ክቡራት ኣባላት መድረኽ ሃገራዊ ዘተ
ክቡራት ዕዱማት ተሳተፍቲ
ኣቐዲመ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘስካሕክሕ ኩነታት ብምርዳእ ህዝብና ንምድሓን ዓቕምታት ሓርነታዊ ቃልስና ክትጥርንፉ ዝወሰድኩምዎ ተበግሶ እናድነቕኩ፡ ከም ኤርትራዊት ዜጋ ኣስተውጽኦይ ከበርክት ዕድል ዝሃብኩምኒ ብልቢ አመስግን። መደብኩም ብሓቂ ኣዝዩ ኣድላይን እዋናውን’ዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቅዱስ ዓላማ ዘበግሶ ኣኼባታት ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ክግበር ክተባባዕ ዘለዎ እዩ። ዕዉት መደብ ክኾነልኩም ድማ እምነ።
ኣስዒበ ነቶም ዘይትፈልጡኒ ክላለየኩም፡
ኣስገደት ምሕረትኣብ እበሃል። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ካሊፎርኒያ እነብር። ከም ተጋዳሊት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣባል ወትሃደራዊ ሕክምናን ኣባል መሪሕነት ጠቕላል ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ (ጠ.ማ.ደ.ኤ) ኮይነ ኣገልጊለ።
ኣብ ስደት ድማ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ጸኒሑ ሰልፊ ህዝቢ ድሒሩ’ውን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ኮይነ ክሳብ ሒጂ እቃለስ ኣለኹ። ብዘይካ’ዚ ኣባል ቦርድ ናይ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር (EDA) ኮይነ አሰርሕ። ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር ምዝጉብ ናይ መኽሰብ ኣልቦ (Non Profit Organization) ንኣብ መደበር ስደተኛታት ሱዳን ዝርከብ መባእታዊ ቤት-ትምህርቲ ወዲ-ሸሪፈይ ምስ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከባ ናይ ኤ. ደ. ማ. ማሕበራት ብምትሕብባር ይናቢ። ኣብ ሓርነታዊ ቓልስና ንዝሰንከሉ ተጋደልቲ (መደበር ውጉኣት ሓርነት ኣብ ከሰላ) ብዓቕሙ ምስ ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ይተሓጋገዝ። ብተወሳኺ ናይ ማዕዶ ወላዲ (Foster Parenting) መደብ የካይድ። ኣብ ዲያስፖራ ዘሎና ኣብ ሱዳን ንዘለዉ ስደተኛታት ህጻናት ክንሕግዝ ዕድል ዝኸፍት እዩ። ኣዝዩ ዘገድሰኒ ንፍትሒ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ንመሰል ደቂ-ኣንስትዮን ህጻናትን ምቅላስ እዩ።
ኣብ’ቲ ቐንዲ ጉዳይ ክኣቱ።
ተዋሂቡኒ ዘሎ ኣርእስቲ፡ ኣብ ግዜ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ክመጹ ዝኽእሉ ተርእዮታትን ኣብ ምህናጽ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝገጥሙና መኸተታት እንታይ ክኾኑ ይኽእሉ? ቅኑዕ መንገዲ ክንሕዝ ከ እንታይ ክንገብር የድልየና? ካብ ናይ ካልኦት ሃገራት ተመኩሮታት እንታይ ክንመሃር ንኽእል ዝብል’ዩ።
እዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣዝዩ ሰፊሕ ከምምዃኑ መጠን ብናይ 15 ደቓይቕ መደረ ዝምለስ ኣይኮነን። ስለ’ዚ ሓጺር መእተዊ ድሕሪ ምግባር ኣብ እንገብሮ ምይይጥ ክዓሙቕ’ዩ።
ኩነታት ሃገርናን ሕሰምን ምረትን ህዝብና ዘይርደኦ የለን። ብዛዕብኡ ክዛረብ ግዜኹም ክባኽን ኣይደልን።
ጥርኑፍን ሓያልን ናይ ተቓዉሞ ሓይሊ ኣብዘይሃለወሉ ግዜ፡ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ እንተ ፈሪሱ ክመጽእ ዝኽእል ተርእዮታት ሓደ ካብኡ ኣስጋኢ ዝኾነ ኩነታት ይርኣየኒ። ገለ ክመጹ ዝኽእሉ ተርእዮታት (Scenarios) ክጠቅስ
- እቲ ዝሓሸ ተርእዮ ብደገን ብውሽጥን ዝቃለስ ዘሎ ሓይሊ ተቓውሞ ተሓባቢሩ፡ ስእሊ ህዝብና ዘንጸባርቕ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቕውም’ዩ
- መላኺ ኣልጊሱ ብኣብ ውሽጢ ዘለዉ ኣብ ከባቢኡ ዝጸንሑ ዜጋታት ክትካእ ይኽእል’ዩ። እዚ ተርእዮ’ዚ ክልተ ኣቕጣጫ ክሕዝ ይኽእል። ኣብ ደገ ክቃለስ ዝጸንሐ ሓይልታት ዓዲሙ ንኹሉ ዘሳትፍ መንግስቲ ክተክል ይኽእል ወይ ድማ ንኹሉ ነጺጉ ኣብ ናይ ምልኪ መንገዲ ክቕጽል ይኽእል።
- ንኹሉ ዝጥርንፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም እንተዘይተኻኢሉ፡ ውሽጣዊ ግርጭታት ገንፊሉ፡ ህላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ይኣቱ። ካልኦት ሃገራት ዘሳውሩዎ ኲናት ሓድሕድ ክመጽእ ይኽእል። ዉልዶ ሃገርና ካልእይቲ ሶማልያ ክትከውን ትኽእል’ያ። ፍሉያት ህዝቢ ኣይኮናን። ኣፍሪቃውያን ከም ኩሎም ህዝቢታት ኣፍሪቃ ኢና።
ንሕና ኤርትራውያን እቲ ዝሓሸ ተርእዮ ከምዝመጽእ ክንገብር፡ ዓቕምን ክእለትን ኣሎና ዝብል እምነት ኣሎኒ። እቲ ዝሓሸ ተርእዮ ብኸመይ ንበጽሖ ዝብል ሕቶ ክስዕብ ግድነት’ዩ።
ቅድሚ ኣብኡ ምእታወይ፡ መበገሲ ናይ ኣተሓሳስባና ክኸውን ኣለዎ ዝብሎ ካብ ተመኩሮና ክጠቅስ። ንሕና ከም ህዝቢ ኣብ ታሪኽና ብዙሓት ቃራና መንገዲታት ሓሊፍና ኢና። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ኸኣ ኣብ ነፍስወከፈን ግጉይ መንገዲ ክንወስድ ጸኒሕና። ገለ ንምጥቃስ፡
- ኣብ ኣርብዓታት ማሕበር ኣንድነት ምምስራቱ
- ኲናት ሓድሕድ
- ድሕሪ መሬትና ሓራ ምውጻእ ኣብ 1991 ዝተወስደ መገዲ፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምስዓለበ ኣብክንዲ ንኹሉ ዝሓቁፍ ስርዓት ብምትካል ኣብ ስደት ፋሕ ኢሉ ዝነበረ ህዝብና ምጥርናፍ፡ “ድሕሪ ሕጂ ሓሸውየ ናይ ውድባት ኣይፍቀድን’ዩ” ምስበለ ሽዑ’ዩ ምልኪ ተኣዊጁ
ሕጂ ድማ እኖሆ ሓድሽ ቃራና መንገዲ ፈጢጡ ይጥምተና። ሎሚኸ ካብ ጌጋታትና ኣይንመሃርን ዶ?
