኡን ፡ ኣብ ዝስዕበ መድረኽ ቃልሲ ፡ ብወገን በአ-ኤደለ ዘድሊ ምድላዋት ተጌሩ ኣሎ እሞ ፡ ኣብ ጽዕርታት ናጽነንትን ፍትሕን ፡ ኢደይ ኢድካ ንበሃሃል።

BayAreaLogo 5


በይ አርያ - ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ፍትሒ (በአ-ኤደለ)
ጥሪ 2016 ካሊፎርንያ ሕ.መ.ኣ

BayAreaLogo 6

ስዒድ ጅግና ፎርቶ
                                                         
ከመይ’ዩታ ኔሩ ትብዓት ጅግንነትካ
ታንክታት ኣምሪሕካ ፎርቶ ዝደየብካ
ሚድያታት ሒዝካዮ ድምጽካ ምስ ኣስማዓካ
ከድዓት ጠሊሞም ግዜ ምስ ከሉእኻ
ንክብርቲ ሂወትካ ፍጹም ከይበቐቕካ
ምእንቲ ህዝብካ በጃ ምስሓለፍካ
ብድሆ’ዩ ንዓኣቶም ሐበን ድማ ንህዝብካ።

ኣሻብ’ዩም ወሲኖም ንበይኖም ክከዱ
ዘልሐጥሐጥ ዝኣመሎም ጥዑም ዝለመዱ
ቃልሲ ናይ ሐርነት ኮምኡዩ መንግዱ
ገሊኦም ንህዝቦም ብመሰር ዝኸዱ
ገለ ሕድሪ ስወኣት ፍጹም ዝኸሐዱ
ብዊስኪ ብጮማ ክሳዶም ዘርጎዱ
ኣይውሐጠሎም’ዩ ምሳኻ ክኸዱ
ኮምኡ’ ዩ ዝሕሾም ክሳብ ዝፍረዱ።

እንታይ ምበሉካ እንኤኹ እንተትብሎም
መጋፍዑካዶ ኩሎም በቢ ኢዶም
ወይስ ምጎዛዘዩካ ከም ስጋ ሐሪዶም
መዳቀቁካዶ ከም ዓጽሚ ቀጥቂጦም
ወይስ መእተዉኻ ኣብታ ጋሃነብ ጉድጋዶም
ብኩሉ’ዩም ኔሮም ተዋዲዶም
ሰቢርካዮ እንዶሞ ወዮ ህርፋን ከብዶም።

ናይ ጅግና ታሪክ’ዩ እቲ ውሳኔካ
ከዲዔሙኒ  ኢልካ ምአስ ኢድካ ሂብካ
መስዋእቲ ሐላልዩ ምእንቲ ህዝብካ
ብዓቢኡ ድማ ከይተመራሳሕካ ።

ከመይ አላ  ሃገር’ዶ ትብል አሎካ
ጸቢብዋ ‘ሎ ሃገር ጽልግልግ ኢሉዋ
መንእሰይ ጠፊኡ ሲኢና ሓለዋ
ሞላካ ብዓቅሙ ውሽጣ ፈሊጥዋ
ሰራዊቱ ኣምሪሑ ዶባ ጥሒስዋ።
ተደራሪብዋ’ሎ ሽግር ብድሕሬካ
ዕዳጋ ወሪድን ወዳባት ሃገርካ
ሽሻይ ጓና ኾይነን ህዝበን ዘይሓቆፋ
ዝብላዕ ዘየለ ቀይርዎ ናቅፋ
ኣደ ተሸጊራ ህጻናት ሐቒፋ
ተባዕ ስኢናላ ሃገር ከምቲ ናትካ ብትብዓት ዝምክት ካብ ሽግር ዘናግፋ።

ሕድርኩ ዝትግብር ዝኣቱ መብጽዓ
ንሂወቱ ምእንቲ ህዝቡ ንቕድሚት ዝሰርዓ
ይብገስ ኣሎ መንእሰይ ናይ ውጹዓት እንግድዓ።
ጀጋኑ ስውኣትና ወትሩ ኣብ ልብና !!

23/ 01/ 2016
ወ/ሮ ፍረወይኒ ገርግሽ
በአ-ኤደለ

 


