ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ ስርሓቱ ጀሚሩ
Tuesday, 12 January 2016 13:22 Written by ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ዋዕላ ናይሮቢ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራጋዜጣዊ መግለጺ
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
12 January 2016
ኣብ ናይሮቢ ብዝተኻየደ ሃገራዊ ምምኻራዊ ዋዕላ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዚቖመ ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ቀዳማይ ኣኼባኡ ብ22 ታሓሳስ 2015 ኣካይዱ። እዚ ኣኼባ’ዚ: ከምኡውን ስዒቦም ዝተኻየዱ ኣኼባታት፡ ተሳተፍቲ ዋዕላ ንዘሰከምዎ ዕማም ምርኩስ ብምግባር፡ ዝርዝር መደባት ዕዮኡ ንምሕንጻጽ ዝዓለሙ እዮም ኔሮም።
ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ካብ'ዚ ዋዕላ’ዚ ዝተቐበሎ ዕማም ኣብ'ዘን ዝስዕባ ነጥብታት ክጠቓለል ይኽእል፤
1. ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምስግጋር፡ ምስ ፖሊቲካዊ ውድባት ብምምኽኻር፡ ንድፍታት ሓባራዊ ራእይን ሓባራዊ መደባት ዕዮን ምቕራብ፤
2. ብዛዕባ ከመይነትን ኣገባባትን ምቅልጣፍ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምይያጥ ዘኽእል፡ ንመላእ ሓይልታት ተቓውሞ ዚሓቖፈ ዋዕላ፡ኣብ መጻኢ ንኽካየድ ኣድላዪ ምስንዳኣት ምግባር፣
ነዚ ዕማማት’ዚ ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ንስርሓቱ ዝሰርዕ መደባት ንምውጻእ ሰፊሕ ምይይጣት ኣካይዱ። ክፍጸም ንዘለዎ ዕማማት እውን ኣብ መንጎ ኣባላቱ ዘርጊሑ። ብተወሳኺ ተሰኪምዎ ዘሎ ሓላፍነት ንምዕዋት ምስ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ ጽዑቕ ርክባት ንኽካየድ ወሲኑ።እዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ውጽኢታት ዋዕላ ናይሮቢ ንምግላጽን፡ ኣብ መጻኢ ክጋባእ ተወጢኑ ንዘሎ፡ ኩሉ- ሓቆፍ ዋዕላ ኣወንታዊ ደገፍን ምትሕብባርን ንምርግጋጽን፡ ምስ ህዝቢ ጽዑቕ ርኽክባት ክካየድ ወሲኑ።
በዚ መሰረት ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ፡ ምስ'ቶም ኣብ ዋዕላ ናይሮቢ ክሳተፉ ዘይከኣሉ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ቀጥታዊ ርክብ ብምክያድ፡ ፍረታት ዋዕላ ናይሮቢ ክገልጽን፡ ምሉእ ኣካል ናይቲ ተወጢኑ ዘሎ፡ ኩሉ -ሓቆፍ ዋዕላ ክዀኑ ክጽዕርን እዩ።
ግዜያዊ ኣካል ርኽክብ ዋዕላ ናይሮቢ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
ኣባላት ግዜያዊ ኣካል
1. መሓመድ ኣሕመድ ሰፈር
2. በሽር ኢስሓቕ
3. ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)
4. ነጋሽ ዑስማን
5. ሰመረ ሃብተማርያም
6. ሱሌማን ሑሴን
ኢ-መይል ንርክብ፡ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ጽላል ስዊደናዊ-ኤርትራዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሰፊሕ ሕዝባዊ ሰሚናር ምስ ዕድማት ኣጋይሽ ኣብ ዝተፈላለየ ሰብኣዊ መሰላት ዝነጥፉ ዓዲሙ ምስ ሕዝቢ ልዝብ ከካይድ ስለዝኾነ ኩሉኹም ደለይቲ ለውጢ ኣብዚ ሰሚናር እዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ይዕድም።
ዕለት፣ ቀዳም 30 ጥሪ 2016
ግዜ፣ 13.00-19.00
ቦታ፣ Kista Träff- Sverige salen
መደብ ሰሚናር
1. መኽፈቲ
2. ምስማዕ መደረ ካብ ዕዱማት ኣጋይሽና በብኣርእስታቱ
3. ልዝብ ምስ ሕዝቢ
ዕዱማት ኣጋይሽና
1. አርሀ ሓመናካ ኣባል ባይቶ ስዊደን
ኣርእስቲ መደረ/ ብዛዕባ ምቅባል ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብዚ ግዜዚን ኣብ መጻእን እንታይ ለውጥታት ክመጽእ ይኽእል ብዝብል ክገልጽ ኢዩ።
2. መሮን እስቲፋኖስ/ ኣቅራቢት ኣብ ራድዮ ኤረና፣ ዳይረክተር ናይ ኤርትራዊ ተበግሶ መሰል ስደተኛታት
ኣርእስቲ መደረ/ብዛዕባ መስል ስደተኛታት ኤርትራን ዝጓነፎም ጸገማትን ኣብ መገዲ ስደቶም ብዝብል ከተቅርብ ኢያ፡፤
3. በራዳ ኣሕመድ ናስር፣ ኣባል ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ስዊደን
ኣር እስቲ መደረ፣ ልዝብ ኣብ መንጎ ዓበይትን መንእስያትን/ ግደ መንእስያት ኣብ ምስግጋር ደሞክራስያዊ ለውጢ ብዝብል መደረ ከተቅርብ ኢያ
Tema för seminariet: Partnerskap genom samförstånd och samarbete
Intra-Eritrean Dialog
Diskussions ämnen:
1. Varför är partnerskap viktigt för oss demokrati aktivister?---------Semere Mehari
2. Immigrations och flyktingarnas politik i Sverige............ Arhe Hamednaca
3. Eritreas flyktingarnas frustrerande resor/ desperate Journeys......... Meron Estifanos
4. Dialog mellan de unga och äldre för demokratik utveckling - Barada Ahmed Nasser
Important Public Seminar in Stockholm Sweden
The Swedish - Eritrean Partnership For Democratic Change/ SESADU will organize a Seminar with invited Guests active on various issues of human and refugee Rights. There will be a panel discussion and public intervention at the seminar, therefore, we cordially invite all concerned Eritreans to participate in this seminar.
Date : Saturday 30th, 2016
Time: 13:00 -19:00
Place: Kista Hall - Kista Träff
Seminar Schedule
1. Welcome and opening of the Seminar
2. Presentation of panellists
3. Public discussion
Invited Guests
1. Arhe Hamednaca- MP Sweden
Topic: Immigration Policy in Sweden focusing on the Eritrean Refugees
2. Meron Estifanos- Radio- Erena presenter- reporter and Director of the Eritrean Initiative on Refugee Rights
Topic: Desperate Journeys of the Eritrean refugees
3. Barada Ahmed Nasser- Young activist for Democracy
Topic: Dialogue between the youth and elders in the struggle for democratic change in Eritrea
Seminar Theme : Intra- Eritrean Dialogue for building partnership through cooperation
Welcome All!