ብርግጽ እቲ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎና ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለ ብኣሽሓት ዝተሰወአን ዝሰንከለን ወሎዶና እዩ። ብማዕሪኡ ግን ደም ክንፋሰስ ዝገበረ ኲናት ሓድሕድ ክዉን ዝገበረ ኸእ ወሎዶና እዩ። መን’ዩ በደለኛ ካልእ ሕቶ’ዩ። እዚ ሕቶ’ዚ ኣብዝለዓለሉ ግዜ ርእይቶይ ክህበሉ እኽእል’የ። ሕጂ ግን ብቕጽበት ህጹጽ ፍታሕ ዝሓትት ጉዳይ ሃገር ምድሓን ገጢሙና’ሎ። ንሓድሽ ወሎዶ፡ ሃገርና ቅኑዕ መንገዲ ኣትሒዝና ክነረክቦ ከቢድ ሓላፍነት ኣሎና።
እዚ ክብል ከለኹ ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ዝህልዋ መልክዕ ኣይንዛረብ ማለተይ ኣይኮንኩን። ብቐንዱ ኣብ’ዚ ዘሎናዮ ደልሃመት ዝኣቶና ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ባዕዳዊ ገዛኢ ምስተባረረ ሽግር ኣይክህሉን’ዩ ዝብል እምነት ብምሕዳር ንድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ዝተኽልዎ መንግስቲ ዘይምቕራቦም’ዩ። ይኹን’ምበር ብዝተፈላለየ ሓሳባት ምክታዕ ብሓባር ዝተወሃሃደ ቓልሲ ኣንጻር እዚ ዘሎ መላኺ ስርዓት ምክያድ ክኽልክለና የብሉን።
ናብ ኣርእስተይ ክምለስ።
ምልካዊ ስርዓት ሃገርና ነዊሕ ዕድመ ዝህልዎ ኣይመስልን። ብቕጽበት ተቓውሞ ሓይልና ንጥርነፈሉ ጽላል ክተክል የድሊ። ኣተሓሳስባና ክመዓራረ ወፈራ ምንቕቓሕ ብህጹጽ ክካየድ ኣለዎ። እቲ መሰረታዊ መበገሲ ሓባራዊ ጽላል ድማ ካብ ምንጽጻግ ዝረሓቐ ሓድሕዳዊ ምፍልላጥ (Recognition) ፖሊቲካውን ማሕበራውን ውደባታትና ክኸውን ፍጹም ኣድላይነት ኣለዎ። ብዘይካ’ዚ ሓይሊ ተቓውሞ ክርደኣና ዘለዎ ዓቢ ነጥቢ ኣሎ። ዲያስፖራ ኣብ ዝኸይድ ዘሎ ሓርነታዊ ቓልስና ግደና ኢና ነበርክት ዘሎና’ምበር ብቓልስና ጥራሕ ምልካዊ ስርዓት ክወድቕ ኣይኮነን። ብወንጭፍ ዝወደቐ ስርዓት ኣብ ታሪኽ የሎን። ስለ’ዚ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ዝፈርሰሉ ግዜ፡ ተቓውሞ ሓይሊ ብቕጽበት ከም ሓደ ኣካል በቲ ዝተኽሎ ጽላል ኣቢሉ ምስ’ቲ ኣብ ውሽጢ ዝጸንሐ ተቓውሞ ክራኸብን ንኩለን ሲቪካውያን ማሕበራት ዘሳተፈ ዋዕላ ከካይድ ይግባእ። ካብ’ቲ ዋዕላ ድማ ንውሱን ግዜ፡ ብህዝቢ ዝምረጽ መንግስቲ ክሳብ ዝትከል ዝሰርሕ መልክዕ ህዝብና ዘንጸባቕ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቕውም ይግባእ።
ህግድፍ እቲ ዝዓበየ ጌጋ ዝፈጸምዎ፡ ብዘይካ እቲ ዝምእዘዞም ንኻልእ ኩሉ ዝነጸለ ሃገር ክሃንጹ ምፍታኖም’ዩ። ንሕና’ውን ገለ ሸነኻ ዝነጸለት ኤርትራ ክንሃንጽ እንተፈቲና ብርግጽ ክንፈሽል ኢና። ሓያል ጭቆና ኣፉ ስለዝዓብሶ’ምበር ተቓዋሚ ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት የሎን። ስለዝኾነ ተሳታፍነት ናይ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ተቓውሞ ሓይሊ መሰረታዊ ተደላይነት ኣለዎ። ስለዚ ኣቃዉማ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ መገድና ኣብ ምንጻር ወሳኒ ተራ ኣለዎ። ተቓዉሞ ሓይሊ ኣብዚ መዳይ’ዚ ዓቢ ጥንቃቐ ክገብር ይግባእ።
ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ዓለም ንመጀመርታ ግዜ ንጭቘን ዘሎና ህዝቢ ኣይኮናን። ክንውግዶን ክንክተሎን ዘሎና ናይ ካልኦት ሃገራት ተኩሮታት ብዙሕ’ዩ ዘሎ። ከም መበገሲ ሓሓደ ካብ ክልቲኡ ክጠቅስ’የ፡
ክንውግዶ ካብ ዘሎና ሓደ፡ ተመኩሮ ዒራቕ’ዩ። ሓደ ስርዓት ኣብ ዝፈርሰሉ ግዜ ብደገ ዝጸንሐ ሓይልታት ንውሽጣዊ ተቓውሞ ነጺጉ ዕዉት ስርዓት ክተክል ከምዘይክእል ብቐረባ ኣብ ዒራቕ ርኢናዮ። ቅኑዕ ዶ ነይሩ ኣይቅኑዕን ንጎድኒ ገዲፍና፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ንስርዓት ሰዳም ሑሴን ምስኣፍረሶ፡ መጀመርያ ስጉምቲ ዝወሰዱዎ ንብዓስ ፓርቲ ምድምሳስ ነይሩ። ንሓደ ሸነኽ ህዝቢ ዝነጸለ ስርዓት ከኣ ብተእምር ክዕወት ስለዘይክእል፡ ህዝቢ ዒራቕ ኣብ ዓዘቕቲ ኣትዩ ንርኢ ኣሎና። ብመሰረቱ’ውን ንሺዓ ዝነጸለ ስርዓት ሰዳም ጨቋኒ እንተነይሩ፡ ንሱኒ ዝነጸለ ስርዓት ሺዓ ከመይ’ሉ ፍትሓዊ ይኸውን?
ክንመሃረሉ ካብ ዘሎና ተመኩሮታት ሓደ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ እይ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዓሌታዊ ስርዓት (Aparteid) ምስ ተሳዕረ ህዝቢ ብመሪሕነት ነልስን ማንዴላ ኣብ ክንዲ ናብ ሕነ ምፍዳይን ደም ምፍሳስን ናብ ዕርቂን ሰላምን’ዩ ኣምሪሑ። ናይ ሓቅን ዕርቅን ሽማግለ (South African Truth and Reconciliation Commission) ኣቚሙ ንህዝቢ ካብ ህልቀትን ዕንወትን ኣድሒኑዎ። ንሕና’ውን ካብ ተመኩሮ ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ተማሂርና ተመሳሳሊ መንገዲ ክንወስድ ይግባእ። ከምቲ ማንዴላ “ቂምን ቅርሕንትን፡ ንጸላኢኻ ዝጎድእ ዘሎ መሲሉካ ትሰትዮ መርዚ እዩ” ዝበሎ፡ ካብዚ ለባም ናይ ብቑዕ መራሒ ኣረኣእያ ተማሂርና ንሃገርና ካብ መገዲ ጥፍኣት ነድሕን።
ገጢሙና ዘሎ መኸተ ክንብድህ ቀሊል ዕማም ከምዘይኮነ ርዱእ’ዩ። ነዚ ብኣካልን ብኣተሓሳስባን ፋሕ ኢሉ ዘሎ ህዝብና ጠርኒፍና ንኹልና ትሓቁፍ ፍትሓዊት ሃገር ናብ ምህናጽ ክነምርሕ ብቕጽበት “ኣተሓሳስባና ነመዓራሪ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ወፈራ ምንቕቓሕ ከድልየና’ዩ። ልክዕ ከምቲ ሓረስታይ ምህርቱ ንምኽዕባት ቅድሚ ማይ ምህራሙ መሬቱ ሓሪሱ ደኲዑ ጎልጒሉ ዝጸንሕ፡ ንሕና’ውን ምልኪ ኣብ ዝፈርሰሉ ግዜ መገዲ ሰላምን ርግኣትን ክንመርጽ ጽዑቕ ወፈራ ምንቕቓሕ ብቕጽበት ክንጅምር ይግባእ።
ኣብ መደምደምታ፡ እዚ ኩሉ ክንገብሮ ኣሎና ዝበልኩዎ ክንትግብሮ ዓቕሚን ክእለትን ኣሎናዶ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ክፍትን። ብርግጽ ኣሎና። ንባዕሉ እዚ ኣኼባ’ዚ ምልክት ናይ ዓቕምና እዩ። ኣብዚ ተኣኪብና ሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን ንዝቲ ዘሎና፡ ናይ ደም ምፍሳስ ታሪኽ ዘሎና ኢና። ነቲ መሪር ተመኩሮ’ቲ ሰጊርና ኣብ ሓደ ገዛ ኮፍ ኢልና ንሓደ ዓላማ ክንዝቲ ከሎና፡ እቲ ዝበርተዐ ዕንቅፋት ከም ዝሰገርናዮ እዩ ዘርጋግጽ።
ነዚ ዕድል’ዚ ዝሃብኩምኒ ደጊመ አመስግን። ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ የቐንየለይ።
ዝኽሪን ክብርን ንሰማእታትና!
ክንዕወት ኢና!
ኣስገደት ምሕረትኣብ
ካሊፎርኒያ
15 ሕዳር 2015
እዚ ኣብዛ ዓለምና ዝነብር ህዝቢ ንናይ ሓባር ጽቡቕ ነገራት ብሓባር ሰሚሩን ተወሃሂዱንዶ ይሰርሕ ኣሎ።? ስለምንታይከ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ነዛ ዓለም ካብ ክፍኣትን ውግእን ወረውግእን ከድሕና ዘይጽዕር።? ሓድነቱ ከየድልድልከ እንታይ ዝኽልክሎኾን ይህሉ? ዝብሉ ኣገድስቲ ሕቶታት ኣልዒልና ክንዛረበሉን ክንመያየጠሉን ኣገዳስነት ኣለዎ። ስለምንታይ ዓለምና ብከጥፍኣ ዝኽእል ኣጽዋር እናተሃንጸት እንከላ ስቕ ኢልና ምስ እንዕዘብ ንዓለምናን ህዝባን ሰሰናዩን ጠቓምን ዝኾነ ነገራት ከም ዝሕረምን ምስኡ እውን ቅሳነትን ሰላምን ከም ዝስእን ንገብራ ምህላውና ክንዝንግዖ ኣይግበኣናን።
ስለምንታይ እዮም ደኣ ደቂሰባት ናብቲ ኣሉታውን ጉዳእን ዝኾነ ስርሓት ንምንጣፍ ዝህወኹ? ዝብል ሕቶ ክለዓል ንቡር እዩ። ደቂሰባት ኣብ ናይ ውድድርን ውልቃዊ ረብሓን ምስ አድሃቡ ነቲ ኣሉታውን ተጻራርን ዝኾነ ሓሳባት እዮም ቀዲሞም ዝውንኑ። ምኽንያቱ ብዘይካይ ዓለም ትጥፋእ ዝብል ሕልና ኣብ ኣእምሮኦም ስለ ዝስዕርር እዩ። እዞም ከምዚኦም ዝዓይነቶም ሰባት ነቲ ብሓባር ኰንካ ክትስጉሞ እትኽእል ስጉሚ ንድሕሪት ዝጐቱ እዮም። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ንናይ ሓባር ጽብቕ ነገራት ብሓባር ናይ መስራሕ ባህሪ ፍጺሙ ክህልዎም ስለዘይካኣል ናብ ናይ ውልቃዊ ጠመተ ንኽዛዝዉ ግዜ ኣይወስደሎምን እዩ።