ንውጉኣት ኲናት ሓርነት ኤርትራ ብሓፈሻ ነቶም ንናጽነት ሃገሮምን ሓርነት ህዝቦምን ዝወደቁን ዝሰንከሉን እንክንሶም ዋላ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ 1991  ንነጀው እውን እንተኾነ ገጽ ሃገሮምን ህዝቦምን ክርእዩ ዕድልን መሰልን ዘይረኸቡ፣ ኣብ ክንድኡ ከም ሓደ ገዲም ንብረት ኣብ መደበር ኣካለ ስንኩላን ኤርትራ ኣብ ከሰላ፣ ሱዳን ተደርብዮም ብቃንዛኦምን ብዕድሎምን ክሳቀዩ ዝነብሩ ንዘለዉ ጀጋኑና፣ ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ ንምሕጋዞም እጃሙ ከበርክት፣ ብግዱሳት ዜጋታት ኣብ ጥሪ 2013 ዝተመስረተ ማሕበር ካብ ግዜና ብግዜ እንዳዓኾዅ ብምምጻእ፣  ምስኡ ብምትእስሳር ሓገዛቱ ውን እንዳደንፈዐ ይመጽእ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ብኡ መሰረት እዚ ማሕበርዚ ኣብ ዓመተ 2015 ንውጉኣት ኲናት ኤርትራ ኣብ ከሰላ ንምሕጋዝ ካብ ምዝጉባት ኣባላትን ዘይምዝጉባት ተደናገጽቲ ዜጋታትን ብመንገዲ ምዱብ ዓመታዊ ክፍሊትን ብመንገዲ ተወሳኺ ህያባትን ዝተዋህለለ ገንዘብ ብድምር NKR17,941(ዓሰርተ ሸውዓተ ሽሕን ትሽዓተ ምእትን ኣርበዓን ሓደን ኖርወጅያን ክሮነር) ኣታዊ ገይሩ ከምዘሎ እቲ ማሕበርን ኣባላቱ ኣብ ዝሃቦ ዓመታዊ ጽሑፋዊ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ካብዚ ገንዘብዚ 9,350 ክሮነር ብመንገዲ ምዱብ ዓመታዊ ውጺእት ዝተዋህለለ ክኸውን እንከሎ፣ ዝተረፈ 8,591 ክሮነር ግን ብመንገዲ ተወሳኺ ሓገዝን መሸጣ መግቢ ኣብ ከተማ ኦስሎ ኣብ ዝተጋበአ ኣኼባን ዝተረኽበ ምዃኑ ውን እቲ ዝቀረበ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ክብርን ሞገስን ንስዉኣትናን ስንኩላትናን!!
ፍትሕን ሰላም ድማ ንህዝብና!!

ኣካያዲ ሽማገለ ማሕበር ሓገዝ ንውጉኣት ኲናት ሓርነት ኤርትራ- ኖርወይ

Womens Day

ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራን ኔትዎርክ ደቂንስትዮ ኤርትራን ጀርመን ከምኡ’ውን ንሰፊሕ ጥርናፈ ደቂኣንስትዮ ዝቃለሳ ወልቀ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ብምትሕብባር፡ ንሸሞንተ መጋቢት ዕለት 12.03.2016 ኣብ ፍራንክፈርት ጀርመን ክነብዕልስለ ዝኾንና፡ ንዅሉ ደላዪ ፍትሕን ማርነትን ንዕድም ኣለና። ኣብዚ ንመሰልና ኣሎና ባዕልና! ኢልና ነዳልዎ ዘለና በዓል 8 መጋቢት ብዛዕባ፡-

  1. ንዓና ንደቂኣንስትዮ ኤርትራ ተጠርኒፍና ብግቡእ ንኸይንቃለስ ዝዕንቅፉና ዘለው እንታይ’ዮም?
  2. ሰፊሕን ድልዱልን ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራኸ ብኸመይ ክንምስርት ንኽእል?

ዝብሉ ነጥብታት ክንመያየጥን ክንካታዕን ምዃንና ንሕብር።

 በዓል ንገብረሉ ቦታ

 Saalbau Nied Heinrich – Stahl – Str. 3

65934 Frankfurt - Nied

 ዕለት፡ 12.03,2016

ሰዓት፡ 1500-2200

 ብደሓን ምጽኡ

ኣዳለውቲ ሽማግለ በዓል 8 መጋቢት 2016

HusseinMohamed Ali 1

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ካብ ሓምሳታት ጀሚሩ ፖሎቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ቁኑዕ ሃገራዊ መልክዑ እንዳሓዘ ኣብዝኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ቀንዲ ዕላምኡ ንምብጻሕ ብከዕውትዎ ዝኽእሉ ዝተፋላለዩ ምስ ሓቀኛ ክውንነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝተኣሳሰሩ ጸለውቲ እዮም ዝበሃሉ ንመሰረታዊ እምነቱ ከም መበገሲኡ ወሲዱ ናይ ቃልሲ ሜላታትን ኣገባባትን እንዳተኸተለ ሓርነታዊ ቃልሱ ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ፡ ኣካል ናይዚ ሓድሽ ትንሳኤ’ዚ ኮይኖም ዓቢ ሃገራዊ ግደ ዘበርከቱ ኤርትራዊያን ስነጥበባውያን ከም ዝነበሩን ክሳብ ሕጂ ውን ከይተሓለሉ ሃገራዊ ጉቡኦም ዝፍጽሙ ስለ ዘሎዉ ሃገር ዝኾርዓሎምን ዝሕበነሎምን ኮይኖም፡ መትኒ ናይ ሰውራውን ሃገራውን ቃልሲ እዮም ክበሃል ይከኣል።