SESADU Board
ኩልና ከምንፈልጦ ብሰንኪ ጭቖናን ግፍዕታትን መንግስቲ ኤርትራ፡ ምስ ባርነት ዝዳረግ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትንንሱ ዘስዓቦ ናይ ስድራቤት ምብትታን፡ መወዳእታን ተስፋን ዘይብሉ ህይወትን፡ ኤርትራዊ ብኹሉ ሸነኻቱ መሰሉ ስለዝተጋህሰን፡ ካብ ኤርትራ ክስደድ ተገዲዱ፡ ኣብ ፍቀዶ ሃገር ፋሕ ኢሉይርከብ። ሃገርና ኻአ ብሰንኪ ብምኳር ሕጊ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ትኸይድ ኣላ።
እቲ ሓቂ ከምዚ ክነሱ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሃገርና ብሰንኪ ማዕቀብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሓደጋ ወዲቃ ስለ ዘላ፡ ሃገር ንምድሓን፡ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ኢና፡ ኣብ ሃገርና ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት የለን፡ ብፍቓድና ኢና ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኸይድ፡ ምዕማጽ ደቀንስትዮ ብሓለፍቲ ኣይፍጸምን ኢዩ፡ ኣብ ሃገርና ኮብሊልኩም ወይ ስግረዶብ ፈቲንኩም ተባሂሎም ዝተቐትሉ የለዉን ኢልኩም ፈርሙ እንዳበለ ከተዓሻሹን ከፈራርህን ይርከብ ኣሎ። ከምኡ'ውን ኣብዚ ሃገር ዕቁባ ከትረኽቡ ዝሃብኩሞ ምኽንያት ጽሒፍኩም ሃቡና ኢሉ ይሓትት ኣሎ።
እዚ ንኹሉ ሓታቲ ዕቁባ ኤርትራዊ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ዕቁባ ዘኸልክልን ስለዝኾነ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ካብዚ ንሂወቱን ሂወት ኤርትራውያንኣሕዋቱን ኣብ ሓደጋ ዘውድቅ ምሙላእ ፎርም ክቁጠብ ነተሓሳስብ። እቲ ትመልእዎ ፎርም ምስ ሙሉእ ሓበሬታኹም ተሰኒዱ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ዕቁባ ዝህባሃገራትንተላኢኹ ከም ምስክርነት ኣንጻርኩም ክጥቀምሉ ከምዝኽእሉን ንኽትጥረዙ ዕድል ዝኸፍት ምዃኑ ክትፈልጡ ይግባእ።
እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ ዘይሓሊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ መወዳድርቲ ብዘይርከቦ ሕሰምን፡ ጭቖናን፡ ምብትታንን፡ ውርደትን ሞትን ድፋጭኡ ዘስትዮ ዘሎ ምዃኑ ፈሊጡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ብዘይፍርሂ ከቃልዖ ድኣ እምበር ክሸፋፍኖ ፈጺሙ ኣይግባእን። እቶም ገበነኛታት ድማ ብሕጊ ክሕተቱ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ምስክርነቱ ክህብ ብትብዓት ደው ክብል ዜግንነታዊ ሓላፍነት ኣለዎ።
ኤምዲሰመ
ጥሪ 2016
ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ
ኣብ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ሕብረተሰብኣዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ዝነጥፉ ዝነበሩ ኣባላት ሓለዋ ጽርየትን ተኻላኸልቲ ሕማም ዓሶን።
Saturday, 02 January 2016 00:06 Written by ብመሓመድ ብርሃን ብላታ፡ብመሓመድ ብርሃን ብላታ፡
ብመሰረት ፖሎቲካውን ወተሃደርታውን ማሕበራውን ውሳኔታት ቀዳማይን ካላኣይን ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ንዕኡ ዝትግብራ ብደረጃ ውድብ ዝተፋላለያ ኣብያተ ጽሕፈታት ቆይመን ኣብ ዝተፋላለዩ መዳያት ዝነጥፋ ዝነበራ ገለ ካብኣተን ኣልዒለ ክገለጽ ከሎኹ፡ ኣነ ሓላፊ ምምሕዳር ሕ፡ጉ፡ቤት ጽሕፈት ኮይነ ኣካል ናይቲ ንጥፌታት ስለ ዝነርኩ መዛግብተይ ሃሰስ ኢለ ነዚ ክጽሕፍ ብፍላይ ኣብዚ ግዜ’ዚ ገሌና ኣቦታት ገሊአን ኣዴታት ገሌና ኣብ ደረጃ ኣቦሓጎታት በጺሕና ስለ ዘሎና ኣዚ ምስ መዓልታዊ ሂወት ሰፊሕ ህዝቢ ዝተኣሳሰረ ዕውት ታርኻዊ ቃልስና ስለዝኾነ ብሽም ኩሉኹም መቓልስተይ ናብ ህልዊ ውለዶና ከመሓላልፍ ዕድል ብምርካበይ ኩርዓት ይስመዓኒ።
ኣብ ሕብረተሰብስዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ዝነጥፋ ዝነበራ ክፍልታት ንምዝካር እምበኣር፡
- ክፍሊ ትምህርቲ
- ህዝባዊ ሕክምና
- ናብራ ዕብየት
- ኣብ ትሕቲ ጽላል ህዝባዊ ሕክምና ኮይኑ ዝነጥፍ ዝነበረ፡ ምክልኻል ሕማም ዓሶን ሓለዋ ጽርየትን ( sanitation )
- ክንክን ስድራቤት ተጋደልትን ስውኣትን
- ቀይሕ መስቀልን ወርሕን

ክኾና ከለዋ ንነፍሲ ወከፈን ናተን ንኡስ ምምሕዳር ሃልዩወን ከም ኣድላይነቱ መደባተን ብቐዳምነታት ሰሪዕን ብቕጥታ ንህዝቢ ዝምልከት ኮይኑ ተግባራዊ ስረሐን ምስ መዓልታዊ ሂወት ናይቲ ህዝቢ ዝተኣሳሰር ኮይኑ ብኣድማዕነ ይሰርሓ ከም ዝነበራ ይፍለጥ። ናይ ሎሚ ኣልዒለ ክጠቕሶ ዝደሊ ብሓፈሽኡ ንክፍሊ ሓለዋ ጽርየት ብፍላይ ከኣ ንምክልኻል ሕማም ዓሶ ዝምልከት ክኾውን ከሎ እዚ ክፍሊ’ዚ ኣቋውምኡ እንተ ርኢና፡ ካብቶም ኣብ ሰብዓን ኣርባዕተን ሰብዓን ሓሙሽተን ብብዝሒ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፉ ተጋደልቲ እሞ ቅድሚ ምስላፎም ክብ ዝበለ ደረጃ ትምህርቲ ሃልዩዎም በዚ ሞያ’ዚ ተመሪቖም ኣብ ኤርትራን ክፍልታት ኢትዮጵያን ብተግባር ክሰርሑ ዝጽንሑ ሃብታም ተመኩሮን ዝጽንሖም እዩ ቆይሙ።