ኣብ ፖለቲካዊ ዓለም ከኣ እሞ በቲ ንሶም ዝደልይዎ ንክኾነሎም እንተዘይክኢሉ ናብ ናይ ምብሓትን ኣግላልነትን መንፈስ ከም ዝዋፈሩ ርዱእ እዩ። እዚ ጥራሕ ከይኣክል ከኣ ነቲ ንሕብረተሰብ ዘቕውም ርክባት ንምብታኽን ንምዝራግን ኣሎ ዝበሃል ናይ መፈላለዪ መርበባት ዘርጊሖም ክበታትንዎ ይጽዕሩ። ምኽንያቱ ኣብ ከምዚ ዓይነቱ ዘይቅዱስ ዕላማ ብምዝውታር ፖለቲካዊ መኽሰብ ክርከቦ ይኽእል ኢሎም ስለ ዝኣምኑ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ሽግራትን ጸገማትን ክም ዝባላሕ ብምግባር ክሳብ ውግእ ዘብጽሕ መንገዲ ካብ ምኻድ ንድሕሪት ኣይብሉን።
ንኣዕናዊ ኣረዳድእ ከይወገድካን ኣብቲ ቅኑዕ ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ከይረጊጽካን፡ ሓባራዊ ስርሓትን እውንታዊን ውጽኢትን ንረብሓ ብዙሓት ዝውዕልን ስራሕ ምጅማር ዘኽእል ዕድል ኣይህብን እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ምስ ካልኦት ኰንካ ንኩሉ ፍልልያት ተጻዊርካን ነቲ ሃሳዪን ጎዳእን ሓሳባት ወጊድካ ንምኻድ ክሽገሩ ናይ ግድን እዩ። ይኹን እምበር እቲ ኣብ መንጎ እዞም ኣሉታዊ ወይ እወንታዊ ዝሓስቡ ዘሎ ርሕቀት ይኹን ፍልልያት ንምጽባብ መስርሕ ናይ ዘተን እንካን ሃባን ንምዕዋት ቀጻሊ ርኽክባት ምስ ዝህሉ እዩ ጉዳያት ጸጽዮም ኣብ ናይ ሓባር ሓሳብ ዝሰምሩሉ ደረጃ ክበጽሑ ዝኽእሉ።
ልክዕእዩከምቲ ‘’ሮምብሓንቲለይቲኣይተሃንጸትን’’ ዝበሃል፡ናይሓድነትመስርሕብሓንቲለይቲዝፍጸምኣይኮነን።ኩልኻካብቲናይጥፍኣትመገዲወጺእካናብቅኑዕኣቕጣጫንኸተምርሕዘሎ ናይመስመርለውጢከቢድእዩ።እዚኣብኤርትራናዝኸይድዘሎፖለቲካዊመስርሕእምበኣርካብዚኣብላዕሊዝተጠቕሰኣምራትዝጽሎምዃኑዝከሓድኣይኮነን።ከምኡስለዝኾነከኣእዩክሳብለይቲሎሚነቲንሓባራዊረብሓዝብልበብውቅናንበብዝረኣየናንመንገዲክንከዶስለዝጸናሕናንብኸምኡክንከይድስለዝደለናንእምበርኩሉሽግራትናዘይፍታሕኮይኑኣይኮነን፥እዚኩሉሸንኮለልዘብለናዘሎ።ሽግርናነቲክልተነገራትዘቑምዎምሉእነትካካብቲ ነንበይኑዝኾነነገራትይድልድል ዝብልሓሳብክሳብሕጂስለዘየስተማቐርናዮንምሉእነትበብናትካምኻድንብኣግላልነትንንምርግጋጹብምጽዓርናጥራሕእዩ።እዚከኣነቲናብምሉእነት ዘብጽሕጎደናንምቕያስጸገምከምዘጓንፍእነሆካብ 1999 ኣትሒዙእዚደምበተቓውሞኣብነንሓድሕዱተመላሊኡኣብክንዲዝኸይድኣብነንሓድሕዱተነፋፊጉጥራሕዘይኮነስናተይናተይእንተዘይኮይኑናይካልኦትክሰምዕቅሩብነትስለዘይነበሮእዩ።ሕጂእውንኣብክንዲናብቲእወንታዊ ሓሳብክትበጽሕምሕላንኣብዘይመሰረታዊጉዳይምትህልላኽነቲሃገራዊጉዳይክሳብክንደየናይከምዝሃስዮዘይምርዳእጥራሕእዩ።እዚከምዚዝዓይነቱኣካይዳናይፖለቲካዊስነሓሳብወይመትከልኣተሓሕዛኣይኮነን።እንታይደኣብድሕረይሳዕሪኣይብቆላዝዓይነቱህልኽእዩ።ዘተይኹንቀጻሊርክብትማሊቅኑዕኮይኖምዝረኣዩዝነበሩን፥ወይእውንግጉይኮይኖምዝረኣዩዝነበሩንመሊስካእትምርመሉባይታዝፈጥርደኣምበርበበቲዝተበገስካዮንምኻድዝምረጽመንገዲኣይኮነን።ስለዚትማሊደምበተቓውሞኣብጉዕዞመስርሕሓድነትዝተጋገዮእንተሎክእርምሓዲሽሓሳባትእንተሎኣውንተቐቢሉከመሓድርእዩዝግባእ።
ካብዚ ሓሊፉ ኣነ ዝበልክዋ ጥራሕ ትኹን እንተኾይኑ ሃገርን ህዝብን ዝድሕነሉ መስርሕ ሃስዩ ናይ ኣግላልነት መንፈስ እዩ ዝዕድም። ጉዳያት ብሓላፍነት እንተዘይተታሒዙ ነቲ ቅኑዕ ሓሳብ ብዙሕ ጸገማት ከጓንፎ ምዃኑ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ሓደ መረዳእታ ኽከውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ብነዓይ ይጥዓመኒ፡ ንርኢቶ ካልኦት ደቚሱ ክሰግር ዝሓስብን ሽግርን ጸገማትን ናይ ካልኦት ከም ናቱ ሽግርን ጸገምን ዘይርኢ በይኑ ክርህዎ ኣይክእልን እዩ። እዚ ከኣ ንሱ ንበይኑ ክህርዎን ልዕሊ ኩሉ ኮይኑ ክረአን ዝብሉ ሓሳባት ንኣእምሮኡ ይሽፍንዎ’ሞ እቲ ሰናይ ተግባር ፈጺሙ ኣይረኣዮን። ብሓባር ናይ ምስራሕ መንፈስ እውን ኣንጻር ረብሓኡ ገይሩ ስለ ዝቖጽሮ፡ ምስ ካልኦት ሓድነት ወይ ስምረት ፈጢሩ ነቲ ሽግራትን ፍልልያትን ኣብ ምውጋድ ኢዱ ክሕውስ ኣይደልን። እንታይ ደኣ ኩሉ እቲ ጸጽቡቑ ንዓኡ እቲ ሐሕማቑ ከኣ ንኻልእ ከሰክምን ክውንጅልን እዩ ህርድግ ዝብል።
ስለዚ ነቲ መስርሕ ናይ ምስምማዕን ምውህሃድን ካብ ብዙሕ ንዝተፈላለየ ሓሳባት ዝሓሸ ጸሚቚካ ክተውጽእ ምጽዓር ስለ ዝኾነ ናይ ሓድነት ራኢና ሕጂ እውን እንተኾነ ብዘይካ ተራኺብካን ተዛቲኻን ኣብ ማእከላይ ፍታሕ ምብጻሕ ካልእ መዋጽኦ የለን። እዚ ማለት እተን ክስማማዕ ዝኽእላ ሰልፍታት፡ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ክቀራረባ ይግበአን። ካብዚ ሓሊፉ ወግሐ ጸብሐ ናይ ውድባት ከም ኣሜባ ምርባሕ ክዕገት ብዝተኻእለ መጠን ክስረሓሉ ይግባእ። ቊጽሪ ሰልፍታት ወይ ማሕበራት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምስ ዝኸይድ ናይ ምቅርራብ መንፈስ እውን ከምኡ እናተረሓሓቐ እዩ ዝኸይድ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ነቒሉ እዩ ኣብ መትከላቱ “ምስተን ምስ ፖለቲካዊ መድብ ዕዮና ዝሰማማዕ ፖሊሲ ዘለወን ሰልፍታት ክሳብ ምትሕንፋጽ ክኸይድ፥ ምስተን ብፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዝፈላለየኦ ከኣ ኣብተን ዘሰማመዓኻ ሓቢርካ ምስራሕን ምክብባርን” ዝብል መትከል ዝኽተል።
ድራር ማንታይ

ኣብ ከተማ ደንቨር (ኮሎራዶ)፡ ሕዳር 29, 2015 ዝተሳናደአ ህዝባዊ ኣኼባ ብዓወት ተሳላሲሉ። (1) ሃገርና ኤርትራ፡ ካብ ኣትያቶ ዘላ ናይ ሓደጋ ሃለዋት ንምድሓን ኩሉ ዓቕምታትና ንመላኽን ዓፋንን ፖለቲካዊ ኣሰራርሓ ስርዓት ኢሳያስ ንምልጋስ ክቐንዕ (2) ንግዝኣተ-ሕጊ ዘዐቁብ ዲሞክራሲያዊ፡ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ዱልዱል ባይታ ዘሳናድእህዝባዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ቃልሲ ዕማማት ክተኣታቱው (3) ድሕሪ ምልጋስ ስርዓት ህግደፍ፡ ከጋጥም ንዝኽእል ሃገራዊ ቅልውላው ወይ ዘይምርግጋእ ዝብድህ ህዝባውያን ትካላት ኣቚምካ ምጽናሕ (4) ነዚ ክቡር ዕላማታት ክዉን ንምግባር ብደረጃ ዞባን ኣህጉርን ስሙር ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንክሐይል ግዲኡ ክገብር ተሰማሚዑ።
ምልክን ምልካዊ ስርዓትን ብስሙር ህዝባዊ ሓይሊ ካብ ስሩ ቦርቚቕካ ከልግስ ዘለዎ እምበር ብለግቦ፡ ለጋግቦ ኣቢልካ ዝሕሰብን ዝህቀንን ከንቱ ፈተነታትን፡ ንዘላቒ ፍታሕ ህዝቢ ኤርትራ ዘገልግል ኣይኮነን። ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኮሎራዶ፡ ብደረጃ ዞባን ኣህጉርን፡ ንናይ ሓባር ተመኩሮታትናን ሃገራዊ ተረድኦታትናን መሰረት ጌርና፡ ንህዝብና ብምልዕዓልን ብምውዳብን ሓያል ህዝባዊ ማዕበል ክረጋገጽ ይቃለስ። እዚ ናይ ዓወት ሃገራዊ ስትራተጂ`ዚ ከኣ፡ ካብ ህዝብን ብህዝብን ወይ ከኣ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝቐንዐ ኣገባብ ኣሰራርሓ ኣቢልካ ዝትግበር እዩ ኢሉ ይኣምን።
ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኮሎራዶ፡ ነቲ ኣብ ቅድሜና ንዘሎ ህዝባዊ ብድሆታት ንምግጣም፡-
-
ምስ መርማሪት ኮሚሽን እትደጋገፍን ሓይሊ ዕማም ምቛም ውዓል-ሕደር ዘይብሃሎ ጉዳይ ኣይኮነን። ዝቖማ ሓይሊ ዕማማት ኣብ ገጊዜኡ ክቀያየራ ይኽእላ። መስርሕ ምርግጋጽ ብያኔ ፍትሒ ኣብ ውሱን ጊዜ ተፈጺሙ ዘይውዳእ ስለዝኾነ፡ ንቀጻልነቱን ዘላቕነቱን ዘውሕስ ብቅርጽን ብትሕዝቶን ዝተማለአ ህዝባዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ክህልዎ የድሊ ።
-
ነቲ ጠንቂ ናይ`ዚ ኩሉ ሕሰመ-መከራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ብህዝባዊ ቃልሲ ንምልጋስ ብከተማ/ስተይት ብዞባን ኣህጉርን ብህዝባዊ ምልዕዓላት ናይ ሓባር ቅልጽም ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪታት ሓያል ኮይኑ ክወጽእ፡ ንስራሕ እተወሃህድ ሽማግለን ሓይሊ ዕማምን መሪጹ ኣኼብኡ ደምዲሙ።
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!
