“ኣእትወኒ’ምበር ውጽኣለይሲ የዳዲ”

2016-09-05 21:04:26 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2090 times

ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ጸረ-ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ምዃኑ ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ ካብ ንበጽሕ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ናብዚ መደምደምታ ክንበጽሕ ዘኽኣለና ናይቲ ጉጅለ ርኡይ ቀጻሊ ዓመጸኛ ተግባራት እዩ። እዚ ጸረ-ህዝብነቱ ዝግለጸሉ መርኣያታት ብዙሕ ኮይኑ፡ ቀንዲ መለክዒኡ ኣብ ንዝህብን ሃገርን ዝምልከቱ ዓበይቲ ጉዳያት ዘርእዮ ኢደ-ወነናውነት ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እዚ ጉጅለ ብኢደወነኑ ክኸይድ ንከኽእሎ ዝሓዞ መንገዲ ድማ ብዘይ ቅዋም ምግዛእ እዩ።

እዚ ጉጅለ ንግዱድ ዕስክርና፡ ስርዓተ ምሕደራ መሬት፡ ወፍሪ ኢንቨስትመንት)፡ ኣተሓሕዛ መሰረታዊ መሰላትን ምእዋጅ ውግኣት ኣንጻር ናይ ርሑቕን ቀረባን ገረባብትን ወሲኽካ ዝወስዶም ኩሎም ስጉምትታት ብዘይ ኣፍልጦን ምቁጽጻርን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ዘካይዶም ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ስምምዓትን እውን ከምኡ። እዚ ዘርእየና ድማ እቲ ጉጅለ ክትልምን ውዕላት ክኽትምን እንከሎ ዘገድሶ ወይ ዝምርኮሰሉ ናቱ ጸቢብ ረብሓን ኣብ ስልጣን ምቕጻልን ጥራይ ምዃኑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ብዛዕባቲ ብስሙ ዝሕሰብን ዝግበርን ከም ዝኾነ ጓና ወረ ጥራይ እዩ ዝሰምዕ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ ኣብ የመን ዝተወለዐ ውግእ ኢዱ የእቱ ከም ዘሎ ብዙሓት ናይ ዜና ማዕከናት ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባዚ ንሱ ዋጋ ዝኸፍለሉ ኢድ ኣእታውነት ካብቲ ብቐጥታ ሓበሬታ ክረኽበሉ ዝግበኦ ጉጅለ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይረኸበን። ከምቲ “ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባ ብእግራ ትሓክኽ” ዝበሃል ካብ ናይ ርሑቕ ምንጭታት እዩ ከጨናጭን ጸኒሑ። እነሆ ሎሚ ግና ናጻ ማዕከናት ዜናን ጸሓፍትን ብዛዕባቲ ኢድ ኣእታውነትን ኣብ መሬት ኤርትራ ንመሻርኽቱ ዝሃቦ ወተሃደራዊ መደበርን ብዙሓት ይዛረቡን ይጽሕፉን ኣለዉ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ማርቲን ፕላውት ብዝተባህለ ጸሓፋይ ዝተዘርገሐ ሓተታ ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ንሱ ከም ዝብሎ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ መሬት ኤርትራ ነተን ኣብ ውግእ የመን ተሰሊፈን ዘለዋ በዓል ሕብረት ዓረብ ኢምሬትስ ወተሃደራዊ መደበር ዝኸውን መሬት ኣካርዩ ብዙሕ ገንዘብ ረኺቡ ኣሎ። እቲ ዝረኽቦ ረብሓ ብገንዘብ ጥራይ ዝገለጽ ዘይኮነስ ኣብ ስልጣን ንክቕጽል ነቲ ስምምዕ ከም መፈራርሒ በትሪ ናይ ምጥቃም መልእኽቲ እውን ኣለዎ።