እቶም ሰብሞያ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕብረተሰብኣዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ኮይኖም ንቡዙሓት ተጋደልቲ ብጉቡእ መልሚሎም መደባቶም ሰሪዖም ኣብ ኩለን ክፍልታት ምምሕዳር ክነጥፉ ክሎዉ ብፍላይ ኣብ መላእ ባርካ ኣብተን ብዝሒ ጣንጡ ሃልየን ዓድታት ዘጥቀዓሉ ዝነበራ ብሰንኩ ብዙሕ ህዝቢ ብሕማም ዓሶ ኣዝዩ ይሳቐ ከም ዝነበረ ክጥቀስ ከሎ፡ ንሱ ዘስዕቦ ናይ ሕማምን ክሳብ ናይ ሞት ግዳያን ዝኾና ዝነበራ ዓድታት ውሑዳት ኣይኮናን እዞም ዝተጠቕሱ ውፍያት ተጋደልቲ ብጻዕሮም ነዚ ሓደገኛ ሕማም’ዚ ወላእኳ ፈጺሙ ጠፊኡ ክንብል እንተዘይደፈርና ብዝለዓለ ደረጃ ኣብ ምቅላሉ ኣወንታውን ኣድማዕን ግደ ከም ዝነበሮም ክጥቀስ ይከኣል።

በዚ መዳይ’ዚ ተመልሚሎም ብተግባር እንዳሰርሑ ከሎዉ ዝተላዕለ ስእልታት ሓቀኛ መግለጺኡ ከም ዝኾነ ውን ይሕብረና።
ኣብዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ክፍልታት ሓለፍቲ ምምሕዳር ኮይኖም ዝነጥፉ ዝነበሩ ብዙሓት ብሞት ወላ እንተ ተፈልዩና ንታሪኾምን ተወፋይነቶምን ኣልዒሎም ብስፍሕ ዝበለ ክገልጹ ዝኽእሉ ብሂወቶም ዘሎዉ ነዚ ከም ጉቡእን ሃገራዊ ሓላፍነት ወሲዶም ብሰፊሑ ክገልጹ ጸዋዒተይ እንዳቕረብኩ ኣብዚ መዳይ’ዚ ብወገነይ ክተሓባበር ድልዊ ከም ዝኾንኩ በዚ ጽሑፈይ ያረጋግጽ ምስ ብዙሕ ኣክብሮትን ሰናይ ትምኒትን።
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ
ክብርን መጎስን ንሰማእታትና።
መደባት ፓልቶክ ኣብዚ ቅንያት ግርም መማሰዪ ረኺቡ ኣሎ። ፓልቶክ ሓደ ኣካል ካብ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ከም ምዃኑ መጠን ብግቡእ እንተዘይተታሒዙ፥ ካብ እወንታኡ ኣሉታኡ ክበዝሕ ምዃኑ ዘየጠራጥር። ከመይሲ መሰለይ እዩ ኢልካ ጭብጥን መርትዖን ዘይብሉን ኣፍካ ዝሃበካን ምዝራብ ዝኸፍአ መተሓላለፊ ዝንቡዕ ወረ እዩ ዝኸውን። ዝንቡዕ ወረ ወይ ሓበረታ ክመሓላለፍ እንከሎ ድማ መናቖቲ እምበር ኣተሓቛቛፊ ወይ እውን ናይ ስኒት ሃዋህው ዝፈጥር ኣይኮነን። እዚ ከምዚ ኢሉ ክጎዓዝ እንከሎ እቶም ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ለይቲ ምስ መዓልቲ ናይ በለጽ ስርሖም ዘዋፍሩ ሕቡኣን ባእታታት ብወገኖም ኣብ ጠቕሞም ከውዕልዎን ነቲ ኩነታት ብቄናን መንገዲ ክዝውርዎን ህርድግ ከምዝብሉ ርዱእ እዩ። ‘’ስብሓት ዝብጸሓካ ኣይትስሓት’’ እዩ ክኸውን ነገሩ
ሰውራ ኤርትራ፡ ንኹሉ ዕንቅፋታት በዲሁ ካብ ባዕዳዊ መግዛእትን ድምጺ ብረትን ናጻ ኮይኑ ኤርትራዊ ወናን ሃገሩን ክብሩን ክኸውን ካብ ዝበቅዕ እነሆ 25 ዓመት ክመልእ ይቀራረብ ኣሎ። እዚ እቲ ብረታዊ ቃልሲ መድረኹ ከምዘብቀዐ ዝእምት እዩ። እቲ ተሪፉ ዘሎ ኣብ ክንዲ ብብረት ብፖለቲካን ሃናጺ ናይ ለውጢ ሓሳብን ኣቢልካ ዝፍጸም ጉዕዞ ቃልሲ እዩ። ይኹን እምበር በቲ መልክዕ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ዝኸዶ ዝነበረ ኣብ ነንሓድሕድካ ዘየሳኒ ምትኹታዃት ሒጂ እውን እንተኾነ ፈውሲ ዘይተረኽቦ ቀጻሊ ኮይኑ፡ ብድሕሪት ኮይኑ ኣጋጣሚታት እንዳተጸበየ ዝደፍኦ ኣካል ከምዘሎ ስውር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ውልቀመላኺ ኢሰያስ እውን ከምዚ ናይ ሎሚ ብታሕተ-ታሕቲ ዘዋፍሮ ዝነበረ ፈላላይን ኣናቛትን ወፍሪ እናኣካየደ እዩ ስልጣን ብሒቱ።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ፈለማ ብስራት ናጽነት ዝተኣወጀሉ ግዜ ንኣባላት ህዝባዊ ግምባር እቲ ዝግባእ ሞጎስን ክብርን ሂቡ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ጀብሃን ሻዕብያን ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ሓድሕድ ድማ ደጊም ከም ታሪኽ ተመዝጊቡ መምሃሪ እዩ ክኸውን ዝግበኦ ነይሩ። እቲ ናጽነት ከም ደበስ ተወሲዱ፡ ነቲ ዝተፈጸመ ጌጋታት ከኣ ብዕርቅን ይቕረን ብፍትሓዊ ዝኾነ ቅዋም ኣቢልና ክነድቅሶ ድማ መተገበአ። እቲ ዝሓለፈ ኣሉታዊ ተግባራት ኣብ መጻኢ ትልሚ ኣትዩ ነቲ ብሩህ ተስፋ ከጸልምቶ ቅኑዕ ኣይኮነን። ብመንጽር’ዚ ነቲ ድሕሪ ናጽነትከ? ዝብል ሕቶ ክጥምትዎ ዝነበሮም ክንሱ ግን ዘንጊዖሞ ሓሊፎም።
እቲ ስርዓት እዚ ሎሚ ብህግዲፍ እናተባህለ ዝጽዋዕ ዘሎ ጉጅለ ዝኸዶ ዘሎ ጎደና ፈጺሞም ተገሪሆሙሉ እኳ እንተዘይተባህለ እቲ ምልክታት ከስተብህሉሉ ግን ኣይከኣሉን ክትብል ይከኣል እዩ። ንኣብነት ኢሳያስ ባዕሉ ኣብቲ ፈለማ ናይ ነጻነት መደረኡ ‘’ ድሕሪ ደጊም ናይ ውድባት ሓሸወየ የለን ክኣቱ ዝደሊ ብውልቁ ይእቶ’’ ኢሉ ክምድር ከሎ፡ ኩሉ ኣባል ህግድፍ ኣብየናይ ጽፍሒ መሪሕነት ይንበር ብዘየገድስን እቶም ዝተረፉ ውዱባት ሃገራውያንከ ኣበይ ክወድቁ ከይበለ ስቕ ኢሉ ምስጋሩ ዘተዓዛዝብ ነይሩ። ነዛ ነጥቢ እዚኣ ሸፈፍ ኢሎም ስለዝሓለፈዋ ከኣ ነቲ ሓቂን ፍትሕን ከም ዝጠሓስ ኣብ ምግባር ዓቢ እጃም ኣለዎም።
ካልኣይ ነጥቢ እቲ ኤርትራ ናጻ ኣብ ዝወጸትሉ ውድባት ምስ ስርዓት ኢሳያስ ንምዝታይ ብፍላይ ሰውራዊ ባይቶ ተዳልዩ ኣብ ዝተበገሰሉ እዋን ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ካርቱም ምስ በጽሐ እቲ ናይ ዘተ ጉዳይ ንዘይተወሰነ ግዜ ተመሓላሊፉ እዩ እሞ እቲ ልኡኽ ንኸይብገስ ዝብል መልእኽቲ ተሰዲዱ። እዚ እውን ኣብቲ እዋኑ ዓገብ ኣይተባህለን። ደሓር እቲ ሃገራዊ ቅዋም ክንደፍ እንከሎ እቲ ዝገርም እቶም ክኢላታትን ምኩራትን ዝበሃሉ ኤርትራውያን ነቲ ጉዳይ ብሸለልትነት ጥራሕ ዘይኮነስ ብናይ “ንሕና ጥራይ ኢና ዋናታት” ዝብል ስምዒት ስለ ዝጠመትዎ ናይ ንኺድ ጥራሕ መንፈስ ሒዞም ንኹሉ ወዲ ሃገር ዝምልከት ክንሱ ንገሊኡ ከምዘይደቂ ሃገር ቆጺሮሞ ክሓልፉ ከለዉ እውን ብዙሓት እዮም ኣጽቂጦም። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ድማ ዲክታቶር ኢሳይያስ ሻዲኑ ንሃገርናን ህዝብናን ኣብዚ ሕጂ ወዲቐምዎ ዘለዉ ንክወድቖም ኣስተዋጸኦ ገይሩ እዩ።