ታሕሳስ 2 2015
እዛ እንነብረላ ዓለም ኩርኳሕ ምዃና ዋላ እቲ ሓዲሽ ዝውለድ ወይ እትውለድ ህጻን ካብቲ ምውቕ ማሕጸን ወላዲት ወጺኡ እንተስ ጠምዩ፡ እንተስ ተጽሊእዎ፡ እንተስ ቆሪሩዎ፡ እንተስ መይቁዎ ኩሉ ብብኽያት እዩዝ ገልጾ። ልክዕ እዩ ካብቲ ማሙቕ ኣዳራሽን ካብቲ ካብ ወላዲቱ ተኻፊሉ ዝምገቦ ዝነበረ ደገ ምስ ወጸ ናይ ግድን እምበር ክበኪ። ኣብዛ ዘይፈልጣ ዓለም መጺኡ ነቲ ስቅያቱ ብኽገልጸሉ ዝኽእል እዩ ዝገልጾ። ሽሕእኳ እንተዘይተዛረበ፥ ኩሉ እቲ ዝነበሮ ባህርያዊ ምክልኻልን ባህሪያዊ ኣመጋግባን ምሉእ መሰልን ናጽነት ተሓሪሙ ድኣ ከምይ እዛ ዓለም ኩርኳሕ ምዃና ዘይፈልጥ። እዚ ህጻን እዚ ካብ ሕቚፊ ወላዲቱ ወሪዱ ብእግሩ ክኸይድን ባዕሉ ክምገብን ምስ ጀመረ ኣትሒዙ ክሳብ 12 ወይ 14 ዓመት ዝዕድሚኡ ዝበጽሕ ሓንጎሉ ንጹህን ጸጽቡቑ ዝሓስብን እምበር ተንኮል፡ ክፍኣት፡ ትዕቢት፡ ቅርሕንትን ጽልእን ኣይፈልጥን እዩ። ለካስ በዚ ምኽንያት እዩ “ከም ህጻናት ንጹሃት ኩኑ” ዝብል ጽሑፍ ዝርከብ! ኣበው እውን “ኩሉ ግዜ ቆልዓ እንተትኸውን” ዝብልዎ ብሂል ኣሎ።
“ወዲ ሰብ ዓቕሚ ኣዳም ወይ ህይዋን ምስ ኣኸለ ደኣ እሞ እንታይ ወሪድዎ እዩ ንሓንጎሉ በታ ህጻንነቱ ከሎ ካብ ክፍኣትን ተንኮልን ርሒቑ ንኣእምሮኡ ኩሉ እቲ ሰሰናዩን ጸጽቡቑን ብሓፈሻ እወንታዊ ሓሳብ ክሓስብ ከም ዘለዎ ዘየስርጽ።?” ዝብል ሕቶ ክለዓል ግቡእ እዩ። እዛ ዓለም ኩሉ ሓቚፋ እትርከብ ብምዃና ኣብቲ ናይ ምውድዳር ዓለም ምስ ኣተወ ወዲ ኣዳም ናይ ስሰዐን ኣነ እበልጽን ትዕቢትን ገጹ ስለ ዝኸይድ፡ ነቲ ሰሰናዩ ምሕሳብ ደጊም ቦታ እናጸበቦ ይጎዓዝ እሞ እቲ ቦታ ነቲ ክፍኣትን ተንኮልን ይገድፈሉ። ወዲ ኣዳም እምበኣር ብፍጥረቱ ንዓለማዊ ነገር ኣብሊጹ ክጥምት ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ከኣ ኩሉ እቲ ናይ ክፍኣት ዘበለ እውን ምስኡ ይኽተሎ። ካብዚ ነቒሉ ምስቲ ናይ ውድድር ዘለዎ ዕላማ ንኣሉታ እምበር ብእወንታ ክሓስብ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ይበጽሕ። ምስ እዚ ከኣ እቲ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ናይ ማሕበራውን፡ ቁጠባውን፡ ከባቢያውን ከምኡ እውን ኣተዓባብያን ምቅይያራት ዘምጽኦ ጸገም እውን ክህሉ ይኽእል እዩ።
እዛ ዓለምና እምበኣር ኣሉታውን እወንታውን ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ዝበራረዩላን ዝጸልውዋን እያ። በዚ ምኽንያት ከኣ እዩ ኣብዛ ዓለምና ኩሉ እቲ ናይ ጥፍኣት ይኹን ናይ ህንጸት ምህዞታት ዝረአ ዘሎ። ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እምበኣር፡ ንኣእምሮኡ ናይ እወንታ ሓሳብ ከስርጽን ብኡ መሰረት ክጎዓዝን እንተፈቲኑ ልቡ ብፍሰሃ ንደስታን ታሓጓስን ይመልእ እሞ ካብ ክፉእ ምሕሳብን ምህቃንን ይድሕን። መላእ ሕብረተሰብ እውን ቅሳነትን ሰናይ ሓሳባትን ሒዙ ንኽጎዓዝ ኣይምጸገሞን። እዚ ናይ እወንታዊ ኣተሓሳስባ ምስራጽ ግን ከም ስዕረት ወይ ድኽመት ክቑጸር ኣይግባእን። ከምኡ እውን ብደረጃ ነቲ ዝደለኻዮ ወይ ዝሓሰብካዮ ካብ ዘይምርካብ ዝብገስ ክኸውን እውን የብሉን። ምኽንያቱ እቲ ካብ ውሽጢ ዝነቐለ እወንታዊ ኣተሓሳስባ እዩ ንነገራት ብግቡእ ክእለዩን ፍታሕ ክረኽቡን ዝሕግዝ። ካብኡ ብዝተረፈ ከሎ ገና ብኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ነቒልካ፥ ብስምዒት ዝተጸልወ ሓሳብ ናጻ ስለ ዘይከውን ኩሉ ጉዳያት ቄናን ርድኢት እምበር ቅኑዕ ፍታሕ ኣይርከብን።
እወንታዊ ኣተሓሳስህባ ክህልወካ እንከሎ እወንታዊ ራእን ቅኑዕ ጠመተን ቅኑዕ ባህሪ ወይ ጠባይ ክትውንን ስለ እትኽእል ንረብሓኻ ጥራሕ ኣብ ክንዲ ምጥማት ንረብሓ ኩሉ ዝብል ሓሳብ ተሕድር። እዚ ከኣ ብወገኑ ካብ ጽልኢ፥ ቅርሕንቲ፥ ስሰዐን ፍትወተ-ነፍስን የድሕነካ እሞ ነቲ ማሕበረሰብ ንቅኑዕ ኣቕጣጫ ሒዙ ክጎዓዝን ተኣማኒነት ዘለዎ ምትእስሳር ክፈጥርን ይኽእል። ኣብ ከምዚ ኩነታት እምበኣር ንፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላዋት ኣብ ምፍታሕ ክትብገስ ከሎኻ ኣእምሮኻ ንኻልኦት ብዘይጎድእን፥ ብዘይዕምጽን ሓሳብ ስለ ዝነቅል ቅኑዕ ፍታሕ ክተመንጩ ከም ትኽእል ርዱእ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እቲ ኣተሓሳስባኻን ጠመተኻን ብእወንታ ስለ ዝብገስ ነቲ ናይ ፍታሕ ምንዳይ ዕማም ከይተጠምዘዘ ብቐሊሉ ክማላእን ደቂ-ሰባት እውን ነቲ እተቕርቦ ፍታሕ ወይ ርእይቶ ክኣምኑኻ ይኽእሉ።
እዚ ንኣእምሮና ብእወንታዊ ኣተሓሳስባ ከም ዝቐርጾ እንተገርናዮ፥ ሰብ ክውጻዕ ይኹን ክጽገም እንከሎ መፍትሒታት ክተናድን ክትሕግዝን እዩ ዝተባብዓካ። ከምኡ እውን እቲ ምስ ካልኦት ዝጥረ ዝምድና ከም ዝድልድልን ከም ዝሰፍሕን እዩ ዝኽወን። ስለዚ ህይወት ኩሉ ግዜ ለማጽ ኣይኮነን እሞ፥ ነዚ ተገንዚብና ብእወንታዊ ኣተሓሳስባ ኣቢልና ናብ ለማጽ ክንቅይሮ ክንክእል ኣእምሮና ንእወንታዊ ኣተሓሳስባ ቅሩብ ክኸውን ክንቀርጾ ኣሎና። ካብዚ ብምንቃል ንእወንታዊ ኣተሓሳስባ ጥራሕ ሒዝና ምስ እንነቅል ነቲ ብሩህ ዝኾነ ተስፋ ደኣ እዩ ዝረኣየና እምበር እቲ ጽልሙት ተስፋ ኣይረኣየናን እዩ። ከመይሲ ብገስ ከይበልካ ናብቲ ብሩህ ስለ እተማዕዱ እቲ ዝረኣየካ ከኣ ብሩህ እዩ ዝኸውን። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ እዩ ከኣ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ዘለዋ ውድባትን ሰልፍታትን ክህልወን ዝግበኦ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ስለዘይሰረጸ ከኣ እዩ እቲ ኣብ ነንሓድሕደን ዝገብረኦ ምቅርራብ ይኹን ምርሕሓቕ ክጸልዎ ዝኽእል። ስለዚ ኩሎም እቶም ብኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዝነቕሉ፥ ነቲ ናይ ቅርሕንትን ምርሕሓቕን ሓሳባት ጥራሕ ተመርኲሶም ክጎዓዙን ንነግራት ብኣሉታዊ ገጻቱ ክጥምትዎን ስለዝህቅኑ፡ ሰላም ይኹን ዕርቂ ንኽርከብ ማለት ዘበት እዩ።