HusseinMohamed Ali 2

            በያን ነጋሽ     ሳባ መምህር ፍሰሃየ     ሰመረ ሃብተማርያም      ከዲጃ ዓሊ መሓመኑር  ደክቶራ ኣስያ ዓብደልቃድር ስዒድ   ኣስገደት ምሕረተኣብ

ኣብ ታሪኽ ናይ ዝተናውሐ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክንርኢ እንተ ዂና መብዝሕተኦም ኣብ ዝተፋላለያ መዚቃዊ ባንድታት ዝነበሩ ስነጥበባውያን እቲ ዘመሓላልፍዎ ዝነበሩ ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ተልእኾኦም ካብ ናይ ወገናውን ዓልየታውን ሃይማኖታውን ብሓፈሽኡ ካብ ድሑር ዝምባሌታትን ስምዒታት ነጻ ኮይኖም ንሓቀኛ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝዕድምን ዘረጋግጽን ክኸውን ከሎ፡ ብኡ ኣቢሎም ከኣ ህላውነት መግዛእታዊ ስርዓት ኣሕጺርካ ናብ ፍጹም ዓወት ንምብጻሕ ዝዕላምኡ እዩ ነይሩ። ስነጠበባውያን እምበኣር ኣብ ታሪኽ ዝተናውሐ ሃገራዊ ቃልስና ኣብ ኩሉ’ቲ ዝተኻየደ መስርሕቃልሲ ቀንዲ ተዋሳእቲ ኮይኖም ዓቢ ግደ ዘበርከቱ ምንባሮም፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝለዓለ ቦታ ሒዞም ከም ዝርከቡ ኣየጠራጥርን።

መብዝሕተኦም ስነጥበባውያን ኣብ ዓሚቕ ሃገራዊ ንቕሓት ዝተሞርኮሰ ብዝውንንዎ ባህላውን ልምዳውን ክእለቶም ንዕኡ ዘንጽባርቕ ኮይኑ ንረብሓ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዘገልግል ስለ ዝነበረ እቲ ዝቐርብ ዝነበረ ደርፍታት ተቐባልነቱ ክብዝበለ ኮይኑ ህዝባዊ ናህሪ ንደገፍ ሰውራ ኣዝዩ ስለ ዝዓበየ ንመግዛእታዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ይኹን ደርግምስ’ቲ ኩሉ ብዳዔኡ ኣርዒዱ መኣዝኑ ከም ዝስሕት ገይርዎ ኣዩ።

እቶም ህቡባት ስነ ጥበባውያን ንሃገራዊ ፖሎቲካዊ ተልእኾኦም ናብ ህዝቢ ከማሓላልፉሉ ከሎዉ ከም ልብወለድ ከምዛንታ ከም ፍቕሪ ኣምሲሎም ዝተፋላለየ ሜላታት እንዳተጠቐሙ ዝደርፍዎ ዝነበሩ ኣብ ህዝቢ ዓቢ ተቐባልነት ረኺቡስ ንኽርድኦ ጸገም ስለዘይነበሮ ውጽኢት ኣበርክቶኦም ከኣ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ካብ ክልቲኡ ጾታ መንእሰይ ሃገራዊ ጉቡኦም ንምፍጻም፡ ናብ ሰውራ ብብዝሒ ተሰሊፎም እዮም።

እዚ ምውሓዝ ናይ መንእሰያት ንህላውነት መግዛእታዊ ስርዓት ኣስጋእን ሓደገኛን ስለ ዝነበረ፡ ህዝቢ ደገፉ ኣነጺሩ ናብ ሰውራኡ መታን ከይጽንበር ተባሂሉ ኣቐዲሙ ንዘውጽኦ ተንኮለኛ ስትራትጅኡ ክፈሽሎ ስለ ዝጀመረ ናይ መኣዝኑ ምስሓት ምልክት፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ምፍርራሕን ማእሰርትን ብመቕተልትን ውን ከይተረፈ ወላ እንተፈተነ ነቲ ደገፍን ናይ መንእሰያት ናህሪ ምውሓዝን ክዓግቶ ኣይከኣለን።

ካብዞም ዝተጠቕሱ ሓቅታት ብምብጋስ እምበኣር፡ ህቡብ ድምጻዊ ሑሴን ዓሊ፡ ሓደ ካብኣቶም ክኸውን ከሎ፡ ድሕረባይትኡ ኸ፡ ከመይ ይመስል ንዝብሉ ሕቶታት ክምልሽ እንተ ደኣ ኮይነ ብዘሎኒ ናይ ነዊሕ ኣፍልጦን፡ከምኡ ውን ሓበሬታታት ምእካብን ኣብኦም ተሞርኲሰ፡ ብሕጽር ዝበለ ከገልጾም ክፍትን እየ።