ስለዚ እቲ ንሃገራዊ ዕርቂ ክግበር ዝቐርብ ዝነበረ ጠለብ በቲ ስርዓት ተቐባልነት ኣይረኸበን። ብሰንኪ እዚ እቲ ቃልሲ ምእንቲ ፍትሕን ደሞክራስን ኣብ ውሽጢ ሃገረ ኤርትራ ክካየድ ዝግበኦ ዝነበረ ኣብ ደገ ክኸውንን ንዘይንቡር ኣተሃላልዋ ክቃላዕን ተገዲዱ። እዚ ኣብ ላዕሊ ክጥቀስ ዝጸንሐ ጉድለታት ኣብ ዝሓለፈ ተመኩሮና ጉድለት ከም ዝነበረ ንምእማት እምበር፥ ነቲ ዝሓለፈ ይኹን ሕጂ ነካይዶ ዘለና ሓርነታዊ ቃልሲ ሸንኪሩ ክሕዞ ይኹን ከዳኽሞ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ኣብ መጻኢ ኣብ ጀብሃ ኮነ ሻዕብያን ዝነበሩ ኩሎም ኣባላት ዝነበርዎ ጽፍሒ ብዘየገድስ ቅርቡነት ወኒኖም ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ቅዋም ከከም ግዚኡን ኩነታቱን እንተስ ብዕርቂ ወይ ብይቕረታ ዝነበረ ጸገሞም ክፈትሑ ዝጽግም ኣይኮነን። እዚ ስለዝኾነ ሕጂ ኣብዚ ሓርነታዊ ቃልስና ብዛዕብኡ ኣልዒልና ክንዛረብ ይኹን ክንስሓሓብ ወይ ከኣ ከም መፈላለዪ ነጥቢ ክንጥቀመሉ ምስ እንፍትን ልክዕ ከምቲ ኣብ መንጎ ክልተ ውድባት ዝካየድ ዝነበረ እሞ ሎሚ ንነቕፎ ዘለና ንውግእ ዝዓደመ ጐስጓሳት ዝካየድ ዝነበረ ኢና ክንቅጽል ማለት’ዩ። እቲ ኣብ ፓልቶካት፡ ንገዛእ ርእስኻ ካብ ዝኾነ ገበን ነጻ ኣውጺእካ ካልኦት ንምውንጃል ዝግበር ጫጫው ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ።
እቲ ኣብዚ ክንርእዮ ዝግበኣና ቁምነገር ንሓደ ኣካል ብፍትሓዊ ዓይኒ እምበር ብናይ ሓይሊ ሚዛን ጥራይ ኣይኮናን ክንድግፎን ክንቃወሞን ዝግበኣና። ንኣብነት ንጉጅለ ህግደፍ ኣትሪርና እንቃወሞ፡ በቲ ዝምረሓሉ ዘሎ ጸረ ህዝብን ጸረ ፍትሕን ተግባራቱን ፖሊሲታቱን ኢና። ምናልባት ጉጅለ ህግደፍን ደገፍቱን ሓይሊ ሕጊ እዩ ዝበል መንፈስ ይሓደሮም ይኸውን። ንሕና ግና ካብዚ ብዝተፈልየ መንገዲ ኢና ክንገጥሞ ዝግበኣና። እቲ ካልእ ጉዳይ ሎሚ ኣብ ፓልቶካት ተሓለቕቲ ፍትሕን ደሞክራስን ኮይና ክንምድር እንሓድር ብዙሓት ኢና። እንተኾነ ነዚ ናይ ሎሚ ሓልዮትናን ተገዳስነትናን ኣብቲ እዋኑን መድረኹን ከነንጸባርቖ ዘይምብቃዕና ድኽመትና ምዃኑ ክንቅበሎ እዩ ዝግበኣና። ነዚ ድኽመትካን ተሓታትነትካን ኣቐሚጥካ ንውሱናት ኣብ ዝተወሰነ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝነበሩ ቆንጢርካ ከምዚ ክገብሩ ዝግበኦም ዝነበረ ኣይገብሩን ብዝብል ክትዝንጥሎምን ካብ መጻኢ መደባት ቃልሶም ከተዕንቅፎምን ምፍታን ግጉይን ዘተዓዛዝብን እዩ። ጉዳይ ምትሕስሳብ እንተመጺኡ ግና ዋላ ሓደ ንካልኦት ብምጽላምን ብምኽሳስን ካብ ተሓታትነት ናጻ ክኸውን ከም ዘይክእል ናይ ፓልቶክ ወረጃታት ተተረድእዎ እዩ ዝሕሸ። ተሓታትነት ከኣ ደረጃታቱ ደኣ ይፈላለ እምበር ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ንኹሉ ዝምልከት እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብፍላይ ድሕሪ ምምኽኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ በዚ መጸ ዘይበሃል መሾምቦባ ንሕሉፍ ቃልስን ተመኲሮ ወልቀሰባት ኣልዒልካ ናይ ክስን ውንጀላን ክካየድ ጀሚሩ ጌና እውን ኣይተወደአን። እቲ ዝገርም ከኣ ኣብቲ ዝቐርብ ተንታን ፖለቲካዊ ዘይኮነስ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ እንታይ ውጽኢት ከስዕብ እዩ ብዘይምስትብሃል ንዕድመ ስልጣን መላኺ ጉጅለ ዘናውሕ ጐስጓሳት ብመደረታትን ብጽሑፋትን ይካየድ ኣሎ። ኩሉ እቲ ዝካየድ ዘሎ ጐስጓሳት ሃገራዊነት ዘህስስ፡ ዘረሓሕቕን ንጉጅለ ህግደፍ ዘርብሕን እምበር መስርሕ ምምጻእ ለውጢ ዘቃላጥፍ ኣይኮነን። “ምእንቲ ለውጢ ኢና” ኢሎም ብዝጭርሑ ወገናት ክበሃል እንከሎ ከኣ የገርም።
ውድባት ኣይሰርሓን እየን፥ ውድባት ነንውድበን እምበር ንህዝቢ ዘርብሕ ኣይገበራን፥ ውድባት የለዋን፥ ከምዘይተባህለ ሎሚ፡ ከኣ ውድባት ክጥርነፋን ሽግረን ኣለልየን ብሓባር ዘስረሐን መንገዲ ክትልማን እንተተላዕላ፡ “ኣይትስዓብወን እዚኦምዶ ክመርሑና” እናበልካ ዝግበር ዘሎ ዘይሃናጺ ጐስጓስ ብመንጽር ረብሓን መሰልን ህዝቢ ክምዘን እንከሎ ኣዕናዊ እዩ። እቶም ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ኣንጻር ጥርናፈን ውደባን ዝድብሉ ዘለዉ፡ ነቲ ብሰንኪ ተግባሮም ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ዘይርእዩን ሃገር ብምጉጅጃል ትመሓደር ዝመስሎምን ወገናት ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ይሰርሑ ከምዘየለዉ ክርድኡ ይግበኦም። ሎሚ እቲ ቀዳማይ ዕማምና ክኸውን ዝግበኦ ከመይ ብሓባር ተወሃሂድናን ተኸባቢርናን ንሰርሕ እምበር፡ ኣብ ሕድሕድና ንወናጀለሉን ንቆናጸበሉን ወይ እውን ናብ ናይ “ኣነ በልጽ፡ ኣነ’ባ” ዘይመሰረታዊ ህልኽ ክንኣቱ ኣይግባእን። ገሊኦምሲ ሕሉፍ ሓሊፍዎም እተን ውድባት ተራኺበን ክዝትያን ጌጋታተን ክእርማ እንተተበገሳ፡ “ንስልጣን ህዝቢ መንዚዐን በይነን ከመሓድራና ኢየን” ብዘስምዕ ዝምቡዕን ቄናንን ወረ ኣብ ምዝርጋሕ ምውፋሮም ክሳብ ክንደይ ነቲ ኣንጻር ዲክታቶርነት ዝግበር ናይ ለውጢ ቃልሲ ይሃስዎ ከም ዘለዉ፡ ንሳቶም ኮነ ኣብቲ ለውጢ ረብሓ ዘለዎም ኤርትራውያን ወገናት ከስተብህልሉ ይግበኦም።
ድራር መንታይ
Organizing Global Diaspora Eritrean Civil Society Movement- what does it mean?