ከም ኣብነት ንሓደ ፍታሕ ዘድልዮ ጉዳይ ኣብ ምፍታሕ “ኣነ ካብ መንዶ ይሓምቕ ተጋግየ ዝብል” ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊስካ ኣነ ጥራሕ እየ ስዒረ ክወጽእ ዘለኒ ስለ እትብል ፍታ ኣይርከብን እዩ። እዚ ከኣ ንሓንጎልካ ከሎ ገና ብኣሉታዊ ሓሳብ ሰጒድካዩ ስለ እትብገስ እታ ንስኻ ትደልያ እምበር ኣብ ንኹሉ ዘይሃሲ ፍታሕ ከምዘይትሓስብ ይገብረካ። ብተወሳኺ ኩሉ እቲ ካብ ውሽጢ ኣእምሮኻ ዘሎ ሓሳብ ተበጊሱ ዝወጽእ ሓሳባት ድማ ንጌጋ እምበር ናብ ቅኑዕ ኣየምራሓካን እዩ። ካብዚ ነቒልካ ድማ ነቲ ኣዝዩ ተሪርን ኩርኳሕን ዝኾነ ነገራት ናብ ዝሓሸ ወይ እውን ንኣኻን ንከባቢኻን ዘሕጉስ ንምቕያር ዘሎ ተኽእሎ ይዕጾ እሞ ናብ ኣንነትን መን ከማይነትን ኮታ ናብ ዘየድሊ ዋጢጥ ትኣቱ። ብተወሳኺ ኹሉ ሰብ ከኣ በታ ንስኻ ዝሓስብካያን በታ ንስኻ ክትጓዓዛ መዲብካያ ዘሎኻ ጐደናን ስለ ዘይጓዓዝ ኣንጻሩ ኣብ ዝገደደ ቅርሕንቲ ትጥሕል። ምስቶም ምስ ናትካ ሓሳባት ዘይቃደዉን በቲ እትደልዮ ጐደና ዘይጓዓዙን ድማ ክህልወካ ዝኽእል ዝምድና ሓርፋፍ ይኸውን እሞ ንኹሉ ብኣሉታ ጥራሕ ክትጥምቶ ትግደድ። እዚ ከኣ ንሓንጎልካ ቅሳነት ከሊኡ ንጥዕናኻ እውን ጎዳኢ ኰይኑ ኣብቲ ዝሓሰብካዮ እንተዘይሰለጠ ነቲ ብእወንታ ዝሓስብ እውን ከይተረፈ ንኽትጻረሮ ትዕጠቕ።
እቲ እወንታዊ ሓሳብ ጥራሕ ዘስረጸ ኣእምሮ ግን ኩሉ ግዜ እወንታውን ናይ ተገዳስነት ባህሪ ወይ ጠባይ ክውንን ስለዝኽእል ፍተሓት ንኹሉ ዘዕግብ ክኸውን በቲ ግቡእ ኣገባብ ስለ ዝሕዞም ኣብ ዓወት ይበጽሕ። ከምኡ እውን ምስ ደቂ ሰባት ክህልዎ ዝኽእል ርክብን ዝምድናን ዓሚቚን ተሪርን ስለዝኸውን እቲ ምትእምማን እናደልደለ ይኸይድ።
ኣብ ዓለምና ዝካየድ ዘሎ ናይ ምቅትታልን ምጭኽኻንን ስጒምቲ እምበኣር፥ እቲ ኣእምሮ ብኣሉታውን ክፉእ ግብርን ሕነ ምፍዳይ ካብ ዝመልአ ሓሳብ ዝነቅል እዩ። ከምቲ ኣበው “ዝዘራእካዮ ኢኻ እትሓፍስ” ዝበልዎ እዩ ነገሩ። እቲ ብእወንታ ሓሳብ ዝኘቐለ እወንታ ምህርቲ ይረክብ፥ እቲ ብኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዝነቐለ ከኣ ኣሉታ ይጽበዮ። ስለዚ መን ኣሎ ኣብ ዓለም እሾኽ ዘሪኡ ስርናይ ዝዓጸደ፡ ብኸምኡ ከኣ እዩ ብኣሉታ ዝበገስሲ ሰናይ በየን ክጸንሖ ዝበሃል። እወንታዊ ሓሳብ ንሰላም ዝዕድምን ንብልጽግና ዘማዕዱን ንኹሉ ብማዕረ ዝርእን ስለ ዝኾነ ኢና ኣእምሮና ብእወንታዊ ሓሳብ ኣስሪጽና ክንስዕቦ ዝግበኣና።
ድራር መንታይ
በይ ኤርያ ኤርትራውያን “ሓርነትና ንምውሓስ ፡ ሓድነትና ነጠጥዕ”
Tuesday, 01 December 2015 17:35 Written by በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢበይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብስምምዕን ኣውንታዊ ራኢን ናይ ኩሎም እቶም ኣብ በይ ኤርያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ምርኩስ ጌሩ ዝተመስረተ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምንጋስ ብኹሉ ዓቕሙ ዝሰረሕ ዘሎ ምትእኽኻብ ‘ዩ። እዚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሕዳር 2013፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ላምፐዱሳ ዘጋጠመ ዝስካሕክእ ሞት ኣስታት 400 ኤርትራውያን ብስሩዕ መሪሕነቱ መሪጹ ስርሑ ዝጀመረ ንሓድነትን ሃገራዊ ረብሓን ኩላቶም ኤርትራውያን ንምውሓስ እጅግኡ ሰብሲቡ ዝሰርሕ ዘሎ ናይ ለውጢ ማእከል ‘ዩ።
ራእን ተልእኾን ምንቅስቃስ በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞካስያዊ ለውጢ ብሕጽር ዝበለ ኣብዚ ዝስዕብ ምሉእ ሓሳብ ክጠቓለል ይኽእል እዩ። ነቶም ኣብ ፖለቲካዊ ስነ- ሓሳብን ኣገባብ ቃልስን ፍልልይ ዘለዎም ፖለቲካውያን ፓርትታት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን፡ ብውልቆም ዝንቀሳቐሱ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ኣካላትን ፡ ኣብቲ ዝሰማምዕሉ ዝበዝሕ ሓባራዊ ሃገራዊ ጉዳያት ተዋሃሂዶም ብምስራሕ ስጡም ዝኾነ ህዝባዊ ቃልሲ ብምክያድ፡ ነዚ ኣብ ከርሲ ሃገርና ነጊሱ ዘሎ ዓማጽን ጨቋንን ስርዓት ሳቮያ ብምባል ንክጸርግዎ ባይታ ንምፍጣር ከይተሓለልካ ምስራሕ እዩ።
በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ዝምሰረት ክሳብ ሎሚ ብርክት ዝበሉ ንጥፈታት ኣካይዱ ኣሎ። ምድላው ንጉዳይ ኤርትራ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘላልዩ ሰለማዊ ሰልፍታት፡ ምእንጋድ እቲ ብኹቡር ኣቦና ነፍስሄር ዶር. ተወልደ ቫካሮ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝተኻየደ ናይ ሓድነት ዑደት፡ ምድላው ንስምረትን ሓድነትን ኤርትራውያን ዝጽዉዕ ባህላዊ ምዝንግዓት ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት፡ 24 ግንቦት ፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ቶጎርባ : ምጅማር ብረታዊ ታጋድሎ ፡ ምክያድ ናይ ዝኽሪ እግሪ ጉዕዞን ናይ ሽምዓ ሰልፍን ኣብ ግዜ መዓልቲ ሰማእታትን ሓዘነን፡ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ስነ ሓሳብን ኣባላቱ ክብ የብሉ እዮም ዝበሎም ሰሚናራትን ኣኼባታትን ምክያድ ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ካብቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ዓወታት እዚ ማህበር ፡ ህግደፍን ሰዓብቶምን ንነዊህሕ ዓመታት ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣዳራሽ ከተማ ሪችመንድ : ሎሚ ዓመት እዚ ከተማ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ዝኽልክሎም ገሩ ።
ሎሚ ዓመት ውን ምንቅስቃስና ነቲ ብህዝባዊ ምንቅስቃሳት ሰሜን ኣመሪካ ዝተዳለወ ኣብ 29 ጥቅምቲ 2015 ዝተኻይደ ብናይ ንውዮርክ ደሞ ዝፍለጥ ብብዙሕነቱን ተሳታፍነቱን ፍሉይ ዝኾነ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ምዕዋት ከይተሓለለ ሰሩሑን ፡ ኣስታት 40 ካብ ኣባላቱን ፋይናንሳዊ ሓገዛትን ብምስዳድ ውን ብቐጥታ ተሳቲፉ። ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ታሕሳስ ውን ንሳልሳይ ግዜ ህዝባዊ ጉባኤኡ ኣካይዱ ሓድሽ መሪሕነት ብምምራጽ፡፡ ነዛ እትመጽእ ዘላ ሓዳሽ ዓመት 2016፡ “ሓድነትና ዋሕስ ሓርነትና “ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ነቲ ንሓድነት ኤርትራውያን ዝሰርሕን ዝዝይምን ዘሎ ህቡብ ድምጻዊ የውሃንስ ትካቦ ብምዕዳም ዓቢ ናይ ድሮ ሓድሽ ዓመት ምሸት ኣዳልዩ ኣሎ። እዚ ዓቢ ናይ ምንቕቓሕን ምዝንጋዕን ምሸት ብኹሎም እቶም ኣብ በይ ኤርያን ከባቢኡን ዝርከቡ ደለይቲ ለውጢ ኤትራውያን ጥራይ ዘይ ኮነስ፡ ካብ ሎስ ኣንጀለስ፡ ሳንድያጎ፡ ላስቨጋስ፡ ስያትልን ዝመጹ ኤርትራውያን ክሳተፍዎ እዮም።