ድምጻዊ ሑሴን ዓሊ፡ ኣብ ሰምሃር ከተማ ጊንዳዕ ተወሊዱ ናይ መጀመርታ ካብ ህጻኑ ናብ ቤት ትምህርቲ ከኸይድ ምስ ጀመረ፡ምስ`ቲትምህርቱ ካብ ህጻንነቱ ጎድኒ ንጎድኑ፡ እቲ ናይ ምዚቃ ናይ ምስማዕን ምስትምቓርን እቲ ወኒ ካብ ሽዑ ክጅምሮ ከሎ፡ እንዳዓበየ ውን እቲ ሙዚቃዊ ስምዒቱ እንዳ እማዕበሎ እዩ ከይዱ።

ካብ ጊንዳዕ ናብ ባርካ ምስ ተጓዕዘ ኣብ መንጎ ከረንን ኣቑርዳትን ትርከብ ንእስ ዝበለት ዓዳርደ እትባሃል ብሓውሲ ከተማ ትፍለጥ፡ ኣብኣ ንኽነብር ምስ ከደ ከይደንጎየ ውን ኣብኡ ትምህርቱ እንዳቐጸለ ከሎ፡ እቲ ናይ መዚቃ ሓቀኛ ድልየቱ ውን ከይተፈልዮ መጓዕዝቱ ኮይኑ እንዳዓበየ ምኻዱ ምልክት ናይ ሙዚቃዊ ዝምባሌኡን ወናምነቱንእዩ ዘረጋግጾ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ኣብ ዓዳርደ እንዳተማሃረ ንነዊሕ ግዜ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝለዓለ ትምህርቱ ናብ ከተማ ኣስመራ ምስ ገዓዘ ኣብኡ ምስ ኣኮታቱንሶም፡ ውሩይ ስነ ጥበባዊ ኣልኣሚንዓብደለጢፍን፡መሓመድ ዓሊ ሓልን፡ ክነብር ከሎ፡ወላኳ ኣብ መጀመርታ እቶም ኣኮታቱ ነቲ ጀሚሩዎ ዝነበረ ናይ ምዚቃ ወኑ ገዲፉ ኣብ መኣዲ ትምህርቱ ጥራሕ ከተኩር መጻኢ ሂወቱ ካብ ሙዚቃ ርሒቑ ክሰርዕ ከምዘሎዎ ዝብል ርእይቶ ሒዞም ደጋጊሞም ከዕግብዎ ወላ እንተ ፈተኑ ንኹሉ’ቲ ጻዕርታቶም ስለ ዘይተዋሕጠሉ ክቕበሎ ኣይደለየን ኣይከኣለን ውን፡ በንጻሩ ነቲ ዛጊት ጀሚሩዎ ዝነበረ ወኑ ኣጸቢቑ ከማዕብሎን ክራቐቐሉን ከም ቀንዲ ሞዩኡ ወሲዱ ጉዕዞ ሂወቱ ክሰርዕን ከቕጽሎን ከሎ ኣብ ናይወኒ ድልየቱ ዝተሞርኮሰ ኸኣ ብኣግኡ ምስቶም ገዳይም ስነጥበባዊያን ተሰሪዑስ ኣባል ናይ ማሕበር ትያትር ኣስመራ ክኸውን በቒዑ እዩ፣

ኣብ ናይ መጀመርታ ኣብ መድረኽ ደይቡ በቲ ወናም ድምጹ ክደርፍ ምስ ጀመረ፡ ኣብቶም ተዓዘብቲ ዓቢ ኣድንቖትን ምትብባዕን ክረአ ከሎ፡ኣብ ሰፈሕ ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ዝነኣድ ተቐባልነት ምርካቡ ነቲ ሞዩኡ ብዝያዳ ከማዕብሎን ኣብ ምዚቃ ክባላሓትን ምስ ሃገር ዝተኣሳሰሩ ዜማታትን ደርፍታትን ከዳሉ ነዊሕ ግዜ ኣይወሰደሉን።

ኣብቲ ዝካይድ ዝነበረ ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ቃልሲ ኣድማዕን ኣወንታውን ግደኡ ክጻወት ከም ዘሎዎ ብሓላፍነት ስለ ዝወሰዶ ኣብ ናቱ ዝና ዝተሞርኮሰ እቲ ሰውራዊ ተልእኾኡ ብቀልጡፍ ናብ ኩሉ ኽዝርጋሕከሎ ሓደ ካብቶም ከዋኽብቲ ስነ ጥበባውያን ምዃኑ ብግብሪ ተረጋጊጹ እዩ። እቶም ንሑሴን መሓመድ ዓሊ ኣብ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ከም ክኢላ ደራፋይ ኣጸቢቑ ከፍልጦ ዝኸኣለ ቀንዲ ረቛሒ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ኣብ ጊንዳዕ ከሎ ትግረን ዓረብን፡ ናብ ባርካ ምስ ከደ ውን ትግረን ዓረብን ይመሃርን ማዓልትዊ ዝዛረበሎም ስለ ዝነበሩ፡ ከም ቋንቅኡ ኣጸቢቑ ከማዕብሎም ክመልኮምን ክኢሉ ኡዩ፡፡