ኣድላይነት ናይ ምጥርናፍ ኤርትራዊ ሕዝባዊ ምልዕዓል ካብቲ ኣብ ናይ ጀነቫ ሰላማዊ ሰልፊ ንምድጋፍ ኮምስዮን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተራእየ ናይ ሕዝቢ ተሳታፍነት፣ ቀጺሉ ድማ ኣብ ከተማ ንዩዮርክ ዝተራእየ ተሳታፍነት ናይ ሕዝቢ ኢዩ፣ ነዚ ምልዕዓል ንቅጽልን ዝያዳ ኣድማዒ ኮይኑ፣ ሕዝቢ ኣካል ናይዚ ቃልሲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክኸውን፣ ናቶም ብርኪ ናይ ሓላፍነትን፣ንክዕወት ድማ ግደኦም ክጻወቱ ዘዕድም ኢዩ፣ እዚ ድማ መር ኣያ ሕዝብና ክሳብ ክንደይ ድልዊ ከምዘሎ ዘር እየና ምልክት ኢዩ። ከምቲ ልሙድ ኣብ ደሞክራስያዊ ስር ዓት ተሳትፎ ሕዝቢ ኣብ ምርጫ ክሳተፍ ከሎ ኢዩ ብዙሕ ግዜ ተሳታፍነት ዝርኤ፣ ኣብ ህልዊ ኩነታትና ግን ተሳትፍነት ናይ ሕዝቢ ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያ ካብ ብሕጂ ተሳትፎ ኡ ምስ ዘረጋግጽ እቲ ድሕሪ ውድቀት ምልክነት ክርከብ ዝከኣል ሓደጋታት እውን ዕድል ኣይረክብን ደጊሙ ናብ ሓዲሽ ምልክነት ከየመርሕ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክካየድ ዝጸንሔ ናይ ሕዝቢ ተሳትፍነት ንምስሓብ ከም ንኣብነት ዋ ዕላታት ፣ ሰሚናራት ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት እውን ሓደ መድረኻት ኢዩ ነሩ፣ እዚ ዋዕላታት እዚ ድማ ዕላማታቱ ምትእምማንን፣ ምርግጋጽ ተሳታፍነት ናይ ኩሎም ተዋሳእቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኢዩ ዝነበረ፡፤
እቲ ኣገዳሲ ናይ ተሳታፍነት ወኪል እቲ ብማሕበራዊ ጉዳያት ተመራመርቲ ( Social Scientist)፣ በርገሳዊ ማሕበር (Civil Society) ብዝብል ዝፍለጥ ኢዩ። በርገሳዊ ማሕበር ማለት እኩባት ማሕበራት ኣብ ዝኾነ ማሕበር/ሰብ ዝቅልቀል፣ ነጻ ካብ መንግስቲ ብመሰል ዜጋታቱ ዝጣበቅ ማለት ኢዩ፣ ንሱ ድማ፣ ማሕበር ጠበቃታት፣ ማሕበር ሰብኣዊ መስላት፣ ማሕበር ስፖርተኛታት፣ ናይ ሙያ ማሕበራት፣ ናይ ሰራሕታኛታት ማሕበራት፣ ዝኾነ ምጥርናፍ ብድልየቱን ነጻ ኣቋቁማን ዘለዎም ዝምስርትዎ ኣወዳድባ ኢዩ፡፤ እዚ ኣብ ደንበ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝድለ ዘሎ ናይ ሕዝቢ ተሳታፍነት ከረጋግጽ ዝኽእል ምስዚ መጽናዕቲ በዞም social scientists ዝቀረበ ክለሳ ሓሳብ ይሰማማዕዶ ወይስ ንድሕሪ ሕጂ እየን ክቆማ ዘለወን፣ ን ኣብነት፣ እቲ ኣብ ቱኒስያ ኣብ ምስግጋር መስርሕ ደሞክራስያ ከም መንጎኛ ኮይኑ ዓቢይ ግደ ዝተጻወተ ማሕበራት፣ ናይ ጠበቃታት ማሕበር፣ ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበር፣ ማሕበር ሰብኣዊ መሰላት፣ ኮንፈደራላዊ ማሕበር ኢንዱስትርን ንግድን ማሕበራት ብሳላኦም እቲ ናይ 2011 ብጃስሚን ዝፍለጥ ቃልሲ ንደሞክራስዊ ለውጢ ብሰላም ከምዝሰጋገር ኣኽኢልዎ፣ እምበኣር ግደ በርገሳዊ ምጥርናፍ ዓቢይ ምዃኑ በዚ ኣብነታት እዚ ክንርድኦ ንኽእል፡፤
What is civil Society?
Civil society is the conglomeration of organizations and associations which spring up in any society. They are independent of government or political parties and reflective of the interests of their citizens. They are voluntary and autonomous in their formation. The role of civil society associations in the Eritrean perspective need more academic analysis. The discussions going in Eritrean Paltalks are not based on scientific studies but simple general views of the discussants of the group in each room of talks. Let us instead perform study groups in each resident country where we live.
More on democratization and conflicts in Africa will follow.