በዚ ኣጋጣሚ ኩሉ ንሓድነትን ስጡም ቃልስን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝቃለስ ኤርትራዊ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት 2016 ኣብዚ ትርጉም ሓዘል ናይ ምዝንጋዕ ምሸት ክሳተፍ ብልብን ኣክብሮትን ንዕድም። ብተሳትፎ ኩልና ዝረጋገጽ ሓርነት ቃጻልነቱ ዝተረገገጸ እዩ እሞ፡ ሓርነትና ንምውሓስ ሎሚ ሓድነትና ነረጋግጽ።
“ሓድነትና ዋሕስ ሓረንትና ‘ዩ”
በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
እቲ ቀደም ህጻውንቲ ከለና እዛ ሓቂ አዝያ ክብርቲ እያ ኔራ። ጊዜ ቁልዕነት ሓቂ ዶ ይሕሸካ ወርቂ ተባሂልና እንክንሕተት ሓቂ ነበረት መልስና። አብ ገዛ ዝኾነ ጥፍአት እንክንፍጽም አቦታትና ቁልፊ አዴታትና ድማ ሞኾስ ሒዞም ቀዳመይቲ ሕቶ ዝሓቱና ዝነበሩ ሓቂ ተዛረብ ትብላ ቃል እያ ዝነበረት። ኩሉ ጊዜ ትደጋገም ዝነበረት አነ’ውን ዘይርስዓ ዘረባ አላ “ሓቂ መራር’ያ” ትብል። ከም ናተይ እምነት ሓቂ መራር ዝኾነትሉ ቀንዲ ምኽንያት አብዛ ዓለምና ሓሰውቲ ስለ ዝበዝሑ እዩ እምበር ከም ሓቂ ዝጥዕም ዋላ ሓንቲ ነገር እኳ የልቦን። እንተ ሓሶት ግና ልክዕ ከም ጋንግሪን እያ ሓንሳብ ብጽፍሪ እግርኻ እንድሕሪ ጀሚራትካ ብቕጽበት እያ ናብ ጸጉሪ ርእስኻ ትድይብ። ሽዕኡ መንፈስካ ብሓሶት ይውረር ከይተረዳአካ ንስብ ዘይኮነስ ንነብስኻ’ውን ክትሕስዋ ትጅምር።
ካብ ብሓሶት ትድብሰኒስ ብሓቂ እንተርዳእካኒ ይሕሸኒ ዝብል ምስላ ፈረንጂ አንቢበ። ነዛ ምስላ አዝየ ፈትየያ፤ ምኽንያቱ ሓሶት ንበሃሊአ ዘይኮነስ ንሰማዒአ’ውን መርዚ ስለዝኾነት ። አብ ነፍሲ ወከፍ ሓሶት ሚዛንካ፡ ሚዛን ቤተሰብካ፡ ሚዛን ፈተውትኻን ብጾትካን ተፉኩስ ከም ዘለኻ ክትፈልጥ አገዳሲ እዩ። ካብ ህንጡይነት ዝተላዕለ ዝናፈስ ዘይተረጋገጸ ወረታት አብ እዝንኻ ምስ ዝበጽሕ፤ ከምዚ ዝብል ዘይጥሉል ወረ ሰሚዔ ክትብል ትኽእል ኢኻ። ካብኡ ሓሊፉ ተሪፉ ግና ነቲ ዝረኸብካዮ ቤላ ቤለው ወረ ከም ጭቡጥ ወሲድካ፤ ናትካ ቀመማት ሓዊስካ ይፈልጥ እየ ንኽትብል ሓሶት ወረ ምብታን ዋላ’ኳ ፋይል ቤት ፍርዲ እንተዘይኽፈተ፤ ርእሱ ዝኸአለ ገበን እዩ።
ከምቲ ተኽልንኪኤል ገብሩ (ወዲ ገብሩ) ዝበሎ ሓሳውን ቆርበትን እንዳሓደረ እዩ ዝፎኩስ። ንሓደ ሰብ ፍተዎ ጽልአዮ ሓሲኻ እንተሕመምካዮ፡ እንተሞትካዮ፡ እንተአጸለምካዮ፡ እንተኽፋእካዮ ጊዜያዊ እምበር እታ ሓቂ ዊዒላ ሓዲራ ምውጻአ አይተርፋን እዩ። ሓሳዊ ሰብ ኩሉ ጊዜ እኩባት ሓሰውቲ ከናዲ እዩ ዝውዕል፤ ምክንያቱ ንሓሶት ኣብ ዝኾነ ቦታን ጊዜን መሸጢ ዕዳጋ ስለዘይትረኽበላ። እግረ መንገድይ ነዞም ደለይቲ ፍትሒ ኢና፤ ንስለ ሓቅን ርትዕን ኢና ንቃለስ እንብል ሰባት ምሕጽንታ አሎኒ። ንምንታይ ኢና ስርዓት ኢሰያስ ሓሳዊ ወስላት መደናገሪ ስርዓት እዩ እንዳበልና ንባዕልና አብዘይተደልየ ሓሶትን ቤላ ቤለውን ጊዜና ነጥፍእ ዘለና። ብሓሶት ኢሰያስ ሰለስተ ጊዜ ተቐቲሉስ ተንሲኡ። ሃገርና ካብ ዓማጺ አሕዲግና ከነማሓድር ዘይከአልናስ፤ ነዛ ዓለምና ካብ ክርስቶስ መንጢልና ከነመሓድራን ዕምሪ ደቂ ሰባት ክንውስንን ንመጣጠር ዘለና ኮይኑ ይስመዓኒ። እንድሕር አብ ውሽጢ ዓዲ ከምቲ ዝድለ ውዳበ ዘይገበርና ኮይና ውዳቤና ከነሓይል ጭቡጥ ሓበሬታ ንረኽበሉ ባይታ ክንፈጥር እምበር፤ ብዘይ መርትዖ ዘይተረጋገጸ ወረ ምዝርጋሕ እንታይ ፋይዳ ይርከቦ እንትርፎ ፉኽሰትን ሓሳርን። ንምንታይ ኢና እቲ ዝዓበየ ፍልጥት ካብ ዘይምፍላጥ ከም ዝብገስ እንርስዖ።
ግደፎ ኢሰያስ ሞይቱ ዝብል ስብራ ወረ ዘርጊሕካ፤ ብዓብይኡ ንኢሰያስ ቀቲልካዮ እንድሕር መጺኻ እውን አገናዕ ዝብል ደምበ ተቓውሞ አይኮነን እኮ ዘለና። እዚ ዘለናዮ ደምበ ተቓውሞ ንኢሰያስ ቀቲልካዮ ምስ እትመጾም ከማን፤ ብኢዱ ክንሕዞ ምስ ቀረብና ኮነ ኢልካ ኢኻ ቀቲልካዮ ኢሎም እውን ክሳላበጡ ዝኽእሉ አፈ ጮለታት ዝመልእዎ ደምበ እዩ። ስለዚ ህድእ ኢልና አስተውዒልና ምኻድ ከድልየና እዩ። እንተዘየሎ አንባቢ ዘይብሉ ኩልና ኤርትራውያን ጸሓፍቲ፤ ሰማዒ ዘይብሉ ኩላትና ተዛረብቲ ንኸውን አለና። ነቲ ንሕንጥጦ ጹሑፋት ቅድሚ ናብ ህዝቢ ምዝርጋሕና ንነብስና ክልተ ሰለስተ ጊዜ ደጋጊምና እንተነንብቦ ክንደይ ሰናይ ምኾነ ኔሩ። እንተዘየልቦ መን’ዩ ጋዜጠኛ አየናይ’ዩ ጸሓፊ እንታዋ’ዩ ተንታኒ ፖለቲካን ቃልስን እኮ ንምፍላጡ ሓርቢቱና። ክሽነ፡ ሳሎንን መደቀሲ ክፍልን መደበር ቴሌቪዥን ኮይነን፤ ምንም ክንዲ ፍረ ጣፍ ትኸውን ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ውልቀ ሰባት ተንተንቲ ፖለቲካ ተቐይሮም ንውድባትን ውልቀሰባትን ከናሽው ዓንገረር ክብሉ አእዛንና ጸሚምና። እዚ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዓለምና አክንዲ ብጉቡእ እንጥቀመሉ እንዳ ስዋ ቀይርናዮ።
አብዛ ሓጻር ጊዜ ጥራይ ኢሰያስ አብ ጀርመን ባደን ባደን ይሕከም አሎ፤ አብ ኮማ አትዩ፤ አእምሮኡ ስሒቱ፤ ፊሊጶስ ብሕማም ምኽንያት ኢሰያስ ካብ ስልጣን ከምዝተአለየ መግለጺ ሂቡ ንግዚኡ ሃገር ይመርሕ አሎ፤ ብወዲ ካሳ፡ ማንኪ፡ ክሻን ፊሊጶስን እትምራሕ ሽማግለ ቆይማ ንስልጣን ኢሰያስ ተረኪባቶ አላ፤ መስፍን ሓጎስ ሃገር ከመሓድር ተጸዊዑ፤ እዞም ሰብ ጽገና ገዲፎምና ክኸዱ ምሽብሻባት ይገብሩ አለው፤ ጀነራላት ነንሓድሕዶም ዒሉ መጥረጢኻ ሓሉ ዝዓይነቱ ነብሰ ሓለዋ ይገብሩ አለው፤ አብዚ ጠጠው ከብሎ እምበር ክንደይ ኢልካ ክውዳእ ሓሶት ሎም ዘመን ይሰውረና እዩ ዘብል። ሕጂ’ውን ይውዓል ይሕደር ኢሰያስ ምኻዱ አይተርፎን እዩ። መን ምስ ነበረ እሞ ንሱ ንዘንተ እለት ክነብር። ዓሰርተ ጊዜ ኣብ ሃገርና ንህግደፍ ካብ ሱር መሰረቱ ዝሕግሕግ ሱር በተኽ ለውጢ እዩ ዘድልየና ዘሎ ኢልና ካብ ዘይዓቕምና ቱልቱላ ንነፍሕ፤ ንሕና ንነብስና ካብ ሓሶትን ሰክታርያን ፖለቲካን ካልኦት ጎዳእቲ ባህርያትን ነጻ ዘውጽእ ሱር በተኽ ለውጢ እንተንጋብዛ ዶ አይምሓሸን። ሽዑ አፍና መሊእና ደረት አፍ ልብና ነፊሕና ናይ ፍትሒ ናይ ሰላም ናይ ዲሞክራስን ናይ ሓቅን ተቓለስቲ ኢና እንብል።
ሕጂ’ውን ዝዕወት እቲ ሓቀኛ ቃልሲ ጥራይ’ዩ !!!