ናብ ኣስመራ ምስ ገዓዘ ኸኣ፡ ብመሰረቱ እቲ ህዝቢ ዝጥቀሙሉ ቋንቅኡ ትግርኛ ስለዝኾነ፡ሑሴን ቤት ትምህርቱ ምስ ጀመረ፡ ንቋንቋ ትግርኛ ኣጸቢቑ ክመሃሮን ብዕምቀት ክፈልጦን ውን ኣዝዩ ሓጊዙዎ እዩ።

በዚ ዝተገልጸ ኸኣ ሑሴን መሓመድ ዓሊ ሰለስቲኡ ቋንቋታት ማለት ትግርኛ ትግረ ዓረብ የማልእ ስለ ዝነበረ እዩ ብሰለስቲኡ ቋንቋታት ዜማታቱን ደርፍታቱን ባዕሉ ከውጽንበቲ ደጋጊምካ ሰሚዕካዮ ዘይምኖ ጥዑም ድምጹ ኣሰኒዩ ኣብ መድረኽ ወጺኡ ብነብሰ ምትእምማን ክደርፍከሎ ብዘይቋርጽ ጨብጨባን ትደገም ዝብል ናይ ተዓዘብቲ ድምጺ ምንባሩ ብኡ ኣቢሉ ውን ቁልጡፍ ተቐባልነቱ፡ ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ከይተሓጽረ ብዳረጃ ማእከላይ ምብራቕ ይኹን ዓለም ኣዝዮም ዝንእዱ ሰማዕቲ ክረክብ ምኽኣሉ ናይ ብቕዓቱ መለለይን መረጋገጽን ህያው ዝኾነ ምስክርእዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ሰብዓታት ማለት እቲ ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ናህሪ ምስ ዕብየትን ምዝርጋሕን ናይ ሰውራ ኤርትራ ብዝይዳ ውን ኣብ ከተማ ኣስመራ ይኹን ካልኦት ከተማታት ርኡይ ዝርጋሔ ስለ ዝነበረ፡ እዚ ሓድሽ ኩነታት’ዚ ንመብዝሕተኦም ስነጥበባውያን ምስ’ቲ ዝጸንሖምሰውራዊ ዝምባሌ ንኸማዕብሉዎን ብዝተፋላለየ ኣገባባት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘሐይልን ዘደልድልን ክደርፉብፍላይ ንመንእሰይ ብስርርዕ ይኹን ናብ ሰውራ ተሰሊፎም ሃገራውን ሰውራውን ጊዲኦም ከበርክቱ ኣጽቢቑ ኣተባቢዑዎም እዩ።

ሑሴን መሓመድ ዓሊ ምስ’ ዝጸንሖ ልዑል ስምዒትን ናይ ደርፊ ህቡብነትን ከምቶም ብዙሕት ስነጥበባውያን ኩሉ ገዲፎም ናብ ሜዳ ምስ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን ተቓላሳይ ህዝብን ኮይኖም ብዝሓየለ ከቃለሱ ዝብል ቆራጽ ውሳኔኦም ምስ ወሰዱ፡ ብዙሓት ፍሉጣት ስነጥበባውያን ናብ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክጽምበሩ ከሎዉ ሓደ ካብኣቶም ሑሴን መሓመድ ዓሊ እዩ ነይሩ።

ኣነ ሓደ ካብ መሪሕነት ሰውራዊ ባይቶ ኮይነ ኣብ ባርካን ከባቢኡን ስለ ዝነበርኩ ነቲ ካብ ነዊሕ ኣትሒዘ ድምጾም ክሰምዕ ከሎኹ ኣዝየ ይምሰጥ ሰለ ዝነበርኩ ሓደ ግዜ ተስፋ ይገብር ብዓይነይ ክርእዮም ብኣካል ክረኽቦም ዝብል ዝነበረኒ ትምነተይ ተጋሂዱስ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ናይ ሰብዓን ሓሙሽተን ናብ ሜዳ ክወጹ ከሎዉ ንሑሴንን ካልኦትን ካብ ዝተቐበሉዎም ኣነ ሓደ ኮይነ ብሓፈሽኡ ኩነታት ናይ ሜዳን ተመኩሮታትን ዘሎ ሓድሽ ምዕባሌታትን ብሰፊሑ ምስ ገለጽኩሎም እቲ ሓባራዊ ቃልሲ ሓቢርና ጉዕዞና ክንቅጽሎ ምኽኣልና ንዓይ ፍሉይ ተዘኩሮታት ኮይኑ ክሳብ ሕጂ ካብ ኣእምሮይ ኣይክወለንን።

HusseinMohamed Ali 3ሑሴን ምስ ናይ ብሩህ ተስፋ ፍሽኽትኡ፡ ሃገራዊ ምምኽኻር ውሕስነት ሓድነት፡ስሌማን ሑሴን ኣብጎድንኻ