ሐደ ደሞክራስያዊ መስርሕ ብዘይ ጥዑይ ተሳታፍነት ክረጋገጽን ክድልድልን ኣይኽእልን፣ በርገሳዊ ማሕበራት ኣብ መንጎ ሕዝብን ፖሊቲካዊ ውድባትን ዝዋሳእ ነጻ ምንቅስቃስ ናይ ሕዝቢ ኢዩ። በዚ ውደባ ናይ በርገሳዊ ምንቅስቃሳት ኣቢሉ ድማ ሕዝቢ ዝሳተፍን፣ ንፖሊቲካዊ መራሕቲ ወይ መንግስቲ ዝነቅፍን፣ እቲ ናይ በርገሳዊ ምጥርናፍ ሓያልነት ናቱ ነጻ ወሳነታት ምውሳድ ኢዩ፡፤ በዚ ምኽንያትዚ ድማ ኢዩ መስርሕ ምጥርናፍ ኣብ ተሳትፍነት ናይ ሕዝቢ ዓቢይ ግደ ዘለዎ። በርገሳዊ ምንቅስቃሳት ካብ መርሕነታት ፖሊቲካዊ ውድባት ይኹን መንግስቲ መመርሕታት ኣይወስድን፣ በርገሳዊ ምንቅስቃሳት ከም መስኖ ናይ ተሳታፍነትን፣ ከም ኡ ድማ ናይ ምቁጽጻርን፣ ምምዛንን ንፖሊቲካዊ ሰልፍታትን መንግስትን ኮይኑ ተሓታትነትን፣ ግሉጽነትን ብዘረጋግጽ መገዲ፣ ብፍላይ ድማ ፖሊቲካዊ ውድባት ድኹማትን፣ እቲ ሕዝቢ ዝጠልቦ ከማልኣ ኣብ ዘይኽእላላኡ እዋን ዝነጥፍ ምንቅስቃሳት ናይ ሕዝቢ ማሕበራት ኢዩ።
Civil Socity acts both as a channel for participation and to provide useful checks and balances on political parties and government, ensuring accountability and transparency. The guiding principles in any democratic system are accountability, transparency and participation.
ብስነ/ሓሳብ እቲ ዝምድና ኣብ መንጎ በርገሳዊ ማሕበራትን ፖሊቲካዊ ውድባትን፣ ነንሕድሕዱ ዘሕይል እምበር ዝጻረር ኣይኮነን። በርገሳዊ ምንቅስቃስ ደሞክራስያውነት ዝቅበል ጥራሕ ዘይኮነ ብኣንጻሩ፣ ነቲ መስርሕ ናይ ምስግጋር ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያ ዘቀላጥፍ ኢዩ፡፤
ፖሊቲካዊ ኣፈታትሓ ጉዳያት ኩሉ ግዜ ብሕዝቢ ምስ ዝውነኑ ዕዉታት ይኾኑ፣ ኣገዲድካ ብሓይሊ እተምጽኦ ፍታሕ ነባሪ ኣይኮነን፣ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ከምዚ ናትና ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያ ክሰጋገራ ከለዋ እቲ መስርሕ ንኩሎም ኣኪቡ ዘይኮነስ ንገለ ኣግሊልካ ወይ ገዲፍካ ምስቶም ምሳኻ ዝሰማምዑ ጥራሕ ምስዝኸውን፣ እቶም ኣግሊልካ ዝገደፍካዮም ነቲ መስርሕ ክዕንቅፍዎ ይኽእሉ፣ ሰለዚ መስርሕ ናይ ዘተ ንኩሉ ዝጥርንፍ ክኽውን ኣለዎ፣ እቲ መስርሕ ናይ በርገሳዊ ማሕበራት ኣብዚ መትከል ናይ ኩሉ ዝብል ክምስረት ኣለዎ፡፤
ግደ ፖሊቲካዊ ውድባት ኣብ መርስሕ ምስግጋር ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ንምቅያር ይቃለሱ፣ ፖሊቲካዊ ውድባት ማለት ዜጋታት ሃገር ናቶም ፖሊቲካዊ ምርጫታቶም ዘመሓላልፉሉን ዝሳተፉሉን ፖሊቲካዊ ዓውዲ ኢዩ፡፤ እሞ ኣብዚ ግዜዚ ግደ ፖሊቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ክልለን ክፍለጥን ኣለዎ፣ ምኽንያቱ ኣብ ዝሓለፈ ይኹን ክሳብ ሕጂ እቲ ዝምድናን ኣሰራርሐን ንጹር የለን፣ ክልቲኦም ኣወዳድባን ግደን ከምተወዳደርቲ ክወስድዎ ጸኒሖምን አለዉን፣ እዚ ከምዚ ዓይነት ተረድኦ ኣብዚ እዋንዚ፣ ፈሊጥናን ነቂሕናን እንተዘይጸናሕና እቲ ድሕሪ ውድቀት ምልክነት ክንምስርቶ ንደልዮ ናይ ሕዝቢ መንግስቲ ዋሕስና ኣይክረክብን እሞ ሳዕበናቱ ንሕዝቢ ኤርትራ ዝብትን ከይከውን ካብ ሎሚ ጀሚርና፣ እቲ ኣብ ምልዕዓል ናይ ሕዝቢ ኣብ ዳያስፖራ ኤርትራ ንደንበ ተቃውሞ ዘሕይልን ዘሳልጥን፣ ከምኡ ድማ ቅድመ/ኩነት ኣገዳሲ ንምሕናጽ ደሞክራስያዊ ማሕበረ/ሰብ ምዃኑ ብምርዳእ ኣብ ዘዘሎናዮ ሃገራት ዘተ ከነካይድን ክንውድብን መብጽዓ ናይዚ ዓመትዚ ይኹን።
ብዛዕባ ጉዳይ ሓድነት ደምበ ተቓውሞ ንምምክኻርን ናይ ሓባር መረዳእታ ክህሉዎም ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ወርሒ ኣብ ጀርመንን ከንያን ርክባት ፖለቲካውያን ውድባትን ገለ በርገሳውያን ማሕበራትን ምክያዱ ይዝከር ። ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ነዞም ዝተገብሩ ኮንፈረንሳት ከሞጉሱ እንከዉ ፣ ካልኦት ከኣ ከምዘይተሓጎሱ ብልዙብ ቓላት ኣብ ክንዲ ምግላጽ ፣ ናይ ዓመታት ቆጺሮሞ ዝጸንሑ መርትዖ ዘይብሉ ሃበስ ቀደስ ፣ ንሓዲሽ ፕሮፓጋንዳ ኣንጻር ገዳይም ተገደልትን እቲ ኮንፈረንስ ክጥቀሙሉ ቀኒዮም ። ። እንተኮነ እቲ ኣገዳሲ እዞም ብሕጂ ዝካየዱ ኮንፈረንሳት ካብቶም ዝሓለፉ ኮንፈረንሳት ብዘይ ታሕዋኽ ኩሉ ዘድሊ ቅድመ ኹነት ተማሊኡ ብዓወት ክዛዘም ምግባር ናይቶም ኣዳለውቲ ቀዳማይ ዕማም እዩ ። ለውጢ ናይ ኣታሕሳስባ እምበር ፣ ለውጢ ናይ ቦታ ፍልልይ ዘምጽእ ኣይኮነን።
ዝኸበርኹም ተኸታተልቲ መርበብ ሓርነት ፣ ዝኮነ ዘይምርድዳእ ክፍጠር እንከሎ ፣ ኹናት ዘይኮነ ዘተን ሽምግልናን ገርኻ ምፍትሑ መኽሰብ እምበር ክሳራ የብሉን ። መድረኽ ሓቀኛ መንጞኛ ክኸውን እንተ መሪጹ ይርሓሰና ! እንተኾነ መድረኽ ኣብዚ ሕጂ ዝገብሩዎ ዘለዉ ናይ ኤርትራውያን ውድባት ምቅርራብ ክዕወት እንተኾይኑ ሻርነት ክርእዩ የብሎምን ። እዚ ማለት ንሓደ ውድብ ካብቲ ኻልእ የሻርዉ ማለት ጥራሕ ዘይኮነ ንገዛእ ርእሶም ኣካል ናይተን መላግቦ/ቀለቤት ክንኣስረለን ዝበሉውን ውድባት ክኾኑ የብሎምን ።