እዚ ተግባር ንረብሓኡ እምበር ንረብሓ እቲ ብዘይሕገመንግስቲ ዝገዝኦ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይከውን ርዱእ እዩ። እዚ ጉጅለ ብመሰረቱ ህዝቢ ጠሊሙ ንህልውናኡ ጥራይ ዝተሰለፈ ሕሉፍ ዲክታቶር ምዃኑ ንጹር ክነሱ ኣብዚኣ በጺሑ ናይ ህዝቢ ሓላዪ ክኸውን ኢሉ ዝጽበ ወገን ክህሉ ዘይግመት ኣይኮነን። እቶም ካብኡ መሬት ዝካረዩ ዘለዉ ወገናት ዘገድሶም ከኣ ናታቶም ከባቢያዊ እስትራተጂያዊ ህልውና እምበር መሰልን ረብሓን ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን እትጽበዮ ኣይኮነን። ወዮ “ኣነ ናትካ ንስኻ ከኣ ናተይ” እንዳበለ ዝሽሕጦ ጉጅለ’ኳ እንዳከሓዶ ንሳቶም ክሓልይሉ ፈጺምካ እትጽበዮ ኣይኮነን።

ጉጅለ ህግደፍ ኣካይድኡ ኣብ “ዝቐደመ ኣይኽፋእ” ዝተመስረተ ለኻኺምካ ምጥፋእ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እዚ ሕጂ ንዛረበሉ ዘለና ወስታ’ውን ምስዚ ዝተቓነየ እዩ። እዚ ጉጅለ ካብዚ ዝኣትዎ ዘሎ ህዝቢ ዘይፈልጦን ዘይቆጻጸሮን ውዕላት ብውሕዱ ክልተ ረብሓታት ክረክብ እዩ። እቲ ሓደ ጉጅለኡ ዘዕንግለሉ ገንዘባዊ ረብሓ ምርካብ እዩ። እቲ ካለኣይ ድማ ኣብ ስልጣን ንክቕጽል ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ስለ ዝቖረጸ ንናቱ ከባቢያዊ ረብሓ ክብል “ኣጆኻ ኣነ ኣለኹልካ” ዝብሎ ናይ ደገ ዘራይ ሓይሊ ምርካብ። እቲ መሬቱ፡ ደቁን ካልእ ሃገራዊ ጸጋኡን ዝምንዛዕ ዘሎ ኤርትራዊ ግና ብኽንድኡ ድረጃ እዩ ዝውጻዕን መሰሉ ዝገሃዝን።

ሓደሓደ ገርሀኛታት እዚ ጉጅለ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምትታት ኣብ ፍሉይ ረብሓኡ ዝድረት ዘይኮነስ ህዝቢ ዝርበሓሉ’ውን ክኸውን ይኽእል እዩ ብዝብል ክትስፈዉ ትሰምዕ ኢኻ። እንተኾነ እዚ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸን ብተግባር ዝተራእየን እዚ በይናዊ ተዋሳኢ ጉጅለ ህግደፍ ብዘይ ኣፍልጦን ተሳትፎን ህዝቢ ዝኸዶ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ውጽኢቱ’ውን ንዓኡ ጥራይ እዩ። ምናልባት ግና ኣብቲ ህልውናኡ ንምርግጋጽ ዝገብሮ ቃልሲ ሕድሪ ህዝቢ ክሒዶም ዕድሚኡ ከናውሑ ዝተሰለፉ ውሑዳት ወገናት በዚ ረብሓ ኣይክዕንገሉን እዮም ማለት ኣይኮነን። ኩልና ከም እንፈልጦ ኣብ ኤርትራ “ወርቂ ቢሻ ተዃዒቱ ብቢልዮናት ዶላራት ይሽየጥ ኣሎ” ካብ እንሰምዕ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑ። ኣብዚ እዋንዚ ቁጠባዊ ኮነ ማሕበራዊ ኩነታት ህዝብና ናብ ድኽነትን ስእነትን ገጹ እምበር፡ ከም ናይቲ ዝሕፈስ ዘሎ ሃብቲ ወርቂ ነጸብራቕ ናይ ራህዋ ምልክት ኣይረኣናን። ውጽኢት ናይዚ ንዛረበሉ ዘለና እውን ካብዚ ወጻኢ ኣይክኸውንን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እዚ ጉዳይዚ ኣብ ነገራዊ ረብሓ ምርካብን ዘይምርካብን ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነስ ከምቲ “ኣእትወኒ እምበር ውጸለይሲ የዳዲ” ዝበሃል ንልኡላውነት ኤርትራ’ውን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ።

Last modified on Monday, 05 September 2016 23:06