ሕጂ ውን ሑሴን መሓመድ ዓሊ ነዚ መድረኽ ኣበጊሱዎ ዘሎ ሃገራዊ ምምኽኻር ዝብል ሰውራውን ሃገራውን ጭርሖ ኩሉ ደላይ ለውጢ ብሰውራዊ መንፈስ ርእዩ ተቐቢሉ፡ ነዚ ንሃገርና ኤርትራ ዘንጻላልዩዋ ዘሎ ከቢድ ድነ ንምቕንጣጡ፡ ኩሉ’ቲ ወሪዱዋ ዘሎ ግፍዕታት’ነቶምጠንቅታቱ ካብ ስሩ ኣሊኻ ሕግን ማሕበራዊ ፍትሕን ሃልዩ ብቑዋም እትመሓደር ሃገር ንምውናን ዝዕላምኡ ዝኣመተ ስለ ዝኾነ፡ ኩሉና ደለይቲ ለውጢ ብንውንኖም ዓቕምናን ተሞኩሮናን ንኸነዕውቶ ክንቃለስ ከም ዝግበእእንዳበለ ደጋጊሙ ከዘኻኽር ከሎ፡ ብወገኑ ውን ነቶም ብዙሓት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ኣብ ዲያስፖራ ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ዝነብሩ ዘሎዉ ምኩራት ስነጥበባውያን፡ ምስኦም ኣድላይ ርኽክባት ገይሩ ብሓደ ተጠርኒፎም ነዚ ዝድለ ዘሎ ለውጢ ከዐውትዎ ምእንቲ ኣብ ሃገራዊ ሕልንኡ ዝተሞርኮሰ ክጽዕር ከምዝኾነ ክሕብርን ክረጋግጽን ከሎ፡ ናይ ብሓቂ ነዚ ተበግሶኡን መርገጹን ተወፋይነቱን ዕውት መታን ክኸውን ንሕና ውን ብወገና፡ ንሃገር ኣብ ቀዳምነት ሰሪዕና ካብቶም ዝሓለፉ ዘየዐውቱና ኣብ ተመኩርና ዝተማርኮሰ ተማሂርና ምእንቲ ሃገር ሕድገታት ጌርና ብሓድሽ መንፈስ ክንብገስ ጉቡእና ኡዩ ክብል ከሎኹ፡ነዚ መድረኽ ይኹን ሑሴን ኣበጊሱዎ ዘሎ ሃገራዊ ጸዋዒት መርሓባን ክንብል ከሎና ክእለዩ ክእረሙ ኣሎዎም እንብሎም እንተሃልም ውን ብቀጥታዊ ተሳትፎናን ጻዕርታትናን ክነዕውቶም ከም ንኽእል ኣይጠራጠርን እንዳበልኩ፡ ብወገነይ ዓቢ እምነትን ድልውነተይን እንብረሉ።

ዘልኣልማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

ዝተማልአ ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ፡

መሓመድ ብርሃን ብላታ፡

 



ዘሕጉስ ዜና ኣበርክቶ

Friday, 29 January 2016 10:34 Written by

ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን ግዱሳት ኤርትራውያንን ንሓገዝ እቶም ኣብ ሱዳን ከሰላ ሓያል ኩነታት ኣየር ወሲኽካ፡ ብብዙሕ ጸገማት ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣካለ ጽጉማን ንምሕጋዝ ዝውዕል 1,100 ዩሮ ኣወፍዮም። እዞም ኣብ ቱቢንገንን፤ ሮትሊንገንን፤ ሽቱትጋርትን ከባቢኡን ዝነብሩ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኤርትራውያን ነዚ ዝተጠቕሰ ዓቐን ገንዘብ ዘበርከቱ ዓመተ 2016 ካብ ዝኣቱ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልአ ግዜ እዩ።

ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ፡ ብሓፈሻ ንኹሎም ኩነታት ጽጉማን ኣካላት ኣብ መደበር ውጉኣት ሱዳን ከሰላ ከም ጉዳዮም ወሲዶም ንዘበርከቱ፡ ብፍላይ ድማ እዚ ናይ ሓገዝ ምእካብ ዕማም ዕዉት ንክኸውን፡ ብኣካልን ብተለፎንን ዘይሕለል ጻዕሪ ንዝገበረት ሓውቲ ትርሓስ ኣማኑኤል ዕዙዝ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ኣተሓሒዙ ድማ ነዞም ጽጉማን ኣሕዋትና ናይ ምሕጋዝ ተግባር ቀጻሊ ንክኸውንን ካልኦት እውን ክሳተፍዎን እቲ ማሕበር መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ብረቡዕ ዕለት 27 ጥሪ 2016 ብርክት ዝበሉ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያንን ከምኡ እውን ሆላንዳውያን ብሓባር ኣብቲ ፕሮፈሶር ምርያም ዝተባህለት ሆላንዳዊት ብሓደ ኣባል ናይቲ ብስርዓት ህግዲፍ ዝምራሕ ማሕበር መንእሰይ YPFDJ ተኸሲሳ ዝቀረበትሉ ቤት ፍርዲ ተረኺቦም ነይሮም። ዕላማ ናይቶም ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ኤርትራውያንን ሆላንዳውያንን ድማ፡ ንተኸሳሲት ፕሮፈሶር ምርያም ሞራላዊ ደገፎም ንምግላጽን፡ ምስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝነበራን ብዘለዋን ምድግጋፍ ንምድንጋጽን እዮም ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝተረኽቡ። ፕሮፈሶር ምርያም ንኤርትራውያን ስደተኛታት እትጣበቕ መምህር ኣብ ዩንቨርስቲ ቲልብሩኽ እያ። ፕሮፈሶር ምርያም ተኸሲሳ ናብ ቤት ፍርዲ ንኽትቀርብ ዝገበር ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ ንሓደ ኣባል  ካብ መጋበርያታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ፣ ንዝነበሮ ናይ ስራሕ ቦታ ተጠቒሙ፡ ንኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ብምትላል፤ ንኣገልግሎት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕጊ ኣልቦ ስርዓት የካይዶ ንዝነበረ ስራሓት፡ ብጋዜጣን ብቴለቪዝዮንን ስለዘቃልዐት እዩ።