ኣቓራራቢ (Facilitator )ክብሃል እንከሎ ሓደ ኪኢላ (Expert)ኾይኑ ፣ ንመስሪሕ ናይ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ግርጪት ኣብ ውሽጢ ትካላትን ጉጂለታትን ዝምጭዉ ንምፍታሕ ዝነጥፍ ኣካል እዩ ፣ ዋንነት ናይቲ ጉዳይ ከይወሰደ ፣ እቶም ተሳተፍቲ ብሓባር ተዛቲዮም ብሉጽን ሓናጽን ዝኮነ ውሳኔ ክበጽሑ ይገበር ብኻልእ ኣዛራርባ ሓላፍነት ወይ ስልጣን ናይቲ ዛዕባ (Content) ከይወሰደ ፣ ነቶም ሰብ ጉዳይ ሓላፍነት ተቀቢሎም እቲ መሪሕ ተራ ክህሉዎም ይገበር ።ስለዚ መደረክ ነዚ መደብ ዕዩ እዚ ከሰላስል ካብ ተበገሰ ኣሳልጦ ክረክብ እንተ ኾይኑ፣ብቀዳምነት ንኩሎም ፖለቲካውያን ውድባት ብማዕረ ክዕደሙ ኣለዎም ። ኣይተዓደምናን ኣዋሲኖምና ዝብሃል ከይህሉ ። ካልኣይ ፣ መደረኽ ኣብ ሽማግለ Adhock ብማዕረ ምስተን ውድባት ክስራዕ የብሉን ።እዚ ነቲ ናቱ ዘይሻራነት (Neutrality ) ሓኒቁ ዝቀትል እዩ። ምክንያቱ ናይ ረብሓ ግርጪት ( Conflict of Interest ) ከስዒብ እውን ስለ ዝክእል
ኣብ ጉዳይ ኣሳላጥት (Structure and Process) ዝብሃል ተቛም ኣሎ ። ከም ዝፍለጥ ሓደ ገዛ ክትሰርሕ መሳርሒ ዝኾኑ ኣቅሑት የድሊዩኻ ። ምክንያቱ ብጥራሕ ኢድኻ ገዛ ክትሰርሒ ስለ ዘይኸኣል። እዚ ማለት ማርቴሎ ፣ ማሳ ፤ ምስማር ፣ ወዘተ ክትጥቀም ትግደድ ። እዚ እቲ መስሪሕ(Process )እዩ እዚ ከኣ እዩ መደረኽ መላግቦ ወይ ቀለቤት ኮይኑ ነዘን ኤርትራውያን ውድባት ክወሃህድ ከም ዝተበገሰ ዝገልጽ ።
መደረኽ ግን ኣብቲ (Structure ) ህንጻ ተዋሒጡ ከሰርሕ ይርኤ ኣሎ ። መድረኽ ኣካል ናይቶም ነቲ ገዛ ዝቆሙ ከም መሰረት ፣ ዓንዲ ፣ ገመል ፣ማሕወጽ ፣ ሓርኾም ፣ወዘተ ክኽውን ኣይግብኦን ። እቶም ፖለቲካውያን ውድባትን ተዓደምቲ ወልቀሰባትን ፣ ነዚ ጉዳይ እዚ ብቀሊል ክሰግሩዎ ኣይነበሮምን ሕጂ እውን ክምብል በለ እምበር ኣይፈሰስን ክምዝብሃል ፣ ኣብ ማሕጎማ ከይበጽሓኻ ነቲ ጉዳይ ምእላይ ናይ ለባማት ስራሕ እዩ ። ምኽንያቱ ጽባሕ ሓደ ጸገም ምስ ተፈጥረ ፣ ክስታት ክውሕዙ እዮም ። ርሑቅ ከይኸድና እዚ ኣብ መንጎ ሃገራዊ ባይቶ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ክድገም የብሉን። ተራ ናይ ህዝብን ኣገደስቲ ውልቀሰባት ርእይቶን ድምጽን ክሕተትን ክስማዕን ይግባእ።
ኣቓራራቢ ዘይሻራዊ ኮይኑ ድምጺ ወይ ድጋፍ ናይ ኩሎም ተሳተፍቲ ክህሉዎ ናይ ግድን ይኽውን ።ብድሕሪዚ ፣ ኣብቲ ዝኻየድ መስሪሒ (Process ) ዓቅሙን ክእለቱን ብዝግባእ ክጥቀመሉን ነቲ በቶም ውድባት ዝቀረበ ኣጀንዳ ተቀቢሉ ንሓሳባት ናይዘን ውድባት ኣጣሚሩ ተግባራዊ ዝኾነ መደብ ከማዕብልን ፣ ድሕሪ ዘተን ልዝብን ኩሎም ተሳተፍቲ ዝርዓምዎ ብሓባር ተግባራዊ ክገብሩዎ ዝግባእ ዝጸደቀ ሰነድ ሒዞም ክወጹ ይጽዕት ። ቀንዲ ኣገደስቲ ዝኾኑ ዘይሻራዊ ኣቓራራቢ ከትኩሮሎም ዘለዉ ነጥብታት፡ ጉጂለታት ብሓባር እተሰማምዑሎም ሕግታትን መምሪሒታት ምምእዛዝ ፤ መንፍስን ዝምድናታት ምምዛን ፣ ርእይቶታትን ለበዋታትን እናለገሰ ካብቲ ቀንዲ ክፍታሕ ዘለዎ ኣርእስቲ ከይወጸን፣ ዋና ናይቲ ጉዳይ ከይኸነን ንቅድሚት ከምዝስጉሙ ምግባር ይኽውን ።
ብዝኾነ መድረክ ኣብ ዝተፈለለየ መግለጺኦም ምንቅስቓስ እምበር ውድብ ከም ዘይኮኑ እናገለጹ እንከለዉ ፣ ምስኡ ኣታሓሕዞም ግን ንመጻኢ ፖለቲካዊ ውድብ ናይ ምዃን ተክእሎ ክህሉ ከምዝኽእል ኣይሓብኡን ።ነዚ ዘረጋግጾ ከኣ ኣብ ከንያ ተኣኪቦም 27 ዝኣባላቱ ባይቶ ከምዝመረጹ እውን ይፍለጥ ። ሚዛን ናይ ሓቅነት ግብሪ ስለ ዝኮነ ፣ መድረኽ ዝገብርዎ ዘለዉ ምስቲ መግለጺታቶም ዝኸይድ ኣይኮነን ።
ክብሮም ግረነት ።
12/24/15
,
ወዲ ሰብ ኣብዛ ብራህዋን መከራን ብርሃንን ጸልማትን ሰላምን ህውከትን ዝወዳደሩላ ዓለም፡ ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ምስ ዓቕሙን ልዕሊ ዓቕሙን ካብ ምቅላስኣዕሪፉ ኣይፈልጥን።
ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ኣካል ናይ‘ዚ መስርሕ‘ዚ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ሂወቱ ንዘጋጥምዎ ዕንቅፋታት ንምስጋር ብውልቀ ይኹን ብሓባር ንለውጢ ኣብ ምቅላስ ተጸሚዱ እኳ እንተ ሃለወ፡ ሕቶኡ ብዝምልስ ዓቕምን ሜላን ከም ዘየካየዶ ግን፡ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ዘሎ ሓቂ ባዕሉ ምስክር እዩ።
ኣብዚ ንዘይምዕዋቱ ብዝምልከት ክንርእዮም ዝግባኣና እንተልዮም፡-