ሰለሙን ገብረእየሱስ
ኦክላንድ ካሊፎርንያ

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ መላእ ዓለም፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዘውርዶ ዘሎ ግፍዒን ኢ-ሰብኣዊ ግህሰትን ንምቅላዕን ንምኹናንን፡ ሰፊሕ ብሰላማዊ ሰልፊን ንዝምልከቶ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ጥርዓን ብምቕራብን ብዓውታን ብጥምረትን ይንቀሳቐስሉ ኣለዉ።
ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ከም ኣካል ናይ`ቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝነጥፍ ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡-
-
ምስ መርማሪት ኮሚሽን እትደጋገፍ ሓይሊ ዕማም ንምቛም፣
-
ህዝቢ፡ ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይ`ዚ ኩሉ ሕሰመ-መከራ ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ብህዝባዊ ቃልሲ ንምልጋስ ብሓባርን ጥምረትን ዋና ኮይኑ ዝዕጠቐሉ ናይ ቃልሲ መርሖ ንምስልሳል፣
ንሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ይጽውዕ።
ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ነባሮ ኮሎራዶ፡ ኣብ`ዚ ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ`ዚ ክሳተፉ ብኽብሪ እናጸዋዕና፡ ኩለን ከተማታት/ስተይትስ ሰሜን ኣሜሪካ ተመሳሳሊ ተበግሶ ክወስዳን፡ ነታ ብዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ክትቀዉም ዘለዋ ሓይሊ ዕማም ከነቑማን ውዓል ሕዳር ዘይባሃሎ ውራይ ጌርና ክንወስዶ ነማሕጽን።
ዕለት ኣኼባ፡ ሕዳር (November) 29, 2015
ቦታ፡ ኣብ ኣዳራሽ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ኮሎራዶ
ሰዓት፡ 4 ድሕሪ ቀትሪ።
ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ
ኣብ ናይ 100 ዓመታትጉዕዞ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራዝነበረተረኽቦታትን ፍጻሜታትን፥ካብ ኣቦሓጎታትና፡ ኣቦታትና፡ ንሕና፡ ደቅና ክሳብ ደቂ ደቅና ከም ታሪኽ እንተዝሕበር፥ነፍሲወከፍ ዝተሳተፈ ዝረኣየ ዝሰምዔ እንተዝነግር ወይ እንተዝጽሕፍ ንስፍሓቱን ጻዕቂ ብዝሑን ፡ ልክዕ ዳርጋ 100 ዓመት ክወስድ ይኽእል እዩ እንተበልና ዝተጋነነ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ዓለምና ዘይተነግረ እምበር ዘይተፈጸም የለን።
ከምቲ ኣብ ታሪኽ ዝዝንቶ ማለት``ንጉስ ሰሎሙን፡ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝርኤ ይደጋገም ደኣ ኣምበር ሓዲሽ ኣይኮነን``ኢሉ ይብሃል። ምናልባት እዚ ኣባሃህላ ብጽሞና እንተ ኣስተብሂልናሉ ናብ ክትኣምኖ ዝመርሕ ግብራዊ ትርኢ ወይ ትረክብ።ኣብ እንነብረሉ ዘሎና መዋእል በዘይካ እዚ ዝተራቐቐሓዲሽ ናይ ተክኖሎጂ (ዲጂታል) ዓለም ተነቃፊ ጽንዓቱን ኣገልግሎቱን ዝተወሰነ ጊዜ ዝኾኑ ብልሓታት ፍልስፍናታት ፈጠራታትን እንተዘኮይኖም፡ በቶም ናይ ቅድሚ 2000ዓመታት ዝተሰርሑን ዝተፈጥሩን ጹኑዓትን ብኣገራሚ ብልሓትን ክእለትን ዝተስረሑ ዝወረስናዮ ምዕባሌ ዝጸንሓና ኢና ክሳብ ሎሚ እንጥቀመሎም ዘሎና።
ከም ኣብነት መስተንክርዝኾነብልሓት ፍላስፍናንፈጠራታትን ናይ ግብጻውያን፡ ግሪኻውያንሮማውያን...ወዘተ ምስ እንዝክር፡ ናይ ሎሚ ዘሎ ሰብ ብብቕዓት ይኹን ብጉልበት ክሰርሕን ክፈጥርንኣይከኣለን። እንታይደኣ በቲፍልስፍና ናይ በዓል ሶክራተስፈጠራ ናይ ጋሊለዮ ጋሊለይ፥ማርኮኒ፡ ምሕደራታት ግብጻውያን ፎርዖናት ናይ ግሪኻውያን፡ ናይ ሮማውያን ናይ ንጉሳውን ቤተ ክህነትን ... ወዘተ ኣብ መጨረስታ ከኣ ናይ ለኒን ማርክስ ... ወዘተ ከማዕብል ወይ ከመሓይሽ ዝግበሮ ብሩህ ግብራዊ ምስክር እዩ።
ኮይኑ ግና ከምቲ እንነብሮ ዘሎና መዋእል፥ብሰንኪ ፖሊቲካውን ምጣኔሃብታውን ሕብረተሰባውን ዘይምዕሩይ ሂወት፥እቲ ብልሓቶም ወይ ፈጠራኦም ንሕና ናይ ሎሚ ደቂ ሰባት ወነንቲ ሓይሊ ስልጣን ኮና፡ነቲ ዝነበረ ፈጠረታት ናብ ናይ መን ዓብለለ ውድድራት ክንጥቀምሉ ህርድግ ንብል ኣሎና። ዋላ እኳ እቶም ዘለዉና ኪኢላታት ጸሓፍቲ፡ ደረስቲ፡ ደረፍቲ፡ መራሕቲ ገዛእቲ ምስ ኣታሓሳስቦኦምን ጥቅሞምን ኣዛሚዶም ነቲ ተረኽቦ ቁንጭል ቁንጭል ኣቢሎም ብረቀቕቲ ሜላታት ክትንክፍዎንከተግብርዎን እንተፈተኑ፡ ኣኸቲሎም እውን ክሳብ ብሓይሊ ብዓመጽ ከተግብርዎ፡ ወይ እውን ብዘሎዎም ትሕዝቶን ስልጣንን ጠውዮም ብኻልእ ከም ዝተፈጸመ ኣቅሪቦም፡`ኢደይ ሕጹብ ከም ፒላጦስ..`ክብሉ እንተፈተኑ ሓቅን ነቲ ተረኽቦን ዝተፈጸመሉ እቲ ቦታ መሬት እምኒ ገረብ ዋላ ክዛረብን ክጽሕፍን ዘይክእል ይምሰል፡ ወዲ ሰብ ብዘይተጸበዮ ብገለ ክዛረብ ወይ ክሕበር ከመልክት ክሳብ ክምስክር ይከኣል ስለ ዝኾነ ... ታሪኽ ግን ብፍጹም ኣይምሕርን እዩ።
ብተወሳኺ ከኣ ... `በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን`ዝብል ለባምን ብሩህንብሱልንምዕዶ ኣቦታትና ክንዝክር ንገደድ። ምኽንያቱ ህልዊ መሪር ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብፍላይ ከኣ ኣሰካፊ ብዝሒ ዋሕዚ ዕሸላት መንስእሰያትንህይወቶም ኣብ ቅድሜና ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገና ክጠፍእእንዳረኤና ከም ዘይናትና ክንሰግሮ ወይ እውን ንዓና ከም ዘይምልከት ንስኻትኩም(ተቋወምቲ ዉድባት መራሕቲ..ወዘተ) ንሶም (ተቋወምቲ ዉድባት ማሕበራት) ኢልና ... ኣብዚ የለኹ ኣብቲ የለኹ... ክንብል እንታይ ይበሃል?
ንሕና መን ኢና፥ብመን ኢና ንዛረብ ዘሎና ንዝክር ኣሎናዶ?ኣካል ናይቲ ንዛረበሉ ዘሎና ህዝቢ ምዃና ንዝክሮዶ ኣሎና?ወይ እታ ሃገር ብመንዲያ ሃገር ትብሃል ?በይኖም ብዘይብኣና ወይ ንሕና ብዘይብኦም እታ ሃገር ክትህሉ፡ ክትስመ ትኽእል ዲያ? ከም ልሙድ ዝረኤን ዝስማዕን ክትምልከት ከሎኻ ሎሚ ህዝብና ጽምእት ናይ ለውጢ ስለ ዘሎዎ ዝመጸ ወይ ዝረአሓዲሽ ወረ ወይ ተርእዮ ፍጻሜ ብታህዋኽከይተመራመረ ይኽተሎ፡ ወይ ቅልጡፍ ሚዛን ወይ ፍርዲ ክህብ ይርኤ ይርከብ።
እዚ ኩሉ ስለምታይ ይጥቀስ ኣሎ ይበሃል ይኸውን፥ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምጥቃስሱ ድማሃለዋት ህዝብናን ፍትውቲ ሃገርና ኤርትራንኣብመሪርንሓደገኛኩነታትተሳጥሖም ዘለዉ ብሓባር ኰና ክነድሕኖም ዘይምህቃንናሓደ፡በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ክልተ በላሕቲ ህሞት ፡ ምጀመርታ ንክብርን ድሕነትን ነብስና፥ድሓር ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ ሓርነታዊ ተጋድሎ ካብቲ ተወዲቡ ዝሳተፍ ዘሎ እቲ ከይተወደብ ዝዛረብ ዘማርር ዝኸስስን ዝፈርድን ዝጽበን ዘሎ ዳርጋ 99% ህዝብና ስለ ዝኾነ እዩ። ካብዚ ምንቃል ከኣ እምበኣርደቂስናተንሲኢናብምሕሳብ መልሱ ናበይ ወይ ካብ መን ምዃኑንምሃብኣዝዩ ዝሕርብት ስለዝኾነ መልሲ ንምርካብሃየ እስኪ ብሓባር ብጽሞና ንሕሰበሉ ንማኸር ንዛተ። እቲ ናይ 50 ዓመታት ተመክሮ ቃልሲወይ እውን ተመክሮ ሰውራ ዓቢ ዩኒቨርሲት ስለዝኾነ ኣበይ ተጋጊና ስለ ምንታይከተጋጊና ብኸመይ ፈቲሕናዮ እንታይ ከሲርና እንታይ ከሲብና ስለምንታይ ዝብሉ ብህድኣት ብጽሞና ብምክእኣልንምክብባርንብጎደና ልዝብንዘተንንሲኒት ነዕብያ መድሕን ሃገርናን ህዝብናን ክብርናን ልዕላውነትናን፡ እዋናዊ ትጽቢትን፡ ድሌትን፡ መልእኽትን፡ ዉጹዕ ጽኑዕ ህዝብና ምእንቲ ክዕወትን ክሰምረልናን ብቅንዕና ንጋደል። ከምቲ ኣርእስቲ ዝሕብሮ ዘሎ ኤርትራዊ ሓወይ ሕብተይ ኣንዓሹ እቲ ሕቶ ንዓና እዩ ዝሓተና ተመሊሹ...ከመይ ንዝብል ኩሉ ናትና፡ ካብና፡ ብኣና፡ ንዓና፡ ስለ ዝኾነ ነብስና ክንሓትት ክንልውጥ እምነ ኩናዕ ናይ ዕላማና ይኹን።
ታሪኽ ኣይምሕርን እዩ !!! በትሪ ሓቂ ትቀጥን እምበር ኣይትስበርን !!!
ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና !!!
ውድቀት ንገባቲ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ።
ንኩነታት ተቐዳዲምካ ምምዛንን ቅድመ-ፍርዲ ምሃብን ዝኸፈአን ዓንቃፍን እዩ። ብፍላይ ከኣ ካብ ናትካ መዐቀንን ግንዛበን ጥራይ ምምርኳስ ኣዝዩ ጎዳኢ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ንኩነታት ኣብ ክንዲ ብመጽናዕቲ ዝተሰነየ መርትዖታት ቀሪብካ ገምጋም ምሃብ ብባዕላውን ውልቃውን ሚዛናት ምሃብ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ከኣ ነቲ እወንታውን ኣሉታውን ደዋዊስካ፡ ነቲ ናይ ሎሚ ምዕባለ ብናይ ትማሊ ብምዕቃን ሚዛን ትህቦ እሞ ናብ ቅኑዕ ዲዩ ወይ ናብ ግጉይ ፍርዲ ከብጸሓካ ኣብ ዘይትርደኣሉ ደረጃ ትበጽሕ። ስለዚ ንኩነታት ቀዲምና ወይ ንሓቂ ጓሲና ብታህዋኽ እንህቦ ፍርዲ ይኹን ሚዛን ሃስያ ክህልዎ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።
ብዛዕባ ኩነታት ኣቐዲምና ክንዛረብን ነቲ ኩነታት ከምድላይና ገርና ክንገልጾ ከሎናን ኣብቲ ዝመጽእ ኩነታት እንታይ ኣሎ እንታይከ ክህሉ ይኽእል ኢልና ክነመዛዝን ናይ ግድን ይኸውን። ከምኡ እውን ኣብ ከባቢና ነቲ ናትና ዝመሳሰል ይኹን ሓዲሽ ነገር እንተልዩ ኣቐዲምና ክንመሚ ድማ ከድልየና እዩ። ምኽንያቱ ምስቲ ኣብ ከባቢና ዘሎን ሓዲሽ ምዕባለን ካብቲ ከባቢና ወጻኢ ዝተራእየ እንተሎን ኣመዛዚና ነቲ ዘሎ ወይ ክመጽእ ይኽእል እዩ ዝበሃል ሚዛናት ወይ ፍርዲ ክንህብ ብዙሕ ዘጸግም ኣይከውንን።
እቲ እንህቦ ሚዛናት ይኹን ገምጋም ሃናጺ ወይ ኣዕናዊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሃናጺ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ሃናጺ ዝኾነ ሓሳባትን ጠቓምን ሓጋዝን ዝኾነ መደብ ምስ ዝህልው እዩ። ኣብ ዓለምና ብዙሓት ሽግራት ከጋጥሙ እንከለዉ መብዛሕትኡ እዋን በቲ ኣብ መጀመርታ ዝረአ ውልቃዊ ስምዒት እዩ ዝጥመት ወይ ዝግምገም። ኣብ ከምዚ እዋን ነቲ ኣብ ኣእምሮና ንቐርጾ ስእሊ ናይቲ ክነቕርቦ እንደልዮ ፍታሕ ኣብ ክሊ ከባቢና ተሓጺሩ እዩ ዝውሰን። እዚ ከኣ ዓይንና ኣብ ክንዲ እንተላይ ንዝረሓቐ ምጥማት በቲ ኣብ ጥቓና ንዘሎ ጉዳያት ጥራሕ ንኽነድህብ ንውሰን ወይ ተሓጺርና ንተርፍ። ስለዚ ውልቃዊ ህይወትና ድሒሩ ምስቲ ዝሰፍሐ ማሕበራዊ ኩነታት ምትእስሳሩ ዘይተርፍ ስለዝኾነ ካብቲ ዘሎና ስምዒትን ተረድኦን ነቒልና ክንትንትን ከሎና ንዝሰፍሐ ኩነታት ኣብ ምግላጽ ንጽገም።
ማሕበራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሽግራት ኩሉ ግዜ ባህርያዊ ኣይኮነን። ማለት ኣብ ምዕባለ ብማሕበራዊ ዝተሃንጸ ወይ ዝተመስረተ እዩ። ንሱ ድማ ነቲ ኪኖ ጽባሕ ክመጽእ ብዛዕባ ዝኽእል ለውጢ ዝምልከት፡ ቄናን ፍርዲ ንህብ እሞ ኣብ ንስምዒትና ዝገዝኡ ነጥብታት ጥራይ ብምድሃብ ነቲ ክኸውን ዝግበኦ እወንታዊ ጉዳያት ንዝንግዖ። ስለዚ ውልቃዊ ድሌታትናን ስምዒታትናን ምስቲ ዝሰፍሐ ማሕበራዊ ምትእስሳርን ነዚ ዝሕግዝ ቅኑዕ ቅርጻን ክወሃሃድ ስለዘይክእል ኣብ ምናልባታት ኣቲና ነቲ ሰናይ ገዲፍና ናብቲ ኣሉታዊ ገጹ ጥራሕ ክንሓስብ ንደፋፋእ። ስለዚ ካብዚ ኣካይዳዚ ክንወጽእ ይግበኣና። ካብዚ ክንወጽእ እንተዘይክኢልና ግና ምዕቡል ኣተሓሳስባን እወንታዊ ውጽኢትን ክንስእን እዩ ዘገድደና።
ብመሰረቱ ኣብ ባዕላዊ ዝኾነ ባህጊ ወይ ግምት እንህቦ ሚዛን ናብቲ ጭብጣዊ ዝኾነ ነገራት ወይ ጉዳያት ዝመርኰስ ዘይኮነስ ኣብ ክንድኡ ካብ ናትካ እምነት፡ ርእይቶን ወይ እውን ውልቃዊ ምርጫኻ ተላዒልካ እትወስዶ ምርጫ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ውልቃዊ ትዕዝብቲ ዘይፍለ ብምዃኑ ቅኑዕ እዩ ወይ ግጉይ እዩ ኢልካ መደምደምታ ክትህበሉ ዘይከኣል እዩ። ብኣንጻሩ እቲ ወድዓዊ ዝኾነ ግና ኣብ ባዕላዊ ስምዒት ጥራይ ዘይሕጸር ሚዛን ኮይኑ፡ መግለጺ ናይቲ ጭቡጥ ዝኾነ ጉዳይ ወይ ቅኑዕ ወይ ጌጋ እዩ ናብ ከብለካ ዝኽእል መረጋገጽን መርትዖታትን ዝውከስ ብምዃኑ እቲ ኣተሓሕዛ ቅኑዕ እዩ ወይ ኣይኮነን ንኽትብል የኽእለካ።
ኩሉ ግዜ ካብናይ ገዛእ ነፍስና ተመኲሮ ጥራይ ምስ እንነቅል፡ ንኩሉ ኩርነዓት ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ጭብጣዊ መረጋገጺ ክተቕርብ ስለዘይትኽእል ናይቲ ዘንቀድካዮን ዝሓሰብካዮን ውጽኢት እዚ እዩ ውጽኢቱ ኢልካ መደምደምታ ክትህበሉ ዘይከኣል እዩ። ስለዚ ንኩነታት ቀዲምናዮ ባዕላዊን ኣብ መጽናዕቲ ዘይተመርኰሰ ፍርዲ ክንፈርድ ምስ እንጅምር ምናልባት ውጽኢቱ ከምቲ ዝተጸበናዮን ዝመዘንናዮን ዘይከኸውን ስለ ዝኽእል ነቲ ንጽበዮ ውጽኢት ኣቐዲምና ብኣሉታዊ ትንቢት ክንቅድሞ የብልናን።
ንኩነታት ቀዲምና ክንትንትን እንተ ኮይና፡ መርትዖታት ዝተሰነየ ምስ ዝኸውን ከምኡ እውን ካብ ኣሉታዊ ሚዛናት ዝያዳ ንእወንታዊ ትጽቢት ዘንጸባርቕ ክኸውን ድማ ዝሓሸ እዩ። ምኽንያቱ ብዝሓለፈ ኣሉታዊ ተመኩሮ ጥራሕ ተመርኲስካ ንመጻኢ ብኣሉታ ምግምጋሙ ነቲ ጸጽቡቑ ጸቒጥካ ከም ምሕላፍ እዩ ዘስምዕ። እቲ ካብ ሕጂ ክንከዶ ዝግበኣና መስርሕ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ተማሂርካ፡ ኩለን ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ውልቀሰባትን ብዝሓወሰ ናይ ዘተ መኣዲ ዝግበር እውን ዝዓበየ መጽናዕቲ ዘድልዮ እዩ ክኸውን። ኣብ ከምዚ ህሞት ዝካየድ ምይይጥ ወይ ዘተ እቶም ዘሰማምዑን ዝፈላልዩን ነጥብታት ብምትንታን ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ክብጻሕ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
እንተ ቅድሚ ሎሚ ተፈቲኑ እንዲዩ እሞ ነቲ ዝተፈተነ ገዲፍካ ካልእ ሃሰውሰው ምባል እንታይ ኣድለየ ዝብል ሕቶታት ክለዓል ናይ ግድን እዩ። እቲ ቅድሚ ሎሚ ዝተኻየደ ፈተነታት ብሃታሃታ እምበር ብመጽናዕትን ተመኲሮኣዊ ዳህሳስን ዝተሰነየ ኣይነበረን። ከከይተበገሰ ኣብ ክኹለፍ ዝጸነሓሉ ምኽንያት ከኣ እዚ ስንኩፍ ኣበጋግሳኡ እዩ። ንብሕጂ እውን እቲ ቅኑዕ መንገዲ፡ ንጉዳያት ግዜ ሂብካ፡ ንኩሉ ኩርነዓት ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ጉዳይና ጉዳይ ብዙሓት ምዃኑ ተቐቢልካ ብዝካየድ መጽናዕቲ እምበር፡ መጽናዕትን ወኸሳን ዘይብሉ ብህዉኽ ኣካይዳ ምኻድ ኣብ ቅኑዕ ባይታ ኣየርግጸናን እዩ።
ድራር መንታይ