ቤት ፍርዲ፡ ብጠበቓታት ክልቲኡ ሸነኻት ከሳስን ተኸሳስን ንዝቐረበሉ ቃል ድሕሪ ምስማዕ፡ እቲ ፍርዲ ንዕለት 10 ለካቲት 2016 ንኽብየን ብቖ`ጸራ ኣማሓላሊፍዎ ምህላዉ ድማ ካብቲ ቦታ ዝበጻሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ከሳሲ ካብቲ ሒዝዎ ዝጸንሐ ናይ ምትርጓም ስራሕ መባረሪኡ ቀንዲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ነቶም ኣብቲ ስራሕ ዘዋፍርዎ ዝነበሩ ዝምልከት እኳ እንተኾነ፡ ንሱ ግን እቲ ፕሮፈሶር ምርያም ብጋዜጣን ቴለቪዝዮንን ብዛዕብኡ ዘቕረበቶ መግለጺ፣ ጠንቂ ናይ ካብ ስራሕ መስጐጒኡ ምኽንያት ገይሩ፤ ኣብ ልዕሊኣ ክሲ መስሪቱ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ብYPFDJ ዝፍለጥ ናይ መንእሰያት ማሕበርዚ ኣብ ወጻኢ ዓይንን  እዝንን ናይቲ ኣብ ኤርትራ ንህዝቢ ፊን ክምዘበሎ ንዜጋታት ዝኣስርን ዘጥፍእን ዘሎ ስርዓት ኰይኑ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብተን ንመነባበሪኦም ዝረኽብወን ሓገዝ ከይተረፈ 2% ንኽኸፍሉ ዝላዓለ ጐስጓሳት ዘካይድ ማሕበር እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅዋምን ሕጋጋትን ንዘሳቒ ዘሎ ስርዓት ዕድመ ስልጣኑ ከተናውሕ እንዳጸዓርካስ፡ ንነብስኻ ተጠቓሚ ህዝብታት ተቓሊሶም ናይ ዘረጋገጽዎ ሕግን ፍትሕን ክትከውን ምፍታን ድማ ስጊጢርነት ኣባላት ምልኪ እዩ።   

EMDHRLogo

ብሓልዮት ማእከል ተሳትፎ ዜጋታት ኣብ ሓድነት ኣፍሪቃ (Centre for Citizens Participation in the African Union) ዝተጋብአ 6ይ ጉባኤ ዜጋታት ኣፍሪቃ ካብ ዕለት 21-23 ጥሪ ኣብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ: ኣዲስ ኣበባ "ዓመት ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሪቃ: ብፍላይ ድማ ኣብ መሰላት ደቀንስትዮ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተጋቢኡ። ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ሓሙሽተ ኤርትራውያን ዝረከብዎ ተጣበቕቲ መሰላት ክሳተፉ ኣተሓባቢሩ።

እቲ ዋዕላ ብሰፊሕ ኣብ ኩነታት ምሕደራን ሰብኣዊ መሰላትን ኣፍሪቃ ዘትዩ። እቲ ቀንዲ ኣተኩሮ ድማ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዓውዲ እዚ ንዘመዝገበቶ ዓወታትን፡ ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ዝብል እዩ። ገለ ካብቶም ብግብሪ ዝተመዝገቡ ዓወታት ድማ ምቛም ኣፍሪቃዊ ቻርተር ንሰብኣውን ህዝብታትን መሰል፡ ምቛምን ትግባረን ኮሚሽን ኣፍሪቃዊ ፖሊሲ ጥዕናን፡ ምቛም ኣፍሪቃዊ ቤትፍርዲ ፍትሒን ይርከብዎም። ንምሕደራ ብዝምልከት ድማ ኣፍሪቃዊ ህንጻ ምሕደራን ምስኡ ዝተሓሓዙ ትካላትን ሕጋዊ መጋበርያታትን፡ ከም ኣብነት ፓርላማ ፓን-ኣፍሪካ፡ ቻርተር ኣፍሪቃ ንዲሞክራስን፡ ምርጫን፡ ጽቡቕ ምሕደራን ብሓድነት ኣፍሪቃ ዝተበጽሑ ርኡያት ምዕባለታት እዮም። የግዳስ ነዞም ስምምዓት ፈልከት ከይበልካ ኣብ ምትግባሮም ሕጽረታት ከምዘሎ ኣገንዚቦም። ገለ ኣባላት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ነቲ ዝተሰማምዕሉ ውዕላት ከተግብርዎ ብዘይምኽኣሎም፡ ነቲ ኣብ ፕሮጀክት ኣፍሪቃ ዘለዎም ተገራጫዊ መርገጺ ዘብርህ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቲ ገኒኑ ዝርአ ጉድለት ምሕደራን ዘይተሓታትነት ክህሉ ዓቢ ተራ ይጻወት።

