ዕዮ ገዛና ክንሰርሕ ኣይከኣልናን

2016-05-01 18:47:30 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2722 times

ኣንቱም ንሰማማዕ

ጽባሕ ከይንጽፋዕ

ብምልኪ ከይንጥቃዕ

ንሓድሕድና ከይንበላላዕ

ሕደጉ ኣይንገዳዳዕ

ብሃገር ኣይንጣላዕ።

‘’ዓስ እብለኪ ክር እብለኪ እንተኣበኺ ንነብሪ ጎልጎል እህበኪ’’ ዝብል ምስላ ወለድና ኣሎ። ንሕና ነቶም ቅድመና ዝነበሩ ዝሓለፍዎ ተመኲሮ እንተስ ብቐጥታ ካብኦም ወይ ከኣ ብዝተክእዎም ኣካላት ክንዲ ንመሃር፡ ኣብ ደረጃ ምንጽጻግ ጥሒልና ንርከብ። “ሕደጉ! ኣንድነት እባ ራቢጣ እናተበበሃሃልና ኣይንፈላለ”  እናተባህለ ከሎ እኮ እዩ ኣብ ሓምሳታት ተጻባእትና ንኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትቊረን ዝፈረዱዋ። ሕጂ እውን ታሪኽ ንነፍሱ ይደግም ከም ዝበሃል እነሆ ከምታ ናብ ዓዘቕቲ ዘእተወትና ኣገባብ ሒዝና ንምርሽ ዝብሉና ወገናት ዝቀላቐሉ ዘለዉ ይመስሉ።

ሎሚ ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ፥ ንዲሞክራስን ፍትሕን ከም ቀንዲ ዕላማኡ ገይሩ ክዋሳእ  እንተዘይበቒዑ፥ ምልኪ ካብ ኣተሓሳስባና ንዘልኣለም ክድምሰስ ኣይኮነን። ኩሉ ዕዮ ገዛና ከኣ ንሕብረብሄራዊ ኣተሓሳስባ ምስ ናይ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ስነሓሳብ ብምትእስሳር ኣበርቲዕና ክንነቕሓሉን ክነተግብሮን ቀንዲ ሓላፍነት እዩ። ነዚ እምነት እዚ ምስ እንሕዝ ከኣ እዩ እቲ ናይ እምነት ናጽነት፥ ማዕረነትን ናጽነትን ዝሰፈና ሃገር፡ ሓድነትን ክብርን ህዝቢ ዘውሕስ ስርዓት ክንፈጥር እንኽእል። እዚ ክበሃል እንከሎ፡ ኩልና ናይ ዕላማ ሓድነት ክህልወና ምስ ዝኽእል እዩ ድልዱል ሃገራዊ ጥምረትን ምትእምማን ዝመልኦ ሓባራዊ ስራሓት ተወሃሂዱ ንኡድ ንኹሉ ዘዕግብ ፍታሕ ክርከብ ዝከኣል።

ካብዚ ሓሊፉ ንዕዮ ገዛና ኣትኪልናን ኣነጺርናን ኣብ ክንዲ ምስራሕ፥ ንእኡ ብዘፍርስ መንገዲ ምኻድ፡ ዕላማ ኣልቦ ኰንና ካብ ምልካዊ ኣተሓሳስባ ናጻ ክንከውን ኣይክንክእልን ኢና። ነዚ ወሪዱና ዘሎና ምልካዊ ስርዓት ክንገጥሞን ካብ ሱሩ ክንምሕዎን እምበኣር፡ ተተሓሒዝናዮ ዘሎና ዕዮ ገዛ ብሓቂ ናብ ሰላማዊ ናብራ ዘብጽሕ ከምዘይኮነ እዩ ዝእምት። ንሱ ድማ፥ ንናጽነት ኣይተቓለስናን፥ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ናይ እገለ ብሄር እዩ፥ ባንደራ እዚኣ እባ ኣቲኣ፥ እንዳበልካ፡ ታሪኽ ቃልሲ ህዝብን ስውኣቱን ብምንእኣስ ንምልኪ ዘውግዱ ኣገባብ ኣይኮኑን። ንሓርነታዊ ቃልስና ክንበቕዖን ክነዕውቶን እንተዀይና፥ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባናን ራኢናን ንመጻኢት ኤርትራ ከመይ ትመሓደርን ትህነጽን ኣብ ዝብል ሓደ ክኸውን ይግባእ። ምኽንያቱ እቲ ሽግርና ደርባዊ ወጽዓ ስለዝኾነ፡ ደርባዊ ወጽዓ ከኣ ደርባዊ ቃልሲ ብምክያድ እዩ ዝውገድ።

እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ብናይ ብሄር፡ ዓሌት ወይ ሃይማኖት ኣሳቢቡ ንፍሉይን ውሱንን ሕብረተሰብ መጥቃዕቲ ኣየካየደን። እንታይ ደኣ ብኣልማማ ንኹለን ብሄራትን ሃይማኖታትን እዩ ዝጭቊን ዘሎ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣየናይ ብሄር ወይ ኣየናይ ሃይማኖት ዝያዳ ተወጺዑ ኣብ ዝብል እንተኣቲና ኣብ ናይ ጉጅልኣዊ ባህሪ ሰጢምና እቲ ወጽዓ ኣየናይ ሃይማኖት ይኹን ብሄር ብዘየገድስ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ ንዝብል ወድዓዊ ሚዛን ንፍኩሶ ኣሎና እዩ ዘስምዕ።

ኣብ ኤርትራ፡ ስልጣንን ምንጭታት ናውቲ ማእቶትን ገቢቱ ዝሓዘ ስርዓት እምበር ንብሄር ወይ ንሃይማኖት ወኪሉ ዝጭቊን ከምዘይኮነ ኩልና ክንኣምን ይግበኣና። እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ናይ ጨቋንን ተጨቋንን እምበር ብመልክዕ ገዛእን ተገዛእን ክንጥምቶ ኣየድልን። እዚ ናይ ክልተ ተጻረርቲ ሸነኻት ጨቋንን ተጨቋንን ቁርቊስ ናይ ስልጣን መን ጨበጠ ቃልሲ ብምዃኑ፡ እቲ ሓደ ደላይ ለውጢ እቲ ካልእ ከኣ ጸረ ለውጢ እምበር ንፉሉይ ብሄር ወይ ሃይማኖት ዝመጽእ ለውጢ ኣይኮነን። ስለዚ ኣተሓሳስባና ክንደይ ካብ ኣየናይ ብሄር ወይ ሃይማኖት ተኣሲሮም ወይ ተቐቲሎም ምጽብጻብ ዘይኮነስ ኩሎም ምእንቲ ሓንቲ ኤርትራ ዝቖስሉ፡ ዝተሓየሩን ዝተሰውኡን ምዃኖም ክንዓግብ ይግበኣና። በዚ መሰረት እቲ ነዚ ምልካዊ ስርዓት ኣልጊስና ኣብ ክንድኡ ዝትከል ስርዓት ዝተኣማምን ህዝባዊ ተሳትፎን ምልኣት ሕብረተሰብን ዝውሕስ ዲሞክራሲያዊ ትካላት ክምስረት እምበር ንፍሉይ ብሄር ወይ ሃይማኖት ዘርብሕ ለውጢ ከምዘየለ’ውን ክንርዳእ ይግበኣና። እዚ ክትግበር ግን ንሓደ ስርዓት ሽፍታ ኢልካዮ ኣይበልካዮ፥ ባንደራና እቲኣ ወይ እዚኣ፥ ናጻ ሃገር የለን ብምባል ነቲ ስርዓት ዝቕይር ኣይኮነን።

እቲ ጸገም ናይ ኩሉ ክነሱ፡ ናይ ሓደ ብሄር ወጽዓ እዩ ምባልን፥ ዲሞክራስን ፍትሕን ኣየረጋገጽን እዩ።  እዚ ኮነ ኢልካ ብገለ ገለ ወገናት ሃገራዊ መንነትናን ናጽነትናን ክብርናን ናይ ምድኻም ኣዕናዊ ፈተነ እዩ። እዚ ግጉይ ኣካይዳ ምስ ዝዕወት ናብ ገደል ከእትውናን ነቲ ቅኑዕ ሓርነታዊ ቃልሲ በቲ ክኸዶ ዝግበኦ ስነፍልጠታውን ፍቱንን ኣገባብ ኣቀላልሳ ከይከይድ ዝዕንቅፍ  ሽርሒ እውን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ መንእሰይ  ተመኲሮ ኣያታቱ ከይቀስምን ምስኣያታቱ  ከይቃለስን ወግሐ ጸብሐ ምቱኽታዅ፡ ሃገራዊ መንነትና ንምህሳስ ዝግበር ምህዞ እዩ። እዚ ከይዱ ከይዱ ኣግላሊ ባህርያትን ጠባያትን ከም ዝስዕርር ይገብር እሞ ሰላም፡ ቅሳነትን ርግእትን ዝሰፈና ሃገር ኣብ ምምስራት ኣፍራስን ግቡእና ከይንፍጽም ዓንቃፍን እዩ።

Last modified on Sunday, 01 May 2016 20:51