እቲ ስርዓት ድዩ ሓይሉ ወይስ ህዝቢ እዩ ደኺሙ፡ ዝብል ሕቶታት ምምላስ ውሁብ ኣድላይነት ኣሎዎ። ብርግጽ ንምዝራብ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝረኸቦ እምነትን ተቐባልነትን ተጠቒሙ፡ ደረትን ልጓምን ብዘየብሉ መገዲ ህውከትን ዕንወትን መሪጹ፡ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ሸሚሙዎም። ውጽኢቱ ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ሰላም ህውከት፡ ኣብ ክንዲ ምዕብልና ድሕረት፡ ኣብ ክንዲ ምህናጽ ዕንወት፡ ኣብ ክንዲ ፍቕሪ ጽልእን ፍርሕን፡ ኣብ ክንዲ ምትእኽኻብ ምብትታን ኣብ ዝምለለይኣ ኣሰካፊት ሃገር ንነብር ኣሎና። እዚ ከኣ፡ እቕረ ዘይበሃሎ ጥልመት ሕድሪ ስዉኣትን ክድዓት ረዚን ዕላማን ቃልሲ ህዝብን ባህግታቱን‘ዩ።
ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን፡ እትረፍዶ ንኤርትራዊ ዜጋስ፡ ንኩሉ ብኤርትራ ዝግደስ ህዝቢ ዓለም‘ውን፡ ዘዛርብን ኣበይ ክወድቕ‘ዩ ዝብል ኣሰካፍን ውዑይን ኣርእስቲ ኮይኑ ምህላዉ ንዕዘቦ ኣሎና። እዚ ድማ ንዓና ንሰብ ጉዳይ ዝጽበ ዘሎ ዕዮ ገዛ ኣብ ክንዲ ንሰርሕን፡ መሰልና ክግፈፍ ንብረትና ክውረስ ተካእትና ክጸንቱ እናርኤና ዓገብ ኣብ ክንዲ ንብልን፡ ግዳይ ናይ ህግደፍ ዝወሰኖ ዘይፍትሓውን መኣዝኑ ዘጥፍአን መመሊሱ ዝኸፍአን ሂወት ነሕልፍ ኣሎና።
እዚ ሃለዋት‘ዚ፡ ብፍላይ ነዚ ምእንቲ ፍትሕን መሰልን ዳሕረዎት ወለዶ ክብል ነታ ዝኸበረት ህይወት ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ዝግባእ ኣይኮነን ዘብል እኳ እንተኾነ፡ ብመሰረት ድሕሪ ነጻነት ዝተኸተልናዮ ናይ ምእዙዝነት መስርሕ ግን፡ እዚ ክመጽእ ወይ ክርአ ዘገርም ኣይኮነን። ምኽንያቱ መሰልካ ምሕላው ሓላፍነትካ እምበር ካብ ካልኦት ክምጽወተልካ እትጽበዮ ግንዖ ኣብ ርእሲ ዘይምዃኑ፡ ደረትን ቀይድን ተቖጻጻርን ካብ ዘየብሉ ስርዓት ሰናይ ምሕደራ ምጽባይ የዋህነት ጥራሕ ስለ ዝኾነ።
ኣብዚ እምበኣር ክልተ ዘይሕለፉ ጌጋታት ክንርኢ ይግበኣና፡-
-
እቲ ኣምላኻዊ እምነት ዝተገብረሉ ስርዓት ህግደፍ፡ ብመሪሕነት ኢሳያስ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ስዉኣቱን ዝገበሮ እቕረ ዘይበሃሎ ክሕደትን ጥልመትን፤
-
ህዝቢ ኤርትራ ታሪኹን ባህሉን ወግዑን ሕግታቱን ጥራሕ ዘይኮነ፡ መሰረታዊ ናይ ብሰላም ምንባር መሰሉ እናተጋህሰ ምጽቃጡ፤ እቲ ቀዳማይ ቍልዒ ሓዊ እቲ ካልኣይ ድማ መባርዒ ላምባ ኮይኖም፡ እንሆ ንሃገርና ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ገምገም ኣብጺሖሙዋ።
እቲ ድሒሩ ዝመጽእ ሕቶ ከኣ፡ “ እሞ ሕጂኸ እንታይ እገበር ? ” ንዝብል ዛዕባ ምምላስ‘ዩ። ብወገነይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወለዶ ክልተ ብሰንጣቒት ዝፈላለዩ፡ ማለት ጀግንነትን ኣላሽነትን ዝመግለጺኡ ታሪኽ ክህልዎ ስነ-መጎታዊ ሓቂ ኣይኮነን። እዚ ሓደ ርብዒ ዘመን ዘርኣዮ ስቕታን ምእዙዝነትን እምበኣር፡ ዘይተጸንዐ ተበግሶ ብምውሳዱ፡ ነታ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ዝተረኽበት ስማዊት ነጻነት ከይስእናን፡ ዕላማ ቃልሱ ከንቱ ከይከውንን ኣብ ምስትብሃል ዝተመርኮሰ ስቕታ እዩ ኢልካ ክምኽነ እኳ እንተተፈተነ፡ ክሳብ ክንድ‘ዚ ዝኣክል ሃገራዊ ዕንወት ዘስዕብ ‘‘ ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና እናበልካ ” ምጥቓዕ ግን ዘየገርም ኣይኮነን፡፡
ድሕሪ‘ዚ ኩሉ ስቕታን ሳዕቤናቱን ግን፡ ሎምስ ፦
-
እዚ ንባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ምጽራግ ዓቢ ተራ ዝነበሮ መሪሕነት፡ ኣብ ምህናጽ ሃገር ካብኡ ዝልዓለ ታሪኽ ክሰርሕ ይኽእል‘ዩ ዝብል፡ ኣስተብህሎ ዘይተገብረሉ እምነት፡ ግጉይን ሓደገኛን ምዃኑ፤
-
እዚ ምሉእ እምነት ዝተለገሰሉ ገባርን ሓዳግን ኢሳያስ ትዕቢት ሰንጢቑዎ፡ ሰብኣዊ ሕልናን ስነምግባርን ኣጥፊኡ ኣብ ኣራዊት ዝተቐየረ ፍጡር ምዃኑ ንምስትብሃል፡ ልዕሊ‘ቲ ንነጻነት ዝተኸፍለ ዋጋ ደጊምና ክንከስር ምኽኣልና ብዘየዳግም ተማሂርናሉ ክንከውን ይግባእ።
እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ‘ዚ ስርዓት‘ዚ ክመጽእ ዝኽእል ሰናይን ፍትሓውን ምሕደራ ክህሉ ከም ዘይክእል፡ በዚ ናይ ትማሊ ዘውጽኦ ግዜ ዘይህብ፡ ህዝባዊ ሓላፍነት ዝጐደሎ፡ ህጹጽ ምእዋጅ ናይ ኣብ መስርሕ ዘሎ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ኣረጋጊጹዎ እዩ።
እዚ ኣዋጅ‘ዚ እምበኣር፡ ነቲ ጨጓሩ ንታሕቲ ልሙጹ ንላዕሊ ጌሩ እናተሳቐየ ዝነብር ዘሎ ህዝብና፡ ነቲ ሓቀኛ ጀግንነታዊ ባህሪኡ ደጊሙ ከመስክር ዝጽውዕ መድረኻዊ ናይ ቃልሲ ደወል እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ፡ መልሲ ህዝብና ክልወጥ (ክጽረግ) ዘለዎስ፡ ስርዓት ህግደፍን ፖሊሲታቱን እምበር ናቕፋ ኣይኮነን ኢሉ፡ ዓቕምታቱ ጠርኒፉ ሓቢሩ ንለውጢ ክብገስ፡ እቲ ቀንድን ኣማራጺ ዘየብሉን ናብ “ድሕሪ ጸልማት ዘሎ ብርሃን> ዝወስድ ጐደና ምዃኑ ተረዲኡ ነዚ ሰሪቡ ዘሎ ናይ ተስፋ ደበና ክጥቀመሉ ይግባእ።
ፍትሒ ይንገስ!
ምልኪ ይፍረስ!
ዓንድጽዮን ግርማይ
ጀርመን