ከም ኣብነት ድማ፡ ንኹነታት ኤርትራን ብሩንዲን ተጋባእቲ ብፍሉይ ተዘራሪቦሙሉ። ብኤምዲሰመን ናይ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ሕብረት ሲቪላውያን ምንቅስቓሳት ዝተደገፈ ንህሉው ምግሃሰ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝድህስስ ጎድናዊ ዓውደ መጽናዕቲ ተኻይዱ። "ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ኣይተሰማዕናን" ብዝብል ቴማ ክልተ ኣስተምህሮታት ተዋሂቦም። ነቲ ብዝተወደበ ኣገባብ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝድህስስን ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ኣብቲ ዞባን ዘለዎ ኣሉታዊ ጽልዋን ብዶ/ር በረኸት ብርሃነ ወልደኣብ ቀሪቡ። ምስ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብምዝማድ ድማ ሓድነት ኣፍሪቃ ዋላሓንቲ ደገፍ ከምዘይገበረ ዘነጽር ትዕዝብቱ ኣቅሪቡ። እቲ ካልኣይ ኣስተምህሮ፡ ጓለንስተይቲ መንእሰይ ኣብዚ ቀረባ ህይወታ ኣብ ሓደጋ ኣእትያ ናብ ስደት ዘምርሐት እዩ ቀሪቡ። እታ መንእሰይ ነቲ በቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ኣብ ህይወታ ዘጓነፋ ሕማቕ ተሞክሮ ብምዝንታው ንልቢ ተጋባእቲ ተንኪፋ። ከም ጓል ላዕለዋይ ሓላፊ ህግደፍ ዝነበረ ሕጂ ኣብዘይተፈልጠ ማሕዩር ዝማስን ዘሎ መጠን ድማ፡ እቲ ስርዓት ንኹሎም ቤተሰቡ ብሕሱም ብምክልባት፡ ኩሉ ንብረቶም ብምርሳይ ክነብርሉ ኣብዘይክእሉ ደርጃ ከም ዝደርበይዎም ገሊጻ። ንሳ ካብቲ ዲግሪ ንምሓዝ ትመሃረሉ ዝነበረት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርታ ከም ዝተሰጕጕት ሓቢራ።

ኣብ ዛዛሚ መግለጺ 6ይ ጉባኤ ዜጋታት ኣፍሪቃ፡ ሲቪላዊ ምንቅስቓስ ኣፍሪቃ ዝኣመሞ ጉዳይ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣብ ኣጀንዳ ሕብረት ኣፍሪቃ ንዘተ ክተሓዝ፡ ንጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ ክቕበሎ፡ ንጉዳይ ኤርትራ ኣብቲ ዝመጽእ ኣኼባ ኮምሽን ኣፍሪቃ ኮሚሽን ንሰባዊን ህዝባውን መሰላት (African Commission on Human and Peoples Rights – ACHPR) ናብ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ክመሓላልፎ ዝብሉ እማመታት ኣጽዲቑ። እቲ ኮንፈረንስ ብተወሳኺ ኩሎም ኣፍሪቃውያን ሲቪካዊ ምንቅስቃሳት ኣብ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ምሉእ ምትሕብባርንን ደገፍን ክገብሩሎም ኣተባቢዑ። ምስኡ ብዝተሓሓዝ ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ ንተሳተፍቲ ሲቪካዊያን ማሕበራት ኣፍልጦ ኣፍሪቃውያን ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ክዓቢ ዘይሕለል ጻዕሪ ክገብሩ፡ ምስ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ብምውህሃድ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ መንግስቶም ኣፍልጦን ተገዳስነት ክዓቢ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ክገብሩ ተማሕጺኑ።

ጉጅለ ኤርትራውያን ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ ኣቶ በሺር ይስሓቅ ዓብደላ፡ ዶ/ር በረኸት ብርሃነ ወልደኣብ፡ ኣቶ ነስረዲን ኣሕመድ ዓሊ፡ ወይዘሮ ከድጃ ከሊፋ ማሕሙድ፡ ስደተኛ መንእሰይን፡ ዶ/ር ኣዳነ ገብረመቀልን እዮም።

ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ

24 ጥሪ - 2016